ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 10

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”

1. ዘይፍጹማት ሰባት ብኸመይ ዝበለ ሕቡእ መፈንጠራ እዮም ብቐሊሉ ኺፍንጠሩ ዚኽእሉ፧

 “መፈንጠራ ዘይብሉ ስልጣን የልቦን” ዚብል ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረት ገጣሚት እተዛረበቶ ቓላት ነቲ ዘይግቡእ ኣወዓዕላ ሓይሊ ወይ ስልጣን ዜጕልሕ እዩ። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ብቐሊሉ በዚ መፈንጠራ እዚ ዚፍንጠሩ ምዃኖም ዜጕሂ እዩ። ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ብሓቂ ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ገዚእዎ’ እዩ። (መክብብ 8:9) ብዘይ ፍቕሪ ዚዝውተር ስልጣን እዚ ዘይብሃል ስቓይ ኣምጺኡ ኣሎ።

2, 3. (ሀ) የሆዋ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሉ እተፈልየ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓይልና እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ ንዅሉ እዚ ሓይሊ እዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

2 እቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ግና ንሓይሉ ብዘይግቡእ ፈጺሙ ተጠቒሙሉ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ምዕራፋት ከም ዝረኣናዮ፡ ነቲ ንምፍጣር፡ ንምጥፋእ፡ ንምዕቋብ ወይ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሉ ምስቲ ፍቕራዊ ዕላማታቱ ብምስምማዕ እዩ ዚጥቀመሉ። ብዛዕባ እቲ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ከነስተንትን ከለና ናብኡ ኽንቀርብ ኢና እንድረኽ። እዚ ድማ ብግዲኡ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልና ወይ ስልጣንና ‘ንኣምላኽ ክንመስሎ’ እዩ ዚድርኸና። (ኤፌሶን 5:1) ይኹን እምበር፡ ንሕና ድኹማት ዝዀንና ሰባት እንታይ ዓይነት ሓይሊ ወይ ስልጣን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

3 ሰብ “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ እተፈጥረ፡ ንሕና እውን ብእተወሰነ ደረጃ ሓይሊ ኸም ዘሎና ፍሉጥ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26, 27) ሓይልና እተፈላለየ ነገራት ንምዕማም ወይ ንምዕያይ ዘሎና ተኽእሎ፡ ኣብ ካልኦት ዘሎና ስልጣን፡ ኣብ ሰባት ብፍላይ ኣብቶም ዜፍቅሩና ጽልዋ ንምሕዳር ዘሎና ኽእለት፡ ኣካላዊ ሓይልና፡ ወይ ከኣ ስጋዊ ሃብትና ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ” በሎ። (መዝሙር 36:9) ስለዚ እምበኣር፡ ዝዀነ ይኹን እንጥቀመሉ ሓይሊ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ብምዃኑ፡ በቲ ንሱ ዚሕጐሰሉ መገዲ ኽንጥቀመሉ ኢና እንደሊ። ከመይ ጌርና ኢና ግና በቲ ንሱ ዚሕጐሰሉ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

ፍቕሪ ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ተኽእለና

4, 5. (ሀ) ንሓይሊ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እተኽእለካ ባህርይ እንታይ እያ፧ ናይ ኣምላኽ ኣብነት ነዚ ዚገልጸልናኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ፍቕሪ ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

4 ንሓይልኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እተኽእለካ ባህርይ ፍቕሪ እያ። ናይ ኣምላኽ ኣብነት ነዚ ዚገልጸልና ደይኰነን፧ ነተን ኣብ ምዕራፍ 1 እተገልጻ ኣርባዕተ ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ፡ ሓይሉ፡ ፍትሑ፡ ጥበቡ፡ ፍቕሩ ንዘክረን። ካብዘን ኣርባዕተ ባህርያት እታ ዝያዳ ዓብላሊት ፍቕሪ እያ። ቀዳማይ ዮሃንስ 4:8፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ትብለና። እወ፡ የሆዋ ዅለንትናኡ ፍቕሪ እዩ፣ ንዅሉ እቲ ዚገብሮ ነገራት ከኣ ዚጸልዎ እዩ። ስለዚ ሓይሊ ኼዘውትር ከሎ፡ ኵሉ ግዜ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንረብሓ እቶም ዜፍቅርዎ እዩ ዚገብሮ።

