ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሸሞንተ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

  • እታ መንግስቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እተፈጽም መዓስ እያ፧

1. ሕጂ ነየነይቲ ውርይቲ ጸሎት ኢና ኽንምርምር፧

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትጽዋዕ ጸሎት ይፈልጥዋ እዮም። እዛ መጸውዒት እዚኣ ነታ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ውርይቲ ጸሎቱ እያ እተመልክት። እዛ ጸሎት እዚኣ ሰፊሕ ትርጉም ኣለዋ፣ ነተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ለመና ምምርማርና ኸኣ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።

2. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺጽልዩ ዝመሃሮም ሰለስተ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

2 የሱስ ኣብ መጀመርታ እታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ንሰማዕቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን’” ብምባል መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9-13) እዘን ሰለስተ ለመና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

3. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዜድልየና፧

3 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ብእተወሰነ ደረጃ እውን ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ማለት ንደቂ ሰብ እንታይ ከም ዝገበረሎምን እንታይ ኪገብረሎም ምዃኑን ርኢና ኢና። እንተዀነ ግና፡ የሱስ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ኽንጽሊ መምርሒ ኺህበና ኸሎ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ምምጻኣ ንስም ኣምላኽ ዚቕድሶ ብኸመይ እዩ፧ ምምጻእ እታ መንግስቲኸ ምስ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚተሓሓዝ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነት

4. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ መንከ እዩ ንጉሳ፧

4 መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ኣምላኽ ዘቘማ መንግስቲ ዀይና፡ ንጉሳ ዚመርጸላ ድማ ባዕሉ እዩ። ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧ የሱስ ክርስቶስ እዩ። የሱስ ብንግስነት ዝመጸ ኻብ ኵሎም ሰብኣውያን ገዛእቲ ዚዓቢ እዩ፣ “ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን” ተባሂሉ ኸኣ ተጸዊዑ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:15) ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ገዛኢ፡ አረ ኻብቲ ብሉጽ ዚብሃል እውን እንተ ዀነ፡ ብዝበለጸ ደረጃ ሰናይ ነገራት ንምግባር ሓይሊ ኣለዎ።

5. መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኰይና እያ እትገዝእ፧ ኣብ ልዕሊ እንታይ እያኸ ኽትገዝእ፧

5 መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኰይና እያ እትገዝእ፧ ንምዃኑ የሱስ ኣበይ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ከም እተቐትለን ድሕሪኡ ኸም ዝተንስአን እተምሃርካዮ ትምህርቲ መሸም ኣይትርስዖን ኢኻ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ሰማይ ዓረገ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:33) ስለዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣብኡ ኣብ ሰማይ እያ ዘላ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሰማያዊት መንግስቲ’ ኢሉ ዚጽውዓ። (2 ጢሞቴዎስ 4:18) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እኳ እንተ ሃለወት፡ ንምድሪ ግና ክትገዝኣ እያ።—ራእይ 11:15 ኣንብብ።

6, 7. ንየሱስ ሓለፍ ዝበለ ንጉስ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

6 ንየሱስ ሓለፍ ዝበለ ንጉስ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም ከቶ ኣይመውትን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ምስ ሰብኣውያን ነገስታት ብምውድዳር፡ “በይኑ ዘይመውት፡ . . . ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” ይብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:16) እዚ ኸኣ እቲ የሱስ ዚገብሮ ሰናይ ነገራት ነባሪ እዩ ማለት እዩ። ዓብዪን ሰናይን ነገራት ድማ ኪገብር እዩ።

7 ነዚ ዚስዕብ ብዛዕባ የሱስ እተጻሕፈ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ርአ፦ “ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ። ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ። ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ። ንትሑታት ብፍትሒ ኺፈርድ፡ ምእንቲ ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ።” (ኢሳይያስ 11:2-4) እዘን ቃላት እዚአን፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዚነብሩ ሰባት ዚነግስ ጻድቕን ሕያዋይን ንጉስ ኪኸውን ምዃኑ እየን ዚገልጻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛኢ ኺህልወካ ምደለኻዶ፧

