ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 20

“ጥበበኛ ዝልቡ፡” ግናኸ ትሑት

“ጥበበኛ ዝልቡ፡” ግናኸ ትሑት

1-3. የሆዋ ትሑት ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 ሓደ ኣቦ ንሓደ ንእሽቶ ውሉዱ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህሮ ምስ ዚደሊ ልቡ ኺትንክዮ እዩ ዚጽዕር። እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ እዩ ኺጥቀም ዘለዎ፧ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ እናኣፈራርሀ ድዩ ዚጭድረሉ፧ ወይስ ተምበርኪኹ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ብልኡምን ብዚስሕብን ቃላት እዩ ዚዛረቦ፧ ሓደ ጥበበኛን ትሑትን ኣቦ ልኡም ኣቀራርባ እዩ ዚጥቀም።

2 የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ እዩ፧ ዕቡይ ወይስ ትሑት፧ ተሪር ወይስ ልኡም፧ የሆዋ ዅሉ ዚፈልጥ፡ ኵሉ ዓይነት ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ንሰባት ትሑታት ይገብሮም እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣስተብሂልካዶ ኣለኻ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ “ፍልጠት ይነፍሕ” እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:19፣ 8:1) እቲ “ጥበበኛ ዝልቡ” የሆዋ ግና ትሑት እውን እዩ። (እዮብ 9:4) ትሑት እዩ ኺብሃል ከሎ ግና ብመዓርግ ታሕቲ እዩ ወይ ክብሪ የብሉን ማለት ዘይኰነስ ዕቡይ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

3 የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ ዜርክስ ትዕቢት የብሉን። (ማርቆስ 7:20-22) ብተወሳኺ ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ብርግጽ ክትዝክሮን ናባይ ክትደንንን ኢኻ” ኢሉ እተዛረቦ ሓሳብ ዘክሮ። a (ድጕዓ 3:20) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ልዑል ጐይታ ዩኒቨርስ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ዘይፍጹም ሰብ ዝነበረ ኤርምያስ ቈላሕታ ንምግባር ‘ድንን’ ኢሉ፡ ወይ ከኣ ናብ ደረጃ ኤርምያስ ወሪዱ ማለት እዩ። (መዝሙር 113:7) እወ፡ የሆዋ ትሑት እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ኣምላኽ ዜንጸባርቓ ትሕትና እንታይ ዘጠቓለለት እያ፧ ምስ ጥበብ እተተሓሓዘትከ ብኸመይ እያ፧ ንዓና ኣገዳሲት ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

የሆዋ ትሑት ምዃኑ ዘረጋገጸሉ መገዲ

4, 5. (ሀ) ትሕትና እንታይ እያ፧ ብኸመይከ እያ እትግለጽ፧ ድኻም ወይ ፍርሂ ኸም ዝዀነት ጌርካ ኽትውሰድ ዘይብላኸ ስለምንታይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ምስ ዳዊት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንዓናኸ ትሕትና የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እያ እተድልየና፧

4 ትሕትና ኣንጻር ትዕቢት እያ። እዛ ውሽጣዊት ናይ ልቢ ባህርይ ዝዀነት ትሕትና ብኸም እኒ ለውሃት፡ ትዕግስቲ፡ ልእመት ዝኣመሰለ ባህርያት ትግለጽ እያ። (ገላትያ 5:22, 23) ይኹን ደኣ እምበር፡ እዚ ኣምላኻዊ ባህርያት እዚ ምስ ድኻም ወይ ሕፍረት ኪጽብጸብ የብሉን። ምስቲ ጽድቃዊ ቝጥዓ የሆዋ ወይ ከኣ ምስቲ ንምዕናው ዚጥቀመሉ ሓይሉ ዚጋጮ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብትሕትናኡን ብልእመቱን ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ወይ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምቍጽጻር ክእለቱ ዜርኢ እዩ። (ኢሳይያስ 42:14) ትሕትና ምስ ጥበብ እተተሓሓዘት ብኸመይ እያ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ኸምዚ በለ፦ “ትሕትና . . . ዘይምስሳዕ ተባሂላ እያ እትግለጽ፡ ምንጪ ናይ ኵሉ ጥበብ ከኣ እያ።” ስለዚ ብዘይ ትሕትና ናይ ሓቂ ጥበብ ኪጥረ ኣይከኣልን እዩ። ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እያ ኽትጠቕመና እትኽእል፧

