ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 25

“ርሕራሐ ኣምላኽና”

“ርሕራሐ ኣምላኽና”

1, 2. (ሀ) ኣደ ብተፈጥሮኣ ንብኽያት ውላዳ ኸመይ ዝበለ ምላሽ እያ እትህበሉ፧ (ለ) ካብ ናይ ኣደ ዚብርትዕ ርሕራሐ ናይ መን እዩ፧

 ሕጻን ለይቲ ምስ ዚበኪ ኣዲኡ ብኡብኡ እያ እትበራበር። ካብ ትሓርስ ጀሚራ ኸም ቀደማ ኣይትድቅስን እያ። ነቲ ናይ ውላዳ እተፈላለየ ዓይነት ብኽያት ፈላልያ ኽትፈልጦ ትኽእል እያ። ዚበዝሕ ግዜ ድማ ውላዳ እንታይ ከም ዝደለየ፡ ማለት ኪጠቡ ድዩ ደልዩ፡ ወይ ኪሕቈፍ፡ ወይ ካልእ እተፈልየ ሓልዮት ምድላዩ ይርድኣ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝበኸየሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ካብ ድቃሳ ትበራበር እያ። ነቲ ውላዳ ዜድልዮ ነገር ዕሽሽ ኢላ ኽትሓልፎ ነብሳ ኣይገብረላን እዩ።

2 ሓደ ኻብቲ ኣብ ደቂ ሰብ እተፈልጠ ባህርያዊ ርሕራሐ፡ እቲ ሓንቲ ኣደ ነቲ ኻብ ከርሳ ዝወጸ ውላዳ እተርእዮ ርሕራሐ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ዚብርትዕ ዓይነት ርሕራሐ እውን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽና ዜርእዮ ርሕራሐ እዩ። ነዛ ባህ እተብል ባህርይ እዚኣ ምምርማርና፡ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ርሕራሐ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣምላኽና ኸኣ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቓን ንርአ።

ርሕራሐ እንታይ ማለት እዩ፧

3. እታ “ምምሓር” ወይ “ምድንጋጽ” እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ግሲ ኸመይ ዝበለ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ርሕራሐን ምሕረትን ኣጸቢቐን እተቐራረባ ባህርያት እየን። ሓያሎ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ቃላት ርሕራሐ ዚብል ሓሳብ እየን ዜመሓላልፋ። ንኣብነት፡ ነታ ዚበዝሕ ግዜ “ምምሓር” ወይ “ምድንጋጽ” እትትርጐም ራሓም እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ እሞ ንርአ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ እታ ራሓም እትብል ቃል፡ “እቶም እንፈትዎም ወይ ሓገዝና ዚደልዩ ሰባት ድኻም ኪስምዖም ከሎ ወይ ኪሳቐዩ ኸለዉ ብምርኣይና ዚልዓዓል ዕምቈትን ርሕራሐን ዝመልኦ ድንጋጽ” ከም እትገልጽ ሓበረ። እዛ የሆዋ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዜውዕላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ምስታ “ኸርሲ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል እተተሓሓዘት ክትከውን ከላ፡ “ብቝባቘ ኣደ” ተባሂላ እውን ክትግለጽ ትኽእል እያ። aዘጸኣት 33:19፣ ኤርምያስ 33:26

‘ሰበይቲዶ ንውላድ ማሕጸና ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧’

4, 5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርሕራሐ የሆዋ ንምምሃር፡ ነቲ ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ስምዒት ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ርሕራሐ ኺምህረና ኢሉ ነቲ ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ስምዒት ይጥቀም። ኢሳይያስ 49:15፡ “ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧ ንውላድ ማሕጸናዶኸ ኸይትርሕርሓሉ [ራሓም] ትኽእል እያ፧ እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ” ትብለና። እዚ ልቢ ዚትንኪ መግለጺ እዚ ንዕምቈት እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ርሕራሐ ዜጕልሕ እዩ። ብኸመይ፧

