ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

ይቕረ ኽንብል ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

ይቕረ ኽንብል ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

ዝበደለካ ሰብ ኣሎዶ፧⁠— ኣካላትካ ድዩ ጐዲኡካ ወይስ ዚሃሲ ዘረባ እዩ ተዛሪቡካ፧⁠— ከምቲ ዝገበረካ ኽትገብሮ ይግብኣካ ድዩ፧⁠—

ብዙሓት ሰባት ሓደ ሰብ ምስ ዚጐድኦም ንሳቶም እውን ሕነ ንምፍዳይ ይጐድእዎ እዮም። ይኹን እምበር: የሱስ ንዝበደሉና ኽንሓድገሎም ወይ ይቕረ ኽንብለሎም ከም ዘሎና ምሂሩና እዩ። (ማቴዎስ 6:12) ሓደ ሰብ ብዙሕ ሳዕ ሕማቕ እንተደኣ ጌሩናኸ፧ ክንደይ ሳዕ ኢና ይቕረ ኽንብለሉ ዘሎና፧⁠—

ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ኺፈልጥ ደልዩ ነበረ። ስለዚ ድማ ሓደ መዓልቲ ንየሱስ ‘ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ድየ ይቕረ ኽብለሉ ዘሎኒ’ ኢሉ ሓተቶ። ሾብዓተ ሳዕ እኹል ኣይኰነን። ስለዚ: የሱስ እቲ ሰብ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እንተደኣ በዲሉካ: ‘ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ ኽትሓድገሉ ኣሎካ’ በሎ።

ጴጥሮስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዚደሊ ነይሩ፧

እዚ ብዙሕ እዩ። ሓደ ሰብ ክንድዚ ዚኣክል ሕማቕ ነገራት ምስ ዚገብረና እኳ ኽንጽብጽቦ ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ እምበኣር: ካልኦት ምስ ዚብድሉና: ክንደይ  ዚኣክል ከም ዝበደሉና ኽንጽብጽቦ ወይ ክን​ዝክሮ ኢልና ኽንፍትን የብልናን እዩ ዚብል ዘሎ። ይቕረ ኺበሃለሎም እንተደኣ ሓቲቶም: ይቕረ ኽንብለሎም ይግብኣና።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ይቕረ ምባል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኼርእዮም እዩ ደልዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ጴጥሮስ ዝሓተቶ ድሕሪ ምምላሱ ንደቀ መዛሙርቱ ዛንታ ነገሮም። ነዚ ዛንታ እዚ ኽትሰምዖ ትደሊዶ፧⁠—

ሓደ እዋን: ሓደ ኣዝዩ ሕያዋይ ንጉስ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉ ባሮቱ ሓገዝ ኪደልዩ ኸለዉ ገንዘብ የለቅሖም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግን ነቶም ኣለቂሕዎም ዝነበረ ባሮት ገንዘቡ ኺመልሱሉ ደለየ። ሓደ እልፊ መክሊት ወይ 60 ሚልዮን ሰልዲ እተለቅሐ ባርያ ድማ ኣምጽኡሉ። እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ።

እቲ ባርያ ነቲ ንጉስ ልቓሑ ንኺመልሰሉ ግዜ ኺህቦ ምስ ሓተቶ: እቲ ንጉስ እንታይ ገበረ፧

እቲ ባርያ ግን ንዅሉ ገንዘብ እቲ ንጉስ ስለ ዘጥፍኦ: ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ስለዚ እቲ ንጉስ: እቲ ባርያ ኺሽየጥ ኣዘዘ። ሰበይቱ: ደቁ: ዘለዎ ዅሉ ጥሪት እውን ኪሽየጥ ኣዘዘ። እቲ ባርያ ኻብዚ ገንዘብ ምስ ረኸበ ኸኣ ነቲ ንጉስ ይህቦ ማለት እዩ። እዚ ምስ ሰምዐ እቲ ባርያ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ ምበልካ፧⁠—

ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተደፊኡ ‘በጃኻ ተወሳኺ ግዜ ሃበኒ እሞ እተለቃሕክዎ ዘበለ ዅሉ ኽመልሰልካ እየ’ በሎ። ንስኻ እቲ ንጉስ ኔርካ እንተ ትኸውን ነቲ ባርያ እንታይ ምገበርካዮ፧⁠— እቲ ንጉስ ነቲ ባርያኡ ደንገጸሉ። ዕዳኡ ኸኣ ሓደገሉ። ምንም ነገር ኪመልሰሉ ኸም ዘይብሉ: ኻብቲ ስሳ ሚልዮን ሰልዲ ሓንቲ እውን ትኹን ኪመልሰሉ ኸም ዘይብሉ ነገሮ። እቲ ባርያ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ ባርያ ግን ቀጺሉ እንታይ ገበረ፧ ካብኡ ኸደ እሞ ንሓደ ሚእቲ ዚኸውን ሰልዲ ዘለቅሖ ብጻዩ ባርያ ረኸቦ። ሒዙ ብኽሳዱ ሓኒቑ ‘ነተን ዝእውደካ ሚእቲ ሰልደይ ምለሰለይ’ በሎ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ሓዲጉሉ ኼብቅዕ ከምዚ ዚገብርሲ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ምበልካ፧⁠—

