ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዚሓልፍ በጃ’ ኣዳለወ

የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዚሓልፍ በጃ’ ኣዳለወ

1, 2. መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታት ደቂ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚገልጾ፧ ካብዚኸ ብምንታይ ጥራይ እዩ ሓራ ኺውጻእ ዚከኣል፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ እንነብረሉ ዘለና ዜሕዝን ኵነታት ኪገልጾ ኸሎ፡ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎስ፡ ንፈልጥ ኣለና” በለ። (ሮሜ 8:22) ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ካብ ስቓይን ሓጢኣትን ሞትን መውጽኢ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዓቕሚ የሆዋ ኸም ዓቕሚ ሰባት ውሱን ኣይኰነን። (ዘሁልቍ 23:19) እወ፡ እዚ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዚ ኻብ ጸበባና ኺገላግለና ዚኽእል መውጽኢ ኣዳልዩልና ኣሎ። እዚ ኸኣ በጃ ይብሃል።

2 በጃ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንወጽእ ከኣ የኽእለና። (ኤፌሶን 1:7) መሰረት ናይቲ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ እንረኽቦ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ እዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 3:16፣ 1 ጴጥሮስ 1:4) በጃ ኺብሃል ከሎ ግና እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ሓለፍ ዝበለ ፍትሒ የሆዋኸ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

በጃ ዘድለየሉ ምኽንያት

3. (ሀ) በጃ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ኣብ ዘርኢ ኣዳም ዘመሓላለፎ ናይ ሞት ፍርዲ ኪቕይሮ ዘይክእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

3 በጃ ዘድለየ ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳም እዩ። ኣዳም ብዘይምእዛዙ ንዘርኡ ሕማምን ሓዘንን ጓህን ሞትን ኣመሓላለፈሎም። (ዘፍጥረት 2:17፣ ሮሜ 8:20) ኣምላኽ ነቲ ዘመሓላለፎ ናይ ሞት ፍርዲ ብስምዒት ኪቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ከምኡ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ ነቲ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ዚብል ሕጉ ኸም ዝነጸጎ ምተቘጽረ። (ሮሜ 6:23) የሆዋ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መዐቀኒ ፍትሒ ጥሒስዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ ኣብ ብዘላ ዩኒቨርስ ሕንፍሽፍሽን ምፍራስ ሕግን መስፋሕፍሐ ነይሩ።

4, 5. (ሀ) ሰይጣን ንኣምላኽ ዘካፍኦ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋኸ ነዚ ብድሆታት እዚ ኺምልሰሉ እተገደደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ክሲ እዩ ዘቕረበሎም፧

4 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 12 ዝረኣናዮ እቲ ኣብ ኤደን እተጀመረ ዕልወት ካልእ ዝዓበየ ብድሆታት እውን ኣልዒሉ እዩ። ሰይጣን ነቲ ጽቡቕ ስም ኣምላኽ ኣበላሽይዎ እዩ። በቲ ዘልዓሎ ብድሆ ንየሆዋ ኸም ሓደ ንፍጡራቱ ናጽነቶም ዝገፈፎም ሓሳውን ጨካንን ውልቀ መላኺ ገይሩ ኸሰሶ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ነቲ ንምድሪ ብጻድቃን ደቂ ሰብ ኪመልኣ ዝገበሮ ዕላማ ንግዜኡ ስለ ዘተዓናቐፎ ኸኣ፡ ከም ዝፈሸለ ገይሩ ወቐሶ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ኢሳይያስ 55:10, 11) የሆዋ ነዚ ብድሆታት እዚ ኸይተመለሰ እንተ ዚገድፎ ነይሩ፡ ብዙሓት ካብ ፍጡራቱ ኣብ ኣገዛዝኣኡ ዘለዎም እምንቶ መጥፍኡ ነይሮም።

5 ሰይጣን እቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዝዀኑ እሞ ጸቕጢ እንተ ደኣ ወሪድዎም፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ንኣምላኽ እሙን ከም ዘይከውን ገይሩ ኸሰሶም። (እዮብ 1:9-11) እዚ ብድሆ እዚ ኻብቲ ንደቂ ሰብ ዝበጽሖም መከራ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ብድሆ እዩ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ናይ ሓሶት ክስታት ኪምልሰሉ ተገደደ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነዚ ብድሆታት እዚ ኣደቂሱ ንደቂ ሰብ ኬድሕኖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