5 ሓንቲ ኣደ ንዚጠቡ ውላዳ ምዕንጋሉን ምክንኻኑን ክትርስዕ ዘይሕሰብ እዩ። ብዘይካዚ ሕጻን ርእሱ ኺኣሊ ስለ ዘይክእል፡ ለይትን መዓልትን ክንክንን ፍቕርን ኣዲኡ የድልዮ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ኣብዘን ‘ፍቕሪ ንስድራ ቤት’ ዘይረኣየለን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣዴታት ንውላዳተን ኪርስዓኦም ርኢና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) የሆዋ ግና፡ “ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ” በለ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ርሕራሐ ኻብ ምርኣይ ድሕር ኣይብልን እዩ። ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ባህርያዊ ርሕራሐ፡ ማለት ካብቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ርሕራሐ ኣዝዩ ዚብርትዕ እዩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ብዛዕባ ኢሳይያስ 49:15፡ “እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ ኻብ ኵሉ ዝሓየለት እያ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዚገልጻ ዝሓየላ መግለጺታት እያ” በለ።

6. ብዙሓት ዘይፍጹማት ሰባት ብዛዕባ ርሕራሐ ኸመይ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎም፧ የሆዋ ግና እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧

6 ርሕራሐ ምልክት ድኻም ድዩ፧ ብዙሓት ዘይፍጹማት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ብግዜ የሱስ ዚነብር ዝነበረ፡ ኣብ ሮሜ ኸኣ ዓብዪ ተፈላጥነት ዝነበሮ ሰነካ እተባህለ ፈላስፋ “ድንጋጽ ናይ ኣተሓሳስባ ድኻም እዩ” ኢሉ መሃረ። ሰነካ ደጋፊ ፍልስፍና እስጦይኮስ እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ ፍልስፍና እዚ ድማ፡ ስምዒት ኣልቦ ምዃን ህድኣት የምጽእ ተባሂሉ እዩ ዚእመን ነይሩ። ሰነካ፡ ‘ሓደ ኣስተውዓሊ ሰብ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ሰባት ኪሕግዞም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ድንጋጽ ህድኣቱ ስለ ዚዘርገሉ ኼወግዶ ኣለዎ’ በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምሕሳብ ኣመለኻኽታ ነቲ ኻብ ልቢ ዚምንጭው ርሕራሐ ቦታ ኣይህቦን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ፈጺሙ ኸምዚ ዓይነት ኣምላኽ ኣይኰነን! “ኣዝዩ ርሕሩሕን መሓርን” ምዃኑ ብቓሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ያእቆብ 5:11፡ እግረ ጽሑፍ) ቀጺልና ኸም እንርእዮ ርሕራሐ ድኻም ዘይኰነስ ብርቱዕን ኣድላይን ባህርይ እዩ። የሆዋ ኸም ሓደ ፈቃር ኣቦ መጠን ነዚ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ንርአ።

የሆዋ ንህዝቡ ራሕርሓሎም

7, 8. እስራኤላውያን ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝነበሮም ስቓይ ከመይ ይመስል ነበረ፧ የሆዋኸ ንስቓዮም እንታይ ምላሽ ሃበ፧

7 ርሕራሐ የሆዋ ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገበሮ ርክብ እውን ብንጹር ተራእዩ እዩ። ክሳዕ መወዳእታ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ኣብ ባርነት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ መሪር ጭቆና እዮም ኣሕሊፎም። እቶም ግብጻውያን “ብብርቱዕ ሽቕለት፡ ማለት ብምብዓጥ ጭቃን ብሕጡብን ብዅሉ ዓይነት ባርነት መሮርን ድማ፡ ንህይወቶም ኣመረርዋ።” (ዘጸኣት 1:11, 14) እስራኤላውያን ብግዜ ጸበባኦም ሓገዝ የሆዋ ደልዮም ኣእወዩ፣ እቲ ርሕሩሕ ኣምላኽከ እንታይ ገበረ፧

