ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓደ

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
  • ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ ድዩ፧

  • ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧ ስም ኣለዎዶ፧

  • ንኣምላኽ ክትቀርቦ ይከኣል ድዩ፧

1, 2. ሕቶታት ምሕታት ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ቈልዑ ሕቶ ዚሓትቱሉ መገዲ ኣስተብሂልካሉዶ ትፈልጥ፧ መብዛሕትኦም ኣፍ ኣውጽእ ምስ ኣበሉ እዮም ኪሓትቱ ዚጅምሩ። ኪፈልጡ ሃንቀውታ ኸም ዘለዎም ኣብ ኣዒንቶም እናተነብበ፡ ‘ስለምንታይ እዩ ሰማይ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ፧ ከዋኽብቲ ብምንታይ እዩ ተሰሪሑ፧ ንኣዕዋፍ መዝሙር ዚምህረን መን እዩ፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ይሓትቱ። መልሲ ኽትህቦም ዝከኣለካ እኳ እንተ ገበርካ፡ ኵሉ ሳዕ ብቐሊሉ ኣይዓግቡን እዮም። ነቲ ዝሃብካዮም ብሉጽ መልሲ እኳ፡ ‘ስለምንታይ፧’ ዚብል ካልእ ሕቶ የስዕቡሉ ይዀኑ።

2 ሕቶ ዚሓትቱ ግና ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን። ምስ ዓበና እውን ምሕታት ኣይነቋርጽን ኢና። ንኣብነት፡ ኣንፈትና ንምፍላጥ፡ ኣብ ሓደጋ ኸይንኣቱ ንምጥንቃቕ፡ ወይ ናይ ምፍላጥ ድሌትና ንምርዋይ ንሓትት ኢና። ሓያሎ ሰባት ግና ብፍላይ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ምሕታት ይገድፍዎ ኣለዉ። እንተ ሓተቱ እውን መልሲ ኺረኽቡ ኣይጽዕሩን እዮም።

3. ብዙሓት ሰባት መልሲ ኣገዳሲ ሕቶታት ምድላይ ዚገድፍዎ ስለምንታይ እዮም፧

3 ነታ ኣብ ገበር እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘላ ሕቶ፡ ነተን ኣብ መቕድም ተጠቒሰን ዘለዋ ሕቶታት፡ ወይ ነዘን ኣብ መጀመርታ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ዘለዋ ሕቶታት እሞ ሕሰበለን። እዚኣተን ገለ ኻብቲ ኽትሓትቶ እትኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት እየን። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ኣየናድዩን እዮም። ስለምንታይ፧ ንምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልሲ ኣለዎ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክትርድኦ ኣዝዩ ዜጸግም ኰይኑ ይስምዖም። ገሊኦም ከኣ ሕቶታት ምሕታት መወዳእታኡ ዜሕፍሮም ከይከውን ይፈርሁ። ገሊኦም እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንመራሕትን ንመምህራንን ሃይማኖት እንተ ተሓድገ ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ርእይቶ እዩ ዘሎካ፧

4, 5. ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ኽንሓትቶ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት እንታይ ምጠቐስካ፧ ከይተሓለልና መልሲ ኽንደሊ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

4 ነቲ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ኸም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ‘ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧ ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ሕቶታት ምሕታት ጽቡቕ እዩ፣ ዜዕግብን ዜተኣማምንን መልሲ ኽሳዕ እትረክብ ድማ ካብ ምድላይ ከተቋርጽ የብልካን። እቲ ውሩይ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” በለ።—ማቴዎስ 7:7

5 ናይዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምርካብ ‘ብቐጻሊ እንተ ደሊኻ፡’ ጻዕርኻ ብዙሕ ጻማ ኺህልዎ እዩ። (ምሳሌ 2:1-5) ካልኦት ዚብሉኻ ብዘየገድስ፡ ብርግጽ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣሎ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ክትርድኦ እውን ዜጸግም ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ እቲ መልስታት ተስፋን ሓጐስን እዩ ዜምጽእ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ክትመርሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ብሓንቲ ንሓያሎ ሰባት እተጨንቕ ሕቶ ንጀምር።

