ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 29

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

1-3. (ሀ) የሱስ ንኣቦኡ ንምምሳል ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ፍቕሪ የሱስ ነየናይ መዳያቱ ኢና ኽንምርምር፧

 ንኣቦኡ ኺመስል ዚጽዕር ቈልዓ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ቘልዓ ንኣካይዳን ንኣዘራርባን ንተግባራትን ኣቦኡ ኪቐድሖ እዩ ዚጽዕር። ጸኒሑ ኸኣ ነቲ ኣቦኡ ዚስዕቦ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት እውን ኪቐድሖ ይጅምር። እወ፡ ኣብቲ ፈቃር ኣቦኡ ዘለዎ ፍቕርን ኣድንቖትን፡ ንኣቦኡ ንምምሳል ድራኸ የሕድረሉ።

2 ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ የሱስን ሰማያዊ ኣቦኡን ዘሎ ርክብከ እንታይ ኢና ኽንብል እንኽእል፧ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ‘ንኣቦ አፍቅሮ እየ’ በለ። (ዮሃንስ 14:31) ንየሆዋ ኻብ ወዱ ንላዕሊ ገይሩ ኸፍቅሮ ዚኽእል ማንም የልቦን። ካልእ ኵሉ ፍጥረታት ቅድሚ ምፍጣሩ ምስ ኣቦኡ ንነዊሕ ዓመታት ይነብር ነይሩ እዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ ኸኣ እዩ ነዚ ውፉይ ወዱ ምሉእ ብምሉእ ንኣቦኡ ኺመስሎ ዝሓገዞ።—ዮሃንስ 14:9

3 ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ እዚኣ የሱስ ንየሆዋ ብሓይሊ፡ ብፍትሒ፡ ብጥበብ ከመይ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝመሰሎ ርኢና ኢና። ንፍቕሪ ኣቦኡ ግና ብኸመይ እዩ ኣንጸባሪቕዋ፧ ሰለስተ መዳያት ፍቕሪ የሱስ እስከ ንመርምር። እዚ ድማ ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕሩ፡ ርሕራሐኡ፡ ይቕረ ምባሉ እዩ።

‘ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን’

4. የሱስ ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ዝመጸ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ጥቕሚ ርእስኻ ኸም እትስውእ እትገብር ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ዝመጸ እቲ ዝዓበየ ኣብነት ሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ናይ ርእስኻ ጥቕሚ ምቕዳም ማለት እዩ። የሱስ ንኸምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ብኸመይ እዩ ኣንጸባሪቕዋ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 15:13) የሱስ ብፍቓዱ ፍጽምቲ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ እዩ። ደቂ ሰብ ካብ ዘርኣይዎ ፍቕሪ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ኸኣ እዚ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ብኻልእ መገድታት እውን እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣርእዩ እዩ።

5. የሱስ ንሰማይ ሓዲጉ ናብ ምድሪ ምምጻኡ ፍቕራዊ መስዋእቲ ምግባር ዚሓትቶ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማያት ፍሉይን ልዑልን ቦታ እዩ ነይርዎ። ምስ የሆዋን ምስ ሓያሎ መንፈሳውያን ፍጥረታትን ናይ ቀረባ ርክብ እዩ ነይርዎ። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ዅሉ ሓዲጉ፡ “ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።” (ፊልጲ 2:7) ምስቶም ‘ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ዘላ’ ዓለም ዚነብሩ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ኪነብር ኢሉ ብፍታው ናብ ምድሪ መጸ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዝስ ብወገን ወዲ ኣምላኽ ፍቕራዊ መስዋእቲ ምግባር ዚሓትቶ ደይኰነን ነይሩ፧

6, 7. (ሀ) የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ ፍቕሪ ዘርኣየ በየናይ መገዲ እዩ፧ (ለ) ኣብ ዮሃንስ 19:25-27 ብዛዕባ እታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኸመይ ዝኣመሰለ ብሉጽ ኣብነት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

6 የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብእተፈላለየ መገዲ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ካብ ስስዐ ፈጺሙ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ደቂ ሰብ ልሙድ ዝዀነ ምሾት ዘለዎ ናብራ ኣየስተማቐረን። “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በለ። (ማቴዎስ 8:20) ክኢላ ጸራቢ ስለ ዝነበረ፡ ንገሊኡ ኽፋል ግዜኡ፡ ዚነብረሉ ጽቡቕ ገዛ ንምስራሕ ወይ ከኣ ሸይጡ ብዙሕ ገንዘብ ዚረኽበሉ ጽቡቕ ኣቕሓ ንምስራሕ ኪጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኽእለቱ ስጋዊ ነገራት ንምጥራይ ኣይተጠቕመሉን።

