ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 11

“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”

“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”

1, 2. (ሀ) ዮሴፍ ከመይ ዝኣመሰለ ፍትሓዊ ዘይኰነ ኸቢድ ተግባር እዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) የሆዋኸ ነቲ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ብኸመይ ኣረሞ፧

 ዮሴፍ ዚብሃል ምልኩዕ መንእሰይ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣጋጠሞ። ዝፈጸሞ ገበን ዘይነበሮ ኽነሱ ንሰበይቲ ብሓይሊ ኺጋሰሳ ኸም ዝፈተነ ብሓሶት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ቅድሚ እዚ እውን ካልእ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ኣሕዋቱ ብምጥላም ኪቐትልዎ ሃቂኖም ነበሩ። ጸኒሖም ግና ንባርነት ናብ ካልእ ሃገር ሸጥዎ። ኣብቲ ዝኸዶ ሃገር ሰበይቲ ጐይታኡ ምሳይ ደቅስ እናበለት ላሕ ኣቢላቶ ምስ ኣበያ፡ ኣልዕል ኣቢላ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኽሲ ኸሰሰቶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እተኣስረ። ንዮሴፍ ኪጣበቐሉ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ዘይምንባሩ ኸኣ ዜሕዝን እዩ።

2 ይኹን እምበር፡ እቲ ‘ጽድቅን ፍትሕን ዚፈቱ’ ኣምላኽ ይዕዘብ ነበረ። (መዝሙር 33:5) ስለዚ ኢዱ ኣእትዩ ነቲ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ከም ዚእረም ብምግባር ንዮሴፍ ኣፍትሖ፡ ብዝያዳ ኸኣ ዓብዪ ሓላፍነትን ዝለዓለ ኽብርን ዘለዎ ቦታ ኸም ዚውሃቦ ገበረ። (ዘፍጥረት 40:15፣ 41:41-43፣ መዝሙር 105:17, 18) ኣብ መወዳእታ፡ ዮሴፍ ንጹህ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተረጋገጸ፡ ነቲ ዝረኸቦ ልዑል ቦታ ኸኣ ዕላማ ኣምላኽ ንምድጋፍ ተጠቕመሉ።—ዘፍጥረት 45:5-8

ዮሴፍ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ

3. ኵላትና ቅኑዕን ፍትሓውን ተግባር ኪግበረልና ምድላይና ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

3 እዚ ጸብጻብ እዝስ ልብኻ ዚትንኪ ጸብጻብ ደይኰነን፧ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ዘይረኣየ ወይ ዘየጋጠሞ መን ኣሎ፧ እወ፡ የሆዋ ንባህርያቱ ኸም እነንጸባርቕ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና ዅላትና ቕኑዕን ፍትሓውን ተግባር ኪግበረልና ምድላይና ዜገርም ኣይኰነን። ሓንቲ ኻብዚ ቐንዲ ባህርያት ኣምላኽ ከኣ ፍትሒ እያ። (ዘፍጥረት 1:27) ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ፍትሑ ኺርድኣና ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ዜደንቕ መገድታቱ ብዝበለጸ ነማስወሉ እሞ ናብኡ ንምቕራብ ከኣ ንድረኽ።

ፍትሒ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧

4. ሰባት ንፍትሒ ዚበዝሕ ግዜ ብኸመይ እዮም ዚርድእዋ፧

4 ሰባት ንፍትሒ ዚበዝሕ ግዜ ንስርዓታት ሕጊ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጥራይ ከም ዝዀነት ደኣ እምበር፡ ካብኡ ንላዕሊ ኸም እተመልክት ገይሮም ኣይወስድዋን እዮም። እታ ራይት ኤንድ ሪዝን—ኢቲክስ ኢን ቲዮሪ ኤንድ ፕራክቲስ እትብል መጽሓፍ፡ “ፍትሒ ምስ ሕጊ፡ ግዴታ፡ መሰል፡ ከምኡ እውን ግቡእካ ምስ ምፍጻም እተተሓሓዘት እያ፡ እቲ እትህቦ ፍርዲ ድማ ኣብ ማዕርነት እተመርኰሰ ወይ ከምቲ ነቲ ሰብ ዚግባእ ገይራ እያ እትህብ” ትብል። ናይ የሆዋ ፍትሒ ግና ካብቲ ግቡእ ወይ ግዴታ ዀይንዎ ንስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ዜውዕለሉ ኣገባብ ንላዕሊ እተጠቓልል እያ።

