ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ኣርባዕተ

ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
  • ንፉዕ ሰብኣይ ክትከውን እንታይ የድሊ፧

  • ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

  • ንፉዕ ወላዲ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

  • ውሉዳት፡ ናብራ ስድራ ቤቶም ዜሐጕስ ኪኸውን ብኸመይ እጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ፧

1. ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ንምርካብ ዜድሊ ቐንዲ ነገር እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ብናብራ ስድራ ቤትካ ኽትሕጐስ እዩ ዚደሊ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ኪፍጽሞ ዘለዎ ግደ ብምግላጽ መምርሒ ይህብ እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ምስቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ምኽሪ ተሰማሚዖም ግዲኦም ምስ ዚፍጽሙ፡ ብዙሕ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ። የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” በለ።—ሉቃስ 11:28

2. ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ እዩ ዚምርኰስ፧

2 ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣለሉ ቀንዲ መገዲ፡ ስድራ ቤት ካብቲ የሱስ “ኣቦና” ዝበሎ የሆዋ ዝመንጨወ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ኣብ ምድሪ ዘለዋ ዅለን ስድራ ቤታት ሳላ ሰማያዊ ኣቦና እየን ኪህልዋ ዝኸኣላ፣ ንሱ ድማ ንስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪገብረን ዚኽእል እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ይፈልጥ እዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ዘለዎ ግደ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ስድራ ቤት ካብ ኣምላኽ መንጨወ

3. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣጀማምራ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብኸመይ ይገልጾ፧ እቲ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

3 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ፈጠሮም፣ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዚዀኑ ድማ ገበሮም። ኣብ ሓንቲ ኤደን እትብሃል ኣብ ምድሪ ዝነበረት ምልክዕቲ ገነት ኣንበሮም፣ ውሉዳት ኪወልዱ እውን ነገሮም። “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” በሎም። (ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:18, 21-24) እዚ ልቢ ወለድ ወይ ጽውጽዋይ ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ የሱስ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ኣጀማምራ ስድራ ቤት ዚገልጽ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 19:4, 5) ብዙሕ ጸገማት ዜጋጥመና እኳ እንተ ዀነ ኸምኡ እውን ሕጂ ዘሎ ህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ስድራ ቤት ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣለሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።

4. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ሓጐስ ኣብ ምምጻእ ብኸመይ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ህይወት የሱስ መጽናዕቲ ምግባር ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ዝመጸ ንኣምላኽ ብምምሳል ኣብ ስድራ ቤቱ ንዚህሉ ሓጐስ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 5:1, 2) እንተዀነ ግና፡ ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል ካብ ኰንና፡ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧ የሆዋ ነቲ በዅሪ ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ስለ ዝሰደደልና፡ ብእኡ ኣቢልና ተግባራቱ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 1:14, 18) እዚ የሱስ ክርስቶስ ዝስሙ ወዲ እዚ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ስለ ዝመሰሎ፡ ንዕኡ ምርኣይን ምስማዕን፡ ልክዕ ንየሆዋ ኸም ምርኣይን ምስማዕን እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕሪ ብምፍላጥን ኣብነቱ ብምስዓብን፡ ነፍሲ ወከፍና ናብራ ስድራ ቤትና ብዝያዳ ዜሐጕስ ኪኸውን ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ንሰብኡት ዚኸውን ኣርኣያ

5, 6. (ሀ) እቲ የሱስ ንጉባኤኡ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ንሰብኡት ኣርኣያ ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧

5 ሰብኡት ንኣንስቶም ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ገይሩ ዚከናኸኖም ገይሮም ኪከናኸኑወን ከም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣ . . . ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ ክርስቶስ እውን ነታ ጉባኤኡ ኸምኡ እዩ ዚገብረላ።”ኤፌሶን 5:23, 25-29

6 የሱስ ነታ ብደቀ መዛሙርቱ ዝቘመት ጉባኤ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ንሰብኡት ፍጹም ኣርኣያ እዩ ዚኸውን። ካብ ፍጽምና ኣመና ዝረሓቑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ህይወቱ ኣብ ክንዳኦም ብምስዋእ፡ “ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃንስ 13:1፣ 15:13) ንሰብኡት እውን ብተመሳሳሊ፡ “ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡ ኣይትነድሩለን” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ቈሎሴ 3:19) ሓደ ሰብኣይ ብፍላይ ሰበይቱ ሓድሓደ ግዜ ብዘይምስትውዓል ስጕምቲ ትወስድ እንተ ዀይና፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ኺዓይየሉ ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧ ናይ ርእሱ ጌጋታትን ኣምላኽ ይቕረ ኺብለሉ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎን ኪዝክር ኣለዎ። እንታይከ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ነቶም ዝበደልዎ ኺሓድገሎም ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንብዓልቲ ቤቱ እውን ዜጠቓልል እዩ። ንሳ እውን እንተ ዀነት ከምኡ ኽትገብር ኣለዋ። (ማቴዎስ 6:12, 14, 15 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ገሊኦም ሰባት ዕዉት ሓዳር፡ ስምረት ናይ ክልተ ንፉዓት ይቕረ በሃልቲ እዩ ዝበሉ ስለምንታይ ምዃኖም ኣጸቢቑ ተረዲኡካዶ፧

