ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 18

ተመስግን ዲኻ፧

ተመስግን ዲኻ፧

ሎሚ መዓልቲ ምግቢ በሊዕካዶ፧⁠— መን ከም ዘዳለዎ ትፈልጥዶ፧⁠—ምናልባት ኣዴኻ ወይ ካልእ ሰብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ምግቢ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧⁠—እኽሊ በቚሉ ምግቢ ኸም እንረክብ ዝገበረ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ምግቢ ንዘዳለወልና ወይ ንዝቐረበልና ሰብ እውን ከነመስግኖ ኣሎና።

ሓድሓደ ግዜ: ሰባት ሰናይ ነገር ኪገብሩልና ኸለዉ የቐንየለይ ወይ አመስግነካ ምባል ንርስዕ ኢና። እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ አመስግነካ ምባል ዝረስዑ ገለ ሰባት ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ድዉያት እዮም ነይሮም።

ድዉይ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ድዉይ ኪበሃል ከሎ ብሕማም ደዌ እተጠቕዐ ሰብ ማለት እዩ። እዚ ሕማም እዚ ነቲ ሕሙም ካብ ክፍሊ ኣካላቱ ገለ ስጋ ተቘማሚጡ ኸም ዝወድቕ ዚገብር እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ድዉያት ካብ ካልኦት ተፈልዮም እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። ሓደ ድዉይ ብማዕዶ ሓደ ሰብ ናብኡ ገጹ ይመጽእ ከም ዘሎ እንተደኣ ርእዩ: ነቲ ሰብ ካብኡ ንኺርሕቕ ዓው ኢሉ ኼጠንቅቖ ነበሮ። እዚ ዚግበረሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ እቶም ካልኦት እውን ነቲ ድዉይ ንኸይጽግዕዎ: ሕማሙ ድማ ምእንቲ ኸይሓልፎም እዩ።

የሱስ ንድዉያት ኣዝዩ ሕያዋይ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም እናኸደ ኸሎ: ብሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ሓለፈ። ናብ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ ዓሰርተ ድዉያት ኪረኽብዎ ወጹ። እዚኣቶም ከኣ: የሱስ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ሓይሊ ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ኪፍውስ ከም ዚኽእል ሰሚዖም ነበሩ።

እቶም ድዉያት ናብ የሱስ ኣይቀረቡን። ኣብ ርሑቕ እዮም ደው ኢሎም ነይሮም። እንተዀነ ግን: የሱስ ካብ ደዌኦም ኬሕውዮም ከም ዚኽእል ኣሚኖም ነበሩ። ስለዚ ድማ ነቲ ዓብዪ መምህር ምስ ረኣይዎ: ‘ዎ የሱስ መምህር ሓግዘና’ በልዎ።

ዝሓመሙ ሰባት ክትርኢ ኸለኻ የደንግጹኻዶ፧⁠— የሱስ ደንጊጹሎም እዩ። ድዉይ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ዜጕሂ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድማ “ኪዱ: ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም።​—⁠ሉቃስ 17:11-14

የሱስ ነዞም ድዉያት እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚነግሮም ዘሎ፧

የሱስ ከምኡ ኺገብሩ ዝነገሮም ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ድዉያት ሕጊ ሂብዎም ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ሕጊ: ካህን ኣምላኽ ንስጋ እቲ ድዉይ ኪርእዮ ኸም ዘለዎ ይእዝዝ። እቲ ኻህን ነቲ ድዉይ: ኵሉ ሕማሙ ምስ ገደፎ: ሓዊኻ ኢኻ ኢሉ ይነግሮ። ምስ ሓወየ ኸኣ ምስ ጥዑያት ሰባት ሓቢሩ ኺነብር ይኽእል ነበረ።​—⁠ዘሌዋውያን 13:16, 17

እዞም ድዉያት እዚኣቶም ግን ሕማሞም ኣይገደፎምን ነበረ። ስለዚ: ከምቲ የሱስ ዝበሎም ናብ ካህን ከይዶምዶ፧⁠— እወ: ብኡንብኡ ኸይዶም እዮም። የሱስ ካብ ሕማሞም ኬሕውዮም ከም ዚኽእል ኣሚኖም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እንታይከ ኣጋጠሞም፧

ናብ ካህን እናኸዱ ኸለዉ: ሕማሞም ገደፎም። ስጋኦም ሓወየ። ጥዑያት ኰኑ። ኣብ ሓይሊ የሱስ ብምእማኖም ዓስቢ ረኸቡ። ኣየ ኽንደይ ኰን ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! ምስጋናኦም ንምግላጽ ግን እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧⁠—

