ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 28

ንመን ክንእዘዝ ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ንመን ክንእዘዝ ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ንመን ክንእዘዝ ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኣሸጋሪ ዝዀነሉ ግዜ ኣሎ። ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ሓደ ነገር ክትገብር ይነግሩኻ ይዀኑ። ድሕሪኡ ግን መምህርካ ወይ ፖሊስ እተፈልየ ነገር ክትገብር ይነግረካ። ከምዚ ኼጋጥመካ ኸሎ ንመኖም ኢኻ ኽትእዘዝ ዘሎካ፧⁠—

ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምዕራፍ 7: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኤፌሶን 6:1-3 ኣንቢብና ኔርና። ቈልዑ ንወለዶም ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ከኣ እዩ ዚነግረና። እታ ጥቕሲ “ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ትብል። “ብጐይታ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ብጐይታ ዚምርሑ ወለዲ ንደቆም ሕግታት ኣምላኽ ኪእዘዙ እዮም ዚምህርዎም።

ገሊኦም ዓበይቲ ግን ብየሆዋ ኣይኣምኑን እዮም። ስለዚ: ሓደ ኻባታቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ግዜ ፈተና እንተ ቐዳሕካ ወይ ካብ እንዳ ድኳን ከይከፈልካ ሓደ ነገር ኣልዒልካ እንተ ወሲድካ: ምንም ሽግር የብሉን እንተ ዚብለካኸ፧ ቈልዓ ኪቐድሕ ወይ ኪሰርቕ ግቡእ ድዩ፧⁠—

ንጉስ ነቡካድነጻር: ኵሉ ሰብ ነቲ ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሉ ኺሰግደሉ ኣዚዙ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ግን ኣይሰገዱን። ስለምንታይ ከም ዘይሰገዱ ትፈልጥዶ፧⁠— ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ንየሆዋ ጥራይ ኬምልኹ ኸም ዘለዎም እዩ ዚነግረና።​—⁠ዘጸኣት 20:3፣ ማቴዎስ 4:10

ጴጥሮስ ንቀያፋ እንታይ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧

የሱስ ምስ ሞተ: ንሃዋርያቱ ናብ ዋዕላ ማለት ናብቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ቀንዲ ሃይማኖታዊ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣምጽእዎም። ሊቀ ኻህናት ቀያፋ ድማ “በዚ ስም እዚ [ማለት ብስም የሱስ] ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ: ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ” በለ። እቶም ሃዋርያት ነቲ ዋዕላ ዘይተኣዘዝዎ ስለምንታይ እዮም፧⁠— ጴጥሮስ ኣብ ክንዲ ዅሎም ሃዋርያት ኰይኑ ንቀያፋ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” በሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29

ኣብቲ ግዜ እቲ መራሕቲ ሃይ​ማኖት ኣይሁድ ብዙሕ ስልጣን እዩ ነይርዎም። ይኹን እምበር: ሃገሮም ብመንግስቲ ሮሜ እያ እትግዛእ ነይራ። መራሒ እቲ መንግስቲ ኸኣ ቄሳር ይበሃል ነበረ። ሽሕኳ ኣይሁድ ቄሳር ኪገዝኦም ዘይደልዩ እንተ ነበሩ: መንግስቲ ሮሜ ነቲ ህዝቢ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እዩ ዚገብረሉ ነይሩ። ሎሚ እውን መን​ግስትታት ንዜጋታቶም ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እዮም ዚገብሩሎም። ገለ ኻብዚ ነገራት እዚ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧⁠—

መንግስትታት ንመጐዓዝያ ዚኸውን ጽርግያታት ይሰርሑ: ንፖሊስን ንመጥፋእቲ ሓውን ከኣ ንኺከላኸሉልና ደሞዝ ይኸፍልዎም። ንመንእሰያት ቤት ትምህርቲ: ንኣረጋውያን ከኣ መእለዪኦም ዚኸውን ትካላት የዳልዉሎም። ሓደ መንግስቲ እዚ ነገራት እዚ ንኺገብር ገንዘብ የድልዮ እዩ። ገንዘብ ካበይ ከም ዚረክብከ ትፈልጥዶ፧⁠— ካብ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ንመንግስቲ ዚኸፍሎ ገንዘብ ከኣ ግብሪ ወይ ቀረጽ ይበሃል።

እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ምድሪ ኺነብር ከሎ: ብዙሓት ኣይሁድ ንመንግስቲ ሮሜ ግብሪ ኪኸፍልዎ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ስለዚ: ሓደ መዓልቲ እቶም ካህናት ንየሱስ ብሕቶ ገይሮም ኣብ ጸገም ምእንቲ ኼእትውዎ ሰባት ለኣኹሉ። እታ ሕቶ ‘ንቄሳር ግብሪ ኽንህብሲ ይግብኣና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧’ እትብል ነበረት። ብተንኰል እዮም ሓቲቶምዎ። የሱስ ‘እወ: ግብሪ ኽትከፍሉ ይግብኣኩም እዩ’ ኢሉ እንተ መሊሱ: ብዙሓት ኣይሁድ ነቲ መልሲ ኣይምፈተውዎን ነይሮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ‘ግብሪ ኽትከፍሉ የብልኩምን’ ኪብል ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ምባል ጌጋ እዩ።

ስለዚ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ‘እቲ ሰልዲ ኣርእዩኒ’ በሎም። ሰልዲ ምስ ኣምጽኡሉ ኸኣ: ‘እቲ ኣብኡ ዘሎ ስእልን ስምን ናይ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “ናይ ቄሳር” በሉ። ስለዚ: የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ” በሎም።​—⁠ሉቃስ 20:19-26

የሱስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብተንኰል ምስ ሓተትዎ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሎም፧

