ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 7

‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’—ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’—ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

1, 2. እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ ምድሪ ሲና ምስ በጽሑ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ የሆዋኸ እንታይ ውሕስነት ሃቦም፧

 እስራኤላውያን ኣብ መጀመርታ ናይ 1513 ቅ.ክ. ኣብ ምድሪ ሲና ምስ በጽሑ ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም። በቲ “መርዛማት ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎ፡ . . . ዓብይን ዜፍርህን በረኻ” ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ኺጕዓዙ ነበሮም። (ዘዳግም 8:15) ተጻረርቲ ሃገራት እውን የፈራርህዎም ነበሩ። ናብዚ ጕዕዞ እዚ ዘምጸኦም የሆዋ ኣምላኾም እዩ። እሞኸ ከም ኣምላኾም መጠን ኬዕቍቦም ድዩ፧

2 የሆዋ ኼዕቍቦም ከም ዚኽእል ከምዚ ብምባል ውሕስነት ሃቦም፦ “ብኣኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ምእንቲ ኸምጽኣኩም፡ ንግብጻውያን እንታይ ከም ዝገበርክዎም ንስኻትኩም ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።” (ዘጸኣት 19:4) ብምሳልያዊ መገዲ በኽናፍ ንስሪ ጾይሩ ኻብ ግብጻውያን ከም ዘድሓኖም እዩ ኣዘኻኺርዎም። ይኹን እምበር፡ “ኣኽናፍ ንስሪ” መለኮታዊ ዕቝባ ንምምልካት ብቑዕ ምሳሌ ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ።

3. “ኣኽናፍ ንስሪ” መለኮታዊ ዕቝባ ንምምልካት ብቑዕ ምሳሌ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

3 ንስሪ ነቲ ገዚፍን ድልዱልን ኣኽናፋ ናብ ላዕሊ ንምንፋር ጥራይ ኣይኰነትን እትጥቀመሉ። ኣብ እዋን ብርቱዕ ሃሩር ሓንቲ ንስሪ ነቲ ኽልተ ሜተር ዚበጽሕ ኣኽናፋ ዘርጊሓ ንጨጨውታ ኻብታ መራር ጸሓይ ተጽልለን። ኣብ እዋን ቍሪ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ትሓቝፈን። የሆዋ እውን ነቶም ከም ህዝቢ ኻብ ዝቘሙ ነዊሕ ዘይገበሩ እስራኤላውያን ልክዕ ከምቲ ንስሪ ንጨጨውታ እተዕቝቦም ገይሩ ይከላኸለሎምን የዕቍቦምን ነይሩ እዩ። ሕጂ ድማ ኣብቲ በረኻ እሙናት ኰይኖም እንተ ደኣ ቐጺሎም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ምሳልያዊ ኣኽናፉ ዕቝባ ረኺቦም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ እዩ ኣረጋጊጹሎም። (ዘዳግም 32:9-11፣ መዝሙር 36:7) ሎሚኸ ዕቝባ የሆዋ ንምርካብ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ዲና፧

መለኮታዊ ዕቝባ ኸም እንረክብ እተዋህበና ተስፋ

4, 5. ኣምላኽ ከም ዜዕቍበና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 የሆዋ ንህዝቡ ብርግጽ ኬዕቍቦም ይኽእል እዩ። “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ዚብል መዓርግ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ኪቃወሞ ዚኽእል ማንም ከም ዘየልቦ ይሕብር። (ዘፍጥረት 17:1) እቲ የሆዋ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ልክዕ ከምቲ ዘይግታእ ማዕበል ዚዕንቅፎ የልቦን። ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብር ዚኽእል ካብ ኰነ፡ ‘ንህዝቡ ንምዕቋብ ኢሉ ሓይሉ ኺጥቀምከ ፍቓዱ ድዩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን ኢና።

5 መልሱ ብሓንቲ ቓል ‘እወ!’ ዚብል እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ኬዕቍቦም ምዃኑ ቃል ኣትዩልና ኣሎ። መዝሙር 46:1፡ “ኣምላኽ መዕቈቢናን ብርታዐናን ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን እዩ” ትብለና። ኣምላኽ “ኪሕሱ ዘይክእል” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኼዕቍበና ዝኣተዎ ቓል ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። (ቲቶስ 1:2) የሆዋ ነቲ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ዝገልጽ ገለ ምሳሌታት እስከ ንርአ።

