ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 26

“ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ

“ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ

1-3. (ሀ) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከመይ ዝበለ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ እተሰከመ፧ እቲ እተረበሸ ልቡኸ ብኸመይ እዩ እተጸናንዐ፧ (ለ) ሓጢኣት ምስ እንገብር ከመይ ዝበለ ጾር ኢና እንስከም፧ የሆዋ ግና እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧

 ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣ ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ። ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ” በለ። (መዝሙር 38:4, 8) ዳዊት ናይ ገበን ስምዒት ዘለዎ ሕልና ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ እተረበሸ ልቡ ዜጸናንዖ ረኺቡ እዩ። የሆዋ ሓጢኣት ዚጸልእ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሓጥእ ብሓቂ እንተ ደኣ ተነሲሑ እሞ ነቲ ሓጥእ ተግባራቱ እንተ ደኣ ነጺግዎ ኣይጸልኦን እዩ። ዳዊት፡ የሆዋ ንእተነስሑ ሰባት ብፍታው ምሕረቱ ኸም ዚዝርግሓሎም ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ . . . ንይቕረታ ድልዊ . . . ኢኻ” በለ።—መዝሙር 86:5

2 ንሕና እውን ሓጢኣት ምስ እንገብር፡ ሕልናና ስለ ዚቘስል፡ ኪሕምሽሸና ዚኽእል ጾር ኢና እንስከም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጣዕሳ ጠቓሚ እዩ። ጌጋታትና ንምእራም እቲ ዜድሊ ስጕምትታት ንኽንወስድ ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብናይ ገበን ስምዒት ናይ ምዕብላል ሓደጋ እውን ኣሎ። እቲ ዚዅንን ልብና እተነሳሕና እኳ እንተ ተነሳሕና፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዘይብለልና ገይሩ የእምነና ይኸውን። ብናይ ገበን ስምዒት እንተ ደኣ ‘ተዋሒጥና፡’ ሰይጣን ‘የሆዋ ንምግልጋል ዘይንበቅዕ ዘይጠቕሙ ሰባት ገይሩ እዩ ዚርእየና’ ዚብል ስምዒት ከም እነሕድር ብምግባር ኬሐልለና ኺፍትን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 2:5-11

3 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብሓቂዶ ኸም ዘይንጠቅም ገይሩ እዩ ዚርእየና፧ ኣይፋሉን! ይቕረ ምባል ክፍሊ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ የሆዋ እዩ። ልባዊ ንስሓ እንተ ደኣ ኣርኢና ይቕረ ንምባል ድሉው ምዃኑ ብቓሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ምሳሌ 28:13) የሆዋ ይቕረ ዘይብለልና ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዓና፡ ስለምንታይን ብኸመይን ይቕረ ኸም ዚብል ዚገልጽ ሓሳባት ንመርምር።

የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነሉ ምኽንያት

4. የሆዋ ብዛዕባ ኣፈጣጥራና እንታይ እዩ ዚዝክር፧ እዚኸ ነቲ ምሳና ዚገብሮ ርክብ ብኸመይ እዩ ዚትንክዮ፧

4 የሆዋ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ። መዝሙር 103:14፡ “ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ” ትብለና። ካብ ሓመድ እተፈጠርና፡ ብምኽንያት ዘይፍጽምናና ድማ ድኽመት ዘሎና ሰባት ምዃንና ኣይርስዕን እዩ። እታ፡ “ከመይ ከም እተገበርና” ኸም ዚፈልጥ እትገልጽ ሓሳብ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ሰራሕ ካይላ፡ ንዓና ኸኣ ምስቲ ንሱ ዝሰርሖ ኣቕሓ መሬት ብምምስሳል ዜቕርቦ ሓሳባት እያ እተዘኻኽረና። (ኤርምያስ 18:2-6) እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ምሳና ኣብ ዚገብሮ ርክብ ነቲ ሓጥእ ኵነታትናን ንመምርሒኡ እንህቦ ምላሽን ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