እቲ ባርያ ነቲ ኣለቂሕዎ ዝነበረ እሞ ኺመልሰሉ ዘይከኣለ ብጻዩ ባርያ እንታይ ገበሮ፧

እቲ ሓደ ሚእቲ ሰልዲ እተለቅሐ ባርያ ድኻ እዩ ነይሩ። ሽዑ ንሽዑ ኺመልሰሉ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ኣብ እግሪ እቲ ብጻዩ ባርያ ወዲቑ ‘በጃኻ ግዜ ሃበኒ እሞ እትለቃሕክዎ ዅሉ ኺመልሰልካ እየ’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ብጻዩ ባርያ ግዜ ኺህቦ ምተገብኦዶ ምበልካ፧⁠— ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧⁠—

እዚ ሰብኣይ እዚ ኸምቲ ንጉስ ሕያዋይ ኣይነበረን። ሽዑ ንሽዑ ገንዘቡ ኺረክብ ደለየ። እቲ ብጻዩ ባርያ ኪኸፍሎ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ካልኦት ባሮት እዚ ዅሉ ኺፍጸም ምስ ረኣዩ ኣይተሓጐሱን። እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ባርያ ኣደንገጾም። ከይዶም ከኣ ነቲ ንጉስ ነገርዎ።

እቲ ንጉስ እውን በቲ እተፈጸመ ነገር ኣይተሓጐሰን። በቲ ይቕረ ዘይብል ባርያ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቲ ባርያ ጸዊዑ ኸኣ ‘ኣታ ኽፉእ ባርያ ኣነ ነቲ ዘለቃሕኩኻ ኣይምሓርኩኻን ድየ፧ ንስኻውን ንብጻይካ ባርያ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ።

እቲ ንጉስ ነቲ ዘይምሕር ባርያ እንታይ ገበሮ፧

እቲ ዘይምሕር ወይ ይቕረ ዘይብል ባርያ ኻብቲ ሕያዋይ ንጉስ ኪመሃር ነበሮ። ንሱ ግን ኣይተማህረን። ስለዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ነቲ ባርያ እተለቅሖ 60 ሚልዮን ሰልዲ ኽሳዕ ዚመልስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ነቲ ንጉስ ኪመልሰሉ ዚኽእል ገንዘብ ኪረክብ ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ: ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ኺጸንሕ ነበሮ።

የሱስ ነዚ ዛንታ ምስ ነገሮም: ኣብ መወዳእታ ንደቀ መዛሙርቱ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 18:21-35

ርኢኻ: ንዅላትና ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ዚእውደና። ህይወትና እኳ ኸይተረፈ: ካብ ኣምላኽ ኢና ተቐቢልናያ። ስለዚ: እቲ ንሕና ንኻልኦት ሰባት እንእውዶም ነገራት: ምስቲ ኣምላኽ ዚእውደና ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ሒደት እዩ። እቲ ንሰባት እንእውዶም ነገራት: ልክዕ ከምቲ እቲ ባርያ ንብጻዩ ዝእውዶ ዝነበረ ሓደ ሚእቲ ሰልዲ እዩ ዚኸውን። እቲ ኣምላኽ በቲ እንገብሮ በደል ዚእውደና ግን: ልክዕ ከምቲ እቲ ንጉስ ነቲ ባርያ ዚእውዶ ዝነበረ 60 ሚልዮን ሰልዲ እዩ።

ኣምላኽ ኣዝዩ ሕያዋይ እዩ። ሕማቕ ነገራት ንገብር እኳ እንተዀንና: ይቕረ ይብለልና እዩ። ንሓዋሩ ኸም እንመውት ብምግባር: ከም እንኸፍሎ ኣይገብረናን እዩ። ይኹን እምበር: ክንዝክሮ ዘሎና ትምህርቲ እንሆ:- ኣምላኽ ይቕረ ዚብለልና: ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ምስ እንብለሎም ጥራይ እዩ። እዚ ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና ትምህርቲ እዩ። ኣይመስለካንዶ፧⁠—

ሓደ ሰብ ይቕረ በለለይ እንተ ዚብለካ: እንታይ ምገበርካ፧

ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ እንተ ዚብድለካ እሞ ጸኒሑ ኣይትሓዘለይ እንተ ዚብለካ: እንታይ ምገበርካ፧ ይቕረዶ ምበልካሉ፧⁠— ደጋጊሙ እንተ ዚብድለካኸ፧ ይቕረ ምበልካሉዶ፧⁠—

ንሕና ንሓደ ሰብ እንተ ንብድሎ እሞ ይቕረ በለለይ እንተ ንብሎ ይቕረ ኺብለልና ኣይምደለናንዶ፧⁠— ስለዚ እምበኣር ንሕና እውን ይቕረ ኽንብል ይግብኣና። ይቕረ ኢለልካ እየ ምባል ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ልብና ይቕረ ኽንብለሉ ይግብኣና። ከምዚ ምስ እንገብር: ብሓቂ ሰዓብቲ እቲ ዓብዪ መምህር ክንከውን ከም እንደሊ ኢና እነርኢ ዘሎና።

ይቕረ ምባል ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽንርዳእ ምሳሌ 19:11፣ ማቴዎስ 6:14, 15፣ ከምኡውን ሉቃስ 17:3, 4 ነንብብ።