ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 8

እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

1, 2. ሎሚ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት እንታይ ሕማቕ ነገራት እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ እዩ ዚትንክየና፧

 ሓደ ቘልዓ ዚፈትዋ መጻወቲት ምስ ጠፍኣቶ ወይ ምስ ተሰብረቶ ኣምሪሩ ኺበኪ ኽትሰምዖ ኸለኻ ኸብድኻ እዩ ዚበልዓካ። ይኹን እምበር፡ ወላዲኡ ምስ ረኸበሉ ወይ ምስ ኣዐረየሉ ብኽያቱ ናብ ፍሽኽታ ኪቕየር ከሎ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ነታ መጻወቲት ምርካባ ወይ ምዕራያ ነቲ ወላዲ ቐሊል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ቘልዓ ግና እታ ዝቐበጻ መጻወቲቱ ስለ እተመልሰትሉ፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ እዩ ዚብል።

2 እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ፡ ምድራውያን ደቁ ዝቐበጽዎ ነገር ኪመልሰሎም ክእለት ኣለዎ። ዝጠፍአ ወይ እተሰብረ መጻወቲ ማለትና ግና ኣይኰነን። ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ ኸበድቲ ሽግራት የጋጥመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከም እኒ ገዛ፡ ጥሪት፡ ስራሕ፡ ጥዕና ዝኣመሰለ ሰባት ኣኽቢሮም ዚርእይዎ መብዛሕትኡ ነገራት እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣከባቢ ዚወርድ ዘሎ ጥፍኣትን ብሰንኩ ኸኣ ብዙሓት ናይ ህያዋን ፍጥረታት ጅር (ስፒሽስ) ምጽናቶምን ክንሓስብ ከለና ጥራይ የጨንቐና እዩ። ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ግና እነፍቅሮ ሰብ ኪሞተና ኸሎ፡ ኣጸቢቑ እዩ ዚስምዓና። ብሓዘን ኵምትር ኢልና ኽንድቈስ እውን ንኽእል ኢና።—2 ሳሙኤል 18:33

3. ግብሪ ሃዋርያት 3:21 ከመይ ዝበለ ዜጸናንዕ ተስፋ እያ እትህበና፧ ነዚኸ የሆዋ ብመን ገይሩ እዩ ዚፍጽሞ፧

3 ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ምፍላጥሲ ኽንደይ ዜጸናንዕ ዀን እዩ! ቀጺልና ኸም እንርእዮ ኣምላኽ ንምድራውያን ደቁ ማእለያ ዘይብሉ ዜደንቕ ነገራት እዩ ኺገብረሎም። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ኺመጽእ ምዃኑ እዩ ዚነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 3:21) ነዚ ድማ የሆዋ በታ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዜመሓድራ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ እዩ ዚፍጽሞ። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ካብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ሰማይ ትገዝእ ከም ዘላ ዚሕብር መርትዖታት ኣሎ። a (ማቴዎስ 24:3-14) እቲ ዚሕደስከ እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ የሆዋ ዜሐድሶ ወይ ዚመልሶ ዓበይቲ ነገራት እስከ ንርአ። ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ድሮ ንርእዮን ኣብ ህይወትና ንምከሮን ኣለና። እቲ ኻልእ ድማ ኣብ ዚመጽእ ብስፍሕ ዝበለ ደረጃ ኺፍጸም እዩ።

ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ

4, 5. ህዝቢ ኣምላኽ ብ607 ቅ.ክ. እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ የሆዋኸ እንታይ ተስፋ እዩ ዝሃቦም፧

4 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዛጊት ዘሐደሶ ወይ ዝመለሶ ነገር ንጹህ ኣምልኾ እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ምእንቲ ኺሕግዘና ታሪኽ መንግስቲ ይሁዳ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። ከምዚ ምግባርና ድማ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ዘሎ ሓይሊ ተወሳኺ ምስትውዓል ክንረክብ ይሕግዘና።—ሮሜ 15:4