5. መጽሓፍ ሮሜ ነቲ ሓጢኣት ዓትዒትካ ናይ ምሓዝ ዘለዎ ሓይሊ ብኸመይ እያ እትገልጾ፧

5 ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ የሆዋ ይርድኦ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓጢኣት ንወዲ ሰብ ዓትዒቱ ኺሕዝ ዚኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይገልጸልና። እቲ ዓትዒትካ ናይ ምሓዝ ክእለቱ ግና ክሳዕ ክንደይ እዩ ብርቱዕ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ልክዕ ከምቲ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ኣዛዚኦም ዝዀኑ ንሕና እውን “ትሕቲ ሓጢኣት” ምዃንና (ሮሜ 3:9)፡ ሓጢኣት ልክዕ ከም ንጉስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ከም “ዝነገሰ” (ሮሜ 5:21)፡ ኣባና “ሓዲሩ” ኸም ዘሎ (ሮሜ 7:17, 20)፡ “ሕጊ ሓጢኣት” ወትሩ ኣብ ውሽጥና ብምዕያይ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸረና ኸም ዚጽዕር (ሮሜ 7:23, 25) ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ሓጢኣትሲ ነዚ ዘይፍጹም ስጋና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብሓይሊ ዓትዒቱ ሒዝዎ ዘሎ!—ሮሜ 7:21, 24

6, 7. (ሀ) የሆዋ ነቶም ልባዊ ንስሓ ብምርኣይ ምሕረቱ ደልዮም ዚቐርብዎ ሰባት ብኸመይ እዩ ዚምልከቶም፧ (ለ) ንምሕረት ኣምላኽ ክንብለጸሉ ኢልና ኽንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ስለዚ እምበኣር፡ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኽንእዘዞ ኸም ዘይንኽእል፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ካብ ልቢ ተነሲሕና ምሕረቱ ደሊና ምስ እንቐርቦ፡ ይቕረ ኸም ዚብለልና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። መዝሙር 51:17፡ “ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ፡ ስቡር መንፈስ እዩ፣ ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ” ትብል። የሆዋ ብናይ ገበን ስምዒት ን“እተሰብረን እተደቝሰን” ልቢ ፈጺሙ ኣይነጽጎን እዩ።

7 እዚ ኺብሃል ከሎ ግና ብኣፈጣጥራና እናኣመኽነና ኸም ድላይና ሓጢኣት ብምፍጻም ንምሕረት ኣምላኽ ክንብለጸሉ ንኽእል ኢና ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ብስምዒት ጥራይ ዚምራሕ ኣምላኽ ኣይኰነን። ምሕረቱ ደረት ኣለዎ። ነቶም ብዘይ ንስሓ ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚገብሩ ሰባት ፈጺሙ ይቕረ ኣይብለሎምን እዩ። (እብራውያን 10:26) እተነስሐ ልቢ ኺርኢ ኸሎ ግና፡ ይቕረ ንምባል ድልዊ እዩ። ቀጺልና እምበኣር ንገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ እተደንቕ መግለጺት ፍቕሪ የሆዋ ዝዀነት ባህርይ ንምግላጽ እተጠቕመሉ ንጹር ቃላት ንርአ።

የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዚብል፧

8. የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ብኻልእ ኣዘራርባ እንታይ እዩ ዚገብር፧ እዚኸ እንታይ ምትእምማን እዩ ዜሕድረልና፧

8 እቲ እተነስሐ ዳዊት፡ “ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን። . . . ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ” በለ። (መዝሙር 32:5) እታ “ሓዲግካለይ” እትብል ቃል፡ ካብታ “ምልዓል” ወይ “ምስካም” እትብል መሰረታዊ ትርጉም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓል እተተርጐመት እያ። ኣብዚ ኣወዓዕላኣ፡ “በደል፡ ሓጢኣት፡ ኣበሳ” ምርሓቕ ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመልክት። ስለዚ የሆዋ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሓጢኣት ዳዊት ኣልዒሉ፡ ተሰኪሙ ደርብይዎ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ዳዊት ተሰኪምዎ ዝነበረ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዜቃለለሉ ፍሉጥ እዩ። (መዝሙር 32:3) ስለዚ ንሕና እውን የሆዋ ነቶም ኣብቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኣሚኖም ይቕረ ኺብሃለሎም ዚደልዩ ሰባት ሓጢኣቶም ዚስከመሎም ምዃኑ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 20:28

