ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 2

“የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ”

“የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ”

ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ እዮም ዚወቕስዎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ” ብምባል ልብኻ ዜረስርስ ሓቂ ይምህረና እዩ። (መዝሙር 37:28) ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ፡ ንሱ ንሓቅነት እዚ ቓላት እዚ ዘረጋገጸሉ መገድታትን ንዅሎም ደቂ ሰብ ብኸመይ ተስፋ ኸም ዚህቦምን ክንምሃር ኢና።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 11

“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”

ፍትሒ ተፈታዊት ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

ምዕራፍ 12

“ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧”

የሆዋ ዓመጻ ዚጸልእ ካብ ኰነ፡ ዓለም በዚ ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧

ምዕራፍ 13

“ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”

ስርዓተ ሕጊ፡ ፍቕሪ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 14

የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዚሓልፍ በጃ’ ኣዳለወ

እዚ ቐሊል ግናኸ ዓሚቝ ትምህርቲ ንኣምላኽ ክትቀርቦ የኽእለካ።

ምዕራፍ 15

የሱስ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኺምስርት እዩ’

የሱስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንፍትሒ ዘለዎ ደገፍ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ፍትሒ ዚምስርት ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 16

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

ፍትሒ ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘሎና ኣረኣእያ ዀነ ነቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ተጠቓልል።