ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 2

ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ

ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ

ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ኢኻ እትፈቱ፧⁠— ገሊኦም ቈልዑ ብዛዕባ እንስሳታት ዚዛረብ መጽሓፍ ይመርጹ። ገሊኦም ከኣ ብዙሕ ስእልታት ዘለዎ መጽሓፍ ይመርጹ። ከምዚ ዓይነት መጻሕፍቲ ምንባብ ባህ ዜብል እዩ።

ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ መጻሕፍቲ እቲ ዝበለጸ: ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ዚነግረና መጻሕፍቲ እዩ። ሓደ ኻብዚ መጻሕፍቲ ድማ ዝያዳ ኽብሪ ኣለዎ። ነቲ መጽሓፍ እቲ ትፈልጦዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧⁠— ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ስለ ዝዀነ እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዝገበረልና ሰናይ ነገራትን ይነግረና። ንኸነሐጕሶ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እውን ይነግረና እዩ። ልክዕ ከም ሓደ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ እዩ።

ኣምላኽ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰማይ ጽሒፉ ንሰብ ኪህቦ ይኽእል ነይሩ። ከምኡ ግን ኣይገበረን። እቲ ሓሳባት ናቱ እኳ እንተዀነ: ንመብዛሕትኡ በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ገይሩ እዩ ጽሒፍዎ።

ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ እዩ ገይርዎ፧⁠— እዚ ንኺርድኣካ: ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ። ኣብ ረድዮ ድምጺ ናይ ሓደ ሰብ ክንሰምዕ ከለና: እቲ ድምጺ ኻብ ሓደ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ሰብ ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ተለቪዥን ክንርኢ ኸለና: ኣብ ካልእ ሃገራት ናይ ዘለዉ ሰባት ስእሊ ኸይተረፈ ኽንርኢ ንኽእል ኢና: ዘረባኦም እውን ክንሰምዖ ንኽእል ኢና።

ደቅሰብ ብመንኰርኰር ገይሮም ክሳዕ ወርሒ ኸይተረፈ ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም: ኣብኡ ዀይኖም ከኣ ናብ ምድሪ መልእኽቲ ይልእኹ። ከምዚ ኸም ዚገብሩስ ትፈልጥዶ፧⁠— ሰባት ከምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉ ኻብ ኰኑ ኣምላኽከ ካብ ሰማይ መልእኽቲ ኺልእኽ ይኽእልዶ፧⁠— ብርግጽ ይኽእል እዩ! ነዚ ድማ ካብቲ ደቅሰብ ረድዮ ይኹን ተለቪዥን ዝመሃዙሉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ገይርዎ።

ኣምላኽ ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ስፍራ ኺዛረበና ኸም ዚኽእል ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ሙሴ: ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዝሰምዐ ሰብኣይ እዩ። ንኣምላኽ ኪርእዮ እኳ እንተ ዘይከኣለ: ድምጹ ኺሰምዕ ግን ክኢሉ እዩ። እዚ ኺፍጸም ከሎ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብኡ ነይሮም እዮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣምላኽ ብምሉኡ እቲ ኸረን ከም ዜንቀጥቅጥ ገበረ: ነጐዳን በርቅን ድማ ነይሩ እዩ። እቶም ሰባት ኣምላኽ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ: ብፍርሂ ተዋሒጦም እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ ንሙሴ “ኣምላኽ ግና: ምእንቲ ኸይንመውት: ኣይዛረበና” በልዎ። ጸኒሑ ኸኣ ሙሴ ነቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ነገራት ጸሓፎ። እቲ ሙሴ ዝጸሓፎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረኽቦ ኢና።​—⁠ዘጸኣት 20:18-21

ሙሴ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ቐዳሞት ሓሙሽተ መጽሓፍ ጸሓፈ። ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብ40 ዝዀኑ ሰባት ገይሩ እዩ ጽሒፍዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ቀደም ዚነብሩ ዝነበሩ እዮም: መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንኺውዳእ ከኣ ብዙሕ ዓመታት እዩ ወሲዱ። እወ: 1,600 ዓመት ኣቢሉ እዩ ወሲዱ! ገለ ኻብዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ንሓድሕዶም ዘይፋለጡ እኳ እንተዀኑ: ኵሉ እቲ ዝጸሓፍዎ ግን ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ እዩ።

እዞም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መነመን ይበሃሉ፧

ገለ ኻብዞም መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጽሕፉ ኣምላኽ እተጠቕመሎም ሰባት: ስሙያት እዮም ነይሮም። ሙሴ ሽሕኳ ጓሳ እንተ ነበረ: መራሒ ህዝቢ እስራኤል ኰይኑ እዩ። ሰሎሞን ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ዝለዓለ ጥበብን ሃብትን ዝነበሮ ሰብ እዩ። ካልኦት ጸሓፍቲ ግን ክሳዕ ክንድቲ ውሩያት ኣይነበሩን። ኣሞጽ ዳዕሮ ንዚበሃል ዓይነት ኣግራብ እዩ ዚከናኸን ነይሩ።