9. የሆዋ ንሓጢኣትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኻባና ዜርሕቖ፧

9 ዳዊት እቲ ዘማሪ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ፡ “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ” ብዚብል ንጹር ቃላት ገይሩ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝሙር 103:12) ጸሓይ ብምብራቕ በሪቓ፡ ብምዕራብ እያ እትዓርብ። እሞ ደኣ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ዘለዎ ርሕቀት ክንደይ እዩ፧ ኣዝዩ እተረሓሓቐ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ኽልቲኡ ፈጺሙ ኺራኸብ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ምሁር ነዛ መግለጺ እዚኣ “ብእተኻእለ መጠን፣ ክንሓስቦ ብእንኽእል መጠን” በላ። እዚ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓላት ዳዊት፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ንሓጢኣትና ኻባና ኣዝዩ ኸም ዜርሕቖ እዩ ዚነግረና።

“ሓጢኣትኩም . . . ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ”

10. የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ምስ ዚብለልና፡ ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምናዮ ኸም እንነብር ኰይኑ ኺስምዓና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

10 ካብ ጻዕዳ ኽዳን ማክያ ኸተልግስ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ዝገበርካ እንተ ገበርካ፡ እቲ ማክያ ኣይለግስን ይኸውን። የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ኽእለት ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ርአ፦ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣ ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 1:18) እታ ኣብዚ “ቐይሕ” እትብል ቃል ንውዕዉዕ ቀይሕ ሕብሪ እያ እተመልክት። a “ድሙቕ ቀይሕ” ከኣ ሓደ ኻብቲ ድሙቕ ሕብርታት እዩ። (ናሆም 2:3) ብጻዕርታትና ንሓጢኣት ፈጺምና ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ግና ነቲ ኸም ቀይሕ ወይ ከም ድሙቕ ቀይሕ ኰይኑ ዝነበረ ሓጢኣትና፡ ከም በረድ ኬጻዕድዎን ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኺገብሮን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ኣሰር እዚ ሓጢኣትና ኣብ ምሉእ ህይወትና ተሰኪምናዮ ኸም እንነብር ኰይኑ ኺስምዓና የብሉን።

11. የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ ድሕሪ ዝባኑ ዚድርብዮ ብኸመይ እዩ፧

11 ህዝቅያስ ካብ ዚቐትል ሕማም ምስ ሓወየ ኣብ ዝዘመራ ልቢ እትትንክፍ መዝሙር ንየሆዋ፡ “ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ” በሎ። (ኢሳይያስ 38:17) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ የሆዋ ንሓጢኣት እቲ በዳሊ ኣልዒሉ ናብቲ ንሓዋሩ ዘይርእየሉን ብዛዕባኡ ዘይሓስበሉን ድሕሪ ዝባኑ ኸም ዚድርብዮ ዀይኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ገበርካዮ” ተባሂሉ ኺግለጽ ከም ዚከኣል ይሕብር። እዝስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧

12. ነብዪ ሚክያስ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዚድምስሶ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

12 ነብዪ ሚክያስ፡ የሆዋ ንዚንስሑ ህዝቡ ይቕረ ኸም ዚብለሎም ዘለዎ እምነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ . . . ኣበሳ እቲ ተረፍ ርስቱ ዚሓልፍ መን እዩ፧ . . . ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽትድርብዮ ኢኻ” በለ። (ሚክያስ 7:18, 19) እዚ ቓላት እዚ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ ግዜ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። “ናብ መዓሙቝ ባሕሪ” እተደርበየ ነገር እንደገና ኺርከብ ተስፋ ኣለዎዶ፧ እምበኣር፡ ቃላት ሚክያስ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ፡ ንሓጢኣትና ንሓዋሩ ኸም ዚድምስሶ እየን ዚሕብራና።

13. እተን “በደልና ሕደገልና” ዚብላ ቓላት የሱስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

13 የሱስ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ ንምብራህ ናይ ኣለቃሕትን ተለቃሕትን ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። “በደልና [“ዕዳና፡” እግረ ጽሑፍ] ሕደገልና” ኢልና ኽንጽሊ እውን ተላብዩና እዩ። (ማቴዎስ 6:12) ኣብዚ የሱስ ንሓጢኣት ምስ ዕዳ እዩ ኣመሳሲልዎ ዘሎ። እወ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ንየሆዋ ሰብ “ዕዳኡ” ኢና እንኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ነቲ ኽንከፍሎ ዚግብኣና ዕዳ ይስርዞ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ዚንስሑ ሓጥኣን ካብዚ ምጽንናዕ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ነቲ ዝሰረዞ ዕዳ ኪኽፈሎ ፈጺሙ ኣይሓትትን እዩ!—መዝሙር 32:1, 2

