ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ትሽዓተ

ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧

ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
  • ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘሎ እንታይ ፍጻመ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

  • ሰባት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከመይ ዓይነት ባህርያት ከም ዚህልዎም ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ጽቡቕ ነገር እዩ ዚንበ፧

1. ብዛዕባ መጻኢ ኻበይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

ኣብ ረድዮ ወይ ተለቪዥን ዜና ድሕሪ ምስማዕካ፡ ‘ዓለምና ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ዘይተጸበኻዮ ነገራት ብሃንደበት ስለ ዜጋጥም፡ ዋላ ሓደ ሰብ ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ኪፈልጥ ኣይክእልን እዩ። (ያእቆብ 4:14) የሆዋ ግና ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ይፈልጥ እዩ። (ኢሳይያስ 46:10) ነዊሕ ይገብር እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዜጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚኸውን ዜደንቕ ነገራት እውን ተነብዩ ነይሩ።

2, 3. እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ሕቶታት እዮም ንየሱስ ሓቲቶምዎ፧ እንታይ ኢሉኸ መለሰሎም፧

2 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ ንእከይ መወዳእታ እትገብረሉን ንምድሪ ናብ ገነት እትቕይራን መንግስቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ሰባት እዛ መንግስቲ እዚኣ መዓስ ከም እትመጽእ ኪፈልጡ ይደልዩ ነበሩ። አረ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እኳ፡ “ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ እዮም። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ መዓስ ከም ዚመጽእ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ነገሮም። (ማቴዎስ 24:36) እንተዀነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ቅድሚ ምምጻኣ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ተነበየ። እቲ እተነበዮ ትንቢት ሕጂ ይፍጸም ኣሎ!

3 ኣብዚ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ዚብሃል እዋን ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ መርትዖ ቕድሚ ምምርማርና፡ ፈለማ ዋላ ሓደ ሰብ ኪርእዮ ብዛዕባ ዘይክእል ውግእ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። እዚ ውግእ እዚ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እተገብረ ዀይኑ፡ ሳዕቤኑ ንዓና እውን ይጸልወና እዩ።

ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ

4, 5. (ሀ) የሱስ ንጉስ ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሰማይ እንታይ ተገብረ፧ (ለ) ብመሰረት ራእይ 12:12 እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ እንታይ ኬስዕብ ነበሮ፧

4 ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ፡ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ንጉስ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።) ስልጣን መንግስቲ ድሕሪ ምቕባሉ ነዊሕ ከይጸንሐ ስጕምቲ ወሰደ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን [ካልእ ስም የሱስ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ሰይጣን ድያብሎስ] ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም” ይብለና። * ሰይጣንን እቶም እኩያት መላእኽቱ ዝዀኑ ኣጋንንትን ኣብቲ ውግእ እቲ ተሳዕሩ፣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ድማ ተደርበዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ስለ እተደርበዩ፡ እቶም እሙናት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ተሓጐሱ። ደቂ ሰብ ግና ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ኣይረኸቡን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ምድሪ . . . ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም” ኢሉ ተነብዩ እዩ።—ራእይ 12:7, 9, 12

5 እቲ ኣብ ሰማይ ዚግበር ውግእ እንታይ ከም ዜስዕብ እሞ ኣስተውዕል። ሰይጣን ብቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መከራ ኼምጽእ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ከም እትርእዮ ድማ፡ ኣብዚ መከራ ዝመልኦ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። እንተዀነ ግና፡ እዚ መከራ እዚ ን“ሓጺር እዋን” ጥራይ ስለ ዚጸንሕ፡ ብተዛማዲ ሓጺር እዩ። ሰይጣን እውን ከይተረፈ ነዚ ይፈልጦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዋን እዚ፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ይጽውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ድያብሎስ ኣብ ምድሪ ዘለዎ ጽልዋ ዜወግዶ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! ሕጂ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ነገራት ንርአ። እዚ ኸኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለናን መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ዘለኣለማዊ በረኸት ከተምጽእ ምዃናን ኬረጋግጸልና እዩ። ፈለማ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ዝሃቦ ኣርባዕተ ትእምርቲ ወይ ምልክት ንመርምር።

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚህሉ ዓበይቲ ፍጻመታት

6, 7. የሱስ ብዛዕባ ውግእን ጥሜትን እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

6 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ውግእ ሞይቶም እዮም። ሓደ ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “መበል 20 ዘመን ኣብ ታሪኽ እቲ ልዕሊ ዅሉ ቕትለት እተፈጸመሉ እዋን እዩ። . . . ነቲ ዕጡቓት ተወዲቦም ኲናት ዘይገበሩሉ ሒደትን ሓጸርትን እዋናት ሓዲግካ፡ ዳርጋ ብዘይምቍራጽ ውግእ እተገብረሉ ዘመን እዩ ነይሩ” በለ። ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ዚብሃል ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “እቶም ኣብ [መበል 20 ዘመን] ግዳያት ዝዀኑ ምስቶም ኣብቲ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ዓ.ም. ክሳዕ 1899 ግዳያት ውግእ ዝነበሩ ኺወዳደሩ ኸለዉ ሰለስተ ዕጽፊ ኣቢሎም እዮም ዝዀኑ” ብምባል ይገልጽ። ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ እተገብረ ውግኣት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም እዮም። ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ውግእ ዝሞተና እንተ ዄንና እውን፡ ነቲ እዚ ዘስዓበልና መከራን ሓዘንን ብሚልዮናት ብምርባሕ ክንግምት ደኣ ኢና እንኽእል እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን እዩ።

