ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 23

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ”

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ”

1-3. ሞት የሱስ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እተፈጸመ ኻልእ ሞት ፍልይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

 ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ መዓልቲ ጽድያ፡ ሓደ ንጹህ ሰብኣይ ተፈተነ፡ ብዘይፈጸሞ ሓጢኣት ገበነኛ ተቘጽረ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ተሳቕዩ ኸም ዚመውት ተገብረ። እቲ ጭከና ዝመልኦን ፍትሒ ዝጐደሎን ቅትለት ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ናይ መጀመርታ ኣይነበረን፣ ናይ መወዳእታ ዘይምዃኑ እውን ዜሕዝን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሞት እቲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ሞት እተፈልየ እዩ ነይሩ።

2 ኣብተን ብዙሕ ዚሳቐየለን ዝነበረ ሰዓታት፡ ሰማይ ከይተረፈ እዚ ሞት እዚ ፍሉይ ምዃኑ መስኪሩ እዩ። ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምድሪ ጸልማት ኣጐልበባ። ከምቲ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ “ጸሓይ ጸልመተት።” (ሉቃስ 23:44, 45) ድሕሪ እዚ፡ እቲ ሰብኣይ ትንፋሱ ቐቅድሚ ምሕላፋ “ተፈጺሙ!” በለ። እወ፡ ህይወቱ ብምሃብ ዜደንቕ ነገር እዩ ፈጺሙ። መስዋእቱ፡ ሰባት ካብ ዘርኣይዎ ፍቕሪ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 15:13፣ 19:30

3 እቲ ሰብኣይ እቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብታ ጸላም መዓልቲ ዝነበረት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ዘሕለፎ ስቓይን ሞትን ዘይርሳዕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ከቢድ ስቓይ ኬሕልፍ ከሎ፡ ካብኡ ብዝያዳ ዚሳቐ ዝነበረ ኻልእ ኣካል ምንባሩ ዚበዝሕ ግዜ ዕሽሽ ዚብሃል እዩ። አረ፡ እቲ ኣካል እትስ ዝዓበየ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ፡ ኣብ ታሪኽ ካብ እተራእየ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኸኣ እዩ ነይሩ። እዚ ግብሪ እዚ እንታይ እዩ፧ መልሲ ናይዚ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣርእስቲ ማለት ፍቕሪ የሆዋ ብቑዕ መእተዊ እዩ ዚህበና።

እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ

4. ሓደ ሮማዊ ወተሃደር፡ የሱስ ተራ ሰብ ከም ዘይነበረ እተገንዘበ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩኸ ዝበጽሐ፧

4 እቲ ንቕትለት የሱስ ዚቈጻጸር ዝነበረ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ፡ ቀቅድሚ ሞት የሱስ ጸልማትን ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድርን ምስ ኰነ ደንጽይዎ፡ “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” በለ። (ማቴዎስ 27:54) የሱስ፡ ተራ ሰብ ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። እወ፡ እቲ ወተሃደር ኣብ ቅትለት ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ እዩ ተሓባቢሩ! እዚ ወዲ እዝስ ንኣቦኡ ኣየ ኽንደይ ፍትዊ ዀን እዩ ነይሩ፧

5. ወዲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ንኽንደይ ዚኣክል ዓመታት እዩ ዚነብር ነይሩ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ይብሎ። (ቈሎሴ 1:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ወዲ የሆዋ እዚ ዩኒቨርስ እዚ ኸይተፈጥረ ኸሎ እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣቦን ወድን ሓቢሮም ዚነብሩሉ ዝነበሩ ግዜ ደኣ እሞ ኽንደይ እዩ፧ ገሊኦም ሊቃውንቲ ዩኒቨርስ 13 ቢልዮን ዓመታት ከም ዝገበረ እዮም ዚግምቱ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑስ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ይኹን እምበር፡ እዚ ግምት እዚ ቕኑዕ እንተ ዀነ እውን ንዕድመ ወዲ የሆዋ ንምግማት እኹል ኣይኰነን! ኣብቲ ዚነብረሉ ዝነበረ መዋእላት ግና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዕዮታት እዩ ተጸሚዱ ነይሩ፧

6. (ሀ) ወዲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዕዮ እዩ ትሑዝ ዝነበረ፧ (ለ) ኣብ መንጎ የሆዋን ወዱን እንታይ ዓይነት ማእሰር እዩ ዘሎ፧