7 ኣብ ዮሃንስ 19:25-27 ግና ጥቕሚ ርእሱ መስዋእቲ ብምግባር ዘርኣዮ ሓለፍ ዝበለ ናይ ፍቕሪ ኣብነት ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ኣብቲ ንሙማት ቍሩብ ሰዓታት ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ ግዜ ንሓሳባቱን ንልቡን ኪዕብልሎ ዚኽእል ሓያሎ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ ዕንጨይቲ እናተሳቐየ ኸሎ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ፡ ዕዮ ስብከት፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ንጽህናኡን ንስም ኣቦኡ ብኸመይ ከም ዚትንክዮን እዩ ዜተሓሳስቦ ነይሩ። ተስፋ ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ምስዚ ዅሉ ግና ቀቅድሚ ሞቱ ነታ ሽዑ መበለት ነይራ ኽትከውን እትኽእል ኣዲኡ ማርያም ዝነበሮ ሓልዮት ገሊጹ እዩ። የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ንማርያም ከም ኣዲኡ ገይሩ ኺናብያ ተማሕጸኖ፡ ድሕሪኡ እቲ ሃዋርያ ናብ ቤቱ ወሰዳ። በዚ ኸምዚ የሱስ ንኣዲኡ ዜድልያ ዝነበረ ስጋውን መንፈሳውን ሓገዝ ሂብዋ እዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ መግለጺ እታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሩ ዀን እዩ!

“ደንገጸሎም”

8. እታ መጽሓፍ ቅዱስ ንርሕራሐ የሱስ ንምግላጽ ዚጥቀመላ ናይ ግሪኽኛ ቓል እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧

8 የሱስ ከም ኣቦኡ ርሕሩሕ እዩ ነይሩ። ነቶም እተደቝሱ ሰባት ብድንጋጽ ተለዓዒሉ ይሕግዞም ከም ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ዘርእዮ ዝነበረ ርሕራሐ ንምግላጽ ነታ “ደንገጸሎም” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ሓደ ምሁር ከምዚ በለ፦ “ንሓደ ሰብ ናይ ውሽጡ ንምንጽብራቕ ዚድርኾ ስምዒት እያ እትገልጽ። ንናይ ድንጋጽ ስምዒት እትገልጽ ዝሓየለት ናይ ግሪኽኛ ቓል ድማ እያ።” ገለ ኻብቲ የሱስ ዓሚቝ ድንጋጹ ብምግላጽ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ዅነታት እስከ ንርአ።

9, 10. (ሀ) የሱስን ሃዋርያቱን ጽምዊ ቦታ ኺደልዩ ዝደረኾም ኵነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ብሕት ኢሉ ኣብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ዝነበረሉ ዅነታት ብዙሕ ህዝቢ ምስ መጾ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ስለምንታይከ፧

9 መንፈሳዊ ነገራት ንዚሃርፉ ሰባት፡ ዜድልዮም ንምዕጋብ ተደሪኹ እዩ። ኣብ ማርቆስ 6:30-34 ዘሎ ጸብጻብ ንየሱስ ድንጋጹ ኺገልጽ ዝደረኾ ቐንዲ ነገር እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና። ነቲ ዅነታት ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። እቶም ሃዋርያት ኣብ ስብከት ብዙሕ ዕዮ ኺዓይዩ ድሕሪ ምጽናሖም ተሓጒሶም ነበሩ። ብህንጥዮት ናብ የሱስ ተመሊሶም ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ዘበለ ዅሉ ነገርዎ። እንተዀነ ግና፡ የሱስን ሃዋርያቱን ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም መጽዎም። የሱስ ወትሩ ንቑሕ ስለ ዝነበረ ግና፡ ሃዋርያቱ ደኺሞም ከም ዘለዉ ኣስተብሃለ እሞ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም። ብጃልባ ገይሮም ከኣ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ባሕሪ ገሊላ ኣቋሪጾም ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ይኹን እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሰባት ረኣይዎም፡ ካልኦት እውን ብዛዕባ እዚ ሰምዑ። ኵሎም እዞም ህዝቢ እዚኦም በቲ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ገይሮም ነታ ጃልባ ቐዲሞምዋ ናብ ስግር እቲ ባሕሪ ሓለፉ!