ሓደ ፈቃር ኣቦ ምስ ደቁ ብትሕትናን ብልእመትን እዩ ዚዘራረብ

5 ንጉስ ዳዊት፡ “ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡ የማነይትኻ ትድግፈኒ፡ ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ” ብምባል ናብ የሆዋ ዘመረ። (መዝሙር 18:35) ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ነዚ ዘይፍጹም ሰብ እዚ መዓልቲ መዓልቲ እናኣዕቈበን እናሓብሓበን ብምሕጋዝ ርእሱ ኣትሕት ኣበለ። ዳዊት ድሕነት ኪረክብ፡ አረ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ንጉስ መጠን ክብ ኪብል እንተ ደኣ ዀይኑ የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ርእሱ ትሕት ኬብል ፍቓደኛ ምስ ዚኸውን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብሓቂ ድማ የሆዋ ኸም ለዋህን ፈቃርን ኣቦ መጠን ርእሱ ትሕት ኬብል ፍቓደኛ እንተ ዘይከውን ነይሩ መን ካባና እዩ እሞ ናይ ድሕነት ተስፋ ኺረክብ ዚኽእል፧

6, 7. (ሀ) የሆዋ በየናይ መገዲ እዩ ትሑት ዚብሃል፧ (ለ) ኣብ መንጎ ለውሃትን ጥበብን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ፍጹም ኣብነት ዚዀነናኸ መን እዩ፧

6 ትሕትና እሙናት ክርስትያናት ኬንጸባርቕዋ ዘለዎም ባህ እተብል ባህርይ እያ። ምስ ጥበብ ከኣ ተተሓሒዛ ኣላ። ንኣብነት፡ ምሳሌ 11:2፡ “ጥበብ . . . ምስ ትሑታት እያ” ትብለና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኸም ናይ ደቂ ሰብ ዓይነት ትሕትና ኸም ዘለዎ ገይሩ ፈጺሙ ኣይዛረበሉን እዩ። ስለምንታይ፧ ትሕትና ይጐድሎ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትሕትና ምስ ደቂ ሰብ ብምትሕሓዝ ክትጥቀስ ከላ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እውን ተመልክት እያ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብዘይካ ኣብቲ ምእንቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኺብል ባዕሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዚገብሮ ደረት እንተ ዘይኰይኑ፡ ዓቕሙ እተወሰነ ኣይኰነን። (ማርቆስ 10:27፣ ቲቶስ 1:2) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ልዑል ኣምላኽ ብምዃኑ ንማንም ሰብ ኣይግዛእን እዩ። ስለዚ፡ ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ዝትርጉሙ ዓይነት ትሕትና ኣብ የሆዋ ኣይዓይን እዩ።

7 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ርክብ ንምግባር ፍቓደኛ ብምዃኑ ግና ትሑት እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ብዘይዚ እውን የሆዋ ለዋህ እዩ። ለውሃት ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ ኣድላዪት ምዃና ንኣገልገልቱ ምሂርዎም እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ኻብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት” ይዛረብ እዩ። b (ያእቆብ 3:13) የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብሮ እስከ ንርአ።

የሆዋ ብትሕትና ሓላፍነት ይህብን ጽን ኢሉ ይሰምዕን

8-10. (ሀ) የሆዋ ሓላፍነት ንምሃብ ኰነ ጽን ኢሉ ንምስማዕ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርዚንካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምስ መላእኽቱ ብትሕትና እተመላለሰ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ሓላፍነት ንምሃብን ጽን ኢሉ ንምስማዕን ፍቓደኛ ምዃኑ ትሕትናኡ ዜረጋግጽ እዩ። የሆዋ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ዘየድልዮ ኽነሱ ጽን ኢሉ ምስማዑ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። (ኢሳይያስ 40:13, 14፣ ሮሜ 11:34, 35) የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሱ ትሕት ከም ዜብል መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ይገልጸልና።