6 እቲ ወዲ “ኽኢላ ሰራሕተኛ” ኣቦኡ ዀይኑ ብሓጐስ ኣገልጊሉ እዩ። (ምሳሌ 8:30) መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘይ ብእኡ [ብዘይ የሱስ] ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን” ይብለና። (ዮሃንስ 1:3) ስለዚ የሆዋን ወዱን ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ንምምጻእ ሓቢሮም ዓይዮም እዮም። ኣየ ኸመይ ዝኣመሰለ ዜሕጕስ ግዜ ዀን እዮም ኣሕሊፎም! ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ኸም ዚሰማምዑሉ ፍሉጥ እዩ። ፍቕሪ ኸኣ፡ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ።” (ቈሎሴ 3:14) መን ካባና ደኣ እዩ እሞ ነቲ ንኽንድዚ ዚኣክል ነዊሕ ግዜያት ዝጸንሐ ማእሰር ዘለዎ ሓይሊ ኺርድኦ ዚኽእል፧ ስለዚ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን በቲ ዝሓየለ ማእሰር ፍቕሪ ኸም ዝሓበሩ ንጹር እዩ።

7. የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ዘለዎ ስምዒት ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

7 ይኹን እምበር፡ እቲ ኣቦ እቲ ንወዱ፡ ሰብኣዊ ሕጻን ኰይኑ ኺውለድ ናብ ምድሪ ልኢኽዎ እዩ። እዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ኣብ ሰማይ ምስቲ ዚፈትዎ ወዱ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንገለ ዓመታት ኬቋርጾ ዚሓትቶ እዩ ነይሩ። የሱስ ናብ ፍጹም ሰብኣይ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ብተገዳስነት ይዕዘቦ ነይሩ እዩ። ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ የሱስ ተጠምቀ። ሽዑ የሆዋ እንታይ ከም እተሰምዖ ርዱእ እዩ። እቲ ኣቦ ባዕሉ ኻብ ሰማይ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 3:17) የሱስ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ ትንቢታትን ኪገብሮ እተዋህቦ ዕዮን ብተኣማንነት ኪፍጽሞ ኺርእዮ ኸሎ ኣቦኡ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ!—ዮሃንስ 5:36፣ 17:4

8, 9. (ሀ) የሱስ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እንታይ እዩ ዘሕለፈ፧ ሰማያዊ ኣቦኡኸ እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) የሆዋ ወዱ ኺሳቐን ኪመውትን ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር፡ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. የሆዋ እንታይ ተሰምዖ፧ የሱስ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኺከሓድን ብጭፍራ ኺእሰርን ከሎ፡ ብጾቱ ራሕሪሖምዎ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኺፍረድ ከሎ፡ ኬላግጹሉን ጡፍ ኪብሉሉን ኪጸፍዕዎን ከለዉ፡ ኪግረፍን ሕቘኡ ኺትልተልን ከሎ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ ጕንዲ ተሸንኪሩ ሰባት ኪጸርፍዎ ኸለዉ፡ ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ናብ ኣቦኡ ኺጭርሕ ከሎ፡ ትንፋሱ ኽትሓልፍ ከላ እሞ ኻብ ምስራት ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኻብ ህልውና ኼቋርጽ ከሎ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧—ማቴዎስ 26:14-16, 46, 47, 56, 59, 67፣ 27:38-44, 46፣ ዮሃንስ 19:1

9 የሆዋ ስምዒት ስለ ዘለዎ ወዱ ኺመውት ከሎ እተሰምዖ ስቓይ ብቓላት ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ዅሉ ንኺፍጸም ኬፍቅደሉ ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ግና ክንገልጾ ንኽእል ኢና። እቲ ኣቦ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ከም ዚስምዖ ዚገብር ነገር ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዜደንቕ ነገር ገሊጹልና ኣሎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ካብ ምዃና እተላዕለ ንእሽቶ ወንጌል ተባሂላ ኣላ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” ስለዚ ንየሆዋ እዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ ዝደረኸቶ ፍቕሪ እያ። የሆዋ ንወዱ ኣብ ክንዳና ኺሳቐን ኪመውትን ኢሉ ብምስዳድ ዝሃበና ህያብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ።

“ኣምላኽሲ . . . ወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ”

ፍቕሪ ኣምላኽ ተገልጸት

10. ሰባት እንታይ እዩ ዜድልዮም፧ ትርጉም እታ “ፍቕሪ” እትብል ቃልከ እንታይ እናዀነ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፧

