ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 12

“ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧”

“ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧”

1. ዘይፍትሓዊ ተግባራት ክንርኢ ኸለና እንታይ እዩ ዚስምዓና፧

 መደናገርቲ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት፡ ንዘዋህለለቶ ገንዘብ ኣታሊሎም ወሰዱላ። ሓንቲ ጨካን ኣደ ንዝወለደቶ ሕጻን ደርበየቶ። ሓደ ሰብኣይ ብዘይፈጸሞ ገበን ተኣስረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክትርኢ ኸለኻ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ኣዝዩ ኸም ዜጕህየካ ፍሉጥ እዩ። ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ፈላሊኻ ናይ ምፍላጥ ዝንባለ ኣሎና። ዘይፍትሓዊ ተግባር ኪፍጸም ከሎ የሕርቐና እዩ። እቲ እተበደለ ኺከሓስ፡ እቲ በዳሊ ኸኣ ኣብ ፍርዲ ኪቐርብ ኢና እንደሊ። ከምኡ እንተ ደኣ ዘይተገይሩ ግና ‘እምበርዶ ኣምላኽ ነዚ ዚፍጸም ዘሎ ይርእዮ ኣሎ እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ እዩ ስጕምቲ ዘይወስድ፧’ እናበልና ምግራምና ዘይተርፍ እዩ።

2. ኣንባቆም ብዝረኣዮ ዘይፍትሓዊ ተግባር እንታይ እዩ ዝበለ፧ ከምኡ ብምባሉኸ የሆዋ ዘይወቐሶ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብ ዝሓለፈ ታሪኻት እውን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ሓቲቶም እዮም። ንኣብነት፡ ነብዪ ኣንባቆም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ተግባር እተርእየኒ፧ ዓመጽን ምፍራስ ሕግን ገበንን ጭካነን ኣብ ኵሉ ኼስፋሕፍሕ ስቕ ኢልካ እትርኢ ስለምንታይ ኢኻ፧” ብምባል ንኣምላኽ ብጸሎት ሓተቶ። (ኣንባቆም 1:3ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) የሆዋ ኣብ ደቂ ሰብ ፍትሒ ዘስረጸ ኣምላኽ ብምዃኑ ኣንባቆም ብቕንዕና ኸምዚ ኢሉ ብምሕታቱ ኣይወቐሶን። እወ፡ የሆዋ ብመጠኑ ፍትሒ ኸም ዚስምዓና ገይሩ እዩ ፈጢሩና።

የሆዋ ፍትሒ ምድፋን ይጸልእ

3. የሆዋ ብዛዕባ ዘይፍትሓዊ ተግባር ካባና ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ፍትሒ ኺድፈን ከሎ ዘይስምዖ ኣምላኽ ኣይኰነን። እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ይርኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ዅነታት ከምዚ ብምባል ይነግረና፦ “የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ።” (ዘፍጥረት 6:5) እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዋ እሞ ንርአ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ንሕና እንፈልጦ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣብ ዝሰማዕናዮ ወይ ከኣ ብብሕቲ ኣብ ዘጋጠመና ሒደት ነገራት ጥራይ እዩ ዚምርኰስ። ብኣንጻሩ ግና የሆዋ ብደረጃ ዓለምለኸ ንዚፍጸም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ይዕዘቦ እዩ። ንዅሉ ድማ ይርእዮ እዩ። ዝያዳ ድማ ነቲ ናይ ልቢ ዝንባለታት ማለት ነቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ንምፍጻም ዜለዓዕል ኣተሓሳስባ እውን ከይተረፈ ኼስተውዕሎ ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 17:10

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነቶም ፍትሒ እተደፍኖም ሰባት ከም ዚሓልየሎም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚገልጽ፧ (ለ) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ንዕኡ ብብሕቲ ዚትንኪ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ ኣጋጢምዎ፧

