ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 31

‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ’

‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ’

1-3. (ሀ) ነቲ ወለዲ ምስ ውላዶም ዚገብርዎ ምቅርራብ ብምዕዛብ ብዛዕባ ባህርይ ሰብ እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧ (ለ) ሓደ ሰብ ፍቕሩ ምስ ዜርእየና እንታይ ኢና እንገብር፧ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ሕቶኸ ኢና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

 ወለዲ ናጽላ ውላዶም ፍሽኽ ኪብል ኪርእይዎ ኸለዉ ደስ እዩ ዚብሎም። ብዙሕ ሳዕ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመቱ፡ ፍሽኽ እናበሉ የጻውትዎ። ፍሽኽ ኪብሎም ከኣ ሃረር እዮም ዚብሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ቘልዓ ባህ ኢልዎ ፍሽኽ ኪብል ይጅምር። ፍሽኽታኡ ድማ ናይቲ ወለዱ ዘርኣይዎ ፍቕሪ ምላሽ እዩ።

2 ናይቲ ሕጻን ፍሽኽታ ብዛዕባ ባህርያት ሰብ ሓደ ኣገዳሲ ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። እዚ ድማ ንዜፍቅረካ ምፍቃር ባህርያዊ ምዃኑ እዩ። ኣፈጣጥራና ኸምኡ እዩ። (መዝሙር 22:9) እናዓበና ብዝኸድና መጠን ንዜፍቅረና ናይ ምፍቃር ክእለትና እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ኣብ ግዜ ቝልዕነትካ ወለድኻ፡ ኣዝማድካ፡ ወይ ኣዕሩኽትኻ ብኸመይ ፍቕሮም ከም ዝገለጹልካ ምናልባት ትዝክሮ ትኸውን። ኣብ ልብኻ ውዕዉዕ ስምዒት ይሓድረካ፡ እዚ ስምዒት እዚ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ብግብሪ ኽትገልጾ የለዓዕለካ። ሽዑ ንስኻ እውን ብወገንካ ፍቕርኻ ትገልጽ። እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብከ ኸምኡ ድዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕና እውን ነፍቅር ኢና” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:19) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኻብ ክፍሊ 1 ኽሳብ ክፍሊ 3 ኣብ ዘሎ ምዕራፋት፡ የሆዋ ኣምላኽ ንረብሓኻ ኢሉ ሓይሉ፡ ፍትሑ፡ ጥበቡ ብፍቕራዊ መገዲ ኸም ዝገለጸልካ ተዘኻኺርካ ኢኻ። ኣብ ክፍሊ 4 ኸኣ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ ንዓኻ እውን ብብሕቲ ፍቕሩ ብቐጥታ ኸም ዝገለጸ ርኢኻ ኢኻ። ካብዚ ቐጺሉ ዚልዓል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ። ‘ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ እየ ምላሽ ዝህበሉ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።

ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

4. ሰባት ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ንጹር ምርዳእ የብሎምን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 እቲ መስራቲ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ፡ እታ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዋ ፍቕሪ፡ ነቲ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ እውን ከተለልዮ ኸም እትኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ሽሕ እኳ ብዙሓት ካብ ደቂ ሰብ ዘይእሙናት ኰይኖም እንተ ተረኽቡ፡ ንፍቕሩ ምላሽ ዚህቡ ገለ እሙናት ሰባት ከም ዘለዉ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎ። ብርግጽ ከኣ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣወንታዊ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና ሰባት ብምኽንያት እተን ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ንጹር ምርዳእ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና ዚብሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ብቓላት ጥራይ ኪግለጽ ዘለዎ ስምዒት ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕጻን ንወላዲኡ ዘለዎ ፍቕሪ ብፍሽኽታ ዚገልጾ ንኣምላኽ ምፍቃር እውን ብቓላት እዩ ኺጅምር ዚኽእል። ኣብ ዓበይቲ ግና ፍቕሪ ኻብ ቃላት ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል።

5. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ እዩ ዚገልጽ፧ እዚ መግለጺ እዚ ኺማርኸና ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ንዕኡ ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ይብለና። ስለዚ ንኣምላኽ ምፍቃር ብግብሪ እዩ ኺግለጽ ዘለዎ። ብዙሓት ሰባት ምእዛዝ ኪብሃል ከሎ፡ ኪሓስብዎ ኸለዉ ጥራይ ከቢድ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። እታ ጥቕሲ ግና ቀጺላ፡ “ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ትብለና። (1 ዮሃንስ 5:3) የሆዋ ሕግታቱን ስርዓታቱን ዝሃበና ኺጠቕመና ኢሉ ደኣ እምበር፡ ኪጭቍነና ኢሉ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ቃል ኣምላኽ ናብኡ ንምቕራብ ዚሕግዘና ምሉእ ዘይጕዱል ስርዓታት እዩ ሒዙ ዘሎ። ብኸመይ እዩ ግና ዚሕግዘና፧ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ዚገልጽ ሰለስተ መዳያት ንርአ። እዚ ኸኣ ምስኡ ዘሎና ርክብ፡ ንዕኡ እነቕርቦ ኣምልኾ፡ ከምኡ እውን ንዕኡ ምምሳል ዜጠቓልል እዩ።

ምስ የሆዋ ርክብ ምግባር

6-8. (ሀ) ንየሆዋ ከመይ ጌርና ኢና ኽንሰምዖ እንኽእል፧ (ለ) ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ህያው ታሪኽ ጌርና ኸነብቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ሓደ፡ “ምስ ኣምላኽ ክትዛራረብሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ!” ብዚብል ቃላት እያ እትጅምር። ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ ባህ ዜብል ትምኒት ጥራይ ከም ዘይኰነ ርኢና ኢና። ሙሴ ምስ ኣምላኽ ተዛራሪቡ እዩ። ንሕናኸ ምስኡ ኽንዛራረብ ንኽእልዶ፧ የሆዋ መላእኽቱ ልኢኹ ምስ ደቂ ሰብ ኪዛራረብ ሎሚ ግዜኡ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምሳና ዚራኸበሉ ብሉጽ መገዲ ኣለዎ። ብኸመይ ኢና ግና ክንሰምዖ እንኽእል፧

7 “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ስለ ዝዀነ፡ ንየሆዋ ኽንሰምዖ እንኽእል፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ስለዚ ኸኣ እዩ ሓደ ዘማሪ ንኣገልገልቲ የሆዋ ቓል ኣምላኽ “መዓልትን ለይትን” ኬንብቡ ዘተባበዖም። (መዝሙር 1:1, 2) እዚ ብወገንና ብዙሕ ጻዕሪ ኽንገብር ዚሓትተና እኳ እንተ ዀነ፡ ንጥቕምና እዩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 18 ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰማያዊ ኣቦና እተቐበልናዮ ኽቡር ደብዳበ እዩ። ስለዚ ምንባቡ ኸም ዜሰልኪ ስራሕ ኪዀነና የብሉን። ንቕዱሳት ጽሑፋት ልክዕ ከም ህያው ታሪኽ ጌርና ኸነንብቦ ኣሎና። ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

8 ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ህያው ጌርካ ስኣሎ። ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሮም ዘለዉ ገጸ ባህርያት ከም ህያዋን ሰባት ጌርካ ኽትርእዮም ጻዕሪ ግበር። ኣተዓባብያኦም፡ ኵነታቶም፡ ድራኸታቶም ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን። ቀጺልካ ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ኣየናይ ካብ ባህርያቱ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ ከመይ ዝበለ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ኽምሃር ዚደልየኒ፧ ኣብ ህይወተይከ ብኸመይ እየ ኽዓይየሉ ዝኽእል፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንቓል ኣምላኽ ምስ እተንብቦ፡ ምስ እተስተንትነሉ፡ ኣብ ግብሪ ኸኣ ምስ እተውዕሎ ህያው ኪዀነልካ እዩ።—መዝሙር 77:12፣ ያእቆብ 1:23-25

9. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን እዩ፧ ነዚ “ባርያ” እዚ ጽን ኢልና ኽንሰምዖ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ እውን ይዛረበና እዩ። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያን ሰብኡት መንፈሳዊ ‘ምግቢ ብግዜኡ’ ኺህቡ ተመዚዞም እዮም። (ማቴዎስ 24:45-47) ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዚሕግዘና ጽሑፋት ምስ እነንብብ፡ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ከኣ ምስ እንካፈል በቲ ባርያ እቲ ንምገብ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ባርያ እዚ፡ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ ነቲ፡ “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ” ዚብል ቃላት የሱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ጥበባዊ እዩ። (ሉቃስ 8:18) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ምሳና ንምርኻብ ዚጥቀመሉ መትረብ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ስለ እንህበሉ ድማ፡ ጽን ኢልና ንሰምዖ ኢና።