በጃ እንታይ ማለት እዩ፧

6. ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን እተጠቕመሉ ኣገባብ ንምግላጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘውቲሩ ዘሎ ቓላት እንታይ እዩ፧

6 የሆዋ ኻብ ወዲ ሰብ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ኪምህዞ ዘይክእል ንምሕረቱን ፍትሑን ብዝለዓለ ደረጃ ዜንጸባርቕ ቀሊል ዝዀነ መፍትሒ እዩ ተጠቒሙ። እዚ ኸኣ ከም ምዕዳግ ወይ ከም ምትዕራቕ ጌርካ ብእተፈላለየ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 49:8፣ ዳንኤል 9:24፣ ገላትያ 3:13፣ ቈሎሴ 1:20፣ እብራውያን 2:17) ይኹን እምበር፡ ነቲ መፍትሒ እቲ ኻብ ኵሉ ብዝበለጸ መገዲ ኽገልጾ ዚኽእል እቲ የሱስ ባዕሉ እተጠቕመሉ ቓል እዩ። የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ [ብግሪኽኛ፡ ሊትሮን] ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን” በለ።—ማቴዎስ 20:28

7, 8. (ሀ) እታ “በጃ” እትብል ቃል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከመይ ዝበለ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) በጃ ንምምዕርራይ ዜመልክት በየናይ መገዲ እዩ፧

7 በጃ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ በጃ ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል ካብታ “ምልቃቕ ወይ ምፍታሕ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ግሲ ዝመጸት እያ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ግዜ ውግእ እተኣስሩ እሱራት ምእንቲ ኺፍትሑ ኢልካ ንዚኽፈል ዝነበረ ገንዘብ እያ እተመልክት። ብመሰረቱ እምበኣር፡ በጃ ንሓደ ነገር ንምምላስ ኢልካ ዚኽፈል ተባሂላ ኽትግለጽ ትኽእል እያ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እታ “በጃ” (ኮፈር) ተባሂላ ዘላ ቓል ካብታ “ምኽዳን” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ግሲ ዝመጸት እያ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኖህ ነታ መርከብ ብቕጥራን ‘ኪልቕልቓ’ [ብእብራይስጢ፡ ኪኸድና] ኸም ዘለዎ ነገሮ። (ዘፍጥረት 6:14) እዚ ድማ ምብጃው ኪብሃል ከሎ ሓጢኣት ምኽዳን ዚብል ትርጉም እውን ከም ዘለዎ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።—መዝሙር 65:3

8 ዘ ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት እዛ ቓል እዚኣ (ኮፈር) “ወትሩ ንምምዕርራይ [ወይ፡ ምምጥጣን] ከም እተመልክት” ይገልጽ። ስለዚ፡ ሓጢኣት ንምብጃው፡ ምስቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ ጕድኣት ምሉእ ብምሉእ ዚመዓራረ ወይ ምሉእ ብምሉእ ዚኸድኖ ዋጋ ኪኽፈል ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ “ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ ይኹን” ብምባል ዚገልጽ።—ዘዳግም 19:21

9. ናይ እምነት ሰባት መስዋእቲ እንስሳታት ዜቕርቡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋኸ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ብኸመይ እዩ ዚምልከቶ ነይሩ፧

9 ካብ ኣቤል ጀሚሮም ዝነበሩ ናይ እምነት ሰባት ንኣምላኽ ናይ እንስሳ መስዋእትታት የቕርብሉ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓጢኣት ከም ዘለዎምን በጃ ኸም ዜድልዮምን ኣፍልጦ ይህቡ ነይሮም ማለት እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ‘ብዘርኡ’ ኣቢሉ ሓራ ኼውጽኦም ዘተስፈዎ ተስፋ እምነት ከም ዘለዎም ከኣ ኣርእዮም እዮም። (ዘፍጥረት 3:15፣ 4:1-4፣ ዘሌዋውያን 17:11፣ እብራውያን 11:4) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ይሰምሮ ስለ ዝነበረ፡ ጽቡቕ ኣቕዋም ኪህልዎም ሓጊዝዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ መስዋእቲ እንስሳታት መርኣያ ጥራይ እዩ ነይሩ። እንስሳታት ካብ ሰባት ትሕት ዝበሉ ብምዃኖም፡ ሓጢኣት ሰብ ኪኸድኑ ኣይክእሉን እዮም። (መዝሙር 8:4-8) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ” በለ። (እብራውያን 10:1-4) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ናይቲ ኽመጽእ ዝነበሮ ናይ ሓቂ በጅነታዊ መስዋእቲ ምልክት ወይ መርኣያ ጥራይ እዩ ነይሩ።