10 እዛ “ፍቕሪ” እትብል ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንደቂ ሰብ ዜድልዮም ነገር ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ኺግለጽ ጸኒሑ እዩ። ሰባት ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ክሳዕ ግዜ ሞቶም ፍቕሪ ንምርካብ ብዙሕ እዮም ዚጽዕሩ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላላ ይብልጽጉ፡ እንተ ዘይረኺቦምዋ ኸኣ ክሳዕ ሞት ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ክትገልጻ ኣሸጋሪት እያ። ሰባት ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ከም ዚዛረቡ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ዚገልጽ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍትን ደርፍታትን ግጥምታትን እኳ እንተ ተዳለወ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ግና ዚበዝሕ ግዜ ኣነጺሩ ኣይገልጻን እዩ። አረ እታ ቓል ኣዝያ ኻብ ምዝውታራ እተላዕለስ እቲ ናይ ሓቂ ትርጉማ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ እዩ ዀይኑ ዘሎ።

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንቀስም እንኽእል ካበይ ኢና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብቲ ጥንታዊ ቛንቋ ግሪኽኛ እንታይ እተፈላለየ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛኸ ኣየነይቲ “ፍቕሪ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል እያ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሳ እትርከብ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ሐ) እታ ኣጋፐ እትብል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እትርከብ ቃል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧

11 ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣነጺሩ እዩ ዚምህረና። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ፡ “ፍቕሪ ብግብሪ ጥራይ እያ ኽትፍለጥ እትኽእል” ይብል። እቲ ግብርታት የሆዋ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሩ ማለት ብዛዕባ እቲ ንፍጡራቱ ዘለዎ ናይ ምፍታው ስምዒት ብዙሕ እዩ ዚምህረና። ንኣብነት፡ ካብቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሩ ዚበልጽ ነገር እሞ እንታይ ኣሎ፧ ኣብዚ ዚቕጽል ምዕራፋት ፍቕሪ የሆዋ ብግብሪ እተገልጸትሉ ኻልእ ብዙሕ ኣብነታት ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ እውን ካብተን “ፍቕሪ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቋንቋ ዚርከባ ቓላት እውን ገለ ምስትውዓል ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ናይ ጥንቲ ቛንቋ ግሪኽኛ “ፍቕሪ” ተባሂለን ዚትርጐማ ኣርባዕተ ቓላት ኣለዋ። a ካብዚኣተን እታ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚበዝሕ ግዜ ተጠቒሳ እትርከብ ኣጋፐ እትብል እያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቓላት፡ “ንፍቕሪ ኺገልጻ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝሓየለ ቓል” ብምባል ይጠቕሳ። ስለምንታይ፧

12 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኣጋፐ እትብል ቃል ነታ ብመሰረታዊ ስርዓት እትምራሕ ፍቕሪ እያ እተመልክት። ስለዚ ኸኣ ካልእ ሰብ ንዚገብረልካ ነገር እትህቦ ምላሽ ጥራይ ዘይኰነትስ ካብኡ ንላዕሊ እያ እተመልክት። ሰፋሕ እያ፡ ሓሲብካ ደይ መደይ ኢልካ እትግለጽ ዓይነት ፍቕሪ ኸኣ እያ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ እተተኵር ኣይኰነትን። ንኣብነት፡ ዮሃንስ 3:16 እሞ እንደገና ንርአ። እታ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ “ዓለም” እንታይ እያ፧ ነቶም በጃ ዜድልዮም ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። እዚ ነቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት እውን ዚሓቍፍ እዩ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም ከም ናይ ብሕቲ ዓርኩ ገይሩ ዜፍቅሮ ዝነበረ ገይሩ የፍቅሮም እዩ ማለት ድዩ፧ (ያእቆብ 2:23) ኣይፋሉን፡ ኣብ ክንዳኡስ ዓብዪ መስዋእቲ ምኽፋል ዚሓትቶ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዅሎም ሰባት ሰናይ ይገብረሎም ማለት እዩ። ንዅሎም ሰባት ተነሲሖም ኣካይዳኦም ኪልውጡ ይደልዮም እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ብዙሓት ድማ ከምኡ ገይሮም እዮም። ነዚኣቶም ከም ኣዕሩኹ ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም።

13, 14. ክርስትያናዊት ፍቕሪ ዚበዝሕ ግዜ ኣጸቢቕካ ምፍታው እውን ከም እተጠቓልል ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