7 “ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ብዙሕ ምግቢ ኸም ዝፈረየ ተመራመርቲ ይገልጹ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት ምግቢ ወይ እኽሊ ዜብቍሉሉ መሬት ንምዕዳግ እኹል ገንዘብ ስለ ዘይብሎም ይጠምዩ ኣለዉ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ኣብ መዓልቲ ብሓደ ዶላር ወይ ብትሕቲኡ እዮም ዚናበሩ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ከኣ ብዓጸቦ ይሳቐዩ ኣለዉ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ዓዓመት ብሰንኪ ጕድለት ምግቢ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ቈልዑ ኸም ዚሞቱ ይግምት።

8, 9. እቲ የሱስ ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድርን ለበዳን እተዛረቦ ትንቢታት ከም እተፈጸመ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

8 ‘ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ።’ (ሉቃስ 21:11) ብመሰረት እቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. መጽናዕቲ ስነ መሬት ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም 19 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኼጋጥም ትጽቢት ይግበር እዩ። እዚ ኸኣ፡ ህንጻታት ኪጐድእን መሬት ኬንቅዕን ዚኽእል ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ። ንህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ዜዕኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ብገምጋም ኣብ ዓዓመት ኣጋጢሙ እዩ። መዛግብቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ካብ 1990 ንነጀው፡ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም እዮም። ሓደ ምንጪ ድማ፡ “ኣብ ተክኖሎጂ እተገብረ ምዕባለ ነዚ መቕዘፍቲ እዚ ዳርጋ ኣይነከዮን” በለ።

9 “ለበዳ . . . ኪኸውን እዩ።” (ሉቃስ 21:11) ኣብ ሕክምና ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ፡ እርጋንን ሓደስቲ ሕማማትን ንደቂ ሰብ ይእኵቶም ኣሎ። ከም ዓባይ ሰዓልን ዓሶን ሸሮኽን ዝኣመሰለ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ 20 ሕማማት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣስፋሕፊሑ ኸም ዘሎ፡ ገሊኡ ሕማማት ከኣ ብመድሃኒት ጌርካ ንምፍዋሱ ብዝያዳ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓደ ጸብጻብ ይገልጽ። አረ ብውሕዱ 30 ሓደስቲ ሕማማት እውን ተቐልቂሉ ኣሎ። ገለ ኻብዚ መድሃኒት ዘይብሉ ኪኸውን ከሎ፡ እንተ ሒዙካ እውን ዚምሕር ኣይኰነን።

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት

10. ካብቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 እተጠቕሰ ባህርያት እንታይ ኢኻ ሎሚ ኣብ ሰባት እትርኢ ዘለኻ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተወሰነ ኣብ ዓለም ዚህሉ ዅነታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ለውጢ ኺህሉ ምዃኑ እውን ይሕብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኸመይ ዓይነት ባህርያት ከም ዚህልዎም ገሊጹ ኣሎ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ” ድማ ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።) ገለ ኻብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ኣብዚ ተዘርዚሩ ኣሎ፦

  • ፈተውቲ ርእሶም

  • ፈተውቲ ገንዘብ

  • ንወለዶም ዘይእዘዙ

  • ዘይእሙናት

  • ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም

  • ርእሶም ዘይገትኡ

  • ጨካናት

  • ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ

  • መልክዕ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘለዎም፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ

11. መዝሙር 92:7 ንእኩያት እንታይ ከም ዚረኽቦም እያ እትገልጽ፧

11 ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዜንጸባርቑ ድዮም፧ ብዘይጥርጥር ከምኡ እዮም። ሕማቕ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ኣብ ኵሉ እዮም ዚርከቡ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣ እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ” ይብለና።—መዝሙር 92:7

ኣወንታዊ ምዕባለታት

12, 13. ኣብዚ “ግዜ መወዳእታ” እዚ፡ “ፍልጠት” እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

12 እተን ዳሕሮት መዓልትታት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ብሓቂ ብመከራ እተመልኣ እየን። ኣብቶም ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ግና ኣወንታዊ ምዕባለታት ይርአ ኣሎ።

