ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 16

እቲ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ እዩ፧

እቲ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ እዩ፧

እዚ ሰብኣይ እዚ እንታይ ጸገም እዩ ነይርዎ፧

ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ናብ የሱስ መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ የሱስ ኣዝዩ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ‘መምህር: ንሓወይ ካብ ጥሪቱ ኺመቕለኒ ንገረለይ’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ገለ ኻብቲ ጥሪት ሓዉ እዩ ኺህልዎ ደልዩ።

ንስኻ የሱስ ኔርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧⁠— የሱስ እቲ ሰብኣይ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ኣስተብሃለ። እቲ ጸገም ግን እቲ ንሓዉ ዝነበሮ ነገራት: ንዕኡ ኪኸውን ምድላዩ ኣይኰነን። ጸገሙ: ንህይወት ብሓቂ ዜድሊ ነገራት እንታይ ምዃኑ ዘይምፍላጡ እዩ።

ብዛዕባ እዚ እሞ ሕስብ ነብል። ልዕሊ ዅሉ ኼገድሰና ዘለዎ ነገር እንታይ እዩ፧ ጽቡቕ መጻወቲ: ሓድሽ ክዳውንቲ: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ምህላው ድዩ፧⁠— ኣይኰነን። ካብዚ ንላዕሊ ዝያዳ ዜገድስ ካልእ ነገር ኣሎ። የሱስ ነዚ ትምህርቲ እዚ እዩ ኺምህር ደልዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ንኣምላኽ ዝረስዖ ሰብኣይ ዚገልጽ ዛንታ ነገረ። ነዚ ዛንታ እዝስ ክትሰምዖዶ ትደሊ ኢኻ፧⁠—

እቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። መሬትን ማዕከንን ወይ መኽዘን እኽልን ነበሮ። እቲ ዝዘርኦ እኽሊ ጽቡቕ ፈረየሉ። ማዕከኑ ንዅሉ እኽሉ ኺሕዘሉ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ: እንታይ እዩ ኺገብር መዲቡ፧ ብልቡ ‘ንማዕከነይ ኣፍሪሰ: ኣግፊሐ እሰርሖ። ሽዑ ኣብቲ ሓድሽ ማዕከነይ ንዅሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ’ ኢሉ ሓሰበ።

እቲ ሃብታም ሰብኣይ: እዚ መገዲ እዚ ጥበባዊ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ። ብዙሕ ነገራት ብምእካቡ ንፉዕ ዝዀነ ዀይኑ ተሰምዖ። ብልቡ ድማ ‘ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ኣሎኒ። ንብዙሕ ዓመታት ከኣ ዜጽንሓኒ እዩ። ስለዚ: ሕጂ ኸዕርፍ እኽእል እየ። ክበልዕ: ክሰቲ: ክሕጐስ እየ’ በለ። እንተዀነ ግን: እቲ ሃብታም ሰብኣይ በተሓሳስባኡ ተጋግዩ እዩ ነይሩ። ጌጋኡ እንታይ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧⁠— ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ እቲ ዜሐጕሶ ነገራትን ጥራይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ምሕሳብ ረሲዑ ነበረ።

እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ እንታይ ኢሉ እዩ ዚሓስብ ዘሎ፧

ስለዚ: ኣምላኽ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ‘ኣታ ዓሻ ሰብኣይ: በዛ ለይቲ እዚኣ ኽትመውት ኢኻ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧’ በሎ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ምስ ሞተ: ነዚ ነገራት እዚዶ ኽጥቀመሉ ይኽእል እዩ፧⁠— ኣይክእልን እዩ: ካልእ ሰብ እዩ ዚወስዶ። የሱስ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” በለ።​—⁠ሉቃስ 12:13-21

ከምቲ ሃብታም ሰብኣይ ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧⁠— እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ቐንዲ ዕላማኡ ስጋዊ ነገራት ምእካብ እዩ ነይሩ። ከምኡ ምግባሩ ተጋግዩ እዩ። ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ኪህልዎ እዩ ዚደሊ ነይሩ። እንተዀነ ግን: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ኣይነበረን።

ብዙሓት ሰባት ከምቲ ሃብታም ሰብኣይ እዮም። ኵሉ ሳዕ ብዙሕ እዮም ዚደልዩ። እዚ ግን ናብ ዓበይቲ ጸገማት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መጻወቲ ኣሎካዶ፧⁠— እንታይ ዓይነት መጻወቲ ኸም ዘሎካ እስከ ንገረኒ።⁠— ሓደ ኻብ ኣዕሩኽትኻ ዅዕሶ ወይ ባንቡላ ወይ ንስኻ ዘይብልካ ኻልእ ዓይነት መጻወቲ እንተ ዚህልዎኸ፧ ወለድኻ ኸምቲ ናቱ ዓይነት መጻወቲ ኸም ዚገዝኡልካ ኽትገብርሲ ቕኑዕ እዩዶ ምበልካ፧⁠—