13 ይኹን እምበር፡ ገለ ሰባት ብዛዕባ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኣጋፐ እትብል ቃል ግጉይ ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ኣብ ትምህርቲ ጥራይ እተመርኰሰት ምንም ስምዒት ዘይብላ ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዝዀነት ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ከም ሓቂ ግና፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ዚበዝሕ ግዜ ኣጸቢቕካ ናይ ምፍታው ባህርይ እውን ዝሓቘፈት እያ። ንኣብነት፡ ዮሃንስ፡ “ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ረባሕታ እታ ኣጋፐ እትብል ቃል እዩ ተጠቒሙ። (ዮሃንስ 3:35) እታ ፍቕሪ እቲኣ ዋላ ሓንቲ ናይ ምፍታው ስምዒት ዘይነበራዶ እያ፧ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 5:20 ረባሕታ እታ ፊልዮ እትብል ቃል ብምጥቃም፡ “ኣቦ ንወዲ ይፈትዎ . . . እዩ” ኢሉ ኣሎ። ፍቕሪ የሆዋ ዚበዝሕ ግዜ ናይ ምፍታው ስምዒት እውን ዝሓቘፈት እያ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዜርእዮ ፍቕሪ ስምዒታዊ ዀይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ወትሩ በቲ ጥበብን ፍትሕን ዜንጸባርቕ መሰረታዊ ስርዓታቱ እዩ ዚምራሕ።

14 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ባህርያት ኣምላኽ ብምሉኡ ኽብ ዝበለን ፍጹምን ማራኽን እዩ። ካብ ኵሉ ባህርያቱ እታ ብዝያዳ እትማርኽ ግና ፍቕሪ እያ። ከም ፍቕሪ ገይሩ ናብ የሆዋ ኺስሕበና ዚኽእል ካልእ ባህርይ የልቦን። ፍቕሪ እታ ዓብላሊት ባህርዩ ምዃና እውን ዜሐጕስ እዩ። ከምኡ ምዃና ግና ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

15. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ናይ ኣምላኽ ባህርይ ዝዀነት ፍቕሪ እንታይ ሓሳባት እዩ ዚህበና፧ እዚ ሓሳባት እዚ ፍሉይ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

15 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን ካልኦት ቀንዲ ባህርያት የሆዋ ዘይብሎ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚብሎ ግና ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ኣምላኽ ሓይሊ እዩ፡ ወይ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ፡ ወይ ከኣ ኣምላኽ ጥበብ እዩ ኣይብለናን እዩ። እዘን ባህርያት እዚአን ኣለዋኦ፡ ካብኡ ድማ እየን ዚምንጭዋ፡ ንሰለስቲአን ብምንጽብራቕ ዝመጸ ኸኣ መወዳድርቲ የብሉን። ብዛዕባ እታ ራብዐይቲ ባህርይ ግና፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ስለ እተባህለ፡ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዋ ምዃና እዩ ዜመልክት። b (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

16-18. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብለና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ፍጥረታት ብፍላይ ሰብ ብቑዕ ተምሳል ፍቕሪ የሆዋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኺብሃል ከሎ፡ “ኣምላኽ ምስ ፍቕሪ ማዕረ እዩ” ማለት ኣይኰነን። ነቲ ሓሳባት ገልቢጥና “ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ” ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ኻብቲ ኺጭበጥ ዘይከኣል ባህርይ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ኣብ ርእሲ ፍቕሪ እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታትን ባህርያትን ዘለዎ ኣካል እዩ። ፍቕሪ ግና ኣብ የሆዋ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደት እያ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ “እንታይነት ኣምላኽ ወይ ባህርይ ኣምላኽ ፍቕሪ እያ” ይብል። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኸምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ ሓይሊ የሆዋ ግብርታቱ ኺፍጽም የኽእሎ። ፍትሑን ጥበቡን ከኣ ግብርታቱ ብኸመይ ከም ዚፍጽም ይመርሓኦ። ፍቕሩ ግና ሓደ ነገር ኪገብር ትድርኾ፡ ነተን ካልኦት ባህርያት ኪጥቀመለን ከሎ ኸኣ ወትሩ እያ እትንጸባረቕ።