5 ፍቕሪ ንዓና እውን ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ተኽእለና እያ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቕሪ “ለዋህ . . . እያ፡” “ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን” ኢሉ እዩ ዚነግረና። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ስለዚ፡ ፍቕሪ እንተ ደኣ ኣልዩና ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ሰባት ኣይንተርሮምን ወይ ኣይንጭክነሎምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክብረቶም ንሕልወሎም፡ ብቐዳምነት ከኣ ጥቕሚ ርእስና ዘይኰነስ፡ ጥቕሚ ርእሶም ኢና እንሓስብ።—ፊልጲ 2:3, 4

6, 7. (ሀ) ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ እዚ ባህርይ እዚ ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ዚሕግዘናኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ዚብል ፍርሃትን ንኣምላኽ ምፍቃርን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧

6 ንሓይልና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ዚሕግዘና ምስ ፍቕሪ እተተሓሓዘ ካልእ ባህርይ ከኣ ፍርሃት ኣምላኽ እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ዚጠቅም፧ ምሳሌ 16:6፡ “ንየሆዋ ምፍራህ . . . ካብ ክፉእ የርሕቕ” ትብለና። ንዘሎና ሓይሊ ብዘይግቡእ ምጥቃም ሓደ ኻብቲ ኸነርሕቖ ዘሎና እከይ ምዃኑ ግሁድ እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ሰባት ንኸይነጋፍዖም ይቕይደና። ስለምንታይ፧ ኣገባብ ኣተሓሕዛና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ኸም ዚገብረና ንፈልጥ ኢና። (ነህምያ 5:1-7, 15) ይኹን እምበር፡ ፍርሃት ኣምላኽ ካብዚ ንላዕሊ እውን የጠቓልል እዩ። ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እታ “ፍርሃት” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ራዕዲ ተላዒልካ ዘይኰነስ፡ ብኣኽብሮት ተላዒልካ ንእተርእዮ ፍርሃት እያ እተመልክት። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍርሃት ምስቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ዘዳግም 10:12, 13) እዚ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዚ ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ዚብል ጥዑይ ፍርሃት ዜመልክት እዩ። እዚ ድማ ሳዕቤኑ ፈሪህና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ስለ እነፍቅሮ እውን እዩ።

7 ንመረዳእታ፦ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሓደ ቘልዓን ኣብ መንጎ ኣቦኡን ዘሎ ጥዑይ ርክብ ንርአ። እቲ ቘልዓ ነቲ ኣቦኡ ዘርእዮ ፍቕራዊ ተገዳስነት ይፈልጦ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣቦኡ እንታይ ኪገብር ከም ዚደልዮን ጠባይ እንተ ዘይገይሩ ኸኣ ከም ዚቐጽዖን እውን ይፈልጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከይቅጻዕ ዚብል ዘይጥዑይ ፍርሂ ኣይሓድሮን እዩ፡ እኳ ደኣስ ንኣቦኡ ኣጸቢቑ እዩ ዜፍቅሮ። ኣቦኡ ዚሕጐሰሉ ኺገብር ከኣ ባህ እዩ ዚብሎ። ፍርሃት ኣምላኽ ምሕዳር እውን ከምኡ እዩ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ‘ንልቡ ዜጕህዮ’ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር ንፈርህ ኢና። (ዘፍጥረት 6:6) ንልቡ ኸነሐጕሶ ኸኣ ሃረር ኢና እንብል። (ምሳሌ 27:11) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ እንደሊ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ንመርምር።

ኣብ ስድራ ቤት

8. (ሀ) ሰብኡት ኣብ ስድራ ቤቶም እንታይ ስልጣን እዩ ዘለዎም፧ ብኸመይከ እዮም ዜካይድዎ፧ (ለ) ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ዜኽብራ ብኸመይ እዩ ኼርኢ ዚኽእል፧

