ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 21

የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ

የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ

1-3. እቶም ቅድም ንየሱስ ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ሰባት ንትምህርትታቱ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦምሉ፧ ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ዘይሃቡሉ ነገርከ እንታይ እዩ፧

 እቲ መንእሰይ ዝነበረ የሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ደው ኢሉ ኺምህር ከሎ፡ እቶም ሰማዕቱ ደንጽይዎም ይጥምትዎ ነበሩ። ኣብ ከተማኦም ስለ ዝዓበየ፡ ንዓመታት ዚኣክል ከኣ ጸራቢ ዀይኑ ኣብ ማእከሎም ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፡ ኣጸቢቖም እዮም ዚፈልጥዎ ነይሮም። ምናልባት ገለ ኻባታቶም ንሱ ኣብ ዝሃነጾ ኣባይቲ ይነብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፡ ገሊኦም ከኣ በቲ ዝሰርሖ ማሕረሻታትን ኣርዑትን ተጠቒሞም መሬቶም ሓሪሶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። a ይኹን እምበር፡ ንትምህርትታት እዚ ጸራቢ እዚ እንታይ ዓይነት ምላሽ እዮም ዝሃቡሉ፧

2 መብዛሕትኦም ካብቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ኸኣ ‘ነዚ ጥበብ እዚ ኻበይ ረኺብዎ፧’ እናበሉ ይግረሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ “እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም . . . ደይኰነን፧” ዚብል ርእይቶ እውን ሂቦም እዮም። (ማቴዎስ 13:54-58፣ ማርቆስ 6:1-3) እቲ ዜሕዝን ግና እቶም ጐረባብቲ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ‘እዚ ጸራቢ እዚ ኸማና ተራ ሰብ እዩ’ ይብሉ ነበሩ። ሽሕ እኳ ቓላት ጥበብ እንተ ነበሮ ነጺጎምዎ እዮም። እቲ ዚነግሮም ዝነበረ ጥበብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኸም ዘይነበረ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም።

3 የሱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ካበይ እዩ ረኺብዎ፧ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ፡ “ካብ ኣምላኽ ጥበብ . . . ዝዀነልና” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 1:30) ጥበብ የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝቐድሖ እኳ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ኽሳዕ ምባል እዩ በጺሑ። (ዮሃንስ 10:30) የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ዝገለጸሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንመርምር።

እንታይ ኢሉ ኸም ዝመሃረ

4. (ሀ) መልእኽቲ የሱስ እንታይ ፍረ ነገር ነበሮ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ዚህቦ ዝነበረ ምኽሪ ወትሩ ግብራውን ንረብሓታት ሰማዕቱ ዚጠቅምን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብቐዳምነት፡ የሱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመሃረ ንርአ። ናይ መልእኽቱ ፍረ ነገር “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 4:43) እታ መንግስቲ፡ ስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ፡ ማለት ጻድቕ ገዛኢ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ፡ ከምኡ እውን ንደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ኣብ ምምጻእ ዓብዪ ግደ ስለ ዘለዋ፡ መልእኽቲ የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። የሱስ ብኣመሃህራኡ ገይሩ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትና ኺዓዪ ዚኽእል ጠቓሚ ምኽሪ እውን ሂቡና እዩ። “ግሩም መኻሪ” ምዃኑ እውን ኣርእዩ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6) ምኽሩ ኸመይ ኢሉ እዩ እሞ ተራ ምኽሪ ኪኸውን፧ ዓሚቝ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ነይርዎ እዩ፡ ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ኣጸቢቑ እዩ ዚርዳእ ነይሩ፡ ንደቂ ሰብ ከኣ ካብ ልቡ እዩ ዜፍቅሮም ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ምኽሩ ወትሩ ግብራውን ንሰማዕቱ ዚጠቅምን እዩ ነይሩ። የሱስ “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” እዩ ዜውስእ ነይሩ። እወ፡ ንምኽሩ ኣብ ግብሪ እንተ ደኣ ኣውዒልካዮ ናብ ድሕነት እዩ ዚመርሕ።—ዮሃንስ 6:68

5. ገለ ኻብቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ዝጠቐሶ ነጥብታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