ኣምላኽ ዘይሓልን ዘይድንግጽን ድዩ፧

6. ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንመከራ ደቂ ሰብ ብዚምልከት ዘይሓሊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

6 ብዙሓት ሰባት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ዚብል ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ‘ኣምላኽ ዚሓሊ ነይሩ እንተ ዚኸውን ደኣ ዓለምና ኸምዚ ዘላቶዶ ምዀነት፧’ ዚብል መረዳእታ ኸኣ የቕርቡ። ከባቢና ኽንርኢ ኸለና፡ ዓለም ብውግእን ጽልእን ጸበባን ዝመልአት እያ። ንሕና እውን ንሓምምን ንሳቐን ኢና፣ እንፈትዎም ሰባት ከኣ ይሞቱና እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ዚሓልየልናን ብዛዕባ ጸገማትና ዚግደስን እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣይመወገዶንዶ፧’ ይብሉ።

7. (ሀ) መምህራን ሃይማኖት ንብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ዘይድንግጽ ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ዚገብርዎም ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት እንታይ እዩ ዚምህር፧

7 እቲ ዝገደደ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ ናይ ሃይማኖት መምህራን ንሰባት፡ ኣምላኽ ዘይድንግጽ ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ይገብርዎም እዮም። ብኸመይ፧ ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ይብሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዞም መምህራን እዚኦም፡ በቲ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገራት ንኣምላኽ እዮም ተሓታቲ ዚገብርዎ። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ያእቆብ 1:13፡ “ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ’ ኣይበል” ትብል። እምበኣር፡ እቲ ኣብ ዓለም እትርእዮ እከይ ከቶ ኻብ ኣምላኽ ኣይመንጨወን። (እዮብ 34:10-12 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ሕማቕ ነገራት ኬጋጥም ይፈቅድ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንጎ ሓደ ነገር ኬጋጥም ምፍቃድን ነቲ ነገር ጠንቂ ምዃንን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ።

8, 9. (ሀ) ኣብ መንጎ ኽፍኣት ኪህሉ ምፍቃድን ነቲ ኽፍኣት ጠንቂ ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሕማቕ መገዲ ኺስዕቡ ብምፍቃዱ ኽንነቕፎ ቕኑዕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ጥበበኛን ፈቃርን ኣቦ እሞ ሕስብ ኣብል። እዚ ኣቦ እዚ ገና ምስኡ ዚነብር ዓብዪ ወዲ ኣለዎ ንበል። እቲ ወዲ ዓለወኛ ዀይኑ ኻብ ቤት ኪወጽእ ምስ ወሰነ፡ ኣቦኡ ኣይዓገቶን። እቲ ወዲ ኸኣ፡ ሕማቕ መገዲ ስዒቡ ኣብ ሽግር ይኣቱ። እሞኸ፡ እቲ ኣቦ ጠንቂ ጸገማት ወዱ ድዩ፧ ኣይፋልን። (ሉቃስ 15:11-13) ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ሕማቕ መገዲ ኺስዕቡ ምስ ዚደልዩ ኣምላኽ ኣይዓግቶምን እዩ፣ ጠንቂ እቲ ብሰንኪ እዚ ዚመጾም ጸገማት ግና ንሱ ኣይኰነን። እምበኣር፡ ንኣምላኽ ብዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ተሓታቲ ምግባር ቅኑዕ ኣይኰነን።

9 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሕማቕ መገዲ ኺስዕቡ ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎ። ጥበበኛን ሓያልን ፈጣሪና ኸም ምዃኑ መጠን፡ ምኽንያታቱ ንዓና ኺገልጸልና ግዴታ ዘይብሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ግና ገሊጹልና ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ምኽንያታት እዚ ኣብ ምዕራፍ 11 ብዝያዳ ኽትምሃር ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት ተሓታቲ ዘይምዃኑ ተኣማመን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ፍታሕ ንምርካብ ዜኽእል ተስፋ ንሱ ጥራይ እዩ ዚህበና!—ኢሳይያስ 33:2