14. እታ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም” እትብል ሓረግ ኣብ ኣእምሮና እንታይ እያ እትስእለልና፧

14 እቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 እውን ተወሳኺ መግለጺ ተዋሂብዎ ኣሎ። እታ ጥቕሲ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ . . . ተነስሑን ተመለሱን” ትብለና። እታ ኣብዚ ኺድምሰሰልኩም ተባሂላ ዘላ ሓረግ፡ ካብታ “ምጽራግ . . . ምስራዝ ወይ ምጥፋእ” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ግሲ እተወስደት እያ። ገሊኦም ምሁራት ከም ዚብልዎ እቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ንናይ ኢድ ጽሕፈት ምድምሳስ ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ እቲ ኣብ ጥንቲ ዚዝውተር ዝነበረ ቐለም ከም ካርቦንን ዕንዲዳን ማይን ብዝኣመሰለ ሕውስዋስ ነገራት ተቓሚሙ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐለም ወይ ብርዒ ምስ ጸሓፈ ነቲ ጽሕፈት ብጥሉል ሰፍነግ ወይ ስፖንጅ ኪድምስሶ ይኽእል ነይሩ እዩ። እዚ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ዜብርህ ንጹር መግለጺ እዩ። ሓጢኣትና ኺሓድገልና ኸሎ ብሰፍነግ ገይሩ ይድምስሶ ኸም ዘሎ እዩ ዚቝጸር።

15. የሆዋ ብዛዕባኡ እንታይ ክንፈልጥ እዩ ዚደልየና፧

15 ነዚ ምሳሌታት እዚ ኸነስተንትነሉ ኸለና ልባዊ ንስሓ እንተ ደኣ ኣርኢና፡ የሆዋ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ድሉው ምዃኑ ኽንፈልጥ ከም ዚደልየና ንጹር ደይኰነን፧ ንኸምዚ ዝበለ ሓጢኣት ነኺሱ ብምሓዝ ኣብ መጻኢ ኺዝክሮ እዩ ኢልና ኽንፈርህ ኣየድልየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምሕረት የሆዋ ተወሳኺ መብርሂ ኺህብ ከሎ ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉ ረሲዕዎ ማለት ምዃኑ እውን ይገልጸልና እዩ።

የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ ኽንፈልጥ ይደልየና

“ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ”

16, 17. መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይርስዖ እዩ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ከምኡ ኢልካ ዝመለስካኸ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን፡ “ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ብምባል ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ኤርምያስ 31:34) እዚ ግና የሆዋ ይቕረ ኺብል ከሎ ድሕሪኡ ነቲ ሓጢኣት ኪዝክሮ ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይክእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓዊስካ፡ ሓጢኣት ናይቶም የሆዋ ይቕረ ዝበለሎም ብዙሓት ውልቀ ሰባት ይነግረና እዩ። (2 ሳሙኤል 11:1-17፣ 12:13) የሆዋ ነቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ሕጂ እውን ከም ዚፈልጦ ርዱእ እዩ። እቲ ብዛዕባ ሓጢኣቶምን ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ንስሓን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ይቕረታን ዚገልጽ መዝገብ ንጥቕምና ተባሂሉ ተዓቂቡ ኣሎ። (ሮሜ 15:4) መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንሓጢኣት እቶም ይቕረ ዝበለሎም ሰባት ‘ኣይዝክሮን’ ኪብል ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ፧

