ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 22

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧

1-3. (ሀ) ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ኣደ ናይ ሓደ ሕጻን መን ምዃና እተላዕለ ጕዳይ ንምፍታሕ ሓለፍ ዝበለት ጥበብ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ከም ዚህበና እዩ ቓል ዝኣተወ፧ ከመይ ዝበለ ሕቶታትከ እዩ ዚልዓል፧

 ሓደ እዋን ኣዝዩ ኸቢድ ጕዳይ ኣጋጢሙ ነበረ። እዚ ጕዳይ እዚ ኽልተ ኣንስቲ ብዛዕባ ሓደ ሕጻን ‘ናተይ እዩ፡’ ‘ናተይ እባ’ ብምባል ዘቕረባኦ ኽሲ እዩ ነይሩ። እተን ኣንስቲ ኣብ ሓደ ኽፍሊ እናነበራ ኸለዋ ነፍሲ ወከፈን ኣብ እተፈላለየ መዓልቲ ወዲ ወለዳ። ናይ ሓዲአን ውሉድ ሞተ እሞ ኽልቲአን ነቲ ህያው “ወደይ እዩ” በላ። a ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኪምስክር ዚኽእል ሰብ ድማ ኣይነበረን። ምናልባት እቲ ጕዳይ ኣብ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ፍታሕ ግና ኣይረኸበን። ኣብ መወዳእታ እቲ ጕዳይ፡ ናብቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ቀረበ። ነታ ሓቂ ኼውጽኣ ኽኢሉዶ ዀን ይኸውን፧

2 ሰሎሞን ንዘረባ እተን ኣንስቲ ድሕሪ ምስምዑ፡ “ሰይፊ ኣምጽኡ” በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣብ ክልተ ተቘሪጹ ፈፍርቀን ኪውሃበን ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ሽዑ እታ ናይ ሓቂ ኣደ፡ እቲ ኽቡር ውላዳ ኣብ ክንዲ ዚቝረጽ፡ ነታ ሓንቲ ሰበይቲ ኺውሃባ ለመነት። እታ ሰበይቲ ግና ኣብ ክልተ ይቈረጽ ኢላ ድርቕ በለት። ካብኡ ሰሎሞን፡ እታ ናይ ሓቂ ኣደ ኣየነይቲ ምዃና ፈለጠ። ብዛዕባ እቲ ሓንቲ ኣደ ኣብ ውሉዳ ዘለዋ ብቝባቘ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ነቲ ኽርክር ንምድቃስ ተጠቕመሉ። ሰሎሞን፡ “ንሳ ኣዲኡ እያ” ብምባል ነቲ ሕጻን ምስ ሃባ፡ እታ ኣደ እተሰምዓ እፎይታ እሞ ገምቶ።—1 ነገስት 3:16-27

3 እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓለፍ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ፧ እቶም ህዝቢ ሰሎሞን ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ምስ ሰምዑ፡ “ጥበብ ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዘሎ ስለ ዝረኣዩ” ፈርህዎ። እወ፡ ሰሎሞን ነዚ ጥበብ እዚ ኻብ ኣምላኽ እዩ ረኺብዎ። የሆዋ “ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ” እዩ ሂብዎ። (1 ነገስት 3:12, 28) ንሕናኸ፧ ካብ ኣምላኽ ጥበብ ክንቅበል ንኽእልዶ ዀን ንኸውን፧ እወ፡ ከመይሲ ሰሎሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ “የሆዋስ ጥበብ ይህብ” በለ። (ምሳሌ 2:6) የሆዋ ነቶም ንጥበብ ካብ ልቢ ዚደልይዋ፡ ጥበብ ከም ዚህቦም ቃል ኣትዩ እዩ። ጥበብ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ዘሎካ ፍልጠትን ምርዳእን ምስትውዓልን ኣብ ጽቡቕ መዓላ ናይ ምውዓል ክእለት ማለት እዩ። ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ብኸመይ ኢና ኸነጥርያ እንኽእል፧ ብኸመይከ ኢና ኣብ ናብራ ህይወትና ኸነውዕላ እንኽእል፧

