ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 27

‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’

‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’

1, 2. ናይ ኣምላኽ ሕያውነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ዜጕልሓ፧

 ገሊኦም ኣዕሩኽ ኣብ እዋን ዕራርቦ ጸሓይ፡ ኣብ ደገ ኾፍ ኢሎም በቲ ውቁብ ትርኢታ እናኣስተንከሩ ይበልዑን ይሰትዩን የውክዑን ይስሕቁን። ኣብ ካልእ ከባቢ ኸኣ ሓደ ሓረስታይ ሰማይ ብደበና ጸልሚቱ ማይ ኪሃርም ምስ ጀመረ፡ ናብቲ እተዘርአ ግራቱ ብምጥማት ባህ ኢልዎ ኽምስ ይብል። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ሰብኣይን ሰበይትን ውሉዶም ታተ ኺብል ኪርእይዎ ኸለዉ ብሓጐስ ፍንጭሕ ይብሉ።

2 እዞም ሰባት እዚኦም ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ ብዘየገድስ፡ ካብ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ሕያውነት ወይ ሰናይ ግብሪ እዮም ዚጥቀሙ ዘለዉ። ገለ ሃይማኖታውያን ሰባት ነተን “ኣምላኽ ሕያዋይ እዩ” ዚብላ ቓላት ብዙሕ ግዜ ይጠቕስወን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ . . . እዩ!” ብምባል ዝያዳ ኣጕሊሑ እዩ ዚዛረበሉ። (ዘካርያስ 9:17) ይኹን እምበር፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንትርጉም እዘን ቃላት እዚአን ምሉእ ብምሉእ ዚርድእወን ኣይመስሉን እዮም። ናይ የሆዋ ኣምላኽ ሕያውነት እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ እዛ ባህርይ እዚኣኸ ንነፍሲ ወከፍና ብኸመይ እያ እትትንክየና፧

ቀንዲ ኽፍሊ ፍቕሪ ኣምላኽ

3, 4. ሕያዋይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዝበለጸ ግና ሕያውነት የሆዋ መግለጺ ፍቕሩ እያ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ቛንቋታት እታ “ሕያውነት” ወይ “ሰናይ” እትብል ቃል ንብዙሕ ነገራት እያ እተመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ፍልይ ዝበለት እያ። ብቐዳምነት ንጽቡቕ ወይ ንዚነኣድ ጠባይን ኣተሓሳስባን እያ እተመልክት። በዚ መሰረት እዚ እምበኣር፡ የሆዋ ወትሩ ሕያዋይ እዩ ኽንብል ንኽእል ኢና። ኵሉ ባህርያቱ—እንተላይ ሓይሉ፡ ፍትሑ፡ ጥበቡ—ምሉእ ብምሉእ ሰናይ እዩ። ብዝበለጸ ግና፡ ሕያውነት መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እያ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ስለምንታይ፧

4 ሕያውነት ንኻልኦት ጽቡቕ ግብሪ ብምግባር እትግለጽ ባህርይ እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሕያዋይ ሰብ ካብ ጻድቕ ብዝያዳ ኸም ዚፍቶ ሓቢሩ ኣሎ። (ሮሜ 5:7) ሓደ ጻድቕ ነቲ ሕጊ ዚሓትቶ ብቕዓታት ምሉእ ብምሉእ ኬማልኦ ትጽቢት ኪግበረሉ ይኽእል ይኸውን፡ ሕያዋይ ግና ዝያዳ እዩ ዚገብር። ንኻልኦት ንምጥቃም ተበግሶ ይወስድ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ የሆዋ በዚ መዳይ እዚ ብሓቂ ሕያዋይ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ካብታ ሰፋሕ ፍቕሪ የሆዋ እትምንጭው ምዃና ኸኣ ንጹር እዩ።

5-7. የሱስ “ሕያዋይ መምህር” ኪብሃል ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧ ነየናይ ሓቂኸ እዩ ዘረጋገጸ፧

5 የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብምንጽብራቕ ዝመጸ መወዳድርቲ ስለ ዘይብሉ፡ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ሓደ ሰብኣይ፡ “ኣታ ሕያዋይ መምህር” ኢሉ ብምጽዋዕ ኪሓትቶ ምስ ደለየ፡ የሱስ “ስለምንታይ ሕያዋይ እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። (ማርቆስ 10:17, 18) በዚ ናይ የሱስ መልሲ ኸይተገረምካ ኣይትተርፍን ኢኻ። ነቲ ሰብኣይ ዝኣረሞ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ “ሕያዋይ መምህር” ደይኰነን ነይሩ፧

