ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 45

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ከም እንደልያኸ ብኸመይ ነርኢ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ከም እንደልያኸ ብኸመይ ነርኢ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ትፈልጦዶ፧⁠— ዘይትፈልጦ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማቴዎስ 6:9-13 ሓቢርና ኸነንብብ ንኽእል ኢና። እዚ ብዙሓት ሰባት ኣቡነ ዘበሰማያት ኢሎም ዚጽውዕዎ ጸሎት “መንግስትኻ ትምጻእ” ዚብል ቃላት እውን ኣለዎ። መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናስ ትፈልጥዶ፧⁠—

መንግስቲ ኺበሃል ከሎ ምምሕዳር ማለት እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እቲ ንመንግስቲ ዜመሓድር ፕረዚደንት እዩ ዚበሃል። እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜመሓድር ግን እንታይ እዩ ዚበሃል፧⁠— ንጉስ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።

የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ንጉስ ኪኸውን ንመን ከም ዝመረጾስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ። የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰባት ዝመርጽዎ መራሒ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧⁠— ንየሆዋ ኣቦኡ ብሓቂ ስለ ዜፍቅሮ እዩ። ስለዚ: ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ እዩ ዚገብር።

ካብቲ የሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም እተወልደሉ ዕለት ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውልደቱን ብኣምላኽ እተመርጸ ገዛኢ ኸም ዚኸውንን ይነግረና እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኢሳይያስ 9:6, 7 እስከ ነንብብ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን . . . መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። . . . ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።”

ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ስለምንታይ “መስፍን” ተባሂሉ ኸም ዘሎስ ትፈልጥዶ፧⁠— መስፍን ወዲ ንጉስ እዩ። የሱስ ከኣ ወዲ እቲ ዓብዪ ንጉስ ዝዀነ የሆዋ እዩ። የሆዋ ግን ንየሱስ ኣብ መንግስቱ ንጉስ ገይርዎ እዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ሽሕ ዓመት ኪገዝእ እዩ። (ራእይ 20:6) የሱስ ምስ ተጠምቀ: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ” ጀመረ።​—⁠ማቴዎስ 4:17

የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኣላ ኢሉ ዚሰብኽ ዝነበረ ስለምንታይ ይመስለካ፧⁠— ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዚግዝእ ንጉስ ኣብ ማእከሎም ስለ ዝነበረ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቶም ሰባት ‘መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ’ ዝበሎም። (ሉቃስ 17:21) እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዚኸውን እሞ ኽትትንክፎ እውን እንተ ትኽእልሲ ደስዶ ኣይምበለካን፧⁠—

የሱስ: ኣብ ምድሪ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኺዓዪ ዝመጸ ይመስለካ፧⁠— ንሱ ባዕሉ ነዛ ሕቶ እዚኣ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ:” ብምባል መሊስዋ ኣሎ። (ሉቃስ 4:43) ንዅሉ እቲ ዕዮ ስብከት በይኑ ኺፍጽሞ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ: እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧⁠—

የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ ዕዮ ኺፍጽም እዩ መጺኡ፧

የሱስ: ሰባት ምስኡ ተማሊኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዚሰብኩ ኣርኣዮም። መጀመርታ ነቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝጸውዖም 12 እዩ ኣሰልጢንዎም። (ማቴዎስ 10:5, 7) ይኹን እምበር: ነዚ ዕዮ እዚ ንኺዓዩ ንሃዋርያቱ ጥራይ ድዩ ኣሰልጢንዎም፧ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: ንብዙሓት ካልኦት እውን ከም ዘሰልጠነ ይነግረና እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ን70 ዝዀኑ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ በብኽልተ ገይሩ ቐቅድሚኡ ልኢኽዎም እዩ። እንታይ ኢሎምከ እዮም ዚምህሩ ነይሮም፧⁠— የሱስ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ: ከኣ በልዎም” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 10:9) እቶም ሰባት በዚ መገዲ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይመሃሩ ነበሩ።

ቀደም ኣብ እስራኤል: ሓደስቲ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምእንቲ ኺረኣዩ ኣብ ጻዕብ (ወይ ፍርዝን ዝበለ ኣድጊ) ተቐሚጦም ናብ ከተማ ይኣትዉ ነበሩ። የሱስ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ስለ ዝነበሮ: ንመወዳእታ ግዜ ንየሩሳሌም ኪበጽሕ ከሎ ኸምኡ እዩ ገይሩ። እቶም ሰባትከ ንጉሶም ኪኸውን ይደልዩዶ ነይሮም፧⁠—

የሱስ ኣብቲ ጻዕብ ተቐሚጡ እናሓለፈ ኸሎ: መብዛሕትኦም ካብቶም ሰባት ክዳውንቶም ኣብ ቅድሚኡ የንጽፉ ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ ካብቲ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ ኣብቲ መገዲ የንጽፍዎ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሱስ ንጉሶም ኪኸውን ከም ዚደልዩ ኣርኣዩ። ዓው ኢሎም ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ሕጉስ ነይሩ። አረ ገሊኣቶም መራሕቲ ሃይማኖትሲ “ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም” ኢሎምዎ እዮም።​—⁠ሉቃስ 19:28-40

እዞም ሰባት የሱስ ንጉሶም ኪኸውን ይደልዩ ነይሮምስ ደሓር ሓሳቦም ዝቐየሩ ስለምንታይ እዮም፧

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ የሱስ ተታሕዘ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኪቐርብ ናብ ኣደራሽ ተወስደ። ጸላእቲ የሱስ: ኣነ ንጉስ እየ ኸም ዝበለን ንመንግስቲ ሮሜ ይጻረር ከም ዝነበረን ተዛረቡ። ስለዚ ኸኣ ጲላጦስ ንየሱስ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ሓተቶ። የሱስ መንግስቲ ኺግልብጥ ይጽዕር ከም ዘይነበረ ገለጸ። ንጲላጦስ ከኣ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ።​—⁠ዮሃንስ 18:36