4 የሆዋ ፍትሒ ኺድፈን ከሎ የስተብህል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ፍትሒ እተደፍኖም ሰባት እውን ይሓልየሎም እዩ። ጸላእቲ ንህዝቡ ምስ ኣጋፍዕዎም፡ የሆዋ “በቲ ብሰንኪ እቶም ዝጨቈንዎምን ዝገፍዕዎምን ዚቝዝምዎ ቝዝማ ይድንግጸሎም ነበረ።” (መሳፍንቲ 2:18) ሰባት ፍትሒ ኺድፈን ከሎ በብዝርኣዩ መጠን ስምዒቶም እናደንዘዘ ከም ዚኸይድ ኣስተብሂልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ን6,000 ዓመታት ዚኣክል ፍትሒ ኺድፈን ከሎ ርእዩ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዘለዎ ጽልኢ ግና ኣይተቐየረን። መሕልፎ እኳ ደኣ ከም እኒ “ሓሳዊት ልሳን፡” “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡” “ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር” ዝኣመሰለ እኩይ ተግባራት ከም ዚፍንፍን መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ።—ምሳሌ 6:16-19

5 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ኣብ እስራኤል ፍትሒ ዚደፍኑ ዝነበሩ መራሕቲ ዝሃቦም ተሪር ተግሳጽ እውን ንርአ። ብሓደ ኻብ ነብያቱ ኣቢሉ፡ “ፍትሒ ዘበለስ ክትፈልጡዶ ኣይግብኣኩምን፧” ኢሉ ሓተቶም። ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ኣነጺሩ ድሕሪ ምግላጹ ኸኣ መወዳእታኦም እንታይ ከም ዚኸውን ከምዚ ብምባል ተነበየሎም፦ “ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።” (ሚክያስ 3:1-4) እወ፡ የሆዋ ፍትሒ ምድፋን ክሳዕ ክንድዚ እዩ ዚጸልእ። ከመይሲ ባዕሉ ተመኪርዎ እዩ። ሰይጣን ንኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ብዘይግቡእ ኪጸርፎ ጸኒሑ እዩ። (ምሳሌ 27:11) ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ‘ሓጢኣት ዘይገበረ’ ወዱ ኸም ገበነኛ ተቘጺሩ ምስ ተሰቕለ፡ ኣጸቢቑ ተተንክዩ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እቲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ እቲ ኣብ ወዱ እተፈጸመ ተግባር እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22፣ ኢሳይያስ 53:9) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ንዅነታት እቶም ፍትሒ ዚድፈኖም ሰባት ዕሽሽ ዚብል ወይ ዘይግደስ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ።

6. ፍትሒ ኺድፈን ክንርኢ ኸለና ኸመይ እዩ ዚስምዓና፧ ስለምንታይከ፧

6 ይኹን እምበር፡ ፍትሒ ኺድፈን ከሎ ምስ እንርኢ ወይ ብብሕቲ ምስ እንግፋዕ ክንሓርቕ ባህርያዊ እዩ። ብመልክዕ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርና፡ ፍትሒ ምድፋን ከኣ ምስ ባህርያት ኣምላኽ ዚኸይድ ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 1:27) ፍትሒ ኺድፈን ከሎ ስቕ ኢሉ ዚርኢ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ኣገዳሲ ጕዳይ

7. ንስም የሆዋን ንኣገዛዝኣኡን ብኸመይ ብድሆ ኸም ዝቐረበሉ ግለጽ።

7 መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ምስ ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ይተሓሓዝ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ፈጣሪና ኣብ ምድርን ኣብ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ሰባት ኪገዝእ መሰል ኣለዎ። (መዝሙር 24:1፣ ራእይ 4:11) ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ እቲ ጽቡቕ ስም የሆዋ ተጠቀነ፡ ንኣገዛዝኣኡ እውን ብድሆ ቐረበሉ። እዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ እዩ ተበጊሱ፧ የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ኣብታ ዚነብረላ ገነት ካብ ዝነበረ ኣእዋም ካብ ፍረ ሓንቲ ኦም ከይበልዕ ኣዘዞ። እንተ ዘይተኣዚዙኸ፧ ኣምላኽ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 2:17) እዚ ንኣዳም ኰነ ንሰበይቱ ዜጸግም ትእዛዝ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንሄዋን፡ ኣምላኽ እምብዛ ቐይዲ ኸም ዜብዝሓሎም ገይሩ ኣእመና። ካብታ ኦም እንተ በሊዓኸ፧ ሰይጣን ንሄዋን ብቐጥታ ኸምዚ በላ፦ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ።”—ዘፍጥረት 3:1-5

