ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓሙሽተ

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ

ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
  • ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዜሐጕሳ ድየን፧

  • ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ክንፈልጣ ንኽእል፧

  • ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ መን እዮም፧

1. ንኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ እንተ ኣምሊኽናዮ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

የሆዋ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይሓልየልና፡ ካብቲ ፍቕራዊ መምርሒኡ ኽንጥቀም ድማ ይደልየና እዩ። ብቕኑዕ መገዲ እንተ ኣምሊኽናዮ፡ ሕጉሳት ክንከውንን ካብ ብዙሕ ጸገማት ክንስተርን ኢና። በረኸቱን ሓገዙን እውን ክንረክብ ኢና። (ኢሳይያስ 48:17) እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ንምህር ኢና ዚብላ ብኣማእታት ዚቝጸራ ሃይማኖታት ኣለዋ። እዚኣተን ግና ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኻባና ዚጽበዮ ነገራትን ኣብ ዚምህራኦ ትምህርትታት ኣጸቢቐን ይፈላለያ እየን።

2. ንየሆዋ እነምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ እንታይ መብርሂኸ እዩ ነዚ ኽንርዳእ ዚሕግዘና፧

2 ንየሆዋ እተምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ክትፈልጦ ትኽእል፧ ንትምህርትታት ኵለን ሃይማኖታት ከተጽንዖን ከተወዳድሮን ኣየድልየካን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብሓቂ እንታይ ከም ዚብል ጥራይ ኢኻ ኽትፈልጥ ዜድልየካ። እዚ ኸኣ በዚ ዚስዕብ መብርሂ ጌርካ ኺንጽር ይኽእል። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ሓሶት ገንዘብ ይስራሕ እዩ። ናይ ሓሶት ገንዘብ ናይ ምምማይ ስራሕ እንተ ዚውሃበካ፡ ብኸመይ ኢኻ ዕዮኻ እትፍጽም፧ ንዅሉ ዓይነት ናይ ሓሶት ገንዘብ ብምዝካር ድዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ገንዘብ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ግዜኻ ብዝሓሸ መገዲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓቂ ገንዘብ እንታይ ከም ዚመስል ምስ ፈለጥካ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ከተለልዮ ትኽእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከም እነለልያ ምስ እንፈልጥ፡ ነተን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እውን ከነለልየን ንኽእል ኢና።

3. ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ፡ ካብቶም ኣምላኽ ዚቕበሎም ክንከውን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

3 ንየሆዋ ንሱ ብዚቕበሎ መገዲ ምምላኽ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ከም ዜሐጕሳ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምኡ ኢሉ ኣይምህርን እዩ። ‘ክርስትያን እየ’ ምባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የሱስ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ” በለ። እምበኣር፡ ካብቶም ኣምላኽ ዚቕበሎም ክንከውን፡ እንታይ ብቕዓታት ከነማልእን እንታይ ክንገብርን ከም ዚደልየና ኽንምሃር ኣሎና። የሱስ ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይገብሩ ዘበሉ፡ “ጠሓስቲ ሕጊ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎም። (ማቴዎስ 7:21-23) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ናይ ሓሶት ገንዘብ ብሓቂ ዋጋ የብላን። አረ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጐዳኢት እውን እያ።

4. የሱስ ብዛዕባ እተን ክልተ መገዲ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ትርጉም ዝሓቘፈ እዩ፧ ነፍሲ ወከፈንከ ናበይ እየን ዚመርሓ፧

4 የሆዋ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ፡ ንኣምላኽ ብግቡእ መገዲ ኸነምልኾን ንሱ ብዚቕበሎ መገዲ ኽንመላለስን ኣሎና። እቲ ዜሕዝን ግና ብዙሓት ከምዚ ኺገብሩ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ዝበለ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ናይ ሓቂ ሃይማኖት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ እትመርሕ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከኣ ናብ ጥፍኣት እያ እትመርሕ። የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ኪጠፍእ ኣይደልን እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኵለን ሃገራት ንዚርከቡ ሰባት ብዛዕባኡ ኺምሃሩ ኣጋጣሚ ይህቦም ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ስለዚ እምበኣር፡ ንኣምላኽ እነምልኸሉ መገዲ ንዓና ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ እዩ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከም እትልለ

5. ነቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧

5 ‘እታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ’ ብኸመይ እያ እትርከብ፧ የሱስ እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ህይወት እቶም ብኣኣ ዚመላለሱ ሰባት እትርአ ምዃና ኺገልጽ ከሎ፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። . . . ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ” በለ። (ማቴዎስ 7:16, 17) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ብእምነቶምን ብኣካይዳኦምን እዮም ዚልለዩ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ብደረጃ ጕጅለ ግና ፍቓድ ኣምላኽ እዮም ኪገብሩ ዚጽዕሩ። እቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ዚልለዩለን ሽዱሽተ ነጥቢ እስከ ንርአ።

