ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

“ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”

“ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”

1, 2. ሓያሎ ሰባት ሕጊ ዘየኽብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ ሕግታት ኣምላኽ ግና ከመይ እዩ ኺስምዓና ዘለዎ፧

 ኣብ ሓንቲ ብ1712 እተሓትመት መጽሓፍ፡ “ሕጊ መወዳእታ ዘይብሉ ጕድጓድ እዩ። . . . ንዅሉ እዩ ዚውሕጥ” ዚብል ሓሳብ ይርከብ። እቲ ደራሲ እዛ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ሓደ ነቶም ፍትሒ ዚደልዩ ሰባት እናኣኽሰረ ንዓመታት ዚኣክል ኣብ ቤት ፍርዲ ዚጓተት ክስታት ዝሓዘ ስርዓተ ሕጊ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘሎ ስርዓተ ሕጊ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ፍትሒ ምድፋንን ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድን ኣድልዎን ስለ ዚርኣየሉ ሓያሎ ሰባት ንሕጊ ይጸልእዎ ኣለዉ።

2 ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሓሳባት ብምንጽጻር፡ ነዘን 2,700 ዓመታት ይገብር እተጻሕፋ “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!” ዚብላ ቓላት ነቕልበለን። (መዝሙር 119:97) እቲ ዘማሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቝ ፍቕሪ ዘሕደረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ እቲ ሕጊ፡ ምንጩ የሆዋ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ሰብኣዊ መንግስቲ ኣይነበረን። ሕግታት ኣምላኽ እናኣጽናዕካ ብዝኸድካ መጠን ከምቲ እቲ ዘማሪ ዝበሎ እናተሰምዓካ እዩ ዝኸይድ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘለዉ ዅሎም እቲ ዝዓበየ ወሃብ ሕጊ ዝዀነ የሆዋ ዓሚቝ ፍልጠት ንኺህልወካ ኺሕግዘካ እዩ።

እቲ ዝለዓለ ወሃብ ሕጊ

3, 4. የሆዋ ሓጋግ ሕጊ ምዃኑ ዘርኣየ በየናይ መገድታት እዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ” ይብለና። (ያእቆብ 4:12) እቲ ናይ ሓቂ ሓጋግ ሕጊ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ርግጽ እዩ። ንምንቅስቓስ ሰማያዊ ኣካላት እውን ከይተረፈ ዚቈጻጸሮ፡ እቲ ባዕሉ ዝሰርዖ “ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት” እዩ። (እዮብ 38:33) እቶም ኣእላፋት ቅዱሳት መላእኽቱ እውን ከይተረፈ ሰስርሖም ተዋሂብዎም ከም ኣገልገልቱ ዀይኖም ስለ ዚእዘዝዎ፡ ብመለኮታዊ ሕጊ እዮም ዚምርሑ ኺብሃል ይከኣል እዩ።—መዝሙር 104:4፣ እብራውያን 1:7, 14

4 የሆዋ ንደቂ ሰብ እውን ሕጊ ሂብዎም እዩ። ነፍሲ ወከፍና ንፍትሑ ዜንጸባርቕ ሕልና ተዋሂቡና እዩ። ሕልና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕጊ ብምዃኑ ቕኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ይሕግዘና። (ሮሜ 2:14) እቶም ቀዳሞት ወለድና ፍጹም ሕልና ስለ ዝነበሮም፡ ሒደት ሕግታት ጥራይ እዩ ዜድልዮም ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:15-17) ዘይፍጹም ሰብ ግና ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብዙሕ ሕግታት እዩ ዜድልዮ። ከም ኖህን ኣብርሃምን ያእቆብን ዝኣመሰሉ ኣበው ካብ የሆዋ ሕግታት ተቐቢሎም ንስድራ ቤቶም ኣመሓላሊፎምዎ እዮም። (ዘፍጥረት 6:22፣ 9:3-6፣ 18:19፣ 26:4, 5) የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብሙሴ ኣቢሉ ሕጊ ምስ ሃቦም፡ ሓጋግ ሕጊ ምዃኑ መወዳድርቲ ብዘይብሉ መገዲ ኣርእዩ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ሰፊሕ ምርዳእ ኪህልወና ይሕግዘና።