እዚ ድዉይ እዚ እንታይ እዩ ዝዘከረ፧

ሓደ ኻብቶም ዝሓወዩ ሰባት ናብ የሱስ ተመሊሱ መጸ። ንየሆዋ ኣምላኽ እናኣመስገነ ኺውድሶ ጀመረ። ብሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝሓወየ ኸምኡ ምግባሩ ቕኑዕ እዩ። ኣብ እግሪ እቲ ዓብዪ መምህር ወዲቑ ኸኣ ኣመስገኖ። በቲ የሱስ ዝገበረሉ ኣዝዩ መማሰዊ ነበረ።

እቶም ትሽዓተኸ፧ የሱስ ‘እቶም ዝሓወዩስ ዓሰርተ ድዉያትዶ ኣይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰ ሓደ ጥራይ ድዩ፧’ ኢሉ ሓተተ።

እወ: ሓቂ እዩ። ካብቶም ዓሰርተስ ንኣምላኽ ክብሪ ወይ ውዳሰ ዝሃበን ንየሱስ ከመስግኖ እተመልሰን ሓደ ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ ወዲ ኻልእ ሃገር: ማለት ሳምራዊ እዩ ነይሩ። እቶም ትሽዓተ ሰባት ግን ንኣምላኽ ኣየመስገንዎን: ንየሱስ እውን ኣየመስገንዎን።​—⁠ሉቃስ 17:15-19

ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ንመኖም ኢኻ እትመስል፧ ነቲ ሳምራዊ ኽንመስልዶ ኣይኰንናን እንደሊ፧⁠—ስለዚ: ሓደ ሰብ ብሕያውነት ሓደ ነገር ምስ ዚገብረልና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧⁠—ምስጋናና ኽንገልጸሉ ኣሎና። ሰባት ዝበዝሕ ግዜ አመስግነካ ምባል ይርስዑ እዮም። ይኹን እምበር: አመስግነካ ምባል ኣድላዪ እዩ። ከምኡ ምስ እንገብር የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ይሕጐሱ እዮም።

ነቲ ናብ የሱስ እተመልሰ ድዉይ ብኸመይ ክትመስሎ ምኸኣልካ፧

ሕስብ እንተደኣ ኣቢልካ: ሰባት ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ከም ዝገበሩልካ ኽትዝክር ኢኻ። ንኣብነት: ሓሚምካዶ ትፈልጥ፧⁠— ምናልባት ማዕረ እቶም ዓሰርተ ድዉያት ሓሚምካ ኣይትፈልጥን ትኸውን: ሰዓል ወይ ቅርጸት ግን ሓሚምካ ኔርካ ትኸውን ኢኻ። ሽዑ እተኸናኸነካ ሰብ ኣሎዶ፧⁠— መድሃኒት ሂቦምኻ: ካልእ ነገራት እውን ገይሮምልካ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንኽትሓዊ ስለ ዝሓገዙኻስ ተሓጒስካዶ ኔርካ፧⁠—

እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ: የሱስ ስለ ዘሕወዮ ኣመስጊንዎ እዩ: ከምኡ ምግባሩ ኸኣ ንየሱስ ኣሐጐሶ። ኣዴኻ ወይ ኣቦኻ ጽቡቕ ነገራት ኪገብሩልካ ኸለዉ ምስ እተመስግኖም ዚሕጐሱዶ ይመስለካ፧⁠— እወ: ይሕጐሱ እዮም።

ምስጋና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት መዓልቲ መዓልቲ ወይ ሰሙን ሰሙን ጽቡቕ ነገራት ይገብሩልካ እዮም። ምናልባት ስርሖም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ እውን የሐጕሶም ይኸውን። አመስግነካ ምባል ግን ክትርስዕ ትኽእል ኢኻ። መምህርካ ንኽትምህረካ ብዙሕ ትጽዕረልካ ትኸውን። እዚ ስርሓ እዩ። ይኹን እምበር: ንኽትመሃር ስለ ዝሓገዘትካ እንተደኣ ኣመስጊንካያ ኽትሕጐስ እያ።

ሓድሓደ ግዜ ሰባት ዝገብርዎ ነገራት ንኣሽቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ማዕጾ ኸፊቱ ኣሕሊፉካዶ ይፈልጥ፧ ወይ ከኣ ኣብ መኣዲ ኽትምገቡ ኸለኹም ምግቢ ኣቐቢሉካዶ ይፈልጥ፧ ነዚ ንኣሽቱ ዚመስል ነገራት እውን ከይተረፈ አመስግነካ ምባል ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ነመስግን እንተደኣ ዄንና: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ከነመስግን ኢና። ንየሆዋ እነመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ህይወትን ንህ​ይወት ኬሐጕስ ዚኽእል ብዙሕ ነገራትን እውን ሂቡና እዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ጽቡቕ ብምዝራብ ክብሪ ዘይንህበሉ ምኽንያት የብልናን።

ከነመስግን ከም ዘሎና ዚገልጽ ጥቕ​ስታት ኣብ መዝሙር 92:1፣ ኤፌሶን 5:20፣ ቈሎሴ 3:17፣ ከምኡውን 1 ተሰሎንቄ 5:18 ኣንብብ።