ከመይ ጌርና ኢና ‘ንጥበብ ከነጥርያ’ እንኽእል፧

4-7. ጥበብ ከነጥርየሉ እንኽእል ኣርባዕተ ብቕዓታት እንታይ እዩ፧

4 ጥበብ ኣምላኽ ንምርካብ ዝለዓለ ፍልጠት ወይ ትምህርቲ ኺህልወና ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣተዓባብያናን ትምህርትናን ብዘየገድስ የሆዋ ጥበቡ ኺህበና ፍቓደኛ እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:26-29) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ንጥበብ ኣጥርያ” ብምባል ስለ ዚላበወና ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና። (ምሳሌ 4:7) ከመይ ጌርና ኢና ግና ከነጥርያ እንኽእል፧

5 መጀመርታ፡ ንኣምላኽ ክንፈርሆ ኣሎና። ምሳሌ 9:10፡ “ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ” ወይ ብመሰረት ዘ ኒው እንግሊሽ ባይብል “ጥበብ ንምርካብ ብመጀመርታ ኺውሰድ ዘለዎ ስጕምቲ እዩ” ትብለና። ፍርሃት ኣምላኽ መሰረት ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። ስለምንታይ፧ ጥበብ ኪብሃል ከሎ ንፍልጠት ብዕዉት መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከም ዜጠቓልል ኣይትረስዕ። ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ብራዕዲ ኣብ ቅድሚኡ ምንቅጥቃጥ ማለት ዘይኰነስ፡ ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት፡ ኣብኡ ምውካል ማለት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ጥዑይ እዩ፡ ኣወንታዊ ድራኸ ናይ ምሕዳር ሓይሊ ኸኣ ኣለዎ። ንናብራ ህይወትና ምስቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠትን መገድታቱን ከነሰማምዖ እዩ ዚድርኸና። ስርዓታት ኣምላኽ ነቶም ዚስዕብዎ ወትሩ ብሉጽ ረብሓታት ዜምጽኣሎም ብምዃኑ ኸኣ ክንስዕቦ እንኽእል ካብዚ ዚበልጽ ካልእ ጥበባዊ መገዲ የልቦን።

6 ካልኣይ፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ብዘይ ትሕትና ጥበብ ኣምላኽ ከነጥሪ ኣይንኽእልን ኢና። (ምሳሌ 11:2) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ትሑታት እንተ ደኣ ዄንና፡ ዘይንፈልጦ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ፡ ርእይቶና ወትሩ ቕኑዕ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ፡ ሓሳብ የሆዋ ኽንፈልጥ ከም ዜድልየና ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። የሆዋ “ንዕቡያት ይጻረሮም፡” ነቶም ብልቦም ትሑታት ግና ተሓጒሱ እዩ ጥበብ ዚህቦም።—ያእቆብ 4:6

7 ሳልሳይ ዜድልየና ነገር ድማ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ምጽናዕ እዩ። ጥበብ የሆዋ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ኣሎ። ነዛ ጥበብ እዚኣ ንምጥራይ ከኣ ክንጽዕር ይግብኣና። (ምሳሌ 2:1-5) ራብዓይ ብቕዓት ከኣ ጸሎት እዩ። ጥበብ ኪህበና ብትሕትና እንተ ደኣ ሓቲትናዮ፡ ብልግሲ ኺህበና እዩ። (ያእቆብ 1:5) መንፈሱ ኺህበና እነቕርቦ ጸሎት ከይተመለሰ ኣይተርፍን እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ግድላት ንምፍታሕ፡ ካብ ሓደጋ ንምርሓቕ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ንምውሳን ዚሕግዘና ምኽሪ ኻብ ቃል ኣምላኽ ክንረክብ የኽእለና።—ሉቃስ 11:13

ጥበብ ኣምላኽ ንምጥራይ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና

8. ጥበብ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘጥረና ብኸመይ እዩ ኺግለጽ ዚኽእል፧