10 የሱስ ዕረፍቲ ስለ ዝኸልእዎ ሓሪቑ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይሓረቐን! ነቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ተተንክዩ እዩ። ማርቆስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ፣ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።” የሱስ ነዞም ሰባት እዚኦም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም እዩ ተረዲኡ። ከምተን ዚዅብኵበን ወይ ዜዕቍበን ጓሳ ዘይብለን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ እዮም ኰይኖም ነይሮም። የሱስ እቶም ሓለይቲ ጓሶት ኪዀኑ ዚግብኦም ዝነበሩ ጨካናት መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ተራ ሰባት ዕሽሽ ኢሎምዎም ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 7:47-49) ስለዚ ነቶም ህዝቢ ደንገጸሎም እሞ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ” ኪምህሮም ጀመረ። (ሉቃስ 9:11) ንትምህርቱ ዚህብዎ ምላሽ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ከም ዝደንገጸሎም ነስተብህል። ብኻልእ ኣዘራርባ ብድንጋጽ ተላዒሉ ደኣ እዩ ኺምህሮም ተደሪኹ እምበር፡ ምስ መሃሮም ብዜርእይዎ ምላሽ ተደሪኹ ኣይኰነን ደንጊጹሎም።

“ኢዱ ዘርጊሑ እውን ተንከዮ”

11, 12. (ሀ) ድዉያት ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም፧ የሱስ ግና ሓደ “ደዌ ዝመልኦ” ሰብኣይ ምስ ቀረቦ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) እቲ ድዉይ፡ የሱስ ምስ ተንከዮ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ፧ ተመክሮ ናይ ሓደ ዶክተር ነዚ ብኸመይ እዩ ዚገልጸልና፧

11 ንሰባት ካብ ስቓይ ንኺገላግሎም ይድረኽ ነበረ። እተፈላለየ ሕማም ዝነበሮም ሰባት የሱስ ደንጋጺ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ናብኡ ይቐርቡ ነበሩ። እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት እናሰዓብዎ ኸለዉ “ደዌ ዝመልኦ” ሰብኣይ ምስ ቀረቦ ተራእዩ እዩ። (ሉቃስ 5:12) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ድዉያት ንኻልኦት ምእንቲ ኸይልክሙ ተባሂሉ ኻብ ሰፈር ኸም ዚወጹ ይግበር ነበረ። (ዘሁልቍ 5:1-4) ድሕሪ ገለ ግዜያት ግና ረቢታት ዚብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ድዉያት ድንጋጽ ዚብሃል ከም ዚጠፍእ ገበሩ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጨቋኒ ስርዓታት ከኣ ኣውጽኡ። a የሱስ ግና እቲ ድዉይ ምስ ቀረቦ፡ እንታይ ከም ዝገበረ ነስተብህለሉ፦ “ሓደ ድዉይ ከኣ ናብኡ መጸ፣ ተምበርኪኹ ድማ፡ ‘እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ’ እናበለ ለመኖ። ንሱ ኸኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ እውን ተንከዮ፡ ‘እደሊ እየ። ንጻህ’ ከኣ በሎ። ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ።” (ማርቆስ 1:40-42) እቲ ድዉይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኺኣቱ ጥራይ እኳ ዘይግቡእ ምንባሩ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣይሰጐጎን፡ ኣብ ክንዳኡስ ብድንጋጽ ተላዒሉ ዘይተሓስበ ነገር ገበረሉ። ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ!

12 እቲ ድዉይ፡ የሱስ ምስ ተንከዮ እንታይ ከም እተሰምዖ ኽትገልጾዶ ምኸኣልካ፧ ንመረዳእታ ሓደ ተመክሮ ንርአ። ዶክተር ፖል ብራንድ እተባህለ ብዛዕባ ደዌ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ሓኪም ብዛዕባ ኣብ ህንዲ ዝሓከሞ ሓደ ድዉይ የዘንቱ። እቲ ዶክተር ነቲ ድዉይ ምርመራ ኺገብረሉ ኸሎ፡ ኢዱ ኣብ እንግድዓኡ ኣንቢሩ ብሓንቲ ኣስተርጓሚት እንታይ ዓይነት ሕክምና ኸም ዚግበረሉ ገለጸሉ። እቲ ድዉይ ሃንደበት ኪበኪ ጀመረ። እቲ ዶክተር፡ “ጌጋዶ ተዛሪበ እየ፧” ኢሉ ሓተተ። እታ ኣስተርጓሚት ነቲ መንእሰይ ብቛንቋኡ ሓቲታቶ ምስ ነገራ፡ ከምዚ ብምባል መለሰት፦ “ጌጋ ኣይተዛረብካን ዶክተር። ንሱ ኸም ዝበሎ፡ ኢድካ ኣብ እንግድዓኡ ስለ ዘንበርካሉ እዩ ዝበኸየ። ኣብዚ ኽሳዕ ዝመጽእ ንሓያሎ ዓመታት ዝተንከዮ ሰብ ኣይነበረን።” ነቲ ናብ የሱስ ዝቐረበ ድዉይ እሞ ኸኣ ምትንካይ ዓብዪ ትርጉም እዩ ነይርዎ። ሓንሳእ ምስ ተንከዮ፡ ብድሕሪኡ እቲ ኻብ ካልኦት ተገሊሉ ኸም ዚነብር ገይርዎ ዝነበረ ደዌ ኣልገሰ።