5 ሓደ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እቲ ኣብ ትምህርትታት የሱስ ዚርከብ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ እቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እዩ። እዚ ኣብ ማቴዎስ 5:3–7:27 ተመዝጊቡ ዘሎ ስብከት ንምቕራብ 20 ደቒቕ ጥራይ እዩ ኺወስድ ዚኽእል። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ምኽሪ ግና ብግዜ ዚሕጸር ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ኺጠቅም ዚኽእል እዩ። እቲ ስብከት ከም እኒ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ (5:23-26, 38-42፣ 7:1-5,  12)፡ ብስነ ምግባር ንጹህ እትዀነሉ መገዲ (5:27-32)፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ከም እትመርሕ (6:19-24፣ 7:24-27) ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝሓቘፈ መደረ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ጥበብ እንታይ ማለት ምዃና ነጊርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ምዃና ንምርኣይ ገሊጹሎም፡ ኣረዲእዎም፡ መርትዖ ኣቕሪቡሎም እዩ።

6-8. (ሀ) የሱስ ጭንቀት ንምውጋድ ኪሕግዝ ዚኽእል ከመይ ዝበለ ዜእምን ምኽንያታት እዩ ዝሃበ፧ (ለ) ምኽሪ የሱስ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ከም ዜንጸባርቕ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

6 ንኣብነት፡ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘሎና ጭንቀት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል የሱስ ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡና እዩ። የሱስ፡ “ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ” ኢሉ ይመክር። (ቍጽሪ 25) ምግብን ክዳንን ንሰብ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ “ደጊም ኣይትጨነቑ” ኢሉና ኣሎ። b ስለምንታይ፧

7 ነቲ የሱስ ብዜእምን መገዲ እተዛረቦ ዘረባ እሞ ኣቕልበሉ። የሆዋ ህይወትን ሰብነትን ካብ ሃበና ብህይወት ኬንብረና ዚኽእል ምግብን ንሰብነትና ዚኸድን ክዳንን ኬዳልወልና ይጨንቆዶ፧ (ቍጽሪ 25) ኣምላኽ ንኣዕዋፍ ምግቢ ዚህበን ንዕምባባታት ከኣ ብጽባቐ ዚኸድኖም ካብ ኰነ ንሰብኣውያን ኣምለኽቱ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይሓልየሎም! (ቍጽሪ 26, 28-30) ብሓቂ እምበኣር፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ዋጋ የብሉን። ምኽንያቱ ንህይወትና ብሓንቲ ስድሪ እውን እንተ ዀነ ኼናውሓ ኣይክእልን እዩ። c (ቍጽሪ 27) ንጭንቀት ብኸመይ ኢና ኸነወግዶ እንኽእል፧ የሱስ ‘ኣብ ህይወትኩም ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ሃብዎ’ ብምባል እዩ ዚመኽረና። እቶም ከምዚ ዚገብሩ ድማ ሰማያዊ ኣቦኦም መዓልታዊ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ከም ‘ዚውስኸሎም’ ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። (ቍጽሪ 33) ኣብ መወዳእታ የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ክንሓስብ ዜተባብዕ ኣዝዩ ግብራዊ ዝዀነ ርእይቶ ይህበና። ናይ ጽባሕ ጭንቀት ስለምንታይ ኣብ ናይ ሎሚ ንውስኾ፧ (ቍጽሪ 34) ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመና ምዃኑ ዘየረጋገጽናሉ ነገራት ስለምንታይ ብዘየድሊ እንጭነቕ፧ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣብዛ ጭንቀት ዝመልኣ ዓለም ካብ ብዙሕ ጓሂ የድሕነና እዩ።

8 እቲ የሱስ ዝሃበና ምኽሪ ልክዕ ከምቲ 2,000 ዓመት ይገብር ግብራዊ ዝነበረ ሕጂ እውን ግብራዊ እዩ። እዝስ ካብ ላዕሊ እተዋህበና ናይ ጥበብ መረጋገጺ ደይኰነን፧ እቲ ደቂ ሰብ ዚህብዎ ዝበለጸ ዚብሃል ምኽሪ እኳ ኸይተረፈ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ምምሕያሽ ይግበረሉ ወይ ብኻልእ ይትካእ እዩ። ትምህርትታት የሱስ ግና ብግዜ ዚግደብ ኣይኰነን፡ ወትሩ ዚዓዪ እዩ። እዚ ግሩም መኻሪ እዚ እተዛረቦ ዅሉ “ቓል ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እዚ ኼገርመና የብሉን።—ዮሃንስ 3:34

ኣገባብ ኣመሃህራኡ

9. ገሊኦም ገላዉ ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ እንታይ እዮም ዝበሉ፧ እዚ ምግናን ዘይነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