6, 7. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧ የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትምህርትታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃርን ንምግናሕን ንምቕናዕን ብጽድቂ ንምግሳጽን ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ እውን ዚዓዪ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ስለዚ፡ እምነታትን ልምድታትን ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ኣረኣእያታት ወይ ስርዓታት ሰብ እተመስረተ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ካብቲ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚምንጩ።

7 የሱስ ክርስቶስ ንትምህርትታቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምስራት ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ ኣሎ። ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ይኣምን ነበረ፣ ኵሉ እቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ድማ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሰማማዕ ነበረ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ፡ ብተደጋጋሚ “ጽሑፍ ኣሎ” ይብል ነበረ። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ርእሶም ሓሳባት ኣይኰኑን ዚምህሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ፡ ትምህርትታቶም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ይምስርትዎ እዮም።

8. ኣምልኾ የሆዋ እንታይ የጠቓልል፧

8 እቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ንየሆዋ ጥራይ የምልኹ፣ ስሙ እውን የፍልጡ። የሱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴዎስ 4:10) እምበኣር፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ኣየምልኹን እዮም። እዚ ኣምልኾ እዚ፡ ስምን ባህርያትን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ምግባር ዜጠቓልል እዩ። መዝሙር 83:18፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ትብል። የሱስ ብጸሎት፡ “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም” ኪብል ከሎ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጡ ብምሕጋዝ ዝመጸ ኣብነት ገዲፉልና እዩ። (ዮሃንስ 17:6) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንሰባት ብዛዕባ ስምን ዕላማን ባህርያትን ኣምላኽ ይምህርዎም እዮም።

9, 10. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

9 ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ሓቅን ስስዐ ዘይብላን ፍቕሪ የርእዩ። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ቀዳሞት ክርስትያናት ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ነበረቶም። እዛ ኣምላኽ ዝመሃረና ፍቕሪ ብዓሌታውን ማሕበራውን ሃገራውን ዕንቅፋታት እትቕየድ ኣይኰነትን፣ ንሰባት ከኣ ብዘይብተኽ ማእሰር ናይ ሓቂ ሕውነት፡ ሓድነት ከም ዚህልዎም ትገብር። (ቈሎሴ 3:14 ኣንብብ።) ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሕውነት የብሎምን። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብሰንኪ ሃገራዊ ወይ ቀቢላዊ ፍልልይ ንሓድሕዶም ይቃተሉ እዮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና ንክርስትያን ሓዎም ወይ ንኻልእ ንምቕታል ኣጽዋር ውግእ ኣየልዕሉን እዮም። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር [ኣሎና]፡ . . . ከምቲ ኻብቲ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን።”—1 ዮሃንስ 3:10-12፣ 4:20, 21

10 ልክዕ እዩ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኺብሃል ከሎ ንኻልኦት ዘይምቕታል ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ንምትሕግጋዝ ኰነ ንምትብባዕ ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ከይሰስዑ ይጥቀሙሉ እዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ብግዜ ጸበባ ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ እዮም፣ ንኻልኦት ከኣ ብቕንዕና እዮም ዚቐርብዎም። ኣብ ህይወቶም እውን ነቲ “ንዅሉ፡ . . . ሰናይ ንግበር” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ይዓይዩሉ እዮም።—ገላትያ 6:10

11. ንየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ንድሕነት ተባሂሉ ኣምላኽ ዘዳለወልና መገዲ ጌርና ኽንቅበሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ንድሕነት ተባሂሉ ኣምላኽ ዘዳለወሎም መገዲ ገይሮም ይቕበልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ኣብ ምዕራፍ 5 ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ህይወቱ ንእዙዛት ደቂ ሰብ በጃ ኽትከውን ኢሉ ኣሕሊፉ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብታ ንምልእቲ ምድሪ እትገዝእ ሰማያዊት መንግስቲ ንጉስ ኪኸውን ብኣምላኽ ተሸይሙ እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ንየሱስ ክንእዘዞን ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣምላኽ ይደልየና እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ . . . ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ዚብል።—ዮሃንስ 3:36