9 ንኣብነት፡ ኣብ ናብራ ህይወት ኣብርሃም እተራእየ ፍሉይ ኵነታት ንርአ። ንኣብርሃም ሰለስተ ኣጋይሽ መጽዎ፡ ንሓደ ኻባታቶም ከኣ “የሆዋ” እናበለ እዩ ዚዛረቦ ነይሩ። እቶም ኣጋይሽ መላእኽቲ እዮም ነይሮም፡ ሓደ ኻባታቶም ግና ብስም የሆዋ እዩ መጺኡ፡ ብስም የሆዋ ኸኣ እዩ ተግባሩ ዚገብር ነይሩ። እቲ መልኣኽ እቲ ኺዛረብን ኪዓዪን ከሎ ብተዘዋዋሪ የሆዋ እዩ ዚዛረብን ዚዓዪን ነይሩ። የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ “ብሰንኪ ሶዶምን ጎሞራን ዚእወ ኣውያት” ከም ዝሰምዐ ንኣብርሃም ነገሮ። የሆዋ ኸኣ “ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ። እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ክፈልጥ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 18:3, 20, 21) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ኸምዚ ኺብል ከሎ ብኣካል ናብ ምድሪ ‘ኺወርድ’ ማለቱ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ንዕኡ ዚውክሉ መላእኽቲ እዩ እንደገና ልኢኹ። (ዘፍጥረት 19:1) ስለምንታይ፧ እቲ ንዅሉ ኺርኢ ዚኽእል የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ዅነታት እቲ ኸባቢ ባዕሉ ‘ኺፈልጦ’ ኣይምኸኣለንዶ፧ ብርግጽ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም መላእኽቲ ነቲ ዅነታት ኬጽንዕዎ፡ ነቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ ሎጥን ስድራ ቤቱን ከኣ ኪበጽሕዎም ብትሕትና ሓላፍነት ሃቦም።

10 የሆዋ ጽን ኢሉ እውን ይሰምዕ እዩ። ሓደ እዋን እኳ ነቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ንምውዳቕ እተፈላለየ ርእይቶታት ኪህቡ ንመላእኽቱ ሓቲቱ እዩ። የሆዋ ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ንዝሃቦ ርእይቶ ተቐቢሉ፡ ከምቲ ዝበሎ ኺገብር ሓላፍነት ሃቦ። (1 ነገስት 22:19-22) እዝስ ትሕትና ዜንጸባርቕ ኣብነት ደይኰነን፧

11, 12. ኣብርሃም ንትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ርእይዋ፧

11 የሆዋ ነቶም ሻቕሎቶም ኪገልጹ ዚደልዩ ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፈ ጽን ኢሉ ኺሰምዖም ይደሊ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ኬጥፍአን ከም ዚደሊ ነቲ እሙን ኣብርሃም ኪነግሮ ኸሎ ስለ ዝደንጸዎ፡ “እዝስ ኣባኻ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧” በለ። ሓምሳ ጻድቃን እንተ ደኣ ተረኺቦም፡ ነታ ኸተማ ዚንሕፋ እንተ ዀይኑ ሓተቶ እሞ፡ የሆዋ ኸኣ ክንድኡ እንተ ተረኺቦም ከም ዚንሕፋ ነገሮ። ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ ናብ 45፡ ጸኒሑ ኸኣ ናብ 40፡ ከምኡ እናበለ ኽሳዕ ታሕቲ ብምውራድ እንደገና ሓተቶ። የሆዋ ኽንድኡ እንተ ረኺቡ እውን ከም ዚንሕፋ መረጋገጺ እኳ እንተ ሃቦ፡ ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ ኽሳዕ ዓሰርተ ኣውረዶ። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ መሓሪ ምዃኑ ምናልባት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ እቲ ፈታዊኡን ባርያኡን ዝነበረ ኣብርሃም ጭንቀቱ ኺገልጸሉ ኸሎ ብትዕግስትን ብትሕትናን ሰምዖ።—ዘፍጥረት 18:23-33