ሓፈሻዊ ነጥብታት ሕጊ ሙሴ

5. ሕጊ ሙሴ እተሓላለኸ ኣዝዩ ብዙሕ ሕግታት ዝሓዘ ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ዝመለስካ ስለምንታይ ኢኻ፧

5 ሓያሎ ሰባት ሕጊ ሙሴ እተሓላለኸ ኣዝዩ ብዙሕ ሕግታት ዝሓዘ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። እዚ ኣምር እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። እቲ ሕጊ ብጠቕላላ ልዕሊ 600 ሕግታት ሓቚፉ ነበረ። እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ኰይኑ ዚስምዓና እኳ እንተ ዀነ፡ ምስዚ ስዒቡ ዘሎ ብዝሒ ሕግታት ነነጻጽሮ። ክሳዕ መወዳእታ ናይ መበል 20 ዘመን ፈደራላዊ ሕጊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ልዕሊ 150,000 ገጻት ዘለዎ ሕጋዊ መጻሕፍቲ ሒዙ ነበረ። ኣብ ከክልተ ዓመት ልዕሊ 600 ዚኸውን ሕግታት ይውሰኽ እዩ። ስለዚ፡ ሕጊ ሙሴ ምስቲ ደቂ ሰብ ዘውጽእዎ ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ኪነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ሕጊ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዘመናዊ ሕግታት ኣብ ግምት ዘየእተዎ ንመዳያት ናብራ ህይወት ዚምልከት ስርዓታት ብምውጻእ ንእስራኤላውያን ይቈጻጸሮም ነይሩ እዩ። ነዚ ዜብርህ ሓፈሻዊ ነጥብታት እቲ ሕጊ ንርአ።

6, 7. (ሀ) ሕጊ ሙሴ ኻብ ካልእ ሕግታት ፍልይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧ (ለ) እስራኤላውያን ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም እተቐበልዎ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

6 እቲ ሕጊ ንልዑላውነት የሆዋ ኽብ ዜብል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ሕጊ ሙሴ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሕጊ ጸብለል ዝበለ እዩ። ካብ ሕግታት እታ ዝዓበየት እዚኣ እያ፦ “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፦ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ። ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።” እቶም ህዝቡ ብኸመይ እዮም ፍቕሮም ዚገልጹሉ፧ ንልዑላውነቱ ተገዛእቲ ብምዃን ምስ ዜገልግልዎ እዩ።—ዘዳግም 6:4, 5፣ 11:13

7 ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ተገዛኢ ብምዃን ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እተቐበሎ ኼርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ወለዲ፡ ኣሕሉቕ፡ ደያኑ፡ ካህናት፡ ዋላ እውን ንጉስ ከይተረፈ ንመለኮታዊ ስልጣን ዚውክሉ እዮም ነይሮም። የሆዋ ኻብቶም ስልጣን እተዋህቦም ሰባት ምዕላው ካብኡ ምዕላው ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ስልጣን እተዋህቦም ሰባት ንህዝቡ ምስ ዜጋፍዕዎም ወይ ምስ ዚዕበዩሎም፡ ቍጥዓ የሆዋ ይወርዶም ነበረ። (ዘጸኣት 20:12፣ 22:28፣ ዘዳግም 1:16, 17፣ 17:8-20፣ 19:16, 17) ስለዚ ዅሎም እቶም ስልጣን ዘለዎም ይኹኑ እቶም ተገዛእቲ ንልዑላውነት የሆዋ ንምኽባር ሓላፍነት ነይርዎም እዩ።

8. እቲ ሕጊ ንስርዓታት ቅድስና የሆዋ ዜኽብር ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ሕጊ ንቕድስና ዚምልከት ስርዓታት የሆዋ የኽብር ነበረ። እታ “ቕዱስ” እትብል ቃልን ናታ ረባሕታን ኣብ ሕጊ ሙሴ ልዕሊ 280 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ሕጊ ንሓደ እስራኤላዊ ብወግዒ ዘይንጹህ ኪገብሮ ዚኽእል 70 ዚኸውን እተፈላለየ ነገራት ብምጥቃስ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ንጹህን ዘይንጹህን ዘሎ ፍልልይ ኪርእዩ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ ሕግታት እዚ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽሬት፡ ምግቢ፡ ቀልቀል እውን ከይተረፈ ይጠቅስ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ናይ ጥዕና ረብሓታት ነይርዎ እዩ። a ይኹን እምበር፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሓጢኣት ዝመልኦ ተግባራት ፈልዩ ብስምረት የሆዋ ኺመላለሱ ዜኽእሎም ስለ ዝነበረ፡ ዝለዓለ ዕላማ እውን ነይርዎ እዩ። ሓደ ኣብነት ንርአ።