8. (ሀ) እቲ ሰይጣን ንሄዋን እተዛረባ ዘረባ እንታይ መልእኽቲ እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ሰይጣን ኣብ ስምን ልዑላውነትን ኣምላኽ እንታይ ብድሆ እዩ ኣቕሪቡ፧

8 ሰይጣን ብኣዘራርባኡ፡ ‘የሆዋ ንሄዋን ኣድላዪ ሓበሬታ ሓቢኡላ ጥራይ ዘይኰነስ ሓሶት እውን እዩ ተዛሪብዋ’ ዚብል መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ። እቲ ፈታኒ ንሄዋን፡ ንእንታይነት የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም እተእቱ እዩ ገይርዋ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ስም ኣምላኽ ዓብዪ ጸርፊ ኣምጽአ። ኣብ ልዑላውነት ወይ ኣገዛዝኣ የሆዋ እዋን መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣምላኽ ልዑላዊ ገዛኢ ምዃኑ ሰይጣን ኣይከሓደን። ይኹን እምበር፡ ልዑላውነቱ ዜንጸባርቐሉ ኣገባብ ቅኑዕ፡ ፍትሓዊ፡ ወይ ግቡእ ኣይኰነን ኢሉ እዩ ተኸራኺሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ንልዑላውነቱ ብጽድቃዊ መገድን ንረብሓታት ተገዛእቱ ብምሕሳብን ኣይኰነን ዜንጸባርቖ በሃሊ እዩ።

9. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ብዘይምእዛዞም እንታይ ኣምጽኡ፧ እዚኸ ኸመይ ዝበለ ኣገደስቲ ሕቶታት እዩ ዘልዓለ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧

9 ድሕርዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ፍረ እታ የሆዋ ዝኸልከሎም ኦም ብምብላዕ ትእዛዙ ኣፍረሱ። እቲ ዘይምእዛዞም ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ናብ ሞት መርሖም። ናይ ሰይጣን ሓሶት፡ ‘የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብሓቂዶ መሰል ኣለዎ እዩ፡ ወይስ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ እዩ ኼመሓድር ዘለዎ፧ ንልዑላውነቱኸ በቲ ቕኑዕ መገዲ ድዩ ዜንጸባርቖ፧’ ዚብል ኣገዳሲ ሕቶታት ኣልዓለ። የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ንምጥፋእ ብኡብኡ ሓይሉ ኺጥቀም ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ እተላዕለ ብድሆ ንሓይሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንኣገዛዝኣኡ ዜጠቓልል ስሙ እዩ ዚምልከት ነይሩ። ስለዚ ንኣዳምን ንሄዋንን ንሰይጣንን ሽዑሽዑ ኣጥፊእዎም ነይሩ እንተ ዚኸውን እቲ ንጽድቃዊ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ኣብ ጥርጠራ ዘውደቐ ሕቶ ኣይምተመለሰን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብዛዕባ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ካልእ ተወሳኺ ሕቶታት መበገሰ ነይሩ። ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ንገዛእ ርእሶም ብግቡእ ኬመሓድሩ ኸም ዚኽእሉ ወይ ከም ዘይክእሉ ንምውሳን ግዜ ኺውሃቦም ጥራይ እዩ ዘለዎ።

10. ታሪኽ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

10 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እንታይ እዩ ተራእዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት፡ ሰባት ከም እኒ ኣውቶክራሲ፡ ዲሞክራሲ፡ ሶሻሊዝም፡ ኮምዩኒዝም ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣገባብ ምምሕዳራት ፈቲኖም እዮም። ናይ ኵሉ እዚ ምምሕዳራት እዚ ውጽኢት ድማ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ “ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ” ዝበሎ እዩ። (መክብብ 8:9) ነብዪ ኤርምያስ፡ “ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ኪብል ከሎ ብቑዕ ምኽንያት እዩ ነይርዎ።—ኤርምያስ 10:23

11. የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ኪሳቐዩ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