13, 14. (ሀ) የሱስ ናብ ከተማ ናይን እናኸደ ኸሎ ዘጋጠሞ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ከመይ ነበረ፧ ነዚ ቐብሪ እዚ ብፍላይ ዜሕዝን ዝገበሮኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ነታ መበለት ብዓልቲ ናይን ብድንጋጽ ተለዓዒሉ እንታይ እዩ ዝገበረላ፧

13 ንሰባት ንምጽንናዕ ይድረኽ ነበረ። የሱስ ካልኦት ኪሓዝኑ ኸለዉ ኣጸቢቑ እዩ ዚስምዖ ነይሩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሉቃስ 7:11-15 ዘሎ ጸብጻብ ንርአ። እቲ ታሪኽ፡ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣፋሪቑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ከተማ ናይን እናኸደ ኸሎ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ቀብሪ ኪኸዱ ኸለዉ ተጓነፍዎ። እቲ ዅነታት ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። ወዲ ሓንቲ መበለት እዩ ሞይቱ፡ ወዳ ድማ ንሱ ጥራይ ነበረ። ቅድሚኡ እውን ናብ ቀብሪ ናይ በዓል ቤታ ኸይዳ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሕጂ ኸኣ እቲ ጠዋሪኣ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ ወዳ እዩ ሞይቱ። እቶም ዓጂቦምዎም ዚኸዱ ዝነበሩ ልቕሶ ዜልቅሱን ናይ ሓዘን መሳርሒ ሙዚቃ ዚነፍሑን ነይሮምዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤርምያስ 9:17, 18፣ ማቴዎስ 9:23) ይኹን እምበር፡ የሱስ ነታ ብሰንኪ ኸቢድ ሓዘን እናበኸየት እግረ እግሪ እቶም ቃሬዛ ወዳ ዝጾሩ እትኸይድ ዝነበረት ኣደ እዩ ኣተኲሩ ዚጥምታ ነይሩ።

14 የሱስ ነዛ ሓዚና ዝነበረት ኣደ “ደንገጸላ።” ኣጆኺ ዚብል መልእኽቲ ብዜመሓላልፍ ቃና ኸኣ “ደጊም ኣይትብከዪ” በላ። ባዕሉ ኸይዱ ነቲ ቓሬዛ ምስ ተንከዮ እቶም ጸወርቲ—ምናልባት ኵሎም እቶም ካልኦት እውን—ደው በሉ። የሱስ ብብርቱዕ ድምጺ ነቲ ሬሳ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ” በሎ። ቀጺሉ እንታይ ኰነ፧ “እቲ ምዉት” ልክዕ ካብ ከቢድ ድቃስ ከም እተበራበረ፡ “ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብ እውን ጀመረ።” እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ የሱስ ዝገበሮ ኣዝዩ ልብኻ ዚትንኪ ነገር ኬዘንትወልና ኸሎ፡ “የሱስ ከኣ ንኣዲኡ ሃባ” ይብለና።

15. (ሀ) የሱስ ከም ዝደንገጸ ዚሕብር ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ርሕራሐን ግብርን እንታይ ምትሕሓዝ ከም ዘሎ እዩ ዚገልጸልና፧ (ለ) ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሱስ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

