ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 28

“ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”

“ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”

1, 2. ንጉስ ዳዊት ብዙሕ ግዜ ጥልመት የጋጥሞ ኸም ዝነበረ ዚገልጸልና እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

 ንጉስ ዳዊት ብዙሕ ግዜ ጥልመት የጋጥሞ ነይሩ። ሓደ እዋን ኣብ ግዝኣቱ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ገለ ኻብ ህዝቡ ውዲት ኣሊሞምሉ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዝነበሩ እውን ከይተረፉ ጠሊሞምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዳዊት ዝነበረት ሚካል እሞ ንውሰድ። መጀመርታ ‘ንዳዊት ኣፍቂራቶ’ ስለ ዝነበረት፡ ኣብቲ ኸም ንጉስ መጠን ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት ትሕግዞ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ጸኒሓ ግና፡ “ብልባ ነዓቐቶ፡” ሕሉፍ ሓሊፋ እኳ “ኸንቱ ዝዀነ ሰብ” ገይራ እያ ቘጺራቶ።—1 ሳሙኤል 18:20፣ 2 ሳሙኤል 6:16, 20

2 ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ንዳዊት ኣሒቶፌል ዚብሃል ኣማኻሪ ነበሮ። ምኽሩ ልክዕ ከም ቃል የሆዋ እዩ ዝርአ ነይሩ። (2 ሳሙኤል 16:23) መወዳእታኡ ግና እዚ እሙን ኣማኻሪ ዝነበረ ሰብኣይ ንዳዊት ከዲዑ፡ ምስቶም ኣንጻር ዳዊት እተላዕሉ ዓለወኛታት ሓበረ። ነቲ ዕልወት ዘለዓዓሎኸ መን እዩ ነይሩ፧ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት እዩ! እዚ ተበላጺ ውዲተኛ፡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ይሰርቕ ነበረ፡” ተወዳዳሪ ንጉስ ከኣ ዀነ። ንኣቤሴሎም ኣብ ዕልወቱ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝሰዓቦ፡ ንጉስ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ተገደደ።—2 ሳሙኤል 15:1-6, 12-17

3. ዳዊት ከመይ ዝኣመሰለ ምትእምማን እዩ ነይርዎ፧

3 ንዳዊት ኵሉ ድዩ ኸዲዕዎ፧ ዳዊት ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ኬሕልፍ ከሎ፡ ዘይጠልሞ እሙን ብጻይ ከም ዝነበሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሱ መን እዩ፧ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሓሊፉ ኻልእ መን ኪኸውን ይኽእል፧ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን” በለ። (2 ሳሙኤል 22:26) ተኣማንነት እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብምንጽብራቕ ዝመጸ ዝለዓለ ኣብነት ዚዀነናኸ ብኸመይ እዩ፧

ተኣማንነት እንታይ ማለት እዩ፧

4, 5. (ሀ) “ተኣማንነት” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ህይወት ዘይብሎም ነገራት ዜርእይዎ ተኣማንነት ካብቲ ሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል ዜርእዮ ተኣማንነት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

4 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ “ተኣማንነት” ኪብሃል ከሎ ብፍቕሪ ተለዓዒልካ ምስ ሓደ ኣካል እትገብሮ ለውሃት እተሓወሶ ጽኑዕ ርክብ ማለት እዩ። እዚ ለውሃት እዚ ምስቲ ኣካል እቲ እተተሓሓዘ ዕላማኡ ኽሳዕ ዚወቅዕ ኣየቋርጽን እዩ። ሓደ እሙን ሰብ ፈቃር እዩ። a ህይወት ዘይብሉ ነገራት እውን “እሙን” ኪብሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ዘማሪ፡ ወርሒ ወትሩ ለይቲ ለይቲ ስለ እተብርህ፡ “ኣብ ሰማያት ዘላ እምንቲ ምስክር” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። (መዝሙር 89:37) ስለዚ እምበኣር ወርሒ ትውክልቲ ኺግበረላ ስለ ዚከኣል እምንቲ ተባሂላ ኣላ። ንሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል እሙን ክንብሎ ኸለና ግና፡ ካብቲ ንወርሒ እንብሎ ፍልይ ዝበለ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስትውዓል ዘለዎ ህያው ኣካል ዜርእዮ ተኣማንነት፡ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ኬንጸባርቕዎ ዘይክእሉ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ።

ወርሒ እምንቲ ምስክር እኳ እንተ ተባህለት፡ ንተኣማንነት የሆዋ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ግና ምስትውዓል ዘለዎም ህያዋን ፍጥረታት ጥራይ እዮም