9, 10. እቲ ሕጊ ኺዳን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ብዛዕባ ሕርስን እንታይ ሕግታት እዩ ኣውጺኡ፧ እዚ ሕግታት እዚኸ እንታይ ረብሓታት እዩ ነይርዎ፧

9 እቲ ሕጊ ኺዳን ኣብ መንጎ ምርዑዋት እውን ከይተረፈ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ሕርስን ንእተወሰነ ግዜያት የርክስ ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። (ዘሌዋውያን 12:2-4፣ 15:16-18) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ንጹህ ህያባት ዜሕስር ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:18-25) ኣብ ክንዳኡስ በቲ ዜርክስ ነገራት ከይብከሉ ብምሕላው ንቕድስና የሆዋ ኽብ ዜብል እዩ ነይሩ። እተን ኣብ ከባቢ እስራኤላውያን ዝነበራ ሃገራት ንኣምልኾ ምስ ናይ ጾታን ፍርያትን ጽምብላት እየን ዜተሓሕዛኦ ነይረን። ናይ ከነኣናውያን ሃይማኖት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣመናዝር ዚሓቍፍ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሕስረት ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃኡ በጺሑን ኣስፋሕፊሑን ነበረ። እቲ ሕጊ ግና ብኣንጻሩ ንህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣምልኾኦም ካብ ጾታዊ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፍለዩ እዩ ገይርዎም። b ካልእ ረብሓታት እውን ነይርዎ እዩ።

10 እዚ ሕግታት እዚ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዚምህረና። c ከመይሲ፡ ሓጢኣት ኣዳም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እተመሓላለፈ ብጾታዊ ርክብን ሕርስን ደይኰነን፧ (ሮሜ 5:12) እወ፡ ሕጊ ኣምላኽ ንህዝቡ ሓጢኣት ከም ዘሎ የዘኻኽሮም እዩ። አረ ዅላትና ብሓጢኣት ኢና ተወሊድና። (መዝሙር 51:5) ናብቲ ቕዱስ ኣምላኽና ንምቕራብ፡ ሕድገት ሓጢኣትን በጃን የድልየና እዩ።

11, 12. (ሀ) እቲ ሕጊ ብዛዕባ ፍትሒ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧ (ለ) ፍትሒ ምእንቲ ኸይድፈን፡ እቲ ሕጊ ኸመይ ዝበለ ስርዓታት እዩ ሒዙ ነይሩ፧

11 እቲ ሕጊ ነቲ ፍጹም ፍትሒ የሆዋ የኽብር ነበረ። ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ ናይ ፍትሒ ጕዳያት ዚጥቀስ ሚዛን ምሕላው ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ “ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ” ኪኽፈል ተሓጊጉ እዩ። (ዘዳግም 19:21) ገበን ምስ ዚፍጸም ከኣ፡ እቲ ዚውሃብ መቕጻዕቲ ምስቲ ገበን ዚመጣጠን ኪኸውን ነበሮ። ብምሉኡ እቲ ሕጊ በዚ ኽፍሊ መለኮታዊ ፍትሒ ዝዀነ ስርዓት እዩ ዚዓዪ ነይሩ። እዚ ሕጊ እዚ ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ኸምቲ ቐጺልና ኣብ ምዕራፍ 14 እንርእዮ ነቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ይሕግዘና እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6

12 እቲ ሕጊ፡ ፍትሒ ንኸይድፈን ዚኽልክል ስርዓታት እውን ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ክሲ ንምምስራት እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ኪህልዉ የድሊ ነበረ። ብሓሶት ምምስካር ከቢድ መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ። (ዘዳግም 19:15, 18, 19) ብልሽውናን ጉቦን እውን ኣጸቢቑ እተዀነነ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 23:8፣ ዘዳግም 27:25) እቶም ህዝቢ ኣብ ናይ ንግዲ ጕዳያቶም እውን ከይተረፈ ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዚምልከት ክብ ዝበለ ስርዓታት ኬኽብርዎ ነበሮም። (ዘሌዋውያን 19:35, 36፣ ዘዳግም 23:19, 20) እቲ ልዑልን ፍትሓውን ስርዓተ ሕጊ ንህዝቢ እስራኤል ዓብዪ በረኸት ዜምጽኣሎም እዩ ነይሩ።