9 የሱስ ጥበብ ኣምላኽ ዘንጸባረቐሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ ብኣገባብ ኣመሃህራኡ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ገሊኦም ገላዉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ኪሕዝዎ ምስ ተላእኩ፡ ጥራይ ኢዶም ተመልሱ እሞ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” በሉ። (ዮሃንስ 7:45, 46) እዚ ምግናን ኣይኰነን። እቲ “ኻብ ላዕሊ” ዝዀነ የሱስ፡ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝበለጸ ማዕከን ፍልጠትን ተመክሮን ዝነበሮ ሰብ እዩ። (ዮሃንስ 8:23) ካብ ደቂ ሰብ ከምኡ ገይሩ ኺምህር ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። እዚ ጥበበኛ መምህር እዚ ኻብ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኣመሃህራ ኽልተ ጥራይ ንርአ።

“እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ”

10, 11. (ሀ) በቲ የሱስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምሳሌታት ስለምንታይ ኢና እንግረም፧ (ለ) የሱስ እንታይ ዓይነት ምሳልያዊ ዛንታ እዩ ዚጥቀም ነይሩ፧ እቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምሳልያዊ ዛንታታት ኣዝዩ ኣስላጢ ኣመሃህራ ኸም ዝዀነ ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

10 ኣስላጢ ምስላታት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እዚ ዅሉ ብምሳሌታት ነገሮም። ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ” ይብለና። (ማቴዎስ 13:34) በቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ዜጋጥም ገይሩ ዕምቝ ዝበለ ነገራት ንምምሃር ዚጥቀመሉ ዝነበረ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽእለት ካብ ምግራም ሓሊፍና እንብሎ የሎን። ከም እኒ ዘርኢ ዝዘርኡ ሓረስቶት፡ እንጌራ ንምስንካት ዚቀራረባ ኣንስቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚጻወቱ ቘልዑ፡ መርበብ ዚጐትቱ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ዝጠፍአት በጊዕ ዚደልዩ ጓሶት ዝኣመሰለ ሰማዕቱ ብዙሕ ሳዕ ዚርእይዎ ዝነበሩ ነገራት እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ኣገዳሲ ትምህርትታት ሓቂ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ልሙድ ነገራት ኣተሓሒዝካ ምስ ዚቐርብ፡ ቀልጢፉ እዩ ኣብ ኣእምሮን ልብን ዚሰርጽ።—ማቴዎስ 11:16-19፣ 13:3-8, 33, 47-50፣ 18:12-14

11 የሱስ ዚበዝሕ ግዜ ስነ ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዜመሓላልፍ ምሳልያዊ ዛንታ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ዛንታ ምስቲ ጭቡጥ ዘይኰነ ሓሳባት ኪወዳደር ከሎ፡ ብቐሊሉ ኺዝከር ዚኽእል ብምዃኑ እቲ የሱስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምሳልያዊ ዛንታታት ትምህርትታቱ ንኺዝከር ሓጊዙ እዩ። የሱስ ንኣቦኡ ኺርሳዕ ብዘይከኣል ንጹር ምስላታት ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ጠፊኡ ዝነበረ ሰብ ናይ ሓቂ ንስሓ ኣርእዩ ምስ ዚምለስ የሆዋ ኸም ዚድንግጸሉን ብለውሃት ከኣ ከም ዚቕበሎን ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ዘራዊ ወዲ ኺርድኦ ዘይክእል እሞ መን ኣሎ፧—ሉቃስ 15:11-32

12. (ሀ) የሱስ ኣብ ኣመሃህራኡ በየናይ መገዲ እዩ ሕቶታት እተጠቕመ፧ (ለ) የሱስ ነቶም ብዛዕባ ስልጣኑ ሕቶ ዘልዓሉ ሰባት ብኸመይ እዩ ኣፎም ዘትሓዞም፧

12 ውሕሉል ኣጠቓቕማ ሕቶታት። የሱስ ሰማዕቱ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መደምደምታ ኺበጽሑ፡ ድራኸታቶም ባዕሎም ኪምርምሩ፡ ወይ ከኣ ባዕላቶም ኪውስኑ ኢሉ ሕቶታት ይጥቀም ነበረ። (ማቴዎስ 12:24-30፣ 17:24-27፣ 22:41-46) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ስልጣኑ ኣብ ጥርጠራ ምስ ኣውደቕዎ፡ የሱስ “ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ ሓተቶም። ዓቕሎም ጸቢብዎም ከኣ ንሓድሕዶም፡ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። ‘ካብ ሰብ’ ክንብልዶ፧” ተባሃሃሉ። መወዳእታኡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። (ማርቆስ 11:27-33፣ ማቴዎስ 21:23-27) የሱስ ግና ብሓንቲ ቐላል ሕቶ ገይሩ ኣፎም ኣትሓዞም፡ ኣብ ልቦም ዝነበረ ኽሕደት ከኣ ከም ዚቃላዕ ገበሮ።

