ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 31

ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ጕሂኻ: ወይ ብጽምዋ ተበሊዕኻ ትፈልጥዶ፧⁠— ዘፍቅረኒ ዋላ ሓደ የለን ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧⁠— ገሊኦም ቈልዑ ኸምኡ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ኣምላኽ ግን ‘ኣነስ ኣይክርስዓካን እየ’ ኢሉ ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 49:15) እዝስ ክትሓስቦ ኸለኻ ጥራይ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧⁠— እወ: የሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ የፍቅረና እዩ።

እዛ ዝጠፍአት ዕየት እንታይ ዚስምዓ ዘሎ ይመስለካ፧

ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ። (መዝሙር 27:10) ነዚ ምፍላጥና ብሓቂ ኼጸናንዓና ዚኽእልዶ ኣይኰነን፧⁠— እወ: የሆዋ ‘ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ክረድኣካ እየ’ ኢሉና እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 41:10

ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንሰይጣን ሽግራት ኬምጽኣልና ይፈቕደሉ እዩ። ነገልገልቱ ንኺፍትኖም እውን ከይተረፈ ይፈቕደሉ እዩ። ሓደ እዋን ድያብሎስ ንየሱስ ብዙሕ ስቓይ ስለ ዘውረደሉ: የሱስ ዓው ኢሉ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” በለ። (ማቴዎስ 27:46) የሱስ ይሳቐ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 10:17) እንተዀነ ግን: ሰይጣን ነገልገልቲ የሆዋ ኺፍትኖምን ኬሳቕዮምን ከም እተፈቕደሉ እውን የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ካልእ ምዕራፍ: ኣምላኽ ንሰይጣን ከምዚ ንኺገብር ስለምንታይ ከም ዝፈቐደሉ ኺግለጽ እዩ።

ንኣሽቱ ሓድሓደ ግዜ ግድን ዚፈርሁሉ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት: ገዛኻ ጠፊኡካዶ ይፈልጥ፧⁠— ሽዑ ፈሪህካዶ፧⁠— ብዙሓት ቈልዑ ይፈርሁ እዮም። እቲ ዓብዪ መምህር ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ዝጠፍአት ህያው ፍጥረት ተዛሪቡ ነይሩ። እታ ዝጠፍአት ግን ቈልዓ ኣይኰነትን ነይራ። ሓንቲ በጊዕ እያ ነይራ።

ሓድሓደ ግዜ ንስኻውን ምስ በጊዕ ትመሳሰል ኢኻ። ከመይ ጌርካ፧ ኣባጊዕ ክሳዕ ክንድቲ ዓበይቲ ወይ ድልዱላት ኣይኰናን። ዚሕልወን ወይ ዚከላኸለለን ይደልያ እየን። ነባጊዕ ዚሕሉ ጓሳ ይበሃል።

የሱስ ኣብ ዛንታኡ ብዛዕባ ሓደ ሚእቲ ኣባጊዕ ዝነበራኦ ጓሳ ተዛረበ። ሓደ መዓልቲ ግን ሓንቲ ኻብተን ኣባጊዑ ጠፍአት። ኣብ ስግር እቲ ጐቦ እንታይ ከም ዘሎ ኽትርኢ ስለ ዝደለየት ክትከውን ትኽእል እያ። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ እናረሓቐት ከደት። እታ በጊዕ ግልጽ ምልጽ ምስ በለት: በይና ምህላዋ ኸኣ ምስ ፈለጠት: እንታይ ከም እተሰምዓ ኽትግምቶዶ ምኸኣልካ፧⁠—

እቲ ጓሳ በጊዑ ኸም ዝጠፍአት እንተደኣ ፈሊጡ: እንታይ እዩ ዚገብር፧ ናታ ጕድለት ብምዃኑ ብዛዕባኣ ኺጭነቕ ከም ዘይብሉ ድዩ ዚሓስብ፧ ወይስ ነተን 99 ኣባጊዕ ኣብ ዜተኣማምን ቦታ ገዲፉ ነታ ሓንቲ ኺደሊ እዩ ዚኸይድ፧ ንሓንቲ በጊዕ ኢልካ ኽሳዕ ክንድዚ ሃለኽለኽ ምባልሲ የድሊዶ፧⁠— ንስኻ እታ ዝጠፍአት በጊዕ ኔርካ እንተ ትኸውን: እቲ ጓሳ ኺደልየካ ምተመነኻዶ፧⁠—

በቲ ንበጊዑ ዘድሓነ ጓሳ ተመሲሉ ዘሎ መን እዩ፧

እቲ ጓሳ ንዅለን ኣባጊዑ: እንተላይ ነታ ዝጠፍአት: ኣጸቢቑ እዩ ዚፈትወን። ስለዚ ድማ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ኸደ። እታ በጊዕ እቲ ጓሳ ናብኣ ገጹ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣየቶ: ክንደይ ተሓጒሳ ኽትከውን ከም እትኽእልሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ። የሱስ: እቲ ጓሳ እውን ነታ በጊዕ ምስ ረኸባ ኸም እተሓጐሰ ገለጸ። ካብተን ዘይጠፍኣ 99 ኣባጊዕ ንላዕሊ ብእኣ ተሓጐሰ። ኣብቲ የሱስ ዝነገረና ዛንታ በቲ ጓሳ ተመሲሉ ዘሎ መን እዩ፧ ልክዕ ከምቲ እቲ ጓሳ ነታ በጊዑ እተገደሰላ ገይሩ ዚግደሰልና መን እዩ፧⁠— የሱስ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኡ ምዃኑ ገሊጹልና እዩ። ኣቦኡ ኸኣ የሆዋ እዩ።