ኣብ ፍርዳዊ ጕዳያት ምሕረትን ዘይምድላውን ዜጕልሕ ሕግታት

13, 14. እቲ ሕጊ ንሰራቕን ንእተሰርቀን ፍትሓዊ ዝዀነ ብይን ኪውሃቦም ዜተባብዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

13 ሕጊ ሙሴ ተሪርን ምሕረት ዘይብሉን ሕግታት ዝሓዘ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይነበረን። ንጉስ ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 19:7) እቲ ሕጊ ምሕረትን ፍትሕን ዘለዎ ብይን ኪግበር የተባብዕ ከም ዝነበረ ዳዊት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ። ምሕረትን ፍትሕን ዜተባብዕ ዝነበረ ግና ብኸመይ እዩ፧

14 ሎሚ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዘሎ ሕጊ ኣብ ክንዲ ነቶም ጥቑዓት፡ ብዝያዳ ነቶም ወንጀለኛታት ዚሓሊ እዩ ዚመስል። ንኣብነት፡ ሰረቕቲ ንግዜኡ ቤት ማእሰርቲ ይኣትዉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ እቲ እተሰርቀ ንብረቱ ዘይተመልሰሉ ኽነሱ፡ እቲ ሰራቒ ንዚምገቦ ምግብን ንዚሓድረሉ ቤት ማእሰርትን ተባሂሉ ዚወጽእ ቀረጽ ኪኸፍል ይሕተት እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ግና ከምዚ ሎሚ እንፈልጦ ዓይነት ቤት ማእሰርቲ ኣይነበረን። እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ኺውሃብ ከም ዘለዎ እውን ጽኑዕ ገደብ ይግበረሉ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 25:1-3) እቲ ሰራቒ ነቲ ዝሰረቖ ናብ ዋናኡ ኺመልሶ ነበሮ፡ ተወሳኺ ኻሕሳ እውን ኪህብ ይሕተት ነበረ። ክንደይ እዩ ኪኽሕስ ነይርዎ፧ ከከም ኵነታቱ ዚፈላለ እዩ ነይሩ። እቶም ደያኑ ኸም እኒ ናይቲ ሓጢኣተኛ ንስሓ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ንምግምጋም ዚሕግዞም መዐቀኒ ይውሃቦም ነይሩ። በዚ ድማ እዩ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 6:1-7 ተገሊጹ ዘሎ ኻሕሳ ኻብቲ ኣብ ዘጸኣት 22:7 ተገሊጹ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ ዝዀነ።

15. እቲ ሕጊ ሓደ ሰብ ከይሓሰቦ ሰብ ምስ ዚቐትል ምሕረትን ፍትሕን ኪግበረሉ ዜተባብዕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

15 እቲ ሕጊ፡ ኵሉ ዚፍጸም በደል ደይ መደይ ኢልካ እዩ ዚግበር ማለት ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ብምሃቡ ምሕረት ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ከይሓሰቦ ብድንገት ሰብ ምስ ዚቐትል፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ እስራኤል ዝነበራ ኸተማታት ዕቝባ እንተ ደኣ ሃዲሙ፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት ኪኸፍል ኣይግብኦን እዩ ነይሩ። ብቑዓት ፈራዶ ንጕዳዩ ተጠንቂቖም ምስ መርመርዎ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ዕቝባ ኺጸንሕ ነበሮ። ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ኣብ ድላዩ ኸይዱ ኺነብር ናጻ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኻብ ምሕረት ኣምላኽ ይጥቀም ነበረ። ምስናይዚ እውን እዚ ስርዓት እዚ ህይወት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ምዃና ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።—ዘሁልቍ 15:30, 31፣ 35:12-25