8 ብመጀመርታ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዘሎ ዅነታት ንርአ። ኤፌሶን 5:23፡ “ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ትብለና። ሰብኣይ ነዚ ብኣምላኽ እተዋህቦ ስልጣን ብኸመይ እዩ ኼካይዶ ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት፡ “ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ። . . . ከም ተነቃፊት ኣቕሓ ጌርኩም ኣኽብርወን” ኢሉ እዩ ዚእዝዞም። (1 ጴጥሮስ 3:7) እታ ‘ኽብሪ’ ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል “ዋጋ፡ ኣኽብሮት” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ካልእ ጥቕስታት “ህያባት፡” “ክቡር” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:7) ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ ፈጺሙ ኣይሃርማን እዩ፣ እናኣዋረደ ወይ እናኣቈናጸበ ዘይትጠቅም ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ኸኣ ኣይገብርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ዘለዋ ጽቡቕ ጐድንታት ኣብ ግምት የእትዎን የኽብራን እዩ። ብቓላቱን ብተግባራቱን ኣብ ብሕቲ ይኹን ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያ ይገልጽ። (ምሳሌ 31:28) ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣይ ሰበይቱ ተፍቅሮን ተኽብሮን እያ፡ ብዝያዳ ድማ ስምረት ኣምላኽ ይረክብ።

ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ብምፍቓርን ብምክብባርን ንሓይሎም ብግቡእ ኺጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም

9. (ሀ) ኣንስቲ ኣብ ስድራ ቤተን እንታይ ስልጣን እዩ ዘለወን፧ (ለ) ሓንቲ ሰበይቲ ኽእለታ ንሰብኣያ ንምድጋፍ ንኽትጥቀመሉ እንታይ እዩ ኺሕግዛ ዚኽእል፧ ፍሪኡኸ እንታይ እዩ፧

9 ኣንስቲ እውን ኣብ ስድራ ቤት እተወሰነ ስልጣን ኣለወን። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ርእስነት ብምኽባር ብተበግሶአን ንሰብኡተን ብኣወንታዊ መዳይ ከም ዝጸለዋኦም ወይ ጌጋ ውሳነታት ከይገብሩ ኸም ዝሓገዛኦም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 21:9-12፣ 27:46-28:2) ሓንቲ ሰበይቲ ብኣተሓሳስባ ኻብ ሰብኣያ እትበልሕ ክትከውን ትኽእል፡ ወይ ንሱ ዘይብሉ እተፈላለየ ኻልእ ክእለት ኪህልዋ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ብዙሕ ከተኽብሮን ከም ንጐይታ ገይራ ኽትግዝኦን’ ኣለዋ። (ኤፌሶን 5:22, 33) ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትደሊ እንተ ደኣ ዀይና፡ ክእለታ ንሰብኣያ ንምድጋፍ ደኣ እያ እትጥቀመሉ እምበር ኣይተነኣእሶን ወይ ክትዕብልሎ ኣይትፍትንን እያ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት “ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ሰበይቲ” ነታ ስድራ ቤት ንምህናጽ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሰብኣያ ትተሓባበር እያ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ሰላም ይህልዋ።—ምሳሌ 14:1

10. (ሀ) ኣምላኽ ንወለዲ እንታይ ዓይነት ስልጣን እዩ ሂብዎም፧ (ለ) እታ “ተግሳጽ” እትብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ ብኸመይከ እዩ ኺውሃብ ዘለዎ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

10 ወለዲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ስልጣን ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም” ኢሉ ይምዕድ። (ኤፌሶን 6:4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ተግሳጽ” እትብል ቃል “ኣተዓባብያ፡ ስልጠና፡ ትምህርቲ” ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። ቈልዑ ተግሳጽ የድልዮም እዩ፡ ንጹር መምርሕን ቀይድን ኪውሃቦም ከሎ ኸኣ ባህ ኢልዎም እዮም ዚቕበልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ወይ መምርሒ ምስ ፍቕሪ እዩ ዜተሓሕዞ። (ምሳሌ 13:24) ስለዚ፡ “ሻቦጥ ተግሳጽ” ብስምዒት ወይ ብኣካል ዚሃሲ ኪኸውን የብሉን። a (ምሳሌ 22:15፣ 29:15) ኣብ ክንዲ ብፍቕሪ፡ ብትሪ ዚውሃብ ተግሳጽ ንስልጣንካ ብግቡእ ዘይምጥቃም እዩ፡ ንመንፈስ እቲ ቘልዓ ኸኣ ዚሃሲ እዩ። (ቈሎሴ 3:21) ብኣንጻሩ ኸኣ ወሉዳት ሚዛኑ ዝሓለወ ግቡእ ተግሳጽ ምስ ዚውሃቦም ወለዶም ከም ዜፍቅርዎምን ዝሓሹ ሰባት ንኪዀኑ ኸም ዚምነዩሎምን እዩ ዚስምዖም።

