ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሽዱሽተ

ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧

ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧
  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

  • ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

  • ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ምፍላጥና ዜጸናንዕ ድዩ፧

1-3. ሰባት ብዛዕባ ምዉታት እንታይ ሕቶታት እዮም ዚሓትቱ፧ እተፈላለያ ሃይማኖታትከ እንታይ መልሲ እየን ዚህባ፧

ሰባት ነዘን ሕቶታት እዚአን ንኣሽሓት ዓመታት ኪሓትቱ ጸኒሖም እዮም። ብሓቂ ድማ ኣገደስቲ ሕቶታት እየን። መንነትና ዀነ እንነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ መልሰን የገድሰና እዩ።

2 ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ፡ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ብኸመይ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝኸፈተ ርኢና ኢና። “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ዚብሃለሉ እዋን ኪመጽእ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚንበ እውን ተማሂርና ኢና። (ራእይ 21:4) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግና ኵላትና ንመውት ኢና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም” በለ። (መክብብ 9:5) ብእተኻእለና መጠን ዝነውሐ ዕምሪ ኺህልወና ኢና እንደሊ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ንሓስብ ኢና።

3 እነፍቅሮም ሰባት ምስ ሞቱና፡ ንሓዝን ኢና። ‘እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ይሳቐዩ ድዮም ዘለዉ፧ ይሕልዉና ድዮም ዘለዉ፧ ክንሕግዞም ንኽእልዶ፧ እንደገና ንርእዮምዶ ዀን ንኸውን፧’ ኢልና ኸኣ ንሓትት ንኸውን። ሃይማኖታት ዓለም ነዘን ሕቶታት እዚአን እተፈላለየ መልስታት እየን ዚህባ። ገሊአን፡ ብህይወት ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ቅኑዕ እንተ ኔርካ፡ ናብ ሰማይ ትኸይድ፡ ክፉእ እንተ ኔርካ ግና፡ ኣብ መሳቐዪ ቦታ ትቃጸል ኢለን ይምህራ። ገሊአን ሃይማኖታት ከኣ፡ ሰባት ምስ ሞቱ ምስ ኣቦታቶም ንምዃን ናብ መንፈሳዊ ዓለም ይሰግሩ ኢለን ይምህራ። ገሊአን እውን፡ ምዉታት ኪፍረዱ ናብ ካልኣይ ዓለም ይኸዱ፡ ድሕሪኡ ዳግም ስጋ ለቢሶም ይውለዱ ኢለን ይምህራ።

4. ብዙሓት ሃይማኖታት እንታይ ሓባራዊ መሰረታዊ ሓሳባት እዩ ዘለወን፧

4 ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ሓደ ሓባራዊ ሓሳብ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ስጋና ምስ ሞተ እተወሰነ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ነገር ከይሞተ ይተርፍ ዚብል እዩ። ዳርጋ ዅለን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበራ ዀና ሕጂ ዘለዋ ሃይማኖታት፡ ክንርእን ክንሰምዕን ክንሓስብን እንኽእል ኴንና ንዘለኣለም ንነብር ኢና ዚብል እምነት ኣለወን። እዚ ግና ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ህዋሳትና ዀነ ሓሳባትና ምስ ሓንጎልና እተተሓሓዘ እዩ። ክንመውት ከለና ሓንጎልና ስርሑ የቋርጽ። ተዘክሮታትናን ስምዒታትናን ህዋሳትናን ብገለ ተኣምራዊ መገዲ ንበይኑ ኺዓዪ ኣይጅምርን እዩ። ሓንጎልና ሓመድ ድሕሪ ምዃኑ እዚ ነገራት እዚ ኣይቅጽልን እዩ።

ሰብ ምስ ሞተ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

5, 6. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ እዩ ዚምህር፧

5 ሰብ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዚኸውን፡ ነቲ ፈጣሪ ሓንጎል ዝዀነ የሆዋ ምስጢር ኣይኰነን። ነቲ ሓቂ ይፈልጦ እዩ፣ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ገሊጹልና ኣሎ። ብንጹር ድማ ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና፦ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ምንባር የቋርጽ። ሞት ኣንጻር ህይወት እዩ። ምዉታት ኣይርእዩን፡ ኣይሰምዑን፡ ወይ ኣይሓስቡን እዮም። ምስ ሞትና ዋላ ሓንቲ ኽፋል ኣካልና እውን ምንባር ኣይትቕጽልን እያ። ዘይትመውት ነፍሲ ወይ መንፈስ የብልናን። *

