ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 46

ዓለም ብማይ ጠፍአት​—⁠ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧

ዓለም ብማይ ጠፍአት​—⁠ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧

ሰባት ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪዛረቡስ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧⁠— ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባኡ ይዛረቡ እዮም። ገሊኣቶም ዓለም እትጠፍእ ደቅሰብ ብኑክሌራዊ ቦምብ ኣብ ዚገብርዎ ውግእ እያ ይብሉ። ንሰባት ነዛ ውቅብቲ ምድርና ኼጥፍእዋ ዚፈቕደሎምዶ ይመስለካ፧⁠—

ከምቲ ኣቐዲምና እተመሃርናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ይነግረና እዩ። “ዓለም ትሐልፍ እያ” ኸኣ ይብል። (1 ዮሃንስ 2:17) መወዳእታ ኺበሃል ከሎ መወዳእታ ምድሪ ማለትዶ ይመስለካ፧⁠— ከምኡ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንምድሪ “ማሕደር ሰብ” ክትከውን ኢሉ ኸም ዝፈጠራ ይገልጽ እዩ። እወ: ሰባት ኪነብሩላን ኪሕጐሱላን ኢሉ እዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:18) መዝሙር 37:29 “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ትብል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ እውን ንዘለኣለም ክትነብር ምዃና ይነግረና።​—⁠መዝሙር 104:5፣ መክብብ 1:4

መወዳእታ ዓለም ኪበሃል ከሎ መወዳእታ ምድሪ ማለት እንተደኣ ዘይኰይኑ: እንታይ ማለት ደኣ እዩ፧⁠— ነቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ነገር ተጠንቂቕና እንተደኣ መርሚርናዮ: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረኽቦ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት” ብምባል ይገልጽ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:6

ኣብቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኻብ መወዳእታ ዓለም ዝደሓነ ኣሎዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ” ይብለና።​—⁠2 ጴጥሮስ 2:5

እታ ብግዜ ኖህ ዝጠፍአት ዓለም እንታይ እያ፧

ስለዚ እምበኣር: እታ ዝጠፍአት ዓለም እንታይ እያ፧ ምድሪ ድያ ወይስ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እዮም፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ሓጥኣን ዓለም” ከም ዝነበረት ይነግረና። ኖህ ‘ሰባኺ’ ተባሂሉ ኸም ዘሎ እውን ኣስተብህል። ብዛዕባ እንታይ ዚሰብኽ ዝነበረ ይመስለካ፧⁠— ንሰባት ብዛዕባ ጥፍኣት “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም” እዩ ዜጠንቅቖም ነይሩ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ኺዛረቦም ከሎ: መወዳእታ ቐቅድሚ ምምጻኡ እቶም ሰባት እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ነጊርዎም እዩ። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: [ሰባት] ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” የሱስ ቀጺሉ ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ልክዕ ከምኡ ኺገብሩ ምዃኖም ገለጸ።​—⁠ማቴዎስ 24:37-39

እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት: ካብቲ እቶም ሰባት ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምምጻኡ ዚገብርዎ ዝነበሩ ተግባራት ሓደ ነገር ክንመሃር ከም እንኽእል እዩ ዚሕብረና። ኣብ ምዕራፍ 10 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዘንበብናዮ: እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩስ ትዝክሮዶ፧⁠— ገሊኦም ሕሱማት እዮም ነይሮም: ናይ ዓመጽ ተግባራት ከኣ ይፍጽሙ ነበሩ። ምስናይዚ ግን ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ኣምላኽ ንኖህ ኪሰብከሎም ምስ ለኣኾ ብዙሓት ካልኦት እውን ኣይሰምዕዎን።

ስለዚ: ሓደ መዓልቲ የሆዋ ንኖህ ነቶም ክፉኣት ሰባት ብማይ ኬጥፍኦም ምዃኑ ነገሮ። ምልእቲ ምድሪ: ኣኽራን እውን ከይተረፈ ብማይ ኪሽፈን ነበሮ። የሆዋ ንኖህ ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ነገሮ። ኣብ ገጽ 238 ዘሎ ስእሊ ኽትርእዮ ኸም እትኽእል እታ መርከብ ልክዕ ከም ሓደ ዓብዪን ነዊሕን ሳንዱቕ እያ ነይራ።