11. ውሉዳት ንሓይሎም ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

11 ቈልዑኸ ንሓይሎም ብግቡእ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ምሳሌ 20:29፡ “ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ” ትብለና። መንእሰያት ንሓይሎም፡ ‘ነቲ ዓብዪ ንፈጣሪና’ ኻብ ምግልጋል ንላዕሊ ኺጥቀምሉ ዚኽእሉ ኻልእ ዚሓይሽ ነገር የብሎምን። (መክብብ 12:1) እቲ ዚፍጽምዎ ተግባራት ከኣ ንስምዒት ወለዶም ኪትንኪ ኸም ዚኽእል ኪዝክሩ ኣለዎም። (ምሳሌ 23:24, 25) ውሉዳት ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዶም ምስ ዚእዘዝዎምን ብቕኑዕ መገዲ ምስ ዚመላለሱን ወለዶም ይሕጐሱ እዮም። (ኤፌሶን 6:1) ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ፡ “ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ።”—ቈሎሴ 3:20

ኣብ ጉባኤ

12, 13. (ሀ) ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ሓላፍነት እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ስለምንታይ ብለውሃት ኪጓስይዎ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ መረዳእታ ሃብ።

12 የሆዋ ንሽማግለታት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺመርሑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (እብራውያን 13:17) እዞም ብቑዓት ሰብኡት እዚኦም ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ስልጣን ነተን መጓሰ ዜድሊ ሓገዝ ንምሃብን መንፈሳዊ ድሕንነተን ንምሕላይን ኪጥቀሙሉ ኣለዎም። ናይ ሓላፍነት ቦታ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኪጕይተቱ መሰል ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ሓላፍነት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ ንሽማግለታት፡ ‘ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ኪጓስዩ’ ኸም ዘለዎም ይእዝዞም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ ብለውሃት ኪሕዙሉ ዘለዎም ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።

13 ነዚ ብምሳሌ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ፡ ሓደ ክቡር ንብረት ክትሕልወሉ ሓላፍነት ሂቡካ ንበል። ዓርክኻ ነቲ ንብረት እቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘውጽኣሉ ስለ እትፈልጥ፡ ከይበላሾ ኣጸቢቕካ ኸም እትጥንቀቐሉ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንሓደ ኽቡር ንብረት ኪሕልዉ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። እዚ ንብረት እዚ ኸኣ፡ እታ ኣባላታ ብኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለዉ ጉባኤ እያ። (ዮሃንስ 21:16, 17) የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእየን፡ ብኽቡር ደም እቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዓዲግወን። ኪኸፍለለን ዚኽእል ካብዚ ዚዓቢ ዋጋ ኸኣ የሎን። ትሑታት ሽማግለታት ነዚ ብምዝካር፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ብሓልዮት እዮም ዚሕዝወን።

“ስልጣን ልሳን”

14. ልሳን እንታይ ስልጣን እዩ ዘለዋ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን” ይብለና። (ምሳሌ 18:21) ልሳን ብዙሕ ጕድኣት ከተምጽእ ትኽእል እያ። ሓደ ሰብ ብሃወኽ ዚወግእ ቃላት እንተ ዚዛረበና ወይ እንተ ዜቋናጽበና ይስምዓና ደይኰነን፧ ይኹን እምበር፡ ልሳን ናይ ምፍዋስ ሓይሊ እውን ኣለዋ። ምሳሌ 12:18፡ “ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ትብለና። እወ፡ ኣወንታውን ባህ ዜብልን ቃላት ንልቢ ዜደዓዕስን ዜቕስንን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