8 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 17 ዝረኣናዮ፡ ጥበብ የሆዋ ግብራዊት እያ። ስለዚ እምበኣር፡ ጥበብ ኣምላኽ ብሓቂ እንተ ደኣ ኣጥሪና፡ ኣብ ኣካይዳና ይርአ እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ካብ ጥበብ ኣምላኽ ዚርከብ ፍረ እንታይ ምዃኑ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፦ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ።” (ያእቆብ 3:17) ነዘን ክፍሊ ጥበብ ኣምላኽ ዝዀና ባህርያት በብሓንቲ ኽንመያየጠለን ከለና፡ ‘ንጥበብ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ እዓይየሉዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንውከስ ንኽእል ኢና።

“ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት”

9. ንጹህ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ንጽህና ኻብቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥበብ መጀመርታ ኽትጥቀስ ግቡእ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

9 “ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ።” ንጹህ ኪብሃል ከሎ ብግዳም ጥራይ ዘይኰነስ ብውሽጢ እውን ንጹህን ዘይረኸሰን ምዃን ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስ ልቢ እዩ ዜተሓሕዛ፡ ሰማያዊት ጥበብ ግና ናብቲ ብእኩይ ሓሳባትን ባህግታትን ድራኸታትን ዝረኸሰ ልቢ ኽትኣቱ ኣይትኽእልን እያ። (ምሳሌ 2:10፣ ማቴዎስ 15:19, 20) ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማት ሰባት ኪበጽሕዎ ብዚኽእሉ መጠን ልብና ንጹህ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ‘ካብ ክፉእ ንርሕቕ፡ ሰናይ ከኣ ንገብር።’ (መዝሙር 37:27፣ ምሳሌ 3:7) ስለዚ፡ ንጽህና ኻብቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥበብ መጀመርታ ተሰሪዓ ምህላዋስ ግቡእ ደይኰነን፧ ከመይሲ፡ ብስነ ምግባር ይኹን ብመንፈስ ንጹሃት እንተ ደኣ ዘይኴንና፡ ነተን ካልኦት ባህርያት ናይ ላዕሊ ጥበብ ከመይ ጌርና ኢና ብሓቂ ኸነንጸባርቐን እንኽእል፧

10, 11. (ሀ) ሰላማውያን ክንከውን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንሓውካ ዝበደልካዮ ዀይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ፡ ገባሪ ሰላም ከም ዝዀንካ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧

10 “ሰላማዊት።” ሰማያዊት ጥበብ ነታ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ሰላም ክንስዕብ እያ እትድርኸና። (ገላትያ 5:22) ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜሕብሮም “ማእሰር ሰላም” ዜፍርስ ነገር ከይንገብር ንጽዕር ኢና። (ኤፌሶን 4:3) ሰላም ዚኸልእ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ እውን ቀልጢፍና ኸነዐርዮ ንጽዕር ኢና። እዚ ኣድላዪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 13:11) ስለዚ ብሰላም ክንነብር እንተ ደኣ ጽዒርና፡ ኣምላኽ ሰላም ምሳና ኪኸውን እዩ። እቲ ምስ ኣሕዋትና እንገብሮ ርክብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ። ገበርቲ ሰላም ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ሓደ ኣብነት ንርአ።

11 ንሓውካ ኸም ዘጕሃኻዮ ዀይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ክትገብር እዩ ዚግብኣካ፧ የሱስ፡ “መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” በለ። (ማቴዎስ 5:23, 24) ተበግሶ ወሲድካ ናብ ሓውካ ብምኻድ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ዕላማኻ እንታይ እዩ፧ ‘ንምትዕራቕ’ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ እተጐድአ ስምዒታቱ ኣፍልጦ ኽትህበሉ ደኣ እምበር፡ ክትነጽጎ ኣይግብኣካን እዩ። ሰላም ንምፍጣርን ንምዕቃብን ኢልካ እንተ ደኣ ቐሪብካዮ፡ ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ኪፍታሕ እዩ፡ ይቕረ ኸኣ ትባሃሃሉ። ንምትዕራቕ ኢልካ ባዕልኻ ምስ እትኸይድ ብጥበብ ኣምላኽ ትምራሕ ከም ዘለኻ ኢኻ እተርኢ።

“ልዝብቲ፡ ሰማዕ”