10-12. (ሀ) ጸሎት ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ ኽቡር ህያብ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ኼሐጕሶ ብዚኽእል ኣገባብ ክንጽሊ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንጸሎትና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን እንኽእልከ ስለምንታይ ኢና፧

10 ምስ ኣምላኽ ርክብ ብዛዕባ ምግባርከ እንታይ ክንብል ምኸኣልና፧ ንየሆዋ ኽንዛረቦ ንኽእል ዲና፧ ንየሆዋ ምዝራብ ኪብሃል ከሎ ኽትሓስቦ ኸለኻ ጥራይ ዜፍርህ እዩ። ነቲ ኣብ ሃገርካ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣመሓዳሪ ብዛዕባ ብሕታዊ ዅነታትካ ቐሪብካ ኸተዛርቦ ኢልካ ምስ እትሓስብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚሰልጠካ፧ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ምፍታንካ ጥራይ እኳ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብግዜ ኣስቴርን ማርዶካይን ሓደ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ናብ ንጉስ ፋርስ እንተ ደኣ ቐሪቡ ብሞት እዩ ዚቕጻዕ ነይሩ። (ኣስቴር 4:10,11) ሕጂ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑል ጐይታ ዩኒቨርስ ምቕራብ እንታይ ማለት ምዃኑ ሕሰብ። እቶም ዝሓየሉ ሰባት እውን ከይተረፈ ምስኡ ኺወዳደሩ ኸለዉ፡ “ከም ጐደበ” እዮም። (ኢሳይያስ 40:22) ስለዚ፡ ናብኡ ምቕራብ ራዕራዕ ኬብለና ይግባእዶ፧ ፈጺሙ ኣይግባእን እዩ።

11 የሆዋ፡ ኵሉ ሰብ ምስኡ ኺዛረበሉ ዚኽእል ቀሊል መገዲ ኸፊቱ እዩ። እዚ ኸኣ ጸሎት እዩ። ንእሽቶ ቘልዓ እውን ከይተረፈ ብስም የሱስ ቀሪቡ ብእምነት ናብ የሆዋ ኺጽሊ ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 14:6፣ እብራውያን 11:6) ካብዚ ሓሊፉ እውን ጸሎት፡ ነቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ናይ ምስጢር ሓሳባትናን ስምዒታትናን፡ እወ ነቲ ብቓላት ክንገልጾ ዜሸግረና ኣዝዩ ዜሳቕየና ስምዒታት እውን ከይተረፈ ኽንገልጸሉ ዜኽእለና መትረብ እዩ። (ሮሜ 8:26) ንየሆዋ ብውሕሉል ኣዘራርባ ወይ ከኣ ቃላት ብዝበዝሖ ተደጋጋሚ ነዊሕ ጸሎት ክትምስጦ ኢልካ ምፍታን ረብሓ የብሉን። (ማቴዎስ 6:7, 8) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንውሓት ጸሎትና ኽሳዕ ክንደይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ወይ መዓስ መዓስ ክንጽሊ ኸም ዘሎና የሆዋ ደረት ኣይገበረሉን። አረ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ብምባል እዩ ዚላበወና።—1 ተሰሎንቄ 5:17

12 የሆዋ ንበይኑ “ሰማዕ ጸሎት” ተባሂሉ ኸም ዘሎ ኣይትረስዕ። ብድንጋጽ ከኣ እዩ ዚሰምዕ። (መዝሙር 65:2) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና ንዅሉ እቲ እሙናት ኣገልገልቱ ዜቕርብዎ ጸሎት ይሰምዖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይሕጐሰሉ እውን እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ምስ ጥዑም ጨና ዘለዎ ዚዓርግ ትኪ ዕጣን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (መዝሙር 141:2፣ ራእይ 5:8፣ 8:4) እቲ ኻብ ልቢ እነቕርቦ ጸሎትና ናብ ሰማይ ዓሪጉ ነቲ ልዑል ጐይታና ኸም ዜሐጕሶ ምፍላጥሲ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ ስለዚ ንየሆዋ ኽትቀርቦ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብትሕትና ጸሊ። ሓንቲ እኳ ኸይሓባእካ ናይ ልብኻ ኣፍስሰሉ። (መዝሙር 62:8) ሻቕሎትካ፡ ሓጐስካ፡ ምስጋናኻ፡ ውዳሰኻ ንሰማያዊ ኣቦኻ ንገሮ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን ዘሎ ርክብ እናደልደለ ይኸይድ።

ንየሆዋ ምምላኽ

13, 14. ንየሆዋ ምምላኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምኡ ምግባር ብቑዕ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