እታ ሃልሃልታ ናበይ እያ ኸይዳ፧

6 ሰሎሞን ህያዋን ከም ዚሞቱ ዚፈልጡ ምዃኖም ድሕሪ ምዝራቡ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” በለ። ቀጺሉ ምዉታት ኬፍቅሩን ኪጸልኡን ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ ከምኡ እውን፡ “ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን” ብምባል ነዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ኣደልደሎ። (መክብብ 9:5, 6, 10 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ መዝሙር 146:4 ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ “ሓሳባቱ ይጠፍእ” ትብል። ንሕና መወትቲ ኢና፣ ስጋና ድሕሪ ሙማቱ ኸኣ ምንባር ኣይንቕጽልን ኢና። ህይወትና ኸም እትነድድ ሃልሃልታ ሽምዓ እያ። እታ ሃልሃልታ ምስ ጠፍአት፡ ናብ እትኸዶ የብላን። ብሓጺሩ ጠፊኣ እያ።

የሱስ ብዛዕባ ሞት ዝበሎ ነገራት

7. ሞት እንታይ ምዃኑ የሱስ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ተዛሪቡ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ሓደ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ኣልኣዛር ዚብሃል ሰብኣይ ከም ዝሞተ ፈለጠ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ” ኢሉ ተዛረቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣልኣዛር ካብ ሕማሙ ንምጥዓይ ደቂሱ ኸም ዘሎ መሰሎም። የሱስ ግና ከምኡ ማለቱ ኣይነበረን። ስለዚ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። (ዮሃንስ 11:11-14 ኣንብብ።) የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ከም ዘመሳሰሎ ኣስተብህል። ኣልኣዛር ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ዜቃጽል ሲኦል ኣይነበረን። ምስ መላእኽቲ ዀነ ምስ ኣቦታቱ ኣይተራኸበን። ከም ካልእ ሰብ ኰይኑ እውን ዳግም ኣይተወልደን። ምስ ሕልሚ ዘይብሉ ኸቢድ ድቃስ ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ኰይኑ ብሞት ዓሪፉ እዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ንሞት ምስ ድቃስ የመሳስሎ እዩ። ንኣብነት፡ እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር ብዳርባ እምኒ ምስ ተቐትለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ደቀሰ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 7:60፡ እግረ ጽሑፍ።) ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ሞይቶም ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ደቂሶም ኣለዉ” ኢሉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 15:6፡ እግረ ጽሑፍ።

የሆዋ ንሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም

8. ሰባት ኪሞቱ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

8 ሰባት ኪሞቱ ኻብ ፈለማ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! የሆዋ ንሰብ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ ፈጢርዎ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐዲምና ኸም እተምሃርናዮ፡ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ባህ ኣብ እተብል ገነት እዩ ኣንቢርዎም። ፍጹም ጥዕና ብምሃብ ከኣ ባረኾም። የሆዋ ጽቡቖም ጥራይ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ደቁ እርጋንን ሞትን ኪረኽቦም ዚደሊ ፈቃር ወላዲ ኣሎዶ፧ ከቶ የልቦን! የሆዋ እውን ንደቁ የፍቅሮም፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ሕጉሳት ኪዀኑ ድማ ይደልዮም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባት፡ “[የሆዋ] ንዘለኣለማውነት እኳ ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:11) ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ዘሎና ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ነዚ ድሌት እዚ ንምምላእ ድማ መገዲ ኸፊቱ ኣሎ።

ሰባት ዚሞቱሉ ምኽንያት

9. የሆዋ ንኣዳም እንታይ ቀይዲ እዩ ዝገበረሉ፧ እታ ትእዛዝ እቲኣ ንምኽባራ ኣጸጋሚት ዘይነበረትከ ስለምንታይ እያ፧

9 ስለምንታይ ደኣ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ኣብ ምድሪ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ ኽንዝክር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ካብ ምድሪ ኣብቈለ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:9) ይኹን እምበር፡ ሓደ ቐይዲ ተገይሩሎም ነበረ። የሆዋ ንኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ። ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ከተኽብሮ ኣጸጋሚ ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ፍሪኡ ኺበልዕዎ ዚኽእሉ ሓያሎ ኻልእ ኣእዋም ነይርዎም እዩ። ኣብዚ ግና ነቲ ዅሉ ነገራት፡ እንተላይ ነታ ፍጽምቲ ህይወቶም ዝሃቦም ኣምላኽ ምስጋናኦም ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ረኸቡ። ተኣዛዝነቶም ንስልጣን እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ከም ዜኽብሩን ነቲ ፍቕራዊ መምርሒኡ ኸም ዚደልዩን ዜርኢ ነበረ።

10, 11. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ትእዛዝ ኣምላኽ ዘፍረሱ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን ዘይምእዛዞም ኣቕሊልካ ዚርአ ጕዳይ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

10 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ። ሰይጣን ብተመን ገይሩ ንሄዋን፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ከኣ፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” ኢላ መለሰትሉ።—ዘፍጥረት 3:1-3

