ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 3

“ጥበበኛ ዝልቡ”

“ጥበበኛ ዝልቡ”

ሓደ ኻብቲ ኽትደልዮ ዘሎካ ኣዝዩ ኽቡር ጥሪት ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ምንጪ እዛ ጥበብ እዚኣ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ ነቲ ደረት ዘይብሉ ጥበብ የሆዋ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንምርምሮ ኢና። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንየሆዋ፡ “ጥበበኛ ዝልቡ” ኢልዎ ኣሎ።—እዮብ 9:4

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ምዕራፍ 17

‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’

ጥበብ ኣምላኽ ካብ ፍልጠቱን ምርዳኡን ምስትውዓሉን ሓለፍ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 18

ኣብ “ቃል ኣምላኽ” ዚርከብ ጥበብ

ኣምላኽ ብሰባት ገይሩ ሓሳባቱ ኣብ መጽሓፍ ዘስፈሮ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኡ ጸብጻብ ኪምዝገብ ከሎ፡ ገሊኡ ዘይተመዝገበሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 19

“ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ”

እቲ ኣምላኽ በብቝሩብ ዝገለጸልና ቕዱስ ምስጢር እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 20

“ጥበበኛ ዝልቡ፡” ግናኸ ትሑት

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ትሑት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 21

የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ

ትምህርትታት የሱስ ኣዝዩ መሳጢ ብምንባሩ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኺሕዝዎ እተላእኩ ሰባት ጥራይ ኢዶም ተመልሱ።

ምዕራፍ 22

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ ኣምላኽ ከነጥርየሉ እንኽእል 4 መዳይ ይገልጽ።