8 ልቢ የሆዋ ተተንከየ። “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ። (ዘጸኣት 3:7) ንስቓይ ህዝቡ ርእዩ ኸም ዘይረኣየ ወይ ንኣውያቶም ሰሚዑ ኸም ዘይሰምዐ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 24 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ የሆዋ ደንጋጺ ኣምላኽ እዩ። ድንጋጽ ከኣ ንስቓይ ካልኦት ናይ ምርዳእ ክእለት ስለ እተመልክት፡ ምስ ርሕራሐ እትዛመድ ባህርይ እያ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ስቓይ ህዝቡ ተሰሚዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንታኦም ስጕምቲ ንምውሳድ እውን ተደሪኹ እዩ። ኢሳይያስ 63:9፡ “ብፍቕሩን ብርሕራሐኡን ተበጀዎም” ትብለና። የሆዋ ንእስራኤላውያን “ብሓያል ኢድ” ካብ ግብጺ ሓራ ኣውጽኦም። (ዘዳግም 4:34) ድሕሪኡ ብተኣምራዊ መገዲ ምግቢ ሃቦም፡ ናብ ፍርያም መሬት ከኣ ኣእተዎም።

9, 10. (ሀ) እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ እውን ከይተረፈ የሆዋ ብተደጋጋሚ ዜድሕኖም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ መዓልትታት ይፍታሕ ንእስራኤላውያን ካብ ከመይ ዝኣመሰለ ጭቆና እዩ ዘድሓኖም፧ ኬድሕኖም ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧

9 ርሕራሐ የሆዋ ኣብዚ ኣየብቅዐን። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ፡ ብዙሕ ሳዕ ንየሆዋ ይጠልምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ይሳቐዩ ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ናብ ልቦም ተመሊሶም ናብ የሆዋ የእውዩ፡ ንሱ ኸኣ ብተደጋጋሚ የድሕኖም ነበረ። ስለምንታይ እዩ ዜድሕኖም ነይሩ፧ “ስለ ዝራሕርሓሎም” እዩ።—2 ዜና መዋእል 36:15፣ መሳፍንቲ 2:11-16

10 ኣብ መዓልትታት ይፍታሕ ዘጋጠመ እሞ ንርአ። እስራኤላውያን ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ስለ እተመለሱ፡ የሆዋ ን18 ዓመት ብኣሞራውያን ኪጭቈኑ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ መወዳእታ ግና ተነስሑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ኣርሒቖም ከኣ ንየሆዋ ኣገልገልዎ፣ ስለዚ፡ ንሱ ንመከራ እስራኤል ኪጻወሮ ኣይከኣለን” ይብለና። b (መሳፍንቲ 10:6-16) ህዝቡ ብሓቂ ምስ ተነስሑ፡ ኪሳቐዩ ስቕ ኢሉ ኺርእዮም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ርሕሩሕን መሓርን ኣምላኽ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ጸላእቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ንይፍታሕ ሓይሊ ሃቦ።—መሳፍንቲ 11:30-33

11. እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ብዛዕባ ርሕራሐኡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

11 እቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ ብዛዕባ ርሕራሐኡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ቀዳማይ ነገር፡ የሆዋ በቲ ህዝቡ ዜሕልፍዎ ዝነበሩ መከራታት ካብ ምድንጋጽ ንላዕሊ ይገብር ከም ዝነበረ ርኢና ኢና። ኣብነት እታ ውላዳ ኺበኪ ኸሎ እትርሕርሓሉ ኣደ እሞ ንዘክሮ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ንኣውያት ህዝቡ ስቕ ኢሉ ዚሰምዕ ኣምላኽ ኣይኰነን። ብርሕራሐኡ ኻብ ስቓዮም ኬናግፎም ይድረኽ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ምስ እስራኤላውያን ዚገብሮ ዝነበረ ርክብ፡ ርሕራሐ ድኻም ከም ዘይኰነ እዩ ዚምህረና። ከመይሲ በዛ ለዋህ ባህርይ እዚኣ ተደሪኹ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ሓያልን ወሳንን ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ድዩ ዚርሕርሓሎም፧