5, 6. (ሀ) እተን ፍትሒ ተባሂለን ዚትርጐማ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዚዝውተራ ቓላት እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧ (ለ) ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ንፍትሒ የሆዋ ዜመልክታ ቓላት ምስ እንምርምረን ስፍሓትን ዕምቈትን እታ ባህርይ ኣጸቢቑ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነዛ ባህርይ እዚኣ ንምግላጽ ሰለስተ መሰረታዊ ቓላት ይጥቀም። እታ መብዛሕትኡ ግዜ ፍትሒ ተባሂላ እትትርጐም ቃል “ቅኑዕ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ዘፍጥረት 18:25) እተን ክልተ ኻልኦት ቃላት ከኣ ዚበዝሕ ግዜ “ጽድቂ” ተባሂለን እየን ዚትርጐማ። ኣብ ክርስትያናዊ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እታ “ጽድቂ” እትትርጐም ቃል “ቅኑዕ ወይ ፍትሓዊ ምዃን” ዚብል ትርጉም እውን ኣለዋ። ስለዚ እምበኣር ጽድቅን ፍትሕን ኣጸቢቐን ይተኣሳሰራ እየን።—ኣሞጽ 5:24

6 ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ ኺብለና ኸሎ ወትሩ ብዘይ ኣድልዎ ቅኑዕን ፍትሓውን ዘበለ ተግባር እዩ ዚገብር ማለቱ እዩ። (ሮሜ 2:11) ኣንጻር እዚ ኺገብር ግና ዘይመስል እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ኤሊሁ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” በለ። (እዮብ 34:10) እወ፡ የሆዋ ፍትሒ ኺደፍን ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ኣገደስቲ ምኽንያታት ኣለዎ።

7, 8. (ሀ) የሆዋ ፍትሒ ኺደፍን ዘይከኣሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ምስ ፍጡራቱ ኣብ ዚገብሮ ርክብ ጻድቕን ቅኑዕን ኪኸውን ዚድርኾ እንታይ እዩ፧

7 ቀዳማይ፡ ቅዱስ እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 3 ዝረኣናዮ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንጹህን ቅኑዕን ስለ ዝዀነ ዓመጻ ኽገብር ወይ ፍትሒ ኺደፍን ኣይክእልን እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንርአ። ቅድስና ሰማያዊ ኣቦና ንደቁ ፈጺሙ ኸም ዘየጋፍዖም ንኽንኣምን ድልዱል ምኽንያት ይህበና። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ነበሮ። ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ቅዱስ ኣቦ፡ . . . ስለቲ . . . ስምካ ሓልዎም” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:11) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ቅዱስ ኣቦ” ዚብል መዓርግ ንየሆዋ ጥራይ እዩ ዜመልክት። ብቕድስና ዝመጸ ምስ የሆዋ ኺመዓራረ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ስለ ዘየሎ፡ ከምኡ ኺብሃል ግቡእ እዩ። የሱስ እቲ ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ዝዀነ፡ ካብ ኵሉ ሓጢኣት ከኣ ፈጺሙ እተፈልየ ኣምላኽ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዜዕቍቦም ምሉእ እምነት ነበሮ።—ማቴዎስ 23:9