6, 7. (ሀ) እቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጓሳ ንኣባጊዑ ኸመይ ዝበለ ዕቝባ እዩ ዚገብረለን ነይሩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ንኣባጊዑ ንምዕቋብን ንምሕላይን ዘለዎ ልባዊ ባህጊ ብኸመይ ዝበለ ምሳሌ እዩ ዚገልጾ፧

6 የሆዋ ጓሳዪና እዩ፡ “ንሕና ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና።” (መዝሙር 23:1፣ መዝሙር 100:3) ካብ እንስሳታት ከም በጊዕ ገይሩ መስኪን የሎን። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጓሳ ንኣባጊዑ ኻብ ኣናብስ፡ ተዃሉ፡ ድቢ፡ ከምኡ እውን ካብ ሰረቕቲ ምእንቲ ኼዕቍበን ተባዕ ኪኸውን የድልዮ ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:34, 35፣ ዮሃንስ 10:12, 13) ይኹን እምበር፡ ብለውሃት ተላዒልካ ንኣባጊዕካ ምዕቋብ ዜድልየሉ እዋናት እውን ነይሩ እዩ። ሓንቲ በጊዕ ካብቲ መጓሰ ተፈልያ ምስ እትወልድ፡ እቲ ሓላዪ ጓሳ ኣብዚ ኣሸጋሪ ዅነታት እዚ ይሕልዋ፡ ነታ ዕየት ሓቚፉ ኸኣ ናብቲ መጓሰ ይወስዳ።

“ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ”

7 የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓደ ጓሳ ብምምስሳል፡ ብዛዕባ እቲ ንዓና ንምዕቋብ ዘለዎ ልባዊ ባህጊ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ህዝቅኤል 34:11-16) ነቲ ኣብ ምዕራፍ 2 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተመያየጥናሉ ኣብ ኢሳይያስ 40:11 ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋ እተዋህበ መግለጺ ንዘክሮ፦ “ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን እዩ። ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ።” ሓንቲ ዕየት ናብ “ሕቝፊ” ጓሳኣ እትኣቱ ብኸመይ እያ፧ ነቲ ጓሳ ትቐርቦ፡ ኣብ እግሩ እውን ትጕዝጐዞ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ድንን ኢሉ ነታ ዕየት ብምልዓል ብጥንቃቐ ኣብ ሕቝፉ ኺስከማ ዘለዎ እቲ ጓሳ እዩ። እዝስ እቲ ዓብዪ ጓሳና ንዓና ንምጽላልን ንምዕቋብን ክሳዕ ክንደይ ፍቓደኛ ምዃኑ ዜጕልሕ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል መግለጺ ዀን እዩ!

8. (ሀ) እቲ የሆዋ ዕቝባ ኺህበና ምዃኑ ዝኣተዎ ቓል ኣብ መን እዩ ዚውዕል፧ እዚኸ ኣብ ምሳሌ 18:10 ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ስም የሆዋ ንምዕቋብ እንታይ ምግባር ይሓትት፧

8 እቲ የሆዋ ዕቝባ ኺህብ ምዃኑ ዝኣተዎ ቓል ኣብቶም ዚቐርብዎ ጥራይ እዩ ዚውዕል። ምሳሌ 18:10፡ “ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ። ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ” ትብለና። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዕቈቢ ተባሂሉ ኣብ በረኻ ግምቢ ዚህነጸሉ ግዜያት ነበረ። እቲ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዘሎ ሰብ ዕቝባ ኺረክብ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ባዕሉ ናብቲ ግምቢ ሃዲሙ ኺጽጋዕ ኣለዎ። ካብ ስም የሆዋ ዚርከብ ዕቝባ እውን ከምኡ እዩ። ነቲ ስም እቲ ኻብ ምጽዋዕ ንላዕሊ ይሓትት። ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ብምጽዋዕ ጥራይ እትረኽቦ ፍሉይ ነገር የሎን። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ በቲ ስም እቲ ዝጽዋዕ ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንውከሎን ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኸኣ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ኣሎና። የሆዋ ብእምነት እንተ ደኣ ቐሪብናዮ፡ ከም ግምቢ ኼዕቍበና ምዃኑ ቓል ብምእታዉስ ኣየ ኽንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ!