5 የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ክትዓኑ ኸላ፡ እቶም እሙናት ኣይሁድ እንታይ ከም እተሰምዖም ሕስብ እሞ ኣብሎ። እታ ዚፈትውዋ ኸተማኦም ክትዓኑ፡ መናድቓ ድማ ኪፈራርስ ከሎ ርእዮም እዮም። እቲ ዝኸፍአ ኸኣ እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ኣብ ምድሪ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ዝነበረት ክብርቲ ቤተ መቕደስ እውን ከይተረፈት ናብ ኵምራ እምኒ ኽትቅየር ከላ ርእዮም እዮም። (መዝሙር 79:1) እቶም ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ተወስዱ ኸኣ፡ ዓዶም ኣራዊት ዚነብሩላ ዑና ዀይና ተረፈት። (ኤርምያስ 9:11) እዚ ዅነታት እዚ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ፈጺሙ ዘይመስል እዩ ነይሩ። (መዝሙር 137:1) ይኹን እምበር፡ እቲ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ጥፍኣት እዚ ዝኣወጀ የሆዋ ንዅሉ ዜሐድሰሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።

6-8. (ሀ) ኣብቲ እብራውያን ነብያት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት እንታይ ፍረ ነገር እዩ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዚርከብ፧ እቲ ትንቢታት ናይ መጀመርታ ፍጻመኡ ዝረኸበኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ህዝቢ ኣምላኽ ፍጻመ እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ኣብ ህይወቶም ብኸመይ እዮም እተመከርዎ፧

6 ብተደጋጋሚ እተጠቕሰ ፍረ ነገር እቲ እብራውያን ነብያት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ምሕዳስ ወይ ምምላስ ዚብል እዩ። b የሆዋ በዞም ነብያት እዚኦም ኣቢሉ ሃገሮም ክትሕደስ፡ ሰብ ኪነብረላ፡ ክትለምዕ፡ ካብ ኣራዊትን ካብ ጸላእትን ከኣ ክትሕሎ ምዃና ኣተስፈወ። እታ እተመልሰት ሃገሮም ናብ ገነት ክትቅየር ምዃና ገለጸሎም። (ኢሳይያስ 65:25፣ ህዝቅኤል 34:25፣ 36:35) ልዕሊ ዅሉ ድማ ንጹህ ኣምልኾ ኺምለስ፡ እታ ቤተ መቕደስ ከኣ እንደገና ኽትህነጽ ምዃና እውን ተነግሮም። (ሚክያስ 4:1-5) እዚ ትንቢታት እዚ ነቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነተን ኣብ ባቢሎን ዝነበሩለን 70 ዓመት ተጸሚሞም ኪሓልፍወን ዚሕግዞም እዩ ነይሩ።

7 ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ዚምለሰሉ ግዜ መጸ። እቶም ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ቤተ መቕደስ የሆዋ ሃነጹ። (እዝራ 1:1, 2) በቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ዚመላለሱሉ ዝነበሩ ግዜ የሆዋ ባረኾም፡ ንሃገሮም ከኣ ከም እትለምዕን ከም እትብልጽግን ገበራ። ካብ ጸላእቶምን ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሰፊሮምዋ ዝነበሩ ኣራዊትን ከኣ ኣዕቈቦም። በቲ የሆዋ ንምሕዳስ እተጠቕመሉ ሓይልስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ምሕዳስ እተነግረ ትንቢታት ኣብቲ ግዜ እቲ ብውሕዱ ጥራይ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ማለት ኣብ ግዜና እቲ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ እተተስፈወ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ዝዀነ ወራሲ ምስ ነገሰ፡ እቲ ዝዓበየ ፍጻመኡ ረኸበ።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ 9:6, 7

