ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 43

ኣሕዋትናን ኣሓትናን መን እዮም፧

ኣሕዋትናን ኣሓትናን መን እዮም፧

እቲ ዓብዪ መምህር ሓደ እዋን ዜደንጹ ሕቶ ሓቲቱ ነበረ። እቲ ሕቶ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧” ዚብል ነበረ። (ማቴዎስ 12:48) ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሶ ምኸኣልካዶ፧⁠— ኣደ የሱስ ማርያም ምዃና ትፈልጥ ኢኻ። ነሕዋቱኸ ትፈልጦም ዲኻ፧⁠— ኣሓትከ ነይረናኦዶ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕዋት የሱስ “ያእቆብ: ዮሴፍ: ስምኦን: ይሁዳ” ከም ዚበሃሉ ይነግረና። የሱስ ኣብ ዚሰብከሉ ዝነበረ እዋን: ብህይወት ዝነበራ ኣሓት እውን ነይረናኦ እየን። የሱስ በዅሪ ስለ ዝነበረ: ኵሎም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ምንኣሱ እዮም ነይሮም።​—⁠ማቴዎስ 13:55, 56፣ ሉቃስ 1:34, 35

ኣሕዋት የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ድዮም ነይሮም፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ መጀመርታ “ብእኡ ኣይአመኑን ነበሩ” ይብለና። (ዮሃንስ 7:5) ደሓር ግን ያእቆብን ይሁዳን ደቀ መዛሙርቱ ዀኑ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እውን ጽሒፎም እዮም። ነየኖት መጻሕፍቲ ኸም ዚጸሓፉስ ትፈልጥዶ፧⁠— እወ: መጽሓፍ ያእቆብን መጽሓፍ ይሁዳን እየን።

ሽሕኳ ኣሓት የሱስ ስመን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተጠቕሰ: እንተ ወሓደ ኽልተ ኣሓት ከም ዝነበራኦ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር: ካብ ክልተ ንላዕሊ እውን ኪዀና ይኽእላ እየን። እዘን ኣሓት እዚኣተን ሰዓብቱዶ ዀይነን እየን፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ስለ ዘይጠቅስ እንፈልጦ የብልናን። እንተዀነ ግን: የሱስ ስለምንታይ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧” ኢሉ ኸም ዝሓተተስ ትፈልጥዶ፧⁠— እስከ ንርአ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እናመሃሮም ከሎ ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ መጺኡ “ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም: ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ” በሎ። ስለዚ ኸኣ የሱስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧” ዚብል ዜደንጹ ሕቶ ብምሕታት ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምምሃር ተጠቐመሉ። ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ኸኣ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ” ብምባል ነቲ ዝሓተቶ ሕቶ መለሶ።

የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንምብራህ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ: ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:47-50) እዚ ድማ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ የፍቅሮም ከም ዝነበረ ዜርኢ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ልክዕ ከምቶም ብስጋ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣዲኡን ከም ዝነበሩ እዩ ዚምህር ነይሩ።

የሱስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን መን ምዃኖም እዩ ዝገለጸ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣሕዋት የሱስ ማለት ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። ነቲ ገብርኤል መልኣኽ ነዲኦም እተዛረባ ዘረባ ኣይኣመንዎን። (ሉቃስ 1:30-33) ስለዚ: ንየሱስ ይጭክኑሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዚገብር ሰብ ናይ ሓቂ ሓው ወይ ሓብቲ ኣይኰነን። ንሓዉ ወይ ንሓብቱ ዚጭክን ዝነበረ ሰብ ትፈልጥዶ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዛንታ ኤሳውን ያእቆብን ይነግረና እዩ። ኤሳው “ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ክሳዕ ዚብል ኣዝዩ ሓሪቑ ነበረ። ኣዲኦም ርብቃ: ኣዝያ ስለ ዝፈርሀት ኤሳው ምእንቲ ኸይቀትሎ ንያእቆብ ናብ ርሑቕ ቦታ ሰደደቶ። (ዘፍጥረት 27:41-46) ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ግን ኤሳው ተቐየረ: ንያእቆብ ከኣ ሓቚፉ ሰዓሞ።​—⁠ዘፍጥረት 33:4

ኣብቲ ግዜ እቲ ያእቆብ 12 ኣወዳት ነበርዎ። እቶም ዓበይቲ ደቂ ያእቆብ ንዮሴፍ እቲ ንእሽቶ ሓዎም ኣይፈትውዎን እዮም ነይሮም። ኣቦኡ ኣጸቢቑ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ቐንኡሉ። ስለዚ: ናብ ግብጺ ዚኸዱ ባርያ ዚነግዱ ዝነበሩ ምስ ረኣዩ: ንዮሴፍ ሸጡሎም። ድሕሪኡ ናብ ኣቦኦም ተመሊሶም ንዮሴፍ ኣራዊት ከም ዝበልዖ ነገርዎ። (ዘፍጥረት 37:23-36) እዝስ ዜስካሕክሕዶ ኣይኰነን፧⁠—

ደሓር ግን ኣሕዋት ዮሴፍ በቲ ዝገበርዎ ተጣዕሱ። ንሱ ድማ ይቕረ በለሎም። ዮሴፍ ከመይ ገይሩ ንየሱስ ከም ዚመስል ኣስተብሂልካሉዶ፧⁠— የሱስ ኣብ ሽግር ምስ ወደቐ ሃዋርያቱ ሓዲጎምዎ ሃዲሞም እዮም: አረ ጴጥሮስሲ ኽሒድዎ እውን እዩ። ምስናይዚ ግን የሱስ ልክዕ ከም ዮሴፍ ንዅሎም ይቕረ ኢሉሎም እዩ።