12, 13. (ሀ) እታ ኣብ ያእቆብ 3:17 “ልዝብቲ” ወይ “ሚዛናዊት” ተባሂላ ዘላ ቓል እንታይ እዩ ትርጉማ፧ (ለ) ልዙባት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 “ልዝብቲ።” ልዙብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምሁራት ከም ዚብልዎ እታ ኣብ ያእቆብ 3:17፡ “ልዝብቲ” ወይ “ሚዛናዊት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንምትርጓም ኣጸጋሚት እያ። ተርጐምቲ “ለዋህ፡” “ጸዋር፡” “ሓላዪት” ዚብል ቃላት እዮም ዚጥቀሙ። ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ ግና “ልዝብቲ” ማለት እያ። ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ህይወትና ኸም እንዓየላ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ ንኽእል፧

13 ፊልጲ 4:5፡ “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን፡” እግረ ጽሑፍ] ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ትብለና። ኣብ ካልእ ትርጉም ከኣ “ልዙባት ብምዃን ዝመጸ ጽቡቕ ስም ይሃልኹም” ትብል። (ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ) እቲ ዜገድስ ንሕና ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ኣመለኻኽታ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ብኸመይ ይርእዩና ወይ እንታይ ዓይነት ስም እዩ ዘሎና ዚብል እዩ። ሓደ ልዙብ ሰብ ኣይተርርን ወይ ዝበልክዎ ይኹን ኣይብልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ንኻልኦት ጽን ኢሉ ኺሰምዕ፡ ኬድሊ ኸሎ ኸኣ ምስ ድሌቶም ኪሰማማዕ ፍቓደኛ እዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዚገብሮ ርክብ እውን ልዙብ ደኣ እምበር፡ ተሪር ኣይኰነን። ኵሎም ክርስትያናት ነዛ ባህርይ እዚኣ ኼንጸባርቕዋ ዚግብኦም እኳ እንተ ዀኑ፡ ብፍላይ ነቶም ከም ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ እተድልዮም ባህርይ እያ። ልእመት ንሽማግለታት ተቐረብቲ እያ እትገብሮም። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8) እምበኣርከስ ኵላትና ንገዛእ ርእስና ‘ሓላዪ፡ ልዙብ፡ ልኡም ከም ዝዀንኩ ድየ ዝፍለጥ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና።

14. ‘ሰማዕቲ’ ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

14 “ሰማዕ።” እታ “ሰማዕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ብዘይካ ኣብ ያእቆብ 3:17 ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ። ሓደ ምሁር ብዝበሎ መሰረት እዛ ቓል እዚኣ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓት እያ እትዝውተር።” “ብቐሊሉ ኺኣምን ዚኽእል” ከምኡ እውን “ሕራይ በሃሊ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። በታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ዚምራሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ቐልጢፉ እዩ ዝእዘዞ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ብምውሳን ምስ ውሳነኡ ንዚጋጮ ዝዀነ ይኹን ጭብጥታት ኣይቅበልን ዚብል ኣይኰነን። ግጉይ ኣቕዋም ከም ዝሓዘ ወይ ከኣ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኸም ዝበጽሐ ዜእምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እንተ ደኣ ቐሪቡሉ ንኪቕየር ድሉው እዩ። ኻልኦት ከምዚ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀንካ ገይሮም ድዮም ዚፈልጡኻ፧

“ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት”

15. ምሕረት እንታይ እያ፧ “ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን” ኣብ ያእቆብ 3:17 ብሓባር ተጠቒሰን ምህላወን ግቡእ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