17 የሆዋ መሰሌታ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ተዘሪቡሉ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባ እታ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ ኽንፈልጥ እንተ ደኣ ደሊና፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽንፈልጥ የድልየና። ነዛ ተፈታዊት ባህርይ እዚኣ ኣብ ደቂ ሰብ እውን ክንርእያ ኸም እንኽእል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሰብ ክትርከብ ዝኸኣለት ግና ስለምንታይ እያ፧ ኣብ ግዜ ፍጥረት የሆዋ ንወዱ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” በሎ። (ዘፍጥረት 1:26) ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ፍጥረታት፡ ብድሌቶም ኣፍቂሮም ንሰማያዊ ኣቦኦም ኪመስልዎ ዚኽእሉ ደቂ ሰብ ጥራይ እዮም። የሆዋ ነተን ቀንዲ ባህርያቱ ንምምልካት እተፈላለዩ ፍጥረታት ከም እተጠቕመ ንዘክር። ነታ ዓብላሊት ዝዀነት ባህርዩ ማለት ንፍቕሪ ንምምልካት ግና ነቲ ዝለዓለ ምድራዊ ፍጥረቱ ዝዀነ ሰብ ኪጥቀም እዩ መሪጹ።—ህዝቅኤል 1:10

18 ብዘይ ስስዐ፡ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት ተመርኲስና ምስ እነፍቅር ነታ ናይ የሆዋ ዓብላሊት ባህርይ ኢና እነንጸባርቕ። እዚ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና” ዝበሎ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:19) ይኹን እምበር፡ የሆዋ በየናይ መገድታት እዩ ቕድም ኣፍቂሩና፧

የሆዋ ተበግሶ ወሰደ

19. የሆዋ ፍጥረታቱ ኺፈጥር ከሎ፡ ፍቕሪ ዓብዪ ግደ እዩ ነይርዋ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

19 ፍቕሪ ሓዳስ ኣይኰነትን። ካብ መጀመርታ የሆዋ ኺፈጥር ዝደረኾ እንታይ ድዩ ነይሩ፧ ስለ ዝጸመዎ ብጻይ የድልዮ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ምንም ነገር ዚጐድሎ ዘይብሉ ምሉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ካልእ ዝጽበዮ ነገር የብሉን። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘለዎ ምዉቕ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ነቲ ብህይወት ብምንባር ዚርከብ ሓጐስ ኬማስውሉ ንዚኽእሉ ኣስተውዓልቲ ፍጥረታት እውን ኪህቦም ደሪኻቶ እያ። እቲ ሓደ ወዱ፡ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” እዩ። (ራእይ 3:14) ካብኡ ቐጺሉ ኸኣ ነቲ ኽኢላ ሰራሕተኛኡ ዝዀነ ሓደ ወዱ ብመላእኽቲ ጀሚሩ ኻልእ ፍጥረታት ኪፈጥር ተጠቕመሉ። (እዮብ 38:4, 7፣ ቈሎሴ 1:16) እዞም ናጽነትን ምስትውዓልን ስምዒትን ዘለዎም ሓያላት መላእኽቲ እዚኦም ከኣ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ርክብ ኪህልዎም፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ፍቕራዊ ምሕዝነት መስሪቶም ኪነብሩ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 3:17) ቅድም ዜፍቅሮም ስለ ዝረኸቡ፡ ንሳቶም እውን ፈቃራት ኰኑ።

20, 21. የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ፍቕሩ መግለጺ እዩ ሂብዎም ነይሩ፧ ንሳቶም ግና እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

20 ንደቂ ሰብ እውን ከምኡ ገይሩ እዩ ኣፍቂርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ብፍቕሪ ተኸቢቦም ነይሮም። ኣብታ ገነታዊት ቤቶም ዝነበረት ኤደን መግለጺ ፍቕሪ ኣቦኦም ኪርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ፣ ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ” ይብለና። (ዘፍጥረት 2:8) ኣብ ሓደ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ መናፈሻ ኼድካዶ ትፈልጥ፧ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘሐጐሰካ እንታይ እዩ፧ እቲ ብማእከል ኣቝጽልቲ ዚሓልፍ ብርሃን ጸሓይ ድዩ፧ ወይስ ሕብሪ ናይቲ እተፈላለየ ዕምባባታት እዩ፧ እቲ ጫዕጫዕ እናበለ ዚሓልፍ ውሒዝ፡ ድምጺ እተን ዚዝምራ ኣዕዋፍ ወይ እቲ ዚዝ ዚብል ድምጺ ሓሸራታት ድዩ፧ እቲ ናይ ኣግራብን ፍረታትን ዕምባባታትን ጥዑም ሽታኸ፧ እዚ ዀይኑ እቲ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ምስታ ኣብ ኤደን ዝነበረት ስፍራ ኣታኽልቲ ኺወዳደር ዚኽእል መናፈሻ የሎን። ስለምንታይ፧

