ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 4

ኣምላኽ ስም ኣለዎ

ኣምላኽ ስም ኣለዎ

ምስ ሓደ ሰብ መጀመርታ ኽትላለ ኸለኻ ብዛዕባኡ እንታይ ኢኻ እትፈልጥ፧⁠— እወ: ስሙ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ኵላትና ስም ኣሎና። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ስም ኣውጺኡሉ እዩ። ኣዳም ኢሉ ሰመዮ። ሰበይቲ ኣዳም ከኣ ሄዋን ተሰምየት።

ይኹን እምበር: ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን ስም ዘለዎም። ስም ዘለዎ ኻልእ ነገራት እውን ሕሰብ። ድሙ ወይ ከልቢ እንተ ዚህልወካ ስም ኣይመውጻእካሉንዶ፧⁠— እወ: ስም ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።

ናብቶም ለይቲ ዚረኣዩ ብዙሓት ከዋኽብቲ እሞ ጠምት። ስም ዘለዎምዶ ይመስለካ፧⁠— እወ: ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኰዀብ ስም ኣውጺኡሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ “ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር: ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም” ይብለና።​—⁠መዝሙር 147:4

ከዋኽብቲ ብምሉኦም ስም ከም ዘለዎም ትፈልጥዶ፧

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኣካል ግን መን እዩ ምበልካ፧⁠— እወ: ኣምላኽ እዩ። ስም ዘለዎዶ ይመስለካ፧⁠— ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ የሱስ ነጊሩና እዩ። ሓደ እዋን የሱስ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ ‘ንደቀ መዛሙርተይ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ’ በለ። (ዮሃንስ 17:26) ስም ኣምላኽ ትፈልጦዶ፧⁠— ኣምላኽ ባዕሉ ስሙ መን ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። “ኣነ የሆዋ እየ: ስመይ እዚኣ እያ” በለ። ስለዚ: ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 42:8 NW

ሰባት ስምካ ኺዝክርዎ ኸለዉ እንታይ ይስምዓካ፧⁠— ደስ ደይኰነን ዚብለካ፧⁠— የሆዋ እውን ሰባት ስሙ ኺፈልጥዎ ይደሊ እዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ኣምላኽ ክንዛረብ ከለና: ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ክንጥቀም ኣሎና። እቲ ዓብዪ መምህር ንሰባት ኪዛረቦም ከሎ ስም ኣምላኽ ይጥቀም ነይሩ እዩ። የሱስ ሓደ እዋን “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ . . . ኣፍቕሮ” በለ።​—⁠ማርቆስ 12:30 NW

የሱስ: እቲ “የሆዋ” ዚብል ስም ኣዝዩ ኣገዳስነት ዘለዎ ስም ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንሰዓብቱ ስም ኣምላኽ ኪጥቀሙ ዝመሃሮም። ኣብ ጸሎቶም እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኪዛረቡ ምሂርዎም እዩ። ኣምላኽ ኵሎም ሰባት ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ኺፈልጡ ኸም ዚደልዮም: የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ቀደም ኣምላኽ ስሙ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ነቲ ሓደ ኻብቶም ደቂ እስራኤል ዝነበረ ሙሴ ዚበሃል ሰብኣይ ገሊጹሉ ነበረ። እቶም እስራኤላውያን ዚበሃሉ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል: ኣብ ሓንቲ ግብጺ እትበሃል ሃገር እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እቶም ተቐማጦ እታ ሃገር ከኣ ግብጻውያን ይበሃሉ። እዚኣቶም ንእስራኤላውያን ባሮት ገበርዎም: ኣዝዮም ከኣ ይጭቍንዎም ነበሩ። ሙሴ ምስ ዓበየ ንሓደ ኻብ ደቂ ህዝቡ ኺሕግዝ ፈተነ። እዚ ድማ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቘጥዖ። ንሙሴ ኸኣ ኪቐትሎ ደለየ። ስለዚ ሙሴ ኻብ ግብጺ ሃደመ።

ሙሴ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። እታ ዝኸደላ ሃገር ምድሪ ሚድያን እያ። ኣብ ምድሪ ሚድያን ተመርዕዩ ድማ ስድራ​ቤት መስረተ። ጓሳ ኣባጊዕ ኰይኑ ኸኣ ይዓዪ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ ጎቦ እናጓሰየ ኸሎ: ዜገርም ነገር ረኣየ። ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ ረኣየ: እታ ቘጥቋጥ ግን ኣይነደደትን! ሙሴ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺርኢ ኢሉ ቕርብ በለ።

እንታይ ከም ዘጋጠሞ ትፈልጥዶ፧⁠— ሙሴ ኻብ ማእከል እታ ሃልሃል እትብል ዝነበረት ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድምጺ ሰምዐ። እቲ ድምጺ “ሙሴ: ሙሴ” ዚብል ነበረ። ናይ መን ድምጺ እዩ ነይሩ፧⁠— ኣምላኽ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣምላኽ ንሙሴ ዚህቦ ብዙሕ ዕዮ ነበሮ። ‘ንዓ: ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም: ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኽልእከካ እየ’ በሎ። ከም ዚሕግዞ ኸኣ ተመባጽዓሉ።

ሙሴ ኻብቲ ዚነድድ ዝነበረ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንታይ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እዩ እተማህረ፧

ሙሴ ግን ንኣምላኽ ‘እንሆ: ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ደቂ እስራኤል መጺኤ: ኣምላኽ ልኢኹኒ ምስ በልክዎም: ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ: እንታይ ክብሎም እየ፧’ በሎ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ንደቂ እስራኤል ‘የሆዋ ለኣኸኒ። የሆዋ ንዘለኣለም ስመይ እዩ’ ኺብሎም ነገሮ። (ዘጸኣት 3:1-15 NW) እዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ኺዕቅቦ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ፈጺሙ ኣይኪቕይሮን እዩ። በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ንዘለኣለም ኪፍለጥ እዩ ደልዩ።

