ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሰለስተ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
  • ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

  • ንኣምላኽ ብድሆ ዝቐረበሉ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ መጻኢ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧

1. ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። የሆዋ፡ ምድሪ ብሕጉሳትን ጥዑያትን ሰባት ክትምላእ እዩ ዚደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ፡” ከምኡ እውን “ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ” ይብል። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም፡ ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ኣንቢሩ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:8, 9, 15) ስለዚ፡ ደቂ ሰብ ውሉዳት ኪወልዱን ነታ ዚነብሩላ ዝነበሩ ገነት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኼስፍሕዋን ንእንስሳታት ኪከናኸኑን ዕላማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።

2. (ሀ) ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ንምሕባር እንታይ ይብል፧

2 እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ዝገበሮ ዕላማ ዚፍጸምዶ ይመስለካ፧ ኣምላኽ፡ “ተዛሪበ እየ፡ . . . ክፍጽሞ እውን እየ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:9-11፣ 55:11) እወ፡ ንዝዓለሞ ዕላማ ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ! ንምድሪ፡ “ኪንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ [ከም] ዘይፈጠራ” ተዛሪቡ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ከመይ ዝበሉ ሰባት እዩ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ዚደልዮም፧ ኣብዚኸ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኺነብሩ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ይምልስ።—መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3, 4

3. ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምድሪ እንታይ ዜሕዝን ኵነታት እዩ ዘሎ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜልዕል፧

3 ክሳዕ ሕጂ፡ እዚ ፍጻመኡ ኸም ዘይረኸበ ንጹር እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ይሓሙን ይሞቱን፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ንሓድሕዶም ይበኣሱን ይቃተሉን እዮም። ገለ ሽግር ኣሎ። ኣምላኽ ንምድሪ ኸምቲ ሎሚ እንርእያ ኽትከውን ዕላማ ገይሩ ኸም ዘይነበረ ግና እተረጋገጸ እዩ። እንታይ ደኣ እሞ እዩ ኣጋጢሙ፧ ዕላማ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈጸመ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ሽግር ኣብ ሰማይ ስለ ዝጀመረ፡ ሰብ ዝጸሓፎ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ታሪኽ ነዚ ኺነግረና ኣይክእልን እዩ።

መበቈል እቲ ጸላኢ

4, 5. (ሀ) ንሄዋን ብተመን ገይሩ እተዛረባ መን እዩ፧ (ለ) ሓደ እሩምን ቅኑዕን ዝነበረ ሰብ ብኸመይ እዩ ሰራቒ ኪኸውን ዚኽእል፧

4 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ኣብ ገነት ኤደን ብዛዕባ እተጋህደ ተጻራሪ ኣምላኽ ትገልጽ። “ተመን” ተባሂሉ እኳ እንተ ተጸውዐ፡ እንስሳ ግና ኣይኰነን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን” ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” እውን ኢላ ትጽውዖ እያ። (ዘፍጥረት 3:1፣ ራእይ 12:9) ከምቲ ሓደ ኽኢላ ሰብ ንድምጹ ኻብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ባምቡላ ኸም ዚወጽእ ዘሎ ኣምሲሉ ዚዛረብ፡ እዚ ሓያል መልኣኽ ወይ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ እውን ብተመን ገይሩ ንሄዋን ተዛረባ። እዚ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ፡ ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን ኬዳልዋ ኸሎ ይርኢ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—እዮብ 38:4, 7

5 ይኹን እምበር፡ ኵሎም ፍጡራት የሆዋ ፍጹማት እንተ ነይሮም፡ እዚ “ድያብሎስ” ወይ “ሰይጣን” ካበይ እዩ መጺኡ፧ ብሓጺሩ ሓደ ኻብቶም ሓያላት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ባዕሉ ናብ ድያብሎስ ተቐየረ። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣብዚ ግዜና ሓደ እሩምን ቅኑዕን ዝነበረ ሰብ፡ ሰራቒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ እዩ እዚ ዚኸውን፧ እቲ ሰብ እቲ ግጉይ ባህግታት ኣብ ልቡ ኺዓቢ ኸሎ ስቕ ኢሉ ይርኢ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ብቐጻሊ ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ግጉይ ባህጊ ኣዝዩ ሓያል ኪኸውን ይኽእል። ድሕሪኡ ኣጋጣሚ እንተ ረኺቡ፡ ነቲ ኺሓስቦ ዝጸንሐ ሕማቕ ትምኒቱ ይፍጽሞ።—ያእቆብ 1:13-15 ኣንብብ።

6. ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6 ሰይጣን ድያብሎስ እውን ከምኡ እዩ ዀይኑ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋን ኪእዝዞም ከሎ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ‘ኵሎም እዞም ሰባት ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንዓይ ኬምልኹኒ ይኽእሉ እዮም!’ ኢሉ እውን ሓሲቡ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ልቡ ሕማቕ ባህጊ ኼሕድር ጀመረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንሄዋን ንምትላል ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሶት ነገራ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ “ድያብሎስ፡” ማለት “መካፍኢ፡” ከምኡ እውን “ሰይጣን፡” ማለት “ተጻራሪ” ዀነ።

7. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ስለምንታይ እዮም ሞይቶም፧ (ለ) ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ዚኣርጉን ዚሞቱን ስለምንታይ እዮም፧

7 ሰይጣን ድያብሎስ ሓሶትን ምትላልን ብምጥቃም ንኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ከም ዚጥሕሱ ገበሮም። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:6) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ እንተ ዘይተኣዚዞም ከም ዝሞቱ ዝገለጸሎም፡ ጸኒሖም ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:17-19) ኣዳም ምስ ሓጥአ ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ኵሎም ዘርኡ ኻብኡ ሓጢኣት ወረሱ። (ሮሜ 5:12 ኣንብብ።) ነዚ ዅነታት እዚ ብሓደ መቝሎ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል ኢና። እቲ መቝሎ ጥምባቝ እንተ ኣልይዎ፡ ኣብቲ መቝሎ ዚስንከት ኵሉ ቕጫ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ኵሉ ጥምባቝ ወይ ጕድለት ሒዙ እዩ ዚወጽእ። ብተመሳሳሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኣዳም ከም “ጥምባቝ” ጌርካ ኺውሰድ ዚከኣል ዘይፍጽምና ወሪሱ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ኵሎም ደቂ ሰብ ዚኣርጉን ዚሞቱን።—ሮሜ 3:23

8, 9. (ሀ) ሰይጣን እንታይ ክሲ እዩ ዝኸሰሰ፧ (ለ) ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧

8 ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናብ ምሕጣእ ኪመርሖም ከሎ፡ ብሓቂ ናብ ዕልወት እዩ ዚመርሖም ነይሩ። ነቲ የሆዋ ዚገዝኣሉ መገዲ እዩ ብድሆ ዜቕርበሉ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ኣምላኽ ክፉእ ገዛኢ እዩ። ይሕሱ፡ ንተገዛእቱ ኸኣ ጽቡቕ ነገር ይሓብኣሎም። ደቂ ሰብ ብኣምላኽ ኪግዝኡ ኣየድልዮምን እዩ። ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ኣነ እንተ ገዛእክዎም ከኣ ይሓይሽ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ኣምላኽ ነዚ ጸርፊ እዚ ብኸመይ እዩ መልሲ ዚህበሉ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ሽዑ ንሽዑ ኪቐትሎም ከም ዝነበሮ ይሓስቡ። እዚ ግና ነቲ ሰይጣን ዘበገሶ ኽሲ መልሲ ምሃበሉዶ፧ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ምተረጋገጸዶ፧

9 እቲ ፍጹም ፍትሒ የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ኪቐትሎም ኣይፈቐደሉን። ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ ብዜዕግብ መገዲ መልሲ ንምሃብን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ንምርግጋጽን ግዜ ኸም ዜድሊ ወሰነ። ስለዚ ድማ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ንእተወሰነ እዋን ባዕሎም ንርእሶም ኬመሓድሩ ፈቐደሎም። የሆዋ ስለምንታይ ከምዚ ኸም ዝገበረን ነዚ ጕዳይ እዚ መዕለቢ ኺገብረሉ ብዙሕ ግዜ ኺሓልፍ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑን ኣብ ምዕራፍ 11 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኺግለጽ እዩ። ሕጂ ግና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና፦ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ዘይገበረሎም ሰይጣን ብምእማኖም ጽቡቕ ድዮም ገይሮም፧ እቲ ዅሉ ነገራት ዝሃቦም የሆዋ ጨካንን ሓሳውን እዩ ኢሎም ኪኣምኑስ ቅኑዕ ድዩ ነይሩ፧ ንስኻኸ እንታይ ምገበርካ፧