8. ምስ የሱስ ዚገዝኡ መን እዮም፧

8 ካልእ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ሓቂ ኸኣ፡ የሱስ በይኑ ዘይገዝእ ምዃኑ እዩ። መጋዝእቱ ኺህልውዎ እዮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “እንተ ተጻዊርና፡ ምስኡ እውን ክንነግስ ኢና” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:12) እወ፡ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ካልኦት ብኣምላኽ እተመርጹ እሙናትን ምስ የሱስ ብሓባር ኰይኖም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገዝኡ እዮም። ነዚ ፍሉይ ሓላፍነት እዚ ዚረኽቡ ኽንደይ እዮም፧

9. ክንደይ እዮም ምስ የሱስ ዚገዝኡ፧ ኣምላኽከ ኻብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ ኺመርጾም ጀሚሩ፧

9 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 7 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተገልጸ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቲ ገንሸል [የሱስ ክርስቶስ] ኣብ ከረን ጽዮን [ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ ቦታ ንግስናኡ] ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000 እውን ምስኡ ረኣኹ” ኢሉ እዩ። እዞም 144,000 እንታዎት እዮም፧ ዮሃንስ ባዕሉ፡ “ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ ድማ፡ ካብ ሰብ እተዓደጉ እዮም” ብምባል ይነግረና። (ራእይ 14:1, 4) እወ፡ እዚኣቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ እተመርጹ እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ እዮም። ካብ ሞት ናብ ሰማያዊ ህይወት ምስ ተንስኡ፡ ምስ የሱስ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:10) ካብ ግዜ ሃዋርያት ኣትሒዙ፡ ኣምላኽ ነቶም 144,000 ንምምላእ እሙናት ክርስትያናት ኪመርጽ ጸኒሑ እዩ።

10. የሱስን እቶም 144,000ን ንደቂ ሰብ ከም ዚገዝእዎም ምግባር ፍቕራዊ ምድላው ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 የሱስን እቶም 144,000ን ንደቂ ሰብ ከም ዚገዝእዎም ምግባር ፍቕራዊ ምድላው እዩ። ብቐዳምነት፡ የሱስ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝነበረ፡ ስቓይ ከመይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ብዘይ ሓጢኣት፡ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 4:15፣ 5:8) እቶም መጋዝእቱ እውን ሰባት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተሳቕዮምን ተጻዊሮምን እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምስ ዘይፍጽምና ተቓሊሶም፡ ኵሉ ዓይነት ሕማማት ድማ ተጻዊሮም እዮም። ብርግጽ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ዜሕልፍዎ ሽግር ይርድኦም እዩ!

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

11. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኪኸውን ኪጽልዩ ዝመሃሮም ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ኪዛረቦም ከሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ኪኸውን ኪጽልዩ መምርሒ ሂብዎም እዩ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ ዘሎ፣ እቶም እሙናት መላእኽቱ ኸኣ ወትሩ ፍቓዱ ይገብሩ እዮም። ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ግና፡ ሓደ እኩይ መልኣኽ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ከም ዘቋረጸ፡ ንኣዳምን ሄዋንን ከኣ ከም ዘሕጥኦም ርኢና ኢና። ኣብ ምዕራፍ 10፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ ዚፍለጥ እኩይ መልኣኽ እንታይ ከም ዚምህር ዝያዳ ኽንርኢ ኢና። ሰይጣንን እቶም ኣጋንንቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ ንዕኡ ኺስዕቡ ዝደለዩ መላእኽቲ ዝነበሩ መንፈሳውያን ፍጡራትን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ሰማይ ኪጸንሑ ተፈቕደሎም። ስለዚ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዅላቶም ኣይኰኑን ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዝነበሩ። መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ምስ ጀመረት ግና እዚ ኪቕየር ነበሮ። እቲ ሓድሽ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምስ ሰይጣን ኪዋጋእ ነበሮ።—ራእይ 12:7-9 ኣንብብ።

12. ኣብ ራእይ 12:10 እንታይ ክልተ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

12 እዚ ቐጺሉ ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት ኣብ ሰማይ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ፦ “ኣብ ሰማይ ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እቲ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸስሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና [ሰይጣን] ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ድሕነትን ሓይልን መንግስትን ናይ ኣምላኽና፡ ስልጣን ከኣ ናይ ክርስቶሱ ዀይኑ እዩ!” (ራእይ 12:10) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኽልተ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኪግለጽ ከሎ ኣስተብሂልካዶ፧ ቀዳማይ፡ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ትጅምር። ካልኣይ፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ይድርበ።

13. ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ነይርዎ፧

13 እዚ ኽልተ ፍጻመ እዚ እንታይ እዩ ኣስዒቡ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ነገራት፡ “ኣቱም ሰማያትን ኣባታቶም እትነብሩን፡ ተሓጐሱ!” ዚብል ነንብብ። (ራእይ 12:12) እወ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ እተደርበዩ፡ ኵሎም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ስለ ዝዀኑ፡ እቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ እሙናት መላእኽቲ ተሓጐሱ። ኣብኡ ዚዘርጎ ዘይብሉ ምሉእ ሰላምን ስኒትን ኣለዎም። ሕጂ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እዩ።

ሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ እተደርበየ፡ ንምድሪ ‘ወይለኺ’ ተባህለላ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸበባ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬብቅዕ እዩ

14. ሰይጣን ናብ ምድሪ ስለ እተደርበየ፡ እንታይ እዩ ኣስዒቡ፧

14 ኣብ ምድሪኸ እንታይ ኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ይብል። (ራእይ 12:12) ሰይጣን ካብ ሰማይ ተደርብዩ ምውጻኡን ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ምፍላጡን ኣቘጢዕዎ እዩ። ብቝጥዓኡ ኸኣ ኣብ ምድሪ ጸበባ ኣምጽአ፣ ስለዚ፡ “ወይለኹም” ተባህለ። ብዛዕባ እዚ “ወይለኹም” እተባህለሉ ምኽንያት ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዝያዳ ኽንምሃር ኢና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር እትኽእል ብኸመይ እያ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

15. ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ፍቓድ እንታይ እዩ፧

15 ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ምዕራፍ 3 ተማሂርካ ኢኻ። ኣምላኽ ምድሪ ገነት ኰይና ብዘይሞቱ ጻድቃን ደቂ ሰብ ክትምላእ ፍቓዱ ምዃኑ ኣብ ኤደን ገሊጹ እዩ። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ገበሮም፣ እዚ ግና ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ኣገባብ ጸልይዎ ደኣ እምበር ኣይቀየሮን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዕላማ የሆዋ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ” እዩ። (መዝሙር 37:29) መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ነዚ ኽትፍጽሞ እያ። ብኸመይ፧

16, 17. ዳንኤል 2:44 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትነግረና፧

16 ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚርከብ ትንቢት እሞ ርአ። ኣብኡ ኸምዚ ዚስዕብ ነንብብ፦ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኦም፡ ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚነግረና፧

17 ፈለማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኦም፡” ማለት ካልኦት መንግስትታት ኣብ ዚህልዋሉ እዋን ክትቀውም ምዃና ይነግረና። ካልኣይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከም እትጸንዕ ይነግረና። ኣይክትሰዓርን፡ ብኻልእ መንግስቲ እውን ኣይክትትካእን እያ። ሳልሳይ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣምላኽን መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣን ውግእ ኪኸውን ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ክትስዕር እያ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንሳ በይና እያ ንደቂ ሰብ ክትገዝኦም። ድሕሪኡ፡ ደቂ ሰብ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኸብዎ እቲ ዝበለጸ ግዝኣት ይረኽቡ።

18. ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣምላኽን መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣን ዚህሉ ናይ መወዳእታ ውግእ እንታይ እዩ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣምላኽን መንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣን ዚህሉ ናይ መወዳእታ ውግእ ብዙሕ እዩ ዚነግረና። ንኣብነት፡ መወዳእታ ምስ ቀረበ፡ እኩያት መናፍስቲ ን“ነገስታት ብዘላ ዓለም” ንምትላል ሓሶት ከም ዚዝርግሑ ይምህረና። ንምንታይ ዕላማ፧ “[ንነገስታት] ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም” ኢሎም እዮም። ነገስታት ምድሪ ናብቲ “ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሃል ቦታ” ኺእከቡ እዮም። (ራእይ 16:14, 16) ካብዘን ክልተ ጥቕሲ ብምብጋስ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣውያን መንግስትታትን መንግስቲ ኣምላኽን ዚህሉ ናይ መወዳእታ ውግእ ኣርማጌዶን ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።

19, 20. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸይከውን ዚዓግት ዘሎ እንታይ እዩ፧