8 የሱስ ብ1914 ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ነገሰ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ መንፈሳዊ ዅነታት እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣተኰረ። ልክዕ ከምቲ እቲ ዝሰዓረ ፋርሳዊ ንጉስ ቂሮስ ነቶም ተረፍ ኣይሁድ ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ሓራ ዘውጽኦም፡ የሱስ እውን ነቶም ኣስኣሰሩ ዚስዕቡ ተረፍ መንፈሳውያን ኣይሁድ ካብ ጽልዋ እዛ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ኣውጽኦም። (ራእይ 18:1-5፣ ሮሜ 2:29) ካብ 1919 ኣትሒዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንደገና ብንጹህ ኣምልኾ ኺመላለሱ ጀመሩ። (ሚልክያስ 3:1-5) ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ህዝቢ የሆዋ ኣብታ ዝጸረየት መንፈሳዊት መቕደሱ፡ ማለት ኣብቲ ንሱ ዝሰርዖ ምድላው ናይ ንጹህ ኣምልኾ የምልኽዎ ኣለዉ። እዚ ሎሚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

መንፈሳዊ ምሕዳስ ዘድለየሉ ምኽንያት

9. ህዝበ ክርስትያን ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ንኣምልኾ የሆዋ እንታይ ገበረቶ፧ የሆዋ ግና ኣብዚ ግዜና እንታይ እዩ ዝገበረ፧

9 ምስዚ እተተሓሓዘ ታሪኽ እሞ ንመርምር። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ይረኽቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺብከልን ኪጠፍእን ምዃኑ ኣቐዲሞም ነጊሮም እዮም። (ማቴዎስ 13:24-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ከኣ ህዝበ ክርስትያን ተቐልቀለት። ኣቕሽሽታ ኸኣ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ልምድታትን ኣተኣታተዉ። ንኣምላኽ ከም ሓደ ኺርድኣካ ዘይክእል ስላሴ ገይሮም ብምግላጽ፡ ንምእመናኖም ከኣ ኣብ ክንዲ ናብ የሆዋ ናብ ካህናቶም ኪናዘዙን ናብ ማርያም ከምኡ እውን ናብ እተፈላለዩ “ቕዱሳን” ኪጽልዩን ብምምሃር ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዳርጋ ኸም ዘይከኣል ገበርዎ። እዚ ምብልሻው ናይ ንጹህ ኣምልኾ ንነዊሕ ዘመናት ድሕሪ ምቕጻሉ የሆዋ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ኣብዛ ሎሚ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመልአት፡ ብእኩይ ተግባራት ከኣ እተበላሸወት ዓለም ጣልቃ ብምእታው ንንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ መለሶ። እዚ ምሕዳስ ናይ ንጹህ ኣምልኾ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ግዜና እተገብረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕቤት እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

10, 11. (ሀ) መንፈሳዊ ገነት እንታይ ክልተ ነገራት እዩ ዜጠቓልል፧ ንዓኻኸ ብኸመይ እዩ ዚትንክየካ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ገነት እንታይ ዓይነት ሰባት እዩ ኣኪቡ ዘሎ፧ እንታይ ናይ ምርኣይ መሰልከ እዮም ኪረኽቡ፧

10 በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ገነት ይነብሩ ኣለዉ፣ እዚ ገነት እዚ ድማ ወትሩ እናተመሓየሸን እናማዕበለን እዩ ዚኸይድ። መንፈሳዊ ገነትከ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ ብመሰረቱ ኽልተ መዳያት ዚሓቍፍ እዩ። ቀዳማይ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚቐርብ ንጹህ ኣምልኾ እዩ። በቲ ኻብ ሓሶትን ምትላልን ናጻ ዝዀነ ኣገባብ ኣምልኾ ባሪኹና እዩ። ብመንፈሳዊ ምግቢ እውን ባሪኹና እዩ። እዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና ኽንፈልጦን ኸነሐጕሶን ኽንቀርቦን ይሕግዘና። (ዮሃንስ 4:24) እቲ ኻልኣይ መዳይ መንፈሳዊ ገነት ድማ ንሰባት የመልክት። ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” የሆዋ ንኣምለኽቱ መገዲ ሰላም መሃሮም። ካብ ማእከልና ውግእ ዚብሃል ኣጥፊእዎ እዩ። ዘይፍጹማት ክነስና “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ይሕግዘና፡ ብስርዓታቱ ንምምልላስ ጻዕሪ ኽንገብር ከለና ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ዜፍርየልና መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ይባርኸና እዩ። (ኤፌሶን 4:22-24፣ ገላትያ 5:22, 23) ምስ መንፈስ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ትመላለስ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ብሓቂ ኽፍሊ መንፈሳዊ ገነት ኢኻ።