ሽዑ ጲላጦስ ናብ ወጻኢ ወጺኡ: ነቶም ህዝቢ ንየሱስ ገለ በደል እኳ ከም ዘይረኸበሉ ነገሮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እቶም ህዝቢ የሱስ ንጉሶም ኪኸውን ኣይደልዩን ነበሩ። ኪፍታሕ ከኣ ኣይደለዩን። (ዮሃንስ 18:37-40) ጲላጦስ እንደገና ምስ የሱስ ምስ ተዘራረበ: ምንም በደል ከም ዘይብሉ ኣረጋገጸ። ስለዚ: ንመወዳእታ ግዜ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ኣውጽኦ እሞ “እንሆ ንጉስኩም” በሎም። እቶም ህዝቢ ግን “ንየው በሎ: ንየው በሎ: ስቐሎ” እናበሉ ጫውጫው በሉ።

ጲላጦስ ከኣ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ “ብዘ⁠ይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ። እዝስ ዜገርምዶ ኣይኰነን፧ እዞም እኩያት ካህናት እዚኣቶም ነቶም ህዝቢ ንየሱስ ከም ዚጻረርዎ ገበርዎም።​—⁠ዮሃንስ 19:1-16

ሎሚ ዘሎ ዅነታት እውን ምስቲ ናይ ሽዑ ተመሳሳሊ እዩ። ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት የሱስ ንጉሶም ኪኸውን ብሓቂ ኣይደልዩን እዮም። ብኣምላኽ ንኣምን ኢና ዚብሉ እኳ እንተዀኑ: ኣምላኽ ወይ ክርስቶስ ኪእዝዞም ግን ኣይደልዩን እዮም። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ኣቚሞም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ።

ንሕናኸ፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እትፍጽሞ ዜደንቕ ነገራትን ክንመሃር ከለና: ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልና፧⁠— ንኸነፍቅሮ ንድረኽ ኢና: ኣይኰነን ድዩ፧⁠— ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮን በታ መንግስቱ ኽንግዛእ ከም እንደልን ከመይ ጌርና ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧⁠—

የሱስ ስለምንታይ እዩ ተጠሚቑ፧ ኣምላኽከ ኸም ዝሰመሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ስምዒትና እንታይ ምዃኑ ንኣምላኽ ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። የሱስከ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ንኼርኢ እንታይ እዩ ገይሩ፧⁠— “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” በለ። (ዮሃንስ 8:29) እወ: ‘ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብርን’ ‘ዕዮኡ ኺፍጽምን’ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (እብራውያን 10:7፣ ዮሃንስ 4:34) ናይ ስብከት ዕዮኡ ቕድሚ ምጅማሩ እንታይ ከም ዝገበረ ኸኣ ንርአ።

የሱስ ናብቲ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ከደ። ናብቲ ማይ ምስ ወረዱ: ዮሃንስ ንየሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣጥሒሉ ኣውጽኦ። ዮሃንስ ስለምንታይ ንየሱስ ከም ዘጥመቖስ ትፈልጥዶ፧⁠—

ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኢና ኽንዛረቦም እንኽእል፧

የሱስ ባዕሉ እዩ ንዮሃንስ ሓቲትዎ። ኣምላኽ: ንየሱስ ኪጥመቕ ይደልዮ ኸም ዝነበረ ግን ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧⁠— ምኽንያቱ ኻብ ማይ ምስ ወጸ: ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይኑ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ ኺዛረቦ ኸሎ ኸም ዝሰምዖ ንፈልጥ ኢና። ኣምላኽ: መንፈስ ቅዱሱ ኸም ርግቢ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ የሱስ ከም ዚወርድ እውን ገይሩ እዩ። ስለዚ እምበኣር: የሱስ ንየሆዋ ምሉእ ህይወቱ ንዘለኣለም ኬገልግሎ ኸም ዚደሊ ብጥምቀቱ ኣርኣየ።​—⁠ማርቆስ 1:9-11

ሕጂ ቘልዓ ኢኻ ዘለኻ። ምስ ዓበኻ ግን እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትደሊ፧⁠— ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ክትጥመቕ ዲኻ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም” ስለ ዚብለና: ክትቀድሖ ኣሎካ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ብምጥማቕካ ኸኣ ብሓቂ ብመንግስቲ ኣምላኽ ክትመሓደር ከም እትደሊ ተርኢ ኣለኻ ማለት እዩ። ምጥማቕ ጥራይ ግን ኣኻሊ ኣይኰነን።

ንዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃረና ነገራት ክንእዘዞ ኼድልየና እዩ። የሱስ ‘ካብ ዓለም ክንከውን ከም ዘይብልና’ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ጕዳያት ዓለም ንጽመድ እንተደኣ ዄንና: ንእዘዞ ዲና ዘሎና፧ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብዚ ነገራት እዚ ርሒቖም ነበሩ። (ዮሃንስ 17:14) እንታይከ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧⁠— ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚዛረብዎም ነይሮም። እዚ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ዕዮ እዩ ነይሩ። ንሕናኸ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ዲና፧⁠— እወ: ንኽእል ኢና። መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ካብ ልቢ ንጽሊ እንተደኣ ዄንና: ክንገብሮ ኢና።

መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ከም እንደሊ ንኸነርኢ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዚነግረና እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት እውን በጃኻ ርአ:- ማቴዎስ 6:24-33፣ 24:14፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 2:15-17፣ 5:3