ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 36

መን እዮም ዚትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧

መን እዮም ዚትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧

ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ምዕራፋት: ክንደይ ሰባት ከም ዝተንስኡ ኢና ኣንቢብና ኔርና፧⁠— ሓሙሽተ እዮም። ክንደይ ቈልዑ ነይሮም፧⁠— ሰለስተ። እቲ ራብዓይ ከኣ ጐበዝ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ ዜረድኣና፧⁠—

ኣምላኽ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ከም ዜፍቅሮም እዩ ዜርኢ። ይኹን እምበር: ንብዙሓት ካልኦት እውን ኬተንስእ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ሰናይ ዚገብሩ ጥራይ ድዩ ዜተንስኦም፧⁠— ከምኡ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፈጺሞም ተማሂሮም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ነይሮም እዮም። ስለዚ: ጌጋ ነገራት ስለ እተማህሩ: እከይ ይገብሩ ነበሩ። የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባትሲ ዜተንስኦምዶ ይመስለካ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይነግረና። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ሓጥኣን ወይ ቅኑዕ ዘይገብሩ ዝነበሩ ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚትንስኡ፧⁠— ብዛዕባ የሆዋ ዀነ የሆዋ ንሰባት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዮም ንኺመሃሩ ዕድል ስለ ዘይረኸቡ እዮም።

ኣምላኽ ነቶም ቅኑዕ ዘይገብሩ ዝነበሩ ሰባት ስለምንታይ እዩ ዜተንስኦም፧

ሰባት መዓስ እዮም ዚትንስኡ ምበልካ፧⁠— ኣልኣዛር ምስ ሞተ: የሱስ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር “ሓውኪ ኽትንስእ እዩ” ከም ዝበላ ዘክር። ሽዑ ማርታ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” ኢላ መለሰትሉ። (ዮሃንስ 11:23, 24) ማርታ: ኣልኣዛር “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ” ኪትንስእ ምዃኑ ኽትዛረብ ከላ እንታይ ማለታ እዩ፧⁠—

እታ የሱስ ነዚ ሰብኣይ ዚነግሮ ዘሎ ገነት ኣበይ እያ ኽትከውን፧

የሱስ ‘ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ዅሎም ኪወጹ እዮም’ ኪብል ከሎ ማርታ ሰሚዓቶ ኽትከውን ኣለዋ። (ዮሃንስ 5:28, 29 NW​​) ስለዚ: እታ “ዳሕረይቲ መዓልቲ” ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ዚትንስኡላ እዋን እያ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: 24 ሰዓት ዝሓዘት መዓልቲ ኣይኰነትን። የግዳስ: ሽሕ ዓመት ዝሓዘት መዓልቲ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚብሎ: በዛ መዓልቲ እዚኣ ‘ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ኪፈርዶም እዩ።’ እቶም ዚፍረዱ ሰባት ነቶም ዚትንስኡ እውን የጠቓልሉ እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ 2 ጴጥሮስ 3:8

እዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ እተሐጕስ መዓልቲ ኸም እትኸውን እሞ ሕሰብ! ኣብዛ ሽሕ ዓመት እትወስድ መዓልቲ እዚኣ ሞይቶም ዝነበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኪትንስኡ እዮም። የሱስ ነቲ ተንሲኦም ዚነብሩሉ ቦታ ገነት ኢልዎ ኣሎ። ገነት ኣበይ ከም እትኸውንን እንታይ ከም እትመስልን እስከ ንርአ።

የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ኣብ እተሰቕለሉ እዋን: ቀቅድሚ ሙማቱ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ይገብር ንሓደ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ሰብኣይ ብዛዕባ ገነት ተዛረቦ። እቲ ሰብኣይ ብዝፈጸሞ ገበን እዩ ኺመውት ተሰቒሉ። ይኹን እም​በር: ንየሱስ ምስ ረኣዮን ብዛዕባኡ ምስ ሰምዐን: ብየሱስ ኪኣምን ጀመረ። ስለዚ ኸኣ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ድማ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ።​—⁠ሉቃስ 23:42, 43

ብዛዕባ ገነት ከነንብብ ከለና: ኣብ ኣእምሮና እንታይ ኢና ኽንስእል ዘሎና፧

የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ገነት ኣበይ እያ እትርከብ፧⁠— ብዛዕባዚ እስከ ሕሰብ። ገነት መጀመርታ ኣበይ እያ ነይራ፧⁠— ኣምላኽ: ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝነበረ ኣዳምን ንሰበይቱን ዝነብሩላ ገነት ዝሃቦም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ገነት ኤድን ከኣ ትበሃል ነበረት። ኣብኣ ንማንም ዘይጓድኡ እንስሳታት ነይሮም እዮም። ምቁር ፍረታት ዝሓዘ ኣእዋምን ዓብዪ ርባን ኣብኣ ነበረ። ንኽትነብረላ ባህ እተብል ቦታ እያ ነይራ።​—⁠ዘፍጥረት 2:8-10