13-15. ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ንጥበብ የሱስ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ ሓድሓደ ግዜ እውን ኣብቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ምሳሌታት ዜመራምር ሕቶታት ብምእታው ንኽልቲኡ ኣገባባት ኣጣሚሩ ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንታይ ከም ዜድሊ ምስ ሓተቶ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ንኣምላኽን ንብጻይካን ከተፍቅር ዚገልጽ ትእዛዝ እዩ ጠቒሱሉ። እቲ ሰብኣይ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ስለ ዝደለየ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ብሓደ ዛንታ ገይሩ መለሰሉ። ሓደ ኣይሁዳዊ ኣብ መገዲ እናኸደ ኸሎ ኸተርቲ ኸትከትዎ፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ክልተ ኣይሁድ፡ መጀመርታ ሓደ ኻህን ቀጺሉ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኺሓልፉ ኸለዉ እናረኣይዎ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ድሕሪ እዚ ግና ሓደ ሳምራዊ መጸ። ምስ ረኣዮ ደንገጸሉ፡ ኣቝሳሉ ዘነነሉ፡ ብፍቕራዊ መገዲ ጾይሩ ኺሓውየሉ ናብ ዚኽእል መሕደር ኣጋይሽ ወሰዶ። የሱስ ነቲ ዛንታ ኺድምድም ከሎ ነቲ ሓታቲ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ፡ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይፈተወ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” ኢሉ መለሰሉ።—ሉቃስ 10:25-37

14 እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ጥበብ የሱስ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ ብግዜ የሱስ፡ ኣይሁድ ነታ “ብጻይ” እትብል ቃል፡ ነቶም ንስርዓታቶም ዚሕልዉ ደኣ እምበር፡ ንሳምራውያን ኣየውዕልዋን እዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 4:9) የሱስ ነቲ ዛንታ ሓደ ኣይሁዳዊ ንሓደ እተጐድአ ሳምራዊ ኸም ዝሓገዞ ገይሩ ኣቕሪብዎ ነይሩ እንተ ዚኸውን ነቲ ዝነበረ ጽልኢ መፍረሶዶ ነይሩ፧ የሱስ ነቲ ዛንታ ሓደ ሳምራዊ ንሓደ ኣይሁዳዊ ኸም ዝሓለየሉ ገይሩ ብውሕልነት እዩ ኣቕሪብዎ። ነቲ የሱስ ኣብ መደምደምታ እቲ ዛንታ ዘቕረቦ ሕቶ እውን ኣቕልበሉ። ነታ “ብጻይ” እትብል ቃል ብኻልእ መገዲ ኣቓልቦ ኸም ዚግበረላ ገበረ። እቲ ፈላጥ ሕጊ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። የሱስ ግና፡ “ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም ይመስለካ፧” ኢሉ ብምሕታት ኣብቲ ሕያውነት እተቐበለ ውጹዕ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ሕያውነት ዘርኣየ ሳምራዊ ኸም ዜቕልብ እዩ ገይርዎ። ሓደ ናይ ሓቂ ብጻይ ንሰባት ዓሌታዊ መበቈሎም ብዘየገድስ ተበግሶ ወሲዱ ፍቕሩ የርእዮም እዩ። የሱስ ካብዚ ንላዕሊ ገይሩ መልእኽቱ ኼመሓላልፈሉ ዚኽእል ካልእ ስሉጥ መገዲ እሞ እንታይ ኣሎ፧

15 ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ህዝቢ “ብኣመሃህራ” የሱስ ተገሪሞም ናብኡ እንተ ተሳሕቡስ ዜደንጹ ድዩ፧ (ማቴዎስ 7:28, 29) አረ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ “ብዙሕ ህዝቢ” ብዘይ ገለ ምግቢ ንሰለስተ መዓልቲ ዚኣክል ምስ የሱስ ቀንዮም እዮም!—ማርቆስ 8:1, 2