“እቲ እነገልግሎ ኣምላኽና . . . ኬናግፈና ይኽእል እዩ”

9. የሆዋ ዕቝባ ኸም ዚገብር ቃል ኣትዩ ጥራይ ስቕ ዚብል ከም ዘይኰነ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

9 የሆዋ ዕቝባ ኸም ዚገብር ቃል ኣትዩ ጥራይ ስቕ ዚብል ዘይኰነስ፡ ንህዝቡ ንምዕቋብ ክእለት ከም ዘለዎ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ታሪኽ እስራኤል ነቶም ብርቱዓት ጸላእቲ ህዝቡ በታ ሓያል ‘ኢዱ’ ይቈጻጸሮም ነበረ። (ዘጸኣት 7:4) ነቲ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ኣብ ውልቀ ሰባት እውን ከይተረፈ ኣውዒልዎ እዩ።

10, 11. የሆዋ ነቲ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ኣብ ውልቀ ሰባት እውን ከይተረፈ ብኸመይ ከም ዜውዕሎ ኣየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት እዩ ዜርእየና፧

10 ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እተባህሉ ሰለስተ እብራውያን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኣይንሰግድን ኢሎም ምስ ኣበዩ፡ እቲ ነዲሩ ዝነበረ ንጉስ ኣብቲ ብርቱዕ ሃልሃልታ ዝነበሮ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብዮም ምዃኑ ኣፈራርሆም። እቲ ሽዑ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝሓየለ ንጉስ ነቡካድነጻር ብምስትንዓቕ፡ “ካብ ኣእዳወይ ኬናግፈኩም ዚኽእል ኣምላኽከ መን እዩ፧” በለ። (ዳንኤል 3:15) እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣምላኾም ንዓታቶም ንምዕቋብ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ምሉእ ምትእምማን እኳ እንተ ነበሮም፡ ኬድሕነና እዩ ዚብል ትጽቢት ግና ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ፡ “ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ እነገልግሎ ኣምላኽና . . . ኬናግፈና ይኽእል እዩ” ኢሎም መለሱ። (ዳንኤል 3:17) እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ዕጽፊ ምስ ጐሃረ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ሓያል ኣምላኾም ጸገም ኣይፈጠረሉን። ኣዕቊብዎም እዩ፡ ሽዑ እቲ ንጉስ፡ “ከምዚ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን” ኪብል ተገደደ።—ዳንኤል 3:29

11 የሆዋ ንህይወት እቲ ሓደ ወዱ ኣብ ማሕጸን እታ ኣይሁዳዊት ድንግል ማርያም ብምምሕልላፍ እውን ነቲ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ብኣዝዩ ፍሉይ መገዲ ገሊጽዎ እዩ። ሓደ መልኣኽ ንማርያም፡ “ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ . . . መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:31, 35) ቅድሚኡ ወዲ ኣምላኽ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜስግእ ኵነታት ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን። ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን እታ ሰብኣዊት ኣደ ነዚ ድቂ እዚ ይትንክፎ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ሕጻን ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ሰይጣን ይጐድኦ ወይ ይቐትሎ ደዀን ይኸውን፧ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ! የሆዋ እቲ ድቂ ኻብቲ እተጠንሰሉ ግዜ ኣትሒዙ ብዝዀነ ይኹን ዘይፍጽምና ዀነ ዚጐድእ ነገር ወይ ዓመጸኛ ሰብ ምእንቲ ኸይትንከፍ ኢሉ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ዙርያ ማርያም ዕርዲ ዓረደ። የሆዋ ንየሱስ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ እውን ኣዕቊብዎ እዩ። (ማቴዎስ 2:1-15) እቲ ኽቡር ወዲ ኣምላኽ ክሳዕ እቲ ምዱብ ግዜ መጥቃዕቲ ኣየጋጠሞን።

12. የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበሩ ገለ ውልቀ ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ ዘዕቈቦም ስለምንታይ እዩ፧

12 የሆዋ ንገለ ውልቀ ሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ መገዲ ዜዕቍቦም ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ የሆዋ ንውልቀ ሰባት ዜዕቍቦም ዕላማኡ ንምፍጻም ኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚጠቅም ምድሓን እቲ ሕጻን የሱስ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ዚገልጽ ጸብጻብ ክፍሊ እቲ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” እተባህለሉ ቕዱሳት ጽሑፋት እዩ። (ሮሜ 15:4) እወ፡ እዚ ኣብነታት እዚ ነቲ ኣብቲ ብሓይሉ ምሉእ ዝዀነ ኣምላኽ ዘሎና እምነት የደልድሎ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ኻብ ኣምላኽ እንታይ ዕቝባ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

መለኮታዊ ዕቝባ ኣሎና ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት ኣይኰነን፧

13. የሆዋ ምእንታና ኢሉ ተኣምራት ኪፍጽም ይግደድ ድዩ፧ ግለጾ።

13 የሆዋ መለኮታዊ ዕቝባ ኺገብረልና ቓል ምእታዉ ተኣምራት ንኺገብረልና የገድዶ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽና ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ብዘይ ሽግር ክንነብር ውሕስነት ይህበና እዩ ማለት እውን ኣይኰነን። መብዛሕትኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም እኒ ድኽነት፡ ውግእ፡ ሕማም፡ ሞት ዝኣመሰለ ኸበድቲ ሽግራት የሕልፉ እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብውልቀ ሰብ ደረጃ ብምኽንያት እምነቶም ኪቕተሉ ኸም ዚኽእሉ ኣነጺሩ ነገሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኽሳዕ መወዳእታ ኺጻወሩ ዘጕለሓሎም። (ማቴዎስ 24:9, 13) የሆዋ ኣብ ኵሉ ዜጋጥመና ጸገማት ብሓይሉ ተጠቒሙ ብተኣምራዊ መገዲ እንተ ዜድሕነና ነይሩ፡ ሰይጣን ንየሆዋ መባጨወሉ፡ ነቲ ንኣምላኽና ዘሎና ተወፋይነት ከኣ ኣብ ሕቶ መእተዎ።—እዮብ 1:9, 10

14. የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብሓደ ዓይነት መገዲ ኸም ዘየዕቍቦም ኣየናይ ኣብነታት እዩ ዚገልጸልና፧

14 የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኻብ ዘይተሓስበ ሞት ምእንቲ ኼናግፎ ኢሉ ነቲ ንምዕቋብ ዜውዕሎ ሓይሉ ይጥቀመሉ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ያእቆብ ብ44 ድ.ክ. ብሄሮድስ ተቐትለ፣ ድሕሪኡ ቝሩብ ጸኒሑ ግና ጴጥሮስ “ካብ ኢድ ሄሮድስ” ደሓነ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:1-11) ዮሃንስ ሓው ያእቆብ ከኣ ድሕሪ ሞት ጴጥሮስን ያእቆብን ነዊሕ ዕድመ ጸንሐ። ስለዚ ብርግጽ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብሓደ ዓይነት መገዲ ኼዕቍቦም ኢልና ትጽቢት ክንገብረሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንዅልና ‘ግዜን ኣጋጣምን የጓንፈና’ እዩ። (መክብብ 9:11) እሞ ብኸመይ ደኣ እዩ ዜዕቍበና፧