12 ንሓደ ብምስትውዓል ካባታቶም ትሕት ዝበለ ሰብ ብዓቕሊ ወይ ብትዕግስቲ ኺሰምዕዎ ዚደልዩ ምሁራት ክንደይ እዮም፧ c ኣምላኽና ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ትሕትና ኣላቶ። ኪዛራረቡ ኸለዉ ኣብርሃም፡ የሆዋ “ንቝጥዓ ደንጓዪ” ምዃኑ እውን ተገንዚቡ እዩ። (ዘጸኣት 34:6) ኣብርሃም ንተግባር እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኼውድቖ ኸም ዘይብሉ ብምግንዛብ፡ ኣብርሃም ክልተ ግዜ ዚኸውን “በጃኻ ብምዝራበይ ኣይትቈጣዕ” እናበለ ንየሆዋ ለመኖ። (ዘፍጥረት 18:30, 32) የሆዋ ኸም ዘይተቘጥዐ ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ “ካብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት” ከም ዘላቶ እዩ ዜርኢ።

የሆዋ ልዙብ እዩ

13. እታ “ልዙብ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ እዛ ቓል እዚኣ ንየሆዋ ብግቡእ እትገልጾኸ ብኸመይ እያ፧

13 ትሕትና የሆዋ፡ ልዝበት ወይ ሚዛናውነት ብእትብሃል ካልእ ጽብቕቲ ባህርይ እውን ትግለጽ እያ። ዘይፍጹማት ሰባት ነዛ ባህርይ እዚኣ ብዙሕ ግዜ ኣየንጸባርቕዋን እዮም። የሆዋ ነቶም ኣስተውዓልቲ ፍጡራቱ ጽን ኢሉ ኺሰምዖም ፍቓደኛ እዩ ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ዘይጋጮ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ እውን ምስቲ ዅነታት ንምስምማዕ ፍቓደኛ እዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እታ “ልዙብ” እትብል ቃል “ሚዛናዊ” ማለት እውን እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ መለለዪት ጥበብ ኣምላኽ እያ። ያእቆብ 3:17፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልዝብቲ እያ” ትብለና። እቲ ምሉእ ጥበብ ዘለዎ ኣምላኽና ልዙብ ዝዀነ በየናይ መገዲ እዩ፧ መጀመርታ፡ የሆዋ ልዙብ ወይ ምስ ኵነታት ዚሰማማዕ እዩ። ትርጉም ስሙ ዕላማታቱ ንምፍጻም ኢሉ ኸምቲ ዝደለዮ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይምህረና ምዃኑ ንዘክር። (ዘጸኣት 3:14) እዝስ ልዙብን ሚዛናውን ናይ ምዃን መንፈስ ከም ዘለዎ ዚሕብር ደይኰነን፧

14, 15. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዝረኣዮ ራእይ ብዛዕባ ሰማያዊት ክፋል ውድብ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ እዚኸ ኻብ ዓለማውያን ውድባት ብኸመይ እዩ ዚፍለ፧

14 ብዛዕባ ልዝበት የሆዋ ብመጠኑ ኽንርዳእ ኪሕግዘና ዚኽእል ባህ ዜብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣሎና። ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ብመንፈሳውያን ፍጥረታት ዝቘመት ሰማያዊት ክፋል ውድብ የሆዋ ዚገልጽ ራእይ ረኣየ። ሓንቲ እተደንጹ ሰረገላ እዩ ርእዩ፡ እዚኣ የሆዋ ወትሩ ዚቈጻጸራ “መጕዓዝያ” እያ። እቲ ዝያዳ ዜገርም ግና እቲ እትጐዓዘሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ገዘፍቲ መንኰራዅር ኣርባዕተ ወገን ዘለዎ ዀይኑ፡ ደው ከይበለ ብኡብኡ ኣንፈት ንምቕያር ዜኽእሎ ብዅሉ ዅርናዓት ዚርእያ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ። እዚ ዓብዪ ሰረገላ እዚ፡ ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ዝሰርሖ፡ መጕዓዝያ ገልጠምጠም እናበለ ምጕዓዝ ዜድልዮ ኣይኰነን። ብሃንደበት እናተጠዋወየ እውን ከይተረፈ ብናይ ብርሃን ፍጥነት ኪጐዓዝ ዚኽእል እዩ! (ህዝቅኤል 1:1, 14-28) እወ፡ እዛ ሰማያዊት ውድብ እዚኣ ልክዕ ከምቲ ንዓኣ ዚቈጻጸር ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ምሉእ ብምሉእ ክትለዝብን ኵነታት ኪቀያየር ከሎ ምስኡ ኽትሰማማዕን እትኽእል እያ።