15 “ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት።” b ምሕረት ቀንዲ ኽፍሊ ናይ ላዕሊ ጥበብ እያ፡ ከመይሲ እዛ ጥበብ እዚኣ ‘ምሕረት ዝመልአት’ ተባሂላ ኣላ። “ምሕረትን” “ጽቡቕ ፍረን” ሓቢረን ተጠቒሰን ምህላወን ነስተብህለለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕረት ነታ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት እተፍሪ ንኻልኦት ዓሚቝ ተገዳስነት ናይ ምርኣይ ባህርይ እተንጸባርቕ ድንጋጽ እተመልክት ብምዃና ብሓባር ተጠቒሰን ምህላወን ግቡእ እዩ። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ንምሕረት፡ “ሓደ ሰብ ሕማቕ ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ ሓዚንካ ሓደ ነገር ክትገብረሉ ምፍታን” ብምባል ይገልጻ። ስለዚ ኸኣ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠት ጥራይ እተሓጽረት ርሕራሐ ዘይብላ ባህርይ ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ ብስምዒት ካልኦት እትግደስ ሓላይትን ደንጋጺትን ባህርይ እያ። ንሕናኸ ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

16, 17. (ሀ) ንኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምፍቃርና፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና በየናይ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

16 ነዚ ኸነርእየሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ እንታይ እዩ ዚድርኸና፧ ብቐዳምነት ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኪኸውን ከሎ ብተወሳኺ እውን ንሰባት ዘሎና ድንጋጽን ምሕረትን እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ሎሚ ብዙሓት ሰባት፡ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን” እዮም። (ማቴዎስ 9:36) ብመንፈሳዊ መገዲ በቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ጓሶት ዕሽሽ ተባሂሎምን ዓዊሮምን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበባዊ ምኽሪ ዀነ ነቲ እታ መንግስቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እተምጽኦ በረኸት ኣይፈልጥዎን እዮም። ስለዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታት እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ከነስተንትን ከለና ኻብ ልባዊ ድንጋጽ ተደሪኽና ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ዕላማታት የሆዋ ኽንነግሮም ዚከኣለና ኽንገብር ንድረኽ ኢና።

ንኻልኦት ሰባት ምሕረት ወይ ድንጋጽ ምስ እነርእዮም፡ ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኢና እነንጸባርቓ ዘለና

17 ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና በየናይ ካልእ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሳምራዊ ዝሃቦ ምስላ ንዘክሮ። እዚ ሳምራዊ እዚ ነቲ እተኸትከተን እተዘርፈን ኣብ መገዲ ወዲቑ ዝነበረ ገያሻይ ምስ ረኸቦ ብድንጋጽ ተደሪኹ ኣቝሳሉ ብምዝናንን ብምክንኻንን ‘ምሕረት ገበረሉ።’ (ሉቃስ 10:29-37) እዝስ ምሕረት ኪብሃል ከሎ ነቶም ዜድልዮም ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ክንገብረሎም ከም ዜድሊ ዚሕብር ምሳሌ ደይኰነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር” ይብለና። (ገላትያ 6:10) ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት ንርአ። ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ ሓው (ሓብቲ) ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምኻድን ንምምላስን መጕዓዝያ የድልዮ ይኸውን። ሓንቲ መበለት ሓብቲ ኣብ ቤታ ምትዕርራይ ዜድልዮ ገለ ነገራት ይህልዋ ይኸውን። (ያእቆብ 1:27) ሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ዜጸናንዖ “ጽቡቕ ቃል” የድልዮ ይኸውን። (ምሳሌ 12:25) በዚ መገድታት እዚ ምሕረት ምስ እነርኢ፡ እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኣባና ትዓዪ ኸም ዘላ መረጋገጺ ንህብ ኣለና ማለት እዩ።

“ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ”

18. በታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ንምራሕ እንተ ደኣ ዄንና፡ ካብ ልብና ምሒና ኸነርሕቖ ዘሎና ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

18 “ዘይተዳሉ።” ጥበብ ኣምላኽ ንዓሌታዊ ጽልኢ ይኹን ሃገራዊ ዅርዓት ቦታ ኣይትህቦን እያ። ብኸምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ንምራሕ እንተ ደኣ ዄንና፡ ካብ ልብና ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንምምሓው ንጽዕር ኢና። (ያእቆብ 2:9) ንሰባት ደረጃ ትምህርቶም፡ ቍጠባዊ ዅነታቶም፡ ወይ ከኣ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ብምርኣይ ካብ ካልኦት ክብ ኣቢልና ኣይንርእዮምን ኢና። ወይ ከኣ ካልኦት ክሳዕ ክንደይ ትሕት ዝበሉ ይኹኑ ብዘየገድስ ኣይነነኣእሶምን ኢና። የሆዋ ፍቕሩ ኻብ ኣርኣዮም፡ ንሕና እውን ፍቕርና ኸነርእዮም ይግብኣና።