ስለዚ እምበኣር: እቲ ገበነኛ ሰብ ኣብ ገነት ከም ዚነብር ዚገልጽ ሓሳብ ከነንብብ ከለና: እዛ ምድሪ ናብ ሓደ ኽትነብረሉ ምሹእ ዝዀነ ውቁብ ስፍራ ኽትቅየር ምዃና ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ኣሎና። የሱስ ምስቲ ቕድም ገበነኛ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ኪህሉ እዩ ማለት ድዩ፧⁠— ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ እንደገና ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘይመጽኣሉ ምኽንያትሲ ትፈልጥዶ፧⁠—

ምኽንያቱ የሱስ ከም ንጉስ መጠን ኣብ ልዕሊ ገነታዊት ምድሪ ዚገዝእ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እዩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ዜድልዮ ዘበለ ስለ ዚሓልየሉ: ምስቲ ሰብኣይ ኣሎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ነቲ ቕድም ገበነኛ ዝነበረ ሰብ ኣብ ገነት ኪነብር ዘፍቀደሉ ስለምንታይ እዩ፧⁠— መልሱ ኽንረኽቦ ንኽእል እንተ ዄንና እስከ ንርአ።

እቲ ገበነኛ ምስ የሱስ ቅድሚ ምዝርራቡ: ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ይፈልጥዶ ነይሩ፧⁠— ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ ኽፉእ ዚገብር ነይሩ። ኣብ ገነት ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ኪመሃር እዩ። ድሕሪኡ: ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅሮ እንተደኣ ዀይኑ ፍቓዱ ብምግባር ኬርኢ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሉ እዩ።

እቶም ዚትንስኡ ዅሎም ድዮም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚነብሩ፧⁠— ኵሎም ኣይኰኑን። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ምኽንያቱ ገሊኣቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም ዚትንስኡ። ምስኡ ነገስታት ኰይኖም ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም። ከምኡ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ኸም እንፈልጥ እስከ ንርአ።

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ንሃዋርያቱ ኸምዚ በሎም:- ‘ኣብ ቤት ኣቦይ: ኣብ ሰማይ: ብዙሕ መንበሪ ቦታታት ኣሎ። ኣነ ኸኣ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ።’ የሱስ ቀጺሉ “ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” ብምባል ተመባጽዓሎም።​—⁠ዮሃንስ 14:2, 3

የሱስ ምስ ተንስአ ናበይ እዩ ኸይዱ፧⁠— እወ: ምስ ኣቦኡ ኪኸውን ናብ ሰማይ እዩ ተመሊሱ። (ዮሃንስ 17:4, 5) ስለዚ: የሱስ ንሃዋርያቱን ንኻልኦት ሰዓብቱን ምስኡ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ኪዀኑ ኼተንስኦም ምዃኑ እዩ ተመባጺዑሎም። ኣብኡ ምስ የሱስ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ” ኽፍሊ ዘለዎም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ‘ምስኡ ሽሕ ዓመት ብምንጋስ:’ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ ምዃኖም ይነግረና።​—⁠ራእይ 5:10፣ 20:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:12

“ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ” ተንሲኦም ምስ የሱስ ዚነግሱ ኽንደይ እዮም፧⁠— የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 12:​32) እቶም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ የሱስ ምስኡ ንኺሓብሩ ዚትንስኡ “ሒደት መጓሰ” ቍጽሮም ውሱን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ” ካብ ምድሪ ኸም ዚትንስኡ ይነግረና።​—⁠ራእይ 14:1, 3

እቶም ዚትንስኡ ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧ እንታይከ እዮም ኪገብሩ፧

ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኽንደይ ሰባት እዮም ዚነብሩ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ: ውሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ኺመልእዋን ነጊርዎም ነበረ። እዚ ኸም ዘይገበሩ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ እቲ ምድሪ ብቕኑዓት ሰባት ክትመልእ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ኪገብር እዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:28፣ ኢሳይያስ 45:18፣ 55:11

ኣብ ገነት ክትነብር ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ከም ዚኸውንሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ። ምልእቲ ምድሪ ልክዕ ከም መናፈሻ ኽትከውን እያ። በዕዋፍን እንስሳታትን ክትመልእ: ብእተፈላለየ ዓይነት ኣግራብን ዕምባባታትን ከኣ ክትውቅብ እያ። ሓሚሙ ዚሳቐ ወይ ዚመውት ኣይኪህሉን እዩ። ኵሎም ሰባት ንሓድሕዶም ኪፋተዉ እዮም። ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ሕጂ ኽንዳሎ ኣሎና።

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምሳሌ 2:21, 22፣ መክብብ 1:4፣ ኢሳይያስ 2:4፣ 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-24 ኣንብብ።