7. የሱስ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ዘእተወ፧ ንሰብኡትከ እንታይ ኣርኣያ እዩ ዝገደፈሎም፧

7 የሱስ ወትሩ ንደቀ መዛሙርቱ ይሓልየሎም ከም ዝነበረ ሰብኡት ኬስተውዕሉ ኣለዎም። ዓቕሞምን ብስጋ ዜድልዮም ነገራትን ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ንኣብነት፡ ምስ ደኸሙ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም። (ማርቆስ 6:30-32) ኣንስቲ እውን ሓልዮት የድልየን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተነቃፊት ኣቕሓ” ኢሉ ይገልጸን፣ ሰብኡት ‘ኬኽብርወን’ ድማ ይእዝዝ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰብኡትን ኣንስትን ብማዕረ “ጸጋ ህይወት” ይረኽቡ እዮም። (1 ጴጥሮስ 3:7) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜኽብረካ ነገር፡ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ዘይኰነስ፡ ተኣማንነት ምዃኑ ሰብኡት ኪዝክሩ ይግባእ።—መዝሙር 101:6

8. (ሀ) “እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር” ኪብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) “ሓደ ስጋ” ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን እንታይ ሓላፍነት የሰክሞም፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብኣይ ኪዛረብ ከሎ፡ “እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር” ይብል። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ሰብኣይን ሰበይትን ‘ደጊም ሓደ ስጋ እምበር፡ ክልተ ስለ ዘይኰኑ’ እዩ። (ማቴዎስ 19:6) ስለዚ፡ ኣብ ንሓድሕዶም እንተ ዘይኰይኑ ምስ ካልእ ሰብ ብጾታዊ ጕዳይ ኪተናኸፉ የብሎምን። (ምሳሌ 5:15-21፣ እብራውያን 13:4) ነዚ ንምግባር ኣብ ክንዲ ንርእሶም ዚጥዕሞም፡ ሓደ ነቲ ኻልእ ዜድልዮ ነገራት ኪፍጽሙ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 7:3-5) “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን” ዚብል መዘኻኸሪ ኺትኰረሉ ኣለዎ። ሰብኡት ነቲ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ጸብጻብ ዚህቡ ምዃኖም ብምዝካር፡ ንኣንስቶም ከም ርእሶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባእ።—ኤፌሶን 5:29፣ 1 ቈረንቶስ 11:3

9. ኣብ ፊልጲ 1:8 እንታይ የሱስ ዘርኣያ ባህርይ እያ ተጠቒሳ ዘላ፧ ሰብኡት ነዛ ባህርይ እዚኣ ንኣንስቶም ኬርእይወን ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ‘ኸም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ’ ተዛሪቡ ነይሩ። (ፊልጲ 1:8) ለውሃት የሱስ ባህ ዜብል ብምንባሩ፡ ነተን ደቀ መዛሙርቱ ዝነበራ ኣንስቲ ይስሕበን ነበረ። (ዮሃንስ 20:1, 11-13, 16) ኣንስቲ ኸኣ፡ ሰብኡተን ብለውሃት ፍቕሮም ኬርእይወን ብሃረርታ እየን ዚጽበያ።

ንኣንስቲ ዚኸውን ኣብነት

10. የሱስ ንኣንስቲ ኣብነት ዝዀነን ብኸመይ እዩ፧

10 ስድራ ቤት ከም ሓንቲ ማሕበር እያ፣ ብስኒት ንጥፈታታ ኽትፍጽም ድማ ርእሲ የድልያ። የሱስ እኳ ኸይተረፈ ኺግዝኦ ዚግባእ ርእሲ ኣለዎ። ከምቲ “ርእሲ ሰበይቲ . . . ሰብኣይ” ዝዀነ፡ “ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ” እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ኵላትና ኽንግዝኦ ዚግባእ ርእሲ ስለ ዘሎና፡ የሱስ ንርእስነት ኣምላኽ ዚግዛእ ምዃኑ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና።

