ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ

ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
  • ኣምላኽ ንህይወት ብኸመይ ይርእዮ፧

  • ኣምላኽ ንምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ይርእዮ፧

  • ንህይወት ኣኽብሮት እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

1. ንዅሉ ህያው ዘበለ ዝፈጠሮ መን እዩ፧

ነብዪ ኤርምያስ ንየሆዋ፡ “ብሓቂ ኣምላኽ” ከምኡ እውን “ህያው ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ኤርምያስ 10:10) ብተወሳኺ እውን የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ዅሉ ህያው ፍጡር እዩ። ሰማያውያን ፍጡራት ንዕኡ፡ “ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ” ኢሎምዎ እዮም። (ራእይ 4:11) ንጉስ ዳዊት ንኣምላኽ ኣብ ዚውድስ መዝሙር፡ “ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ” በለ። (መዝሙር 36:9) እምበኣር፡ ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበትና ውህበት እያ።

2. ኣምላኽ ብህይወት ክንነብር እንታይ ይገብረልና፧

2 የሆዋ ብህይወት ክንነብር እውን የኽእለና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) እንበልዖ ምግቢ፡ እንሰትዮ ማይ፡ እነስተንፍሶ ኣየር ይህበና፡ ከምኡ እውን እንነብረላ ምድሪ ኣዳልዩልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:15-17 ኣንብብ።) ንህይወት ከነስተማቕራ ብእንኽእለሉ መገዲ እዩ ነዚ ሂቡና። እንተዀነ ግና፡ ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ከነስተማቕራ፡ ሕግታት ኣምላኽ ክንምሃርን ክንእዘዝን ኣሎና።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ንህይወት ኣኽብሮት ምርኣይ

3. ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣቤል እተፈጸመ ቕትለት ብኸመይ ረኣዮ፧

3 ኣምላኽ ንህይወትና ዀነ ንህይወት ካልኦት ኣኽብሮት ኪህልወና እዩ ዚደሊ። ንኣብነት፡ ብግዜ ኣዳምን ሄዋንን፡ እቲ ቃየል ዚብሃል ወዶም ነቲ ኣቤል ዝስሙ ምንኣሱ ሓዉ ኣመና ተቘጥዖ። የሆዋ ንቃየል፡ ቍጥዓኡ ናብ ከቢድ ሓጢኣት ኪመርሖ ኸም ዚኽእል ኣጠንቀቖ። ቃየል ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ በሎ። “ቃየል ንሓዉ ኣቤል ኣጥቅዖ፡ ቀተሎ ድማ።” (ዘፍጥረት 4:3-8) ቃየል ንሓዉ ስለ ዝቐተለ፡ የሆዋ ቐጽዖ።—ዘፍጥረት 4:9-11

4. ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ኪህሉ ዚግባእ ኣረኣእያ ብኸመይ ኣጕልሐ፧

4 ብኣሽሓት ዚቝጸር ዓመታት ጸኒሑ፡ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኼገልግልዎ ሕግታት ሃቦም። እዚ ሕግታት እዚ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ ስለ እተዋህበ፡ ሓድሓደ ግዜ ሕጊ ሙሴ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ሓደ ኻብቲ ሕጊ፡ “ኣይትቕተል” ዚብል ነበረ። (ዘዳግም 5:17) እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንህይወት ሰብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእን ሰባት ንህይወት ካልኦት ኣኽቢሮም ኪርእዩ ኸም ዘለዎምን ንእስራኤላውያን መሃሮም።

5. ንምንጻል ጥንሲ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

5 ህይወት እቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዘሎ ሕጻንከ ብኸመይ እዩ ኺርአ ዚግባእ፧ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ንዘሎ ሕጻን ምቕታል ጌጋ ነበረ። እወ፡ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ህይወት እውን እንተ ዀነ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ዘጸኣት 21:22, 23፣ መዝሙር 127:3 ኣንብብ።) እዚ ድማ ምንጻል ጥንሲ ጌጋ እዩ ማለት እዩ።

6. ንሰባት ክንጸልእ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ንህይወት ኣኽብሮት ምህላው ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ሰባት ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ እውን የጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ፣ ቀታል ነፍሲ ዘበለ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር ትፈልጡ ኢኹም” ይብል። (1 ዮሃንስ 3:15) ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ጽልኢ ሱር መብዛሕትኡ ዓመጻ ስለ ዝዀነ፡ ንሰባት ዘሎና ጽልኢ ኻብ ሱሩ ኽንምሕዎ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 3:11, 12) ንሓድሕድና ፍቕሪ ኽትህልወና ኽንምሃር ኣሎና።

7. ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ ዜርኢ ገለ ልማዳት እንታይ እዩ፧

7 ንህይወትናኸ ብኸመይ ኢና ኣኽብሮት እነርኢ፧ ሰባት ብባህርይኦም ኪሞቱ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግና ሓጐስ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ እዮም። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ሽጋራ የትክኹ፡ ጫት ይሓይኩ፡ ወይ ሓሽሽ ይወስዱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኣካላት ይጐድእ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ናብ ሞት የብጽሕ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልማድ ዘለዎ ሰብ ንህይወት ኣኽቢሩ ኣይርእያን እዩ። እዚ ልማዳት እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርኹስ እዩ። (ሮሜ 6:19፣ 12:1፣ 2 ቈረንቶስ 7:1 ኣንብብ።) ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ነዚ ልማዳት እዚ ኽንሓድጎ ኣሎና። እዚ ኸቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ዜድሊ ሓገዝ ኪህበና ይኽእል እዩ። ንህይወትና ኸም ክብርቲ ውህበት ጌርና ንምሓዝ እንገብሮ ጻዕርታት እውን የማስወሉ እዩ።

8. ንድሕንነት ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ንህይወት ኣኽብሮት ነርኢ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብዛዕባ ድሕንነት ሰባት ወትሩ ጥንቁቓት ንኸውን ኢና። ግዲ ዘይብሎም ኣይንኸውንን፡ ሓጐስ ወይ ደስታ ንምርካብ ኢልና ድማ ኣብ ሓደጋ ኣይንኣቱን ኢና። ማኪና ኽንዝውር ከለና ንጥንቀቕ፡ ኣብ ዓመጻ ዝመልኦ ወይ ኣብ ሓደገኛ ስፖርት ድማ ኣይንሳተፍን። (መዝሙር 11:5) ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ “[ለጥ ዝበለ ናሕሲ ዘለዎ] ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ” ዚብል ሕጊ ሃቦም። (ዘዳግም 22:8) ምስዚ ኣብዚ ሕጊ እዚ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብምስምማዕ፡ ኣብቲ ኣብ ቤትካ ዚርከብ መደያይቦ፡ ሰብ ተሓንኲሉ ምእንቲ ኸይወድቕ እሞ ኸቢድ ጕድኣት ከይወርዶ፡ እቲ መዳያይቦ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ኪኸውን ኣለዎ። ማኪና እንተ ኣልያትካ፡ ንሓደጋ እተቃልዕ ከይትኸውን ኣረጋግጽ። ቤትካን ማኪናኻን ንዓኻ ዀነ ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኪኸውን ኣይግባእን።

9. ንህይወት ኣኽብሮት እንተ ኣልዩና፡ ንእንስሳታት ብኸመይ ኢና እንሕዞም፧

9 ህይወት እንስሳታትከ፧ እዚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቕዱስ ጌርካ እዩ ዚርአ። ኣምላኽ ንምግቢ፡ ንኽዳን፡ ወይ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል እንስሳታት ክንቀትል ፈቒዱ እዩ። (ዘፍጥረት 3:21፣ 9:3፣ ዘጸኣት 21:28) ይኹን እምበር፡ ንእንስሳታት ብጭካነ ምሓዝ ወይ ክትዘናጋዕ ኢልካ ምቕታሎም ጌጋ እዩ፣ ንቕድስና ህይወት ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ ኸኣ የርኢ።—ምሳሌ 12:10

ንደም ኣኽብሮት ምርኣይ

10. ኣምላኽ ኣብ መንጎ ህይወትን ደምን ዘሎ ምትእስሳር ብኸመይ ገለጸ፧

10 ቃየል ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ፡ የሆዋ፡ “ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” በሎ። (ዘፍጥረት 4:10) ኣምላኽ፡ ደም ኣቤል ኪብል ከሎ፡ ንህይወት ኣቤል እዩ ዜመልክት ነይሩ። ቃየል ንኣቤል ስለ ዝቐተሎ፡ ኪቕጻዕ ነበሮ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ደም ወይ ህይወት ኣቤል፡ ፍትሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ይጠርዕ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ህይወትን ደምን ዘሎ ምትእስሳር፡ ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እውን ተራእዩ እዩ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ሰባት ፍረታትን ኣሕምልትን ኣእካልን ጥረታትን ይበልዑ ነበሩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ ግና የሆዋ ንኖህን ደቁን፡ “ዚንቀሳቐስ እንስሳ ዘበለ ዅሉ ህያው፡ ምግቢ ይኹንኩም” በሎም። “ግናኸ፡ ስጋ ምስ ህይወቱ፡ ማለት ምስ ደሙ፡ ኣይትብልዑ” ብምባል ቀይዲ ገበረሎም። (ዘፍጥረት 1:29፣ 9:3, 4) እምበኣር፡ የሆዋ ንህይወት ሓደ ፍጡር ምስ ደም ኣጸቢቑ ኸም ዜተኣሳስሮ ንጹር እዩ።

