ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

“ወደይ እዚ እዩ”

“ወደይ እዚ እዩ”

ቈልዑ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ኸለዉ: ወለዶም ይሕጐሱ እዮም። ሓንቲ ጓል ጽቡቕ ነገራት ምስ እትገብር: ኣቦኣ ብሓበን “እዚኣ ጓለይ እያ” ይብል። ወይ ድማ ሓደ ወዲ ሰናይ ነገራት ምስ ዚገብር ኣቦኡ ተሓጒሱ “እዚ ወደይ እዩ” ይብል።

የሱስ ወትሩ ነቦኡ ዜሐጕሶ ነገራት እዩ ዚገብር ነይሩ። ስለዚ: ኣቦኡ ብወዱ ይሕበን ነበረ። ሓደ መዓልቲ የሱስ ምስ ሰለስተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣቦኡ እንታይ ከም ዝገበረ ትዝክሮዶ፧⁠— እወ: ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኰይኑ “ዝፈትዎ ወደይ: ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ።​—⁠ማቴዎስ 17:5

የሱስ ነቦኡ ባህ ዜብሎ ነገራት ንምግባር ወትሩ ሕጉስ እዩ። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ ነቦኡ ብሓቂ ስለ ዜፍቅሮ እዩ። ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ተገዲዱ ጥራይ ዚገብሮ እንተደኣ ዀይኑ: የሸግሮ እዩ። ፍቓደኛ ዀይኑ ምስ ዚዓዮ ግን ይቐሎ። ፍቓደኛ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንሓደ ነገር ብሓቂ ደሊኻ ወይ ፈቲኻ ምግባር ማለት እዩ።

የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን ከይተረፈ: ኣቦኡ ዝበሎ ንኺገብር ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ነቦኡ ማለት ንየሆዋ ኣምላኽ: ስለ ዘፍቅሮ እዩ። የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡ ዜደንቕ ቦታ እዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንየሱስ ሓደ ፍሉይ ዕዮ ኺዓዪ ይደልዮ ነበረ። የሱስ ነዚ ዕዮዚ ንኺዓዪ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ነበሮ። ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ኺውለድ ነበሮ። የሆዋ ኺገብሮ ስለ ዝደለዮ: የሱስ ነዚ ንምግባር ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም እንታይ ኢሉ እዩ ነጊርዋ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ንኺውለድ: ኣደ ኽትህልዎ ኣድለየ። ኣዲኡ መን ከም ዝነበረትስ ትፈልጥዶ፧⁠— ማርያም ትበሃል። የሆዋ ንማርያም ምእንቲ ኺዛረባ ኢሉ ንገብርኤል መልኣኹ ለኣኾ። ገብርኤል ከኣ ሕጻን ክትወልድ ምዃና ነገራ። እቲ ሕጻን ስሙ የሱስ ኪበሃል ነበሮ። ኣቦኡኸ መን እዩ ኪኸውን፧⁠— እቲ መልኣኽ: ኣቦ እቲ ሕጻን የሆዋ ኣምላኽ ኪኸውን ምዃኑ ነገራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዚበሃል።

ማርያም ብዛዕባ እዚ እንታይ ተሰሚዕዋ ምበልካ፧⁠— “ኣነ ኣደ የሱስ ክኸውን ኣይደልን እየ” ኢላ ድያ፧ ኣይበለትን። እቲ ኣምላኽ ዝደለዮ ነገር ክትገብር ድልውቲ እያ ነይራ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ወዲ ኣምላኽሲ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ኺውለድ ዚኽእል፧ ውልደት የሱስ ካብ ውልደት ኵሎም ካልኦት ሕጻናት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እዝስ ትፈ​ልጥዶ፧⁠—

ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ብዜደንቕ መገዲ ሓቢሮም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ሕጻን ኣብ ውሽጢ ኣዲኡ ኺዓቢ ይጅምር። ሰባት ነዚ “ተኣምር እዩ!” እዮም ዚብልዎ። ንስኻ እውን ነዚ ኸም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ እዩ።

ኣምላኽ እንደገና እውን ዝያዳ ዜደንቕ ተኣምር ገበረ። ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ማርያም ከም ዚኣቱ ገበረ። ኣምላኽ ቅድሚኡ ኸምኡ ገይሩ ኣይፈልጥን እዩ: ብድሕሪኡ እውን እንተዀነ ኣይደገሞን። ሳላ እዚ ተኣምር እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኻልኦት ሕጻናት ኣብ ውሽጢ ኣዲኦም ኰይኖም ዚዓብዩ: የሱስ እውን ኣብ ውሽጢ ማርያም ኰይኑ ኺዓቢ ጀመረ። ድሕሪዚ ማርያም ንዮሴፍ ተመርዓወቶ።