11. ሰበይቲ ንሰብኣያ ብኸመይ እያ ኽትርእዮ ዘለዋ፧ እዚኸ ኣብ ኣካይዳኣ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

11 ዘይፍጹም ሰብኣይ ጌጋታት ይገብር፡ ነቲ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ኪፍጽሞ ዘለዎ ሓላፍነት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ኣይፍጽሞን እዩ። እሞ ደኣ ሰበይቲ እንታይ እያ ኽትገብር ዘለዋ፧ ነቲ ሰብኣያ ዚገብሮ ኸተቈናጽቦ ወይ ባዕላ ርእሲ ኽትከውን ክትፍትን የብላን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህዱእን ልኡምን መንፈስ ክቡር ከም ዝዀነ ኽትዝክር ኣለዋ። (1 ጴጥሮስ 3:4) ነዚ መንፈስ እዚ ምስ እተንጸባርቕ፡ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ንኣምላኽ ክትግዛእ ዝቐለለ ዀይኑ ኽትረኽቦ እያ። ብዘይካዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ትኽብሮ” ይብል። (ኤፌሶን 5:33) ሰብኣያ ንርእስነት ክርስቶስ ዘይተቐበለ ምስ ዚኸውንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ፡ “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣ ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም” ይብል።—1 ጴጥሮስ 3:1, 2

12. ሰበይቲ ሓሳባታ ብኣኽብሮት ምስ እትገልጽ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሓንቲ ሰበይቲ ብዓል ቤታ ኸምኣ ኣማኒ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ እተፈልየ ሓሳባ ብሜላ እንተ ገሊጻትሉ ተሕስሮ ኣይኰነትን ዘላ። ኣረኣእያኣ ቕኑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተ ሰሚዕዋ ኸኣ እታ ስድራ ቤት ብምልእታ ትጥቀም ትኸውን። ሓደ ግዜ ኣብርሃም ነቲ ሰበይቱ ሳራ ኣብ ቤቶም ንዝነበረ ሽግር ንምፍታሕ ዝሃበቶ ሓሳብ እኳ እንተ ዘይተሰማምዓሉ፡ ኣምላኽ ግና “ቃላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 21:9-12 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ሰብኣይ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዘይጋጮ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ሰበይቱ ነቲ ውሳነኡ ብምድጋፍ እትግዝኦ ምዃና ኸተርኢ ኣለዋ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ኤፌሶን 5:24

ሳራ ንኣንስቲ እንታይ ሰናይ ኣብነት እያ ገዲፋትለን፧

13. (ሀ) ቲቶስ 2:4, 5 ሓዳር ንዘለወን ኣንስቲ እንታይ ኪገብራ እያ እትምሕጸነን፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕን እንታይ ይብል፧

13 ሰበይቲ ንስድራ ቤታ ንምክንኻን ዘለዋ ሓላፍነት ብእተፈላለየ መገዲ ኽትፍጽሞ ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ ሓዳር ዘለወን ኣንስቲ “ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ . . .፣ ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ ኪዀና” ኸም ዘለወን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ቲቶስ 2:4, 5) ነዚ እትፍጽም ሰበይትን ኣደን ካብ ስድራ ቤታ ነባሪ ፍቕርን ኣኽብሮትን ትረክብ። (ምሳሌ 31:10, 28 ኣንብብ።) ሓዳር፡ ስምረት ዘይፍጹማት ውልቀ ሰባት ስለ ዝዀነ ግና፡ ኣብ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ኬብጽሕ ዚኽእል ከቢድ ኵነታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት ምፍልላይ ዜፍቅድ እኳ እንተ ዀነ፡ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ። . . . ሰብኣይ እውን ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ” ኢሉ ስለ ዚመክር፣ ምፍልላይ ኣፍኲስካ ዚርአ ነገር ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 7:10, 11) ቅዱሳት ጽሑፋት ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል እንኮ ምኽንያት፡ ዝሙት ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ።—ማቴዎስ 19:9

ንወለዲ ዚኸውን ፍጹም ኣብነት

14. የሱስ ንቘልዑ ብኸመይ እዩ ዝሓዞም፧ ውሉዳትከ ኻብ ወለዶም እንታይ እዮም ዚደልዩ፧

14 የሱስ ንቘልዑ ብዘርኣዮ ኣተሓሕዛ ኣቢሉ ንወለዲ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ካልኦት ንቘልዑ ናብኡ ኸይመጹ ኺዓግትዎም ምስ ፈተኑ፡ ንሱ ግና “ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ፡ “ነቶም ቈልዑ ሓቝፉ ድማ ኣእዳዉ ኣንቢሩ ባረኾም” ብምባል ይገልጽ። (ማርቆስ 10:13-16) የሱስ ንቘልዑ ግዜ ኻብ ሃቦም፡ ንስኻኸ ንደቅኻ ተመሳሳሊ ኽትገብር ኣይግባእንዶ፧ ሓጺር ግዜ ዘይኰነስ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ እዮም ዚደልዩ። የሆዋ ንወለዲ፡ ንደቆም ኪምህርዎም መምርሒ ስለ ዝሃቦም፡ ግዜ ወሲድካ ኽትምህሮም ኣሎካ።—ዘዳግም 6:4-9 ኣንብብ።