10. ንሰይጣን መልሲ ብምሃብ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኽትቀውም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

10 ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ተመሳሳሊ ሕቶታት ስለ ዜጓንፈና፡ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ምሕሳብ ሰናይ እዩ። እወ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ መልሲ ብምሃብ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ንምቛም ኣጋጣሚ ኣሎካ። ንየሆዋ ኸም ገዛኢኻ ጌርካ ኽትቅበሎ ኸምኡ እውን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 73:28፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ካብቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ሒደት ጥራይ እዮም ነዚ ምርጫ እዚ ዝገበሩ። እዚ ኸኣ፡ ‘ሰይጣን ነዛ ዓለም ከም ዚገዝኣስ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ይምህር ድዩ፧’ ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል።

ነዛ ዓለም እዚኣ ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧

ሰይጣን ንዅለን መንግስትታት ዚገዝአን እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ንየሱስ “ክህበካ” ዝበሎ፧

11, 12. (ሀ) ንየሱስ ዝቐረበሉ ፈተና፡ ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምዃኑ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ ካልእ መርትዖ ኣሎ፧

11 የሱስ፡ ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ምዃኑ ፈጺሙ ኣይተጠራጠረን። ሓደ እዋን፡ ሰይጣን ንየሱስ ብተኣምራዊ መገዲ፡ “ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን” ኣርኣዮ። ድሕሪኡ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ኢሉ ተመባጽዓሉ። (ማቴዎስ 4:8, 9፣ ሉቃስ 4:5, 6) ነዚ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ሰይጣን ገዛኢ እዘን መንግስትታት እዚአን እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እቲ ዘቕረቦ ነገር ንየሱስ ፈተና ምዀኖዶ፧ የሱስ ኵለን እዘን መንግስትታት እዚአን ናይ ሰይጣን ኣይኰናን ኣይበለን። ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እንተ ዘይኰና ነይረን፡ ብርግጽ ከምኡ ምበሎ ነይሩ።

12 ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ፈጣሪ እዚ ዜደንቕ ፍጥረታትን እዩ። (ራእይ 4:11) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣምላኽ ኰነ የሱስ ክርስቶስ ንዓለም ከም ዚገዝእዋ ዚገልጽ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም” ኢልዎ እዩ። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30፣ 16:11) መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንሰይጣን ድያብሎስ፡ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ይብሎ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ተጻራሪ ወይ ሰይጣን እዚ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በለ።—1 ዮሃንስ 5:19

እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ከም እትጠፍእ

13. ሓዳስ ዓለም እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

13 ዓለም ካብ ዓመት ንዓመት ዝያዳ ሓደገኛ እናዀነት እያ ትኸይድ ዘላ። ብዚዋግኡ ሰራዊት፡ ብመታለልቲ ፖለቲከኛታት፡ ብግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ እውን ረጒድ ብዝቘርበቶም ገበነኛታት መሊኣ እያ ዘላ። ንምሉእ ዓለም ብሓፈሻ ምሕዳስ ዘይከኣል እዩ። ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ዜወግደሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ጽድቂ ብዚሰፍና ሓዳስ ዓለም ድማ ክትትካእ እያ።—ራእይ 16:14-16

14. ኣምላኽ ንመን እዩ ገዛኢ መንግስቱ ኪኸውን ዝመረጾ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

14 የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ገዛኢ ሰማያዊት መንግስቲ ኪኸውን መሪጽዎ ኣሎ። ነዊሕ ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውሉድሲ ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና፣ መንግስቲ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ስሙ ድማ . . . መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ። . . . ንዕቤት ግዝኣቱን ንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ” ኢሉ ተነበዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፡ እግረ ጽሑፍ) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) ጸኒሕና ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ዓለም ከተጥፍአንን ባዕላ ኽትትክአንን እያ። (ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ።

ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ!

