ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ

ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ፡ ኣምላኽ ድዩ ኣምጺእዎ፧

  • ኣብ ገነት ኤደን እንታይ ጕዳይ እዩ ተላዒሉ፧

  • ኣምላኽ ነቲ ኣብ ደቂ ሰብ ዚወርድ መከራ ብኸመይ ኬወግዶ እዩ፧

1, 2. ኣብዚ ግዜና ሰባት እንታይ ዓይነት መከራ እዩ ዜጋጥሞም፧ ብዙሓትከ እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓትቱ፧

ኣብ ሓንቲ ብውግእ ዝዓነወት ሃገር ከቢድ ኲናት ምስ ተገብረ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ በቲ ዂናት እተቐትሉ ሰላማውያን ኣንስትን ቈልዑን ብጅምላ ኣብ ሓደ መቓብር ተቐብሩ። ኣብ ዙርያ እቲ መቓብር ኣብ ዚርከብ ኵሉ ምልክታት ድማ፡ “ስለምንታይ፧” እትብል ቃል ተቐሪጻ ነበረት። ሰባት ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥሞም ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ነዛ ሕቶ እዚኣ እዮም ዚሓትቱ። ብሰንኪ ውግእ፡ ዕንወት፡ ሕማም፡ ወይ ዓመጻ ነቶም ዜፍቅርዎም ንጹሃት ሰባት ኪስእኑ ኸለዉ፡ ቤቶም ኪዓኑ ኸሎ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ እዚ ዘይብሃል መከራ ኼጋጥሞም ከሎ ኣብ ሓዘኖም ነዛ ሕቶ እዚኣ ይሓትቱ እዮም። ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታት ከም ዘጋጠሞም ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም።

2 ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእል፡ ፈቃር፡ ጥበበኛ፡ ከምኡ እውን ፍትሓዊ እንተ ዀይኑ፡ ዓለም ብጽልእን ግፍዕን ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

3, 4. (ሀ) ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ምሕታት ጌጋ ኸም ዘይኰነ ዜርእየና እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እከይን መከራን ከመይ ይስምዖ፧

3 ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዘፍቀደ ምሕታትሲ ጌጋ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምሕታት ኣብ ኣምላኽ እኹል እምነት ከም ዘይብሎም ወይ ንኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘየርእዩ ዜመልክት ከይከውን ይጭነቑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ግና፡ እሙናትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎምን ሰባት ተመሳሳሊ ሕቶ ኸም ዝነበሮም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ነብዪ ኣንባቆም ንየሆዋ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧ ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶ።—ኣንባቆም 1:3

የሆዋ ንዅሉ መከራ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

4 የሆዋ ነቲ እሙን ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብምሕታቱ ገሲጽዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ልቢ ዝመንጨወ ቓላት ኣንባቆም ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣእተዎ። ንጹር ምርዳእ ኬጥርን ዝደልደለት እምነት ክትህልዎን እውን ሓገዞ። የሆዋ ንዓኻ እውን ተመሳሳሊ እዩ ኺገብረልካ ዚደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ” ኢሉ ኸም ዚምህር ኣይትረስዕ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ እከይን ብሰንኩ ዚመጽእ መከራን ይጸልእ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኣብ ዓለም መከራ ኣመና ዝበዝሐ፧

መከራ ኣመና ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

5. ንደቂ ሰብ ስለምንታይ መከራ ኸም ዜጋጥሞም ንምግላጽ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ምኽንያታት እዩ ዚውሃብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ እዩ ዚምህር፧

5 እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ናብ መራሕትን መምህራንን ሃይማኖቶም ከይዶም መከራ ኣመና ዝበዝሓሉ ምኽንያት ሓቲቶም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ዚወርድ መከራ ብፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ዜጋጥም ነገራት፡ እንተላይ ነቲ ዜሕዝን ፍጻመታት ነዊሕ ይገብር ከም ዝወሰኖን ዚገልጽ መልሲ እዩ ዚውሃቦም። መገድታት ኣምላኽ ምስጢር ምዃኑ ወይ ንሰባት እንተላይ ንሕጻናት ከም ዚሞቱ ዚገብሮም ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪዀኑ ኢሉ ምዃኑ ይንገሮም። ከምቲ ኣቐዲምካ እተመሃርካዮ ግና የሆዋ ኣምላኽ፡ ሕማቕ ዘበለ ነገር ኣይገብርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ” ይብል።—እዮብ 34:10