8 ካልኣይ፡ እታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዚገብሮ ርክብ ጻድቕን ቅኑዕን ኪኸውን ትድርኾ። እቲ ንዓሌትነት፡ ምፍልላይ፡ ኣድልዎ ሓዊስካ ብእተፈላለየ መዳያት ዚግለጽ ምጕዳል ፍትሒ ግና ዚበዝሕ ግዜ ኻብታ ኣንጻር ፍቕሪ ዝዀነት ስስዐ እዩ ዚምንጭው። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ “የሆዋ ጻድቕ እዩ፣ ጽድቂ ድማ ይፈቱ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 11:7) የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ፡ “ኣነ የሆዋስ ፍትሒ እፈቱ . . . እየ” በለ። (ኢሳይያስ 61:8) ስለዚ ኣምላኽና ቅኑዕ ወይ ፍትሒ ዘበለ ንምግባር ባህ ዚብሎ ምዃኑ ምፍላጥናስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧—ኤርምያስ 9:24

ምሕረት የሆዋን እታ ፍጽምቲ ፍትሑን

9-11. (ሀ) ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘሎ፧ (ለ) ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን ኣብቲ ምስ ሓጥኣን ሰባት ዚገብሮ ርክብ እተራእያ ብኸመይ እየን፧

9 ፍትሒ የሆዋ ልክዕ ከምቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኻልእ ባህርያቱ ፍጽምቲ፡ ጐደሎ ዘይብላ እያ። ሙሴ ንየሆዋ ኺውድሶ ኸሎ፡ “እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ። ከቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት፡ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘዳግም 32:3, 4) ኵሉ እቲ የሆዋ ፍትሑ ዜንጸባርቐሉ መገድታት ኣበር የብሉን፣ ኣመና ልምሉም ኣይኰነን፡ ኣመና ተሪር እውን ኣይኰነን።

10 ኣብ መንጎ ፍትሒ የሆዋን ምሕረቱን ብዙሕ ምትእስሳር እዩ ዘሎ። መዝሙር 116:5፡ “የሆዋ ርሕሩሕን ጻድቕን [“ፍትሓውን፡” ዘ ኒው ኣመሪካን ባይብል] እዩ፣ ኣምላኽና መሓሪ እዩ” ትብለና። እወ፡ የሆዋ ፍትሓውን መሓርን እዩ። እዘን ክልተ ባህርያት እዚአን ዘይቃደዋ ኣይኰናን። ፍትሑ ኣዝያ ተራር ከም ዝዀነትሲ ያኢ ምሕረት ኬርኢ ኸሎ ንፍትሑ ንምልዛብ ኢሉ እዩ ዚገብሮ ማለት ኣይኰነን። መሕልፎ እኳ ደኣ ንኽልቲአን ባህርያት ብሓንሳእን ኣብ ሓደ ዓይነት ተግባርን እዩ ዜንጸባርቐን። ሓደ ኣብነት ንርአ።

11 ኵሎም ደቂ ሰብ ሓጢኣት ዝወረሱ ብምዃኖም፡ ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ማለት ሞት ዚግብኦም እዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ግና ብሞት ሓጥኣን ባህ ኣይብሎን እዩ። ‘ንይቕረታ ድልውን ርሕሩሕን መሓርን’ እዩ። (ነህምያ 9:17) ምስናይዚ ግና ቅዱስ ስለ ዝዀነ ንዓመጻ ዕሽሽ ኪብል ኣይከኣሎን እዩ። ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ምሕረቱ ዜርእዮም፧ መልሲ እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣዝዩ ኽቡር ሓቂ እዩ ዚርከብ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ንምድሓን ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ በጃ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 14 ብዛዕባ እዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ብዙሕ ክንምሃር ኢና። ኣብቲ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ፍትሑን ምሕረቱን ብሓንሳእ ተንጸባሪቐን እየን። በቲ ምድላው እቲ ገይሩ ኸኣ ንስርዓታት እታ ፍጽምቲ ፍትሑ ኸይጠሓሰ ነቶም ዚንስሑ ሓጥኣን ምሕረቱ ኺገልጸሎም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 3:21-26

ፍትሒ የሆዋ ልብኻ እተረስርስ እያ

12, 13. (ሀ) ፍትሒ የሆዋ ናብኡ ኸም እንቐርብ እትገብረና ብኸመይ እያ፧ (ለ) ዳዊት ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዜጸናንዓና፧