5 ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ተኣማንነት ምስ ፍቕሪ እተተሓሓዘት ባህርይ እያ። ኣብ መንጎ እቲ ነዛ ባህርይ እዚኣ ዜንጸባርቓ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካልን ኣብ መንጎ እቲ እተንጸባረቐሉ ኣካልን ርክብ ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ተለዋዋጢ ኣይኰነን። ከምቲ ብንፋስ ንየው ነጀው ዚጻፋዕ ማዕበል ባሕሪ እውን ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ተኣማንነት ነቲ ኣዝዩ ኸቢድ ጸገማት እውን ከይተረፈ ንኸተሰንፍ ኪሕግዘካ ዚኽእል ጽንዓትን ሓይልን ዚህብ እዩ።

6. (ሀ) ተኣማንነት ኣብ ደቂ ሰብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ብርቂ ዀይኑ ዘሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚብል፧ (ለ) ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ዚሕግዘና ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

6 ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ክትረክብ ብርቂ እዩ። ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዝነበሩ ሰባት ‘ንሓድሕዶም ክፉእ ኪጋበሩ’ ልሙድ እዩ። በብግዜኡ ብዛዕባ እተጠላለሙ ሰብ ሓዳር ንሰምዕ ኢና። (ምሳሌ 18:24፣ ሚልክያስ 2:14-16) ምጥልላም ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ነቲ ነብዪ ሚክያስ፡ “እሙን ካብ ምድሪ ጠፊኡ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ክንደግሞ ንኽእል ኢና። (ሚክያስ 7:2) ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ተኣማንነት ዘየርእዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንየሆዋ ግና እዛ ኽብርቲ ባህርይ እዚኣ መለለዪቱ እያ። ስለዚ ተኣማንነት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ዚሕግዘና ዝበለጸ መገዲ የሆዋ ነዛ ምስ ፍቕሩ እተተሓሓዘት ዓባይ ባህርይ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቓ ምምርማር እዩ።

እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ተኣማንነት የሆዋ

7, 8. የሆዋ በይኑ እሙን ኪብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ” ይብሎ። (ራእይ 15:4) በይኑ እሙን እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባትን መላእኽትን እሙናት ዚዀኑሉ ግዜያት የሎን ድዩ፧ (እዮብ 1:1፣ ራእይ 4:8) የሱስ ክርስቶስከ፧ ቀንዲ “እሙን” ኣምላኽ ደይኰነን፧ (መዝሙር 16:10) ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ እሞ የሆዋ በይኑ እሙን ኪብሃል ዚከኣል፧

8 ቅድም ቀዳድም ተኣማንነት ናይ ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ንዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። እሞ ደኣ ከም የሆዋ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ እሙን ኪኸውን ዚኽእል መን ኪህሉ ይኽእል፧ (1 ዮሃንስ 4:8) መላእኽትን ሰባትን ንባህርያት ኣምላኽ ብሓቂ ኼንጸባርቕዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምሉእ ብምሉእ እሙን ኪኸውን ዚኽእል ግና የሆዋ ጥራይ እዩ። “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ብምዃኑ ኻብ ምድራውያን ወይ ሰማያውያን ፍጥረታት ንላዕሊ እዩ እሙን ኪኸውን ዚኽእል። (ዳንኤል 7:9) ስለዚ፡ እቲ ዝለዓለ ኣብነት ናይ ተኣማንነት የሆዋ እዩ። ከምኡ ገይሩ ነዚ ባህርይ እዚ ኺለብስ ዚኽእል ማንም ፍጡር ከኣ የልቦን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

9. የሆዋ “ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ . . . እሙን” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ “ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ . . . እሙን እዩ።” (መዝሙር 145:17) ብኸመይ እዩ እሙን ዚኸውን፧ መዝሙር 136 ነዚ መልሲ ትህበና እያ። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበረሎም ድሕነት ሓዊስካ የሆዋ ንምድሓን እተጠቕመሉ ሓያሎ ተግባራት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዘሎ ዅሉ ፍቕድታት፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይብለና። እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብቲ ኣብ ገጽ 289 ዘሎ  ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት ቀሪባ ኣላ። ነቲ ፍቕድታት ከነንብቦ ኸለና፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ፍቕሩ ዝገለጸሉ ሓያሎ መገድታት ካብ ምግራም ሓሊፍና እንብሎ የብልናን። እወ፡ ንኣውያት እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ብምስማዕን ኣብ ግዜኡ ምላሽ ብምሃብን ተኣማንነቱ የርኢ እዩ። (መዝሙር 34:6) እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ተኣማንነት ንሳቶም ንዕኡ እሙናት ኰይኖም ክሳዕ ዝቐጸሉ ኣይቅየርን እዩ።