6. ብዙሓት ሰባት በዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መከራ ንኣምላኽ ተሓታቲ ዚገብርዎ ስለምንታይ እዮም፧

6 ሰባት ብዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ንኣምላኽ ተሓታቲ ዚገብርዎ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተሓታቲ ዚገብርዎ፡ ናይ ሓቂ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ንሱ ስለ ዚመስሎም እዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ቐሊል፡ ግናኸ ኣገዳሲ ሓቂ ኣይፈልጥዎን እዮም። ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተማሂርካዮ ኢኻ። እቲ ናይ ሓቂ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

7, 8. (ሀ) ዓለም ንባህርያት እቲ ገዛኢኣ እተንጸባርቕ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ዀነ “ግዜን ኣጋጣምን” ንመከራ ወዲ ሰብ ዘጋደዶ ብኸመይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ብንጹር ይጠቅስ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ሕስብ ከተብሎ ኸለኻ፡ እዚ ዚውሓጠልካ ነገርዶ ኸይኰነ፧ እወ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ባህርያት እቲ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር እያ እተንጸባርቕ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን ጽልኢ ዝመልኦን መታለልን ጨካንን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ዓለም እውን ጽልእን ምትላልን ጭካነን ዝመልኣ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መከራ ኣመና ዝበዝሐ።

8 መከራ ኣመና ዝበዝሓሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 3 እተገልጸ ደቂ ሰብ ካብቲ ኣብ ገነት ኤደን እተፈጸመ ዕልዋ ኣትሒዞም ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ምዃኖም እዩ። ሓጥኣን ሰባት ገዛእቲ ኪዀኑ ስለ ዚቃለሱ፡ እዚ ውግእን ጭቈናን መከራን ኣስዓበ። (መክብብ 4:1፣ 8:9) መከራ ዝሃለወሉ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ፡ “ግዜን ኣጋጣምን” ዜምጽኦ ነገር እዩ። (መክብብ 9:11 ኣንብብ።) የሆዋ ኣብ ዘይገዝኣን ዕቝባኡ ኣብ ዘይብላን ዓለም፡ ሰባት ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም መከራ ይወርዶም እዩ።

9. የሆዋ መከራ ኪቕጽል ዘፍቀደሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

9 ኣምላኽ መከራ ዜምጽእ ዘይምዃኑ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። በቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቒ ዘሎ ውግእ፡ ገበን፡ ጭቈና፡ ወይ ብባህርያዊ ሓደጋ እውን ከይተረፈ ተሓታቲ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ መከራ ኺህሉ ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ ኽንፈልጥ የድልየና እዩ። ኵሉ ዚኽእል ካብ ኰነ፡ ደው ኬብሎ ሓይሊ ኣለዎ። ስለምንታይ ደኣሉ ስጕምቲ ዘይወስድ፧ እቲ ፈቃር ኣምላኽ መሸም ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎ ኣለዎ።—1 ዮሃንስ 4:8

ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ ተላዕለ

10. ሰይጣን እንታይ እዩ ኣብ ሕቶ ዘእተወ፧ ብኸመይከ፧

10 ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ንምፍላጥ፡ ናብቲ መከራ ዝጀመረሉ እዋን ተመሊስና ኽንሓስብ ኣሎና። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ሕጊ የሆዋ ኸም ዚጥሕሱ ኺገብሮም ከሎ፡ ኣገዳሲ ሕቶ ተላዒሉ እዩ። ሰይጣን ንሓይሊ የሆዋ ኣይኰነን ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ። ሓይሊ የሆዋ ደረት ከም ዘይብሉ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል እዩ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ። ሰይጣን ንየሆዋ ኻብቶም ተገዛእቱ ጽቡቕ ነገር ዚሓብእ ሓሳዊ እዩ ብምባል፡ ክፉእ ገዛኢ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸሰሶ። (ዘፍጥረት 3:2-5 ኣንብብ።) ደቂ ሰብ ብኣምላኽ እንተ ዘይተገዝኡ ኸም ዚሕሾም ዚእምት ዘረባ ተዛረበ። እዚ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ እተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ።