12 ፍትሒ የሆዋ ኸም እንርሕቆ ዘይኰነስ፡ ከም እንቐርቦ እትገብር ተፈታዊት ባህርይ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍትሒ ወይ ጽድቂ የሆዋ ምስ ድንጋጽ ኣተሓሒዙ ብንጹር ይገልጸልና። ገለ ኻብቲ የሆዋ ፍትሑ ዘርእየሉ ልብኻ ዜረስርስ መገድታት እስከ ንርአ።

13 እታ ፍጽምቲ ፍትሑ ንኣገልገልቱ እሙን ኪኸውን ትድርኾ። ዳዊት እቲ ዘማሪ ነዚ መዳይ ፍትሒ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ተመኪርዎ እዩ። ዳዊት ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮን ካብቲ ብዛዕባ ተግባራት ኣምላኽ ዝገበሮ መጽናዕትን ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧ “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ። ንሳቶም ወትሩ ኺሕለዉ እዮም” በለ። (መዝሙር 37:28) እዝስ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ኣምላኽና ነቶም እሙናቱ ንሓንሳእ እውን ይኹን ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ። ስለዚ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኸም ዘይፍለየና ብምትእምማን ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ፍትሑ ውሕስነት ትህበና እያ።—ምሳሌ 2:7, 8

14. የሆዋ ንጽጉማት ዚገብሮ ሓልዮት ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ንጽጉማት ኣጸቢቑ ይግደሰሎም እዩ። የሆዋ ነቶም ጽጉማት ከም ዚሓልየሎም ካብቲ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ሓልዮት ምእንቲ ኺግበረሎም ዚሕግዝ ፍሉይ ስርዓታት ኣብቲ ሕጊ ኣውጺኡሎም ኣሎ። (ዘዳግም 24:17-21) የሆዋ ነዞም ስድራ ቤታት እዚኦም ናብራ ኼጸግሞም ከም ዚኽእል ብምፍላጥ ‘ንዘኽታምን መበለትን ፍትሒ ዜውጽእ’ ኣቦን ጠበቓን መዕቈብን ኰይንዎም እዩ። (ዘዳግም 10:18፣ መዝሙር 68:5) ንእስራኤላውያን ከኣ፡ ነቶም ኪከላኸሉ ዘይክእሉ ኣንስትን ቈልዑን እንተ ደኣ ኣጋፊዖምዎም፡ ንጥርዓኖም ብርግጽ ኪሰምዕ ምዃኑ ኣጠንቂቕዎም እዩ። “ቍጥዓይ . . . ኪነድድ እዩ” ኸኣ በለ። (ዘጸኣት 22:22-24) ቍጥዓ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ብፍላይ ኣብቶም ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ሰባት ደይ መደይ ኢልካ ፍትሓዊ ዘይኰነ ተግባር ኪግበር ኪርኢ ኸሎ፡ ጽድቃዊ ቝጥዓ ይቝጣዕ እዩ።—መዝሙር 103:6

15, 16. የሆዋ ዘየዳሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

15 የሆዋ “ዘየዳሉን ጉቦ ዘይቅበልን” ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ዘዳግም 10:17) የሆዋ ኸምቶም ሓይሊ ወይ ስልጣን ዘለዎም ሓያሎ ሰባት ዚገብርዎ፡ ብስጋዊ ሃብቲ ወይ ብግዳማዊ መልክዕ ኣይጽሎን እዩ። ኣድልዎ ዚብሃል የብሉን። የሆዋ ዘየዳሉ ምዃኑ ዜርኢ ኣዝዩ ጕሉሕ መርትዖ እሞ ንርአ። ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ እናተጸበኻ ናይ ሓቂ ኣምላኺኡ ናይ ምዃን መሰል፡ ኣብ እተመርጹ ፍሉያት ጕጅለ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ማሕበራዊ ደረጃ፡ ሕብሪ ቘርበት፡ ወይ ከኣ ዚነብሩሉ ሃገር ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ክፉት እዩ። እዝስ እታ ናይ ሓቂ ፍትሒ ጐሊሓ እትረኣየሉ ኣብነት ደይኰነን፧