የሆዋ ብኣካላዊ መዳይ የዕቍበና

15, 16. (ሀ) የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኣካላዊ መዳይ ዝመጸ ብደረጃ ጕጅለ የዕቍቦም ምዃኑ ዚገልጸልና እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) የሆዋ ሕጅን ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ”ን ንኣገልገልቱ ኸም ዜዕቍቦም ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 ብመጀመርታ ደረጃ ብዛዕባ እቲ ዚህበና ኣካላዊ ዕቝባ ንርአ። ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ብደረጃ ጕጅለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ኽንረክብ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ዕቝባ የሆዋ እንተ ዘይህልወና ነይሩ ሰይጣን ብቐሊሉ መጥቅዓና። ከመይሲ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ንኣምለኽቲ የሆዋ ከም ምጥፋእ ገይሩ ዜሐጕሶ ነገር የሎን። (ዮሃንስ 12:31፣ ራእይ 12:17) ኣብ ምድሪ ዚቕልቀሉ ገለ ሓያላት መንግስትታት ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ይእግድዎ፡ ፈጺሞም ኬጽንቱና ኸኣ ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም፡ ስብከቶም ከኣ ብዘይምቍራጽ ሰቢኾም እዮም! ሓያላት ሃገራት ንዕዮ እዞም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ፡ ኪከላኸሉ ድማ ዘይክእሉ ዚመስሉ ክርስትያናት ደው ኬብልዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋ በቲ ሓያል ኣኽናፉ ገይሩ ስለ ዜዕቍበና እዩ!—መዝሙር 17:7, 8

16 ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ”ኸ ብኣካላዊ መዳይ ኬዕቍበና ድዩ፧ ኣምላኽ ፍርዱ ኼውርድ ከሎ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። ከመይሲ፡ “የሆዋ ነቶም ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኻብ ፈተና ኸም ዜናግፎም ይፈልጥ እዩ፣ ንዓመጽቲ ግና ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ኺጠፍኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚዓቝሮም ይፈልጥ እዩ።” (ራእይ 7:14፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) ክሳዕ ሽዑ ግና ብዛዕባ ኽልተ ነገራት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኻብ ምድሪ ኺጸንቱ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ። ካልኣይ፡ ነቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ—ኣድላዪ እንተ ደኣ ዀይኑ ብትንሳኤ—ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪህቦም እዩ። እቶም ዝሞቱ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ካብ ምዃን ንላዕሊ ዚበልጽ ዕቝባ የብሎምን።—ዮሃንስ 5:28, 29

17. የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ብቓሉ ዜዕቍበና፧

17 የሆዋ ሕጂ እውን ከይተረፈ በቲ ልቢ ንምፍዋስን ናብራ ህይወት ንምምሕያሽን ዚድርኽ ሓይሊ ዘለዎ ህያው ዝዀነ ‘ቓሉ’ ኣቢሉ የዕቍበና እዩ። (እብራውያን 4:12) ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ከኣ ብገለ መዳያት ኻብቲ ንስጋና ኺጐድእ ዚኽእል ነገራት ክንዕቈብ ንኽእል ኢና። ኢሳይያስ 48:17፡ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ትብል። ምስ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስ፡ ጥዕና ኽንረክብ፡ ዕድመና ድማ ኪነውሕ ይኽእል። ንኣብነት፡ ነቲ ኻብ ምንዝርና ኽንርሕቕን ካብ ዜርክስ ዘበለ ነገራት ርእስና ኸነንጽህን እተዋህበና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ስለ እነውዕሎ፡ ካብቲ ንናብራ ህይወት እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓያሎ ሰባት ኣበላሽዩ ዘሎ ርኹስ ተግባራትን ጐዳኢ ልምድታትን ክንርሕቕ ክኢልና ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ኣየ እወ፡ ሳላ ቓል ኣምላኽ ዕቝባ ብምርካብናስ ክንደይከ ኸነመስግን ዘይግብኣና!

የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ የዕቍበና

18. የሆዋ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ዕቝባ እዩ ዚህበና፧

18 ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ የዕቍበና እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና ንሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ክንነብር ስለ ዚደልየና፡ ፈተናታት ንምጽዋርን ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምዕቃብን ዜኽእለና ዕጥቂ ብምሃብ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና እዩ። ገለ ኻብቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ኼዕቍበና ዚኽእል ናይ ኣምላኽ ምድላዋት ንርአ።

19. መንፈስ የሆዋ ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ሓይሊ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧

19 የሆዋ “ሰማዕ ጸሎት” እዩ። (መዝሙር 65:2) ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዀይኑ ዚስምዓና ጸቕጥታት ኺወርደና ኸሎ፡ ልብና ምስ እነፍስሰሉ ብዙሕ ዕረፍቲ ኼምጽኣልና ይኽእል። (ፊልጲ 4:6, 7) ንፈተናታትና ብተኣምራዊ መገዲ እኳ እንተ ዘየልገሶ፡ ጸሎትና ብምስማዕ ንኽንዋጽኣሉ ጥበብ ይህበና እዩ። (ያእቆብ 1:5, 6) ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም። (ሉቃስ 11:13) እቲ ሓያል መንፈስ እቲ ንዜጋጥመና ዘበለ ዝዀነ ይኹን ፈተና ወይ ግድል ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል፡ ክሳዕ እቲ የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅሉ መሪር ጸገማት ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዜልግሰሉ እዋን ድማ ንምጽዋር ዜኽእለና “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበና ይኽእል።—2 ቈረንቶስ 4:7

20. እቲ የሆዋ ንዓና ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ብኣሕዋትና ኣቢሉ ዚመጸና ብኸመይ እዩ፧

20 ሓድሓደ ግዜ እቲ የሆዋ ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ብኣሕዋትና ኣቢሉ እውን ይመጸና እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ናብቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ እተወደቡ “ኣሕዋት” ሰሓቦም። (1 ጴጥሮስ 2:17፣ ዮሃንስ 6:44) ኣብዚ ፍቕራዊ ሃዋህው ዘለዎ ሕውነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ሰናይ ኪገብሩ ኺጸልዎም ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ህያው መርትዖ ኢና እንርኢ። እቲ መንፈስ እቲ ኸም እኒ ፍቕሪ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት ዝኣመሰለ ኽቡር ባህርያት የፍርየልና። (ገላትያ 5:22, 23) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምስ እንህሉ እሞ ሓደ ሓውና ሓጋዚ ምኽሪ ምስ ዚህበና ወይ ኣብቲ እዋን እቲ ዜድልየና ዜተባብዕ ቓላት ምስ ዚዛረበና፡ የሆዋ ብሓልዮት ተላዒሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ስለ ዝሃበና ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና።

21. (ሀ) የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ኸመይ ዝበለ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ዚህበና፧ (ለ) ካብቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ ኼዕቍበና ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ብኸመይ ኢና ብብሕቲ ተጠቒምና፧

21 የሆዋ ምእንቲ ኼዕቍበና ኢሉ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ይህበና እዩ። ካብ ቃሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መንፈሳዊ ምግቢ ኺህበና መዚዝዎ ኣሎ። እቲ እሙን ባርያ ኸም እኒ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዝኣመሰላ መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ብምሕታም፡ ከምኡ እውን በቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ዀነ በቲ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ገይሩ እንታይ ከም ዜድልየናን መዓስ ከም ዜድልየናን ፈሊጡ ‘ምግቢ ብግዜኡ’ ይህበና። (ማቴዎስ 24:45) ብገለ ኻብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እተዋህበ ሓሳባት፡ ዝቐረበ መደረ ወይ ጸሎት ሓይልን ምትብባዕን ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ብሓንቲ ኻብቲ ኣብ መጽሔታትና ዝረኸብካያ ዓንቀጽ ልብኻ ተተንኪኻዶ ትፈልጥ፧ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ኼዕቍበና ኢሉ እዚ ዅሉ ምድላዋት እዚ ኸም ዝገበረልና ንዘክር።

22. የሆዋ ንሓይሉ በየናይ መገድታት እዩ ዚጥቀመሉ፧ ከምኡ ምግባሩ ንረብሓና ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

22 የሆዋ “ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ” ብርግጽ ዋልታኦም እዩ። (መዝሙር 18:30) ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ኵሉ መከራ ኼዕቍበና ኢሉ ሓይሉ ኸም ዘይጥቀም ንፈልጥ ኢና። ዕላማኡ ንምፍጻም ግና ወትሩ ይጥቀመሉ እዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ንረብሓ ህዝቡ ዀይኑ እዩ ዚርከብ። ንየሆዋ እንተ ቐሪብናዮ፡ ኣብ ፍቕሩ ኸኣ እንተ ጸኒዕና፡ ፍጽምና ዘለዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ይህበና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን መከራ “ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” ጌርና ኢና እንወስዶ።—2 ቈረንቶስ 4:17