ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
  • የሱስ እንታይ ፍሉይ ግደ እዩ ዘለዎ፧

  • ካበይ እዩ መጺኡ፧

  • ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ባህርያት ነበሮ፧

1, 2. (ሀ) ብዛዕባ ሓደ ውሩይ ሰብ ምፍላጥካ፡ ብሓቂ ትፈልጦ ኢኻ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ የሱስ እንታይ ምድንጋር እዩ ዘሎ፧

ኣብ ዓለም ብዙሓት ውሩያት ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ማሕበረሰቦም፡ ኣብ ከተማኦም፡ ወይ ኣብ ሃገሮም ፍሉጣት እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም እዮም ዚፍለጡ። እንተዀነ ግና፡ ስም ሓደ ውሩይ ሰብ ምፍላጥካ ጥራይ፡ ንዕኡ ብሓቂ ትፈልጦ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ መበቈሉን ባህርያቱን እውን ብዝርዝር ትፈልጥ ኢኻ ማለት ኣይኰነን።

2 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር እኳ ይነብር እንተ ነበረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብዛዕባኡ ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ ሰሚዖም እዮም። እንተዀነ ግና፡ የሱስ ብሓቂ መን ምዃኑ ብዙሓት ይደናገሩ እዮም። ገሊኦም ሕያዋይ ሰብ ጥራይ ከም ዝነበረ ይዛረቡ። ገሊኦም ነብዪ ጥራይ እዩ ነይሩ ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ኪምለኽ ከም ዘለዎን ይኣምኑ። እሞኸ ኺምለኽ ኣለዎ ድዩ፧

3. ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እቲ ሓቂ ኽትፈልጥ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

3 ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ይብል። (ዮሃንስ 17:3) እወ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እቲ ሓቂ ምፍላጥ፡ ናብቲ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 14:6) ብዘይካዚ፡ ናብራና ኸመይ ኪኸውን ከም ዘለዎን ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎናን ብዚምልከት የሱስ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብ ቀዳመይቲ ምዕራፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ተገሊጹልና ኣሎ። ሕጂ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ንርአ።

እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ

4. እቲ “መሲሕ” ከምኡ እውን “ክርስቶስ” ዚብል መዓርጋት እንታይ ማለት እዩ፧

4 ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚሰድዶ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ተነብዩ ነይሩ። እቲ “መሲሕ” (ናይ እብራይስጢ ቓል) ከምኡ እውን “ክርስቶስ” (ናይ ግሪኽ ቃል) ዚብል መዓርጋት፡ “ቅቡእ” ማለት እዩ። እዚ ተስፋ እተገብረሉ ቕቡእ ድማ፡ ፍሉይ ቦታ ኺህልዎ ብኣምላኽ እተሸመ እዩ። ጸኒሕና ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ እንረኽቦ ምዕራፋት፡ እቲ መሲሕ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳሲ ቦታ ኽንምሃር ኢና። ብዛዕባ እቲ የሱስ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኼምጽኣልና ዚኽእል በረኸት ድማ ክንምሃር ኢና። የሱስ ከይተወልደ ኸሎ ግና ብዙሓት ‘እቲ መሲሕ መን ኰን ይኸውን፧’ ኢሎም ከም ዝሓሰቡ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

5. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ዝነበሩ፧

5 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ንሱ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑ ነበሩ። (ዮሃንስ 1:41) ስምኦን ጴጥሮስ ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ንየሱስ “ንስኻ ክርስቶስ . . . ኢኻ” ኢሉ ብንጹር ተዛረቦ። (ማቴዎስ 16:16) እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ኰኑ ንሕና፡ የሱስ ብሓቂ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

6. የሆዋ እሙናት ንዘበሉ ነቲ መሲሕ ኬለልይዎ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኣብርህ።