16 ከነቕልበሉን ኣኽቢርና ኽንምልከቶን ዘሎና ኻልእ ኣብነት እታ ፍጽምቲ ፍትሒ የሆዋ ኸኣ፡ ምስቶም ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ዚገብሮ ርክብ እዩ።

ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ

17. ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ምስ ፍትሒ የሆዋ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

17 ገሊኦም፡ ‘የሆዋ ንዓመጽ ሸለል ዘይብሎ ኻብ ኰነ፡ ነቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ፍትሓዊ ዘይኰነ ስቓይን ብልሹው ተግባራትን ብኸመይ ምገለጽናዮ፧’ ይብሉ እዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንየሆዋ ዘይፍትሓዊ እዩ ዜብሎ ኣይኰነን። ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዚርአ ፍትሓዊ ዘይኰነ መብዛሕትኡ ተግባራት ውጽኢት እቲ ደቂ ሰብ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣት እዩ። ኣብዛ ሎሚ ሓጥእ መገድታቶም ብዝመረጹ ዘይፍጹማት ሰባት መሊኣ ዘላ ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ንነዊሕ ዚቕጽል ግና ኣይኰነን።—ዘዳግም 32:5

18, 19. የሆዋ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ንዘለኣለም ኪቕጽሉ ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርእዮም ዜረጋግጸልና እንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ነቶም ብቕንዕና ዚቐርብዎ ዓብዪ ምሕረት ዜርእዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ንስሙ ጸርፊ ዜምጽእ ኵነታት ግና ንዘለኣለም እናተጻወሮ ኣይነብርን እዩ። (መዝሙር 74:10, 22, 23) እዚ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ፡ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚገብሩ ሓጥኣን ካብቲ ዚግብኦም ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኣይንሕፎምን እዩ። የሆዋ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ . . . ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ” እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7) ብመሰረት እዚ ቓላት እዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ንጥፍኣት ኪፈርዶም ኣድላዪ ዀይኑ ዚረኽበሉ እዋናት ኣሎ።

19 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ምስ ጥንታዎት እስራኤላውያን ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ንርአ። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ እውን ከይተረፈ ብዙሕ ግዜ ዘይእሙናት ይዀኑ ነይሮም እዮም። ሽሕ እኳ በቲ ብልሹው መገድታቶም ንየሆዋ እንተ “ኣጕሃይዎ፡” ንሱ ግና ኣይጠንጠኖምን። (መዝሙር 78:38-41) መሕልፎ እኳ ደኣ መገዶም ኪቕይሩ ብምሕረቱ ኣጋጣሚታት ከፊቱሎም እዩ። “እኩይ መገዱ ቐዪሩ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት እኩይ ባህ ኣይብለንን እዩ። ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፡ ተመለሱ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧” ኢሉ ድማ ለመኖም። (ህዝቅኤል 33:11) የሆዋ ንህይወት ኣኽቢሩ ስለ ዚርእያ፡ እስራኤላውያን ካብቲ እኩይ መገድታቶም ተመሊሶም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ እናሻዕ ነብያቱ ይልእከሎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተሪር ልቢ ዝነበሮም ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኪሰምዑን ኪንስሑን ኣይደለዩን። ኣብ መወዳእታ ግና ምእንቲ እቲ ቕዱስ ስሙን ምእንቲ እቲ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ነገራትን ኢሉ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም።—ነህምያ 9:26-30

20. (ሀ) እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ብዛዕባ ርእሱ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ለ) ኣንበሳ ንፍትሒ የሆዋ ንምምልካት ብቑዕ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