6 እቲ ሰብኣይ ነተን “ሕያዋይ መምህር” ዚብላ ቓላት ንምሽሓር እዩ ተጠቒሙለን። የሱስ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዚግብኦ እቲ ብሕያውነቱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰማያዊ ኣቦኡ ምዃኑ ሓበረ። (ምሳሌ 11:2) ብዘይዚ እውን የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዕምቈት ዘለዎ ሓቂ፡ ማለት መዐቀኒ ናይ ኵሉ ሰናይ ባህርይ፡ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዚምህር ነይሩ። ጽቡቕን ክፉእን ፈላልዩ ኺነግር ዝለዓለ መሰል ዘለዎ ንሱ ጥራይ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብዕልወቶም ካብታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ምስ በልዑ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል እቲ ኺምንዝዕዎ ደለዩ። የሱስ ግና ነዚ መዐቀኒ እዚ ዚሰርዕ ኣቦኡ ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ ሃቦ።

7 ኣብ ርእሲ እዚ እውን የሱስ ምንጪ ዅሉ ሕያውነት፡ ሰናይ፡ ወይ ጽቡቕ፡ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ካብ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። (ያእቆብ 1:17) ሕያውነት የሆዋ ኣብ ልግሱ ብኸመይ ከም እተራእየት እስከ ንመርምር።

መርትዖ እቲ ዓብዪ ሕያውነት የሆዋ

8. የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ሕያውነቱ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

8 ህይወት ዘለዎ ዅሉ ኻብ ሕያውነት የሆዋ ተጠቒሙ እዩ። መዝሙር 145:9፡ “የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ” ትብል። ገለ ኣብነት እቲ ንዅሉ ዚሓቍፍ ሕያውነቱ እንታይ ምጠቐስና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን” ይብለና። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ጥዑም ምግቢ ኽትበልዕ ከለኻ ባህዶ ይብለካ፧ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ብዙሕ እኽሊ ዜፍሪ ጽሩይ ናይ ማይ ዑደትን “ወቕቲ ፍርያትን” ከም ዚህልዋ ገይሩ እንተ ዘይፈጥራ ነይሩ ምግቢ ዚብሃል ኣይምሃለወን። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕያውነቱ ነቶም ዜፍቅርዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እዩ ኣርእዩ። የሱስ፡ “ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ” በለ።—ማቴዎስ 5:45

9. ቱፋሕ ንሕያውነት የሆዋ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

9 ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘየቋርጽ ብርሃን ጸሓይን ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ዜምጽኣሎም በረኸት ኣቕሊሎም ይርእይዎ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ቱፋሕ (ሜለ) ንውሰድ። ማእከላይ ክሊማ ኣብ ዘለዎ ኽፍልታት ምድሪ ብብዝሒ ዚፈሪ ፍረ ዀይኑ፡ ክትርእዮ ምልኩዕ፡ ክትበልዖ ምቁር፡ ከምኡ እውን ጠቓሚ መዓዛን ብዙሕ ፈሳስን ዘለዎ ፍረ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም 7,500 እተፈላለየ ዓይነት ቱፋሕ ከም ዘሎስ ትፈልጥዶ፧ ቀይሕ፡ ወርቃዊ፡ ብጫ፡ ቀጠልያ ዝኣመሰለ በብዓይነቱ ሕብርታት ዘለዎ፡ ብመጠን እውን እተፈላለየ ኪኸውን ከሎ እቲ ዝደቐቐ ኻብ ፍረ ወይኒ ቝሩብ ዕብይ ዚብል ኰይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ኽንዲ ናርገ ዚኸውን እዩ። እቲ ደቂቕ ዘርኢ ፍረ ቱፋሕ ክትሕዞ ኸለኻ ዘይረብሕ እዩ ዚመስል። ምስ በቘለ ግና ኣዝዩ ማራኺ ኦም ይኸውን። (መሃልየ መሃልይ 2:3) ኣብ ግዜ ጽድያ ገረብ ቱፋሕ ብዕምባባታት ተሰሊሙ፡ ኣብ ግዜ ቐውዒ ፍረ የፍሪ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደ ማእከላይ ገረብ ቱፋሕ ነፍሲ ወከፉ 19 ኪሎ ግራም ዚምዘን 20 ካርቶናት ዚኸውን ፍረ እናፈረየ ኽሳዕ 75 ዓመታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ።