10. ኣምላኽ ንዅሉ እቲ እከይ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ከም ዜዐርዮ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ ቅዱስ እዩ። (ኢሳይያስ 6:3) እዚ ኸኣ ንጹህን ጽሩይን ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ኣብኡ ኽፍኣት ዚብሃል የልቦን። ስለዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ሰባት ግና ሓድሓደ ግዜ ብልሽዋት ስለ ዚዀኑ ኽንኣምኖም ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕኑዕ ዚብሃል ሰብኣዊ ብዓል ስልጣን እውን እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሰባት ዚገብርዎ ኽፍኣት ኬዐርዮ ዓቕሚ የብሉን። ኣምላኽ ግና ኵሉ ዚኽእል ሓይሊ ኣለዎ። ንዅሉ እቲ እከይ ኣብ ደቂ ሰብ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ኬዐርዮ ይኽእል እዩ፣ ብርግጽ እውን ኬዐርዮ እዩ። ኣምላኽ ስጕምቲ ምስ ወሰደ፡ እከይ ንሓዋሩ ኣይኪህሉን እዩ!—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ዘይፍትሓዊ ነገራት ከመይ ይስምዖ፧

11. (ሀ) ኣምላኽ ብዛዕባ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከመይ ይስምዖ፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዜጋጥመካ መከራ ኸመይ ይስምዖ፧

11 እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዘሎን ብዛዕባ ህይወትካን ከመይ ይስምዖ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ፍትሒ ይፈቱ” ይብለና። (መዝሙር 37:28) ስለዚ፡ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዝዀነ ነገራት ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ኵሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይጸልእ እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ዓለም ብኽፍኣት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኸም ‘ዝጐሃየ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 6:5, 6) ኣምላኽ ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኽፍኣት ይጕሂ እዩ። ሰባት መከራ ኺወርዶም ኪርኢ ድማ ኣይደልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ” ይብል።1 ጴጥሮስ 5:7 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ፈቃር ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታት ምዃኑ ይምህረና

12, 13. (ሀ) ከም ፍቕሪ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኪህልወና ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ፍቕሪ ነቲ ብዛዕባ ዓለም ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ይጸልዎ፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

12 ኣምላኽ፡ መከራ ኸም ዚጸልእ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ካልእ መርትዖ ቐጺሉ ተጠቒሱ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ እዩ ዚገልጽ። (ዘፍጥረት 1:26) እምበኣር፡ ጽቡቕ ባህርያት ኪህልወና ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ባህርያት ስለ ዘለዎ እዩ። ንኣብነት፡ ንጹሃት ሰባት መከራ ኺወርዶም ምርኣይ ይርብሸካዶ፧ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ነገር ትግደስ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ኣምላኽ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዚስምዖ ተኣማመን።

13 ሓደ ኻብቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ብሉጽ ነገራት፡ ናይ ምፍቃር ክእለት እዩ። እዚ እውን ካብ ኣምላኽ እነንጸባርቖ ባህርይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ይምህረና። (1 ዮሃንስ 4:8) ኣምላኽ ስለ ዜፍቅር ኢና ንሕና እውን እነፍቅር። ኣብ ዓለም ዘሎ መከራን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን መወዳእታ ኽትገብረሉ ሓይሊ እንተ ዚህልወካ ነይሩ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ስጕምቲ ኣይምወሰድካንዶ፧ እወ፡ ከምኡ ምገበርካ። እምበኣር፡ ኣምላኽ ንመከራን ንዘይፍትሓውነትን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ መቕድም እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጠቕሰ ተስፋታት፡ ሕልሚ ወይ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ! ኣብዚ ተስፋታት እዚ እምነት ምእንቲ ኸተሕድር፡ ብዛዕባ እቲ ነዚ ተስፋታት እዚ ዘተስፈወ ኣምላኽ ዝያዳ ኽትፈልጥ ኣሎካ።

ኣምላኽ፡ መን ምዃኑ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ

ሓደ ሰብ ኪፈልጠካ እንተ ደሊኻዮ፡ ስምካ ደይኰንካን እትነግሮ፧ ኣምላኽ ከኣ ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ

14. ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ስለምንታይ ኢናኸ ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