10. የሆዋ ኣብ ስርዓታቱ ተኣማንነቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ንስርዓታቱ ኣጽኒዑ ብምሕላው እውን ንኣገልገልቱ ዘለዎ ተኣማንነት የርኢ እዩ። ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ኸምቶም ብስምዒት ሓሳባቶም ዚቐያይሩ ደቂ ሰብ ኣይቅይሮን እዩ። ብዛዕባ ኸም መናፍስትነት፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ቅትለት ዝኣመሰለ ኣረኣእያኡ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ኣይተቐየረን። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ክሳዕ እትኣርጉ፡ ኣነ ወትሩ ኣነ እየ” ኢሉ ገለጸ። (ኢሳይያስ 46:4) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹር ስነ ምግባራዊ ስርዓት ብምስዓብ ክንጥቀም ከም እንኽእል ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 48:17-19

11. የሆዋ ዝኣተዎ ቓል ብምሕላው ዝመጸ እሙን ምዃኑ ዚገልጽ ኣብነታት ሃብ።

11 የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ቓል ብምሕላው እውን እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ነገር ኪኸውን ምዃኑ እንተ ደኣ ነጊሩ፡ ይፍጸም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ፡ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል . . . ደስ ዝበለኒ ብርግጽ ኪዓምም፡ ኣብቲ ዝልእኮ ድማ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ እምበር፡ ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ገለጸ። (ኢሳይያስ 55:11) የሆዋ ቓሉ ብምሕላው ንህዝቡ ዘለዎ ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ። ንዘይፍጽሞ ነገር ብሃንቀውታ ኼጸብዮም ኣይደልን እዩ። በዚ ዝመጸ ፈጺሙ ዘይንቀፍ ካብ ምዃኑ እተላዕለ እኳ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ እያሱ፡ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንቤት እስራኤል ዘተስፈዎ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ተስፋ እኳ ኣይወደቐን፣ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (እያሱ 21:45) ስለዚ እምበኣር፡ ዝኣተዎ ቓል ብምፍጻም ዝመጸ ፈጺሙ ኸም ዘየሕፍረና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 49:23፣ ሮሜ 5:5

12, 13. ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ‘ንዘለኣለም ዚነብር’ በየናይ መገድታት እዩ፧

12 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ “ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና እዩ። (መዝሙር 136:1) ከመይ ኢሉ እዩ ግና ንዘለኣለም ዚነብር፧ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ፡ የሆዋ ንሓጢኣት ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉ ንሓዋሩ እዩ ይቕረ ዚብል። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 26 እተመያየጥናሉ ኸኣ፡ ንሓደ ሰብ ሓንሳእ ይቕረ እንተ ደኣ ኢሉሉ ንዝፈጸሞ ጌጋታት እንደገና ኣይዝክሮን እዩ። ስለዚ፡ ‘ኵላትና ስለ ዝሓጣእናን ክብሪ ኣምላኽ እውን ስለ ዝጐደለናን፡’ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም ዚነብር ምዃኑ ኸነመስግን ኣሎና።—ሮሜ 3:23

13 ይኹን እምበር፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ብኻልእ መዳይ እውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ። ቃሉ ብዛዕባ ጻድቕ፡ “ንሱ ኸምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡ ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ” ይብለና። (መዝሙር 1:3) ብዛዕባ ሓንቲ ኣቝጽልታ ዘይረግፍ ኦም እሞ ንሕሰብ! ንሕና እውን ብቓል ኣምላኽ ብሓቂ ባህ ዚብለና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ዕድሜና ይነውሕ፡ ሰላማውን ኣሳልጦ ዘለዎን ናብራ ኸኣ ንነብር። እቲ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዚህቦም በረኸት ዘለኣለማዊ እዩ። ብሓቂ ድማ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ የሆዋ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ነቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም እናኣስተማቐርዎ ኺነብሩ እዮም።—ራእይ 21:3, 4

የሆዋ “ንእሙናቱ . . . ኣይኪሓድጎምን እዩ”

14. የሆዋ ንተኣማንነት ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዜማስወሉ፧

14 የሆዋ ብተደጋጋሚ ተኣማንነቱ ገሊጹ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ መትከሉ ዚጸንዕ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእሙናቱ ዜርእዮ ተኣማንነት ፈጺሙ ኣይጐድልን እዩ። ሓደ ዘማሪ፡ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን። የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 37:25, 28) የሆዋ ኸም ፈጣሪ መጠን ኪምለኽ ዚግብኦ ኣምላኽ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። (ራእይ 4:11) ምስናይዚ ግና እሙን ብምዃኑ ነቲ ናይ ተኣማንነት ተግባራትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—ሚልክያስ 3:16, 17

