ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 29

ድግስ ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧

ድግስ ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧

ኣምላኽ በዚ ብታሕጓስ እተገብረ ሳዕስዒት ባህ ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧

ድግስ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኽትከይድ ደስዶ ይብለካ፧⁠— ድግስ ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ናብ ድግስ ክንከይድ ዚደልየናዶ ይመስለካ፧⁠— የሱስ ናብ ሓደ ድግስ እውን ኪበሃል ዚከኣል መርዓ ኸይዱ እዩ: ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ እውን ምስኡ ኸዱ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ ናብ ሓደ ጥዑይ ድግስ ኬድና ኽንሕጐስ ከሎና ባህ እዩ ዚብሎ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW​​ዮሃንስ 2:1-11

ኣብ ገጽ 29 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ ንእስራኤላውያን ኣሕሊፍዎም እዩ። ነዚ ታሪኽ እዚ ኸነንብቦስ ትዝዶ ይብለካ፧⁠— ድሕሪኡ እቶም ህዝቢ ብመዝሙርን ብሳዕስዒትን ንየሆዋ ኣመስገንዎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ድግስ ዚግበር ነገራት እዮም ገይሮም። እቶም ህዝቢ ኣጸቢቖም ተሓጒሶም ነበሩ: ኣምላኽ እውን ከም እተሓጐሰ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ዘጸኣት 15:​1, 20, 21

ድሕሪኡ ዳርጋ 40 ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ: እስራኤላውያን ናብ ሓደ ዓብዪ ድግስ ከዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን እቶም ዝዓደምዎም ሰባት ንየሆዋ ኣየምልኹን እዮም ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም እኳ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚሰግዱ: ምስ ዘይ​ተመርዓውወን ኣንስቲ ኸኣ ጾታዊ ርክብ ዚገብሩ ሰባት እዮም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ምኻድ ግቡእዶ ይመስለካ፧⁠— የሆዋ ኣይተሓጐሰን ንእስራኤላውያን ከኣ ቀጺዕዎም እዩ።​—⁠ዘሁልቍ 25:1-9፣ 1 ቈረንቶስ 10:8

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽልተ ናይ ልደት ድግስ ይነግረና እዩ። ሓደ ኻብኡ ንልደት እቲ ዓብዪ መምህር ንምኽባር እተገብረዶ ዀን ይኸውን፧⁠— ኣይፋሉን። ክልቲኡ ንየሆዋ ንዘየምልኹ ሰባት ንምኽባር እተገብረ ድግስ እዩ። እቲ ሓደ ናይ ንጉስ ሄሮድስ ኣንቲጳስ መዓልቲ ልደት እተኸብረሉ ድግስ እዩ ነይሩ። ሄሮድስ ነቲ የሱስ ዚነብረሉ ዝነበረ ኣውራጃ ገሊላ ይገዝእ ነበረ።

ንጉስ ሄሮድስ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት እዩ ዚገብር ነይሩ። ንሰበይቲ ሓዉ: ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ሄሮድያዳ ኸኣ ትበሃል። እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ: ንሄሮድስ ጌጋ ኸም ዝገበረ ነገሮ። ሄሮድስ ግን ስለ ዘይተሓጐሰሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።​—⁠ሉቃስ 3:19, 20

ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ: ሄሮድስ ልደቱ ዜኽብረላ መዓልቲ መጸት። ዓብዪ ድግስ ከኣ ገበረ። ብዙሓት ምርኡያት ሰባት ዓደመ። ኵሎም ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐትሎም። ኵሎም ብሳዕስዒታ ስለ እተሓጐሱ ኸኣ ሄሮድስ ፍሉይ ህያብ ኪህባ ደለየ። “ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ: ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” በላ።

ንሳኸ እንታይ ኰን እያ ለሚናቶ፧ ገንዘብ፧ ጽቡቕ ክዳውንቲ፧ ወይስ እትነብረሉ ዓብዪ ገዛ፧ እታ ጓል እንታይ ከም እትልምኖ ጠፍኣ። ስለዚ ድማ ናብ ኣዲኣ ሄሮድያዳ ኸይዳ “እንታይ ክልምኖ፧” በለታ።

ሄሮድያዳ ንዮሃንስ መጥምቕ ኣጸቢቓ እያ ትጸልኦ ነይራ። ስለዚ: ንጓላ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ክትልምን ነገረታ። እታ ጓል ናብቲ ንጉስ ተመሊሳ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ [ወይ: ሸሓኒ] ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ አሎኹ” በለቶ።

ንጉስ ሄሮድስ: ዮሃንስ ጻድቕ ሰብኣይ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ኪቐትሎ ኣይደልን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ቃል ኣትዩላ እዩ: ሓሳቡ እንተደኣ ቐይሩ ድማ እቶም ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ኣፍርሆ። ስለዚ: ንሓደ ሰብኣይ ርእሲ ዮሃንስ ኪቘርጽ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ለኣኾ። እቲ ሰብኣይ ቀልጢፉ ተመልሰ። ንርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ሒላብ ገይሩ ነታ ጓል ሃባ። እታ ጓል ከኣ ነዲኣ ሃበታ።​—⁠ማርቆስ 6:17-29