11 የሆዋ ንዜፍቅሮም ሰባት ናብ መንፈሳዊት ገነት ይእክቦም ኣሎ። እዚኣቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ፡ ሰላም ዚፈትዉ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” እዮም። (ማቴዎስ 5:3) ዝያዳ መስተንክር ዝዀነ ምሕዳስ ማለት ወዲ ሰብን ምልእቲ ምድርን ናብቲ መጀመርታ ዝነበሮ ዅነታት ኪምለሱ ኸለዉ ናይ ምርኣይ መሰል እውን ኪረኽቡ እዮም።

“እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”

12, 13. (ሀ) እቲ ብዛዕባ ምሕዳስ ዚዛረብ ትንቢታት ተወሳኺ ፍጻመኡ ኺረክብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ኤደን እተገልጸ፡ የሆዋ ብዛዕባ ምድሪ እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧ እዚኸ ብዛዕባ ዚመጽእ ተስፋ ዚህበና ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ምሕዳስ ዚዛረብ መብዛሕትኡ ትንቢታት መንፈሳዊ መፈጸምታ ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ ሕሙማት፡ ሓንካሳት፡ ዕዉራት፡ ከምኡ እውን ጸማማት ኪሓውዩ ምዃኖምን ሞት እውን ከይተረፈ ንዘለኣለም ኪውሓጥ ምዃኑን ጽሒፉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 35:1-7) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋታት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ቃል ብቓሉ ኣይተፈጸመን። ኣብዚ ግዜና እውን መንፈሳዊ ፍጻመኡ ጥራይ ኢና እንርእዮ ዘሎና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዚመጽእ ቃል ብቓሉ ምሉእ ብምሉእ ፍጻመኡ ኸም ዚረክብ ዝገልጽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

13 የሆዋ ኣብ ኤደን፡ ምድሪ ሕጉሳትን ጥዑያትን ሓድነት ዘለዎምን ስድራ ቤታት ዚነብሩላ ቦታ ኽትከውን ዕላማኡ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ንምድርን ንዅሎም ኣብኣ ዚነብሩ ፍጥረታትን እናተኸናኸኑ ንምድሪ ብምልእታ ናብ ገነት ኪቕይርዋ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዅነታት ፈጺሙ እተፈልየ እዩ ኪኸውን ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ዕላማታት ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይቅየር ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 55:10, 11) የሱስ ብኣምላኽ እተሸመ መሲሓዊ ንጉስ ብምዃኑ ነዛ ዕላማ እተገብረላ ዓለምለኻዊት ገነት እዚኣ ኼምጽኣ እዩ።—ሉቃስ 23:43

14, 15. (ሀ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ‘ንዅሉ ዚሕድሶ፧’ (ለ) ኣብ ገነት እንታይ ዓይነት ናብራ ህይወት እዩ ኺህሉ፧ ካብዚ ብዝያዳ ዚስሕበካኸ ኣየናይ እዩ፧

14 ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየርሲ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ! የሆዋ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ። (ራእይ 21:5) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነቲ ንጥፍኣት ዜውዕሎ ሓይሉ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንምጥፋእ ምስ ተጠቕመሉ፡ ቀጺሉ “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ኬምጽእ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ሓንቲ ሓዳስ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብዜፍቅሩን ፍቓዱ ብዚገብሩን ዝቘመ ምድራዊ ሕብረተ ሰብ ከተመሓድር ምዃና ዚሕብር እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪእሰሩ እዮም። (ራእይ 20:3) ደቂ ሰብ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኻብቲ ምብልሻውን ጽልእን ጕድኣትን ዜምጽእ ጽልዋታት ናጻ ኪዀኑ እዮም። ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ቕሳነት ኰን እዩ ኺህሉ!