16. እቲ ሕጊ ንናይ ብሕቲ መሰላት ዚጣበቕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ ሕጊ ንናይ ብሕቲ መሰላት እውን ዚጣበቕ እዩ ነይሩ። ነቶም ሰብ ዕዳ ዕቝባ ዚህበሉ ዝነበረ መገድታት እሞ ንርአ። ንኣብነት፡ ንዘለቃሕካዮ ገንዘብ ትሕጃ ኽትወስድ ኢልካ ናብ ቤት እቲ ዘለቃሕካዮ ሰብ ምእታው ክልኩል ነበረ። ኣብ ክንዳኡስ ኣለቃሒ እቲ ተለቃሒ ነቲ ትሕጃ ኽሳዕ ዘምጽኣሉ ኣብ ደገ ደው ኢሉ ኺጽበዮ ነበሮ። እዚ ድማ ቤት እቲ ተለቃሒ ኸይውረር ዚሕግዝ ሕጊ እዩ። ኣለቃሒ ዝወሰዶ ትሕጃ ኽዳን እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ተለቃሒ ለይቲ ምእንቲ ኪኽደኖ፡ ነቲ ትሕጃ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኪመልሶ ነበሮ።—ዘዳግም 24:10-14

17, 18. ብውግእ ዝመጸ እስራኤላውያን ካብ ካልኦት ሃገራት ፍሉያት ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ስለምንታይከ፧

17 ውግእ እውን ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ “ውግእ የሆዋ” ወኪላቱ ኪዀኑ እምበር፡ ስልጣን ንምርካብ ወይ ንምውራር ኢሎም ኪዋግኡ መሰል ኣይነበሮምን። (ዘሁልቍ 21:14) እስራኤላውያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸላእቶም መጥቃዕቲ ቕድሚ ምፍናዎም፡ ኢዶም ኪህቡ እዮም ዚሓትትዎም ነይሮም። ሓንቲ ኸተማ ኢዳ ምሃብ እንተ ደኣ ኣብያ፡ ሽዑ እስራኤላውያን ብመሰረት ሕግታት ኣምላኽ ነታ ኸተማ ይኸብብዋ። ሰራዊት እስራኤል ከምቲ ኣብ ታሪኽ ልሙድ ዝዀነ ሓያሎ ወተሃደራት ዚገብርዎ ንደቂ ኣንስትዮ ኺዕምጹ ዀነ ጃምላዊ ቕትለት ኪፍጽሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ነቲ ኸባቢ እውን ከይተረፈ ኸይሃስይዎ ኺጥንቀቑ ነበሮም፡ ፍረታት ዝሓዘ ኣእዋም ጸላእቶም ኪቘርጹ እውን ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። d ናይ ካልኦት ሃገራት ሰራዊት ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ቐይዲ ኣይግበረሎምን እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 20:10-15, 19, 20፣ 21:10-13

18 ኣብ ገሊኡ ሃገራት ቈልዑ ወተሃደራት ኪዀኑ ኸም ዚስልጥኑ ኽትሰምዕ ከለኻ የስካሕክሓካዶ፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝዀነ ይኹን ትሕቲ 20 ዝዕድሚኡ መንእሰይ ኣብ ሰራዊት ኣይክተብን እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 1:2, 3) ልዕሊ 20 ዝዕድሚኡ እውን ከይተረፈ ዚጃጁ እንተ ደኣ ዀይኑ ኣብ ሰራዊት ኣይጽምበርን እዩ ነይሩ። ሓድሽ መርዓዊ እውን ኣብዚ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምክፋሉ ወራሲ ዝዀኖ ውሉድ ምእንቲ ኺርኢ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ናጻ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሰብኣይ “ኣብ ቤቱ ናጻ ይኹን፡ ንሰበይቱ ድማ የሐጕሳ” ብምባል እቲ ሕጊ ይገልጽ።—ዘዳግም 20:5, 6, 8፣ 24:5

19. እቲ ሕጊ ንኣንስቲ፡ ንቘልዑ፡ ንስድራ ቤታት፡ ንመበለታት፡ ንዘኽታማት ንምዕቋብ ከመይ ዝበለ ምድላው እዩ ዝገበረ፧

19 እቲ ሕጊ ንኣንስቲ፡ ንቘልዑ፡ ንስድራ ቤታት ዜድልዮም ዘበለ ብምድላው የዕቍቦም ነበረ። ወለዲ ንደቆም ብመንፈሳዊ ነገራት ዜድሊ ቘላሕታ ኺገብሩሎምን መምርሒ ኺህብዎምን ይእዝዝ ነበረ። (ዘዳግም 6:6, 7) ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዚፍጸም ኵሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብሞት ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን፡ ምዕራፍ 18) እቲ ዚበዝሕ ግዜ ንስድራ ቤታት ዚፈላሊ፡ ዕቝባአንን ክብረንን ከኣ ዜበላሹ ዝሙት እውን ክልኩል እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ ንመበለታትን ዘኽታማትን ዜድልዮም የዳልወሎም፡ ምእንቲ ኸይግፍዑ ኸኣ ኣትሪሩ ዚኽልክል እዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 20:14፣ 22:22-24