“ተመዓራራዪ በጃ”

10. (ሀ) እቲ ተበጃዊ ምስ መን እዩ ኺመዓራረ ነይርዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ጥራይ ኪስዋእ እኹል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ኵላቶም ብኣዳም ሞቱ’ ይብለና። (1 ቈረንቶስ 15:22) ስለዚ፡ እቲ በጃ ሞት ናይ ሓደ ማዕረ ኣዳም ዝዀነ ፍጹም ሰብ ዚሓትት እዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:14) ንሚዛን ፍትሒ ኼመዓራርዮ ዚኽእል ካልእ ፍጡር የልቦን። እቲ ብሰንኪ ሓጢኣት እተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ ዘይትንክፎ ምስቲ ፍጹም ዝነበረ ኣዳም ምሉእ ብምሉእ ማዕረ ዝዀነ ፍጹም ሰብ ጥራይ እዩ “ተመዓራራዪ በጃ” ኬቕርብ ዚኽእል። (1 ጢሞቴዎስ 2:6) ምስ ነፍሲ ወከፍ ዘርኢ ኣዳም ንምምዕርራይ ኢልካ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪስውኡ ኣድላዪ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት . . . ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 5:12) “ሞት ብሓደ ሰብ” ስለ ዝመጸ ኸኣ፡ ድሕነት ደቂ ሰብ እውን “ብሓደ ሰብ” ኪመጽእ ኣምላኽ ምድላው ገበረ። (1 ቈረንቶስ 15:21) ብኸመይ፧

“ኣብ ክንዲ ዅሉ . . . ተመዓራራዪ በጃ”

11. (ሀ) እቲ ተበጃዊ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ዝጠዓመ’ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

11 የሆዋ ብፍታዉ ህይወቱ መስዋእቲ ዜሕልፍ ፍጹም ሰብ ኣዳለወ። ብመሰረት ሮሜ 6:23፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” እንተዀነ ግና፡ እቲ ተበጃዊ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ” ህይወቱ ብምስዋእ ‘ሞት ጥዒሙ እዩ።’ ብኻልእ ኣዘራርባ ዋጋ ሓጢኣት ኣዳም ከፊሉ ማለት እዩ። (እብራውያን 2:9፣ 2 ቈረንቶስ 5:21፣ 1 ጴጥሮስ 2:24) እዚ ብሕጋዊ መገዲ ኺርአ ኸሎ እውን ዘየካትዕ እዩ ኪኸውን ነይርዎ። እቲ እተኸፍለ በጃ ነቲ ኣብ ዘርኢ ኣዳም እተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ ብምፍራስ እውን ነቲ ሞት ዜስዕብ ሓጢኣት ካብ ሱሩ ኺምሕዎ ነበሮ። aሮሜ 5:16