11 ወዲ ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ምስ ዜመሓድር መወዳእታኡ ብዙሕ ስቓይ ከም ዜምጽኣሉ የሆዋ ኻብ መጀመርታ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ እናፈለጠ ግዜ ምፍቃዱ ዘይፍትሓዊ ዚገብሮ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይገብሮን እዩ። ንመረዳእታ፦ መጥባሕቲ ዜድልዮ ኸቢድ ሕማም ዘለዎ ቘልዓ ኣሎካ ንበል። እቲ መጥባሕቲ ንውሉድካ ስቓይ ከም ዜምጽኣሉ ስለ እትፈልጥ፡ ብዙሕ ትጭነቕ። ምስናይዚ ግና እቲ መጥባሕቲ ንውሉድካ ዝሓሸ ጥዕና ኸም ዜምጽኣሉ እውን ትፈልጥ ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ እውን ደቂ ሰብ ባዕሎም ንባዕሎም ኬመሓድሩ ምፍቃዱ ስቓይን መከራን ከም ዜምጽእ ይፈልጥ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣቐዲሙ እውን ነጊሩ እዩ። (ዘፍጥረት 3:16-19) ይኹን እምበር፡ ዘለኣለማውን ትርጉም ዘለዎን ዕረፍቲ ኺመጽእ ዚኽእል ንዅሎም ደቂ ሰብ ነቲ ብምኽንያት ዕልወት ዚመጽእ ሕማቕ ፍረ ኺርእዩ እንተ ኣፍቂዱሎም ጥራይ ምዃኑ እውን ይፈልጥ እዩ። በዚ ኸምዚ ጥራይ ከኣ እዩ እቲ እተላዕለ ብድሆ ንሓዋሩ ኺድቅስ ዚኽእል።

ብዛዕባ ንጽህና ወዲ ሰብ እተላዕለ ኽርክር

12. ከምቲ ኣብ እዮብ እተራእየ፡ ሰይጣን ንደቂ ሰብ እንታይ ክሲ እዩ ዜቕርበሎም፧

12 ምስቲ ብድሆ እቲ እተተሓሓዘ ኻልእ ሕቶ እውን ተላዒሉ እዩ። ሰይጣን ‘ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ቅንዕናን ጽድቅን ይጐድሎ እዩ’ ዚብል ብድሆ ብምቕራብ ምስ ልዑላውነትን ስምን ብእተተሓሓዘ ንየሆዋ ኼካፍኦ ኸሎ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ምስ ንጽህናኦም ብእተተሓሓዘ ኣካፊእዎም እዩ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ንየሆዋ ዝበሎ ነስተብህለሉ፦ “ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧ ንተግባር ኣእዳዉ ባሪኽካዮ፡ ማሉ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዘለዎ ዅሉ ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ።”—እዮብ 1:10, 11

13. እቲ ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ዘቕረቦ ኽሲ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧ እዚኸ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚትንኪ ብኸመይ እዩ፧

13 ሰይጣን፡ እዮብ ውፉይ ኪኸውን ዝኸኣለ የሆዋ በቲ ሓይሉ ገይሩ ስለ ዘዕቈቦ እዩ ብምባል ተኸራኸረ። እዚ ኸኣ እዮብ ንኣምላኽ ዜምልኾ ብዝረኸቦ ጥቕሚ ተደሪኹ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንጽህናኡ ናይ ኣምሰሉ እዩ ነይሩ ዚብል መልእኽቲ የመሓላልፍ ነበረ። ኣምላኽ በረኸቱ እንተ ደኣ ኣሕዲግዎ ኸኣ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ንፈጣሪኡ ኺረግሞ እዩ በለ። እዮብ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን ቅኑዕን ሰብ” ምዃኑ ሰይጣን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። a ስለዚ ንእዮብ ንጽህናኡ ኸም ዜበላሹ ገይርዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን ብዛዕባ እቶም ካልኦት ደቂ ሰብ እውን እንታይ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘልዓሎ ሕቶ እምበኣር ንተኣማንነት ናይ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ኣብ ሕቶ ዜውድቕ እዩ ነይሩ። እወ፡ ሰይጣን ንየሆዋ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ብምባል ነቲ ኽርክር ኣስፈሖ።—እዮብ 1:8፣ 2:4

14. ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ኣመልኪቱ ዘልዓሎ ኽሲ ታሪኽ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

