ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ

እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ

ንዅሉ ህያው ነገራት ዝፈጠረ መን እዩ፧

ሓደ ዝፈልጦ ዜደነቕ ነገር ክነግረካ። ክትሰምዖ ትደሊዶ፧⁠— ኣብ ኢድካ እሞ ጠምት። ኣጻብዕኻ ዕጽፍ ኣብል። ቀጺልካ ኸኣ ሓደ ነገር ኣልዕል። ኢድካ ጽቡቕ ገይሩ ብዙሕ ነገር ኪገብር ይኽእል እዩ። ነእዳውካ መን ከም ዝፈጠሮ ትፈልጥዶ፧⁠—

እወ: እቲ ንኣፍና: ኣፍንጫና: ኣዒንትና ዝፈጠረ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣምላኽ: ኣቦ እቲ ዓብዪ መምህር እዩ። ኣምላኽ ኣዒንቲ ስለ ዝሃበናስ ኣየሐጕሰናንዶ፧⁠— በዒንትና ብዙሕ ነገራት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ዕምባባታት: ልሙዕ ሳዕሪ: ብሩህ ሰማይ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምዘን ኣብ ስእሊ እትርእየን ዘለኻ ዚበልዓ ዘለዋ ኣዕዋፍ እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክንርኢ ምኽኣልናስ ዜደንቕዶ ኣይኰነን፧⁠—

ነዚ ዅሉ ነገራት ዝፈጠሮ ግን መን እዩ፧ ሰብዶ ዀን ይኸውን፧ ኣይኰነን። ሰባት ገዛ ኺሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዚበቍል ሳዕሪ ኺፈጥር ዚኽእል ሰብ ግን የለን። ሰባት ጫቚት: ዕምባባ: ወይ ካልእ ህይወት ዘለዎ ነገራት ኪፈጥሩ ኣይክእሉን እዮም። ከም ዘይክእሉ ትፈልጥዶ ኔርካ፧⁠—

እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ: ሰማይን ምድርን ፈጢሩ እዩ። ሰባት እውን ፈጢሩ እዩ። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንሱ እዩ ፈጢርዎም። የሱስ: እቲ ዓብዪ መምህር: ነዚ ምሂሩ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 19:4-6

ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝፈጠረ የሱስ ከመይ ገይሩ እዩ ፈሊጡ፧ ክፈጥሮም ከሎ የሱስ ርእይዎ ድዩ፧⁠— እወ: ርእይዎ እዩ። ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥር ከሎ: የሱስ ምስ ኣምላኽ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ ቅድሚኦም እዩ ፈጢርዎ። የሱስ መልኣኽ እዩ ነይሩ: ምስ ኣቦኡ ድማ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ “ሰብ ንግበር” ከም ዝበለ ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:26) ኣምላኽ ንመን ይዛረቦ ኸም ዝነበረስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንወዱ እዩ ዚዛረቦ ነይሩ። እወ: ነቲ ዳሕራይ ኣብ ምድሪ መጺኡ የሱስ እተባህለ ወዱ እዩ ዚዛረቦ ነይሩ።

እዝስ ኣዝዩ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ንየሱስ ምስማዕ ማለት እኮ ነቲ ኣምላኽ ንምድርን ንኻልእ ነገራትን ኪፈጥር ከሎ: ምስ ኣምላኽ ዝነበረ መልኣኽ ምስማዕ ማለት እዩ። የሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኺሰርሕ ከሎ: ብዙሕ ነገራት ተማሂሩ እዩ። ስለዚ እምበኣር: የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር እንተ ተባህለ ኣየገርምን እዩ።

ኣምላኽ ንወዱ ቕድሚ ምፍጣሩ ንበይኑ ስለ ዝነበረስ ይጽምዎዶ ነይሩ ይኸውን፧⁠— ኣይፋሉን: ጽምዋ ዚበሃል ኣይስምዖን እዩ ነይሩ። ዘይጽምዎ እንተደኣ ነይሩ ዀይኑ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ ኻልእ ህይወት ዘለዎ ነገራት ፈጢሩ፧⁠— እዚ ዝገበረ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ካልኦት እውን ብህይወት ኪነብሩን ኪሕጐሱን ስለ ዝደለዮም እዩ። ኣምላኽ ህይወት ስለ ዝሃበና ኸነመስግኖ ይግብኣና።

ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ፍቕሩ እዩ ዚገልጸልና። ኣምላኽ ጸሓይ ፈጢሩ እዩ። ጸሓይ ብርሃንን ሙቐትን ትህበና እያ። ጸሓይ እንተ ዘይትህሉ ነይራ: ኵሉ ነገራት ዝሑል ምዀነ: ህይወት ዚበሃል ከኣ ኣብ ምድሪ ኣይምሃለወን። ኣምላኽ ንጸሓይ ስለ ዝፈጠረስ ኣየሐጕስንዶ፧⁠—

ኣምላኽ ማይ ከም ዚወቅዕ እውን ገይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ማይ ኪወቅዕ ከሎ ደገ ወጺእካ ኽትጻወት ስለ ዘይትኽእል ደስ ኣይብለካን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ማይ ዕምባባታት ከም ዚበቍል ይገብር። ስለዚ: ጽቡቕ ዕምባባታት ክንርኢ ኸለና ንመን ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና፧⁠— ንኣምላኽ። ምቁር ፍረታትን ኣሕምልትን ክንምገብ ከለና ንመን ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና፧⁠— ከም ዚበቍል ዝገበሮ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ጸሓይን ማይን ስለ ዝዀነ ንኣምላኽ ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና።

ምናልባት ሓደ ሰብ ‘ንሰብን ንእንስሳታትን እውን ኣምላኽ ድዩ ፈጢርዎም፧’ ኢሉ እንተ ዚሓተካ እንታይ ምበልካ፧⁠— “እወ: ኣምላኽ ንሰብን ንእንስሳታትን ፈጢሩ እዩ” ኢልካ መልሲ ምሃብ ልክዕ እዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንሰባት ከም ዝፈጠሮም ዘይኣምን እንተደኣ ዀይኑኸ፧ ሰብ ካብ እንስሳ እዩ መጺኡ እንተ ዚብልከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡ ኢሉ ኣይምህረናን እዩ። ንዅሉ ህይወት ዘለዎ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚነግረና።​—⁠ዘፍጥረት 1:26-31

ገዛ ሰራሒ ኻብ ሃለዎ: ዕምባባታት: ኣግራብ: እንስሳታት ዝፈጠረ ደኣ መን እዩ፧

ይኹን እምበር: ሓደ ኻልእ ሰብ ብኣምላኽ ኣይኣምንን እየ እንተ ዚብለካኸ፧ ንስኻ እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ፧⁠— ንምንታይ ናብ ሓንቲ ገዛ ዘይትሕብሮ፧ “ነዛ ገዛ እዚኣ መን እዩ ሰሪሕዋ፧” ኢልካ ሕተቶ። ሰራሒ ኸም ዘለዋ ዅሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ። እታ ገዛ ባዕላ ኸም ዘይተሰርሐት ፍሉጥ እዩ።​—⁠እብራውያን 3:4

ቀጺልካ ነቲ ሰብ ናብ ኣታኽልቲ ውሰዶ እሞ ዕምባባ ኣርእዮ። “ነዛ ዕምባባ እዚኣ መን እዩ ፈጢርዋ፧” በሎ። ሰብ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ እዛ ገዛ እዚኣ ባዕላ ዘይተሰርሐት: እዛ ዕምባባ እዚኣ እውን ባዕላ ኣይተሰርሐትን። ዝፈጠራ ኺህሉ ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣምላኽ እዩ።

እንደገና ድማ ነቲ ሰብ ሓንቲ ዑፍ ጭቝ እናበለት ክትዝምር ከላ ኺሰምዕ ንገሮ። “ነዕዋፍ ዝፈጠረን መዝሙር ድማ ዝመሃረን መን እዩ፧” ኢልካ ኸኣ ሕተቶ። ኣምላኽ እዩ። ሰማይን ምድርን ንዅሉ ህያው ፍጥረታትን ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ! ህይወት ዚህብ ከኣ ንሱ እዩ።