12. ዕዳ ምኽፋል ንብዙሓት ሰባት ብኸመይ ኪጠቅም ከም ዚኽእል ግለጽ።

12 ንመረዳእታ፦ ኣብ ሓንቲ መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ፋብሪካ ተቘጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዘለዉዋ ኸተማ ትነብር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንስኻን ጐረባብትኻን ጽቡቕ ደሞዝ እናተኸፍለኩም ምሹእ ናብራ ኢኹም እትነብሩ ንበል። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓላፊ እታ ፋብሪካ ብልሽውና ስለ ዝነበሮ፡ እታ ፋብሪካ ጠፈሸት እሞ ተዓጽወት። ንስኻን ጐረባብትኻን ሃንደበት ስራሕ ተቋርጹ፡ ዕዳኹም ክትከፍሉ ኸኣ ኣይከኣልኩምን። ብሰንኪ እቲ ብልሽውና ዝነበሮ ሰብኣይ፡ ሰብ ሓዳርን ቈልዑን ኣለቃሕትን ብዙሕ ስቓይ የሕልፉ። መፍትሒኸ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧ እወ፡ ሓደ ሃብታም ገባር ሰናይ እታ ፋብሪካ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘለዋ ስለ እተገንዘበ፡ እቶም ኣብኣ ተቘጺሮም ዝሰርሑ ሓያሎ ሰራሕተኛታትን ስድራ ቤታቶምን ድማ ስለ ዘደንገጽዎ፡ ንዅሉ ዕዳኣ ኸፊሉ ነታ ፋብሪካ የኽፍታ። እቲ ዕዳ ስለ እተኸፍለ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታትን ስድራ ቤታቶምን እቶም ኣለቃሕትን እፎይታ ይረኽቡ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣዳም ዘምጽኦ ዕዳ ኪኽፈል ከሎ ኸኣ፡ ሚልዮናት ሰባት እዮም ዚጥቀሙ።

ነቲ በጃ ዜዳልዎ መን እዩ፧

13, 14. (ሀ) የሆዋ ነቲ በጃ ንደቂ ሰብ ዘዳለወሎም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ በጃ ንመን እዩ እተኸፍለ፧ ኪኽፈል ኣድላዪ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

13 ነቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል” ኬዳልዎ ዚኽእል የሆዋ ጥራይ እዩ። (ዮሃንስ 1:29) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን ኢሉ ሓደ ኻብ መላእኽቲ ብሃውሪ ኣይሰደደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ሰይጣን ኣንጻር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘልዓሎ ኽሲ ዘየዳግም መልሲ ኺህቦ ዚኽእል ፍጡር እዩ ልኢኹ። እወ፡ የሆዋ ነቲ ‘ኣዝዩ ዚፈትዎ’ ዝነበረ ሓደ ወዱ ብምልኣኽ ጸብለልታ ዘለዎ መስዋእቲ እዩ ገይሩ። (ምሳሌ 8:30) ወዲ ኣምላኽ ፍቓደኛ ብምዃን ካብቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ኽብሪ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ” እዩ። (ፊልጲ 2:7) የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ንህይወት እቲ ሰማያዊ በዅሪ ወዱ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም ዝስማ ኣይሁዳዊት ድንግል ኣመሓላለፎ። (ሉቃስ 1:27, 35) ሰብ ኰይኑ ምስ ተወልደ የሱስ ተባሂሉ ኺስመ ነበሮ። ብሕጋዊ መገዲ ግና ምሉእ ብምሉእ ማዕረ ኣዳም ስለ ዝነበረ፡ ካልኣይ ኣዳም ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከኣለ። (1 ቈረንቶስ 15:45, 47) በዚ ኸምዚ የሱስ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ህይወቱ መስዋእቲ ኬቕርብ ከኣለ።

14 እቲ በጃ ንመን እዩ ኪኽፈል ነይርዎ፧ መዝሙር 49:7 እቲ በጃ “ንኣምላኽ” ከም ዚኽፈል ኣነጺሩ እዩ ዚገልጸልና። ይኹን እምበር፡ ነቲ በጃ ዝሰርዖ የሆዋ ደይኰነን፧ እወ የሆዋ እዩ፡ እንተዀነ ግና፡ እዚ ነቲ በጃ ልክዕ ከምቲ ገንዘብ ካብ ሓደ ጁባ ወሲድካ ናብቲ ኻልእ ጁባ ኸም ምእታው ትርጉም ዘይብሉ ኣይገብሮን እዩ። እቲ በጃ ኸም ንብረት ምቅይያር ጌርካ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ሕጋዊ ጕዳይ ኪርአ ኣለዎ። የሆዋ ብወገኑ ብዙሕ መስዋእቲ ኺገብር ዚሓትቶ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ዚኽፈል በጃ ብምድላዉ ነቲ ፍጹም ፍትሑ ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓል ድሕር ከም ዘይብል ኣረጋጊጹ እዩ።—ዘፍጥረት 22:7, 8, 11-13፣ እብራውያን 11:17፣ ያእቆብ 1:17