21 ነታ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘዳለዋ የሆዋ ባዕሉ እዩ! እታ ገነት እቲኣ ኣዝያ ተፈታዊት ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ብጽባቐኡ ባህ ዜብል ወይ ጥዑም ፍረታት ዜፍሪ እተፈላለየ ኣግራብ ዝነበራ እያ። እኹል ማይ እትረክብን ርሕብትን እያ ነይራ፡ ባህ ዜብሉ በብዓይነቶም እንስሳታት ነበርዋ። ኣዳምን ሄዋንን፡ ከም ዜዕግብ ስራሕን ጽቡቕ ምሕዝነትን ዝኣመሰለ ንናብራኦም ባህ ከም ዜብል ኪገብሮ ዚኽእል ምሉእ ዘይጕዱል ነገራት ከም ዝነበሮም ፍሉጥ እዩ። ቅድም የሆዋ እዩ ኣፍቂርዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነዚ ፍቕሪ እዚ ምላሽ ኪህቡሉ ብቑዕ ምኽንያት ነበሮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ኻብ ምግባር ሰነፉ። ንሰማያዊ ኣቦኦም ብፍቕሪ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝዎ፡ ብስስዐ ተለዓዒሎም ካብኡ ዓለዉ።—ዘፍጥረት ምዕራፍ 2

22. የሆዋ ኣብ ገነት ኤደን ንዘጋጠሞ ዕልወት ዝሃቦ ምላሽ ፍቕሩ ዘይተቋርጽ ምዃና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

22 እዝስ ንየሆዋ ኽንደይ ዜጕሂ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ እዚ ዕልወት እዝስ ነቲ ፈቃር ልቡ ኸም ዚጭክንዶ ገይርዎ እዩ፧ ኣይገበሮን። “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።” (መዝሙር 136:1) ስለዚ ኸኣ፡ ንዅሎም ቅኑዕ ድራኸ ዘለዎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምድሓን ፍቕራዊ ምድላው ኪገብረሎም ብኡብኡ ዕላማ ገበረ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኸኣ፡ እዚ ምድላው እዚ ነቲ ንኣቦ ብዙሕ ዘኽፈሎ መስዋእታዊ በጃ እቲ ፍቑር ወዱ ዜጠቓልል እዩ።—1 ዮሃንስ 4:10

23. ሓደ ኻብቲ የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ዚምለስ ኣገዳሲ ሕቶኸ እንታይ ዚብል እዩ፧

23 እወ፡ የሆዋ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንደቂ ሰብ ፍቕሩ ንኼርእዮም ተበግሶ ወሲዱ እዩ። ብብዙሕ ነገራት፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ።” ስለዚ እምበኣር፡ ፍቕሪ ስኒትን ሓጐስን ስለ እተምጽእ የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እንተ ተባህለ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ይለዓል እዩ። የሆዋ ብሓቂዶ ኸም ውልቀ ሰባት መጠን የፍቅረና እዩ፧ እዛ እትቕጽል ምዕራፍ ነዚ ኽትምልሶ እያ።

a እታ “ምፍታው (ንናይ ቀረባ ዓርኪ ወይ ሓው ዚህልወካ ስምዒት)” ዝትርጉማ ፊልዮ እትብል ግሲ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ረባሕታ እታ ንናይ ስድራ ቤት ፍቕሪ እተመልክት ስቶርጊ እትብል ቃል እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጠፊኣ ኸም ዘላ ንምሕባር ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:3 ተጠቒሳ ኣላ። ኤሮስ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዚርአ ፍቕሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛሪቡላ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ግና ኣይተጠቕሰትን።—ምሳሌ 5:15-20

b ምስዚ ኣበሃህላ እዚ ዚመሳሰል ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣሎ። ንኣብነት፡ “ኣምላኽ ብርሃን እዩ” ከምኡ እውን “ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 1:5፣ እብራውያን 12:29) እዚ ግና ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ፡ ከመይሲ ኣብዚ ጥቕስታት እዚ የሆዋ ምስ ዚርአ ነገራት እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። ቅዱስን ቅኑዕን ስለ ዝዀነ፡ ከም ብርሃን እዩ። “ጸልማት” ወይ ርኽሰት ኣብኡ የልቦን። ምስ ሓዊ እተመሳሰለሉ ምኽንያት ከኣ ንምዕናው ዚጥቀመሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።