6 ቅድሚ የሱስ ዝነበሩ ነብያት ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ተነብዮም ነይሮም። እዚ ዝርዝራት እዚ፡ ሰባት ነቲ መሲሕ ኬለልይዎ ዚሕግዝ እዩ። ነዚ ድማ በዚ ዚስዕብ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል ኢና፦ ናብ መደበር ኣውቶቡስ ወይ መደበር ባቡር ኬድካ ቕድሚ ሕጂ ረኺብካዮ ንዘይትፈልጥ ሰብ ከተምጽእ ተሓቲትካ ንበል። ብዛዕባኡ እተወሰነ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ተዋሂቡካ ኣይምሓገዘካንዶ፧ ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ በቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ነብያት ኣቢሉ እቲ መሲሕ እንታይ ከም ዚገብርን እንታይ ከም ዜጋጥሞን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ሓያሎ ትንቢታት ፍጻመኡ ምርካቡ ነቶም እሙናት ዘበሉ ብንጹር ኬለልይዎ ይሕግዞም።

7. ንየሱስ ብዚምልከት እንታይ ክልተ ትንቢት እዩ ፍጻመኡ ዝረኸበ፧

7 ክልተ ኣብነት ጥራይ ርአ። ቀዳማይ፡ ነብዪ ሚክያስ ልዕሊ 700 ዓመት ኣቐዲሙ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይሁዳ እትርከብ ቤት-ልሄም እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኸም ዚውለድ ተነብዩ ነይሩ። (ሚክያስ 5:2) እሞኸ የሱስ ኣበይ እዩ ተወሊዱ፧ እወ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ እዩ ተወሊዱ! (ማቴዎስ 2:1, 3-9) ካልኣይ፡ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ኣብ ዳንኤል 9:25 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ እቲ መሲሕ ዚመጸላ ዓመት 29 ድ.ክ. ምዃና ሓቢሩ ነይሩ። * እዝን ካልእ ትንቢታትን ፍጻመኡ ምርካቡ፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ።

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ

8, 9. የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ መሲሕ ምዃኑ ብምንታይ እዩ ንጹር ዝዀነ፧

8 ኣብ ኣጋ መወዳእታ 29 ድ.ክ. የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ ንጹር ኰነ። የሱስ ኣብታ ዓመት እቲኣ እዩ ብዮሃንስ መጥመቕ ኪጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ ዝኸደ። ዮሃንስ ነቲ መሲሕ ምእንቲ ኼለልዮ፡ የሆዋ ምልክት ከም ዚህቦ ተመባጺዑሉ ነይሩ። የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን ዮሃንስ ነቲ ምልክት ረኣየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገራት ከምዚ ብምባል ይነግረና፦ “የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፣ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ። እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ መጸ።” (ማቴዎስ 3:16, 17) ዮሃንስ ነቲ ዝዀነ ነገር ምስ ረኣየን ምስ ሰምዐን፡ የሱስ ብኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ኣይሓደሮን። (ዮሃንስ 1:32-34) በታ መዓልቲ እቲኣ መንፈስ ኣምላኽ ወይ መስለጢ ሓይሉ ኣብ የሱስ ምስ ወረደ፡ እቲ መስፍንን ንጉስን ኪኸውን እተሸመ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰነ።—ኢሳይያስ 55:4

9 እቲ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ዝሃቦ ምስክርነትን፡ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ብንጹር የርኢ እዩ። እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስቶስ ክልተ ኻልእ ኣገዳሲ ሕቶታት እውን ይምልስ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ‘ካበይ እዩ መጺኡ፧ እንታይ ባህርያትከ ነበሮ፧’ ዚብል እዩ።

የሱስ ካበይ እዩ መጺኡ፧

10. የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እንታይ ከም ዝነበረ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፧

10 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ እተነበየ ሚክያስ፡ መበቈሉ “ኻብ ጥንቲ” ምዃኑ እውን ገሊጹ እዩ። (ሚክያስ 5:2) የሱስ ንባዕሉ ሰብ ኰይኑ ተወሊዱ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ይነብር ምንባሩ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:13፣ 6:38, 62 ኣንብብ፣ 17:4, 5) መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ነበሮ።