20 እቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገራት እዩ ዚነግረና። እተን ኵሉ ዚርእያ ኣዒንቱ ንዚግበር ዓመጻ ስለ ዚቋመታ፡ በቲ ዚርእዮ ኣጸቢቑ ይትንከ እዩ። (ምሳሌ 15:3) ነቶም ዚንስሑ ምሕረት ኬርእዮም ከም ዚደሊ ምፍላጥና እውን ዜተኣማምን እዩ። ፍትሑ ብሃወኽ ከም ዘይገብሮ እውን ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ሰባት የሆዋ ዕጉስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእኩያት ሰባት ንጥፍኣት ኣይኪፈርዶምን እዩ ኣብ ዚብል ግጉይ መደምደምታ በጺሖም እዮም። እዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ድማ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ትዕግስቱ ደረት ከም ዘለዎ ስለ ዚምህረና እዩ። የሆዋ ንጽድቂ ጽኑዕ ኣቕዋም እዩ ዘለዎ። ከምቶም ብዙሕ ሳዕ ፍትሒ ዜቕንኑ ደቂ ሰብ ንቕኑዕ ዘበለ ኻብ ምጥባቕ ፈጺሙ ድሕር ኣይብልን እዩ። ኣንበሳ ንፍትሒ ብምምልካት ምስ ህላወን ዝፋንን ኣምላኽ ምምስሳሉ ብቑዕ እዩ። a (ህዝቅኤል 1:10፣ ራእይ 4:7) ስለዚ እምበኣር፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኻብቲ ዚርአ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዜጽርያ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ፡ እቲ ዚፈርደሉ ኣገባብ ኬድሊ ኸሎ ጽኑዕ ይኸውን፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ግዜ ኸኣ ምሕረት የርኢ ተባሂሉ ኺጠቓለል ይከኣል እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9

ነቲ ኣምላኽ ፍትሒ ንቕረቦ

21. የሆዋ ብኸመይ ፍትሒ ኸም ዚገብር ከነስተንትን ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ኽንሓስቦ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

21 የሆዋ ብኸመይ ፍትሒ ኸም ዚገብር ከነስተንትን ከለና፡ ንበደለኛታት ምፍራድ እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ዘይግደስ ተሪር ፈራዲ ጌርና ኽንወስዶ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሉ ግዜ ኸም ሓደ ወትሩ ንደቁ ብዚጠቅም መገዲ ጥራይ ዚሓሊ ፈቃርን ጽኑዕን ኣቦ ጌርና ኽንወስዶ ኣሎና። የሆዋ ቅኑዕን ጻድቕን ኣቦ ብምዃኑ ንቕኑዕ ዘበለ ጽኑዕ ኪኸውን ከሎ ነቶም ሓገዙን ይቕረታኡን ዚደልዩ ምድራውያን ደቁ ኸኣ ዚድንግጽ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—መዝሙር 103:10, 13

22. የሆዋ ብፍትሑ ተመሪሑ እንታይ ዓይነት ተስፋ ኸም ዚህልወና እዩ ዝገበረ፧ እዚ ዝገበረልናኸ ስለምንታይ እዩ፧

22 መለኮታዊ ፍትሒ ንበደለኛታት ካብ ምፍራድ ንላዕሊ ኸም እተመልክት ምፍላጥናስ ክንደይ ከነማሱ ዘይግብኣና! የሆዋ ብፍትሑ ተመሪሑ ኣብ ሓንቲ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ዓለም ፍጹም ህይወት ረኺብና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ ኸም ዚህልወና ገይሩ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ዝገበረልና ድማ ፍትሑ ኣብ ክንዲ ንምዅናን ንምድሓን ስለ እትድርኾ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ጽቡቕ ምርዳእ ምስ ዚህልወና ብዝያዳ ናብኡ ኸም እንቐርብ እዩ ዚገብረና። ኣብዚ ዚቕጽል ምዕራፋት የሆዋ ነዛ ብልጽቲ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቓ ኣጸቢቕና ኽንርኢ ኢና።

a የሆዋ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ንጥፍኣት ኪፈርዶም ከሎ ንገዛእ ርእሱ ምስ ኣንበሳ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—ኤርምያስ 25:38፣ ሆሴእ 5:14