ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 38

ንየሱስ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንየሱስ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ሓንቲ እትጥሕል ዘላ ጃልባ ኸም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ዜድሕነካ ሰብ ምደለኻዶ፧⁠— ሓደ ሰብ ህይወቱ ሰዊኡ እንተ ዜድሕነካኸ፧⁠— የሱስ ልክዕ ከምኡ እዩ ገይሩ። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 37 እተመሃርናዮ: ምእንቲ ኽንድሕን ኢሉ ህይወቱ በጃና ሃበ።

የሱስ ካብ ምጥሓል ከም ዘየድሕነና ፍሉጥ እዩ። ካብ ምንታይ ደኣ እዩ ዜድሕነና፧ ትዝክሮዶ፧⁠— ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሞትን እዩ። ገሊኣቶም ሰባት ኣዝዩ ኽፉእ ተግባር እኳ እንተ ገበሩ: የሱስ ንዓታቶም እውን ሞይቱሎም እዩ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ህይወትካ መሕለፍካሎምዶ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን:​—⁠እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን” ይብል። ምስናይዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ‘ምእንቲ ዓመጽቲ ኸም ዝሞተ’ ይነግረና። እዞም ዓመጽቲ ተባሂሎም ዘለዉ ነቶም ንኣምላኽ ዘየገልግልዎ ሰባት እውን የጠቓልሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና [ክፉእ ነገራት እናገበርና ኸሎና]: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ” ይብል።​—⁠ሮሜ 5:6-8

ቅድሚ ሃዋርያ ምዃኑ ኣዝዩ ሕማቕ ነገራት ዚገብር ዝነበረ መን ምዃኑ ትፈልጦዶ፧⁠— እቲ ሃዋርያ እቲ ‘ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ’ በለ። እቲ ኸምዚ ዝበለ ሃዋርያ: ጳውሎስ እዩ። ‘ቀደም ዓሻ’ ኸም ዝነበረን “ብኽፍኣት” ይነብር ከም ዝነበረን ድማ ገለጸ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:15፣ ቲቶስ 3:3

ኣምላኽ ንወዱ ኣብ ክንዲ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኪመውት ኢሉ ኺልእኮስ ፍቕሩ ኽሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስካ ኣውጺእካ: ነዚ ዚምልከት ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 3 ቍጽሪ 16 እሞ ኣንብብ። ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [ማለት: ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት] ኣፍቀራ።”

የሱስ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኺህብ ከሎ እንታይ ስቓይ እዩ ዘሕለፈ፧

የሱስ ከምቲ ኣቦኡ ዘፍቀረና ገይሩ ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 30 እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ኣብታ እተኣስረላ ለይቲ ዘሕለፎ መከራ ዘንበብናዮ ሓሳባት ትዝክሮ ትኸውን። ናብ ቤት እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ተወሲዱ: ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ነበረ። ናይ ሓሶት መሰኻኽር ተጸዊዖም ብዛዕባ የሱስ ሓሶት መስኪሮም እዮም: እቶም ህዝቢ ኸኣ ይወቕዕዎ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ጴጥሮስ ንየሱስ ዝኸሓዶ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዄንና ነቲ ቐጺሉ ዚፍጸም ነገራት ንከታተሎ ኸም ዝነበርና ጌርና እሞ ንውሰዶ።

ለይቲ ሓሊፉ ወግሐ። የሱስ ምሉእ ለይቲ ኸይደቀሰ እዩ ሓዲሩ። እቲ ለይቲ እተገብረ ፍርዲ ኻብ ሕጊ ወጻኢ ስለ ዝነበረ: እቶም ካህናት ተቐላጢፎም ናብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ከይዶም ካልእ ፍርዲ ኣቘሙ። ኣብዚ ቦታ እዚ እውን ንየሱስ ኣብ ኣምላኽ ገበን ፈጺሙ እዩ ኢሎም ከሰስዎ።

ድሕርዚ እቶም ካህናት ንየሱስ ኣሰርዎ: ናብቲ ሮማዊ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ጲላጦስ ከኣ ወሰድዎ። ንጲላጦስ ድማ ‘የሱስ ተቓዋሚ መንግስቲ እዩ። ኪቕተል ኣለዎ’ በልዎ። ጲላጦስ ግን እቶም ካህናት ሓስዮም ይዛረብዎ ኸም ዝነበሩ ተረዲእዎ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ‘ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። ክፈትሖ እየ’ በሎም። እቶም ካህናትን ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ግን ‘ቅተሎ’ ኢሎም ጨደሩ።

ድሕርዚ: ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ንየሱስ ኪፈትሖ ምዃኑ እንደገና ኼእምኖም ፈተነ። እቶም ካህናት ግን ነቶም ህዝቢ ኣናዒቦም ‘እንተ ሰዲድካዮ ንስኻውን ተቓዋሚ መንግስቲ ኢኻ! ቅተሎ’ ኢሎም ከም ዚጭድሩ ገበርዎም። እቶም ህዝቢ ጫውጫው በሉ። ሽዑ ጲላጦስ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧⁠—