እቲ ኻልእ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነግረና ናይ ልደት ድግስ እውን ካብዚ ዚሓይሽ ኣይኰነን። ንኽብሪ ንጉስ ግብጺ እተገብረ ድግስ ከኣ እዩ ነይሩ። እቲ ንጉስ እውን ኣብ ድግሱ ርእሲ ኻልእ ሰብ ኣቝሪጹ እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ኣዕዋፍ ኪበልዓኦ ሰቐሎ። (ዘፍጥረት 40:​19-22) ኣምላኽ ነዚ ኽልተ ድግስ እዚ ዚሰምሮዶ ይመስለካ፧⁠— ኣብቲ እዋን እቲ ኔርካ እንተ ትኸውን: ናብኡ ኽትከይድ ምደለኻዶ፧⁠—

ኣብቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ናይ መዓልቲ ልደቱ ድግስ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧

ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ ነገራት ብዕላማ ኸም እተጻሕፈ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ኽልተ ናይ ልደት ድግስ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ ክልቲኡ ኸኣ ከም ክፍሊ እቲ ድግስ ኰይኑ ሕማቕ ነገራት እዩ ተገይሩ። ስለዚ: ኣምላኽ ብዛዕባ ንልደት ኢልካ ዚግበር ድግስ እንታይ እዩ ዚነግረና ዘሎ፧ ልደት ከነብዕል ይደልየና ድዩ፧⁠—

ሎሚ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንልደት ኢልካ ዚግበር ድግስ: ርእሲ ሰብ ከም ዘይቈርጹ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: መዓልቲ ልደት ምብዓል ዝጀመርዎ እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘየምልኹ ሰባት እዮም። ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ በዓላት ልደት “ሓጥኣን ጥራይ እዮም . . . በታ እተወለዱላ መዓልቲ ኣጸቢቖም እተሓጐሱ” ይብል። ከማታቶም ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧⁠—

እቲ ዓብዪ መምህርከ፧ መዓልቲ ልደቱ ኣብዒሉ ድዩ፧⁠— ኣየብዓለን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ በዓል ልደት የሱስ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅስን እዩ። አረ እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ እውን እንተዀኑ ንልደቱ ኣየብዓሉን። ሰባት ጸኒሖም ንልደት የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ (ብሓበሻ 29 ታሕሳስ) ስለምንታይ ኬብዕልዎ ኸም ዝመረጹስ ትፈልጥዶ፧⁠—

እታ ዕለት እተመርጸትሉ ምኽንያት: ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ኺገልጽ ከሎ: “ህዝቢ ሮሜ ኣቐዲሞም በዓል ሳተርን ኢሎም ጸሓይ እተወልደትሉ መዓልቲ የብዕሉ ነበሩ” ይብል። ስለዚ ኸኣ ሰባት ንልደት የሱስ ኣብታ ኣረማውያን ኣቐዲሞም ዜብዕሉላ ዝነበሩ ዕለት ኬብዕልዋ መረጹ።

የሱስ ኣብ ታሕሳስ ተወሊዱ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ኪውለድ ከሎ ጓሶት ብለይቲ ኣብ መሮር ወይ ኣብ በረኻ ኸም ዝሓደሩ ይነግረና እዩ። (ሉቃስ 2:8-12) ኣብቲ ኸባቢ እቲ ወርሒ ታሕሳስ ዝናብ ዝዘንበሉ ቘራሪ ግዜ ስለ ዝዀነ ሽዑ ኣብ ደገ ኣይምሓደሩን።

ልደት የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ (ብሓበሻ 29 ታሕሳስ) ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት 25 ታሕሳስ (ብሓበሻ 29 ታሕሳስ) የሱስ እተወልደላ መዓልቲ ኸም ዘይኰነት ይፈልጡ እዮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣረማውያን ንኣምላኽ ዘየሐጕስ በዓል የብዕሉ ኸም ዝነበሩ እውን ይፈልጡ እዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም በዓል ልደት የብዕሉ እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ኢሉ ኸም ዚሓስብ ኪፈልጡ ኣብ ክንዲ ዚደልዩ: ኣብቲ ድግስ ምክፋሎም ጥራይ እዩ ዜገድሶም። ንሕና ግን ንየሆዋ ኸነሐጕሶዶ ኣይኰንናን እንደሊ፧⁠—

ስለዚ: ድግስ ክንገብር ከለና ንየሆዋ ዜሐጕስ ምዃኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ንየሆዋ ዜሐጕስ ድግስ ኣብ ዓመት: ኣብ ዝዀነ ይኹን መዓልቲ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ንሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ምጽባይ ኣየድልየናን እዩ። ፍሉይ ምግብን እተፈላለየ ጸወታታትን ከነዳሉ ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽትገብር ትደሊ ዲኻ፧⁠— ምናልባት ምስ ወለድኻ ተዘራሪብካ ድግስ ንኸተዳሉ መደብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምግባርሲ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧⁠— መደብ ቅድሚ ምግባርካ ግን: የሆዋ ዚሕጐሰሉ እንተ ዀይኑ ኸተረጋግጽ ኬድልየካ እዩ።

እቲ እንገብሮ ምትእኽኻብ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ኢና ኸነረጋግጽ እንኽእል፧

ወትሩ የሆዋ ዚሕጐሰሉ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ምሳሌ 12:2፣ ዮሃንስ 8:29፣ ሮሜ 12:2፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 3:22 ተገሊጹ ኣሎ።