ኣምላኽ ንኖህ ነታ መርከብ ንዕኡን ንስድራ​ቤቱን ንብዙሓት እንስሳታትን ከም እትሕዝ ገይሩ ኣግዚፉ ኺሰርሓ ነገሮ። ኖህን ስድራ​ቤቱን ብርቱዕ ስራሕ እዮም ዚሰርሑ ነይሮም። ዓበይቲ ኣእዋም ቈራሪጾም በቲ ዕንጨይቲ ኣገጣጢሞም ነታ መርከብ ኪሰርሑ ጀመሩ። እታ መርከብ ኣዝያ ዓባይ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ዓመታት እዩ ወሲዱሎም።

ኖህ ኣብ ኵሉ እቲ ነታ መርከብ ኪሰርሕ ዘሕለፎ ዓመታት እንታይ ይገብር ከም ዝነበረስ ትዝክሮዶ፧⁠— ነቶም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ማይ ኣይሂ የጠንቅቖም ነበረ። እሞኸ ሰሚዖምዎዶ፧ ብጀካ ስድራ​ቤቱ ዝሰምዖ ኣይነበረን። ኵሎም እቶም ካልኦት ግን ብኻልእ ነገራት ትሑዛት ነበሩ። ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ነገራት የሱስ እንታይ ከም ዝበለ ትዝክሮዶ፧⁠— ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን እዮም ነይሮም። ክፉኣት ከም ዝዀኑ ኣይስምዖምን እዩ ነይሩ: ንኖህ ዚሰምዕሉ ግዜ እውን ኣይነበሮምን። ስለዚ: እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንርአ።

ኖህን ስድራ​ቤቱን ናብ መርከብ ምስ ኣተዉ: የሆዋ ንመዓጹ እታ መርከብ ዓጸዎ። ኣብ ደገ ዝነበሩ ሰባት ግን ማይ ኣይሂ ኺመጽእ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ። ይኹን እምበር: ሃንደበት ማይ ካብ ሰማይ ኪወቅዕ ጀመረ። እቲ ማይ ከም ሓደ ተራ ዝናብ ኣይነበረን: ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብርቱዕ ድምጺ እናገበረ ዓበይቲ ወሓይዝ ኪውሕዝ ጀመረ። ኣእዋም ይሰላልዕ: ዓበይቲ ኣእማን ከኣ የንከራሩ ነበረ። እቶም ኣብ ወጻኢ እታ መርከብ ዝነበሩ ሰባትከ እንታይ ኰኑ፧⁠— የሱስ ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅሎም ከም ዘጥፈኦም’ ይነግረና። ስለዚ: ኵሎም እቶም ኣብ ወጻኢ እታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም። ስለምንታይ፧⁠— ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ኣይፈለጡን” ወይ ኣየቕለቡን። እወ: ኣይሰምዑን!​—⁠ማቴዎስ 24:39፣ ዘፍጥረት 6:5-7

ብዛዕባ ጸወታ ጥራይ ክንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ እቲ ነቶም ሰባት ዘጋጠሞም ነገር ንዓና ንትምህርትና ምዃኑ ኸም ዝጠቐሰ ኣይትረስዕ። እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧⁠— እቶም ሰባት ዝጠፍኡ ኽፉኣት ስለ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ: መብዛሕትኦም ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ነገራትን ግዜ መዲቦም ንኺመሃሩ ፍቓደኛታት ስለ ዘይነበሩ እዮም። ከምኣቶም ንኸይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣየድልየናንዶ ምበልካ፧⁠—

ኣምላኽ ንዓለም እንደገና ብማይ ዜጥፍኣዶ ይመስለካ፧⁠— ኣይኬጥፍኣን እዩ። ንሱ ባዕሉ ብማይ ከም ዘየጥፍኣ ተመባጺዑ እዩ። “ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ: ንሱ ድማ . . . ምልክት ኪኸውን እዩ” ኸኣ በለ። የሆዋ: እቲ ቐስተ ደበና ‘ደጊም ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኸም ዘይከውን’ ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ገለጸ።​—⁠ዘፍጥረት 9:11-17