ኣነባብራኡ

16. የሱስ ብጥበብ ኣምላኽ ይምራሕ ከም ዝነበረ “ግብራዊ መርትዖ” ዘርኣየ በየናይ መገዲ እዩ፧

16 የሱስ ጥበብ የሆዋ ዘንጸባረቐሉ ሳልሳይ መገዲ ኸኣ ብኣነባብራኡ እዩ። ጥበብ ግብራዊት እያ። ክትዓዪ ትኽእል እያ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣብ ማእከልኩምከ ጥበበኛ መን እዩ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ “ብሰናይ ኣካይዳኡ ገይሩ ግብራዊ መርትዖ የቕርብ” ኢሉ ይምልስ። (ያእቆብ 3:13 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) የሱስ ብጥበብ ኣምላኽ ከም ዚምራሕ ብኣካይዳኡ ገይሩ “ግብራዊ መርትዖ” ኣቕሪቡ እዩ። ብኣነባብራኡ ይኹን ምስ ሰባት ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ መመዛዘኒ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘርኣየ ንመርምር።

17. የሱስ ኣብ ናብራ ህይወቱ ሚዛናዊ ዀይኑ ይመላለስ ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

17 ዘየመዛዝኑ ሰባት ናብ ሓደ ነገር ከም ዚዘዝዉ ኣስተብሂልካዶ ኣለኻ፧ እወ፡ ሚዛናዊ ንምዃን ጥበብ ይሓትት። እቲ ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ዝነበረ የሱስ ምሉእ ብምሉእ መመዛዘኒ እዩ ነይሩ። ኣብ ናብራ ህይወቱ ልዕሊ ዅሉ ንመንፈሳዊ ነገራት እዩ ቐዳምነት ዚህቦ ነይሩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ እዩ ነይሩ። “ምእንቲ እዚ እየ መጺአ” ድማ በለ። (ማርቆስ 1:38) ንስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ስለ ዘይሃበ፡ ስጋዊ ጥሪት ዝነበሮ ኣይመስልን እዩ። (ማቴዎስ 8:20) ይኹን እምበር፡ ባሕታዊ ኣይነበረን። የሱስ ልክዕ ከምቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ ኣቦኡ፡ ሕጉስ እዩ ነይሩ። ንሓጐስ ካልኦት እውን መቐረት ይውስኸሉ ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11፣ 6:15) ኣብ ሓደ ሙዚቃን ደርፍን ሓጐስን ዝነበሮ ናይ መርዓ ድግስ ኣብ እተኻፈለሉ እዋን ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኸም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ማይ ናብ ጽቡቕ ወይኒ፡ እወ፡ ናብቲ ‘ንልቢ ሰብ ዜሐጕስ’ መስተ እዩ ለዊጥዎ። (መዝሙር 104:15፣ ዮሃንስ 2:1-11) ኣብ ሓያሎ ምሳሕ ተዓዲሙ ኸይዱ እዩ፡ ዚበዝሕ ግዜ ኸኣ ነቲ ኣጋጣሚ ንምምሃር እዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ።—ሉቃስ 10:38-42፣ 14:1-6

18. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ምሉእ ብምሉእ መመዛዘኒ ኸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

18 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ምሉእ ብምሉእ መመዛዘኒ እዩ ነይሩ። ንኣፈጣጥራ ሰባት ኣብ ግምት የእቱ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ቕኑዕ ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎ። ዘይፍጹማት ምዃኖም ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቶም እዩ ዜተኵር ነይሩ። እዞም የሆዋ ዝሰሓቦም ሰባት ንዝነበሮም ኣወንታዊ ጐድኒ ይርኢ ነበረ። (ዮሃንስ 6:44) ሽሕ እኳ ደቀ መዛሙርቱ ጕድለታት እንተ ነበሮም ዓብዪ ሓላፍነት ብምሃብ ከም ዝኣምኖም ኣርእዩ እዩ። ብስራት ኪሰብኩ መዝነት ሃቦም፡ ኪፍጽምዎ ኸም ዚኽእሉ ኸኣ ምሉእ እምንቶ እዩ ነይርዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ነቲ የሱስ ኪፍጽምዎ ዝኣዘዞም ዕዮ ብተኣማንነት ይፍጽምዎ ኸም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ትምስክር እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42፣ 4:33፣ 5:27-32) ስለዚ የሱስ ኣቐዲሙ ኺኣምኖም ብምኽኣሉ ብሓቂ ኣስተውዓሊ ወይ ጥበበኛ እዩ ነይሩ።