ኣምላኽ ስሙ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣፍሊጡ፧

ሙሴ ናብ ግብጺ ኣብ እተመልሰሉ እዋን: እቶም ግብጻውያን የሆዋ ንእሽቶ ኣምላኽ እስራኤላውያን እዩ ዚመስሎም ነይሩ። ናይ ምልእቲ ምድሪ ኣምላኽ ኣይመስሎምን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንንጉስ ግብጺ ‘ስመይ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸም ዚውረ ኺገብር እየ’ ኢሉ ነገሮ። (ዘጸኣት 9:16) የሆዋ ኸኣ ስሙ ኸም ዚፍለጥ ገይሩ እዩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ንህዝቢ እስራኤል ብሙሴ መሪሑ ኻብ ግብጺ ኣውጽኦም። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ በጽሑ: የሆዋ ብማእከል እቲ ባሕሪ ንኺሓልፉ ንቑጽ መገዲ ኣዳለወሎም። እስራኤላውያን ከኣ በቲ ንቑጽ ብሰላም ተጓዕዙ። ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብቲ ዝነቐጸ ማእከል ባሕሪ ምስ ኣተዉ ግን እቲ ብኽልቲኡ ወገን ደው ኢሉ ዝነበረ ማይ ኣብ ልዕሊ እቶም ግብጻውያን ተኻዕወ: ኵሎም ድማ ሞቱ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ መላእ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ ነገር ሰምዑ። ብዛዕባኡ ኸም ዚሰምዑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧⁠— ገለ 40 ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ እስራኤላውያን ናብታ የሆዋ ኺህቦም ዘተስፈዎም ምድሪ ከንኣን መጹ። ኣብታ ሃገር ሓንቲ ረሃብ እትበሃል ሰበይቲ ንኽልተ እስራኤላውያን “ካብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም: የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ . . . ሰሚዕና ኢና” በለቶም።​—⁠እያሱ 2:10 NW

ሎሚውን ብዙሓት ሰባት ልክዕ ከምቶም ግብጻውያን እዮም። የሆዋ ናይ ምልእቲ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይኣምኑን እዮም። ስለዚ: የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባኡ ኺነግሩ ይደሊ እዩ። የሱስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ናብ የሆዋ ብጸሎት ቀሪቡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በሎ።​—⁠ዮሃንስ 17:26

የሱስ ስም ኣምላኽ ኣፍሊጡ እዩ። ንስኻኸ ኸተፍልጥ ምኸኣልካዶ፧

ንስኻኸ ኸም የሱስ ክትከውን ትደሊዶ፧ እምበኣር ንሰባት ስም ኣምላኽ: የሆዋ ምዃኑ ንገሮም። ምናልባት ብዙሓት ብዛዕባ እዚ ዘይፈልጡ ዀይኖም ትረኽቦም ትኸውን። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ከኣ ገለ ኻብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሙ ሰባት ንስም ኣምላኽ “እግዚኣብሄር” ብዚብል ስለ ዝተክእዎ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ስም ኣምላኽ ኣብ መዝሙር 83:18 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ናብ ትግርኛ ኽትትርጐም ከላ ኸምዚ ትብል:- “ንስኻ: የሆዋ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ።” ንስም ኣምላኽ ኣብ መዝገበ⁠-​ቓላት እውን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ካብቲ ኣብ መዝሙር 83:18 ዘንበብናዮ ሓሳባት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧⁠— እወ: የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እቲ ዝበለጸ ስም ከም ዝዀነ ኢና እንመሃር። ስም ናይቲ ዅሉ ዚኽእል: ኣቦ የሱስ ዝዀነ: ንዅሉ ነገራት ድማ ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። የሱስ ንየሆዋ ኣምላኽና ብምሉእ ልብና ኸነፍቅሮ ኸም ዘሎና ዝነገረና ሓሳባት እውን ኣይትረስዓዮ። ንየሆዋ ተፍቅሮ ዲኻ፧⁠—

ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧⁠— ሓደ ኻብቲ መገድታት ከም ዓርክና ጌርና ብምፍላጥ እዩ። ካልእ መገዲ ኸኣ ንሰባት ስሙ መን ምዃኑ ብምንጋር እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ዜደንቕ ነገራትን ዝገበሮ ሰናይ ነገራትን እውን ክንነግሮም ንኽእል ኢና። የሆዋ: ሰባት ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ስለ ዚደሊ እዚ ኣጸቢቑ እዩ ዜሐጕሶ። ንሕናውን ኣብዚ እጃምና ኸነበርክት ኣይንኽእልንዶ፧⁠—

ብዛዕባ የሆዋ ኽንዛረብ ከለና: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዚሰምዓና። ንየሱስ: እቲ ዓብዪ መምህር እኳ ኸየተረፈ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኡ ኺዛረቦም ከሎ ኣይሰምዕዎን። እዚ ግን ንየሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣይዓገቶን።

ስለዚ እምበኣር ከም የሱስ ንኹን። ብዛዕባ የሆዋ ዅሉ ሳዕ ንዛረብ። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: የሆዋ ኣምላኽ ንስሙ ኸም እነፍቅር ስለ ዘርኣና ብኣና ኺሕጐስ እዩ።

ሕጂ ኸኣ ስም ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚሕብር ሒደት ተወሳኺ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢርና ነንብብ:- ኢሳይያስ 12:4, 5፣ ማቴዎስ 6:9፣ ዮሃንስ 17:6፣ ከምኡውን ሮሜ 10:13