11. የሱስ ንየሆዋ ኣዝዩ ፍቱው ወዱ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብረና፧

11 የሱስ ንየሆዋ ኣዝዩ ፍቱው ወዱ እዩ። ነዚ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። መጀመርታ ፍጥረት ብምንባሩ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ኣሎ። * (ቈሎሴ 1:15) ነዚ ወዲ እዚ ኻልእ ፍሉይ ዝገበሮ ነገር እውን ኣሎ። ንኣምላኽ “ሓደ ወዱ” እዩ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ድማ ኣምላኽ ብቐጥታ ንዕኡ ጥራይ እዩ ፈጢርዎ ማለት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ኻልእ ነገራት ኪፈጥር ከሎ ንየሱስ ጥራይ እዩ ተጠቒሙሉ። (ቈሎሴ 1:16) ብዘይካዚ የሱስ፡ “እቲ ቓል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 1:14) እዚ ኸኣ ኣፈኛ ኣምላኽ ምዃኑ ኸምኡ እውን ነቶም መንፈሳውያን ኰኑ ሰብኣውያን ደቂ ኣምላኽ መልእኽትታትን መምርሒታትን ኣምላኽ ዜብጽሓሎም ምዃኑ ይሕብረና።

12. እቲ በዅሪ ወዲ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 ከምቲ ገሊኦም ዚኣምንዎ፡ እዚ በዅሪ ወዲ እዚ ማዕረ ኣምላኽ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ኣይምህርን እዩ። ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ከም እተገልጸ፡ እቲ ወዲ ፍጡር እዩ። እምበኣር፡ መጀመርታ ኸም ዝነበሮ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ የሆዋ ኣምላኽ ግና መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን። (መዝሙር 90:2) እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ምስ ኣቦ ማዕረ ኪኸውን እውን ፈጺሙ ኣይፈተነን። ኣቦ ኻብ ወዲ ኸም ዚዓቢ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይምህር እዩ። (ዮሃንስ 14:28 ኣንብብ፣ 1 ቈረንቶስ 11:3) የሆዋ ጥራይ እዩ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ።” (ዘፍጥረት 17:1) ስለዚ፡ መዳርግቲ የብሉን። *

13. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ወዲ፡ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” ኪብሎ ኸሎ እንታይ ማለት እዩ፧

13 የሆዋን እቲ በዅሪ ወዱን እዚ ኸዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማያት ኰነ ምድሪ ኸይተፈጥረ ኸሎ ብቢልዮናት ንዚቝጸር ዓመታት ብሓባር ነይሮም እዮም። ክሳዕ ክንደይ ኰን ይፋተዉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዮሃንስ 3:35፣ 14:31) እቲ ፍቑር ወዲ ልክዕ ከም ኣቦኡ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” ዚብሎ። (ቈሎሴ 1:15) እወ፡ ከምቲ ሰብኣዊ ወዲ ምስ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ዚመሳሰል፡ እቲ ሰማያዊ ወዲ እውን ንባህርያት ኣቦኡ እዩ ዜንጸባርቕ።

14. እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ሰብ ኰይኑ እተወልደ፧

14 እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ፡ ሰብ ኰይኑ ንምንባር ብፍቓዱ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጸ። እንተዀነ ግና፡ ‘ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ከመይ ኢሉ እዩ ሰብ ኰይኑ ዚውለድ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ነዚ ንምፍጻም የሆዋ ተኣምር እዩ ገይሩ። ንህይወት እቲ በዅሪ ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም እትብሃል ኣይሁዳዊት ድንግል ኣመሓላለፎ። ኣብዚ ተግባር እዚ ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ግደ ኣይነበሮን። በዚ ኸምዚ ኸኣ ማርያም ፍጹም ወዲ ወለደት፣ የሱስ ኢላ እውን ሰመየቶ።—ሉቃስ 1:30-35