20, 21. (ሀ) ኣብ እስራኤላውያን ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ኼእቱ ብሕጊ ሙሴ እተፈቕደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብፍትሕ ዝመጸ፡ እቲ ሕጊ ኻብቲ የሱስ ጸኒሑ ዝጠቐሶ ስርዓት እተፈልየ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

20 ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ምስዚ ብምትሕሓዝ ‘ስለምንታይ ደኣ እዩ እቲ ሕጊ ንሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ኼእቱ ዚፈቕደሉ ዝነበረ’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። (ዘዳግም 21:15-17) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ኽንምርምሮ ዘሎና። እቶም ንሕጊ ሙሴ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታትን ባህልን ኣብ ግምት ብምእታው ዚፈርድዎ ሰባት ብግቡእ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። (ምሳሌ 18:13) የሆዋ ኣብ ኤደን ብዛዕባ መርዓ ዘቘሞ ስርዓት፡ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ጥራይ ተወሲኑ ነባሪ ማእሰር ኰይኑ ኪቕጽል እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:18, 20-24) የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ኺህቦም ከሎ ግና ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ንዘመናት ዚኣክል ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ እዩ ነይሩ። የሆዋ፡ እቶም ‘ተረርቲ’ ህዝቡ ንዝሙትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ዚኽልክል ኣዝዩ መሰረታዊ ትእዛዛት ብዙሕ ሳዕ ከም ዚጥሕስዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 32:9) ስለዚ ንዅሉ ምስ መውስቦ እተተሓሓዘ ተግባራት ኣብቲ እዋን እቲ ኼዐርዮ ኣድላዪ ዀይኑ ኣይረኸቦን። ይኹን እምበር፡ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ሰበይቲ ናይ ምእታው ስርዓት፡ የሆዋ ዘቘሞ ስርዓት ከም ዘይኰነ ግና ንዘክር። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዝነበረ ኻብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ናይ ምእታው ስርዓት ብሕጊ ሙሴ ገይሩ ተቘጻጺርዎ እዩ፡ እቲ ልምዲ ጕድኣት ከየስዕብ እውን ተኸላኺሉ እዩ።

21 ብተመሳሳሊ መገዲ እውን፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽብድ ዝበለ ምኽንያት እንተ ደኣ ረኺቡላ ኺፈትሓ ይፍቀደሉ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 24:1-4) እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንኣይሁድ ‘ብሰሪ ትሪ ልቦም’ ዝፈቐደሎም ነገር ምዃኑ የሱስ ጠቒስዎ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ተፈቒዱሎም። የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ የሆዋ ኻብ መጀመርታ ዝሰርዖ ስርዓተ መውስቦ ኬኽብሩ እዩ ኣዚዝዎም።—ማቴዎስ 19:8

እቲ ሕጊ ፍቕሪ ኺህሉ የተባብዕ ነበረ

22. ሕጊ ሙሴ ብኸመይ እዩ ፍቕሪ ኺህሉ ዜተባብዕ ዝነበረ፧ ንመን ከተፍቅርከ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ፧