17 እታ “ኣይክዝክርን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ ንዝሓለፈ ነገር ካብ ምዝካር ንላዕሊ እያ እተመልክት። ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት “ግቡእ ስጕምቲ ምውሳድ ዜመልክት ተወሳኺ ትርጉም” ከም ዘለዋ ይሕብር። በዚ መዳይ እዚ ኺርአ ኸሎ እምበኣር፡ ንሓጢኣት ‘ምዝካር’ ኪብሃል ከሎ፡ ኣንጻር እቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ስጕምቲ ምውሳድ ዜጠቓልል እዩ። (ሆሴእ 9:9) ስለዚ ኣምላኽ “ሓጢኣቶም . . . ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ኺብል ከሎ፡ ንሓደ እተነስሐ ሓጥእ ሓንሳእ ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉሉ፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ሓጢኣት ዘኪሩ ስጕምቲ ኸም ዘይወስደሉ እዩ ዜረጋግጸልና ዘሎ። (ህዝቅኤል 18:21, 22) ስለዚ፡ ጸጸኒሑ ምእንቲ ኺወቕሰና ወይ ኪቐጽዓና ኢሉ ንሓጢኣትና ብተደጋጋሚ ኸም ዘየልዕሎ እዩ ዜርኢ። ኣምላኽና ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉ ይርስዖ ማለት ምዃኑ ምፍላጥናስ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧

ብዛዕባ ሳዕቤናቱኸ እንታይ እዩ ዚብሃሎ፧

18. ይቕረ ምባል ኪብሃል ከሎ ሓደ እተነስሐ ሓጥእ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት እቲ ዝፈጸሞ ግጉይ ተግባራት ናጻ ይኸውን እዩ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

18 የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ፡ ንሓደ እተነስሐ ሓጥእ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት እቲ ዝፈጸሞ በደል ናጻ ይገብሮ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ጌርና ኽነስና፡ ካብ ሳዕቤኑ ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ፡ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” በለ። (ገላትያ 6:7) ስለዚ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ገለ ሳዕቤናት ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። እዚ ግና የሆዋ ይቕረ ምስ በለልና ሕማቕ ነገር የውርደልና እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ሽግራት ኬጋጥሞ ኸሎ ‘ምናልባት የሆዋ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምክዎ ሓጢኣት እዩ ዚቐጽዓኒ ዘሎ’ ዚብል ስምዒት ኬሕድር የብሉን። (ያእቆብ 1:13) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ሳዕቤናት እቲ ዝፈጸምናዮ ግጉይ ተግባራት ኣየናግፈናን እዩ። ከም እኒ ፍትሕ፡ ዘይተደልየ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማም፡ ናይ ካልኦት እምነት ወይ ክብሪ ምስኣን ከተወግዶ ዘይትኽእል ሳዕቤን ሓጢኣት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንዳዊት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ባትሴባን ኡርያን ዝፈጸሞ ሓጢኣት ይቕረ ኢሉሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብቲ ቐጺሉ ዝወረዶ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዘይተኸላኸለሉ ግና ዘክር።—2 ሳሙኤል 12:9-12

19-21. (ሀ) እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 6:1-7 ተመዝጊቡ ዘሎ ሕጊ ንተበዳልን ንበዳልን ጠቓሚ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ምስ ዚጕድኡ፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር ከለና እዩ ባህ ዚብሎ፧

19 ብፍላይ ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ተሃስዮም እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ካልእ ሳዕቤናት እውን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 6 ዘሎ ጸብጻብ ንርአ። ሕጊ ሙሴ ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘሎ ነገር፡ ሓደ ሰብ ናይ እስራኤላዊ ብጻዩ ንብረት፡ ብስርቂ፡ ብምዝራፍ፡ ወይ ብምትላል ናይ ምውሳድ ከቢድ ገበን ንዚፍጽመሉ ዅነታት ዜመልክት እዩ። እቲ ሓጥእ፡ ገበን ከም ዘይፈጸመ ይኽሕድ፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ብሓሶት እውን ይምሕል ይኸውን። እዚ ምስክር ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እዩ። ጸኒሑ ግና፡ እቲ በዳሊ ሕልናኡ ይወቕሶ እሞ ሓጢኣቱ ይናዘዝ። ኣምላኽ ይቕረ ምእንቲ ኺብለሉ ግና፡ ሰለስተ ተወሳኺ ነገራት ኪገብር ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ዝወሰዶ ንብረት ኪመልስ፡ ነቲ ዝሰረቖ ሰብ ተወሳኺ 20 ሚእታዊት ካሕሳ ኪኸፍል፡ ንመስዋእቲ በደል ዚኸውን ድማ ሓደ ድዑል ኬቕርብ ነበሮ። ድሕርዚ እቲ ሕጊ፡ “እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ፣ እቲ በዳሊ . . . ድማ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ” ይብል።—ዘሌዋውያን 6:1-7

