ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 27

ኣምላኽካ መን እዩ፧

ኣምላኽካ መን እዩ፧

እዛ ‘ኣምላኽካ መን እዩ፧’ እትብል ሕቶ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧⁠— ምኽንያቱ ሰባት ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ እዮም። (1 ቈረንቶስ 8:5) ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ሓይሊ: ንሓደ ፈጺሙ በእጋሩ ኸይዱ ዘይፈልጥ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ: እቶም ሰባት ‘ኣማልኽቲ ሰብ መሲሎም ናባና ወሪዶም’ ኢሎም ጨደሩ። ንጳውሎስን ንዓርኩ በርናባስን ኬምልኽዎም ደለዩ። በቲ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዚጽውዑሉ ስማት ከኣ ንጳውሎስ ሄርሜስ: ንበርናባስ ድማ ድያስ በልዎም።

ይኹን እምበር: ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ሰባት ንኼምልኽዎም ኣይፈቐዱሎምን። ናብቶም ህዝቢ ጐይዮም ‘ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ህያው ኣምላኽ ተመለሱ’ በልዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-15) እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ “ህያው ኣምላኽ” መን እዩ፧⁠— እወ: እቲ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ የሆዋ እዩ። የሱስ ንየሆዋ ‘ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ኢኻ’ ኢልዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: መን ጥራይ እዩ ኺምለኽ ዚግብኦ፧⁠— የሆዋ ጥራይ እዩ።​—⁠መዝሙር 83:18፣ ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 4:11

ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ሰባት ኪሰግዱሎም ዘይፈቐዱሎም ስለምንታይ እዮም፧

መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ክንዲ ነቲ ‘በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ:’ ንኻልኦት ኣማልኽቲ የምልኹ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ነቲ ኻብ ዕንጨይቲ: እምኒ: ወይ ብረት ዚሰርሕዎ ነገራት እዮም ዜምልኹ። (ዘጸኣት 32:3-7፣ ዘሌዋውያን 26:1፣ ኢሳይያስ 44:14-17) ስሙያት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ከይተረፉ ኰዀብ ተባሂሎም ይጽውዑ: ከም ኣማልኽቲ ኸኣ እዮም ዚረኣዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክብሪ ኽትህቦምሲ ግቡእ ድዩ፧⁠—

ሳውል ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ኰነ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:4) እዚ ኣምላኽ እዚ መን እዩ፧⁠— እወ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ሰይጣን ሓያሎ ሰባትን ነገራትን ብሰባት ከም ዚምለኹ ገይሩ እዩ።

ሰይጣን ንየሱስ ‘ስገደለይ’ ብምባል ንኺሰግደሉን ንኼምልኾን ምስ ፈተኖ: የሱስ ንሰይጣን እንታይ እዩ ኢልዎ፧⁠— ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ’ እዩ ኢልዎ። (ማቴዎስ 4:10) ስለዚ: የሱስ ኣምልኾ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዚግባእ ኣነጸረ። ነዚ ዚፈልጡ ዝነበሩ ገለ መንእሰያት ዚምልከት ታሪኽ እስከ ነንብብ። ስሞም ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ⁠-​ኔጎ ይበሃሉ።

እዞም እብራውያን መንእሰያት እዚኣቶም ክፍሊ እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን እዮም ነይሮም: ተማሪኾም ከኣ ናብ ምድሪ ባቢሎን ተወስዱ። ኣብኡ ድማ ነቡካድነጻር እተሰምየ ንጉስ: ሓደ ዓብዪ ምስሊ ወርቂ ሃነጸ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ሙዚቃ ምስ ተወቕዐ: ኵሉ ሰብ ነቲ ምስሊ ኺሰግደሉ ኣዘዘ። ‘ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ’ ኢሉ ኣጠንቀቐ። ኣብኡ ኔርካ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧⁠—

እዞም ሰባት እዚኣቶም ንምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ስለምንታይ እዮም፧

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ወትሩ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞም ዘበለ ይእዘዝዎ እዮም ነይሮም። ነቲ ምስሊ ምስጋድ ግን ኣበዩ። ስለምንታይ ከም ዝኣበዩስ ትፈልጥዶ፧⁠— ሕጊ ኣምላኽ ‘ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። ምስልን ስእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎም ድማ’ ስለ ዚብል እዩ። (ዘጸኣት 20:3-5) ስለዚ: ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ትእዛዝ ንጉስ ዘይኰነስ: ሕጊ የሆዋ ሓለዉ።

እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ሰለስተ እብራውያን ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜምጽእዎም ገበረ። ‘ኣቱም ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ⁠-​ኔጎ: እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩምሲ ሓቂ ድዩ፧ ካልእ ዕድል ክህበኩም እየ። ሕጂ ድማ ሙዚቃ ምስ ሰማዕኩም: ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለዉ። እንተ ዘይሰጊድኩም ግን ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፧’ በሎም።