የሆዋ ‘ኻብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ይህበና ኣሎ’

እዛ ደቃቕ ዘርኢ እዚኣ ምስ በቘለት፡ ንሓያሎ ዓመታት ንሰባት ኪምግብን ኬሐጕስን ዚኽእል ገረብ ትኸውን

10, 11. ህዋሳትና ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ዚገልጸልና ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ በቲ ብዝሒ ሕያውነቱ ንግብርታቱ ኸነስተውዕሎን ክንሕጐሰሉን ዚሕግዘና ህዋሳት ዘለዎ “መስተንክርን ድንቅን” ዝዀነ ኣካላት ሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 139:14) ብዛዕባ እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝገለጽናዮ እተፈላለየ ኣብነት እንደገና እሞ ሕሰብ። ነቲ ኣጋጣሚታት እቲ ዜሐጕስ ዚገብሮ ትርኢት እንታይ እዩ፧ ገጽ እቲ ባህ ኢልዎ ዘሎ ቘልዓ፡ ኣብቲ ግራት ዚዘንም ዝናም፡ ከምኡ እውን ቀይሕ፡ ወርቃዊ፡ ሊላ ሕብርታት ዜንጸባርቕ ዕራርቦ ጸሓይ እዩ። ዓይኒ ሰብ ኣማእታት ኣሽሓት፡ ምናልባት እውን ሚልዮናት እተፈላለየ ሕብርታት ኪርኢ ይኽእል። ናይ ምስማዕ ህዋሳትና ነቲ እተፈላለየ ቓናታት ዘለዎ ባህ ዜብል ድምጺ፡ ብንፋስ ሓሸሽ ዚብል ድምጺ ኣግራብ፡ ታተ ዚብል ቈልዓ ተሓጒሱ ንዚስሕቆ ሰሓቕ ኪሰምዕ ይኽእል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትርኢታትን ድምጽታትን ባህ ኢሉና ኸነስተማቕሮ ዝኸኣልና ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንእትሰምዕ እዝንን ንእትርኢ ዓይንን፡ ንኽልቲአን ዝገበረን የሆዋ እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 20:12) ይኹን እምበር፡ ካብ ህዋሳትና ኽልተ ጥራይ ኢና ጠቒስና።

11 ናይ ምሽታት ህዋስ እውን ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ዜረጋግጽ ካልእ መርትዖ እዩ። ኣፍንጫ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ዓይነት ሽታ ኼለሊ ይኽእል እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ብኣሽሓት ኪግምትዎ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ክሳዕ ሓደ ትሪልዮን ከም ዚበጽሕ ይግምቱ። ንኣብነት፡ ዚኽሸን ዘሎ እትፈትዎ ምግቢ፡ ዕምባባታት፡ ዝረገፈ ኣቝጽልቲ፡ ካብ ጓህሪ ሓዊ ዚተክኽ ትኪ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። ናይ ምድህሳስ ህዋሳትካ እውን ፍሽ ፍሽ ዚብል ህዱእ ንፋስ ኣብ ገጽካ ኺነፍስ ከሎ፡ እትፈትዎ ሰብ ብኣእዳዉ ሕቝፍ ኬብለካ ኸሎ፡ ደስ ዜብል ልሙጽ ፍረ ብኣእዳውካ ኽትሕዝ ከለኻ ገለ ስምዒት የሕድረልካ እዩ። ካብታ ፍረ ንእሽቶ ምስ እትጥዕም ከኣ ናይ ምስትምቓር ህዋስካ ይዓዪ። እዚ ህዋስ እዚ ነቲ ንመቐረት ናይቲ ብእተፈላለየ ቐመማት ዝቘመ ፍረ ንኸተስተማቕሮ ይሕግዘካ። እወ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “እቲ ንዚፈርሁኻ ዝዓቘርካሎም . . . ሕያውነትካ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!” ንምባል ዜኽእል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (መዝሙር 31:19) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ እዩ ሕያውነቱ ‘ዚዓቝረሎም፧’

ዘለኣለማዊ ረብሓታት ዘለዎ ሕያውነት

12. ከመይ ዝበለ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ምድላዋት እዩ ኣዝዩ ዜገድሰና፧ ስለምንታይከ፧