የሆዋ ኣምላኽ: ናይ ህዝቡ ዓብዪ ጓሳ እዩ። ንዅሎም እቶም ከማኻ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ዚርከብዎም ኣገልገልቱ የፍቅሮም እዩ። ዋላ ሓደ ኻባና ኺጕዳእ ወይ ኪጠፍእ ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ክሳዕ ክንድዚ ኸም ዚግደሰልና ምፍላጥና ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 18:12-14

የሆዋ ልክዕ ከም ኣቦኻ ወይ ከም ካልእ ሰብ ጋህዲ ዀይኑ ድዩ ዚረኣየካ፧

ብሓቂዶ ብየሆዋ ኣምላኽ ትኣምን ኢኻ፧⁠— ጋህዲ ዀይኑ ድዩ ዚረኣየካ፧⁠— ንየሆዋ ኽንርእዮ ኸም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። ምኽ​ንያቱ መንፈስ እዩ። ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል ኣካል እዩ ዘለዎ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ኣካል ስለ ዝዀነ: ኪርእየና ይኽእል እዩ። መዓስ ሓገዝ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ሰብ እንዛረቦ: ንዕኡውን ብጸሎት ክንዛረቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸምዚ ኽንገብር ይደልየና እዩ።

ስለዚ: ክትጒሂ ኸለኻ ወይ ጽምዋ ኺስምዓካ ኸሎ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧⁠— ንየሆዋ ተዛረቦ። ቅረቦ: ንሱ ድማ ኬጸናንዓካን ኪሕግዘካን እዩ። በይንኻ ኸም ዝዀንካ ኣብ ዚስምዓካ ግዜያት እውን ከይተረፈ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ኣይትረስዕ። መጽሓፍ ቅዱስና እሞ ንሓዝ። መዝሙር 23 ካብ ቍጽሪ 1 ጀሚርና እንተደኣ ኣንቢብና ኸምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ: ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ: ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።”

እቲ ጸሓፊ ወሲኹ ኣብ ቍጽሪ 4 እንታይ ከም ዝበለ ነስተብህል:- “በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ: ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ: ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ: ክፉእ ኣይፈርህን እየ።” እቶም የሆዋ ዝኣምላኾም ሰባት ከምኡ እዩ ዚስምዖም። ጸገማት ኬጓንፎም ከሎ ምጽንናዕ ይረኽቡ እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧⁠—

ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ጓሳ ንመጓሴኡ ዝሓልየለን: የሆዋ እውን ንህዝቡ ይሓልየሎም እዩ። ኪኸዱሉ ዘለዎም ቅኑዕ መገዲ ይሕብሮም: ተሓጒሶም ከኣ ይስዕብዎ። ዚርብሽ ኵነታት እኳ እንተ ኣጓነፎም: ኪፈርሁ የብሎምን። ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ኻብቶም ኪጐድእወን ዚኽእሉ እንስሳታት ንኼዕቘበን በትሪ ወይ ስላዕ እዩ ዚጥቀም። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ነባጊዑ ኻብ ኣንበሳን ካብ ድብን ብኸመይ ከም እተኸላኸለለን ይነግረና እዩ። (1 ሳሙኤል 17:34-36) ህዝቢ ኣምላኽ እውን የሆዋ ኸምኡ ገይሩ ኸም ዚከላኸለሎም ይፈልጡ እዮም። ኣምላኽ ምስኦም ስለ ዝዀነ ቕሳነት ኪሰምዖም ይኽእል እዩ።

ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ: ከምቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ዚከላኸለለን ገይሩ መን እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

የሆዋ ብሓቂ ነባጊዑ የፍቅረን እዩ: ተጠንቂቑ ኸኣ እዩ ዚሓልየለን። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነባጊዑ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን እዩ’ ይብል።​—⁠ኢሳይያስ 40:11

የሆዋ ኸምኡ ምዃኑ ምፍላጥካስ ኣየሐጕሰካንዶ፧⁠— ሓደ ኻብ ኣባጊዑ ኽትከውን ትደሊዶ፧⁠— ኣባጊዕ ድምጺ ጓሳአን ይሰምዓ እየን። ይቐርባኦ ድማ እየን። ንስኻኸ ንየሆዋ ትሰምዖ ዲኻ፧⁠— ትቐርቦ ዲኻ፧⁠— ከምዚ እንተደኣ ጌርካ: ፈጺምካ ኽትፈርህ የብልካን። የሆዋ ምሳኻ ኪኸውን እዩ።

የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ ብፍቕሪ ይሓልየሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ሓቢርና ኣብ መዝሙር 37:25፣ 55:22፣ ከምኡውን ሉቃስ 12:​29-31 ነንብብ።