ብተወሳኺ: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓኪም እዩ ነይሩ። ስሙ ትፈልጦዶ፧⁠— ሉቃስ ይበሃል። ካልእ ጸሓፊ ድማ ተጋዊ ወይ ቀረጽ ዜኽፍል ነበረ። ማቴዎስ ከኣ ይበሃል። ሓደ ኻልእ እውን ብናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ሕጊ እተማህረ ኽኢላ ሕጊ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ካብ ናይ ካልኦት ዚበዝሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ጸሓፈ። ስሙኸ ትፈልጦዶ፧⁠— ጳውሎስ ይበሃል። ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድማ ዝነበሩ: ጴጥሮስን ዮሃንስን ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም።

መብዛሕትኦም ካብዞም ጸሓፍቲ እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዚመጽእ ዚገብሮ ነገራት ጽሒፎም እዮም። እዚ ነገራት እዚ ኸይተፈጸመ ኸሎ ኣቐዲሞም ኪፈልጥዎ ዝኸኣሉ ኸመይ ገይሮም እዮም፧⁠— ኣምላኽ ሓበሬታ ስለ ዝሃቦም እዩ። እንታይ ኪፍጸም ምዃኑ ነጊርዎም ነይሩ እዩ።

የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር: ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ተጻሒፉ ነይሩ እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ሰማይ ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረ ይፈልጥ እዩ። እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና መጽሓፍ ምዃኑ ይኣምነሉዶ ነይሩ፧⁠— እወ: ይኣምነሉ ነይሩ እዩ።

የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ኪዛረቦም ከሎ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበሎም ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ዘኪሩ ይነግሮም ነበረ። ብተወሳኺ የሱስ ካብ ኣምላኽ ብዙሕ ሓበሬታ ኣምጺኡልና እዩ። ባዕሉ እኳ “ካብኡ [ካብ ኣምላኽ] ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 8:26) ምስ ኣምላኽ ይነብር ስለ ዝነበረ ኻብ ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ሰሚዑ እዩ። እቲ የሱስ ዝበሎ ነገራትከ ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧⁠— ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኵሉ እቲ ዝበሎ ምእንቲ ኸነንብቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉልና ኣሎ።

ኣምላኽ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ ኺጥቀመሎም ከሎ: እቶም ሰባት በቲ መዓልታዊ ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ቛንቋ ኸም ዝጸሓፍዎ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ: መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእ​ብራይስጢ: ገሊኡ ኸኣ ብኣረማይስጢ: ብርክት ዝበለ ኸኣ ብግሪኽ እዩ ተጻሒፉ። መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ቛንቋታት እዚ ኼንብብዎ ስለ ዘይክእሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ቋንቋታት ተተርጐመ። ሎሚ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብልዕሊ 2,260 ቋንቋታት ኪንበብ ይከኣል እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ምሉእ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት እተላእከ ናይ ኣምላኽ ደብዳበ እዩ። ይኹን እምበር: ክንደይ ግዜ ኸም እተቐድሐ ብዘየገድስ እቲ መልእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ እዩ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ንዓና ኣገዳሲ እዩ። ነዊሕ ዓመታት ይገብር እኳ እንተ ተጻሕፈ: ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ይነግረና እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር እውን ይነግረና እዩ። ኣዝዩ ዚምስጥ እዩ! ዜደንቕ ተስፋ ኸኣ ዚህብ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እንታይ ኢኻ ኽትመሃር እትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ብኸመይ ክንነብር ከም ዚደልየና እውን ይነግረና እዩ። ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ይነግረና እዩ። ኣነን ንስኻን ነዚ ኽንፈልጦ ኼድልየና እዩ። ብዛዕባ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ሰባትን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ይነግረና እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ንዓታቶም ዘጋጠሞም ጸገማት ንኽንርሕቕ ይሕግዘና። ብዛዕባ እቶም ቅኑዕ ዝገበሩ ሰባትን ዝረኸብዎ ሰናይ ፍረን እውን ይነግረና እዩ። ኵሉ እዚ ንጥቕምና እዩ ተጻሒፉ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንተደኣ ዄንና ግን: መልሲ ናይ ሓንቲ ሕቶ ኽንፈልጥ ኬደልየና እዩ። እታ ሕቶ እቲኣ ኸኣ: ‘መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ ሂቡና፧’ እትብል እያ። ንስኻ መን እዩ ምበልካ፧⁠— እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ኣምላኽ እዩ ሂቡና። ብሓቂ ለባማት ምዃንና ደኣ እሞ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧⁠— ንኣምላኽ ጽን ኢልና ብምስማዕን ነቲ ዝበሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ።

ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢርና ንምንባብ ግዜ ኽንምድብ ኬድልየና እዩ። ካብ ሓደ ኣጸቢቕና እንፈትዎ ሰብ ደብዳበ ምስ እንቕበል: ደጋጊምና ኢና እነንብቦ። እቲ ደብዳበ ንዓና ኽቡር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ካብቲ ኣዝዩ ዜፍቅረና ኣምላኽ እተላእከ ደብዳበ ስለ ዝዀነ: ከምኡ ጌርና ኢና ኽንርእዮ ዘሎና።

ሕጂ ኸኣ ሒደት ደቓይቕ ወሲድና: ነዘን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ንጥቕምና እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብራ ቐጺለን ዘለዋ ጥቕስታት ነንብብ:- ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ ከምኡውን 2 ጴጥሮስ 1:20, 21