የሱስ እንታይ ባህርያት ነበሮ፧

15. ብየሱስ ኣቢልና ንየሆዋ ብዝያዳ ንፈልጦ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብየሱስ ኣቢልና ንየሆዋ ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ወዲ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ ምዃኑ ኣይትረስዕ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ዝበሎ። (ዮሃንስ 14:9) እቲ ወንጌላት ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ ዚብሃል መጻሕፍቲ፡ ብዛዕባ ህይወትን ንጥፈታትን ባህርያትን የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ እዩ ዚነግረና።

16. የሱስ ብቐዳምነት ዜመሓላልፎ ዝነበረ መልእኽቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ትምህርቱኸ ናይ መን እዩ፧

16 የሱስ “መምህር” ብምዃኑ እዩ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ነይሩ። (ዮሃንስ 1:38፣ 13:13) እንታይከ እዩ ዚምህር ነይሩ፧ ብቐዳምነት “ብስራት መንግስቲ፡” ማለት እታ ንምልእቲ ምድሪ እትገዝኣ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቂ ሰብ መወዳእታ ዘይብሉ በረኸት ከተምጽኣሎም ምዃና እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማቴዎስ 4:23) እዚ መልእኽቲ እዚኸ ናይ መን እዩ፧ የሱስ ባዕሉ፡ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃንስ 7:16) ኣቦኡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸም ዝደለዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 8 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እትፍጽሞ ነገራትን ዝያዳ ኽንምሃር ኢና።

17. የሱስ ኣበይ እዩ ዚምህር ዝነበረ፧ ንሰባት ንምምሃር ክንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ ዝገበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ ኣበይ እዩ ዚምህር ዝነበረ፧ ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ዘበለ እዩ ምሂሩ። ገለ ኻብዚ ኣብ ገጠራት፡ ኣብ ከተማታት፡ ኣብ ኣቝሻት፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኣባይቲ ምሂሩ እዩ። ሰባት ናብኡ ኺመጹ ኣይተጸበዮምን። የግዳስ፡ ንሱ ናባታቶም ይኸይድ ነበረ። (ማርቆስ 6:56፣ ሉቃስ 19:5, 6) ክንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ ዝገበረን ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ብዙሕ ግዜ ዘሕለፈን ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር እዩ ደልይዎ። የሱስ ወትሩ ፍቓድ ኣቦኡ ይገብር ነበረ። (ዮሃንስ 8:28, 29) እንተዀነ ግና፡ ካልእ ዝሰበኸሉ ምኽንያት እውን ነይርዎ እዩ። ነቶም ኪርእይዎ ዝመጹ ህዝቢ ይድንግጸሎም ነበረ። (ማቴዎስ 9:35, 36 ኣንብብ።) በቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን እቲ ሓቂ ኺምህርዎም ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖቶም እተረስዑ እዮም ነይሮም። እቶም ህዝቢ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜድልዮም የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

18. ካብ ባህርያት የሱስ ኣየናይ እዩ ብዝያዳ ዚስሕበካ፧

18 የሱስ ፈቃርን ለዋህን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካልኦት ብቐሊሉ ይቐርብዎ ነበሩ፣ ሕያዋይ ኰይኑ ድማ ረኸብዎ። ንቘልዑ እኳ ኸይተረፈ ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 10:13-16) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዘየዳሉ ነበረ። ብልሽውናን ዘይፍትሓውነትን ይጸልእ ነበረ። (ማቴዎስ 21:12, 13) ንደቂ ኣንስትዮ ኽብሪ ዀነ ሓላፍነት ኣብ ዘይውሃበሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን ነይሩ። (ዮሃንስ 4:9, 27) ብሓቂ ድማ ትሑት እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ ብትሑታት ኣገልገልቲ ዚግበር ዕዮ ፈጸመ።