ዝበልዎ ገበረሎም። መጀመርታ ንየሱስ ገረፎ። ቀጺሉ ኸኣ ንኪቐትልዎ ነቶም ወተሃደራት ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሳቶም ከኣ ኣብ ርእሲ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ኣንቢሮም ኣብ ቅድሚኡ እናሰገዱ የላግጹሉ ነበሩ። ድሕሪኡ ንየሱስ ዓብዪ ጕንዲ ወይ ዕንጨይቲ ኣሰኪሞም ኣዕጽምቲ ርእሲ ኣብ ዚበሃል ቦታ ኣብጽሕዎ። ድሕሪኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብቲ ዕንጨይቲ ሸንከርዎ። ቀጺሎም ነቲ ዕንጨይቲ ደው ኣበልዎ እሞ የሱስ ተሰቕለ። ይደሚ ነበረ። ብርቱዕ ቃንዛ ኸኣ ነበሮ።

የሱስ ሽዑ ንሽዑ ኣይሞተን። ኣብቲ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሊቃውንቲ ኻህናት የላግጹሉ ነበሩ። ሓለፍቲ መገዲ ኸኣ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ: ካብ መስቀል ውረድ” ይብልዎ ነበሩ። የሱስ ግን ኣቦኡ ንምን​ታይ ዕላማ ኸም ዝለኣኾ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ኺህብ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ ናብ ኣቦኡ ዓው ኢሉ ተዳህየ: ሞተ ድማ።​—⁠ማቴዎስ 26:​36–​27:50፣ ማርቆስ 15:1፣ ሉቃስ 22:39–23:46፣ ዮሃንስ 18:​1–​19:30

የሱስ ካብ ኣዳም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኣዳም ንኣምላኽ ኣየፍቅርን እዩ ነይሩ። ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍሪሱ እዩ። ኣዳም ንዓናውን ኣየፍቀረናን። ስለ ዝሓጥአ: ኵላትና ብሓጢኣት ተወለድና። የሱስ ግን ንኣምላኽን ንዓናን ከም ዜፍቅር ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽ ወትሩ ይእዘዞ ነበረ። ነቲ ኣዳም ዘምጸኣልና ጕድኣት ምእንቲ ኼልግስ ከኣ ህይወቱ ወፈየ።

ንየሱስ ከም እነፍቅሮ ንምርኣይ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

ነቲ የሱስ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገርሲ ተማስወሉ ዲኻ፧⁠— ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸለኻ: ወዱ ስለ ዝሃበና ተመስግኖ ዲኻ፧⁠— ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስቶስ ዝገበረሉ ኣማስዩሉ እዩ። ‘ወዲ ኣምላኽ ኣፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ኣሕለፈለይ’ ኢሉ እውን ጸሓፈ። (ገላትያ 2:20) የሱስ ምእንታኻን ምእንታይን እውን ሞይቱ እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ሂቡና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ንየሱስ ከነፍቅሮ ዘሎና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ፍቕሪ ክርስቶስ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና ምበልካ፧⁠— ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 5:14, 15

ንክርስቶስ ባህ ንምባል ኢልካ ትነብር ከም ዘለኻ ኸተርእየሉ እትኽእል መገድታት ክትጠቅስዶ ምኸኣልካ፧⁠— ሓደ ኻብቲ መገድታት ብዛዕባ የሱስ እተመሃርካዮ ነገራት ንኻልኦት ብምንጋር እዩ። ወይ ከኣ ብዛዕባ እዚ ሕሰብ:- በይንኻ ዄንካ እትገብሮ ነገራት: ኣዴኻ ወይ ኣቦኻ ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ኪርእዮ ኣይክእልን እዩ። ንየሱስ ከም ዘየሐጕሶ እትፈልጦ ነገራት ኣብ መደባት ተለቪዥን ወይ ኢንተርነት ኪቐርብ ከሎ ስቕ ኢልካ ዲኻ እትርእዮ፧⁠— የሱስ ሕጂ ብህይወት ከም ዘሎ ኣይትረስዕ: ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ከኣ ኪርእዮ ይኽእል እዩ።

ንዅሉ እንገብሮ ነገራት መን እዩ ኺርእዮ ዚኽእል፧

ንየሱስ ከነፍቅሮ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት ከኣ: ንየሆዋ ኽንመስሎ ስለ እንደሊ እዩ። የሱስ “ኣቦ የፍቅረኒ እዩ” በለ። የሆዋ ንየሱስ ስለምንታይ ከም ዜፍቅሮን ንሕናውን ስለምንታይ ከነፍቅሮ ኸም ዘሎናን ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍጸም ንኺመውት ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ እዩ። (ዮሃንስ 10:17) ስለዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም: ነፍሱውን . . . በጃና ዘሕለፈ: ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ንፈጽሞ።​—⁠ኤፌሶን 5:1, 2

ንየሱስን ነቲ ዝገበረልና ነገራትን ዘሎና ሞሳ ንኸነዕቢ ዚሕግዘና ሓሳባት: በጃኻ ኣብ ዮሃንስ 3:35፣ 15:9, 10፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 5:11, 12 ኣንብብ።