ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ምኽንያት

የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ምኽንያት

ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ሓደ ፍልይ ዝበለ ቘልዓ ተወልደ። እዚ ቘልዓ እዚ ዓበየ እሞ ኽሳዕ ሕጂ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝዓበየ ዀነ። ኣብቲ እዋን እቲ ነፈርቲ ይኹና ማካይን ኣይነበራን። ከም ተለቪዥን: ኮምፕዩተር: ኢንተርነት ዝኣመሰለ ነገራት እውን ኣይነበረን።

እቲ ቘልዓ እቲ: የሱስ ዚብል ስም ተዋህቦ። ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝበለጸ ጥበበኛ ዀነ። የሱስ ዝበለጸ መምህር እውን ኰይኑ እዩ። ንኸቢድ ነገራት ኪርድኣካ ብዚኽእል ቀሊል መገዲ ገይሩ ይገልጾ ነበረ።

የሱስ ንሰባት ኣብ ዝረኸቦም ዘበለ ቦታ ይምህሮም ነበረ። ኣብ ገማግም ባሕርን ኣብ ጀላቡን ምሂሩ እዩ። ኣብ ኣባይቶምን ኣብ መገዲ ኺጐዓዙ ኸለዉን ምሂሩ እዩ። ማኪና ኣይነበሮን: ብኣውቶቡስ ወይ ብባቡር እውን ኣይኰነን ዚኸይድ ነይሩ። እናመሃረ ብእግሩ እዩ ኻብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዚጐዓዝ ነይሩ።

ካብ ሰባት ብዙሕ ነገራት ንመሃር ኢና። ካብቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ግን ካብ ኵሉ ዝበለጸ ነገራት ኢና ኽንመሃር እንኽእል። እቲ ንሱ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንረኽቦ። ነዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንሰምዖ ኸለና: ልክዕ የሱስ ይዛረበና ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና።

የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነ ግን ከመይ ገይሩ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ንሱ እውን ንባዕሉ ስለ እተማህረ እዩ። ጽን ኢልካ ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ንመን እዩ ጽን ኢሉ ዚሰምዖ ነይሩ፧ መን እዩ ምሂርዎ፧⁠— ኣቦኡ እዩ። ኣቦኡ ኸኣ ኣምላኽ እዩ።

የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ ዚነብር ነይሩ። ስለዚ እምበኣር: የሱስ ካብ ካልእ ሰብ እተፈልየ ዝዀነሉ ምኽንያት: ብጀካኡ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምውላዱ ኣብ ሰማይ ዚነብር ዝነበረ ማንም ሰብ ስለ ዘየለ እዩ። የሱስ ኣብ ሰማይ እውን ነቦኡ ጽን ኢሉ ዚሰምዕ ንፉዕ ወዲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተማህሮ ንሰባት ኪምህር ይኽእል ነበረ። ንስኻውን ነቦኻን ነዴኻን ጽን ኢልካ ብምስማዕ ንየሱስ ክትቀድሖ ትኽእል ኢኻ።

የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት ድማ ንሰባት ይፈቱ ስለ ዝነበረ እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ኺሕግዞም ይደሊ ነበረ። የሱስ ዓበይቲ ጥራይ ዘይኰነስ ቈልዑ እውን ይፈቱ ነይሩ እዩ። ንቘልዑ ይዛረቦምን ይሰምዖምን ስለ ዝነበረ: ምስኡ ኪዀኑ ባህ እዩ ዚብሎም ነይሩ።

ቈልዑ ምስ የሱስ ኪዀኑ ባህ ዚብሎም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መዓልቲ ገለ ወለዲ ንደቆም ናብ የሱስ ኣምጽእዎም። ኣዕሩኹ ግን ምስ ቈልዑ ኺዛረብ ግዜ የብሉን ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: ነቶም ወለዲ: ደቆም ሒዞም ኪምለሱ ነገርዎም። የሱስ ግን እንታይ በለ፧⁠— “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ” በሎም። እወ: ቈልዑ ናብኡ ኺመጹ ይደሊ ነበረ። ስለዚ: ኣዝዩ ጥበበኛን ዓብዪን ሰብ እኳ እንተ ነበረ: ንቘልዑ ግዜ መዲቡ ይምህሮም ነበረ።​—⁠ማርቆስ 10:13, 14