19, 20. (ሀ) እታ “ግቡዝ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እንታይ ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) “ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ” ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚ ኣገዳሲ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

19 “ዘይግብዝቲ።” እታ “ግብዝና” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንሓደ “ተዋሳኣይ” ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ተዋሳእቲ ዓበይቲ ማስኬራ ይገብሩ ነበሩ። ስለዚ እታ “ግቡዝ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል “ኣምሰሉ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። እዛ ዘይግብዝቲ ጥበብ ኣምላኽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሕዋትና ኺህልወና ዘለዎ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባኦም እንታይ ኪስምዓና ኸም ዘለዎ እውን ጽልዋ ኽትገብረልና ኣለዋ።

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ንሓቂ ተኣዛዝነት ምስ ዚህልወና፡ ግብዝና ዘይብላ ሕውነታዊት ፍቕሪ’ ኸም ዜፍርየልና ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:22) እወ፡ ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ናይ ላዕለ ላዕሊ ኪኸውን የብሉን። ንኻልኦት ንምትላል ኢልና ማስኬራ ኣይንገብርን ወይ ኣምሰሉ ኣይንኸውንን ኢና። ፍቕርና ናይ ሓቅን ልባውን ኪኸውን ይግባእ። ሽዑ ኣሕዋትና ኣቀራርባናን ውሽጥናን ሓደ ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ፡ ኪኣምኑና እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕንዕና ምስ ዚህሉ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ግልጽን ሓቅነት ዘለዎን ርክብ ይህሉ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸኣ ናይ ምትእምማን ሃዋህው ንምስፋን ይሕግዝ።

‘ንግብራዊ ጥበብ ሓልዋ’

21, 22. (ሀ) ሰሎሞን ንጥበብ ኪሕልዋ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንጥበብ ክንሕልዋ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ ብምግባርናኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

21 ጥበብ ኣምላኽ፡ ተጠንቂቕና ኽንሕዛ ዜድልየና ውህበት የሆዋ እያ። ሰሎሞን፡ “ወደየ፡ . . . ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን” ይብለና። (ምሳሌ 3:21) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ንሱ ኸምኡ ኣይገበረን። ብእዙዝ ልቢ ኣብ ዚመላለሰሉ ዝነበረ እዋን ጥበበኛ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና ሓያሎ ኣንስቲ ብምእታዉ ንልቡ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ ኣስደዓኦ። (1 ነገስት 11:1-8) ካብቲ ንሰሎሞን ዘጋጠሞ ነገር ንፍልጠትና ብግቡእ እንተ ደኣ ዘይተጠቒምናሉ ምንም ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኢና እንምሃር።

22 ንጥበብ ክንሕልዋ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስን በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብስሩዕ ከነንብብ ኣሎና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እተምሃርናዮ እውን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ጻዕሪ ኽንገብር ኬድልየና እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ስለዚ ንጥበብ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ ዜድልየና ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ይህልወና፣ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ከኣ ‘ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ኽንሕዛ’ የኽእለና። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ምስ እነማዕብላ፡ ናብቲ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም እንቐርብ እዩ ዚገብረና።

a ብመሰረት 1 ነገስት 3:16 እተን ክልተ ኣንስቲ ኣመናዝር እየን ነይረን። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ብምንዝርና ዚናበራ ዘይኰናስ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ምንዝርና ዝፈጸማ ኣይሁዳውያን ኣንስቲ፡ ምናልባት እውን ጓኖት ኣንስቲ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን።”—ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

b ካልእ ትርጉም ከኣ ነዘን ቃላት እዚአን፡ “ድንጋጽን ጽቡቕ ግብርን ዝመልአት” ብምባል ገሊጽወን ኣሎ።—ኤ ትራንስሌሽን ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ዘ ፒፕል ብቻርለስ ቢ. ዊልያምስ እተተርጐመ።