15 ደቂ ሰብ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምልዛብ ባህርይ ኪቐድሕዎ ጥራይ እዮም ዚኽእሉ። ይኹን እምበር፡ ዚበዝሕ ግዜ ደቂ ሰብን ውድባቶምን ኣብ ክንዲ ልዙባት ዝዀኑ፡ ዝያዳ ተረርትን ዘይሚዛናውያንን ኰይኖም ኢና እንረኽቦም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ወይ ባቡር ጽዕነት ብግዝፍን ብጕልበትን ዝያዳ መሰጥቲ ኪዀና ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር፡ እዘን መጕዓዝያ እዚአን ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ ብኡብኡ ምስኡ ዚሰማማዕ ለውጢ ኺገብራ ይኽእላዶ እየን፧ ሓንቲ ባቡር እናኸደት ከላ ኣብ ቅድሚኣ ሓደ ነገር እንተ ዚወድቕ ክትጥወ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ሃንደበት ደው ክትብል እሞ ኸኣ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። ሓንቲ ዓባይ ባቡር ጽዕነት፡ ፍሬኖ ምስ ተታሕዘ ደው ቅድሚ ምባላ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜተር እያ እትጐዓዝ። ብተመሳሳሊ መገዲ ሓንቲ ዓባይ መርከብ እውን ሞተር ምስ ጠፍአ፡ ደው ቅድሚ ምባላ 8 ኪሎ ሜተር እያ እትኸይድ። ንድሕሪት ከም እትቐዝፍ ጌርካያ እውን ከይተረፈ፡ ደው ቅድሚ ምባላ 3 ኪሎ ሜተር ምተጓዕዘት! ኵነታት ናይተን ተረርትን ዘይሚዛናውያንን ዝዀና ውድባት ደቂ ሰብ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ሰባት ትዕቢት ስለ ዘለዎም፡ ኵነታት ኪቀያየር ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ምስኡ ኺተዓጻጸፉ የሸግሮም እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትሪ ትካላት ከም ዚዕጸዋ፡ መንግስትታት ድማ ከም ዚግልበጣ ገይሩ እዩ። (ምሳሌ 16:18) የሆዋ ይኹን ውድቡ ኸምዚ ዘይምዃኖምሲ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

የሆዋ ብኸመይ ልዝበት ከም ዜርኢ

16. የሆዋ ቐቅድሚ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ምስ ሎጥ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልዝበት ወይ ሚዛናውነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

16 እንደገና ብዛዕባ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ንርአ። ሎጥን ስድራ ቤቱን ካብ መልኣኽ የሆዋ፡ “ናብ ኣኽራን ኣቢልካ ኣምልጥ” ዚብል ዘየወላውል መምርሒ ተቐቢሎም እዮም። ሎጥ ግና ባህ ኣይበሎን። “የሆዋ፡ በጃኻ ኣብኡስ ኣይኹን!” ኢሉ ድማ ለመነ። ናብ ኣኽራን እንተ ደኣ ሃዲሙ ዚመውት ኰይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ናብታ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረት ከተማ ጾዓር ኪሃድሙ ኺፍቀደሎም ሓተተ። የሆዋ ንኸተማ ጾዓር እውን ኬጥፍኣ መዲቡ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ፍርሂ ሎጥ ጭቡጥ ምኽንያት ኣይነበሮን። የሆዋ ንሎጥ ኣብቲ ኣኽራን ብርግጽ ኬድሕኖ ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ ንልመና ሎጥ ተቐቢሉ፡ “ሕራይ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ብዘይምግልባጥ እውን ክሓልየልካ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 19:17-22) እዝስ የሆዋ ልዙብ ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ ደይኰነን፧