የሱስ ንቘልዑ ስለምንታይ ይምህሮምን ይሰምዖምን ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣምላኽ ብምንጋር ኬሐጕሶም ይደሊ ስለ ዝነበረ እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰባት ከተሐጕሶም እትኽእል፧⁠— ብዛዕባ ኣምላኽ እተመሃርካዮ ነገራት ብምንጋር እዩ።

ሓደ መዓልቲ የሱስ ብሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ገይሩ ነዕሩኹ ጠቓሚ ትምህርቲ መሃሮም። ነቲ ቘልዓ ወሲዱ ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ደው ኣበሎ። ድሕርዚ: ነቶም ዓበይቲ ጠባዮም ቀይሮም ከምቲ ንእሽቶ ቘልዓ ኪዀኑ ነገሮም።

ዝጐበዙ ቘልዑን ዓበይትን ካብ ንኣሽቱ ቘልዑ እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዚኽእሉ፧

የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ሓደ ዓብዪ ሰብ: ወይ ድማ ሓደ ዝጐበዘ ቘልዓ: ከመይ ገይሩ ኸም ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኪኸውን ከም ዚኽእል ትፈልጥዶ፧⁠— ንእሽቶ ቘልዓ ኽንዲ እቲ ናይ ዓብዪ ሰብ ፍልጠት የብሉን: ንኺመሃር ከኣ ፍቓደኛ እዩ። ስለዚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ንኣሽቱ ቘልዑ ትሑታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እዩ ዚነግሮም ነይሩ። እወ: ኵላትና ኻብ ካልኦት ሰባት ብዙሕ ነገራት ክንመሃር ንኽእል ኢና። ትምህርትታት የሱስ ካብቲ ናትና ሓሳባት ከም ዚበልጽ እውን ክንግንዘብ ይግብኣና።​—⁠ማቴዎስ 18:1-5

የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ንሰባት ኪምህር ከሎ: ከም ዚስሕቦም ገይሩ ብኸመይ ኬቕርበሎም ከም ዚኽእል ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ብቕልል ዝበለ መገዲ ኣነጺሩ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ንኼረድኦም ኢሉ: ብዛዕባ ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ካልእ ተራ ዝዀነ ነገራትን ይዛረብ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ የሱስ ኣብ ጥቓ ሓደ ኸረን ወይ ዓብዪ ጎቦ ኸሎ ብዙሓት ሰባት ናብኡ መጹ። ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ድማ ኮፍ ኢሉ ዝርርብ ኪህቦም ጀመረ። ‘ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ኣይዘርኣን እየን። ኣብ ማዕከንውን እኽሊ ኣይእክባን እየን። እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣምላኽ እዩ ዚምግበን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧’ በሎም።

የሱስ ብዛዕባ ኣዕዋፍን ዕምባባታትን ኪዛረብ ከሎ እንታይ እዩ ዚምህር ነይሩ፧

የሱስ ቀጺሉ ኸምዚ በሎም:- ‘ንዕምባባታት መሮር ተመልከቱ። ከይሰርሑ እዮም ዚዓብዩ። ክሳዕ ክንደይ ጽቡቓት ምዃኖም እሞ ርኣዩ! ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኻብ ናይ ዕምባባታት ዚጽብቕ ክዳን ኣይተኸድነን። ስለዚ: ኣምላኽ ንዕምባባታት ክሳዕ ክንድዚ ዚግደሰሎም ካብ ኰነ ንዓኻትኩምከ ኣይግደሰልኩምንዶ፧’​—⁠ማቴዎስ 6:25-33

ነቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ተረዲእካዮዶ፧⁠— እንበልዖ ምግቢ ወይ እንኽደኖ ኽዳን ካበይ ኢና እንረክብ ኢልና ኽንጭነቕ ኣይደለየን። ኣምላኽ: እዚ ዅሉ ነገራት እዚ ኸም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። የሱስ ምግቢ ወይ ክዳን ንኽትረኽቡ ኢልኩም ኣይትስርሑ ኣይበለናን። እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ከነቐድም እዩ ነጊሩና። ንኣምላኽ እንተደኣ ኣቐዲምና ኸኣ: ኣምላኽ እንበልዖ ምግብን እንኽደኖ ኽዳንን ከም እንረክብ ይገብር። ነዝስ ትኣምነሉዶ፧⁠—

የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ: እቶም ሰባት እንታይ ኢሎም ሓሲቦም ይመስለካ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ብኣመሃህራኡ ኸም እተገረሙ ይነግረና። ንኽትሰምዖ ኣጸቢቑ ዚስሕብ እዩ ነይሩ። ዘረባኡ ንሰባት ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብሩ ደሪኽዎም እዩ።​—⁠ማቴዎስ 7:28

ስለዚ: ካብ የሱስ ክንምሃር ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ከመይ ጌርና ኻብኡ ኽንመሃር ከም እንኽእልሲ ትፈልጥዶ፧⁠— እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጻሒፉልና ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዚ ኺበሃል ከሎ እምበኣር: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ነገራት ብምቕላብ ንየሱስ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና ማለት እዩ። አረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ: ኣምላኽ ባዕሉ እኳ ኸመይ ገይሩ ‘ንየሱስ ስምዕዎ’ ኸም ዝበለና ዚገልጽ ዚምስጥ ዛንታ ንረክብ ኢና። እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

ሓደ መዓልቲ የሱስ ንሰለስተ ኣዕሩኹ ሒዙ ናብ ሓደ ኸረን ደየበ። ንሳቶም ከኣ ያእቆብ: ዮሃንስ: ጴጥሮስ ይበሃሉ። ሰለስቲኦም ምስ የሱስ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮም ኣዕሩኹ ስለ ዝነበሩ: ጸኒሕና ብዛዕባኦም ብዙሕ ነገራት ክንመሃር ኢና። ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ግን ገጽ የሱስ ደሚቑ ኺበርህ ጀመረ። ክዳውንቱ እውን ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ እትርእዮ ዘለኻ: ከም ብርሃን ጻዕደወ።

“ወደይ: . . . እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ”

ድሕሪዚ: የሱስን ኣዕሩኹን ካብ ሰማይ ድምጺ ሰምዑ። እቲ ድምጺ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ: ንእኡ ስምዕዎ” ዚብል እዩ። (ማቴዎስ 17:1-5) ናይ መን ድምጺ ኸም ዝነበረስ ትፈልጥዶ፧⁠— ናይ ኣምላኽ ድምጺ እዩ ነይሩ! እወ: ንወዱ ኺሰምዕዎ ዝነገሮም ኣምላኽ እዩ።

ንሕናኸ ንኣምላኽ ንእዘዞ: ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ ወዱ ኸኣ ንሰምዖ ዲና፧⁠— እዚ ንዅላትና ዚምልከት ነገር እዩ። ከመይ ጌርና ኸምዚ ኽንገብር ከም እንኽእል እተመሃርናዮ ትምህርቲ ትዝክሮዶ፧⁠—

እወ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ዘሎ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ታሪኽ ብምንባብ ንወዲ ኣምላኽ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። እቲ ዓብዪ መምህር ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ነገራት ክትመሃር ከለኻ ባህ ኪብለካ እዩ። ነቲ እተመሃርካዮ ነዕሩኽትኻ እንተደኣ ነጊርካዮም ከኣ ሓጐስ ኬምጽኣልካ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ብምስማዕ ኪርከብ ዚኽእል ተወሳኺ ሰናይ ነገራት ዚገልጽ ጽቡቕ ሓሳባት ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጽል እሞ ዮሃንስ 3:16፣ 8:28-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:12 ኣንብብ።