11. ኣምላኽ ካብ ግዜ ኖህ ኣትሒዙ ደም እንታይ ከይግበር እዩ ዝኸልከለ፧

11 ደም ብዘይምብላዕ ንደም ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ “ሓደ ኻብ እስራኤላውያን . . . ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ ብሓመድ ይኽደኖ። . . . ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘሌዋውያን 17:13, 14) እቲ ኣምላኽ 800 ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ ደም እንስሳ ኸይብላዕ ንኖህ ዝሃቦ ሕጊ ኣብቲ እዋን እቲ እውን ኣይፈረሰን ነይሩ። የሆዋ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንጹር እዩ ነይሩ። ኣገልገልቱ ስጋ እንስሳ ኺበልዑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ደሙ ግና ኪበልዑ ኣይነበሮምን። ነቲ ደም ኣብ ምድሪ ኪኽዕውዎ ነበሮም፣ እዚ ድማ ህይወት እቲ ፍጡር ናብ ኣምላኽ ከም እተመልሰት የመልክት።

12. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ እንታይ ትእዛዝ እዩ ሕጂ እውን ዚዓዪ፧

12 ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኵሎም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነየናይ ትእዛዛት ኪሕልዉ ኸም ዘለዎም ንምውሳን፡ ሃዋርያትን ካልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ሰዓብቲ የሱስን ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ “መንፈስ ቅዱስን ንሕናንሲ ብዘይካ እዚ እተገብአ ነገራት እዚ፡ ካልእ ሓለፋ ጾር ከይንውስኸልኩም ሓሲብና ኣለና፣ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ካብ ደምን ካብ ሕኑቕን [“ሕሉቕን፡” እግረ ጽሑፍ] ካብ ምንዝርናን ርሓቑ” ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሑ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 21:25) ስለዚ፡ ካብ ‘ደም ክንርሕቕ’ ኣሎና። ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኻብ ኣምልኾ ጣኦትን ካብ ዝሙትን ክንርሕቕ ዚጽበየና፡ ካብ ደም እውን ክንርሕቕ እዩ ዚደልየና።

ሓኪምካ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተ እንተ ዚብለካ፡ ብሰራውር ደምካ ምተወጋእካዮዶ፧

13. እቲ ኻብ ደም ክንርሕቕ እተዋህበ ትእዛዝ፡ ንምምሕልላፍ ደም እውን ከም ዚምልከት ብመብርሂ ኣረድእ።

13 ካብ ደም ክንርሕቕ እተዋህበ ትእዛዝ፡ ንምምሕልላፍ ደምከ ዚምልከት ድዩ፧ እወ፡ ይምልከት እዩ። ነዚ ንምብራህ፡ ሓደ ሓኪም ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተ ኢሉካ ንበል። ከምዚ ኺብል ከሎ ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ ዘይብልካ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰራውር ደምካ ኽትውግኦ ትኽእል ኢኻ ማለቱ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ብተመሳሳሊ ኸኣ ካብ ደም ምርሓቕ ኪብሃል ከሎ፡ ፈጺምና ናብ ኣካላትና ኸም ዚኣቱ ዘይምግባር ማለት እዩ። ካብ ደም ክንርሕቕ እተዋህበና ትእዛዝ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብሰራውርና ኣቢሉ ደም ኪህበና ዘይምፍቃድ ማለት እዩ።

14, 15. ሓካይም ንሓደ ክርስትያን ደም ክትወስድ ኣሎካ እንተ ኢሎምዎ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

14 ሓደ ክርስትያን ከቢድ ጕድኣት ምስ ዚረኽቦ ወይ ከቢድ መጥባሕቲ ኺገብር ምስ ዚደሊኸ፧ ሓካይም ደም ኪወስድ ከም ዘለዎ፡ እንተ ዘይኰይኑ ግና ከም ዚመውት ተዛሪቦም ንበል። እቲ ክርስትያን ኪመውት ከም ዘይደሊ ፍሉጥ እዩ። ነታ ኣምላኽ ዝሃቦ ኽብርቲ ውህበት ዝዀነት ህይወት ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ፡ ንደም ዘየጠቓልል ካልእ ዓይነት ሕክምናታት ይቕበል እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ደገፍ ኪግበረሉ ሓገዝ ይደሊ፡ ኣብ ክንዲ ደም ኰይኑ ዜገልግል ካልእ ኣማራጺታት እውን ይቕበል።