ስለዚ: ኣምላኽ እንደገና ንዓለም ብማይ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወ​ዳእታ ዓለም ይነግረና እዩ። ኣምላኽ ነዛ ዓለም እዚኣ ኼጥፍኣ ኸሎ ግን ንመን እዩ ዜድሕኖም፧⁠— ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ፈጺሞም ዘይደልዩ: ብኻልእ ነገራት ጥራይ ዚግደሱ ሰባት ድዩ፧ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኵሉ ሳዕ ‘ግዜ የብልናን’ ዚብሉ ሰባት ድዩ፧ እንታይ ምበልካ፧⁠—

ካብቶም ኣምላኽ ዜድሕኖም ሰባት ክንከውን ኢና እንደሊ: ሓቀይ እንድየ፧⁠— ኣምላኽ ንዅላትና ምእንቲ ኼድሕነና ስድራ​ቤትና ልክዕ ከም ስድራ​ቤት ኖህ እንተ ትኸውንሲ ዜሐጕስዶ ኣይምዀነን፧⁠— ምእንቲ ኽንድሕን ግን ኣምላኽ ብኸመይ ንዓለም ከም ዜጥፍኣን ነታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ከኣ ብኸመይ ከም ዜምጽኣን ክንርዳእ ኬድልየና እዩ። ነዚ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝገብሮ እስከ ንርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ መልሱ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 44 ይነግረና። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ግዜና ኸምዚ ትብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”

እዝስ እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዲኡካዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ ኸተጥፍአን ምዃና እዩ ዚነግረና ዘሎ። ስለምንታይ፧⁠— ምኽንያቱ እዘን መንግስትታት እዚኣተን ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ኣይእዘዛኦን እየን። እቲ ንጉስከ መን እዩ፧⁠— እወ: የሱስ ክርስቶስ እዩ።

እቲ ኣምላኽ ንጉስ ኪኸውን ዝመረጾ የሱስ ክርስቶስ: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣርማጌዶን ኬጥፍኣ እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኽትገዝእ ከም ዘለዋ ንኺውስን መሰል ኣለዎ: ንወዱ የሱስ ከኣ ንጉስ ኪኸውን መሪጽዎ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ እቲ ኣምላኽ ንጉስ ኪኸውን ዝመረጾ ገዛኢ ንዅለን መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ ንምጥፋእ ብቐዳምነት ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 19 ካብ ቍጽሪ 11 ክሳዕ 16 ኸምዚ ኺገብር ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ነዚ: ኣብዚ ስእሊ እዚውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ዓለም ንኼጥፍእ ዚገብሮ ውግእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ኣሎ።

ኣምላኽ: መንግስቱ ንመንግስትታት ደቅሰብ ከተጥፍአን ምዃና ነጊሩና ኣሎ። ንሱ ባዕሉ ኼጥፍአን ምዃኑ ግን ተዛሪቡ ድዩ፧⁠— ኣይተዛረበን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ‘ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ውግእ’ ተባሂላ ኣላ። (ራእይ 16:14, 16) እወ: ኣርማጌዶን ናይ ኣምላኽ ውግእ እዩ: ንሰራዊት ሰማይ መሪሑ ንኺዋጋእ ዚጥቀመሉ ኸኣ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ። ውግእ ኣርማጌዶን ቀሪቡ ድዩ፧ ምቕራቡን ዘይምቕራቡን ከመይ ጌርና ኸም እንፈልጥ እስከ ንርአ።

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንእኩያት ኣጥፊኡ ነቶም ዜገልግልዎ ዜድሕነሉ ግዜ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ምሳሌ 2:21, 22፣ ኢሳይያስ 26:20, 21፣ ኤርምያስ 25:​31-33፣ ከምኡውን ማቴዎስ 24:21, 22 ሓቢርና ነንብብ።