መሊሱ ግን: ‘ብዓይነይ ክርእዮ ዝኽእል ጥራይ እየ ዝኣምን’ ይብል ይኸውን። ‘ክርእዮ ንዘይክእል ነገር: ክኣምኖ ኣይክእልን እየ:’ ይብለካ ይኸውን። ስለዚ ድማ ገሊኦም ሰባት: ‘ንኣምላኽ ክንርእዮ ስለ ዘይንኽእል ከም ዘሎ ኣይንኣምንን ኢና’ ይብሉ።

ንኣምላኽ ክንርእዮ ኸም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንኣምላኽ ኪርእዮ ዚኽእል ሰብ የለን’ ይብለና። ኣብ ምድሪ ንኣምላኽ ኪርእዮ ዚኽእል ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ወይ ቈልዓ የለን። ስለዚ: ዋላ ሓደ ሰብ ስእሊ ወይ ምስሊ ኣምላኽ ኪገብር ኢሉ ኺፍትን የብሉን። ኣምላኽ ባዕሉ እኳ ናቱ ምስሊ ኸይንገብር ነጊሩና እዩ። ስለዚ: ከምኡ ዝኣመሰለ ምስሊ ኣብ ገዛና ኽንሰቅል ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን እዩ።​—⁠ዘጸኣት 20:4, 5፣ 33:20፣ ዮሃንስ 1:18

ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ክትርእዮ ዘይትኽእል እንተደኣ ዄንካ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ብሓቂ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኽትኣምን እትኽእል፧ ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ። ንንፋስ ክትርእዮ ትኽእልዶ፧⁠— ኣይትኽእልን ኢኻ። ንንፋስ ዋላ ሓደ ሰብ ኪርእዮ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ንፋስ ዚገብሮ ነገራት ግን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንፋስ ንጨናፍር ገረብ ምስ ኣወዛወዞ ኣቝጽልቲ ኺንቀሳቐስ ከሎ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። በዚ ድማ ንፋስ ከም ዘሎ ትኣምን።

ንፋስ ከም ዘሎ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧

ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገራት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ህያው ዕምባባ ወይ ዑፍ ክትርኢ ኸለኻ: ኣምላኽ ዝፈጠሮ ነገር ኢኻ እትርኢ ዘለኻ። በዚ ድማ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘሎ ትኣምን።

ሓደ ሰብ: ‘ንጸሓይን ምድርን ዝፈጠሮ መን እዩ’ ኢሉ ይሓተካ ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ይብለና። (ዘፍጥረት 1:1) እወ: ነዚ ዅሉ ዜደንቕ ነገራት እዚ ዝፈጠሮ ኣምላኽ እዩ። እዚ ምፍላጥካ እንታይ ስምዒት የሕድረልካ፧⁠—

ብህይወት ምንባርሲ ባህ ዜብልዶ ኣይኰነን፧ ነቲ ባህ ዜብል ድምጺ ኣዕዋፍ ክንሰምዕ ንኽእል፣ ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዕምባባታትን ካልእ ነገራትን ክንርኢ ንኽእል፣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ምግቢ ኸኣ ክንበልዕ ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ እዚ ዅሉ ነገራት እዚ ስለ ዝፈጠረልና ኸነመስግኖ ይግብኣና። ልዕሊ ዅሉ ግን ህይወት ስለ ዝሃበና ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና። ንኣምላኽ ብሓቂ ነመስግኖ እንተደኣ ዄንና: ሓደ ነገር ክንገብር ኬድልየና እዩ። እንታይ ክንገብር ዘሎና ይመስለካ፧⁠— ንኣምላኽ ጽን ኢልና ኽንሰምዖ: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዚነገረና ነገራት ከኣ ክንፍጽሞ ኣሎና። በዚ መገዲ እዚ: ነቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ ንኽእል።

ንኣምላኽ ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ነገራት ከነመስግኖ ይግብኣና። ከመይ ጌርና ኢና እነመስግኖ፧ ነቲ ኣብ መዝሙር 139:14፣ ዮሃንስ 4:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 5:21፣ ከምኡውን ራእይ 4:11 ተጻሒፉ ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ።