ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተ

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
  • መላእኽቲ ንሰባት ይሕግዝዎም ድዮም፧

  • እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ብኸመይ ይጸልውዎም፧

  • ንእኩያት መናፍስቲ ኽንፈርሆም ኣሎና ድዩ፧

1. ብዛዕባ መላእኽቲ ኽንፈልጥ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

ንሓደ ሰብ ምእንቲ ኽትፈልጦ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ኽትፈልጥ የድልየካ። ብተመሳሳሊ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትፈልጦ፡ ነቶም ከም ሰማያዊ ስድራ ቤቱ ዝዀኑ መላእኽቲ ኽትፈልጦም የድልየካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ፡ “ደቂ ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖም። (እዮብ 38:7) እሞ ደኣ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተራ ነይርዎምዶ፧ መላእኽቲ ንህይወትካ ይጸልውዎ ድዮም፧ እንተ ዀይኖም ብኸመይ፧

2. መላእኽቲ ኻበይ እዮም መጺኦም፧ ክንደይ ዝዀኑ መላእኽቲኸ ኣለዉ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ኣማእታት ግዜ እዩ ዚጠቕሶም። ብዛዕባ መላእኽቲ ዝያዳ ምእንቲ ኽንፈልጥ እተወሰነ ኻብቲ እተጠቕሱሉ ቦታታት ንርአ። መላእኽቲ ኻበይ እዮም መጺኦም፧ ቈሎሴ 1:16፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ . . . ኵሉ ብእኡ [ብየሱስ ክርስቶስ] እዩ ተፈጢሩ” ትብል። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም መላእኽቲ ተባሂሎም ዚጽውዑ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ የሆዋ ኣምላኽ በብውልቂ ገይሩ በቲ በዅሪ ወዱ ኣቢሉ ዝፈጠሮም እዮም። ክንደይ ዝዀኑ መላእኽቲ ኣለዉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ኸም እተፈጥሩ ይሕብር፣ ኵሎም ድማ ሓያላት እዮም።—መዝሙር 103:20 *

3. እዮብ 38:4-7 ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ትነግረና፧

3 እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ኽትስረት ከላ፡ “ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ድማ ብናእዳ ጨዲሮም” ምንባሮም ይገልጸልና። (እዮብ 38:4-7) ስለዚ፡ መላእኽቲ ኻብቲ ደቂ ሰብ እተፈጥሩሉ ኣቐዲሞም፡ አረ ምድሪ ቕድሚ ምፍጣራ እውን ከይተረፈ እዮም ነይሮም። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ መላእኽቲ “ብሓደ እልል ኢሎም” ስለ እትብል፡ ስምዒት ከም ዘለዎም እውን ትሕብር እያ። “ኵሎም ደቂ ኣምላኽ” ብሓባር ከም እተሓጐሱ ድማ ኣስተብህል። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም መላእኽቲ ኽፍሊ ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ስድራ ቤት ኰይኖም ንየሆዋ ኣምላኽ የገልግሉ ነበሩ።

መላእኽቲ ዚገብርዎ ደገፍን ዕቝባን

4. እቶም እሙናት መላእኽቲ ብንጥፈታት ደቂ ሰብ ከም ዚግደሱ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብር፧

4 እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ካብቲ ሰብ ኪፍጠር ከሎ ዝረኣዩሉ እዋን ኣትሒዞም፡ ኣብ ምብዛሕ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽን ሓያል ተገዳስነት ኣርእዮም እዮም። (ምሳሌ 8:30, 31፣ 1 ጴጥሮስ 1:11, 12) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ፈቃር ፈጣሪ ዘየምልኹ ምዃኖም ረኣዩ። እዚ ነቶም እሙናት መላእኽቲ ኸም ዘሕዘኖም ኣየጠራጥርን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓደ ሰብ እውን እንተ ዀነ ናብ የሆዋ ኺምለስ ከሎ፡ “ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ።” (ሉቃስ 15:10) መላእኽቲ ንድሕንነት እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ኣጸቢቖም ዚግደሱ ስለ ዝዀኑ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ንምብርታዕን ንምዕቋብን ብተደጋጋሚ መላእኽቲ ምጥቃሙ ዜገርም ኣይኰነን። (እብራውያን 1:7, 14 ኣንብብ።) ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

“ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ።”—ዳንኤል 6:22

5. መላእኽቲ ደገፎም ዝሃቡሉ እንታይ ኣብነታት ኢና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረክብ፧

5 ክልተ መላእኽቲ ነቲ ጻድቕ ሎጥን ንኣዋልዱን ካብተን እኩያት ከተማታት ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚወጹ ብምግባር ካብ ጥፍኣተን ኣድሓንዎም። (ዘፍጥረት 19:15, 16) ዘመናት ጸኒሑ ነብዪ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ እኳ እንተ ተደርበየ፡ ከይተጐድአ ወጸ። “ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ” ኢሉ እውን ተዛረበ። (ዳንኤል 6:22) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ሓደ መልኣኽ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መላእኽቲ ንየሱስ ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቱ ደጊፎምዎ እዮም። (ማርቆስ 1:13) ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ሓደ ‘ዜበርትዖ’ መልኣኽ ተራእዮ። (ሉቃስ 22:43) እዝስ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸናኒዕዎ ዀን ኪኸውን ኣለዎ!

6. (ሀ) ሎሚ መላእኽቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ የዕቍብዎም፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

6 ኣብዚ ግዜና መላእኽቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይረኣይዎምን እዮም። እዞም ሓያላት መላእኽቲ ኣምላኽ ብዓይኒ ሰብ ዘይረኣዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንህዝቡ ብፍላይ ካብ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍብዎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡ የናግፎም እውን” ይብል። (መዝሙር 34:7) እዘን ቃላት እዚአን ብዙሕ ኬጸናንዓና ዘለወን ስለምንታይ እየን፧ ምኽንያቱ፡ ኬጥፍኡና ዚደልዩ ሓደገኛታት እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት ኣለዉ! እዚኣቶም መን እዮም፧ ካበይ እዮም መጺኦም፧ ብኸመይ እዮም ኪጐድኡና ዚጽዕሩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ንምርካብ፡ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዘጋጠመ ነገር ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።

ጸላእትና ዝዀኑ መንፈሳውያን ፍጡራት

7. ሰይጣን ንኽንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዩ ኻብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ክኢሉ፧

7 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተመሃርናዮ፡ ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ንኻልኦት ኪገዝእ ባህጊ ኣሕደረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣንጻር ኣምላኽ ኰነ። ጸኒሑ እዚ መልኣኽ እዚ ሰይጣን ድያብሎስ ተባህለ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን ካብቲ ንሄዋን ዘስሓተሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ 16 ዘመናት፡ ከም ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ ሒደት እሙናት ሰባት እንተ ዘይኰይኑ ዳርጋ ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ክኢሉ እዩ።—እብራውያን 11:4, 5, 7

8. (ሀ) ገሊኦም መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም ኣጋንንቲ ኻብቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ንምምላጥ እንታይ ኪገብሩ ተገደዱ፧

8 ብግዜ ኖህ ካልኦት መላእኽቲ እውን ካብ ኣምላኽ ዓለዉ። ኣብ ሰማያዊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዝነበሮም ቦታ ሓዲጎም፡ ናብ ምድሪ ብምምጻእ ስጋ ለበሱ። ስለምንታይ፧ ኣብ ዘፍጥረት 6:2፡ “እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ” ዚብል ነንብብ። የሆዋ ኣምላኽ ግና ነቲ እዞም መላእኽቲ እዚኦም ዝገበርዎ ተግባራትን ነቲ ስዒቡ ኣብ ደቂ ሰብ ዝመጸ ብልሽውናን ኪቕጽል ኣይፈቐደን። ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ንዅሎም እኩያት ሰባት ዘጥፍአ ዓለምለኻዊ ምዕልቕላቕ ማይ ኣምጽአ፣ እሙናት ኣገልገልቱ ጥራይ እውን ደሓኑ። (ዘፍጥረት 7:17, 23) በዚ ኸምዚ እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ ነቲ ስጋኦም ሓዲጎም መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ናብ ሰማይ ኪምለሱ ተገደዱ። ኣብ ጐድኒ እቲ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ዝዀነ ድያብሎስ ድማ ቈሙ።—ማቴዎስ 9:34

9. (ሀ) ኣጋንንቲ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሱ እንታይ እዮም ኰይኖም፧ (ለ) ንኣጋንንቲ ብዚምልከት እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

9 እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሱ፡ ንሳቶም እውን ከምቲ ሓለቓኦም ሰይጣን ብኣባላት እቶም ሰማያዊት ስድራ ቤት ተነጽጉ። (2 ጴጥሮስ 2:4) ድሕሪኡ፡ ስጋ ሰብ ኪለብሱ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ደቂ ሰብ ግና ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። አረ ሰይጣንሲ በቶም ኣጋንንቲ እናተሓገዘ ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ እዩ ዘሎ።’ (ራእይ 12:9፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ብኸመይ፧ ብመሰረቱ ኣጋንንቲ ንሰባት ዜስሕት ሜላታት ይጥቀሙ እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:11 ኣንብብ።) ንገሊኡ ኻብዚ ሜላታት እዚ እስከ ንመርምሮ።

ኣጋንንቲ ዜስሕትሉ መገድታት

10. መናፍስትነት እንታይ እዩ፧

10 ኣጋንንቲ ንሰባት ንምስሓት መናፍስትነት ይጥቀሙ እዮም። መናፍስትነት ብቐጥታ ዀነ ብጠያቒ መናፍስቲ ኣቢልካ ምስ ኣጋንንቲ ዚግበር ርክብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንመናፍስትነት ይዅንኖ፡ ምስኡ ኻብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ እውን የጠንቅቐና እዩ። (ገላትያ 5:19-21) ከምቲ ገፈፍቲ ዓሳ መህረሪ ዚጥቀሙ፡ ኣጋንንቲ እውን ንመናፍስትነት ከምኡ እዮም ዚጥቀሙሉ። ሓደ ገፋፍ ዓሳ እተፈላለየ ዓይነት ዓሳ ንምሓዝ በበይኑ ዓይነት መህረሪ እዩ ዚጥቀም። ብተመሳሳሊ፡ እኩያት መናፍስቲ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽልዋኦም ንምእታው እተፈላለየ ዓይነት መናፍስትነት ይጥቀሙ እዮም።

11. ጥንቈላ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ኻብኡ ኽንርሕቕ ዘሎና፧

11 ሓደ ኻብቲ ኣጋንንቲ ዚጥቀሙሉ መህረሪ፡ ጥንቈላ እዩ። ጥንቈላ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ መጻኢ ወይ ብዛዕባ ዘይተፈልጠ ነገር ንምፍላጥ ዚግበር ፈተነ እዩ። ገለ ኻብቲ እተፈላለየ ዓይነት ጥንቈላ ድማ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ብካርታ ተጠቒምካ ምጥንቋል፡ ብክሪስታል ኣብ እተሰርሐ ዅዕሶ ኣተኲርካ ምጥማት፡ ንባብ ኢድ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሕልምታት ምስጢራዊ ፋል ወይ ምልክት ክትረክብ ምጽዓር ኪጥቀስ ይከኣል። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኸም ሓደ ጕድኣት ዘይብሉ ነገር ገይሮም ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ጠንቈልትን እኩያት መናፍስትን ኢድን ጓንትን ከም ዝዀኑ እዩ ዚሕብረና። ንኣብነት፡ ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18 ብዛዕባ ሓንቲ “መንፈስ ጥንቈላ ዝሓደራ” እሞ በዚ ድማ ክትጥንቍል እትኽእል ጓል ይጠቅስ። እቲ መንፈስ ወይ ጋኔን ካብኣ ምስ ወጸ ግና ነዚ ኽእለት እዚ ኣጥፍአት።