13 ምስ የሆዋ ኣምላኽ እንገብሮ ርክብ፡ ልክዕ ከምቲ ምስ ሓደ ዓርክና ወይ ዘመድና እንገብሮ ምዝርራብ ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን። እዚ ርክብ እዚ ነቲ ብሓቂ ንዕኡ ዚግባእ ክብሪ እንገልጸሉ ኽፍሊ ኣምልኾና እውን እዩ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ናብራ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ እተተሓሓዘ እዩ። እወ፡ ኣምልኾ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸም እነፍቅሮን ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ ኸም እተወፈናን እንገልጸሉ መገዲ እዩ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ዜጠቓልል እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሓደ መልኣኽ፡ “ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ኣምልኽዎ” ኢሉ ኺእውጅ ከሎ ሰሚዕዎ እዩ።—ራእይ 14:7

14 ንየሆዋ ኸነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነቲ ኸም እኒ ቕድስና፡ ሓይሊ፡ ርእሰ ግትኣት፡ ፍትሒ፡ ትብዓት፡ ምሕረት፡ ጥበብ፡ ትሕትና፡ ፍቕሪ፡ ድንጋጽ፡ ተኣማንነት፡ ሕያውነት ዝኣመሰለ እተመያየጥናሉ ባህርያት እሞ ሕስብ ነብሎ። የሆዋ ኣብ ኵሉ እዚ ባህርያት እዚ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ኣብነት ምዃኑ ርኢና ኢና። ንዅሉ ባህርያቱ ኽንርድኦ ምስ እንጽዕር ኣዝዩ ዝለዓለ ኣካል ከም ዝዀነ ኢና እንግንዘብ። ብኽብሩ ይኹን ብልዕልናኡ ኻባና ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። (ኢሳይያስ 55:9) የሆዋ፡ ልዑል ኣመሓዳሪና እዩ፡ ብሓቂ ድማ ኣምልኾ ዚግብኦ ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብኸመይ ኢና ኸነምልኾ ዘሎና፧

15. ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከነምልኾ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧

15 የሱስ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” በለ። (ዮሃንስ 4:24) ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ምእንቲ ኸነምልኾ፡ መንፈሱ ኽንረክብን በቲ መንፈስ እቲ ኽንምራሕን ይግባእ። ብዘይካዚ፡ ኣምልኾና ምስ ሓቂ፡ ማለት ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰማማዕ ኣለዎ። ንየሆዋ ምስ ኣሕዋትና ኣብ እተኣከብናሉ ኣጋጣሚታት “ብመንፈስን ብሓቅን” ንምምላኽ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና። (እብራውያን 10:24, 25) መዝሙር ውዳሰ ኽንዝምረሉ ኸለና፡ ሓቢርና ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና፡ ብዛዕባ ቓሉ ኣብ ዚግበር ምምይያጥ ጽን ኢልና ብምስማዕ ተሳትፎ ኽንገብር ከለና ብጽሩይ ኣምልኾ ፍቕርና ንገልጸሉ ኣሎና ማለት እዩ።

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንየሆዋ እነምልኸሉ ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት እዩ

16. ሓደ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት እተዋህቦም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ትእዛዛት እንታይ እዩ፧ ነዚ ኽንእዘዝ እንድረኽከ ስለምንታይ ኢና፧

16 ንየሆዋ እነምልኸሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ብምንጋር ክንውድሶ ኸለና እዩ። (እብራውያን 13:15) ሓደ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት እተዋህቦም ዝዓበየ ትእዛዝ ብስራት መንግስቲ የሆዋ ምንጋር እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ተሓጒስና ንእዘዞ ኢና። እቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብዛዕባ የሆዋ እተፈላለየ ሓሶት እናዘርግሐ ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣመንቲ ኸም ዘዖሮ’ ኽንሓስብ ከለና፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምክፋእ ንምእራም ንኣምላኽና መሰኻኽሩ ዄንና ኸነገልግልሲ ኣይንህንጠንዶ፧ (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ኢሳይያስ 43:10-12) ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ኸነስተንትን ከለናኸ ንሰባት ብዛዕባኡ ንምንጋር ኣይንብህግንዶ፧ ብሓቂ ድማ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኸምቲ ንሕና እንፈልጦን እነፍቅሮን ገይሮም ካልኦት ኪፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ካብ ምሕጋዞም ንላዕሊ ዚዓቢ መሰል የልቦን።