15 ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ ብመጀመርታ ኺግበር ተደልዩ ዝነበረ ነታ ጽብቕቲ ምድርና ኽንከናኸና ኢና። ምድሪ ንገዛእ ርእሳ ንምሕዳስ ዜኽእላ ባህርያዊ ኽእለት ኣለዋ። ምንጪ ብኽለት እንተ ደኣ ተኣልዩ ተበኪሉ ዘሎ ቐላያትን ወሓይዝን ባዕሉ ኺጸሪ ይኽእል እዩ። ውግእ እንተ ደኣ ኣቋሪጹ እቲ ብውግእ እተበላሸወ መልክዕ ምድሪ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ምስቲ ምድሪ ዘለዋ ባህርያዊ ናይ ምሕዳስ ክእለት ሓቢርና ናብ ሓንቲ በብዓይነቶም እንስሳታትን ኣትክልትን ዝሓዘት ዓለምለኻዊት ኤደን ንምቕያር ኣጋጣሚ ኽንረክብሲ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ሽዑ ሰብ ቀይዲ በተኽ ኰይኑ ጅር እንስሳታትን ኣትክልትን ኣብ ክንዲ ዜጥፍእ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጥረት ብሰላም ኪነብር እዩ። ቈልዑ እኳ ኸይተረፉ፡ ካብ ኣራዊት ዜፍርህ ምኽንያት ኣይኪህልዎምን እዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:1-9

16. ኣብ ገነት ንነፍሲ ወከፍ እሙን ሰብ ዚትንኪ እንታይ ምሕዳስ እዩ ኺህሉ፧

16 እቲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍና በብውልቂ እውን ኪዓዪ እዩ። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ብዓለምለኸ ደረጃ ተኣምራዊ ምፍዋስ ኪፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም። የሱስ ከምቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዚገብሮ ዝነበረ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ዓይኒ ዕውራት ንምኽፋት፡ ኣእዛን ጸማማት ንምፍዋስ፡ ንሓንካሳትን ስንኩላትን ከኣ ምሉእ ጥዕና ንምሃብ ኪጥቀመሉ እዩ። (ማቴዎስ 15:30) ኣረጋውያን ሓይልን ጥዕናን ረኺቦም ናብ ጕብዝናኦም ኪምለሱ እዮም። (እዮብ 33:25) እተጨማደደ ቘርበት ኣይኪህሉን፡ እተመዛበለ ኣካላት ኪቐንዕ፡ ጭዋዳታት እውን ሓድሽ ሓይሊ ረኺቡ ኺተዓጻጸፍ እዩ። ኵሎም እሙናት ደቂ ሰብ ናይ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሳዕቤናት በብቝሩብ እናጠፍአ ኪኸይድ ከሎ ኺፍለጦም እዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ዜደንጹ ሓይሉስ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ! ሕጂ ድማ ኣብዚ ናይ ምሕዳስ እዋን እዚ ዚፍጸም ልቢ ዚትንኪ ሓደ ፍሉይ መዳይ ነተኵር።

ንምውታት ናብ ህይወት ምምላስ

17, 18. (ሀ) የሱስ ንሰዱቃውያን ዝገንሖም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኤልያስ ትንሳኤ ንኺፍጽም፡ ንየሆዋ ኺሓቶ ዝደረኾ ዅነታት እንታይ እዩ፧

17 ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ሰዱቃውያን ዚብሃሉ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። የሱስ፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም” ብምባል ገንሖም። (ማቴዎስ 22:29) እወ፡ የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። ብኸመይ፧