15. የሱስ ኪሳቐን ኪመውትን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

15 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጽድያ ናይ 33 ድ.ክ. ብፍታዉ በጃ ኸም ዚኸፍል ዝገበሮ ኸቢድ ፈተና ኣሕሊፉ እዩ። ብሓሶት ተኸስሰ፡ ከም ገበነኛ ተቘጺሩ ተፈርደ፡ ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም ከኣ ሸንከርዎ። የሱስ ማዕረ ኽንድዚ ኺሳቐስ ብሓቂዶ ኣድላዪ እዩ ነይሩ፧ እወ፡ እቲ ብዛዕባ ንጽህና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተላዒሉ ዝነበረ ብድሆ ኽድቅስ ስለ ዝነበሮ፡ ኣድላዪ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ብሄሮድስ ኪቕተል ኣይፈቐደን። (ማቴዎስ 2:13-18) ምስ ዓበየ ግና ነቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ብድሆታት ምሉእ ብምሉእ ተረዲኡ ንመጥቃዕትታቱ ኺምክተሉ ኽኢሉ እዩ። b የሱስ ሽሕ እኳ ዘሰቅቕ ፈተናታት እንተ ወረዶ “እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን ካብ ሓጥኣን እተፈልየን” ኰይኑ ኽሳዕ መወዳእታ ብምጽንዑ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ኰይኖም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ባሮት ከም ዘለዉዎ ብዘየዳግም መገዲ ኣርእዩ እዩ። (እብራውያን 7:26) ስለዚ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ “ተፈጺሙ!” ኢሉ ብዓወት ምጭርሑ ዜገርም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 19:30

ነቲ ናይ ድሕነት ዕዮኡ ፈጸሞ

16, 17. (ሀ) የሱስ ነቲ ናይ ድሕነት ዕዮኡ ብኸመይ እዩ ቐጺልዎ፧ (ለ) የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ኪርኣየልና ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ ነቲ ናይ ድሕነት ዕዮኡ ኺፍጽሞ ነበሮ። ምስ ሞተ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ የሆዋ ኻብ ምዉታት ኣተንስኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:15፣ 10:40) የሆዋ በዚ ወሳኒ ዝዀነ ተግባር እዚ ነቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ኣገልግሎቱ ባሪኽዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ናይ ድሕነት ዕዮኡ ኺፍጽም እውን ኣጋጣሚ ሂብዎ እዩ። (ሮሜ 1:4፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-8) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጹልና ኣሎ፦ “ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት . . . ኰይኑ ምስ መጸ፡ . . . ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ። ከመይሲ፡ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርኣየልና ናብ ሰማይ እምበር፡ ናብታ ምስሊ እታ ናይ ሓቂ ዝዀነት ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።”—እብራውያን 9:11, 12, 24

17 ክርስቶስ ቃል ብቓሉ ደሙ ሒዙ ንሰማይ ኪዓርግ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 15:50) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብደም ተመሲሉ ዘሎ ነገር፡ ማለት ሕጋዊ ዋጋ ናይቲ እተሰውአ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ እዩ ወሲዱ። ስለዚ ነቲ ኸም በጃ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ሓጢኣት ደቂ ሰብ እተኸፍለ ዋጋ ህይወቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብወግዓዊ መገዲ ኣቕሪብዎ እዩ። የሆዋኸ ነቲ መስዋእቲ እቲ ተቐቢልዎ ድዩ፧ እወ፡ እዚ ድማ ኣብ ጰንጠቈስጠ ናይ 33 ድ.ክ. ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱሱ ምስ ኣፍሰሰ ተራእዩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) ካብቲ በጃ ዚርከብ ዜደንቕ በረኸት በዚ እዩ ጀሚሩ።

በቲ በጃ እተረኽበ ረብሓታት

18, 19. (ሀ) ካብቲ ብደም ክርስቶስ እተገብረ ዕርቂ ኣየኖት ክልተ ጕጅለ እዮም እተጠቕሙ፧ (ለ) እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ኻብቲ በጃ ሕጅን ኣብ መጻእን ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