15. “ሓዳስ ምድሪ” እንታይ እያ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ [ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ]፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ንጽበ ኣለና” ብምባል የረጋግጸልና። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ኢሳይያስ 65:17) ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምድሪ” ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ማለቱ እዩ። (ዘፍጥረት 11:1) ስለዚ፡ እታ ጽድቂ ዚነብረላ “ሓዳስ ምድሪ፡” ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ህዝቢ ማለት እያ።

16. ኣምላኽ ነቶም ሞገሱ ዚረኽቡ እንታይ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እዩ ዚህቦም፧ ነዚ ንምርካብከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 የሱስ ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም፡ እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዘለዎም ዘበሉ ውህበት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚረኽቡ ኣተስፍዩ እዩ። (ማርቆስ 10:30) በጃኻ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ዮሃንስ 3:16ን 17:3ን ገንጺልካ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣመልኪቱ የሱስ እተዛረቦ ዘረባ ኣንብብ። ሕጂ እቶም ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዚበቕዑ ሰባት ብዛዕባ ዚረኽብዎ በረኸት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ።

17, 18. ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰላምን ደሓንን ኪኸውን ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

17 እከይን ውግእን ገበንን ዓመጻን ኣይኪህሉን እዩ። “እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።” (መዝሙር 37:10, 11) ‘ኣምላኽ ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ስለ ዚገብረሉ፡’ ሰላም ኪህሉ እዩ። (መዝሙር 46:9፣ ኢሳይያስ 2:4) ድሕሪኡ፡ “እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7

18 ኣምለኽቲ የሆዋ ብህድኣት ኪነብሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ክሳዕ እተኣዘዙ፡ ብህድኣት ይነብሩ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 25:18, 19) ኣብ ገነት ከምዚ ዝኣመሰለ ደሓን ረኺብካ ምንባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!—ኢሳይያስ 32:18 ኣንብብ፣ ሚክያስ 4:4

19. ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም እኹል ምግቢ ኺህሉ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

19 ዋሕዲ ምግቢ ኣይኪህሉን እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 72:16) የሆዋ ኣምላኽ ንጻድቃኑ ኺባርኾም እዩ፣ ብዘይካዚ፡ “ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ።”—መዝሙር 67:6

20. ምልእቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። እታ ብሓጥኣን ሰባት ዓንያ ዝነበረት ምድሪ፡ ባህ ብዜብል ሓደስቲ ኣባይትን ስፍራ ኣታኽልትን ክትመልእ እያ። (ኢሳይያስ 65:21-24 ኣንብብ፣ ራእይ 11:18) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ምልእቲ ምድሪ በብቝሩብ ከም ገነት ኤደን ጽብቕትን ፍርያምን ክትከውን እያ። ኣምላኽ እውን ‘ኢዱ ኸፊቱ ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኼዕግብ’ እዩ።—መዝሙር 145:16

21. ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ኪሰፍን ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

21 ኣብ መንጎ ሰባትን እንስሳታትን ሰላም ኪሰፍን እዩ። ኣራዊትን እንስሳ ዘቤትን ብሓባር ኪበልዑ እዮም። ሕጻን እውን እንተ ዀነ ነቶም ሕጂ ሓደገኛታት ዝዀኑ እንስሳታት ኣይኪፈርሆምን እዩ።—ኢሳይያስ 11:6-9 ኣንብብ፣ 65:25።

22. ሕማም እንታይ ኪኸውን እዩ፧

22 ሕማም ኪጠፍእ እዩ። የሱስ ገዛኢ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዩ ብዝዓበየ ደረጃ ንሰባት ኬሕዊ እዩ። (ማቴዎስ 9:35፣ ማርቆስ 1:40-42፣ ዮሃንስ 5:5-9) ሽዑ፡ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6

23. ትንሳኤ ንልብና ዜሐጕሶ ስለምንታይ እዩ፧

23 ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ደጊም ከይሞትካ ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት እንደገና ህያዋን ኪዀኑ እዮም። እወ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ኪኸውን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።

24. ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብዛዕባ ምንባር ከመይ ይስምዓካ፧

24 ነቶም ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኪምሃሩን ንዕኡ ኼገልግልዎን ዚደልዩስ ኣብ መጻኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ነገራት ኰን እዩ ዚጽበዮም ዘሎ! የሱስ ነቲ ኣብ ጐድኑ ዝሞተ ገበነኛ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ ኺመባጽዓሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ ምምጻእ እዛ ገነት እዚኣ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 23:43) ብዛዕባ እቲ ብእኡ ኣቢሉ እዚ ዅሉ በረኸት ኪህሉ ዝኸኣለ የሱስ ክርስቶስ ዝያዳ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።