ሓደ መጻወቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዚመስለሉ ግዜያት ይህሉ ይኸውን። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን እንታይ እዩ ዚኸውን፧⁠— ይኣርግ እዩ። ኪሰባበር ይኽእል እዩ: ድሕሪኡ ኸተቐምጦ እውን ኣይትደልን ኢኻ። ብሓቂ ግን ካብ መጻወቲ ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ኣሎካ። እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ካብ መጻወቲ ንላዕሊ ዝኸበረ እንታይ ኣሎካ፧

ህይወትካ እዩ። ህይወትካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ምኽንያቱ ብዘ⁠ይ ብእኡ ምንም ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ብህይወት ንኽትነብር ግን ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ኽትገብር ኣሎካ። ኣይኰነን ድዩ፧⁠— ስለዚ እምበኣር ከምቲ ንኣምላኽ ዝረስዖ ዓሻ ሃብታም ሰብኣይ ኣይንኹን።

ልክዕ ከምቲ ሃብታም ሰብኣይ ዕሽነት ኪገብሩ ዚኽእሉ ቘልዑ ጥራይ ኣይኰኑን። ብዙሓት ዓበይቲ እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ገሊኣቶም ኵሉ ሳዕ ካብቲ ዘለዎም ንላዕሊ ኺህልዎም እዮም ዚደልዩ። ንመዓልቲ ዜድልዮም ምግቢ: ዚኽደንዎ ኽዳን: ዚነብሩሉ ገዛ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ዝያዳ እዮም ዚደልዩ። ብዙሕ ክዳውንቲ ይደልዩ። ዝዓበየ ገዛውቲ ይደልዩ። ነዚ ነገራት እዚ ንምጥራይ ገንዘብ የድሊ። ስለዚ: ብዙሕ ገንዘብ ንምርካብ ብዙሕ ይሰርሑ። ብዙሕ ገንዘብ ብዝኣከቡ መጠን ከኣ ዝያዳ ኺረኽቡ ይደልዩ።

ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ገንዘብ ንኺረኽቡ ኢሎም ኣብ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ስለ ዜሕልፉ: ምስ ስድራ​ቤቶም ዚራኸቡሉ ግዜ የብሎምን። ንኣምላኽ ዚኸውን ግዜ እውን የብሎምን። እሞኸ ገንዘቦምዶ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ፧⁠— ኣይክእልን እዩ። ንገንዘቦም ምስ ሞቱ ኺጥቀምሉ ይኽእሉ ድዮም፧⁠— ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ምዉታት ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።​—⁠መክብብ 9:5, 10

እዚ ኺበሃል ከሎ ግን ገንዘብ ምጥራይ ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧⁠— ኣይኰነን። ብገንዘብ ምግብን ክዳንን ክንዕድግ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ዕቝባ ኸም ዝዀነ እዩ ዚነግረና። (መክብብ 7:12) ገንዘብ ነፍቅር እንተደኣ ዄንና ግን: ኣብ ሽግር ክንኣቱ ኢና። ልክዕ ከምቲ ንገዛእ ርእሱ መዝገብ ብምእካብ ሃብታም ዝነበረ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ሃብታም ዘይነበረ ዓሻ ሰብኣይ ክንከውን ኢና።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧⁠— ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ከነቕድም ኣሎና ማለት እዩ። ገለ ሰባት ብኣምላኽ ንኣምን ኢና ይብሉ። ምእማን ጥራይ ኣኻሊ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ብሓቂ ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ድዮም፧⁠— ኣይኰኑን። ልክዕ ከምቲ ንኣምላኽ ዝረስዖ ሃብታም ሰብኣይ እዮም።

የሱስ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡ ፈጺሙ ኣይረስዖን። ብዙሕ ገንዘብ ኪእክብ ኣይፈተነን። ብዙሕ ስጋዊ ነገራት ድማ ኣይኣከበን። ኣብ ህይወት እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንስኻኸ እዚ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧⁠— ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን እዩ።

እዛ ቘልዓ እዚኣ እንታይ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እያ እትገብር ዘላ፧

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ሃብታማት ክንከውን ከም እንኽእል እስከ ንገረኒ።⁠— ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገር ብምግባር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሱስ “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” በለ። (ዮሃንስ 8:29) ኣምላኽ ነቲ ኽንገብሮ ዚደልየና ነገራት ምስ እንገብር ይሕጐስ እዩ። ንኣምላኽ ከተሐጕሶ እንታይ ነገራት ክትገብር ከም እትኽእል እስከ ንገረኒ።⁠— እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትከይድ: ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ: ንኻልኦት ድማ ብዛዕባኡ ኺመሃሩ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። እዚ ብሓቂ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዩ።

የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ስለ ዝነበረ: የሆዋ ሓልዩሉ እዩ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዓስቢ ሂብዎ እዩ። ንሕና እውን ከም የሱስ እንተደኣ ዄንና: የሆዋ ኼፍቅረናን ኪሓልየልናን እዩ። ስለዚ እምበኣር: ንየሱስ ንምሰሎ: ከምቲ ንኣምላኽ ዝረስዖ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ኣይንኹን።

ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ብኸመይ ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ዜርኢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እንሆ:- ምሳሌ 23:4፣ 28:20፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-10፣ ከምኡውን እብራውያን 13:5