19. የሱስ “ልኡምን ትሑት ዝልቡን” ከም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

19 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 20 ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንትሕትናን ለውሃትን ምስ ጥበብ ኣተሓሒዝወን ኣሎ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ በዚ መዳይ እዚ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። የሱስከ፧ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ባህ ዜብል ትሕትና እዩ ኣርእዩ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ልዕሊኦም እኳ እንተ ነበረ ኣየስተናዓቖምን። ንርእሶም ኣትሕት ኣቢሎም ከም ዚርእዩ ወይ ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ኣይገብርን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ዓቕሞም ኣብ ግምት የእቱ፡ ንጕድለታቶም ከኣ ይዕገሶም ነበረ። (ማርቆስ 14:34-38፣ ዮሃንስ 16:12) ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንምቕራቡ ይፈዅሶም ምንባሩ ዜገርምዶ ኣይኰነን፧ “ልኡምን ትሑት ዝልቡን” ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ እዮም ዚቐርብዎ ነይሮም።—ማቴዎስ 11:29፣ ማርቆስ 10:13-16

20. የሱስ ምስታ ኻብ ኣህዛብ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ልዙብ ወይ ሚዛናዊ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

20 የሱስ ብኻልእ ኣገዳሲ መዳይ እውን ንትሕትና ኣምላኽ ኣንጸባሪቕዋ እዩ። ምሕረት ምግባር ኣብ ዜድልየሉ እዋን ልዙብ፡ ሚዛናዊ፡ ወይ ትሑት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኻብ ኣህዛብ ዝነበረት ሰበይቲ ነታ ጋኔን ዝሓዛ ጓላ ኼሕውየላ ዝለመነትሉ ዅነታት እሞ ንዘክሮ። የሱስ ኣብ ፈለማ ብሰለስተ እተፈላለየ መገድታት ገይሩ ኺሕግዛ ኸም ዘይክእል ሓቢርዋ እዩ። እዚ ድማ መጀመርታ ኸይመለሰላ ኣጽቅጥ ብምባል፣ ካልኣይ ናብ ኣይሁድ ደኣ እምበር ናብ ኣህዛብ ከም ዘይተላእከ ኣነጺሩ ብምንጋር፣ ሳልሳይ ነዚ ሓሳብ እዚ ዜብርህ ምስላ ብምምሳል እዩ። እታ ሰበይቲ ግና ከይተሓለለት ብምልማን ዓባይ እምነት ከም ዝነበረታ ኣርኣየት። የሱስ ነዚ ፍሉይ ኵነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ገበረ፧ ነቲ ኸይገብሮ ኣብዩ ዝነበረ ነገር እዩ ገይርዎ። እወ፡ ንጓላ ኣሕውዩላ እዩ። (ማቴዎስ 15:21-28) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ትሕትና ዀን እዩ፧ መሰረት ናይ ሓቂ ጥበብ ትሕትና ምዃና ኸኣ ነስተውዕል።

21. ንባህርያትን ኣዘራርባን ኣገባብ ኣቀራርባን የሱስ ክንቀድሖ ኽንጽዕር ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

21 ወንጌላት ንቓላትን ንተግባራትን እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ጥበበኛ ዝዀነ የሱስ ስለ ዚገልጸልናስ ኣየ ኽንደይ ከነመስግን ዘይግብኣና! የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንባህርያትን ኣዘራርባን ኣገባብ ኣቀራርባን የሱስ ብምቕዳሕ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ከነማዕብላ ንኽእል ኢና። ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ንጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ናብራ ህይወትና ኽንዓይየላ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

a ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ጸረብቲ፡ ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ኣቕሑ ኺሰርሑ፡ ከምኡ እውን ንማሕረስ ዜገልግል ኣቕሑ ኼዳልዉ ይቝጸሩ ነይሮም እዮም። ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ጃስቲን ማርቲር ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ምስ ሰባት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ማሕረሻታትን ኣርዑትን እናሰርሐ ጸራቢ ዀይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ።”

b እታ “ምጭናቕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ግሲ “ኣእምሮ ኸም ዜስግል ምግባር” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 6:25 ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ ንኣእምሮኻ ኸም ዜስግል ወይ ከም ዚከፋፈል ብምግባር ሓጐስካ ዜጥፍእ ጭንቀት እዩ ዜመልክት።

c ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ምስ ልብን ደምን እተተሓሓዘ ሕማምን ዕድመ ኼሕጽር ዚኽእል ካልእ እተፈላለየ ሕማማትን ኬምጽእ ከም ዚኽእል ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ይሕብር።