ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 23

ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሓሙ፧

ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሓሙ፧

ዝሓመመ ሰብ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧⁠— ንስኻውን ሓድሓደ ግዜ ትሓምም ትኸውን። ሰዓል ወይ ቅርጸት ሓሚምካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ሰባት ኣጸቢቖም እዮም ዚሓሙ። ደው ንኺብሉ እኳ ናይ ካልእ ሰብ ደገፍ የድልዮም ይኸውን። ዚበዝሕ ግዜ ሰባት ኪኣርጉ ኸለዉ እዩ ኸምዚ ዜጋጥም።

ሓድሓደ ግዜ ዘይሓምም ሰብ የለን። ሰባት ስለምንታይ ከም ዚሓሙ: ከም ዚኣርጉ: ወይ ከም ዚሞቱ ትፈልጥዶ፧⁠— ሓደ መዓልቲ ገለ ሰባት ንሓደ በእጋሩ ኪኸይድ ዘይክእል ሰብኣይ ተሰኪሞም ናብ የሱስ ኣምጽእዎ: ሽዑ የሱስ ሰባት ስለምንታይ ከም ዝሓሙን ከም ዝሞቱን ገለጸ። ሕጂ ብዛዕባኡ ኽነግረካ እየ።

የሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣብ ሓንቲ ገዛ ኣዕሪፉ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ኪርእይዎ ይመጹ ነበሩ። እታ ገዛ ብሰባት መሊኣ ስለ ዝነበረት: ካልኦት ሰባት ኪኣትዉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብ ጥቓ እቲ ማዕጾ ኪቐርብ ዚኽእል እኳ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ምስናይዚ ግን ብዙሓት ካልኦት እውን ይመጹ ነበሩ። ጕጅለ ሰባት ንሓደ በእጋሩ ኪኸይድ ዘይክእል መጻጕዕ ወይ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብኣይ ጸይሮም መጹ። ኣብ ዓራት ገይሮም ኣርባዕተ ሰባት እዮም ተሰኪሞምዎ።

ነዚ ሕሙም ሰብኣይ እዚ ስለምንታይ ናብ የሱስ ኬምጽእዎ ኸም ዝደለዩስ ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እምነት ስለ ዝነበሮም እዩ። ካብ ሕማሙ ኼሕውዮ ኸም ዚኽእል ኣመኑ። እቲ ዅሉ ህዝቢ ኸሎ ግን ከመይ ገይሮም ናብ የሱስ ከም ዘቕረብዎስ ትፈልጥዶ፧⁠—

እቲ ኣብዚ እትርእዮ ዘለኻ ስእሊ: ከመይ ገይሮም ናብ የሱስ ከም ዘቕረብዎ ዜርኢ እዩ። መጀመርታ ነቲ ሰብኣይ ተሰኪሞም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ደየቡ። እቲ ናሕሲ ጸፊሕ እዩ ነይሩ። ቀጺሎም: ንገለ ኽፋል እቲ ናሕሲ ኣፍረስዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ሕሙም ኣብ ንእሽቶ ዓራት ገይሮም በቲ ዘፍረስዎ ናሕሲ ኣስሊኾም: ናብቲ ኽፍሊ ኣውረድዎ። ኣየ ኸመይ ዝበለት እምነት ኰን እያ ነይራቶም!

ኵሎም እቶም ኣብታ ቤት ዝነበሩ ሰባት ነዚ ኺርእዩ ኸለዉ ደንጽይዎም እዩ። እቲ ኣብ ዓራት ዝነበረ መጻጕዕ ኣብ ማእከሎም ወረደ። የሱስ: እቶም ሰባት ዝገበርዎ ምስ ረኣየ ሓሪቑ ድዩ፧⁠— ፈጺሙ ኣይሓረቐን! በታ ዘርኣይዋ እምነት ተሓጒሱ እዩ። ነቲ መጻጕዕ “ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ” በሎ።

የሱስ ነቲ መጻጕዕ እንታይ ኪገብር እዩ ዝነገሮ፧

ገለ ኻብቶም ሰባት የሱስ ከምኡ ምባሉ ግቡእ ከም ዘይኰነ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓጢኣት ኪሓድግ ዚኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ስለዚ: የሱስ ብሓቂ ሓጢኣት ኪሓድግ ከም ዚኽእል ምእንቲ ኼርእዮም: ነቲ ሰብኣይ “ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ።

የሱስ እዚ ምስ በለ: እቲ ሰብኣይ ሓወየ። መጻጕዕ ምዃኑ ኣብቅዐ። ባዕሉ ተንሲኡ በእጋሩ ኪኸይድ ከኣለ። እቶም ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ሰባት ተገረሙ። ኣብ ምሉእ ህይወቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ነገር ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም! የሆዋ ነዚ ንዅሉ ሕማም እውን ከይተረፈ ኺፍውስ ዚኽእል ዓብዪ መምህር ስለ ዝሃቦም ኣመስገንዎ።​—⁠ማርቆስ 2:1-12

ካብዚ ተኣምር እዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

ካብዚ ተኣምር እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧⁠— የሱስ ሓጢኣት ኪሓድግን ሕሙማት ኪፍውስን ስልጣን ወይ ክእለት ከም ዘለዎ ኢና እንመሃር። ይኹን እምበር: ካልእ ኣገዳሲ ዝዀነ እንመሃሮ ነገር እውን ኣሎ። ሰባት ዚሓሙ ብሰንኪ ሓጢኣት ምዃኑ ኢና እንመሃር።

ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ስለ እንሓምም: ኵላትና ሓጥኣን ኢና ማለት ድዩ፧⁠— እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ኵላትና ብሓጢኣት ከም እተወለድና እዩ ዚነግረና። ብሓጢኣት ምውላድ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ዘይፍጹማት ኴንና ኢና ተወሊድና ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸይፈተና እውን ጌጋ ንገብር ኢና። ንዅላትና ኸመይ ገይሩ ሓጢኣት ኪህልወና ኸም ዝኸኣለስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ኣዳም እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዞ ኢና ብሓጢኣት ክንውለድ ክኢልና። ሕጊ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ሓጥአ። ኵላትና ድማ ካብ ኣዳም ሓጢኣት ወረስና። ከመይ ጌርና ኻብኡ ሓጢኣት ከም ዝወረስናስ ትፈልጥዶ፧ ክትርድኦ ብእትኽእል መገዲ ኽገልጸልካ ኽፍትን እየ።

ኵላትና ኸመይ ጌርና ኢና ሓጢኣት ክንወርስ ክኢልና፧

ምናልባት ሓደ ሰብ ሕብስቲ ኺስንክት ርኢኻ ትኸውን። እቲ መሰንከቲ ጠምባቝ ወይ ሓባጥ እንተ ዀይኑ እቲ ሕብስቲኸ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ እንታይ ከም ዚኸውን ትፈልጥዶ፧⁠— ኵሉ እቲ ዚስንከት ሕብስቲ እውን ጠምባቝ ወይ ሓባጥ ምልክት ሒዙዶ ኣይኰነን ዚወጽእ፧⁠—

ኣዳም ልክዕ ከምቲ መሰንከቲ እዩ: ንሕና ኸኣ ከምቲ ሕብስቲ ኢና። ሕጊ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ዘይፍጹም ኰነ። ብኻልእ ኣዘራርባ ጠምባቝ ወይ ሓባጥ ምልክት ሓዘ። ቈልዑ ምስ ወለደኸ: እቶም ቈልዑ እንታይ ዚዀኑ ይመስለካ፧⁠— ኵሎም ደቁ እዚ ናይ ዘይፍጽምና ምልክት ሒዞም ተወልዱ።

መብዛሕትኦም ቈልዑ ኽትርእዮ እትኽእል ዓብዪ ጕድለት ሒዞም ኣይውለዱን እዮም። ኢድ ወይ እግሪ ዘይብሎም ኰይኖም ኣይውለዱን እዮም። እቲ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ኸቢድ ስለ ዝዀነ ግን ሓሚሞም ኣብ መወዳእታ ይሞቱ እዮም።

ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብዙሕ ሳዕ ከም ዚሓሙ ፍሉጥ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ግን እንታይ እዩ፧ ዝያዳ ሓጢኣት ወሪሶም ስለ ዚውለዱዶ ዀን ይኸውን፧⁠— ኣይፋሎምን: ኵሉ ሰብ ማዕረ ሓጢኣት ሒዙ እዩ ዚውለድ። ኵላትና ዘይፍጹማት ኴንና ኢና እንውለድ። ስለዚ: ውዒልና ሓዲርና ነፍሲ ወከፍና ምሕማምና ዘይተርፍ እዩ። እቶም ንዅሉ ሕግታት ኣምላኽ ኪእዘዙ ዚጽዕሩ: ክፉእ ዘበለ ድማ ዘይገብሩ ሰባት እውን ከይተረፈ ኺሓሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓጢኣትና ምስ ኣልገሰ እንታይ ዓይነት ጥዕና እዩ ኺህልወና፧

ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብዙሕ ሳዕ ዚሓሙ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧⁠— ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። እኹል ምግቢ ስለ ዘይረኽቡ: ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ እቲ ብሓቂ ዜድልዮም ዓይነት ምግቢ ስለ ዘይበልዑ: ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምቁር ምግቢ የብዝሑ ይዀኑ። ካልእ ምኽንያት ከኣ ምሸት ኣጸቢቖም ስለ ዜምስዩ: ድቃስ ኣይጸግቡን ይዀኑ። ወይ ከኣ ማይ ኪወቅዕ ከሎ ብግቡእ ከይተኸድኑ ይወጹ ይዀኑ። ገሊኦም ነፍሶም ብግቡእ ዚከናኸኑ እኳ እንተዀኑ: ኣካላቶም ድኹም ስለ ዝዀነ ግን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብሎምን።

ዘይንሓመሉ ግዜስ ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧ ካብ ሓጢኣት እንላቐቐሉ ግዜስ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧⁠— የሱስ ነቲ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብኣይ እንታይ እዩ ገይርዎ፧⁠— ሓጢኣቱ ሓደገሉ: ኣሕወዮ ድማ። በዚ መገዲ እዚ ድማ የሱስ ሓደ መዓልቲ ንዅሎም እቶም ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዚጽዕሩ ሰባት እንታይ ከም ዚገብረሎም ኣርኣየ።

ክንሓጥእ ከም ዘይንደልን ሕማቕ ዘበለ ኸም እንጸልእን ነርኢ እንተደኣ ዄንና: የሱስ ኬሕውየና እዩ። ኣብ ዚመጽእ ግዜ ነቲ ሕጂ ዘሎና ዘይፍጽምና ኼወግዶ እዩ። ነዚ ድማ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እዩ ዚገብሮ። ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ብሓንሳእ ኣይኰነን ጽርግ ኢሉ ዜልግሰልና። በብቝሩብ ክሳዕ ዜልግስ ግዜ ኺወስድ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ኵሉ ሓጢኣትና ምስ ኣልገሰ: ፈጺምና ኣይክንሓምምን ኢና። ሽዑ ፍጹም ጥዕና እዩ ኺህልወና። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ሓጢኣት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ተወሳኺ ሓሳባት ንምርካብ እዮብ 14:4፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 3:23፣ 5:12፣ 6:23 ርአ።