17. ንየሆዋ ምምላኽ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧ ብንጽህና ኸነምልኾ ዚግብኣናኸ ስለምንታይ ኢና፧

17 ንየሆዋ ምምላኽና ዝያዳ እውን ዜጠቓልል እዩ። ንዅሉ መዳያት ናብራና ኸኣ ዚትንኪ እዩ። (ቈሎሴ 3:23) ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ልዑላዊ ጐይታ ጌርና ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ፡ ንምዝንጋዕ ኣብ እነሕልፎ ግዜ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ ተግባራትና ፍቓዱ ኽንገብር ክንጽዕር ኢና። ንየሆዋ ብንጽህና “ብምሉእ ልቢ” ኸነገልግሎ ኽንደሊ ኢና። (1 ዜና መዋእል 28:9) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ንእተኸፋፈለ ወይ ንኽልተ ዓይነት ልቢ ቦታ ኣይህቦን እዩ። ብሕቡእ ሓጢኣት እናፈጸምካ ንየሆዋ ተገልግሎ ኸም ዘለኻ ብምምሳል እተንጸባርቖ ናይ ግብዝና ተግባር ቦታ የብሉን። ንጽህናን ፍቕርን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግብዝና ይፍንፍኖ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍርሃት እውን ንግብዝና ይዅንኖ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ምስቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ርክብ እዩ ዜተሓሕዞ።—መዝሙር 25:14

ንየሆዋ ምምሳል

18, 19. ዘይፍጹማት ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ተቐባልነት ኪህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፡ ‘ከም ፍቑራት ውሉዳት ብኸመይ ንኣምላኽ ክንመስሎ’ ኸም እንኽእል ብእትገልጽ ምዕራፍ እዩ ዚድምድም። (ኤፌሶን 5:1) ሽሕ እኳ ዘይፍጹማት እንተ ዀንና፡ ነቲ የሆዋ ንሓይሉ፡ ንፍትሑ፡ ንጥበቡ፡ ንፍቕሩ ዚጥቀመሉ ፍጹም ኣገባብ ብሓቂ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክንመስሎ ብሓቂ ዚከኣል ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ትርጉም ስም የሆዋ ዕላማታቱ ንምፍጻም ዝደለዮ ኸም ዚኸውን ዚምህረና ምዃኑ ኣይትረስዕ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽእለት የሆዋ፡ ኪብጻሕ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ፈጺምና ኽንበጽሖ ዘይንኽእል ነገር ድዩ፧ ኣይፋሉን።

19 ብምስሊ ኣምላኽ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 1:26) ስለዚ ኸኣ ሰባት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኻልኦት ፍጥረታት ፍልይ ዝበሉ እዮም። ከምቶም ብባህርያዊ ኽእለት፡ ብስነ ውርሻ፡ ወይ ብጽልዋ ኸባቢኦም ጥራይ ዚድፍኡ ፍጡራት ኣይኰንናን። የሆዋ ሓደ ፍሉይ ውህበት ሂቡና ኣሎ። እዚ ድማ ናይ ምምራጽ ናጽነት እዩ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ዓቕምና ድማ ውሱን እንተ ዀነ፡ እንታይ ክንከውን ከም እንደሊ ኽንመርጽ ናጻ ኢና። ብተወሳኺ፡ ሓደ ኻብቲ ስም ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም፡ ንሱ ንኣምለኽቱ፡ ዝደለዮ ኪዀኑ ኸም ዜኽእሎም ዚሕብር ምዃኑ ኣይንረስዕ። እሞ ደኣ ንሓይሉ ብግቡእ ዚጥቀመሉ ፈቃርን ኣስተውዓልን ፍትሓውን ሰብ ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧ ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ልክዕ ከምኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ! ንየሆዋ እንተ ደኣ መሲልካዮ፡ ብዛዕባ እቲ ኽትፍጽሞ እትኽእል ሰናይ እሞ ሕሰብ።

20. ንየሆዋ እንተ ደኣ መሲልናዮ፡ እንታይ ሰናይ ነገራት ኢና እንፍጽም፧

20 ንየሆዋ እንተ ደኣ መሲልካዮ፡ ንልቢ ሰማያዊ ኣቦኻ ኸተሐጕሶ ኢኻ። (ምሳሌ 27:11) የሆዋ ዓቕምኻ ስለ ዚርድኦ፡ “ብዅሉ” እውን ከይተረፈ ‘ኸተሐጕሶ’ ትኽእል ኢኻ። (ቈሎሴ 1:9, 10) ወትሩ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ ብምምሳል ነቲ ሰናይ ባህርያቱ ተማዕብል እንተ ደኣ ዄንካ፡ ዓብዪ መሰል ኢኻ እትረክብ። ኣብዛ ኻብ ኣምላኽ ርሒቓ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት እትርከብ ዘላ ዓለም፡ ጸዋሪ ብርሃን ክትከውን ኢኻ። (ማቴዎስ 5:1, 2, 14) ነቲ ኽብሪ ዝመልኦ ባህርያት የሆዋ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኣብ ምንጽብራቕ እጃምካ ኸተበርክት ኢኻ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ!

‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ’

ወትሩ ናብ የሆዋ እናቐረብካ ኺድ

21, 22. ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ከመይ ዝበለ መወዳእታ ዘይብሉ ጕዕዞ እዩ ዘለዎም፧

21 እቲ ኣብ ያእቆብ 4:8 ዘሎ ቐሊል መተባብዒ ኺብጻሕ ዘለዎ ሸቶ ጥራይ ኣይኰነን። ልክዕ ከም ሓደ ጕዕዞ እዩ። ንሕና እሙናት ክሳዕ ዝዀንና እዚ ጕዕዞ እዚ ፈጺሙ ኣየብቅዕን እዩ። ናብ የሆዋ እናቐረብና ምኻድና ዜቋርጽ ነገር ኣይኰነን። ወትሩ ብዛዕባኡ ብዙሕ እንምሃሮ ነገራት ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ የሆዋ ምንም ከየትረፈት ምሉእ ብምሉእ ምሂራትና እያ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽና ዝገልጾ ነገራት ሒደት ጥራይ ኢና ተመያይጥናሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ እኳ ብዛዕባ የሆዋ ዘይተዛረበሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቲ የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝገበሮ ነገራት ሓንቲ ብሓንቲ ተጻሒፉ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ “ነቲ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጻሕፍቲ፡ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ” በለ። (ዮሃንስ 21:25) ብዛዕባ እቲ ወዲ ኸምዚ ኺብሃል ካብ ተኻእለ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቦ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኽንብል ዘይንኽእል!

22 ዘለኣለማዊ ህይወት እናነበርና እውን ከይተረፈ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምምሃር ኣይከነቋርጽን ኢና። (መክብብ 3:11) ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሜና ተዘርጊሑልና ዘሎ መጻኢ እሞ ሕስብ ነብል። ኣማእታት፡ ኣሽሓት፡ ሚልዮናት፡ አረ ቢልዮናት ዓመታት እውን ከይተረፈ ምስ ነበርና፡ ብዛዕባ የሆዋ ኻብቲ ሕጂ እንፈልጦ ዘሎና ነገራት ዝያዳ እናፈለጥና ኽንከይድ ኢና። ይኹን እምበር፡ ገና ኽንፈልጦ ዘሎና ሓያሎ ነገራት ከም ዘሎ እውን እናተገንዘብና ኽንከይድ ኢና። ልክዕ ከምቲ “ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” ብምባል ዝዘመረ ዘማሪ እተሰምዖ ምእንቲ ኺስምዓና ወትሩ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዚህልወና ብዙሕ ንምፍላጥ ክንህንጠ ኢና። (መዝሙር 73:28) ዘለኣለማዊ ህይወት ካብቲ ኽንግምቶ እንኽእል ንላዕሊ ምሉእ ትርጉምን እተፈላለየ መቐረትን ዘለዎ ውህበት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕጕስ ዚገብሮ ኸኣ ወትሩ ናብ የሆዋ እናቐረብና ስለ እንነብር እዩ።

23. እንታይ ንምግባር ኢኻ ተተባቢዕካ ዘለኻ፧

23 ስለዚ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ብምፍቃር ንፍቕሩ ምላሽ ሃበሉ። (ማርቆስ 12:29, 30) ኣብ ፍቕርኻ ጽናዕ ደኣ እምበር ኣይተቋርጽ። ካብቲ ዝነኣሰ ኽሳዕ እቲ ዝዓበየ ኣብ መመዓልቲ እትገብሮ ዅሉ ምርጫኻ ኸኣ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ዜንጸባርቕ ይኹን። እወ፡ ወትሩ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ጽኑዕ ርክብ ንምምስራት ዚመርሓካ መገዲ ጥራይ ምረጽ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንዘለኣለም ናብ የሆዋ እናቐረብካ ኽትከይድ፡ ንሱ እውን ናባኻ እናቐረበ ኺመጽእ ንምነየልካ።