15 ካብዚ ጸብጻባት እዚ እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ነቲ ኣብ መንጎ ድንጋጽን ግብርን ዘሎ ምትሕሓዝ ነስተብህለሉ። የሱስ ጸገም ሰባት ኪርኢ ኸሎ ወትሩ ይድንግጸሎም እዩ ነይሩ፣ እዚ ባህርይ እዚ ኸኣ ጸገሞም ኪፈትሓሎም ይድርኾ ነበረ። ከመይ ጌርና ኢና ኣብነቱ ኽንስዕብ እንኽእል፧ ከም ክርስትያናት መጠን ብስራት ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ግዴታ ኣሎና። እዚ ንምግባር ብቐዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ዚድርኸና። እንተዀነ ግና፡ እዚ ዕዮ እዚ ድንጋጽ እውን ከም ዚሓትት ኣይንረስዕ። ብዛዕባ ሰባት ከምቲ የሱስ እተሰምዖ ዚስምዓና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብስራት ንምንጋር ክንድረኽ ኢና። (ማቴዎስ 22:37-39) ብዛዕባ እቶም ዚሳቐዩ ወይ ዚጕህዩ ብጾትና ድንጋጽ ምርኣይከ፧ ብተኣምራዊ መገዲ ኣካላዊ ሕማም ክንፍውስ ወይ ምዉታት ከነተንስእ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓልዮትና ብምግላጽን ዜድሊ ሓገዝ ብምሃብን ድንጋጽና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 4:32

‘ኣቦ፡ ሕደገሎም’

16. የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

16 የሱስ ፍቕሪ ኣቦኡ ዘንጸባረቐሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ ኸኣ፡ “ንይቕረታ ድልዊ” ብምዃን እዩ። (መዝሙር 86:5) ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኸሎ እውን ገሊጽዎ እዩ። የሱስ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመስማር ተሸንኪሩ ብዜሕፍር ኣማውታ ኺመውት ከሎ እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረበ፧ እቶም ሰቐልቱ ምእንቲ ኪቕጽዑ፡ ንየሆዋ ለሚንዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። መሕልፎ እኳ ደኣ እተን ናይ መወዳእታ ቓላቱ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” እየን ዚብላ።—ሉቃስ 23:34 b

17-19. የሱስ ነቲ ሰለስተ ግዜ ዝኸሓዶ ጴጥሮስ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ብኸመይ እዩ ገሊጹሉ፧

17 የሱስ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ዚገልጽ ብዝያዳ ልቢ ዚትንኪ ኣብነት ከኣ ምስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ጴጥሮስ ንየሱስ ኣጸቢቑ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣብ 14 ኒሳን፡ ኣብታ ድሮ ሞት የሱስ ዝነበረት ለይቲ፡ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ኣነስ ናብ ማእሰርቲ ዀነ ናብ ሞት፡ ምሳኻ ክኸይድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ። ከምዚ ኢሉ ኼብቅዕ ግና ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ሰለስተ ግዜ ኸሓዶ! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ ግዜ ምስ ከሓዶ ዘጋጠመ ነገር፡ “ጐይታ ድማ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ” ይብለና። ጴጥሮስ፡ እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣዝዩ ስለ ዝኸበዶ ኸኣ፡ “ናብ ወጻኢ ኸይዱ . . . ኣምሪሩ በኸየ።” የሱስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሞተ፡ ጴጥሮስ ‘ጐይታይሲ ይቕረ ኢሉለይ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሉ ተጨኒቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 22:33, 61, 62

18 ጴጥሮስ መልሱ ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ኣይተጸበየን። የሱስ ንግሆ 16 ኒሳን እዩ ተንሲኡ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንጴጥሮስ በጽሖ። (ሉቃስ 24:34፣ 1 ቈረንቶስ 15:4-8) የሱስ ነቲ ዝኸሓዶ ሃዋርያ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ቈላሕታ ዝገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ እተነስሐ ጴጥሮስ ገና ኸም ዚፈትዎን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮን ኬረጋግጸሉ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንጴጥሮስ ምእንቲ ኼረጋግጸሉ ኢሉ፡ ካልእ ሓለፍ ዝበለ ነገር እውን ገይሩ እዩ።