22 ፍቕሪ ዜተባብዕ ዘመናዊ ስርዓተ ሕጊ እንተ ዚህሉ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ሕጊ ሙሴ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ፍቕሪ ኺህሉ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ። ከመይሲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ጥራይ እኳ ‘ምፍቃር’ ወይ ‘ምፍታው’ ዚብላ ቓላት ብእተፈላለየ ረባሕታ ንልዕሊ 20 ግዜ ዚኸውን ተጠቒሰን ንረኽበን። ኣብቲ ሕጊ እታ ዝዓበየት ካልአይቲ ትእዛዝ፡ “ንብጻይካ . . . ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል እያ። (ዘሌዋውያን 19:18፣ ማቴዎስ 22:37-40) ህዝቢ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሳቶም እውን ጓኖት ከም ዝነበሩ ብምዝካር ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓና ድማ ኬፍቅሩ ነበሮም። ንድኻታትን ንውጹዓትን እውን ስጋዊ ነገራት ብምሃብን ንድኻሞም ተጠቒሞም ኪብለጹሎም ብዘይምፍታንን ፍቕሮም ኪገልጹሎም ነበሮም። ንመጽዓኛ እኳ ኸይተረፈ ብሕያውነትን ብሓልዮትን ኪሕዝዎም መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ።—ዘጸኣት 23:6፣ ዘሌዋውያን 19:14, 33, 34፣ ዘዳግም 22:4, 10፣ 24:17, 18

23. እቲ ንመዝሙር 119 ዝጸሓፈ እንታይ ንምግባር እዩ እተደረኸ፧ ንሕናኸ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንውስን እንኽእል፧

23 ከምዚ ዓይነት ስርዓተ ሕጊ ዘለዋ ሃገር እሞ መን ኣላ፧ እምበኣር እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!” እንተ በለ ዜገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር ፍቕሩ ስምዒታዊ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ብግብሪ ንኺገልጾ እውን ደሪኽዎ እዩ፡ ከመይሲ ነቲ ሕጊ እቲ እናተኣዘዘ ብእኡ ኽምራሕ ይጽዕር ነይሩ እዩ። ቀጺሉ “ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ ኣለኹ” በለ። (መዝሙር 119:11, 97) እወ፡ ግዜ መዲቡ ስርዓታዊ ዀይኑ ሕግታት የሆዋ የጽንዕ ነይሩ እዩ። ነቲ ሕጊ ዝያዳ ኼንብብ ከሎ ነቲ ሕጊ ዝያዳ እናኣፍቀሮ እንተ ኸደ ዜገርም ኣይኰነን። ነቲ ሓጋግ ሕጊ ዝዀነ የሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ እውን እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ንስኻ እውን ሕጊ ኣምላኽ ከተጽንዕ ከለኻ ናብቲ ዝለዓለ ሓጋግ ሕግን ኣምላኽ ፍትሕን ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርብ ኢኻ።

a ንኣብነት፡ ቀልቀል ሰብ ምቕባር፡ ንሕሙም ካብ ካልኦት ከም ዚፍለ ምግባር፡ ከምኡ እውን ምዉት ዝተንከየ ዘበለ ኸም ዚሕጸብ ምግባር፡ ገለ ኻብቲ ኣማእታት ዘመናት ቅድሚ ኻልኦት ሃገራት ዚስዕብዎ ዝነበሩ ነገራት እዩ።—ዘሌዋውያን 13:4-8፣ ዘሁልቍ 19:11-13, 17-19፣ ዘዳግም 23:13, 14

b ናይ ከነኣናውያን ኣብያተ መቕደስ ጾታዊ ርክብ ዚፍጸመሉ ኽፍልታት ነይርዎ እዩ፣ ሕጊ ሙሴ ግና እቶም ዝረኸሱ እኳ ናብ ቤተ መቕደስ ከይኣትዉ እዩ ዚኽልክል ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ጾታዊ ርክብ ንእተወሰነ ግዜያት የርክስ ካብ ነበረ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝመጸ ማንም ሰብ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ቤት የሆዋ ኽፍሊ ኣምልኾኡ ኺገብሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

c ቀንዲ ዕላማ እቲ ሕጊ ትምህርቲ ንምሃብ እዩ ነይሩ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ እኳ እታ “ሕጊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቶራህ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል “ትምህርቲ” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ እዩ ዚገልጽ።

d እቲ ሕጊ “ንኦም መሮርሲ ኸም ንሰብ ጌርካዶ ኽትከብቦ ኢኻ፧” ብምባል ሓተተ። (ዘዳግም 20:19) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፊሎ እተባህለ ኣይሁዳዊ ምሁር ነዚ ሕጊ እዚ ጠቒሱ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ “ሰባት ብዘቘጥዑኻ፡ ክፍኣት ዚብሃል ኣብ ዘይብሎም ንጹሃት ፍጥረታት ቍጥዓኻ ኽትክዑ ፍትሓዊ ኣይኰነን” በለ።