12 የሱስ፡ “‘ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በለ። (ማቴዎስ 4:4) እወ፡ እቲ የሆዋ ዝገበረልና መንፈሳዊ ምድላዋት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ስለ ዚመርሕ፡ ካብቲ ስጋዊ ምድላዋት ይበልጽ። የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት በቲ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ገይሩ እናሰፍሐ ዚኸይድ መንፈሳዊ ገነት ከም ዘምጽአ ኣብ ምዕራፍ 8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርኢና ኢና። ቀንዲ መለለዪ እዛ መንፈሳዊት ገነት ከኣ፡ እቲ እትህቦ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ።

13, 14. (ሀ) ነብዪ ህዝቅኤል እንታይ ራእይ እዩ ዝረኣየ፧ ንዓናኸ ኸመይ ዝበለ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኸመይ ዝኣመሰለ ህይወት ዚህብ መንፈሳዊ መሰናድዎታት እዩ ዝገበረሎም፧

13 ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ምሕዳስ ዚዛረብ ዓበይቲ ትንቢታት፡ እቲ ነብዪ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እታ እተሓደሰትን ክብርትን ቤተ መቕደስ እዩ። ካብታ ቤተ መቕደስ ከኣ ውሒዝ ወጸ እሞ፡ “ኸይሓምበስካ ኺስገር ዘይከኣል ዓሚቝ” ክሳዕ ዚኸውን እናሰፍሐን እናዓመቘን ከደ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ በረኸት የምጽእ ነበረ። ኣብ ወሰና ወሰኑ ኸኣ ፍሪኡ ንምግቢ፡ ኣቝጽልቱ እውን ንፈውሲ ዚኸውን ኣእዋም በቘለ። እቲ ማይ ጨው ዝነበረ ህይወት ዘይነበሮ ምዉት ባሕሪ እኳ ኸይተረፈ በቲ ውሒዝ ሓውዩን ኣፍርዩን እዩ። (ህዝቅኤል 47:1-12) እዚ ዅሉ ግና እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧

14 እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ፡ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ኸም ዜሐድሶ እትሕብር እያ። ከም ብሓድሽ እቲ ቕኑዕ መለክዒታቱ ኸም ዚሕሎ ድማ እተመልክት እያ። ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ራእይ ዝነበረ ውሒዝ፡ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ዝገበረሎም መሰናድዎ ብብዝሒ ኼውሕዞ እዩ። ካብቲ እቲ ንጹህ ኣምልኾ ብ1919 እተመልሰሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንህዝቡ በቲ ዝገበሮ መሰናድዎታት ይባርኾም ኣሎ። ብኸመይ፧ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት፡ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ንሚልዮናት ሰባት ኣገዳሲ ሓቂ ንምምሕልላፍ ሓጊዙ እዩ። የሆዋ በዚ መሰናድዎታት እዚ ገይሩ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ንህይወት ደቂ ሰብ ዚጠቅም ዝዓበየ መሰናድዎ ምሂርዎም እዩ። እዚ ድማ ነቶም ብሓቂ ንኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዚፈርህዎን ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኣቕዋምን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ኪህልዎም ዜኽእሎም ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዚምልከት እዩ። a ሳላ እዚ መሰናድዎታት እዚ ኸኣ ዓለም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ብመንፈሳዊ ጥሜት ክትሳቐ ኸላ፡ ህዝቢ የሆዋ ግና ብመንፈሳዊ ምግቢ ይዕንገሉ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 65:13

15. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ሕያውነት የሆዋ ኣብቶም እሙናት ደቂ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚውሕዝ፧

15 እንተዀነ ግና፡ እቲ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ ውሒዝ፡ እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ምስ ኣብቅዐ እውን ከይተረፈ ኣይኬቋርጽን እዩ። እኳ ደኣስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ብብዝሒ ኺውሕዝ እዩ። ሽዑ የሆዋ ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ንእሙናት ደቂ ሰብ በብቝሩብ ናብ ፍጽምና ብምብጻሕ ንምሉእ ዋጋ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣብ መዓላ ኼውዕሎ እዩ። ኣየ ሽዑስ ብሕያውነት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ፍንጭሕ ክንብል!