15, 16. ንልሳንና ብኸመይ ኢና ንኻልኦት ንምጽንናዕ ክንጥቀመላ እንኽእል፧

15 ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:14፡ “ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። እወ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ሓድሓደ ግዜ ናይ መንፈስ ጭንቀት የሳቕዮም እዩ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ምእንቲ ኺግንዘቡ፡ ዚምስገኑሉ ነጥብታት ጠቒስካ ኻብ ልቢ ንኣዶም። የሆዋ ነቶም “ስቡር ዝልቦም”ን “ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ”ን ሰባት ብሓቂ ኸም ዚሓልየሎምን ዜፍቅሮምን ዚሕብር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብበሎም። (መዝሙር 34:18) ንስልጣን ልሳንና ንኻልኦት ንምጽንናዕ ምስ እንጥቀመሉ፡ ነቲ “ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ” ንመስሎ ኸም ዘሎና ኢና እነርኢ።—2 ቈረንቶስ 7:6

16 ንስልጣን ልሳንና ነቶም ብዙሕ ምትብባዕ ኣብ ዚደልዩሉ ዅነታት ዚርከቡ ሰባት ንምሕጋዝ እውን ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ዜፍቅሮ ብጻዩ ብሞት እተፈልዮ ሓው (ሓብቲ) ኣሎዶ፧ ሓልዮትናን ተገዳስነትናን ዚገልጽ ናይ ምድንጋጽ ቃላት ብምውሳእ ንዝጐሃየ ልቢ ኸነጸናንዕ ንኽእል ኢና። ዘይጠቅም ኰይኑ እተሰምዖ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው (ሓብቲ) ኣሎዶ፧ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜተባብዕ ቃላት ምስ እንዛረቦም፡ ክቡራትን ተደለይትን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ክንገብር ንኽእል ኢና። ብሕዱር ሕማም ዚሳቐ እትፈልጦ ሓው (ሓብቲ) ኣሎዶ፧ ንሓደ ዝሓመመ ሰብ ብተሌፎን፡ ብጽሑፍ፡ ወይ ብኣካል ጥዑም ቃላት ምስ እነካፍሎ፡ መንፈሱ ኺሕደስ ይኽእል እዩ። ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለትና “ንምህናጽ ዜድሊ” ቓላት ንምውሳእ ምስ እንጥቀመሉ ፈጣሪና ኣየ ኽንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!—ኤፌሶን 4:29

17. ንልሳንና በየናይ ኣገዳሲ መገዲ ኢና ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመላ እንኽእል፧ ስለምንታይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና፧

17 ንስልጣን ልሳንና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር እዩ። ምሳሌ 3:27፡ “ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ትብለና። ንኻልኦት ነቲ ህይወት ዜድሕን ብስራት ናይ ምንጋር ግዴታ ኣሎና። ነቲ የሆዋ ብልግሲ ዝሃበና ህጹጽ መልእኽቲ ሒዝናዮ ስቕ ክንብል ቅኑዕ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 9:16, 22) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኣብዚ ዕዮ እዚ እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ኽንገብር እዩ ዚደልየና፧

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ሓደ ኻብቲ ንሓይልና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ

ንየሆዋ ‘ብምሉእ ሓይልና’ ነገልግሎ

18. የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧

18 ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል እዩ ዚድርኸና። የሆዋኸ ኣብዚ መዳይ እዚ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ ኵነታትና ብዘየገድስ ኵላትና ሓደ ነገር ክንህቦ ንኽእል ኢና። “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም ግበርዎ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (ቈሎሴ 3:23) የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ትእዛዝ ክገልጽ ከሎ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።” (ማርቆስ 12:30) እወ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ነፍስና ኸነፍቅሮን ከነገልግሎን እዩ ዝደልየና።

19, 20. (ሀ) ነፍሲ ኺብሃል ከሎ ንልቢ፡ ንሓሳብ፡ ንሓይሊ ዜጠቓልል ካብ ኰነ ኣብ ማርቆስ 12:30 ተፈላልዩ እተጠቕሰ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋል ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