15. ወለዲ ንደቆም ንምዕቋብ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

15 ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ እከይ እናበዝሐ ብዝኸደ መጠን፡ ውሉዳት ካብቶም ብጾታዊ ኺብለጹሎም ዚደልዩን ብኻልእ መገዲ ኺጐድእዎም ዚጽዕሩን ሰባት ዜዕቍብዎም ወለዲ የድልይዎም እዮም። የሱስ ነቶም ብፍቕሪ “ደቀየ” ኢሉ ዝጸውዖም ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዘዕቈቦም ኣስተብህለሉ። ምስ ተታሕዘ እሞ ዚቕተለሉ እዋን ምስ ቀረበ፡ ዜምልጡሉ መገዲ ኣዳለወሎም። (ዮሃንስ 13:33፣ 18:7-9) ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ድያብሎስ ንደቅኻ ኺጐድእ ዚጽዕረሉ መገዲ ብንቕሓት ክትከታተሎ ኣሎካ። ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ኽትህቦም የድልየካ። * (1 ጴጥሮስ 5:8) ኣካላውን መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ሓደጋ፡ ከምዚ ሕጂ ገይሩ ኣስጊኡ ኣይፈልጥን።

ወለዲ ኻብቲ የሱስ ንቘልዑ ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

16. ካብቲ የሱስ ምስቶም ዘይፍጹማት ደቀ መዛሙርቱ እተመላለሰሉ መገዲ፡ ወለዲ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

16 ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻባታቶም መኖም ከም ዚዓቢ ተኸራኸሩ። የሱስ ግና ኣብ ክንዲ ዚቝጥዖም፡ ብፍቕራዊ መገዲ ብቓልን ብግብርን ካብ ምምሃር ኣየቋረጸን። (ሉቃስ 22:24-27፣ ዮሃንስ 13:3-8) ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንደቅኻ ኽትእርም ከለኻ ኣብነት የሱስ ብኸመይ ክትስዕብ ከም እትኽእል ኣስተውዒልካዶ፧ ተግሳጽ የድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ “ብልክዕ” ደኣ እምበር ከቶ ብቝጥዓ ኺውሃብ የብሉን። ‘ከም ዚወግእ ሰይፊ’ ጌርካ ሕማቕ ዘረባ ኽትዛረብ የብልካን። (ኤርምያስ 30:11፣ ምሳሌ 12:18) ውሉድካ ጸኒሑ እቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ግቡእ ምንባሩ ብዚርድኦ መገዲ እዩ ኺውሃብ ዘለዎ።—ኤፌሶን 6:4፣ እብራውያን 12:9-11

ንውሉዳት ዚኸውን ኣርኣያ

17. የሱስ ንውሉዳት ፍጹም ኣርኣያ ዝሓደገሎም ብኸመይ እዩ፧

17 ውሉዳት ካብ የሱስ ኪምሃሩ ይኽእሉዶ፧ እወ፡ ይኽእሉ እዮም። ውሉዳት ንወለዶም ብኸመይ ኪእዘዙ ኸም ዚግባእ፡ የሱስ ኣብነት ገዲፉሎም እዩ። “ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ‘ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ’ በለ። (ዮሃንስ 8:28, 29) የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ እዙዝ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ይነግሮም እዩ። (ኤፌሶን 6:1-3 ኣንብብ።) የሱስ ፍጹም ቈልዓ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ዘይፍጹማት ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን ዚብሃሉ ሰብኣውያን ወለዱ ተኣዘዞም። እዚ ድማ ኣብ ስድራ ቤቱ ሓጐስ ኪህሉ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ሉቃስ 2:4, 5, 51, 52

18. የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ወትሩ ዚእዘዝ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኸለዉ መን እዩ ዚሕጐስ፧