ነዚ መልሲ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኪነቕፎ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ቄሳር ንሰባት ሰናይ ነገራት ዚገብረሎም ካብ ኰነ: ነቲ ቄሳር ዝሰርሖ ገንዘብ ኣብ ክንዲ እቲ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት ክትከፍሎ ግቡእ እዩ። በዚ ኸምዚ እምበኣር: የሱስ ስለ እቲ እተቐበልናዮ ነገራት ንመንግስቲ ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ምዃኑ ኣርኣየ።

ንእሽቶ ስለ ዝዀንካ: ግብሪ ኣይትኸፍልን ኢኻ። ንመንግስቲ ኽትህቦ እትኽእል ነገር ግን ኣሎ። እዚ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ነቲ መንግስቲ ዜውጽኦ ሕግታት ምእዛዝ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣን ተኣዘዝዎም’ ይብለና። እዚኣቶም ኣብ መንግስቲ ስልጣን ዘለዎም ሰባት እዮም። ንሕግታት መንግስቲ ተኣዘዙ ዝበለና እምበኣር ኣምላኽ እዩ።​—⁠ሮሜ 13:1, 2

ኣብ መገዲ ወረቐት ከይንድርቢ ወይ ዝዀነ ነገር ከይንጕሕፍ ዚኽልክል ሕጊ ይህሉ ይኸውን። ነዚ ሕጊ እዚ ኽትእዘዞ ይግብኣካዶ፧⁠— እወ: ኣምላኽ ክትእዘዞ ይደልየካ እዩ። ንፖሊስከ ኽትእዘዞ ይግብኣካዶ፧⁠— ፖሊስ ንህዝቢ ምእንቲ ኼዕቝቡ ወይ ኪከላኸሉ: መንግስቲ ደሞዝ ይኸፍሎም እዩ። ንፖሊስ ክትእዘዝ ከለኻ: ንመንግስቲ ኢኻ እትእዘዝ ዘለኻ።

ስለዚ እምበኣር: ጽርግያ ኽትሰግር እንተ ትደሊ እሞ ፖሊስ “ጽናሕ!” እንተ ዚብለካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧⁠— ካልኦት ሰባት ስቕ ኢሎም እንተ ዚሰግሩ: ክትሰግር ይግብኣካዶ፧⁠— ዋላ እኳ በይንኻ እንተ ተረፍካ: ክትጸንሕ እዩ ዘሎካ። ኣምላኽ ክትእዘዝ ከም ዘሎካ ነጊሩካ እዩ።

ኣብ ጐረባብቲ ሽግር እንተ ዚልዓል: ፖሊስ “ኣብ ጐደናታት ኣይትጽንሑ: ካብ ገዛ ኣይትውጽኡ” ኢሉ ይእዝዝ ይኸውን። ይኹን እምበር: ጫውጫው ትሰምዕ እሞ: እንታይ ኰን እዩ ዜጋጥም ዘሎ ኢልካ ኸኣ ትሓስብ ትኸውን። ክትርኢ ኢልካ ኽትወጽእ ይግብኣካዶ፧⁠— እንተ ወጺእካ: ‘ንላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣን’ ብሓቂ ትእዘዞም ኣለኻ ኺበሃል ይከኣልዶ፧⁠—

ኣብ ሓያሎ ቦታታት ከኣ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ይሃንጽ ንመምህራን ከኣ ደሞዝ ይኸፍሎም። ስለዚ: ኣምላኽ ንመምህር ክትእዘዞ ዚደልየካዶ ይመስለካ፧⁠— ሕስብ እሞ ኣብሎ። መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ንህዝቢ ምእንቲ ኺከላኸል ኢሉ ንፖሊስ ደሞዙ ዚኸፍሎ: ንመምህር እውን ንኺምህር ኢሉ ደሞዙ ይኸፍሎ እዩ። ስለዚ: ንፖሊስ ወይ ንመምህር እንተ ተኣዚዝካ: ልክዕ ንመንግስቲ ኸም እተኣዘዝካ እዩ ዚቝጸር።

ንፖሊስ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መምህርካ ምስሊ ኸተምልኽ እንተ ዚእዝዘካኸ፧ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧⁠— እቶም ሰለስተ እብራውያን: ንጉስ ነቡካድነጻር ነቲ ምስሊ ኪሰግዱሉ ምስ ኣዘዞም ኣይሰገዱሉን። ስለምንታይ ከም ዘይሰገዱሉስ ትዝክሮዶ፧⁠— ትእዛዝ ኣምላኽ ኬፍርሱ ስለ ዘይደለዩ እዮም።

ዊል ዱራንት ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ‘ብዝለዓለ ደረጃ እሙናት ዝነበሩ ንቄሳር ኣይኰኑን’ ኢሉ ጸሓፈ። እወ: ብዝለዓለ ደረጃ እሙናት ዝነበሩ ንየሆዋ እዮም። ስለዚ: ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ቀዳምነት ክንህቦ ኣሎና።

ንመንግስቲ እንእዘዝ: ኣምላኽ ክንእዘዞ ስለ ዚደልየና እዩ። ኣምላኽ ክንገብሮ ዘይደልየና ነገር ክንገብር እንተደኣ ተኣዚዝና ግን: እንታይ ኢና ኽንብል ዘሎና፧⁠— ልክዕ ከምቲ ሃዋርያት ነቲ ሊቀ ኻህናት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝበልዎ ንሕናውን ከምኡ ኢና ኽንብል ዘሎና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:29

መጽሓፍ ቅዱስ ንሕጊ ኸነኽብር ከም ዘሎና ይነግረና እዩ። ማቴዎስ 5:41፣ ቲቶስ 3:1፣ ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 2:12-14 እንታይ ከም ዚብል ኣንብብ።