ሕያውነት የሆዋ ዚግለጸሉ ኻልእ መዳያት

16. ሕያውነት የሆዋ ንኻልእ ባህርያት እውን ከም ዚሓቍፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚገልጸልና፧ ገለ ኻብዚ ባህርያት እዚኸ እንታይ እዩ፧

16 ናይ የሆዋ ሰናይ ካብ ልግሲ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ኵሉ ሕያውነተይ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸሕልፍ እየ፣ ስም የሆዋ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ” በሎ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “የሆዋ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እናሓለፈ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ ‘የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን።’” (ዘጸኣት 33:19፣ 34:6፡ እግረ ጽሑፍ) ስለዚ፡ ሕያውነት የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ዝሓቘፈ እዩ። ክልተ ኣብነት ጥራይ እሞ ንርአ።

17. ጸጋዊ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋኸ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ዘይፍጹማት ሰባት ዘውዓላ ብኸመይ እዩ፧

17 “ጸጋዊ።” እዛ “ጸጋዊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ርሕሩሕ” እውን ክትብሃል ትከኣል እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ የሆዋ ምስ ፍጡራቱ ርክብ ኪገብር ከሎ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ከመይ ምዃኑ ኣጸቢቓ እያ እትገልጽ። ኣምላኽ ከምቶም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ምልኪ ዘለዎም ተረርቲ ሰባት ኣይኰነን፡ ልኡምን ለዋህን እዩ። ንኣብነት፡ ንኣብራም ኪዛረቦ ኸሎ፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት” በሎ። (ዘፍጥረት 13:14) ብዙሓት ተርጐምቲ ነታ “በጃኻ” እትብል ቃል ኣትሪፎምዋ እኳ እንተ ኣለዉ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ከም ዚብልዎ ግና፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እብራይስጢ ነቲ ሓሳባት ካብ ትእዛዝ ናብ ልመና ዚቕይሮ ቓል ይርከቦ እዩ። ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዅነታት እውን ከምኡ ኸም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። (ህዝቅኤል 8:5) እቲ ልዑል ጐይታ ንወዲ ሰብ “በጃኻ” ኺብሎስ ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኣብዛ ትርን ጐንጽን ዘይእሩም ጠባይን ዝመልኣ ዓለም ብዛዕባ ጸጋ የሆዋ ኣምላኽና ሕስብ ከነብሎ ኸለናስ ባህ ዜብል ደይኰነን፧

18. የሆዋ “ብዓል ብዙሕ . . . ሓቂ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ እዘን ቃላት እዚአንከ እንታይ እየን ዜረጋግጻልና፧

18 “ብዓል ብዙሕ . . . ሓቂ።” ሎሚ፡ ምድንጋር ክፍሊ ናብራ ዓለም እዩ ዀይኑ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን” ብምባል የዘኻኽረና። (ዘሁልቍ 23:19) ቲቶስ 1:2 ኸኣ ንኣምላኽ፡ “ኪሕሱ ዘይክእል” ኢላ ትገልጾ። ሕያውነቱ ኺሕሱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዚግበረሉ እዩ። ቃላቱ ኸም ዚፍጸም ኵሉ ግዜ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። “ኣምላኽ ሓቂ” እውን ተባሂሉ ኣሎ። (መዝሙር 31:5) ሓሶት ካብ ምዝራብ ይቝጠብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ሓቂ እዩ ዚዛረብ። ምስጢራዊ ኣምላኽ ኣይኰነን። መሕልፎ እኳ ደኣ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኻብቲ ደረት ዘይብሉ ማዕከን ጥበቡ ይልግሰሎም እዩ። b ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ‘በታ ሓቂ ምእንቲ ኺመላለሱ’ ኢሉ ነቲ ዚህቦም ሓቂ ብኸመይ ኣብ ናብራ ህይወቶም ከም ዜውዕልዎ ይምህሮም እዩ። (3 ዮሃንስ 3) ብሓፈሻ ግና ሕያውነት የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብኸመይ እዩ ኺትንክየና ዚግብኦ፧

“ብሕያውነት የሆዋ . . . ኼንጸባርቑ እዮም”

19, 20. (ሀ) ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ሕያውነት የሆዋ ንዝነበራ እምንቶ ኼዳኽሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጺኡ፧ (ለ) ሕያውነት የሆዋ ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