ኣጋንንቲ ንደቂ ሰብ ንምትላል እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ

12. ምስ ምዉታት ክትዘራረብ ምፍታን ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ካልእ ኣጋንንቲ ንሰባት ዜስሕቱሉ መገዲ፡ ንምዉታት ክትሓትት ብምትብባዕ እዩ። ብሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ዚሓዝኑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ምዉታት ብዚውሃቦም ግጉይ ሓሳባት ይታለሉ እዮም። ሓደ ጠያቒ መናፍስቲ ፍሉይ ሓበሬታ ኺህቦም ወይ ከምቲ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብዚመስል ድምጺ ኼዘራርቦም ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ፡ ምሳታቶም ምዝርራብ ከኣ ነቶም ህያዋን ካብ ሓዘኖም ኪድበሱ ኸም ዚሕግዞም ይኣምኑ። እንተዀነ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ “ምጽንናዕ” ናይ ሓቂ ኣይኰነን፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ሓደገኛ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣጋንንቲ ድምጺ ምዉት ኣምሲሎም ኪዛረቡን ነቲ ጠያቒ መናፍስቲ ብዛዕባ እቲ ምዉት ሓበሬታ ኺህብዎን ይኽእሉ እዮም። (1 ሳሙኤል 28:3-19) ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 6 እተመሃርናዮ፡ ምዉታት ህልውናኦም ኣቋሪጹ እዩ። (መዝሙር 115:17) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን “ንምዉታት ዚጥይቕ” ሰብ፡ ብመናፍስቲ ተታሊሉ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ነገር እዩ ዚገብር ዘሎ። (ዘዳግም 18:10, 11 ኣንብብ፣ ኢሳይያስ 8:19) እምበኣር፡ በዚ ኣጋንንቲ ዚጥቀሙሉ ሓደገኛ መህረሪ ኸይትታለል ተጠንቀቕ።

13. ንኣጋንንቲ ዚፈርሁ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝኸኣሉ፧

13 እኩያት መናፍስቲ ንሰባት የስሕቱ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ የፈራርሁ እውን እዮም። ኣብዚ ግዜና ሰይጣንን ኣጋንንቱን “ሓጺር እዋን” ጥራይ ከም ዝተረፎም ስለ ዚፈልጡ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጨካናት እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (ራእይ 12:12, 17) ይኹን እምበር፡ መዓልታዊ ንእኩያት መናፍስቲ ዚፈርሁ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሕጂ ኻብዚ ፍርሂ እዚ ሓራ ዀይኖም ኣለዉ። ብኸመይ እዮም ነዚ ኺገብሩ ዝኸኣሉ፧ ኣብ መናፍስትነት ዚሳተፍ ዘሎ ሰብ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

ንእኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም እትጻረሮም

14. ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብኸመይ ኢና ኻብ እኩያት መናፍስቲ ሓራ ኽንወጽእ እንኽእል፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንእኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም እንጻረሮምን ካብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ብኸመይ ሓራ ኸም እንወጽእን ይነግረና እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ከተማ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት እሞ ርአ። ገሊኦም፡ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ኣብ መናፍስትነት ይሳተፉ ነበሩ። ካብቲ ተግባር ሓራ ኺወጹ ምስ ወሰኑ፡ እንታይ እዮም ገይሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዙሓት ዚጥንቍሉ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) እዞም ሓደስቲ ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቍልና መጻሕፍቶም ብምንዳድ፡ ነቶም ሎሚ ንእኩያት መናፍስቲ ኺጻረሩ ዚደልዩ ኣብነት ሓዲጎምሎም እዮም። ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ሰባት ምስ መናፍስትነት ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ኬወግዱ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ንመናፍስትነት ዜተባብዕ ነገራት ከምኡ እውን ዚስሕብን ዚምስጥን ከም ዝዀነ ገይሩ ዜቕርቦ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ፊልምታት፡ ፖስተራት፡ ሙዚቃ ዜጠቓልል እዩ። ካብ ሓደጋ ዕቝባ ኪዀነካ ተባሂሉ ዚግበር ክታብ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር እውን ምስዚ እዩ ዚጽብጸብ።—1 ቈረንቶስ 10:21

15. ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቲ ድሕሪ ምንዳዶም እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቅልስና ምስ . . . እኩያት መናፍስቲ . . . እዩ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 6:12) እቶም ኣጋንንቲ ተስፋ ኣይቈረጹን። ኪዕወቱ ይጽዕሩ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቶም ክርስትያናት እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧ ጳውሎስ፡ “ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ [ሰይጣን] ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” በሎም። (ኤፌሶን 6:16) ዋልታ እምነትና ዝያዳ ብዝደልደለ መጠን፡ ንእኩያት መናፍስቲ ብዝያዳ ኢና እንጻረሮም።—ማቴዎስ 17:20