ሽዑ እቶም መንእሰያት እንታይ እዮም ገይሮም፧ ንስኻ እንተ ትኸውን ኔርካ እንታይ ምገበርካ፧⁠— ንሳቶም ነቲ ንጉስ ከምዚ በልዎ:- ‘እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኬናግፈና ይኽእል እዩ። ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ: ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኣይነምልኽን ኢና: ነቲ ምስሊ ወርቅኻውን ኣይንሰግደሉን ኢና።’

እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ‘ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተ ሳዕ ኣበርቲዕኩም ኣንድድዎ’ ኢሉ ኣዘዘ። ድልዱላት ሰብኡቱ ጸዊዑ ኸኣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ኣሲሮም ኣብቲ እቶን ኪድርብይዎም ኣዘዞም። እቲ እቶን ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ ኸኣ እቶም ሰብኡት እቲ ንጉስ: በቲ ሃልሃልታ ተቐትሉ። እቶም ሰለስተ እብራውያንከ እንታይ ኰኑ፧

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ወደቑ። ጸኒሖም ግን ደው በሉ። ኣይተጐድኡን። ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ገመድ ከኣ ተፈትሑ። እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ኪኸውን ክኢሉ፧⁠— እቲ ንጉስ ኣብቲ እቶን ጠመተ እሞ በቲ ዝረኣዮ ፈርሀ። “ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፧” ኢሉ ሓተተ። ኣገልገልቱ ኸኣ “ርግጽ እዩ: ዎ ንጉስ” ኢሎም መለሱሉ።

የሆዋ ነገልገልቱ ኻብቲ ጕሁር እቶን ብኸመይ እዩ ዘናገፎም፧

ሽዑ እቲ ንጉስ “እንሆ: ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት: ገለ እኳ ኸይተጐድኡ: ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ” በሎም። እቲ ራብዓይ መን ምዃኑስ ትፈልጦዶ፧⁠— መልኣኽ የሆዋ እዩ ነይሩ። ነቶም ሰለስተ እብራውያን ድማ ካብ ጕድኣት ኣዕቘቦም።

እቲ ንጉስ እዚ ምስ ረኣየ ናብ ኣፍ እቲ እቶን ቀረበ እሞ: “ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ⁠-​ኔጎ: ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ: ውጹ: ናብዚ ንዑ” ኢሉ ጸውዖም። ምስ ወጹ: ኵሉ ሰብ ምንም ከም ዘይነደዱ ረኣዮም። ጨና ሓዊ ዚበሃል እኳ ኣይነበሮምን። ሽዑ እቲ ንጉስ ‘እቲ ነቶም ባሮቱ: ብዘ⁠ይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘየምልኹ: መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ይባረኽ’ በለ።​—⁠ዳንኤል ምዕራፍ 3

ሎሚ ሰባት ንኸመይ ዝኣመሰሉ ጣኦታት እዮም ክብሪ ዚህቡ ዘለዉ፧

ካብቲ ሽዑ እተፈጸመ ነገር እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ሎሚ እውን ከይተረፈ ሰባት ንኣምልኾ ዚኸውን ምስልታት ወይ ጣኦታት የቝሙ እዮም። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ሰንደቕ ዕላማ ልክዕ ከም መስቀል ቅዱስ እዩ” ይብል። ምስልታት ካብ ዕንጨይቲ: ካብ እምኒ: ካብ ብረት: ወይ ካብ ጨርቂ ኺስራሕ ይኽእል እዩ። ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ሮማዊ ሃጸይ ወይ ገዛኢ ብንእሽቶ እውን ይኹን ኣየምልኽዎን እዮም ነይሮም። እዚ ድማ ጸሓፍ ታሪኽ ዳንየል ማኒክስ ከም ዝበሎ “ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ንኸይትህብ ወይ ከኣ ናይ ተኣማንነት ማሕላ ንኸይትምሕል ምስ ምእባይ” ኪመሳሰል ይኽእል እዩ።

ስለዚ: ሓደ ሃይማኖታዊ ምስሊ ኻብ ጨርቂ: ካብ ዕንጨይቲ: ካብ እምኒ: ወይ ካብ ብረት ይሰራሕ: ንኣምላኽ ዜገድሶዶ ይመስለካ፧⁠— ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስሊ ኼምልኽሲ ግቡእ ድዩ፧⁠— ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣየምለኹን: የሆዋ ኸኣ ተሓጒሱሎም እዩ። ንኣብነቶም ከመይ ጌርካ ኽትቀድሖ ምኸኣልካ፧⁠—

እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል: ሰብ: ወይ ነገር ኬምልኹ ኣይክእሉን እዮም። ብዛዕባኡ ኣብ እያሱ 24:14, 15, 19-22፣ ኢሳይያስ 42:8፣ 1 ዮሃንስ 5:21፣ ከምኡውን ራእይ 19:10 እንታይ ከም ዚብል ርአ።