19 መንግስቲ ኣምላኽ ብኣርማጌዶን ኣቢላ እንታይ እያ ኽትፍጽም፧ ሕጂ እውን እንደገና ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ፍቓድ ሕሰብ። የሆዋ ኣምላኽ ምድሪ ገነት ኰይና ንዕኡ ብዜገልግሉ ጻድቃንን ፍጹማትን ሰባት ክትምላእ እዩ ዕላማኡ። ሕጂ እዚ ኸይፍጸም ዚዓግት እንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ሓጥኣን ኢና፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ንሓምምን ንመውትን ኢና። ኣብ ምዕራፍ 5 ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር የሱስ ምእንታና ኸም ዝሞተ ተማሂርና ኢና። ነተን ኣብ ወንጌል ዮሃንስ እተመዝገባ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ዚብላ ቓላት ትዝክረን ትኸውን።—ዮሃንስ 3:16

20 ካልእ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ነገር ከኣ ብዙሓት ሰባት እከይ ዚገብሩ ምዃኖም እዩ። ይሕስዉ፡ የታልሉ፡ ርኹስ ተግባር እውን ይፍጽሙ። ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኣይደልዩን እዮም። እከይ ዚገብሩ ሰባት ኣብቲ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነ ኣርማጌዶን ኪጠፍኡ እዮም። (መዝሙር 37:10 ኣንብብ።) ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይኰነሉ ዘሎ ኻልእ ምኽንያት ከኣ መንግስትታት ንሰባት ከምኡ ኺገብሩ ዘየተባብዓ ብምዃነን እዩ። ሓያሎ መንግስትታት ድኹማት፡ ጨካናት፡ ወይ ብልሹዋት እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ብግህዶ፡ “ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ” ኸም ዘሎ ይገልጽ እዩ።—መክብብ 8:9

21. መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን እትገብር ብኸመይ እያ፧

21 ድሕሪ ኣርማጌዶን ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መንግስቲ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም። እዛ መንግስቲ እዚኣ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብርን ዜደንቕ በረኸት ከተምጽእን እያ። ንኣብነት፡ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ከተወግዶም እያ። (ራእይ 20:1-3) እሙናት ሰባት ደጊም ምእንቲ ኸይሓሙን ከይሞቱን መስዋእቲ የሱስ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (ራእይ 22:1-3 ኣንብብ።) ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። በዚ ኸምዚ እታ መንግስቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብር፡ ስም ኣምላኽ እውን ክትቅድስ እያ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ህያው ዘበለ ዅሉ ንስም የሆዋ ኬኽብር እዩ ማለት እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ስጕምቲ እትወስድ፧

22. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወይ ምስ ተንስአ ብኡብኡ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይመጸት ብኸመይ ንፈልጥ፧

22 የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዘይመጸት ንጹር እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ መጺኣ ድያ። ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ ጴጥሮስን ጳውሎስን የሱስ ምስ ተንስአ እቲ ኣብ መዝሙር 110:1 ዚርከብ፡ “የሆዋ ንጐይታይ፡ ‘ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ” ዚብል ትንቢት ኣብኡ ኸም እተፈጸመ ገሊጾም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32-35፣ እብራውያን 10:12, 13) የሱስ እተወሰነ እዋን ኪጽበ ነበሮ።

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ እውን ኪኸውን እዩ

23. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

23 ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ተጸብዩ፧ ኣብ መበል 19ን 20ን ዘመን፡ ቅኑዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ትጽቢት ብ1914 ከም ዜብቅዕ በብቝሩብ ተረዲእዎም ነበረ። (ብዛዕባ እዛ ዓመት እዚኣ ኣብታ “1914—ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።) እቲ ኻብ 1914 ጀሚሩ ኣብ ዓለም እተራእየ ፍጻመታት፡ እቲ እዞም ቅኑዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ምርዳእ ልክዕ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ። ፍጻመታት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብ1914 ክርስቶስ ንጉስ ከም ዝዀነን ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከም ዝጀመረትን ይሕብረና። ስለዚ፡ ኣብቲ ንሰይጣን ተሪፍዎ ዘሎ “ሓጺር እዋን” ኢና እንነብር ዘሎና። (ራእይ 12:12፣ መዝሙር 110:2) ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ንምግባር ስጕምቲ ኸም እትወስድ እውን ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ንኽእል ኢና። እዚ ዜደንቕ ብስራት ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ሓቂ ምዃኑኸ ኣሚንካሉዶ፧ እዛ እትቕጽል ምዕራፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ነዚ ነገራት እዚ ኸም ዚምህር ከተረድኣካ እያ።