15 ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ብህይወት ንምንባር ኢሉ ግና ሕጊ ኣምላኽ የፍርስ ድዩ፧ የሱስ፡ “ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 16:25) ክንመውት ኣይንደልን ኢና። ሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትና ኸነድሕን እንተ ጽዒርና ግና ነታ ናይ ዘለኣለም ህይወትና ኣብ ሓደጋ ኢና ነእትዋ። እምበኣር፡ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት እንተ ሞይትና፡ እቲ ወሃብ ህይወትና ኣብ ትንሳኤ ኸም ዚዝክረናን ነታ ኽብርቲ ህይወት እንደገና ኸም ዚህበናን ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ ሕጊ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ እምንቶ ነሕድር።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ እብራውያን 11:6

16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም እንታይ ቈራጽነት እዮም ገይሮም ዘለዉ፧

16 ሎሚ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ንእተዋህቦም መምርሒ ንምስዓብ ቈሪጾም እዮም ተላዒሎም ዘለዉ። ብዝዀነ ይኹን መልክዕ ደም ኣይበልዑን እዮም። ንሕክምና ኢሎም እውን ደም ኣይቅበሉን እዮም። * እቲ ንደም ዝፈጠረ ንዖኦም ዚሓይሽ ከም ዚፈልጥ ርግጸኛታት እዮም። ንስኻኸ ኸምኡ ዓይነት እምነት ኣሎካዶ፧

ደም ኣብ ግቡእ መዓላ ኺውዕለሉ ዚኽእል እንኮ መገዲ

17. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል የሆዋ ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ ጥራይ እዩ ነይሩ፧

17 ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደም ኣብ ግቡእ መዓላ ኺውዕለሉ ዚኽእል እንኮ መገዲ ኣጕሊሑ ኣሎ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኻብ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዚጽበዮ ኣምልኾ፡ “ህይወት እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣ እቲ . . . ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም” በሎም። (ዘሌዋውያን 17:11) እስራኤላውያን ኪሓጥኡ ኸለዉ፡ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ብምቕራብ፡ ገለ ኻብቲ ደሙ ኣብ ማሕደር ወይ ከኣ ኣብቲ ጸኒሑ እተሃንጸ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ ዚርከብ ዝነበረ መሰውኢ የፍስስዎ ነበሩ። ደም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ጥራይ እዩ ኣብ ግቡእ መዓላ ኺውዕል ዚኽእል ነይሩ።

18. ካብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እንታይ ረብሓን በረኸትን ክንረክብ ንኽእል፧

18 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ስለ ዘይኰኑ፡ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳታት ኣየቕርቡን፡ ደሞም እውን ኣብ መሰውኢ ኣየፍስሱን እዮም። (እብራውያን 10:1) ይኹን እምበር፡ እቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ንደም ኣብ መሰውኢ ብምፍሳስ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ተግባር፡ ጽላሎት እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ኽቡርን ናይ መወዳእታን መስዋእቲ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም እተመሃርናዮ፡ የሱስ ደሙ መስዋእቲ ኪኸውን ብምፍሳስ ነታ ሰብኣዊት ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኸፈላ። ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ንዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ናብ ኣምላኽ ኣቕረቦ። (እብራውያን 9:11, 12) እዚ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ኪግበረልና መሰረት ኣንበረ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ድማ መገዲ ኸፈተ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) እዚ ደም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለሉ መዓላስ ክሳዕ ክንደይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀን እዩ! (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብምእማን ጥራይ ኢና ድሕነት ክንረክብ እንኽእል።

ንህይወትን ደምን ዘሎካ ኣኽብሮት ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

19. ካብ ‘ደም ኵሎም ሰባት ንጹሃት’ ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ህይወት ስለ ዝሃበና ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና። እዚኸ ብዛዕባ እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ብምእማን ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኻልኦት ንምንጋር ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧ እቲ ኣምላኽ ንህይወት ሰባት ዘለዎ ኣኽብሮት፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብሃንቀውታን ብቕንኣትን ክንፍጽሞ ይድርኸና። (ህዝቅኤል 3:17-21 ኣንብብ።) ነዚ ሓላፍነት እዚ ብትግሃት እንተ ፈጺምናዮ፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሃየ መስክሩ፣ ከመይሲ፡ ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ንዓኻትኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን” ክንብል ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27) ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ምንጋር፡ ንህይወትን ደምን ዝለዓለ ኣኽብሮት ከም ዘሎና እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ብዛዕባ እቲ ደም ከይትወስድ ዚሕግዝ ኣማራጺ ሕክምናታት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ደም ብኸመይ እዩ ንህይወትካ ኼድሕና ዚኽእል፧ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 13-17 ተወከስ።