የሱስ፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ይሰብኽ ነበረ

19. የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት ኣጸቢቑ ይግደስ ምንባሩ ኻብ ኣየናይ ኣብነት ክንርኢ ንኽእል፧

19 የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ዜድልዮም ነገራት ኣጸቢቑ ይግደስ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ብተኣምራት ንብዙሓት ኣብ ዘሕወየሉ እዋን ንጹር ኰነ። (ማቴዎስ 14:14) ንኣብነት፡ ሓደ ድዉይ ናብ የሱስ መጺኡ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” በሎ። የሱስ እቲ ሰብኣይ ዜሕልፎ ዝነበረ ስቓይ ተሰምዖ። ብድንጋጽ ተደሪኹ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፣ “እደሊ እየ። ንጻህ” ከኣ በሎ። እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሰብኣይ እውን ሓወየ። (ማርቆስ 1:40-42) እቲ ሰብኣይ ከመይ ከም እተሰምዖስ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧

ክሳዕ መወዳእታ እሙን

20, 21. የሱስ ንኣምላኽ እሙን ብምዃን ዝመጸ ኣብነት ዝሓደገልና ብኸመይ እዩ፧

20 የሱስ ንኣምላኽ ብተኣማንነት እዙዝ ብዛዕባ ምዃን ዝመጸ ዝበለጸ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና። ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ምጽራርን ስቓይን የጋጥሞ ብዘየገድስ ንሰማያዊ ኣቦኡ እሙን ኰነ። ነቲ ሰይጣን ዘምጸኣሉ ፈተናታት እውን ብጽንዓትን ብዓወትን ሰገሮ። (ማቴዎስ 4:1-11) ሓደ እዋን ገለ ኻብቶም ኣዝማዱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ፣ አረ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን “ተጸሊሉ” ኢሎም እዮም። (ማርቆስ 3:21) የሱስ ግና ብኣታቶም ኣይተጸልወን፣ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከኣ ኣተኰረ። ጸርፍን ወጽዓን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንተጻረርቱ ኸይጐድእ ርእሱ ገትአ።—1 ጴጥሮስ 2:21-23

21 የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ኰነ—እወ፡ ክሳዕ እቲ ብኢድ ጸላእቱ ዝወረዶ ዜስካሕክሕን ዜሳቕን ሞት እሙን ኰነ። (ፊልጲ 2:8 ኣንብብ።) ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እንታይ ከም እተዓገሰ እሞ ሕስብ ኣብል። በታ መዓልቲ እቲኣ ተታሕዘ፡ ብሓሰውቲ መሰኻኽር ተኸስሰ፡ ብብልሽዋት ደያኑ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈርደ፡ መስሓቕ ጭፍራ ሰባት ኰነ፡ ብወተሃደራት ከኣ ተሳቐየ። ኣብ ጕንዲ ተሸንኪሩ ኸሎ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ እስትንፋሱ “ተፈጺሙ!” ኢሉ ጨደረ። (ዮሃንስ 19:30) ምስ ሞተ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ግና እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኣተንስኦ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብኡ ኸኣ፡ “ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ” እዩ፣ ንጉሳዊ ስልጣኑ ኺውሃቦ ድማ ተጸበየ።—እብራውያን 10:12, 13

22. የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

22 የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን እንታይ እዩ ፈጺሙ፧ ሞት የሱስ ምስቲ ናይ ፈለማ ዕላማ የሆዋ ብምስምማዕ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ትንቢት ዳንኤል ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብታ “ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።

^ ሕ.ጽ. 11 የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣቦ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 64:8) የሱስ ብኣምላኽ ስለ እተፈጥረ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ኰኑ ኣዳም፡ ደቂ ኣምላኽ ተባሂሎም ተጸዊዖም እዮም።—እዮብ 1:6፣ ሉቃስ 3:38

^ ሕ.ጽ. 12 እቲ በዅሪ ወዲ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ተወሳኺ መርትዖ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።