20 እዚ ሕጊ እዚ፡ ምሕረት ኣምላኽ ዜርኢ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። እቲ ተበዳሊ ኻብዚ ይጥቀም ነይሩ እዩ፣ ብቐዳምነት፡ ንብረቱ ይምለሰሉ ነይሩ፡ ብተወሳኺ እውን እቲ በዳሊ በደሉ ብምእማኑ ብዙሕ ዕረፍቲ ይስምዖ ነይሩ። ምስናይዚ ድማ፡ እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ መወዳእታ ገበኑ ኺእመንን ጌጋኡ ኺእርምን ሕልናኡ ዚደፋፍኦ ሰብ እውን ዚጠቅም እዩ። ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር እንተ ዚኣቢ፡ ኣምላኽ ይቕረ ኣይምበለሉን።

21 ሽሕ እኳ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እንተ ዘይኰንና፡ እቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ነቲ ይቕረ ናይ ምባል ኣረኣእያኡ ሓዊስካ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ዓሚቝ ምርዳእ እዩ ዚህበና። (ቈሎሴ 2:13, 14) ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ካልኦት ሰባት ምስ ዚጕድኡ፡ ነቲ ጌጋ ንምእራም ዚከኣለና ኽንገብር ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24) እዚ ንሓጢኣትና ኣፍልጦ ምሃብ፡ በደልና ምእማን፡ ነቲ ዝጐዳእናዮ ሰብ ይቕረታ ምሕታት እውን ከይተረፈ ዜጠቓልል እዩ። ድሕርዚ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ተመርኲስና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል፡ ነቲ ኻብ ጽሩይ ሕልናን ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበለልና ኻብ ምፍላጥን ዚርከብ ዕረፍቲ ድማ ነስተማቕር።—እብራውያን 10:21, 22

22. ምስቲ ናይ የሆዋ ይቕረታ ተተሓሒዙ እንታይ እዩ ኺመጸና ዚኽእል፧

22 የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ወላዲ፡ እተወሰነ ተግሳጽ ብምሃብ ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 3:11, 12) ሓደ እተነስሐ ክርስትያን ካብቲ ኸም ሽማግለ፡ ከም ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ወይ ከም ፈላሚ መጠን ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት የቋርጽ ይኸውን። ኣኽቢሩ ዚርእዮ ዝነበረ ፍሉይ መሰላት ንእተወሰነ ግዜ ምስ ዚሕደግ የሳቕዮ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ምስ ዚውሃቦ የሆዋ ይቕረ ኣይብለሉን ማለት ኣይኰነን። እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ተግሳጽ ከም ዜፍቅረና መረጋገጺ ምዃኑ እውን ኣይንረስዕ። ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኸኣ ዝበለጸ ረብሓ እዩ ዜምጽኣልና።—እብራውያን 12:5-11

23. ምሕረት የሆዋ ኣባና ኸም ዘይዓዪ ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ነቲ ይቕረ ናይ ምባል ባህርዩ ኽንቀድሖ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

23 ኣምላኽና “ንይቕረታ ድልዊ” ምዃኑ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዕረፍቲ ዚህብ ኰን እዩ! ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ ምሕረት የሆዋ ኣባና ኸም ዘይዓዪ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ነቲ ጌጋ ንምእራም ስጕምቲ ብምውሳድን ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብምምርኳስ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኻብ ልቢ ብምጽላይን ብሓቂ እንተ ደኣ ተነሲሕና፡ ይቕረ ኸም ዚብለልና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 1:9) ሃየ እምበኣር፡ ኣብቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ርክብ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ይቕረ ናይ ምባል ባህርይ ንቕድሓዮ። እቲ ሓጢኣት ዘይገብር የሆዋ ብፍቕሪ ይቕረ ኺብለልና ዚኽእል ካብ ኰነ ንሕና ሓጥኣን ሰባትከ ኣብ ንሓድሕድና ይቕረ ንምብህሃል ዚከኣለና ኽንጽዕር ኣይግብኣናንዶ፧

a ሓደ ምሁር ቀይሕ “ዘይብለል፡ ወይ ዘይድብን ቀለም እዩ ነይሩ። ኣውሊ ዀነ ዝናም፡ ምሕጻብ ኰነ ንነዊሕ ግዜ ምጥቃም ኣየልግሶን እዩ ነይሩ” በለ።