18 ውሉዳት ንየሱስ ብዝያዳ ዝመስሉሉን ንወለዶም ብዝያዳ ዜሐጕሱሉን መገዲ ኺረኽቡ ይኽእሉ ድዮም፧ ቈልዑ ሓድሓደ ግዜ ንወለዶም ተኣዚዞም ምምልላስ ከቢድ ኰይኑ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ግና ኪእዘዙ እዩ ዚደልዮም። (ምሳሌ 1:8፣ 6:20) የሱስ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ወትሩ ንሰማያዊ ኣቦኡ ይእዘዞ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ኸቢድ ነገር ኪፍጽም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ነዛ ጽዋእ እዚኣ [ሓደ ኺማላእ ዘለዎ ነገር] ኻባይ ኣልግሳ” በለ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦኡ እቲ ዝሓሸ ኸም ዚፈልጥ ብምስትውዓል፡ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ገበረ። (ሉቃስ 22:42) ውሉዳት እዙዛት ብምዃን ንወለዶምን ንሰማያዊ ኣቦኦምን ብዙሕ ኬሐጕስዎም ይኽእሉ እዮም። *ምሳሌ 23:22-25

መንእሰያት ኪፍተኑ ኸለዉ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪሓስቡ ዘለዎም፧

19. (ሀ) ሰይጣን ንቘልዑ ብኸመይ እዩ ዚፍትኖም፧ (ለ) ውሉዳት ዜርእይዎ ሕማቕ ጠባይ ኣብ ወለዲ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

19 ድያብሎስ ንየሱስ ፈቲንዎ እዩ፣ ንቘልዑ እውን ግጉይ ተግባራት ኪገብሩ ኸም ዚፍትኖም ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴዎስ 4:1-10) ሰይጣን ድያብሎስ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ይጥቀም እዩ፣ እዚ ድማ ንምጽራሩ ኸቢድ እዩ። እምበኣር፡ ውሉዳት ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪተዓራረኹ የብሎምን! (1 ቈረንቶስ 15:33) ዲና ጓል ያእቆብ ምስተን ንየሆዋ ዘየምልኻ ተመሓዘወት፣ እዚ ድማ ኣብ ሽግር ኣእተዋ። (ዘፍጥረት 34:1, 2) ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ኣብ ርኹስ ተግባር ምስ ዚሳተፍ፡ እታ ስድራ ቤት ብኸመይ ከም እትጕዳእ እሞ ሕስብ ኣብለሉ።—ምሳሌ 17:21, 25

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

20. ኣብ ናብራ ስድራ ቤት ሓጐስ ምእንቲ ኺህሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ቤት እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

20 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ምስ ዚዕየየሉ፡ ኣብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ጸገም ንምፍታሑ ቐሊል እዩ ዚኸውን። አረ ነቲ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ምውዓልሲ፡ መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ሰብኡት ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን፡ ከምቲ የሱስ ንጉባኤኡ ገይሩ ዚከናኸና ድማ ተኸናኸንወን። ኣትን ኣንስቲ ንርእስነት ሰብኡትክን ተገዝኣ፡ ነታ ኣብ ምሳሌ 31:10-31 ተጠቒሳ ዘላ ደገኛ ወይ ለባም ሰበይቲ ዝገደፈቶ ኣብነት እውን ስዓባ። ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣሰልጥንዎም። (ምሳሌ 22:6) ኣቱም ኣቦታት፡ ‘ንቤትኩም ኣስተናብሩ።’ (1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5፣ 5:8) ኣቱም ውሉዳት ከኣ፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም። (ቄሎሴ 3:20) ኣብ ስድራ ቤት፡ ፍጹምን ዘይጋገን ሰብ የልቦን። ስለዚ፡ ንሓድሕድኩም ይቕረ እናተበሃሃልኩም ትሑታት ኩኑ።

21. ንመጻኢ እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዘሎና፧ ሕጂ ኣብ ናብራ ስድራ ቤትና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

21 ብሓቂ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት ብዙሕ ጠቓሚ ማዕዳን መምርሕን ሒዙ ኣሎ። ብዛዕባ እታ የሆዋ ዘዳለዋ ንዕኡ ብዜምልኹ ሕጉሳት ሰባት እትመልእ ሓዳስ ዓለምን ምድራዊት ገነትን እውን ይምህረና እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ንመጻእስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ ዘሎና! ሕጂ እውን እንተ ዀነ ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኣብ ናብራ ስድራ ቤትና ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 15 ንውሉዳት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 32 ተወከስ።

^ ሕ.ጽ. 18 ወላዲ ንውሉዱ ሕጊ ኣምላኽ ኬፍርስ ኣብ ዚሓትተሉ እዋን ጥራይ እዩ፡ እቲ ውሉድ ምእዛዝ ኪኣቢ መሰል ዘለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29