15. እቲ የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ርክብ ንተኣማንነቱ ብኸመይ ከም ዘጕልሖ ግለጽ።

15 የሆዋ ህዝቡ ኣብ ጸበባ ኣብ ዝወደቑሉ ግዜ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሩ ተደሪኹ ብተደጋጋሚ ሓጊዝዎም እዩ። ሓደ ዘማሪ፡ “ንሱ ህይወት እሙናቱ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም” ይብለና። (መዝሙር 97:10) ነቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ እሞ ንርአ። ንእስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣድሓኖም፡ “ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ መሪሕካዮም” እናበሉ ዘመሩሉ። (ዘጸኣት 15:13) የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዘድሓኖም እሙን ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ሙሴ ኸምዚ ዝበሎም፦ “የሆዋ ዝፈተወኩምን ዝሓረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፣ እኳ ደኣስ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝወሓድኩም ኢኹም። የግዳስ፡ የሆዋ ስለ ዘፍቀረኩምን እቲ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን እዩ የሆዋ ብሓያል ኢድ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ እተበጀወኩም።”—ዘዳግም 7:7, 8

16, 17. (ሀ) እስራኤላውያን ዘይመማሰውቲ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ይኹን እምበር የሆዋ ብኸመይ እዩ ርሕራሐኡ ዘርኣዮም፧ (ለ) መብዛሕትኦም እስራኤላውያን “ኪሓውዩ ዘይክእሉ” ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ ኸመይ ዝኣመሰለ መለበሚ እዩ ዚዀነና፧

16 እስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ነቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮም ፍቕሪ ሞሳኦም ካብ ምግላጽ ኣቋሪጾም እዮም፡ ከመይሲ ድሕሪ ድሕነቶም “ኣብ ምድረ በዳ ኻብቲ ልዑል ብምዕላው፡ ንዕኡ በደልዎ።” (መዝሙር 78:17) ንዘመናት ዚኣክል ንየሆዋ ሓዲጎም ናብ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምምላስን ነቲ ርኹስ ተግባራቶም ብምፍጻምን ዓለወኛታት ኰይኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን ኣየፍረሶን። ኣብ ክንዳኡስ ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ፡ “ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ተመለሲ። . . . ኣነ እሙን እየ እሞ፡ ብቝጥዓ ኣትሒተ ኣይክርእየኩምን እየ” እናበለ ለመኖም። (ኤርምያስ 3:12) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 25 እተገልጸ፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ለውጢ ንምግባር ኣይተደረኹን። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ፡ “ንልኡኻት እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ንቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ፡ ንነብያቱ እውን ኣባጨዉሎም።” ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ኪሓውዩ ዘይክእሉ ኽሳዕ ዚዀኑ፡ ነድሪ የሆዋ ናብ ህዝቡ መጸ።’—2 ዜና መዋእል 36:15, 16

17 ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ተኣማንነት የሆዋ ኣብቶም ብእከይ ዚመላለሱ ሰባት ገደብ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ሓቂ እዩ የሆዋ፡ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ብምዃኑ ብቑዕ ምኽንያት ኪረክብ ከሎ ምሕረት ኬርኢ ባህ እዩ ዚብሎ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ገባር እከይ ካብ እኩይ ተግባራቱ ዘይእረም ምስ ዚኸውንከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት የሆዋ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ብምስምማዕ ናይ ኵነኔ ፍርዲ ይህብ እዩ። ከምቲ ንሙሴ ዝበሎ ኸኣ፡ የሆዋ “ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ” እዩ።—ዘጸኣት 34:6, 7

18, 19. (ሀ) የሆዋ ንእኩያት ምቕጻዑ መርኣያ ተኣማንነቱ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ክሳዕ ሞት መስጐጕቲ ዝወረዶም ኣገልገልቱ ተኣማንነቱ ዜርእዮም ብኸመይ እዩ፧

18 እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እኩያት ዜውርዶ መቕጻዕቲ እውን እንተ ዀነ ተኣማንነቱ ዜርኢ እዩ። ብኸመይ፧ ነዚ ኺሕብረና ዚኽእል ሓደ ኣብነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ “ኪዱ እሞ ነቲ ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዚብል ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ዝሃቦም ትእዛዝ እዩ። እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ጽዋኡ “ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን” ምስ ኣፍሰሶ፡ ደም ኰነ። ሽዑ እቲ መልኣኽ ንየሆዋ፡ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን እሙን፡ እዚ ፈሪድካ ኢኻ እሞ፡ ጻድቕ ኢኻ፣ ምኽንያቱ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም፣ ንስኻ ኸኣ ኪሰትዩ ደም ሂብካዮም ኢኻ። ይግብኦም እዩ” በሎ።—ራእይ 16:1-6