19 የሱስ፡ ድሕሪ ገለ ግዜያት ነቶም ሃዋርያት ኣብ ባሕሪ ገሊላ እውን ተራእይዎም እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንጴጥሮስ (ነቲ ሰለስተ ሳዕ ንጐይታኡ ዝኸሓደ) ተፍቅረኒ ዲኻ እናበለ ሰለስተ ሳዕ ሓተቶ። ሳልሳይ ግዜ ምስ ሓተቶ፡ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። እቲ ልቢ ዜንብብ የሱስ፡ ጴጥሮስ ከም ዜፍቅሮ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ፍቕሩ ምእንቲ ኼረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ‘ኣባጊዑ ኼብልዕን ኪጓስን’ መዝነት ሃቦ። (ዮሃንስ 21:15-17) ኣቐድም ኣቢሉ ጴጥሮስ ናይ ምስባኽ መዝነት ተቐቢሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 5:10) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግና የሱስ ንጴጥሮስ፡ ነቶም ሰዓብቱ ንምእላይ ተወሳኺ ፍሉይ ሓላፍነት ብምሃብ ከም ዚኣምኖ እዩ ብፍሉይ መገዲ ዝገለጸሉ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ዕዮ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ሃቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-41) ጴጥሮስ፡ የሱስ በደሉ ኸም ዝሓደገሉን ከም ዝኣመኖን ምፍላጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ፍዅስ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ።

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ትፈልጣ’ ዲኻ፧

20, 21. ‘ንፍቕሪ ክርስቶስ’ ምሉእ ብምሉእ ‘ክንፈልጣ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣጸቢቑ እዩ ዚገልጸልና። ይኹን እምበር፡ ንፍቕሪ የሱስ ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህበሉ ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክንፈልጣ’ ይላበወና እዩ። (ኤፌሶን 3:19) ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ እቲ ብዛዕባ ህይወት የሱስን ኣገልግሎቱን ዚገልጽ ጸብጻባት ወንጌል ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ብዙሕ ነገራት እዩ ዚምህረና። ይኹን እምበር፡ ‘ንፍቕሪ ክርስቶስ’ ምሉእ ብምሉእ ‘ንምፍላጥ’ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚብል ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዚሓትት እዩ።

21 እታ ‘ምፍላጥ’ ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል ‘ብተመክሮ ወይ ብግብራዊ መገዲ’ ምፍላጥ ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ንኻልኦት ሰባት ግዜናን ጕልበትናን ከይበቐቕና ብምስዋእ፡ ብድንጋጽ ዜድልዮም ነገራት ብምሃብ፡ ካብ ልብና ድማ ይቕረ ብምባል፡ ከምቲ የሱስ ዘርኣዮ ዓይነት ፍቕሪ ምስ እነርእዮም ንስምዒታቱ ብሓቂ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ “ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ” ብግብሪ ንፈልጣ ኣለና ማለት እዩ። ንክርስቶስ እናመሰልናዮ ብዝኸድና መጠን ናብቲ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ዝመሰሎ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ እናቐረብና ኸም እንኸይድ ፈጺምና ኣይንረስዕ።

a ስርዓታት ረቢታት ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ድዉይ ኣርባዕተ እመት (1.8 ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን) ኪርሕቕ ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ። ንፋስ ኣብ ዚነፍሰሉ ግዜያት እሞ ኸኣ እቲ ድዉይ 100 እመት (45 ሜተር ኣቢሉ) ኪርሕቕ ነበሮ። ሚድራሽ ራባ ዚብሃል ጽሑፍ ብዛዕባ ኽልተ ረቢ ይነግረና። እቲ ሓደ ኻብ ድዉያት ኪሕባእ ከሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ እምኒ እናደርበየ ይሰጕጎም። ስለዚ፡ ድዉያት ነቲ ኻብ ካልኦት ዚወርዶም ግለላ፡ ንዕቀት፡ ጽልኢ ኽሳዕ ክንደይ ኣሰቃቒ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

b እተን ኣብ መጀመርታ ኽፋል ሉቃስ 23:34 ዘለዋ ቓላት ኣብ ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኣይርከባን እየን። ይኹን እምበር፡ እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ሓያሎ ቕቡል ኢደ ጽሑፋት ስለ ዚርከባ፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለምን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ትርጉማትን ኣትየን ኣለዋ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ዝሰቐልዎ ሮማውያን ወተሃደራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ንሳቶም ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም፣ ስለምንታይሲ፡ ብዛዕባ የሱስ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ እቶም ‘ይቀተል’ ዚብሉ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:36-38) እቶም የሱስ ንኪቕተል ዘለዓዓሉ መራሕቲ ሃይማኖት ግና ደይ መደይ ኢሎም ብኽፍኣት ስለ ዝገበርዎ ተሓተትቲ ነበሩ። መብዛሕትኦም ይቕረ ኺብሃለሎም ኣይከኣልን እዩ።—ዮሃንስ 11:45-53