14 ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ግና ከም እዮብ ዝኣመሰሉ ሓያሎ ሰባት ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ወረዶም፡ ተኣማንነቶም ሓልዮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣንጻር እቲ ሰይጣን ዝበሎ እዩ። ብተኣማንነቶም ንልቢ የሆዋ ኣሐጒሶምዎ እዮም፣ በዚ መሰረት እዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ሰይጣን ብትዕቢት ተላዒሉ ደቂ ሰብ መከራ እንተ ደኣ ወሪድዎም ንኣምላኽ ምግልጋል ኬቋርጹ እዮም ብምባል ዘልዓሎ ኽሲ ምላሽ ኪህበሉ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 11:4-38) እወ፡ ቅኑዓት ሰባት ንኣምላኽ ዝባኖም ኪህብዎ ኣይደለዩን። ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ የሆዋ ንምጽማም ሓይሊ ምእንቲ ኺህቦም ብዝያዳ ኣብ የሆዋ እዮም ዚውከሉ።—2 ቈረንቶስ 4:7-10

15. ብዛዕባ ሕሉፍን መጻእን ፍርድታት ኣምላኽ እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧

15 እንተዀነ ግና ፍትሒ የሆዋ ኣብቲ ብዛዕባ ልዑላውነቱን ብዛዕባ ንጽህና ወዲ ሰብን እተላዕለ ብድሆ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ እውን ተራእዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ምስ ውልቀ ሰባትን ህዝብታትን እተተሓሓዘ ፍርድታት የሆዋ ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ሒዙልና ኣሎ። ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ብዛዕባ ፍርድታት እተነግረ ትንቢታት እውን ሒዙ ኣሎ። የሆዋ ብፍርድታቱ ጻድቕ ከም ዝነበረን ንዚመጽእ እውን ጽድቁ ኸም ዜርእን ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ፍትሒ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዚበልጸሉ ምኽንያት

የሆዋ ‘ንጻድቕ ምስ እኩይ ከቶ ኣይኪዅስትሮን እዩ’

16, 17. ደቂ ሰብ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዘለዎም ምርዳእ ውሱን ከም ዝዀነ ዚገልጸልና ኣየናይ ኣብነት እዩ፧

16 ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ” ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ዘዳግም 32:4) ካባና ግና ብዛዕባ ርእሱ ኸምዚ ኺብል ዚኽእል ዋላ ሓደ የሎን፣ ከመይሲ እቲ ናይ ምርዳእ ክእለትና ውሱን ብምዃኑ ዚበዝሕ ግዜ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓል የጸግመና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብርሃም ንርአ። ኣብ ከተማ ሶዶም እከይ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተ ነበረ፡ ክትጠፍእ ስለ ዘይደለየ ንየሆዋ፡ “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ዘፍጥረት 18:23-33) እቲ መልሲ ‘ኣይፋልን’ ዚብል ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። የሆዋ ኣብ ሶዶም ‘ዲንን ሓውን ዘዝነመ’ እቲ ጻድቕ ሎጥን ኣዋልዱን ኣብ ከተማ ጾዓር ብደሓን ምስ በጽሑ እዩ። (ዘፍጥረት 19:22-24) ኣንጻር እዚ ድማ የሆዋ ንህዝቢ ነነዌ ምሕረቱ ምስ ኣርኣዮም ዮናስ “ብቝጥዓ . . . ነደደ።” ዮናስ ብዛዕባ ጥፍኣት ነነዌ ኣዊጁ ስለ ዝነበረ ጥራይ—ልባዊ ንስሓ ምርኣዮም ብዘየገድስ—ኪጠፍኡ እዩ ዚደልዮም ነይሩ።—ዮናስ 3:10–4:1

17 የሆዋ እቲ ዜርእዮ ፍትሒ ንእኩያት ምጥፋእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ጻድቃን እውን ምድሓን ከም ዜጠቓልል ንኣብርሃም ኣረጋገጸሉ። ዮናስ ግና የሆዋ መሓሪ ምዃኑ ኺምሃር ነበሮ። እኩያት መገዶም እንተ ደኣ ቐይሮም፡ “ንይቕረታ ድልዊ” እዩ። (መዝሙር 86:5) የሆዋ ኸምቶም ብዛዕባ ስልጣኖም ዚጭነቑ ደቂ ሰብ ሓይሉ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ ጥራይ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኣየውርድን እዩ፡ ወይ እውን ከም ድኹም ምእንቲ ኸይቍጸር ኢሉ ድንጋጽ ካብ ምርኣይ ድሕር ኣይብልን እዩ። ብቑዕ ምኽንያት ኪረክብ ከሎ ምሕረት ናይ ምርኣይ ኣቕዋም እዩ ዘለዎ።—ኢሳይያስ 55:7፣ ህዝቅኤል 18:23