11. የሆዋ ነቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ዓለወኛታት ብኡብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ዓለዉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘የሆዋ ኺገዝኣና ኣይንደልን ኢና። ቅኑዕን ጌጋን ብርእስና ኽንውስን ንኽእል ኢና’ እዮም ኢሎም። የሆዋ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ እዩ መዕለቢ ኺገብረሉ ዚኽእል፧ እቶም ዓለወኛታት ጌጋ ምዃኖምን መገዱ እቲ ዝበለጸ ምዃኑን ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብኸመይ ኪምህሮም ይኽእል፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ኣጥፊኡ ኸም ብሓድሽ ኪጅምር ነይርዎ ይብሉ ይዀኑ። የሆዋ ግና ብዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ኣቢሉ ንምድሪ ኺመልኣ ዕላማኡ ምዃኑ ገሊጹ እዩ፣ ኣብ ምድራዊት ገነት ኪነብሩ ድማ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28) ኵሉ ሳዕ ከኣ ዕላማኡ ይፍጽም እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ብዘይካዚ እውን ነቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ዓለወኛታት ምጥፋኦም ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል እተላዕለ ሕቶ ኣይምመለሶን ነይሩ።

12, 13. የሆዋ ንሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኪኸውንን ንደቂ ሰብ ብርእሶም ኪመሓደሩን ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ ዜረድእ መብርሂ ሃብ።

12 ሓደ መብርሂ እስከ ንርአ። ሓደ መምህር ንተምሃሮኡ ኸቢድ ግድል ብኸመይ ከም ዚፈትሑ ይነግሮም ከም ዘሎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ሓደ በሊሕ ግና ከኣ ዓለወኛ ተምሃራይ ነቲ እቲ መምህር ዚጥቀመሉ መገዲ ጌጋ ምዃኑ ይዛረብ። እቲ መምህር ክኢላ ዘይምዃኑ ድሕሪ ምዝራብ፡ ነቲ ግድል ንምፍታሕ ዜኽእል ኣጸቢቑ ዝሓሸ መገዲ ኸም ዚፈልጥ ይዛረብ። ገሊኦም ተምሃሮ እቲ ዓለወኛ ተምሃራይ ቅኑዕ ዝዀነ ይመስሎም እሞ ዓለወኛታት ይዀኑ። እቲ መምህር እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ነቶም ዓለወኛታት ካብቲ ኽፍሊ እንተ ኣባሪርዎም፡ ኣብቶም ካልኦት ተምሃሮ እንታይ ጽልዋ እዩ ዚህልዎ፧ እቲ መማህርቶምን እቶም ምስኡ ዝሓበሩን ቅኑዓት ከም ዝዀኑ ገይሮም ኣይምኣመኑንዶ፧ ኵሎም እቶም ኣብታ ኽፍሊ ዝተረፉ ተምሃሮ፡ እቲ መምህር ጌጋ ምዃኑ ኸይፍለጥ ኢሉ ኸም ዝዀነ ብምእማን ንዕኡ ዘለዎም ኣኽብሮት ምነከየ። እንተዀነ ግና፡ እቲ መምህር ነቲ ዓለወኛ ተምሃራይ፡ ነቶም ደቂ ኽፍሉ ኸመይ ገይሩ ነቲ ግድል ከም ዚፈትሖ ባዕሉ ኼርእዮም ይፈቕደሉ ንበል።

እዚ ተምሃራይ ካብ መምህሩ ዚበልጽ ድዩ፧

13 የሆዋ ምስቲ እቲ መምህር ዝገበሮ ዚመሳሰል ስጕምቲ እዩ ወሲዱ። ነቲ ጕዳይ ዚምልከቶም እቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ዓለወኛታት ጥራይ ዘይምንባሮም ዘክር። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ እውን ይዕዘቡ ነይሮም እዮም። (እዮብ 38:7፣ ዳንኤል 7:10) የሆዋ ነቲ ዕልዋ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንዅሎም እዞም መላእኽቲ እዚኦም፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣጸቢቑ ዚትንክፍ እዩ። ስለዚ፡ እንታይ ገበረ፧ ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰብ ከም ዚገዝኦም ኬርኢ ፈቐደሉ። እወ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰይጣን ብርእሶም ኪመሓደሩ ፈቐደሎም።

14. የሆዋ ንሰባት ብርእሶም ኪመሓደሩ ምፍቃዱ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