የሱስ ዚውለደሉ ግዜ ምስ ቀረበ: ማርያምን ዮሴፍን ናብ ከተማ ቤት⁠-​ልሄም ከዱ። እታ ኸተማ ግን ብሰባት ዝመልአት እያ ነይራ። ማርያምን ዮሴፍን ዚሓድርሉ ኽፍሊ ስለ ዘይረኸቡ ኸኣ እንስሳታት ኣብ ዚሓድርሉ ቦታ ሓደሩ። ኣብኡ ድማ ማርያም ወለደት: ከምዚ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ድማ ንየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ኣቐመጥዎ። መብልዕ ማል: ኣሓን ካልኦት እንስሳታትን ዚምገቡሉ ቦታ እዩ።

ንየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ዘንበርዎ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብታ የሱስ እተወልደላ ምሸት ዜደንቕ ነገራት ተፈጸመ። ሓደ መልኣኽ ኣብ ጥቓ ቤት⁠-​ልሄም ንገሊኦም ጓሶት ተራእዮም። የሱስ ኣገዳሲ ሰብ ምዃኑ ድማ ነገሮም። እቲ መልኣኽ ‘እንሆ: ንህዝቢ ዜሐጕስ ብስራት አበስረኩም ኣሎኹ። ሎሚ ንህዝቢ ዜድሕን ሰብ ተወሊዱ ኣሎ’ በለ።​—⁠ሉቃስ 2:10, 11

ሓደ ኻብዞም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት እንታይ ኢሉ እዩ ዘበሰሮም፧

ንየሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም: ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኸም ዚረኽብዎ ድማ ነገሮም። ሽዑ: ብሃንደበት ካልኦት መላእኽቲ እውን ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም ንኣምላኽ ወደስዎ። “ክብሪ ንኣምላኽ . . . ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ዘመሩ።​—⁠ሉቃስ 2:12-14

እቶም መላእኽቲ ምስ ከዱ: እቶም ጓሶት ናብ ቤት⁠-​ልሄም ከይዶም ንየሱስ ረኸብዎ። ንዮሴፍን ንማርያምን ከኣ ንዅሉ እቲ ዝሰምዕዎ ሰናይ ነገራት ነገርዎም። ማርያም: ኣደ የሱስ ንኽትከውን ፍቓደኛ ብምዃናስ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሳ ኽትከውን ከም ዘለዋ እሞ ሕሰብ።

ጸኒሖም ከኣ ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ናብ ከተማ ናዝሬት ወሰድዎ። ኣብታ ኸተማ ድማ ዓበየ። ምስ ዓበየ ነቲ ዓብዪ ናይ ምምሃር ዕዮኡ ጀመሮ። እዚ ዕዮ እዚ ኽፍሊ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ኣብ ምድሪ ኺዓዮ ዝደለዮ ዕዮ እዩ። የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ: ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

የሱስ ነቲ ኸም ዓብዪ መምህር ኰይኑ ኺዓዮ ዝነበሮ ዕዮ ቕድሚ ምጅማሩ ብዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ሽዑ ዜደንቕ ነገር ተፈጸመ! የሱስ ካብ ማይ ምስ ወጸ: የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 3:17) ወለድኻ “ንፈትወካ ኢና” ኪብሉኻ ኸለዉ ባህ ኣይብለካንዶ፧⁠— የሱስ እውን ባህ ከም ዝበሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

የሱስ ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ነገር እዩ ዚገብር ነይሩ። ኣምሰሉ ኣይኰነን ነይሩ። ንሰባት ‘ኣነ ኣምላኽ እየ’ ኣይበሎምን። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዚበሃል እዩ ነጊርዋ። የሱስ ባዕሉውን ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንሰባት ‘ካብ ኣቦይ ንላዕሊ ኣነ እፈልጥ’ ኢሉ ኣይተዛረቦምን። የግዳስ: “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” እዩ ዝበለ።​—⁠ዮሃንስ 14:28

የሱስ ኣብ ሰማይ እውን ከይተረፈ ኣቦኡ ንዝሃቦ ዕዮ ፈጺሙ እዩ። ኪገብሮ እየ ኢሉ ኼብቅዕ ዘይተባህሎ ኺገብር ኣይተረኽበን። ነቦኡ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ: ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ኸኣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝለኣኾ ዕዮ ገበረ። ነቲ ዝነበሮ ግዜ ዘይተባህሎ ነገራት ብምግባር ኣየሕለፎን። የሆዋ ብወዱ እንተ ተሓጐሰ እምበኣር ዜስደምም ኣይኰነን።

ንሕናኸ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኣይንደልንዶ ኢና፧⁠— ስለዚ: ልክዕ ከም የሱስ ንኣምላኽ ብሓቂ ኸም እንሰምዖ ኸነርኢ ኼድልየና እዩ። ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚዛረበና። ንኣምላኽ ንሰምዖ ኸም ዘሎና እናኣምሰልና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ነገራት ክንኣምንን ክንገብርንሲ ቕኑዕዶ ምበልካዮ፧⁠— ንየሆዋ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተደኣ ዄንና: ከነሐጕሶ ኸም እንደሊ ድማ ኣይትረስዕ።

ሕጂ ኸኣ ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ክንፈልጥን ክንኣምንን ከም ዘሎና ዚነግራና ተወሰኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ኣንብብ:- ማቴዎስ 7:21-​23፣ ዮሃንስ 4:25, 26፣ ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6