17, 18. የሆዋ ምስ ሰብ ነነዌ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልዙብ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ ልባዊ ንስሓ ኺርኢ ኸሎ እውን ወትሩ ምሕረትን ቅኑዕ ስጕምትን እዩ ዚወስድ። ነብዪ ዮናስ ናብታ ብዓመጸኛታትን እኩያትን ሰባት መሊኣ ዝነበረት ከተማ ነነዌ ምስ ተላእከ ዘጋጠመ ነገር እሞ ንርአ። ዮናስ ኣብ ኣደባባያት እታ ኸተማ እናዞረ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝኣወጆ ኣዋጅ፡ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ዚብል ንጹር መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዅነታት ብሃንደበት ተቐየረ። ሰብ ነነዌ ተነስሑ!—ዮናስ ምዕራፍ 3

18 እዚ ናይ ዅነታት ለውጢ ምስ ኣጋጠመ፡ የሆዋ ዝሃቦ ምላሽ ምስቲ ዮናስ ዝሃቦ ምላሽ ምንጽጻሩ ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ የሆዋ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ ልዙብ ምዃኑ ኣርእዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ኣብ ክንዲ “ሓያል ተዋጋኢ፡” ይቕረ በሃሊ እዩ ገይርዋ። d (ዘጸኣት 15:3) ብኣንጻሩ ግና ዮናስ ተዓጻጻፊ ኣይነበረን፡ ምሕረት እውን ኣየርኣየን። ነቲ የሆዋ ዘለዎ ልዙብ ናይ ምዃን ባህርይ ኣብ ክንዲ ዜንጸባርቕ፡ ብዝያዳ ነተን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ባቡር ጽዕነትን ዓባይ መርከብን እዩ መሲሉ። ጥፍኣት ስለ ዝኣወጀ፡ ጥፍኣት ኪወርድ ኣለዎ በሃሊ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ህዉኽ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ ልዝበትን ምሕረትን ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ።—ዮናስ ምዕራፍ 4

የሆዋ ልኡም እዩ፡ ዓቕምና ድማ ይርድኣልና እዩ

19. (ሀ) የሆዋ ኣብቲ ኸነማልኦ ዚጽበየና ብቕዓታት እውን ሓልዮት ከም ዜርኢ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ምሳሌ 19:17 የሆዋ ‘ሕያዋይን ልዙብን’ ኣዝዩ ትሑትን ጐይታ ኸም ዝዀነ እተርኢ ብኸመይ እያ፧

19 የሆዋ ኣብቲ ኸነማልኦ ዝጽበየና ብቕዓታት እውን ሓልዮቱ የርኢ እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ “ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ” በለ። (መዝሙር 103:14) የሆዋ ዓቕምናን ዘይፍጽምናናን ካባና ንላዕሊ ይርድኦ እዩ። ካብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ጐይተት፡ “ሕያዎትን ልዙባትን፡” ገሊኦም ከኣ “ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ” ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:18) የሆዋ እንታይ ዓይነት ጐይታ እዩ፧ ምሳሌ 19:17 ብዛዕባ እዚ፡ “ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ” ትብለና። ሕያዋይን ልኡምን ጐይታ ጥራይ እዩ ንድኻታት ዚግበር ዝዀነ ይኹን ሕያውነት ኬቕልበሉ ዚኽእል። ልዕሊ ዅሉ ድማ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምሕረት ተግባራት ዜርእዩ ደቂ ሰብ ንዕኡ ኸም ዘለቅሕዎ ገይሩ ኸም ዚወስዶ እያ እትነግረና። እዚ ብሓቂ ፍሉይ ዓይነት ትሕትና እዩ።

20. የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖን ምላሽ ከም ዚህበናን እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

20 የሆዋ ምስቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ኣብ ዚገብሮ ርክብ እውን ከም ቀደሙ ለዋህን ልዙብን እዩ። ብእምነት ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና ይሰምዓና እዩ። ዚዛረቡና መላእኽቲ እኳ እንተ ዘይሰደደልና፡ ጸሎትና ኸይተመለሰ ኺተርፍ እዩ ኢልና ኽንድምድም ኣይግብኣናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኺወጽእ ‘ብቐጻሊ ኺጽልዩሉ’ ኺሓትቶም ከሎ፡ “ኣነ ቐልጢፈ ምእንቲ ኽምለሰኩም” እዩ ዝበለ። (እብራውያን 13:18, 19) ስለዚ ጸሎትና ንየሆዋ ምናልባት ኪገብረልና ንዘይመደቦ ነገር ንምግባር ኪድርኾ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:16

21. ብዛዕባ ትሕትና የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መደምደምታ ኢና ፈጺምና ኽንበጽሕ ዘይብልና፧ ኣብ ክንዳኡስ እንታይ ኢና ኽንግንዘብ ዘሎና፧

21 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንትሕትናኡ ዜንጸባርቕ ከም እኒ ለውሃት፡ ንምስማዕ ፍቓደኛነት፡ ትዕግስቲ፡ ልዝበት ኬርኢ ኸሎ ኣብቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ይለማለም እዩ ማለት ኣይኰነን። ካህናት ህዝበ ክርስትያን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ብምባል ነተን መጓሰኦም ባህ ዜብል ጥራይ ኪነግርወን ከለዉ ልኡማት ዝዀኑ ይመስሎም ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) ይኹን እምበር፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ወዲ ሰብ ዚንጸባረቕ ተቐባልነት ንምርካብ ኢልካ ዚግበር ምልምላም ምስ ናይ ኣምላኽ ልእመት ርክብ የብሉን። የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ፈጺሙ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (ዘሌዋውያን 11:44) ሃየ እምበኣር ነቲ ናይ ትሕትናኡ መረጋገጺ ዝዀነ ልእመት የሆዋ ነፍቅሮ። እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘለዉ ዅሎም ኣዝዩ ጥበበኛ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብትሕትናኡ እውን ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ ምፍላጥካስ ብሓጐስ ፍንጭሕ ከም እትብል ዚገብረካ ደይኰነን፧ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ልዑል ግናኸ ለዋህ፡ ዕጉስ፡ ልዙብ ዝዀነ ኣምላኽ ምቕራብሲ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

a እቶም ጥንታዎት ጸሓፍቲ፡ ወይ ሶፈሪም፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኺትርጕምዋ ኸለዉ፡ እቲ ድንን ዝበለ የሆዋ ዘይኰነስ ኤርምያስ ከም ዝዀነ ገይሮም ቀየርዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና ምርኣይ ንኣምላኽ ዜዋርድ ገይሮም ሓሲቦምዎ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ኣዝያ ባህ እተብል ጥቕሲ እዚኣ ዕላማኣ ተሳሒቱ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ተርጐምቲ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል፡ “ዘክረኒ፡ እወ ዘክረኒ፡ ናባይ ከኣ ውረድ” ብምባል ኤርምያስ ንየሆዋ ኸም እተዛረቦ ገይሮም ብልክዕ ተርጒሞምዋ ኣለዉ።

b ኣብ ካልእ ትርጉማት ከኣ “ካብ ጥበብ ዚርከብ ትሕትና፡” ከምኡ እውን “መለለዪት ጥበብ ዝዀነት ልእመት” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።

c መጽሓፍ ቅዱስ ንትዕግስቲ ምስ ትዕቢት ኣነጻጺሩ ኣቕሪብዋ ኣሎ። (መክብብ 7:8) ትዕግስቲ የሆዋ፡ ትሑት ምዃኑ ዜረጋግጸልና ተወሳኺ መርትዖ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:9

d የሆዋ ኣብ መዝሙር 86:5፡ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” ተባሂሉ ኣሎ። እታ መዝሙር እቲኣ ናብ ግሪኽኛ ምስ ተተርጐመት እታ “ንይቕረታ ድልዊ” እትብል መግለጺት ኤፒኢኪስ ወይ ከኣ “ልዙብ” ተባሂላ እያ ተተርጒማ።