14 እቲ ኣብ መብርሂና ዝጠቐስናዮ መምህር፡ እቲ ዓለወኛን ምስኡ ዝሓበሩ ተምሃሮን ግጉያት ምዃኖም ይፈልጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዘበገስዎ ሓሳብ መርትዖ ኬቕርቡ ዕድል ምሃቡ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኽፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ኸም ዚጠቅም እውን ይፈልጥ እዩ። እቶም ዓለወኛታት መርትዖ ኬቕርቡ ምስ ዘይክእሉ፡ ኵሎም ቅኑዓት ተምሃሮ ነታ ኽፍሊ ንምምራሕ ብቕዓት ዘለዎ እቲ መምህር ጥራይ ምዃኑ ኺግንዘቡ እዮም። እቲ መምህር ድሕሪኡ ንዝዀነ ይኹን ዓለወኛ ንምንታይ ካብ ክፍሉ ኸም ዚሰጕጎ ኺርድኦም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባትን መላእኽትን እቲ ሰይጣንን ምስኡ ዝዓለዉን ዝበልዎ ነገር ከም ዝፈሸለ ኸምኡ እውን ሰባት ብርእሶም ኪመሓደሩ ኸም ዘይክእሉ ምርኣዮም ከም ዚጠቕሞም የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ ኤርምያስ፡ “ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ብምባል ዝገለጾ፡ ነቲ ኣገዳሲ ሓቂ ኺፈልጡ እዮም።—ኤርምያስ 10:23

ነዊሕ ግዜ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

15, 16. (ሀ) የሆዋ ንነዊሕ እዋን መከራ ኪቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንዜስካሕክሕ ገበንን ካልእ ከምኡ ንዝኣመሰለ እከይን ዘየወገዶ ስለምንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ንነዊሕ ግዜ መከራ ኪቕጽል ዘፍቀደ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ሕማቕ ነገራት ንኸየጋጥም ኢሉ ስጕምቲ ዘይወስድ፧ እቲ ኣብቲ መብርሂ እተጠቕሰ መምህር ዘይገብሮ ኽልተ ነገር እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ነቲ ዓለወኛ ተምሃራይ ጕዳዩ ንኸየረድእ ኣይዓግቶን እዩ። ካልኣይ፡ ነቲ ዓለወኛ ጕዳዩ ኼረድእ ኣይሕግዞን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ዘይገብሮ ኽልተ ነገር እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ንሰይጣንን ነቶም ምስኡ ዝሓበሩን ቅኑዓት ምዃኖም መርትዖ ኻብ ምቕራብ ኣየቋረጾምን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ግዜ ኺሓልፍ ምፍቃድ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ብኣሽሓት ዓመታት ዚቝጸር ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሰባት ንዅሉ ዓይነት ርእሰ ምምሕዳር ወይ ሰብኣዊ መንግስትታት ኪፍትኑ ኽኢሎም እዮም። ደቂ ሰብ ኣብ ስነ ፍልጠትን ካልእ ዓውድታትን እተወሰነ ምዕባለታት እኳ እንተ ገበሩ፡ ምጕዳል ፍትሕን ድኽነትን ገበንን ውግእን ግና እናገደደ እዩ ኸይዱ። ሰብኣዊ ግዝኣት ከንቱ ምዃኑ ተራእዩ እዩ።

16 ካልኣይ፡ የሆዋ ንሰይጣን ነዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ምግዛእ ኣይሓገዞን፡ ከይገዝኣ እውን ኣይዓገቶን። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ነቲ ዜስካሕክሕ ገበን እንተ ዜልግሶ ነይሩ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ እቶም ዓለወኛታት ዜበገስዎ ጕዳይ ይሕግዝ ከም ዘሎዶ ኣይምዀነን፧ እዝስ ምናልባት ደቂ ሰብ ብዘይ ጐዳኢ ሳዕቤናት ርእሶም ኬመሓድሩ ይኽእሉ እዮም ዚብል ሓሳብ ኣብ ሰባት ከም ዚኣቱ ደይኰነን ዚገብር፧ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ስጕምቲ እንተ ዚወስድ፡ ኣብቲ ሓሶት ምተሳተፈ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።’—እብራውያን 6:18

17, 18. የሆዋ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ግዝኣት ደቂ ሰብን ጽልዋ ሰይጣንን ዝሰዓበ ጕድኣት እንታይ ኪገብሮ እዩ፧