18. የሆዋ ብስምዒት ጥራይ ተለዓዒሉ ስጕምቲ ኸም ዘይወስድ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒስካ ግለጽ።

18 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብስምዒት ዚድፋእ ኣምላኽ ኣይኰነን። ህዝቡ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ምስ ወደቑ ኣትሪሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ። ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ። ሳዕቤናት መገድታትክስ ከምጽኣልኪ [እየ]።” (ህዝቅኤል 7:3, 4) ስለዚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ እኩይ ተግባራቶም ምስ ዚተርሩ፡ የሆዋ ብእኡ መጠን እዩ ዚፈርዶም። ይኹን እምበር፡ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ረኸበ ጥራይ እዩ ዚፈርድ። ንኣብነት፡ ኣውያት ሶዶምን ጎሞራን ምስ ሰምዐ፡ “ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 18:20, 21) የሆዋ ኸምቶም ንዅሉ ነገር ኣጻርዮም ቅድሚ ምስምዖም ንውሳነ ዚቕልጥፉ ሓያሎ ደቂ ሰብ ብዘይምዃኑስ ኣየ ኽንደይ ከነማሱ ዘይግብኣና! እወ፡ ኸምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ዘሎ የሆዋ “ኸቶ ዘይዕምጽ ኣምላኽ ተኣማንነት” እዩ።—ዘዳግም 32:4

ኣብ ፍትሒ የሆዋ እምንቶ ይሃልወና

19. ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ዜጨንቕ ሕቶታት ምስ ዚመጸና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝወሰዶ ስጕምትታት ንዚለዓል ዘበለ ዅሉ ሕቶታት መልሲ ኣይህበናን እዩ። ንውልቀ ሰባት ይኹን ጕጅለታት ኣብ መጻኢ ብኸመይ ከም ዚፈርዶም እውን ሓንቲ ብሓንቲ ዘርዚሩ ኣይገልጸልናን እዩ። ስለዚ ሓሳባቱ ብዝርዝር ዘይተገልጸ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ወይ ትንቢታት ከነንብብ ከለና ምስ እንጭነቕ ከምቲ፡ “ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ እየ” ብምባል ተኣማንነቱ ዘርኣየ ነብዪ ሚክያስ ተኣማንነትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ሚክያስ 7:7

20, 21. የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ስጕምቲ ጥራይ ከም ዚወስድ ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ወትሩ ቕኑዕ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ሰባት ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ዕሽሽ ኣብ ዚብሉሉ እዋናት እውን ከይተረፈ የሆዋ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ብምባል ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ሮሜ 12:19) ንሕና እውን ብተስፋ ንጽበ እንተ ደኣ ዄንና ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣማሚንና፡ “ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን!” ክንብል ኢና።—ሮሜ 9:14

21 ክሳዕ ሽዑ ግና ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ኽንነብር ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ፍትሒ ምድፋንን “ጭቈና”ን ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ኣስዒቡ እዩ። (መክብብ 4:1) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣይተለወጠን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ፍትሒ ምድፋን ይጸልእ እዩ፡ ነቶም ዚግፍዑ ኸኣ ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። ንየሆዋን ንልዑላውነቱን እሙናት እንተ ደኣ ዄንና፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቱ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ዜዐርየሉ እዋን ክንጽመም ዜኽእለና ሓይሊ ኺህበና እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

a የሆዋ ብዛዕባ እዮብ፡ “ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን” በለ። (እዮብ 1:8) እዮብ ደድሕሪ ሞት ዮሴፍን ሙሴ መራሒ እስራኤል ኰይኑ ቐቅድሚ ምግልጋሉን ኣብ ዝነበረ ግዜ እዩ ዚነብር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም እዮብ ዝኣመሰለ ንጽህና ዝነበሮ ሰብ ኣይነበረን ኪብሃል ይከኣል እዩ።