16. እምነትና ብኸመይ ኢና ኸነደልድል እንኽእል፧

16 ብኸመይ ደኣ ኢና እምነትና ኸነደልድል እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እዩ። ድልዳለ ሓደ መንደቕ ኣብ ብርታዐ እቲ መሰረቱ እዩ ኣጸቢቑ ዚምርኰስ። ብተመሳሳሊ፡ ድልዳለ እምነትና ብዓብዪኡ ኣብ ብርታዐ እቲ መሰረቱ ዝዀነ ልክዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚምርኰስ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብናን እንተ ኣጽኒዕናን፡ እምነትና ድልድልቲ ትኸውን። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ልክዕ ከም ድልዱል መንደቕ ብምዃን ካብ ጽልዋ እኩያት መናፍስቲ ዕቝባ ትዀነና።—1 ዮሃንስ 5:5

17. ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራሮም እንታይ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

17 እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ካልእ ስጕምቲ እዮም ኪወስዱ ዝነበሮም፧ ኣብታ ብኣጋንንቲ ዝመልአት ከተማ ይነብሩ ብምንባሮም ተወሳኺ ዕቝባ የድልዮም ነበረ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ፡ “ብዅሉ ጸሎትን ምህለላን ከኣ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ” በሎም። (ኤፌሶን 6:18) ንሕና እውን ኣብዛ ኣጋንንቲ ዝመልእዋ ዓለም ስለ እንነብር፡ ንእኩያት መናፍስቲ ምጽራሮም ምእንቲ ኽንክእል ዕቝባ የሆዋ ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና። ኣብ ጸሎትና ስም የሆዋ ኽንጠቅስ ከም ዘሎና እውን ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ምሳሌ 18:10 ኣንብብ።) እምበኣር፡ “ካብቲ እኩይ [ሰይጣን ድያብሎስ] ኣድሕነና” ኢልና ወትሩ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:13) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ልቢ ዝመንጨወ ጸሎት መልሲ ይህበሉ እዩ።—መዝሙር 145:19

18, 19. (ሀ) ኣብቲ ምስ እኩያት መናፍስቲ እንገብሮ ቓልሲ ኸም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ሕቶ እያ ኽትምለስ፧

18 እኩያት መናፍስቲ ሓደገኛታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ንድያብሎስ እንጻረሮን ንኣምላኽ እንቐርቦን ፍቓዱ እንገብርን እንተ ደኣ ዄንና፡ ክንፈርሆም የብልናን። (ያእቆብ 4:7, 8 ኣንብብ።) ሓይሎም ደረት ኣለዎ። ብግዜ ኖህ ተቐጺዖም እዮም፣ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። (ይሁዳ 6) ሓያላት መላእኽቲ የሆዋ ኸም ዜዕቍቡና እውን ኣይትረስዕ። (2 ነገስት 6:15-17) እዞም መላእኽቲ እዚኦም ንእኩያት መናፍስቲ ኣብ ምጽራር ዕዉታት ክንከውን ኣጸቢቖም ይደልዩ እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ እቶም ጻድቃን መላእኽቲ፡ ‘ኣጆኹም’ እዮም ዚብሉና። እምበኣር፡ ወትሩ ኻብ የሆዋን ካብቶም ስድራ ቤቱ ዝዀኑ እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራትን ኣይንርሓቕ። ዝዀነ ይኹን ዓይነት መናፍስትነት ነርሕቕ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚህበና ማዕዳ ድማ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) ከምዚ እንተ ደኣ ጌርና፡ ኣብቲ ምስ እኩያት መናፍስቲ እንገብሮ ቓልሲ ኸም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

19 ኣምላኽ ግና ነቶም ኣብ ደቂ ሰብ ብዙሕ መከራ ዜምጽኡ እኩያት መናፍስቲ ዀነ ንእከይ ስቕ ኢሉ ዚርእዮ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክትምለስ እያ።

^ ሕ.ጽ. 2 ራእይ 5:11 ብዛዕባ ጻድቃን መላእኽቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ቍጽሮም ድማ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት” ወይ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ ዓሰርተታት ኣሽሓት [እዩ]” ትብል። (እግረ ጽሑፍ) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ኸም እተፈጥሩ ይሕብር እዩ።