14 ሓደ ሰብ ኪፈልጠካ እንተ ደሊኻዮ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ስምካ ደይኰንካን እትነግሮ፧ ኣምላኽከ ስም ኣለዎዶ፧ ሓያሎ ሃይማኖታት ስሙ “ኣምላኽ” ወይ “ጐይታ” ኸም ዝዀነ እየን ዚምልሳ። እዚ ግና ብሕታዊ ስም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ልክዕ ከም “ንጉስ” ወይ “ፕረዚደንት” መዓርግ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት ከም ዘለዎ ይምህር። “ኣምላኽ” ኰነ “ጐይታ” እውን ምስኡ እዩ ዚጽብጸብ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ፡ “የሆዋ” ዚብል ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ እውን ይምህረና እዩ። መዝሙር 83:18፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ትብል። ኣብቲ እትጥቀመሉ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ስም እዚ ዘይርከብ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ንምፍላጥ፡ ኣብታ “ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ። ከም ሓቂ ግና፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ስለዚ፡ የሆዋ ስሙ ኽትፈልጦን ክትጥቀመሉን ይደልየካ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይፋለጠካ እዩ ዘሎ።

15. እቲ የሆዋ ዚብል ስም እንታይ ማለት እዩ፧

15 ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ነዚ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ስም ንርእሱ መሪጽዎ። እቲ የሆዋ ዚብል ስሙ፡ ዝዀነ ይኹን ዘተስፈዎ ተስፋ ዀነ ዝዓለሞ ዕላማ ኺፍጽም ከም ዚኽእል የመልክት። * ስም ኣምላኽ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ በዚ ዚጽዋዕ። የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ፍሉይ እዩ። እዚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

16, 17. ካብቲ (ሀ) “ኵሉ ዚኽእል፡” (ለ) “ንጉስ ዘለኣለም፡” (ሐ) “ፈጣሪ፡” ዚብል መዓርግ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

16 መዝሙር 83:18 ብዛዕባ የሆዋ፡ “በይንኻ . . . ልዑል ምዃንካ” ኸም እትብል ርኢና ኢና። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ “ዅሉ ዚኽእል” ተባሂሉ ዘሎ። ራእይ 15:3፡ “ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ” ትብል። እቲ “ዅሉ ዚኽእል” ዚብል መዓርግ፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ይምህረና። ሓይሉ መወዳድርቲ የብሉን፣ ኰታስ ካብ ኵሉ ዝለዓለ እዩ። እቲ “ንጉስ ዘለኣለም” ዚብል መዓርጉ፡ የሆዋ ብኻልእ መገዲ እውን ፍሉይ ምዃኑ እዩ ዜዘኻኽረና። ንሱ ጥራይ እዩ ኻብ ዘለኣለም ዝነበረ። መዝሙር 90:2፡ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ” ትብል። እዚ ሓሳብ እዚ ኣኽብሮት ኪሓድረና ደይኰነን ዚድርኽ፧

17 የሆዋ በይኑ ፈጣሪ ብምዃኑ እውን ፍሉይ እዩ። ራእይ 4:11፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ትብል። ካብቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዘይረኣዩ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ለይቲ ኣብ ሰማይ ጫሕ ኢሉ ዚርአ ኸዋኽብቲ ዀነ ኽሳዕ እቲ ኣብ ኣእዋም ዚፈሪ ፍረ ዀነ ኽሳዕ እቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ወሓይዝን ዚሕምብስ ዓሳ፡ ኰታስ ኵሉ ነገራት ብየሆዋ እዩ ተፈጢሩ!

ንየሆዋ ኽትቀርቦ ትኽእልዶ፧

18. ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ከቶ ኪቐርብዎ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ እዩ ዚምህር፧

18 ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ኼንብቡ ኸለዉ፡ እተወሰነ ፍርሂ ይስምዖም እዩ። ኣምላኽ ካባታቶም ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ከቶ ኪቐርብዎ ኸም ዘይክእሉ ወይ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልዑል ኣምላኽ ዜገድሱ ኸም ዘይኰኑ ይስምዖም። እዚ ኣረኣእያ እዚ ቕኑዕ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ፡ ኣንጻር እዚ እዩ። የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ድማ ይገልጸልና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) አረ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል እውን ከይተረፈ ይምሕጸነና እዩ።—ያእቆብ 4:8

19. (ሀ) ንኣምላኽ ክንቀርቦ እንጅምር ብኸመይ ኢና፧ እንታይ ረብሓኸ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ኣየናይ ባህርያት ኣምላኽ እዩ ብዝያዳ ዚስሕበካ፧