11 ሰይጣን ቀጺሉ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:4, 5) ንሄዋን ካብታ እተኸልከለት ፍረ ብምብላዕ ከም እትጥቀም እዩ ኼእምና ደልዩ። ባዕላ ቕኑዕን ጌጋን ክትውስን፡ ቃሕ ዝበላ እውን ክትገብር ከም እትኽእል ገይሩ እዩ ተዛሪቡ። ንየሆዋ ድማ ነታ ፍረ ምብላዕ ብዛዕባ ዘምጽኦ ሳዕቤን ዝገለጾ ነገር ሓስዩ እዩ፡ ኢሉ ኸሰሶ። ሄዋን ንሰይጣን ኣመነቶ። ስለዚ፡ ፍረ እታ ኦም ወሲዳ በልዐት። ድሕሪኡ ንሰብኣያ ሃበቶ፡ ንሱ እውን በልዐ። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይፍላጥ ኣይኰኑን ከምኡ ገይሮም። ኣምላኽ ኣይትግበሩ ዝበሎም ነገር ይገብሩ ኸም ዘለዉ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ነታ ፍረ ብምብላዖም፡ ደይ መደይ ኢሎም ነቲ ቐሊልን ርትዓውን ትእዛዝ እዮም ጥሒሶምዎ። ንሰማያዊ ኣቦኦምን ንስልጣኑን ንዕቀት እዮም ኣርእዮም። እዚ ንፈቃር ፈጣሪኦም ዘርኣይዎ ንዕቀት ዕሽሽ ኢልካ ዚሕለፍ ኣይነበረን።

12. ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ምስ ተጻረርዎ ኸመይ ከም እተሰምዖ ንምርዳእ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

12 ነዚ ጕዳይ እዚ በዚ ዚስዕብ መብርሂ እስከ ርኣዮ፦ ውሉድ ምስ እተዕቢ እሞ ንዓኻ ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት ከም ዘይብሉ ብዜርኢ መገዲ ትእዛዝካ ምስ ዚጥሕስ ከመይ ይስምዓካ፧ እዚ ብዙሕ መጕሃየካ። ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ምስ ተጻረርዎ እውን ከመይ ከም እተሰምዖ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ።

ኣዳም ካብ መሬት ተፈጥረ፡ ናብ መሬት ድማ ተመልሰ

13. የሆዋ ንኣዳም ምስ ሞተ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ዝነገሮ፧ እዚኸ እንታይ ማለት እዩ፧

13 የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ዜንብረሉ ምኽንያት የብሉን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎም ሞይቶም እዮም። ኣዳምን ሄዋንን ምንባር እዮም ኣቋሪጾም። ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይኰኑን ተሳጊሮም። ካብቲ የሆዋ ንኣዳም ብሰንኪ ዘይምእዛዙ ኺፈርዶ ኸሎ እተዛረቦ ነገር ነዚ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። “ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍጥረት 2:7) ቅድሚኡ ኣዳም ኣይነበረን። ስለዚ፡ የሆዋ ንኣዳም ናብ መሬት ክትመልስ ኢኻ ኺብሎ ኸሎ፡ ኣዳም ናብቲ ናይ ዘይምህላው ኵነት ይምለስ ማለት እዩ። ከምቲ እተሰርሓሉ ሓመድ ድማ ህይወት ዘይብሉ ይኸውን ማለት እዩ።

14. ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

14 ኣዳምን ሄዋንን ክሳዕ ሕጂ ህያዋን ኰይኖም ምጸንሑ ነይሮም፣ ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞምን በዚ ኸምዚ ብምሕጣኦምን ግና ሞቱ። ሓጢኣት ኣዳምን ሞትን ናብ ኵሎም ዘርኡ ስለ እተመሓላለፈ ኢና እንመውት። (ሮሜ 5:12 ኣንብብ።) እዚ ሓጢኣት እዚ፡ ከምቲ ዋላ ሓደ ኼምልጠሉ ዘይክእል ብውርሲ ዚመጽእ ሕማም እዩ። እቲ ዜስዕቦ ሞት ድማ መርገም እዩ። ሞት፡ ጸላኢ ደኣ እምበር ፈታዊ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:26) የሆዋ ኻብዚ ሕሱም ጸላኢ ኼድሕነና ኢሉ ነቲ በጃ ምድላዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!

ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ምፍላጥና ዘለዎ ጥቕሚ

15. ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ምፍላጥና ዜጸናንዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዚህቦ ትምህርቲ ዜጸናንዕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ ምዉታት ኣይሳቐዩን ወይ ኣይጕህዩን እዮም። ኪጐድኡና ስለ ዘይክእሉ እውን ክንፈርሆም የብልናን። ሓገዝና ኣየድልዮምን እዩ፣ ኪሕግዙና እውን ኣይክእሉን እዮም። ከነዘራርቦም ወይ ኬዘራርቡና ኣይክእሉን እዮም። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ዝሞቱ ሰባት ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ይዛረቡ፣ ነዚ ዚኣምኑ ሰባት ከኣ ነዞም መራሕቲ ገንዘብ ይህብዎም። እቲ ሓቂ ምፍላጥና ግና በቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሶት ዚምህሩ ሰባት ከይንታለል ዕቝባ ይዀነና።

16. ንትምህርትታት ብዙሓት ሃይማኖታት መን እዩ ጸልይዎ፧ ብኸመይከ፧

16 ሃይማኖትካ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዉታት ዚምህሮ ትሰማማዕ ድያ፧ መብዛሕትአን ኣይሰማምዓን እየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ንትምህርትታተን ጸልይዎ እዩ። ሰባት ስጋኦም ምስ ሞተ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዚነብሩ ኼእምን ኢሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ይጥቀም እዩ። እዚ ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንሰባት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ኬርሕቕ ዚጥቀመሉ ሓሶት እዩ። ብኸመይ ግና እዩ ነዚ ዚጥቀመሉ፧

17. ትምህርቲ ዘለኣለማዊ ስቓይ ንየሆዋ ዜሕስር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ገሊአን ሃይማኖታት ሓደ ሰብ ክፉእ እንተ ነይሩ፡ ድሕሪ ሞት ንዘለኣለም ኪሳቐ ናብ መሳቐዪ ሓዊ ይኣቱ ይብላ። እዚ ትምህርቲ እዚ ንኣምላኽ ዜሕስር እዩ። የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ፣ ንሰባት እውን በዚ መገዲ እዚ ኸቶ ኣየሳቕን እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8 ኣንብብ።) ንኢድ ዘይእዙዝ ውሉዱ ኣብ ሓዊ ብምእታው ብዛዕባ ዚቐጽዕ ሰብ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ከምዚ ንዝኣመሰለ ሰብ መኽበርካዮዶ፧ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦዶኸ ምደለኻ፧ ፈጺምካ ኣይምደለኻን! ኣዝዩ ጨካን ከም ዝዀነ ጌርካ ኢኻ እትሓስብ። ሰይጣን ድማ የሆዋ ንሰባት ንዘለኣለም ወይ መወዳእታ ንዘይብሉ ቢልዮናት ዓመታት ከም ዜሳቒ ጌርና ኽንኣምን እዩ ዚደልየና።

18. ኣምልኾ ምዉታት ኣብ ምንታይ ሃይማኖታዊ ሓሶት እተመስረተ እዩ፧

18 ሰይጣን ንገሊአን ሃይማኖታት፡ ሰባት ምስ ሞቱ ኪኽበሩ ዘለዎም መናፍስቲ ይዀኑ ኢለን ኪምህራ እውን ይጥቀመለን እዩ። ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ፡ መናፍስቲ ምዉታት ሓያላት ፈተውቲ ወይ ዜፍርሁ ጸላእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓያሎ ሰባት ነዚ ሓሶት እዚ ይኣምንዎ እዮም። ንምዉታት ይፈርህዎም፡ የኽብርዎም፡ ከምኡ እውን የምልኽዎም። ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ደቂሶም ከም ዘለዉን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽናን ፈጣሪናን ኣላዪናን ዝዀነ የሆዋ ጥራይ ከነምልኽ ከም ዘሎናን እዩ ዚምህረና።—ራእይ 4:11

19. ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ምፍላጥና፡ እንታይ ካልእ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ እዩ ዚሕግዘና፧

19 ብዛዕባ ምዉታት እቲ ሓቂ ምፍላጥካ፡ ሃይማኖታት ብዚምህራኦ ሓሶት ከይትታለል ኬዕቝበካ ይኽእል። ካልእ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣካ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል። ንኣብነት፡ ሰባት ድሕሪ ሞት ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከም ዘይከዱ ምፍላጥካ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣጸቢቑ እዩ ዚርድኣካ።

20. ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ነየነይቲ ሕቶ ኢና መልሲ ኽንረኽበላ፧

20 ነዊሕ ይገብር እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ፡ “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሰ። (እዮብ 14:14) ሓደ ህይወት ዘይብሉ ዝሞተ ሰብ እንደገና ህያው ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም እንርእዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣዝዩ ዜጸናንዕ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ እተን “ነፍሲ” ኸምኡ እውን “መንፈስ” ዚብላ ቓላት ዚገልጽ ሓሳባት ንምርካብ፡ ኣብታ ““ነፍስ”ን “መንፈስ”ን ዚብላ ቓላት ብሓቂ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧ ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።