18 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኸም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ በቲ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ዝፈሰሰ ደም የሱስ ገይሩ ሰላም ብምፍጣር፡ ንዅሉ ነገራት ምስ ርእሱ ኣተዓሪቕዎ እዩ። እዚ ዕርቂ እዚ ንኽልተ ጕጅለ ማለት “ኣብ ሰማያት ዘሎን” “ኣብ ምድሪ ዘሎን” ከም ዜጠቓልል እውን ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:19, 20፣ ኤፌሶን 1:10) እቲ ናይ መጀመርታ ጕጅለ ነቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ሰማያውያን ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዜመሓድሩ 144,000 ክርስትያናት ዚሓቍፍ እዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 7:4፣ 14:1-3) እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ሽሕ ዓመት ንዅሉ እቲ በቲ በጃ ዚርከብ ረብሓታት በብቝሩብ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:24-26፣ ራእይ 20:6፣ 21:3, 4

19 እቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ህይወት ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ ዚጽበዩ ሰባት እዮም። ራእይ 7:9-17 ካብ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝመጹ “ብዙሓት ህዝቢ” ኸም ዝዀኑ ገሊጽዎም ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ በጃ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኽሳዕ ሽዑ ምጽባይ ኣየድልዮምን እዩ። ዛጊት ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ’ እዮም። ኣብቲ በጃ ስለ ዚኣምኑ፡ ካብቲ ፍቕራዊ ምድላው እቲ ብዙሕ መንፈሳዊ ረብሓታት ይረኽቡ ኣለዉ። ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ድማ ጸዲቖም እዮም። (ያእቆብ 2:23) ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ከኣ ‘በቲ ንምዝራብ ዘለዎም ትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ኪቐርቡ’ ይኽእሉ። (እብራውያን 4:14-16) ኪጋገዩ ኸለዉ ናይ ሓቂ ሕድገት ይረኽቡ። (ኤፌሶን 1:7) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ጽሩይ ሕልና ኣለዎም። (እብራውያን 9:9፣ 10:22፣ 1 ጴጥሮስ 3:21) ስለዚ ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ዚመጽእ ብተስፋ እትጽበዮ ነገር ዘይኰነስ፡ ረብሓታቱ ሕጂ ብግህዶ ዚርአ ዘሎ ነገር እዩ! (2 ቈረንቶስ 5:19, 20) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት በብቝሩብ “ካብ ባርነት ጥፍኣት” ሓራ ወጺኦም፡ “ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ” ኪህልዎም እዩ።—ሮሜ 8:21

20. ብዛዕባ እቲ በጃ ምስትንታን ብብሕቲ ኺትንክየካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

20 ስለቲ እተኸፍለልና በጃ፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን!” (ሮሜ 7:25) እቲ በጃ ንምርዳኡ ቐሊል እኳ እንተ ዀነ፡ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ የደንቐና እዩ። (ሮሜ 11:33) ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉ ድማ ንልብና ተንክዩ ናብቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዝያዳ እናቐረብና ኸም እንኸይድ እዩ ዚገብረና። ልክዕ ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ ንሕና እውን የሆዋ ‘ጽድቅን ፍትሕን ዚፈቱ’ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንውድሶ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት እዩ ዘሎና።—መዝሙር 33:5

a ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ በጃ ኺጥቀሙ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ሓደ ደይ መደይ ኢሉ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ “ሞት ዚግብኦ ቐታል ነፍሲ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡ ካብኡ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ተዋሂቡ ኣሎ። (ዘሁልቍ 35:31) ስለዚ ኣዳምን ሄዋንን እውን ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዘፍረሱ ሞት እዩ ዚግብኦም። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ከኣ ኣጥፍኡ።

b የሱስ ነቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ንምድቃስ ከም ሓደ ፍጹም ቈልዓ ዘይኰነስ ከም ሓደ ፍጹም ሰብኣይ ኰይኑ ኺመውት ነበሮ። ኣዳም ሓጢኣት ዝፈጸመ ደይ መደይ ኢሉ ምዃኑ ንዘክር፡ እቲ ዝፈጸሞ ተግባር ከቢድ ምዃኑን እንታይ ሳዕቤን ከም ዜምጽኣሉን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ “ዳሕረዋይ ኣዳም” ኰይኑ ሓጢኣት ምእንቲ ኪኸድን፡ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ንምሕላው ብምርዳእ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ኺገብር ኣድልይዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:45, 47) መወዳእታኡ ኸኣ እቲ መስዋእታዊ ሞቱ ዜጠቓልል ብተኣማንነት ዘሕለፎ ናብራ ህይወቱ ኸም “ግብሪ ጽድቂ” ተቘጽረ።—ሮሜ 5:18, 19