19 ንኣምላኽ ብኸመይ ክትቀርቦ ትኽእል፧ ብቐዳምነት፡ ነዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ንምፍላጥ ጀሚርካዮ ዘለኻ ትምህርቲ ኣይተቋርጾ። የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ምፍላጥ ናብ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚመርሕ እዩ ዚምህር። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:16) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ሓያሎ ኻልእ ብሉጽን ዚስሕብን ባህርያት ኣለዎ። ንኣብነት፡ የሆዋ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” ምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ኣሎ። (ዘጸኣት 34:6) “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን” እዩ። (መዝሙር 86:5) ኣምላኽ ዕጉስ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እሙን እዩ። (ራእይ 15:4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ እዚ ኣብዚ እተጠቕሰን ካልእ ብዙሕ ዚስሕብ ባህርያትን ከም ዘለዎ ኽትርኢ ኢኻ።

20-22. (ሀ) ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይምኽኣልና፡ ናብኡ ኸይንቐርብ ይዓግተና ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ገለ ሰባት ካብ ሓልዮት ተደሪኾም እንታይ ክትገብር ኪደፋፍኡኻ ይኽእሉ፧ ንስኻ ግና እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

20 ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:17) እንተዀነ ግና፡ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እትረኽቦ ትምህርቲ፡ ብብሕቲ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝበሎ፡ “የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ምዃኑ” ኽትጥምት ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 27:4፣ ሮሜ 1:20) ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ ብዝያዳ እዩ ጋህዲ ዚዀነልካ፡ ከተፍቅሮን ክትቀርቦን ድማ ዝያዳ ምኽንያት ይህልወካ።

ሓደ ፈቃር ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ዘለዎ ዝዓበየ ፍቕሪ የንጸባርቕ

21 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኸም ኣቦና ጌርና ኽንርእዮ ዚምህረና ስለምንታይ ምዃኑ በብቝሩብ ክትርዳእ ኢኻ። (ማቴዎስ 6:9) ወሃብ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ዝዀነ ይኹን ፈቃር ኣቦ ንደቁ ዚምነየሎም ብሉጽ ህይወት ኪህልወና እዩ ዚደሊ። (መዝሙር 36:9) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ፈተውቲ የሆዋ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይምህር እዩ። (ያእቆብ 2:23) ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ፈታዊ እቲ ዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!

22 መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ምስ ጀመርካ፡ ሰባት ካብ ሓልዮት ተላዒሎም ነዚ መጽናዕቲ ኽትገድፎ ይደፋፍኡኻ ይዀኑ። እምነትካ ኸይትቕይር የተሓሳስቦም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ካብቲ ኽትምስርቶ እትኽእል ብሉጽ ዕርክነት ኬጐናድበካ ኣይተፍቅድ።

23, 24. (ሀ) ብዛዕባ እቲ እትምሃሮ ዘለኻ ትምህርቲ ሕቶታት ምሕታት ከተቋርጽ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) እዛ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እንታይ እያ እትገልጽ፧

23 ልክዕ እዩ፡ ፈለማ ዘይትርድኦ ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ክትሓትት ትሕትና ዜድልየካ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰንኪ ሕፍረት ግና ካብ ምሕታት ኣይትስነፍ። የሱስ፡ ከም ቈልዓ ትሑት ምዃን ጽቡቕ ምዃኑ ተዛረበ። (ማቴዎስ 18:2-4) ከም እንፈልጦ ኸኣ ቈልዑ ብዙሕ ሕቶታት ይሓትቱ እዮም። ኣምላኽ ድማ መልሲ ኽትረክብ ይደልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ህንጡያት ንዝነበሩ ገለ ሰባት ይንእዶም እዩ። ሓቂ ይምሃሩ ኸም ዘለዉ ንምርግጋጽ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ይምርምሩ ነበሩ።ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣንብብ።

24 ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ የሆዋ እንምሃረሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምምርማር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ እተፈልየ እዩ። ብኸመይ፧ እዛ እትቕጽል ምዕራፍ ነዚ ኽትገልጾ እያ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብታ “ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ብዛዕባ ትርጉምን ኣደማምጻን ስም ኣምላኽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።