18 ነቲ ብግዜ ኤልያስ ዘጋጠመ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ንገለ ግዜያት ብግሽነት ኣብ ቤት ሓንቲ መበለት ዚቕመጥ ዝነበረ ነብዪ ኤልያስ፡ ሓደ መዓልቲ እታ መበለት ሬሳ ወዳ ሓቚፋ ምስ መጸቶ ሰምቢዱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ኻብ ጥሜት ኣድሒንዎ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ቘልዓ ተቐራሪቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ መበለት ነቲ ዝሞታ ብዓል ቤታ ዜዘኻኽራ ሓድጊ ንሱ ጥራይ ብምንባሩ ብጓሂ ተዋሕጠት። ብግዜ እርጋና ኺጥውራ ተስፋ ገይራ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ካብ ብስጭት እተላዕለ ኸኣ እዚ መቕጻዕቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበረቶ ጌጋታት ከም ዝዀነ ገይራ ወሰደቶ። ኤልያስ ነዚ ተደራራቢ ስቓይ ዘምጽአ ዅነታት ስቕ ኢሉ ኺጻወሮ ኣይከኣለን። ነቲ ሬሳ ቐስ ኣቢሉ ኻብ ሕቝፋ ወሲዱ ናብ መደቀሲኡ ኸደ፡ ነቲ ቘልዓ ህይወቱ ኺመልሰሉ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ለመኖ።—1 ነገስት 17:8-21

19, 20. (ሀ) ኣብርሃም ኣብቲ የሆዋ ንምትንሳእ ዚጥቀመሉ ሓይሊ እምነት ከም ዝነበሮ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከም ዜሕድር ዝገበሮኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንኤልያስ በቲ ዘርኣዮ እምነት ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣብ ትንሳኤ ምእማን ብኤልያስ ኣይኰነን ተጀሚሩ። ካብ ኤልያስ ዘመናት ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣብርሃም የሆዋ ንምትንሳእ ዚጥቀመሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። እዚ እምነት እዚ ኸም ዚህልዎ ዝገበሮ ብቑዕ ምኽንያት ከኣ ነይርዎ እዩ። ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት፡ ሳራ ኸኣ ጓል 90 ዓመት ምስ ኰኑ ነቲ ሞይቱ ዝነበረ ናይ ምፍራይ ክእለቶም ኣሐዲሱ ብተኣምራዊ መገዲ ወዲ ኽትወልድ ኣኽኣላ። (ዘፍጥረት 17:17፣ 21:2, 3) እቲ ወዲ ዓብዩ እኹል ሰብኣይ ምስ ኰነ የሆዋ ንኣብርሃም ንወዱ ኺስውኣሉ ሓተቶ። ኣብርሃም፡ የሆዋ ንወዱ ኼተንስኦ ኸም ዝኽእል ብምሕሳብ እምነት ኣርኣየ። (እብራውያን 11:17-19) ኪስውኦ ናብ ከረን ቅድሚ ምድያቡ ነቶም ግዙኣቱ ምስ ይስሃቅ ወዱ ኺምለስ ምዃኑ ኣርጊጹ ምዝራቡ እምነቱ ኽሳዕ ክንደይ ዓባይ ከም ዝነበረት ዘርኢ እዩ።—ዘፍጥረት 22:5

“ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ”

20 የሆዋ ንይስሃቅ ስለ ዝነሓፎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ትንሳኤ ኺፍጸም ኣድላዪ ኣይነበረን። ኣብ ናይ ኤልያስ ግና ወዲ እታ መበለት ንሓጺር እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ሞይቱ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ቘልዓ ብምትንሳእ ንኤልያስ በቲ ዘርኣዮ እምነት ባሪኽዎ እዩ። ሽዑ ኤልያስ ብዘይርሳዕ ቓላት “ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ” ብምባል ነቲ ቘልዓ ንኣዲኡ ሃባ።—1 ነገስት 17:22-24

21, 22. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቕድሚ ሕጂ እተፈጸመ ትንሳኤ ንምንታይ ዕላማ እዩ ተገይሩ፧ (ለ) ኣብ ገነት ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ትንሳኤ እዩ ኺህሉ፧ ነዚኸ መን እዩ ኺፍጽሞ፧