19 ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ገነት ኤደን ኪፍትና ኸሎ፡ ኣብ ሕያውነት የሆዋ ዝነበራ እምንቶ ቐስ ኢሉ ኸም ዚዳኸም ብምግባር እዩ ጀሚርዎ። የሆዋ ንኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ” ኢልዎ ነበረ። ነቲ ገነት ሰሊምዎ ኻብ ዝነበረ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣግራብ፡ ካብ ሓንቲ ጥራይ እዩ ኸይበልዕ ኣዚዝዎ። እንተዀነ ግና፡ ሰይጣን ነታ ናይ መጀመርታ ሕቶኡ ንሄዋን ብኸመይ ከም ዘቕረበላ እሞ ነስተብህለሉ። “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ እዩ፧” ኢሉ እዩ ሓቲትዋ። (ዘፍጥረት 2:9, 16፣ 3:1) ንቓላት የሆዋ ብምጥዋይ ሰናይ ነገር ከም ዝሓብኣላ ዀይኑ ኸም ዚስምዓ ገበረ። እቲ ዜሕዝን ግና እቲ ዝኣለሞ ውዲት ሰለጦ። ሄዋን ንሕያውነት እቲ ዅሉ ነገራት ዝሃባ ኣምላኽ ክትጠራጠር ጀመረት። ካብኣ እተወልዱ ሓያሎ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኣብነታ ስዒቦም እዮም።

20 እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ከመይ ዝኣመሰለ ጓህን ሕሰምን ከም ዘምጽአ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ነተን፡ “ብሕያውነት የሆዋ . . . ኼንጸባርቑ እዮም” ዚብላ ኣብ ኤርምያስ 31:12 ዚርከባ ቓላት ነቕልበለን። እወ፡ ሕያውነት የሆዋ ብሓጐስ ከም እነንጸባርቕ ኪገብረና ኣለዎ። ጥርጣረ ዚብሃል ከኣ ፈጺምና ኸነሕድር የብልናን። እዚ ብሕያውነት ዝመልአ ኣምላኽና ነቶም ዜፍቅርዎ ሰናይ ደኣ እምበር፡ እከይ ስለ ዘይሓስበሎም ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

21, 22. (ሀ) ንሕያውነት የሆዋ ኸተመስግነሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ ኣየነይቲ ባህርይ ኢና ኽንመያየጥ፧ ካብ ሕያውነት እትፍለኸ ብኸመይ እያ፧

21 ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ንምንጋር ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና ንሕጐስ ኢና። መዝሙር 145:7፡ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብሩ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ ብዝሒ ሕያውነትካ ዘኪሮም ኬውርዩ . . . እዮም” ትብል። መዓልቲ መዓልቲ ብገለ መገዲ ኻብ ሕያውነት የሆዋ ንጥቀም ኢና። ስለዚ ብእተኻእለ መጠን ንጹር ነጥብታት ጠቒስና ንየሆዋ ስለቲ ሕያውነቱ መዓልታዊ ስለምንታይ ዘይነመስግኖ፧ ብዛዕባ ሕያውነቱ ምሕሳብ፡ መዓልቲ መዓልቲ ምምስጋን፡ ብዛዕባኡ ኸኣ ንኻልኦት ምንጋር ነቲ ሕያዋይ ኣምላኽና ንምምሳል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ብምምሳል ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ምስ እነናዲ ናብኡ እናቐረብና ኽንከይድ ኢና። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣታ ፍቑር፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እከይሲ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዚገብር፡ ካብ ኣምላኽ እዩ” በለ።—3 ዮሃንስ 11

22 ሕያውነት የሆዋ ምስ ካልእ ባህርያቱ እውን ይተሓሓዝ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” እዩ። (ዘጸኣት 34:6) የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብፍላይ ኣብቶም እሙናት ኣገልገልቱ ጥራይ ስለ ዜንጸባርቓ፡ ካብ ሕያውነት ፍልይ ዝበለት እያ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብሮ ኽንርኢ ኢና።

a ከም በጃ ገይሩ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ኺገልጽ ዚኽእል ካልእ ኣብነት የልቦን። የሆዋ ኻብቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጥረታት ነቲ ዚፈትዎ ሓደ ወዱ እዩ ኣብ ክንዳና ኺመውት መሪጽዎ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ንሓቂ ምስ ብርሃን ኬተሓሕዞ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ሓደ ዘማሪ፡ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ” በለ። (መዝሙር 43:3) የሆዋ ነቶም ብእኡ ኺምሃሩ ዚደልዩ ሰባት መንፈሳዊ ብርሃኑ ኣብዚሑ እዩ ዜብርሃሎም።—2 ቈረንቶስ 4:6፣ 1 ዮሃንስ 1:5