19 እቲ መልኣኽ ነቲ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኺእውጅ ከሎ፡ ንየሆዋ “እሙን” ኢሉ ምጥቃሱ እሞ ነስተብህለሉ። ስለምንታይ እዩ እሙን ኢልዎ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንእኩያት ብምጥፋእ፡ ነቶም ክሳዕ ሞት መስጐጕቲ ዝወረዶም ሓያሎ ኣገልገልቱ ተኣማንነቱ ዜርኢ ብምዃኑ እዩ። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ከም ህያዋን ገይሩ እዩ ዚዝክሮም። ነዞም ብሞት እተፈልዩ እሙናት ኣገልገልቱ እንደገና ኺርእዮም ይናፍቕ እዩ፡ ብትንሳኤ ዓስቦም ኪህቦም ምዃኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። (እዮብ 14:14, 15) እወ፡ የሆዋ እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ምስ ሞቱ ኣይርስዖምን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣ፡ “ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም።” (ሉቃስ 20:37, 38) የሆዋ ነቶም ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ንምትንሳእ ዝገበሮ ዕላማ ናይ ተኣማንነቱ ሓያል መረጋገጺ እዩ።

ሳላ ተኣማንነት የሆዋ፡ ኵሎም እሙናት ኣገልገልቱ ንመጻኢ ዜተኣማምን ተስፋ ኣለዎም

በርናርድ ሎይመስን (ጸጋማይ) ዎልፍጋንግ ኩሰሮውን (ማእከላይ) ብናዚ ተቐትሉ (የማናይ) ሞሰስ ንያሙሱዋ ብሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ተቐትለ

ተኣማንነት የሆዋ መገዲ ድሕነት ይኸፍት

20. “ኣቕሑ ምሕረት” መን እዮም፧ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ተኣማንነቱ ዜርእዮም፧

20 የሆዋ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ንእሙናት ደቂ ሰብ ጕሉሕ ተኣማንነት ኣርእይዎም እዩ። ንኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ‘ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እዩ ጾይርዎም።’ ስለምንታይ፧ “ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 9:22, 23) እዞም “ኣቕሑ ምሕረት” እዚኦም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንምንጋስ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ቕኑዕ ድራኸ ዘለዎም ሰባት እዮም። (ማቴዎስ 19:28) የሆዋ ነዞም ኣቕሑ ምሕረት ዝዀኑ ሰባት መገዲ ድሕነት ብምኽፋት፡ ነቲ፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም” ብምባል ቃል ዝኣተወሉ ኣብርሃም እሙን ምዃኑ ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 22:18

የሆዋ ነቶም ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቱ ብተኣማንነት ኪዝክሮምን ኬተንስኦምን እዩ

21. (ሀ) የሆዋ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ወጺኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ ዚጽበዩ “ብዙሓት ህዝቢ” ብኸመይ እዩ ተኣማንነቱ ዘርኣዮም፧ (ለ) ተኣማንነት የሆዋ እንታይ ክትገብር እዩ ዚድርኸካ፧

21 የሆዋ ነቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ወጺኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ ዚጽበዩ “ብዙሓት ህዝቢ” እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ኣርእይዎም እዩ። (ራእይ 7:9, 10, 14) ሽሕ እኳ ዘይፍጹማት እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ብተኣማንነቱ ኸፈተሎም። ነዚ ብኸመይ እዩ ዝገበሮ፧ በቲ ዝዓበየ መግለጺ ተኣማንነቱ ዝዀነ በጃ ገይሩ እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8) ተኣማንነት የሆዋ ነቶም ብልቦም ጽድቂ ዚጠምዩ ሰባት ይስሕቦም እዩ። (ኤርምያስ 31:3) በቲ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ዘርኣዮን ብሕጂ ዜርእዮን ተኣማንነት ናብኡ ዝቐረብካ ዀይኑዶ ኣይስምዓካን፧ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ንደሊ ኻብ ኰንና፡ ነቲ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቘራጽነት ብምድልዳል ንፍቕሩ ምላሽ ንሃበሉ።

a እታ ኣብ 2 ሳሙኤል 22:26 “እሙን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ኣብ ካልእ ቦታታት “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።