19 ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነፍሲ ንምሉእ ሰብነትና፡ ማለት ንዅሉ ናይ ኣካላትናን ኣእምሮናን ክእለት የመልክት። ስለዚ ነፍሲ ኺብሃል ከሎ ንልቢ፡ ንኣእምሮ፡ ንሓይሊ ዜጠቓልል ካብ ኰነ፡ ኣብ ማርቆስ 12:30 ተፈላልዩ እተጠቕሰ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኣብነት እሞ ንርአ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ (ነፍሱ) ንባርነት ኪሸይጥ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ባርያ ንጐይታኡ ምሉእ ብምሉእ ከየገልግሎ፡ ማለት ንረብሓታት ጐይታኡ ንምድንፋዕ ኢሉ ምሉእ ሓይሉ ወይ ምሉእ ኣተሓሳስባኡ ኸይጥቀም ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 3:22) ስለዚ የሱስ ነቲ ኻልእ ክፍልታት ኣካላትና ዝጠቐሰሉ ምኽንያት፡ ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዝዀነ ይኹን ነገር ክንሓብኣሉ ኸም ዘይብልና ንምጕላሕ እዩ። ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ ንዅሉ ሓይልና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎቱ ብምውዓል ነፍስና ንዕኡ ምሃብ ማለት እዩ።

20 ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ ኵላትና ንኣገልግሎት እንውፍዮ ግዜን ሓይልን ሓደ ዓይነት ኪኸውን ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ኵነታትን ክእለትን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ስለ ዚፈላለ፡ እዚ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይክእል እዩ። ንኣብነት፡ ምሉእ ጥዕናን ድልዱል ኣካላትን ዘለዎ መንእሰይ ካብቲ ዕደመ ብምድፋእ ሓይሉ ዝደኸመ ኣረጋዊ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ኼሕልፍ ይኽእል እዩ። ሓደ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘይብሉ ንጽል ሰብ ካብቲ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ዝያዳ ኺዓዪ ይኽእል እዩ። ሓይልናን ኵነታትናን ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ዕዮ ኽንዓዪ ዜፍቅደልና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣየ ኽንደይ ከነመስግን ዘይግብኣና! ይኹን እምበር፡ በዚ መዳይ እዚ ንገዛእ ርእስና ምስ ካልኦት እናኣወዳደርና ንኻልኦት ናይ ምውቃስ መንፈስ ፈጺምና ኸነርኢ የብልናን። (ሮሜ 14:10-12) ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንሓይልና ንኻልኦት ንምትብባዕ ክንጥቀመሉ ኣሎና።

21. ንሓይልና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

21 የሆዋ ንሓይሉ ብግቡእ ብምጥቃም ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ክንበጽሖ ብእንኽእል ደረጃ ኽንመስሎ ኢና እንደሊ። ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ሰባት ግምትን ኣኽብሮትን ብምሃብ ንሓይልና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቲ የሆዋ ኽንዓምሞ ዝሃበና ህይወት ዜድሕን ዕዮ ስብከት ብምሉእ ነፍስና ኽንፍጽሞ ኢና እንደሊ። (ሮሜ 10:13, 14) የሆዋ ነቲ ክትህቦ እትኽእል ዝበለጸ ነገር እንተ ደኣ ሂብካዮ፡ ማለት ነፍስኻ እንተ ደኣ ወፊኻሉ፡ ከም ዚሕጐስ ዘክር። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታትና ዚርድኣልናን ዜፍቅረናን ኣምላኽ ንምግልጋል ልብኻ ኣይድርኸካንዶ፧ ንሓይልኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ካብዚ ንላዕሊ ዝበለጸ መገዲ ኻልእ የሎን።

a ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ፡ እታ “ሻቦጥ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ሓደ ጓሳ ንኣባጊዑ ንምጕሳይ ዚጥቀመሉ በትሪ ወይ ምርኩስ ዚብል ትርጉም እያ እተመሓላልፍ። (መዝሙር 23:4) ብተመሳሳሊ ናይ ወለዲ “ሻቦጥ” ብጭከና ንዚውሃብ መቕጻዕቲ ዘይኰነስ፡ ንፍቕራዊ መምርሒ እዩ ዜመልክት።