17 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዕልዋ ኣብ እተፈጸመሉ ዓመታት ዘጋጠመ ጕድኣት ግና እንታይ እዩ ኺግበር፧ የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ነቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጠሞም መከራ ኼወግዶ ይኽእል እዩ፣ ብርግጽ እውን ኪገብሮ እዩ። ኣቐዲምና ኸም እተመሃርናዮ፡ እዛ ዓንያ ዘላ ምድርና ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ሓጢኣት በቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢልካ ኺድምሰስ ከሎ፡ እቶም ዝሞቱ እውን ብትንሳኤ ህያዋን ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ኣቢሉ ኸኣ ንየሱስ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” ኪጥቀመሉ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) የሆዋ ነዚ ዅሉ ኣብ ግዜኡ ኺፍጽሞ እዩ። ሳላ ትዕግስቱ ሓቂ ኽንፈልጥን ከነገልግሎን ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸብና፡ ኣቐዲሙ ስጕምቲ ዘይምውሳዱ የሐጕሰና እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9, 10 ኣንብብ።) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግና ኣምላኽ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የናድዮምን ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን መከራ ኺጻወሩ ይሕግዞምን ኣሎ።—ዮሃንስ 4:23፣ 1 ቈረንቶስ 10:13

18 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪዓልዉ ኸም ዘይክእሉ ገይሩ ብምፍጣር ነዚ ዅሉ መከራ ኼወግዶ ኣይምኸኣለንዶ፧’ ኢሎም ይሓትቱ እዮም። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ኽቡር ውህበት ክትዝክር ኣሎካ።

ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ውህበት ብኸመይ ኢኻ ኽትጥቀመሉ፧

ኣምላኽ ንዜጋጥመካ መከራ ኽትጻወሮ ኺሕግዘካ እዩ

19. የሆዋ እንታይ ክቡር ውህበት እዩ ዝሃበና፧ ስለምንታይከ ኢና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና፧

19 ኣብ ምዕራፍ 5 ደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሒዞም ከም እተፈጥሩ ርኢኻ ኢኻ። እዚ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ተገንዚብካዶ፧ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሎም እንስሳታት ፈጢሩ እዩ፣ ኵሎም ከኣ ብባህረት እዮም ጥበበኛታት ዝዀኑ። (ምሳሌ 30:24) ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ዚህቦም ትእዛዝ ኪስዕቡ ፕሮግራም እተገብሩ ሮቦት ሰሪሑ እዩ። ኣምላኽ ከማታቶም እንተ ዚገብረና ምተሓጐስናዶ፧ ኣይፋልን፣ እንታይ ዓይነት ሰብ ክንከውን፡ እንታይ ዓይነት ናብራ ኽንነብር፡ እንታይ ዓይነት ዕርክነት ክንምስርት፡ ከምኡ እውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንምውሳን ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና ሕጉሳት ኢና። እተወሰነ ናጽነት ክንረክብ ምኽኣልና የሐጕሰና እዩ፣ ኣምላኽ እውን ነዚ ኽንረክብ እዩ ዚደልየና።

20, 21. ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ብኸመይ ኢና ብዝበለጸ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ ከምዚ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

20 የሆዋ ብግዲ ኺግልገል ኣይደልን እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ነዚ ንምብራህ ነዛ እትስዕብ ሕቶ እስከ ርአ። ሓደ ወላዲ ዚሕጐስ፡ ውሉዱ በል ስለ እተባህለ ጥራይ “አፍቅረካ እየ” እንተ ዚብሎ ድዩ ወይስ ባዕሉ ኻብ ልቡ ኸምኡ እንተ ዚብሎ፧ ስለዚ፡ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ‘ንስኻኸ ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብኸመይ ኢኻ እትጥቀመሉ፧’ ዚብል እዩ። ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብሕማቕ መገዲ እዮም ተጠቒሞምሉ። ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ ነጸግዎ። ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧

21 ነቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀመሉ ኣጋጣሚ ኣሎካ። ምስቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝቘሙ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፍጡራት ክትሓብር ትኽእል ኢኻ። ሰይጣን ሓሳውን ክፉእ ገዛእን ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ብንጥፈት ስለ ዚሳተፉ፡ ንኣምላኽ የሐጕስዎ እዮም። (ምሳሌ 27:11) ንስኻ እውን ነቲ ቕኑዕ መገዲ ህይወት ብምምራጽ፡ ነዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እዚ ኺግለጽ እዩ።