13 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ “ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ ኪበዝሕ እዩ” ብምባል ትንበ። እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ ኣብ “ግዜ መወዳእታ” እዩ። (ዳንኤል 12:4) ብፍላይ ካብ 1914 ንነጀው የሆዋ ነቶም ብሓቂ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ምርዳእ ኪዓቢ ሓጊዝዎም እዩ። ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ዕላማኡን፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ፡ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ትንሳኤ ነቲ ኽቡር ሓቅታት ብዝያዳ ተረዲኦምዎ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ንዕኦም ብዚጠቅምን ንኣምላኽ ውዳሰ ብዜምጽእን መገዲ ብኸመይ ከም ዚነብሩ ተማሂሮም እዮም። ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ተራን ኣብ ምድሪ ንነገራት ብኸመይ ከተቕንዖ ምዃናን እውን ብንጹር ተረዲኦም ኣለዉ። ነዚ ፍልጠት እዚ እንታይ እዮም ዚገብርዎ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ናብቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚፍጸም ዘሎ ኻልእ ትንቢት እያ እትመርሓና።

“እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14

14. ሎሚ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧ መንከ እዮም ዚሰብክዎ ዘለዉ፧

14 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ኣብ ዝሃቦ ትንቢት፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:3, 14 ኣንብብ።) ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣብ ኣስታት 230 ሃገራት ብልዕሊ 700 ቛንቋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት እታ መንግስቲ እንታይ ከም ዝዀነት፡ እንታይ ከም እትገብር፡ ከምኡ እውን ብኸመይ በረኸታ ኸም እንረክብ ይስበኽ ኣሎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንኣት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ካብ “ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ” ድማ እዮም። (ራእይ 7:9) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ዚደልዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑሎም ኣለዉ። እዝስ ብፍላይ ነቲ የሱስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ብዅሉ ኺጽልኡ ምዃኖም’ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ፍጻመ ትንቢት ኰን እዩ!—ሉቃስ 21:17

እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

15. (ሀ) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ትኣምን ዲኻ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) “መወዳእታ” ኺብሃል ከሎ ነቶም ንየሆዋ ዚጻረሩን ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግዝኡን እንታይ ማለት እዩ፧

15 ኣብዚ ግዜና ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎናስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ እቲ ብስራት ንየሆዋ ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተሰብከ፡ “መወዳእታ” ብርግጽ ኪመጽእ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) “መወዳእታ” ኺብሃል ከሎ፡ ኣምላኽ ንእከይ ካብ ገጽ ምድሪ ዜጥፍኣሉ እዋን የመልክት። የሆዋ ብየሱስን በቶም ሓያላት መላእኽትን ገይሩ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ዚጻረርዎ ዅሎም ኬጥፍኦም እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድሕሪኡ ንኣህዛብ ኣይኬስሕቱን እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ንዅሎም እቶም ነቲ ጽድቂ ዚሰፍኖ ግዝኣታ ዚግዝኡ በረኸት ከተፍስሰሎም እያ።—ራእይ 20:1-3፣ 21:3-5

16. እንታይ እንተ ጌርካ እዩ ጥበባዊ ዚኸውን፧

16 መወዳእታ እዚ ስርዓት ሰይጣን እዚ ቐሪቡ ስለ ዘሎ፡ ንርእስና ‘እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኸነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓታትን ብዝያዳ ምፍላጥ ጥበባዊ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ንፉዕ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኩን። ምስቶም ፍቓድ የሆዋ ኺገብሩ ዚደልዩ ኻልኦት ኣዘውቲርካ ናይ ምእካብ ልማድ ይሃሉኻ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዘዳለወሎም ኣኺሉ ዚተርፍ ፍልጠት ኣጥሪ፡ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ድማ ኣብ ህይወትካ ዜድሊ ለውጥታት ግበር።—ያእቆብ 4:8

17. እታ እኩያት ዚጠፍኡላ መዓልቲ ንመብዛሕትኦም ሰባት ሃንደበታዊት እትዀኖም ስለምንታይ እያ፧

17 የሱስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ መርትዖ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ተነብዩ ነይሩ። ጥፍኣት እቶም እኩያት ከይተጸበናዮ ብሃንደበት እዩ ዚመጽእ። እታ መዓልቲ ንመብዛሕትኦም ሰባት ከምቲ ብለይቲ ዚመጽእ ሰራቒ ሃንደበታዊት ክትኰኖም እያ። (1 ተሰሎንቄ 5:2 ኣንብብ።) የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣጠንቀቐ፦ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣ ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37-39

18. ነየናይ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

18 ስለዚ ድማ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን ጭንቀት ናብራን ንልብኹም ከይከብዶ እሞ፡ ብሃንደበት ከኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም መፈንጠራ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ገጽ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩስ፡ ክትመጽእ እያ። እምበኣር፡ ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ [ተቐባልነት ዘለዎም ኴንኩም] ምእንቲ ኽትቈሙን፡ ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም ንቕሑ” በሎም። (ሉቃስ 21:34-36) ነዚ ቓላት የሱስ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ሞገስ የሆዋ ኣምላኽን ሞገስ እቲ “ወዲ ሰብ” እተባህለ የሱስ ክርስቶስን ዘለዎም፡ ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ድሒኖም ኣብታ ቐሪባ ዘላ እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

^ ሕ.ጽ. 4 ሚካኤል ካልእ ስም የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ መረዳእታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።