21 የሆዋ ህይወት ሰብ ንምትንሳእ እተጠቕመሉ ሓይሊ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ እዚ እዩ። ዳሕራይ ግና የሆዋ ንኤልሳእ፡ ንየሱስ፡ ንጳውሎስ፡ ንጴጥሮስ ምዉታት ኬተንስኡ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። እቶም ዚተንስኡ እንደገና ሞይቶም እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት እዚ ኣብ ዚመጽእ ትንሳኤ ምዉታት ብዓብይኡ ኺፍጸም ምዃኑ ዚሕብር ዜደንቕ መርኣያ እዩ።

22 የሱስ ኣብ ገነት ነቲ ኸም “ትንሳኤን ህይወትን” መጠን ዘለዎ ግደ ኺፍጽሞ እዩ። (ዮሃንስ 11:25) ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ኣተንሲኡ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺህቦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ንነዊሕ እዋናት ብሞት ተፈላልዮም ዝነበሩ ፈተውትን ኣዝማድን እንደገና ተራኺቦም ብሓጐስን ብእልልታን ንሓድሕዶም ኪትሓቛቘፉ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኵሎም ደቂ ሰብ ስለቲ ንምትንሳእ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ንየሆዋ ኺውድስዎ እዮም።

23. ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ሓይሉ ተጠቒሙ ዝፈጸሞ ነገራት እቲ ዝዓበየ ኣየናይ እዩ፧ እዚኸ ነቲ ብዛዕባ ዚመጽእ እተዋህበና ተስፋ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

23 የሆዋ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋታት ብርግጽ ኪፍጸም ምዃኑ ዚሕብር ጽኑዕ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ሓይሉ ተጠቒሙ ኻብ ዝፈጸሞ ዅሉ ነገራት እቲ ዝዓበየ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ከም ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ስልጣን ምሃቡ እዩ። የሱስ ምስ ተንስአ ብኣማእታት ንዚቝጸሩ ሰባት ተራእይዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:5, 6) እዚ ንተጠራጠርቲ እውን ከይተረፈ እኹል መርትዖ ኪዀኖም ይግባእ። የሆዋ ምዉታት ንምትንሳእ ሓይሊ ኣለዎ።

24. የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ምዃኑ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ነፍሲ ወከፍናኸ እንታይ ዓይነት ተስፋ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

24 የሆዋ ንምዉታት ናይ ምትንሳእ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ድሌት እውን ኣለዎ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ የሆዋ ንምዉታት ንምትንሳእ ከም ዚናፍቕ ብመንፈስ ተደሪኹ ተዛሪቡ ኣሎ። (እዮብ 14:15) የሆዋ ነቲ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ሃረር ዚብል ካብ ኰነ፡ ክትቀርቦ ኣይድርኸካንዶ፧ ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ዚመጽእ ዚፍጽሞ ዓብዪ ናይ ምሕዳስ ዕዮ ትንሳኤ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘክር። ናብኡ እናቐረብካ ብዝኸድካ መጠን፡ የሆዋ ‘ንዅሉ ኺሕድሶ’ ኸሎ ኽትርእዮ እተዋህበካ ኽቡር ተስፋ ኣይትረስዓዮ።—ራእይ 21:5

a ወራሲ እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጠ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ቈመት እሞ “ግዜ ምምላስ ኵሉ” ጀመረ። የሆዋ ንዳዊት ሓደ ኻብ ዘርኡ ወራሲ ዀይኑ ንዘለኣለም ኪገዝእ ምዃኑ ኣተስፍይዎ ነይሩ። (መዝሙር 89:35-37) ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌም ምስ ኣጥፍእዋ ግና ካብ ዘርኢ ዳዊት ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ወራሲ ዳዊት ኰይኑ ኣብ ምድሪ እተወልደ የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ፡ እቲ ነዊሕ ግዜ ይገብር ተስፋ እተገብረሉ ንጉስ ኰነ።

b ንኣብነት፡ ሙሴ፡ ኢሳይያስ፡ ኤርምያስ፡ ህዝቅኤል፡ ሆሴእ፡ ዮኤል፡ ኣሞጽ፡ ኦብድያ፡ ሚክያስ፡ ጸፎንያስ ኵሎም ብዛዕባ ምሕዳስ ወይ ምምላስ ተነብዮም እዮም።