ካብቲ ቃየል ንኣቤል ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ኢና ኽንመሃር ዘሎና፧

ካብዚ ቐጺልና እውን ብዛዕባ እቶም ክልተ ኣሕዋት ዝነበሩ ቃየልን ኣቤልን ንርአ። ካብኣቶም እውን እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ኣምላኽ: ቃየል ንሓዉ ኣቤል ብሓቂ የፍቅሮ ኸም ዘይነበረ ልቡ ረኣዮ። ስለዚ: ኣምላኽ ንቃየል ባህርያቱ ኪቕይር ነገሮ። ቃየል ንኣምላኽ ብሓቂ የፍቅሮ ነይሩ እንተ ዚኸውን ምሰምዖ ነይሩ። ንሱ ግን ንኣምላኽ ኣየፍቅሮን እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ቃየል ንኣቤል “ንመሮር [ወይ: ንበረኻ] ንኺድ” በሎ። ኣቤል ከኣ ምስ ቃየል ከደ። ክልቲኦም ኣብቲ በረኻ ኸለዉ ኸኣ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ኣጸቢቑ ወቕዖ እሞ ሞተ።​—⁠ዘፍጥረት 4:2-8 ትርጕም 1990

መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ሓደ ፍሉይ እንመሃሮ ትምህርቲ ኸም ዘሎ ይነግረና። እዚ መልእኽቲ እዚ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— “ንሓድሕድና ኽንፋቐር: እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ . . . ቃየል ኣይንኹን” ዚብል እዩ። ስለዚ: ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኣለዎም። ከም ቃየል ኪዀኑ የብሎምን።​—⁠1 ዮሃንስ 3:11, 12

ከም ቃየል ክንከውን ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧⁠— ምኽንያቱ ንሱ ‘ኻብቲ እኩይ [ሰይጣን ድያብሎስ] ከም ዝነበረ’ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚነግረና እዩ። ቃየል ከም ናይ ድያብሎስ ተግባር ስለ ዝገበረ: ኣቦኡ ድያብሎስ ከም ዝነበረ እዩ ዚቝጸር።

ነሕዋትካን ኣሓትካን ስለምንታይ ከተፍቅር ከም ዘሎካ ተረዲኡካዶ፧⁠— እንተደኣ ዘየፍቂርካዮም ንደቂ መን ኢኻ እትቐድሕ ዘለኻ፧⁠— ንደቂ ድያብሎስ። ካብቶም ደቂ ድያብሎስ ክትከውንዶ ትደሊ ኢኻ፧⁠— ካብቶም ደቂ ኣምላኽ ክትከውን ከም እትደሊ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧⁠— ነሕዋትካን ኣሓትካን ብሓቂ ብምፍቃር ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል።

ፍቕሪ ግን እንታይ እያ፧⁠— ፍቕሪ ንኻልኦት ሰናይ ክንገብር ዚድርኸና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዓሚቝ ስምዒት እያ እተመልክት። ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ስምዒት ምስ ዚህልወና እሞ: ሰናይ ነገራት ምስ እንገብረሎም ከም እነፍቅሮም ኢና እነርኢ ዘሎና። ከነፍቅሮም ዘሎና ኣሕዋትናን ኣሓትናንከ መን እዮም፧⁠— የሱስ እዚኣቶም እቶም ነታ ዓባይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜቝሙ ሰባት ምዃኖም ከም ዝመሃረ ኣይትረስዕ።

ንሓውካ ኸም እተፍቅር ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧

ነዞም ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ከነፍቅሮም ኣገዳሲ ዝዀነ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ [ወይ ሓብቱ] ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:20) ስለዚ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ዚርከቡ: ንሒደት ሰባት ጥራይ ከነፍቅር ኣይንኽእልን ኢና። ንዅሎም ከነፍቅሮም ኣሎና። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ንዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ተፍቅሮምዶ ኢኻ፧⁠— እንተደኣ ዘየፍቂርካዮም: ንኣምላኽ ብሓቂ ኸተፍቅሮ ኸም ዘይትኽእል ፍለጥ።

ነሕዋትናን ኣሓትናን ብሓቂ ኸም እነፍቅሮም ከነርኢ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧⁠— ነፍቅሮም እንተደኣ ዄንና: ክንዛረቦም ኣይንደልን ኢና ብምባል ካብኦም ኣይንርሕቕን ኢና። ምስ ኵሎም ንቀራረብ ኢና። ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ነገራት ኢና እንገብረሎም: ካብቲ ዘሎና ነገራት ከኣ ነማቕሎም ኢና። ኣብ ሽግር እንተደኣ ወዲቖም ከኣ: ብሓቂ ዓብዪ ስድራ​ቤት ስለ ዝዀንና ኽንሕግዞም ኢና።

ነሕዋትናን ኣሓትናን ብሓቂ ምስ እነፍቅሮም እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧⁠— ደቀ መዛሙርቲ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ: ምዃንና እዩ ዜረጋግጽ። ከምኡ ኽንከውንዶ ኣይኰንናን እንደሊ፧⁠—

ነሕዋትናን ኣሓትናን ከነፍቅር ከም ዘሎና ዚገልጽ ተወሳኺ ሓሳባት ኣብ ገላትያ 6:10 ከምኡውን 1 ዮሃንስ 4:8, 21 ተጠቒሱ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ነዚ ጥቕስታት ንምንታይ ዘይተንብቦ፧