የሆዋ ንውልቀ ሰባት ይርሕርሓሎም

12. እቲ ሕጊ፡ የሆዋ ንውልቀ ሰባት ከም ዚርሕርሓሎም ዜመልክት ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ንውልቀ ሰባት እውን ከም ዚርሕርሓሎም ይሕብረና። ንኣብነት፡ ንድኻታት ዝነበሮ ሓልዮት ንውሰድ። የሆዋ፡ ሓደ እስራኤላዊ ብዘይተሓስበ ኣጋጣሚታት ኣብ ድኽነት ኪወድቕ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ድኻታት ብኸመይ እዮም ኪርኣዩ ዝነበሮም፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተትርረሉ፡ ኢድካ እውን ኣይትጨብጠሉ። የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ዕዮኻን ኵሉ ተግባርካን ዚባርኸልካ ስለዚ እዩ እሞ፡ ብልግሲ ሃቦ እምበር፡ ክትህብ ከለኻ ነፋግ ኣይትኹን” ዚብል ጽኑዕ ትእዛዝ ሃቦም። (ዘዳግም 15:7, 10) ብዘይዚ እውን ደረት ግራቶም ከይዓጽዱን ቀሪም ከይኣርዩን ኣዘዞም። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐሪም ንድኻታት ኪገድፉሎም ነበሮም። (ዘሌዋውያን 23:22፣ ሩት 2:2-7) ህዝቢ እስራኤል ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንሓልዮት እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ ድኻታት ዝወጸ ሕጊ ኺሕልውዎ ኸለዉ፡ እቶም ድኻታት ምግቢ ኣይልምኑን እዮም ነይሮም። እዝስ የሆዋ ርሕሩሕ ምዃኑ ዜንጸባርቕ ደይኰነን፧

13, 14. (ሀ) የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደሰልና ቓላት ዳዊት ብኸመይ እየን ዜረጋግጻልና፧ (ለ) የሆዋ ነቶም “ስቡር ዝልቦም” ወይ “መንፈሶም እተደቝሰ” ሰባት ከም ዚሓልየሎም ብኸመይ እዩ ኺግለጽ ዚከኣል፧

13 ሎሚ እውን እቲ ፈቃር ኣምላኽና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብዛዕባና ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስቓይ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን። የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም” በለ። (መዝሙር 34:15, 18) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ ብዛዕባ እቶም ዳዊት እተዛረበሎም ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ስቡር ልብን ጕሁይ መንፈስን ኣለዎም፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ትሕት ዝበሉ እዮም፡ ናይ ባዶነት ስምዒት ኣለዎም፣ ንርእሶም ኣትሕት ኣቢሎም ስለ ዚርእይዋ ኸኣ፡ ምትእምማን የብሎምን” በለ። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት የሆዋ ኻባታቶም ዝረሓቐ ኸም ዝዀነ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ዘይረብሑ ኸም ዝዀኑ ይስምዖም ይኸውን። የሆዋ ግና ከምኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮም። የሆዋ ነቶም ‘ንርእሶም ኣትሕት ኣቢሎም ዚርእይዋ’ ኣይጥንጥኖምን እዩ። እቲ ርሕሩሕ ኣምላኽና ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜያት ሓገዙ ብዝያዳ ኸም ዜድልየና ስለ ዚፈልጥ ቀረባና እዩ።

14 ሓደ ተመክሮ ንርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ እትነብር ሓንቲ ኣደ፡ ወዲ ኽልተ ዓመት ወዳ ኸቢድ ሕማም ምስ ሓመመ ተቐላጢፋ ሆስፒታል ወሰደቶ። እቶም ሓካይም ምስ መርመርዎ ኣብ ሆስፒታል ኪሓድር ከም ዘለዎ ነገርዋ። እታ ኣደኸ ኣበይ እያ ኽትሓድር፧ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ጐድኒ ዓራት ወዳ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢላ ሓደረት! ወዳ ስለ ዝሓመመ፡ ኣብ ጥቓኡ ኽትከውን ነበራ። ንሕና እውን እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እታ ኣደ ኻብ ዝገበረቶ ንላዕሊ ኺገብር ክንጽበ ንኽእል ኢና። ቅድም ቀዳድም ብመልክዑ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 1:26) እተን ኣብ መዝሙር 34:18 ዚርከባ ልቢ ዚትንክያ ቓላት “ስቡር ዝልቦም” ወይ “መንፈሶም እተደቝሰ” ምስ እንኸውን፡ የሆዋ ኸም ሓደ ፈቃር ወላዲ መጠን ቀረባና ኸም ዝዀነ፡ እዚ ማለት ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸም ዚርሕርሓልናን ኪሕግዘና ድሉው ምዃኑን እየን ዚሕብራና።

15. የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ በየናይ መገዲ እዩ ዚሓልየልና፧

15 የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚሓልየልና፧ እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ጠንቂ ስቓይና ዝዀነ ነገራት የልግሰልና እዩ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ነቶም ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ዚጠርዑ ሰባት ብዙሕ ምድላዋት ገይሩሎም ኣሎ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኺውዕል ዚኽእል ምኽሪ ይህበና እዩ። ኣብታ ጉባኤ ንኣሕዋቶም ኪሕግዝዎም ከለዉ ነቲ ናይ ምርሕራሕ ባህርዩ ኼንጸባርቑ ዚጽዕሩ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ኣዳልዩ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14, 15) “ሰማዕ ጸሎት” ብምዃኑ ኸኣ፡ ‘ንዚልምንዎ ኣብዚሑ እዩ መንፈስ ቅዱስ’ ዚህቦም። (መዝሙር 65:2፣ ሉቃስ 11:13) እቲ መንፈስ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንዅሉ ዜጨንቕ ጸገማት ደቂ ሰብ ክሳዕ እተርሕቖ ኽንጻወር ዜኽእለና “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እዚ ዅሉ ምድላዋት እዚ ስለ ዝገበረልናስ ከነማስዎ ዚግብኣና ደይኰነን፧ እዚ ምድላዋት እዚ መግለጺ ርሕራሐኡ ምዃኑ ኣይንረስዕ።

16. ርሕራሐ የሆዋ ዚገልጽ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብነት እንታይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዚትንክየና፧

16 ርሕራሐ የሆዋ ዚገልጽ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብነት ግና ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚፈትዎ ወዱ በጃ ኪኸውን ናብ ምድሪ ምስዳዱ እዩ። እዚ ብወገን የሆዋ ፍቕራዊ መስዋእቲ ዚሓትት፡ ንድሕነትና ኸኣ መገዲ ዚኸፍት እዩ ነይሩ። እቲ የሆዋ ዘዳለወልና በጃ ንነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ ኸም ዚጠቕመና ኣይንረስዕ። ዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ መጥመቕ፡ እዚ ምድላው እዚ ን“ርሕራሐ ኣምላኽና” ዜጕልሕ ምዃኑ ምንባዩ ልክዕ እዩ።—ሉቃስ 1:78

የሆዋ ኻብ ምርሕራሕ ዚቝጠበሉ እዋናት

17-19. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ርሕራሐ የሆዋ ደረት ኣልቦ ኸም ዘይኰነ ብኸመይ እዩ ዜርእየና፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ኻብ ምርሕራሕ ከም ዚቝጠብ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

17 ርሕራሐ የሆዋ ደረት ከም ዘይብሉ ጌርና ኽንወስዶ ይግብኣና ድዩ፧ ኣይፋልናን፡ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ነቶም ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ዚቃወሙ ውልቀ ሰባት ከም ዘይርሕርሓሎም ኣነጺሩ ይነግረና እዩ። (እብራውያን 10:28) ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ኣብነት ህዝቢ እስራኤል ንዘክር።

18 ሽሕ እኳ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ብተደጋጋሚ የናግፎም እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግና ንርሕራሐኡ ደረት ገይሩሉ እዩ። እቶም ተረርቲ ኽሳድ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምለኽቲ ጣኦት እዮም ነይሮም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እኳ ነቲ ፍንፉን ጣኦታቶም ናብ ቤተ መቕደስ የእትውዎ ነበሩ። (ህዝቅኤል 5:11፣ 8:17, 18) እዚ ኸይኣኽሎም ከኣ፡ “ነድሪ የሆዋ ናብ ህዝቡ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኪሓውዩ ዘይክእሉ ኽሳዕ ዚዀኑ፡ ንልኡኻት እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ንቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ፡ ንነብያቱ እውን ኣባጨዉሎም።” (2 ዜና መዋእል 36:16) እስራኤላውያን ኪርሕርሓሎም ኣብ ዘይግብኦም ደረጃ እዮም በጺሖም፡ ንየሆዋ ኸኣ ጽድቃዊ ቝጥዓ ኪቝጣዕ ኣለዓዓልዎ። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧

19 ድሕርዚ የሆዋ ንህዝቡ ኣይራሕርሓሎምን። “ኣይክርሕርሕን፡ ኣይክሓዝንን፡ ኣይክምሕሮምን እየ፣ ካብ ምጥፋኦም ደው ዜብለኒ የልቦን” በለ። (ኤርምያስ 13:14) ስለዚ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ክትዓኑ ኸላ፡ እስራኤላውያን ናብ ባቢሎን ንምርኮ ተወስዱ። ሓጥኣን ሰባት ኣምላኽ ርሕራሐኡ ኽሳዕ ዚጽንቀቕ ኣዝዮም ዓለወኛታት ኰይኖም ምርካቦምሲ ኣየ ኽንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—ድጕዓ 2:21

20, 21. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ኣምላኽ ንርሕራሐኡ ደረት ኪገብረሉ ኸሎ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ብዛዕባ ርሕራሐ የሆዋ ዚገልጽ ምድላዋት ኢና ኽንርኢ፧

20 ሎሚኸ፧ ሎሚ እውን እንተ ዀነ የሆዋ ኣይተቐየረን። ካብ ርሕራሐ እተላዕለ፡ ንመሰኻኽሩ “ብስራት መንግስቲ” ኣብ ኵላ ምድሪ ኺሰብኩ ኣዚዝዎም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ቅኑዓት ሰባት ምላሽ ኪህብሉ ኸለዉ፡ የሆዋ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬስተውዕልዎ ይሕግዞም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14) ይኹን እምበር፡ እዚ ዕዮ እዚ ንዘለኣለም ዚቕጽል ኣይኰነን። የሆዋ ነዚ መከራን ስቓይን ዝመልኦ እኩይ ኣገባብ ንዘለኣለም ኪቕጽል እንተ ዜፍቅደሉ ነይሩ፡ ርሕሩሕ ኣይምተባህለን። ርሕራሐ ኣምላኽ ኣብ ደረቱ ምስ በጽሐ፡ የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ፍርዱ ኼውርደሉ እዩ። ሽዑ እውን ከይተረፈ ብርሕራሐ ተደሪኹ እዩ ስጕምቲ ኺወስድ። እወ፡ ነቲ ‘ቕዱስ ስሙን’ ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱን ኪርሕርሓሎም እዩ። (ህዝቅኤል 36:20-23) እከይ ኬጽሪ፡ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከኣ ኬምጽእ እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እኩያት፡ “ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ። ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ” በለ።—ህዝቅኤል 9:10

21 ክሳዕ ሽዑ ግና ነቶም ዝጠፍኡ እውን ከይተረፈ ይርሕርሓሎም እዩ። ሓደ ኻብቲ መግለጺ ርሕራሐ የሆዋ ዝዀነ ዝበለጸ ምድላዋት ሕድገት ሓጢኣት ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ካብ ልቦም ዚንስሑ ሓጥኣን ሰባት ካብዚ ምድላው እዚ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ምሉእ ብምሉእ ምዃኑ ዚገልጽ ገለ ኻብቲ ዚማርኽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌታት ክንርኢ ኢና።

a ኣብ መዝሙር 103:13 እታ ራሓም እትብል ግሲ ነቲ ሓደ ኣቦ ንደቁ ዜርእዮ ርሕራሐ ንምምልካት እውን ውዒላ ኣላ።

b እቲ፡ “ኪጻወሮ ኣይከኣለን” ዚብል ቃላት፡ ቃል ብቓሉ፡ “ነፍሱ ሓጸረት፣ ዓቕሉ ተወድአ” ኺብሃል ይከኣል እዩ።