12. ካብ ዓለም ዘይምዃን እንታይ የጠቓልል፧

12 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ዓለም ኣይኰኑን። የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ጲላጦስ ዚብሃል ሮማዊ ገዛኢ ምስ ቀረበ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ትሕቲ ዝዀነት ትኹን ሃገር ይንበሩ ብዘየገድስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እዮም ዚግዝኡ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳይ እዛ ዓለም እዚኣ ገለልትነቶም ይሕልዉ። ኣብ ግጭታት ኣይሳተፉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ሰባት ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምድጋፍ፡ ኪምረጹ ወፈራ ንምግባር፡ ወይ ከኣ ንምድማጽ ኣብ ዚገብርዎ ውሳነ ጣልቃ ኣይኣትዉን እዮም። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ፖለቲካ ገለልትነቶም እናሓለዉ፡ ሕጊ የኽብሩ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቓል ኣምላኽ ን“ሰበ ስልጣን” መንግስቲ ‘ኺግዝኡ’ ይእዝዞም እዩ። (ሮሜ 13:1) ኣብቲ ኣምላኽ ኬማልእዎ ዚደልዮም ብቕዓታትን ኣብ መንጎ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኬማልእዎ ዚደልዮም ብቕዓታትን ግጭት ኣብ ዚፍጠረሉ እዋን፡ ነቲ እቶም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ብምባል እተዛረቡ ሃዋርያት ዝገደፍዎ ኣብነት እዮም ዚስዕቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ማርቆስ 12:17

13. ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ዚርእይዋ፧ በዚ ምኽንያት እዚኸ እንታይ ስጕምቲ እዮም ዚወስዱ፧

13 ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ተስፋ ደቂ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ይሰብኩ። የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:14) ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ጸገማት ብምፍታሕ ዝመጸ ኣብ ሰብኣውያን ገዛእቲ ተስፋ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና እዮም ዚእውጁ። (መዝሙር 146:3) የሱስ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኪብል ከሎ ብዛዕባ እዛ ፍጽምቲ መንግስቲ ኽንጽሊ እዩ ምሂሩ። (ማቴዎስ 6:10) ቃል ኣምላኽ፡ እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ፡ “ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ብምባል ይንበ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14፣ 19:19-21

14. ካብ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚሕተት ብቕዓታት እተማልእ ኣየነይቲ ጕጅለ ሃይማኖት ትመስለካ፧

14 ካብዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ሓበሬታ ተመርኲስካ፡ ንርእስኻ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት፦ ‘ኣየነይቲ ጕጅለ ሃይማኖት እያ ንዅሉ ትምህርትታታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምስርትን ንስም የሆዋ እተፍልጥን፧ ኣየነይቲ ጕጅለኸ እያ ኣምላኽ ዝመሃረና ፍቕሪ እተንጸባርቕ፡ ኣብ የሱስ ዘለዋ እምነት እተርኢ፡ ካብ ዓለም ዘይኰነት፡ ከምኡ እውን መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ናይ ሓቂ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና እትሰብኽ፧ ካብ ኵለን እዘን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ጕጅለታት ሃይማኖት፡ ኣየነይቲ እያ ነዚ ዅሉ ብቕዓታት እተማልእ፧’ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኸም ዜማልኡ ብጭቡጥ እተረጋገጸ እዩ።—ኢሳይያስ 43:10-12 ኣንብብ።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

15. ኣምላኽ ብዛዕባ ህላወኡ ምእማን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

15 ንኣምላኽ ኣብኡ ብምእማን ጥራይ ከተሐጕሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከመይሲ፡ ኣጋንንቲ እውን ብህላወ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 2:19) ይኹን እምበር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይገብሩን እዮም፣ ብእኡ እውን ተቐባልነት የብሎምን። ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ከም ዘሎ ኽንኣምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቓዱ እውን ክንገብር ኣሎና። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ኽንወጽእን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንቅበልን ኣሎና።

16. ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብዛዕባ ምስታፍ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “‘ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡ ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’፣ ‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ’” ኢሉ ብምጽሓፍ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽንሳተፍ ከም ዘይብልና ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 6:17፣ ኢሳይያስ 52:11) እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኻብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ይርሕቁ እዮም።

17, 18. “ዓባይ ባቢሎን” እንታይ እያ፧ ብህጹጽ ‘ካብኣ ኽትወጽእ’ ዘሎካኸ ስለምንታይ እዩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለያ ዓይነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ክፍሊ “ዓባይ ባቢሎን” ምዃነን ይገልጽ። * (ራእይ 17:5) እዚ ስም እዚ ነታ ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ምንጪ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን እዩ ዜዘኻኽረና። ኣብዚ ግዜና ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ብዙሕ ትምህርትታትን ልምድታትን ነዊሕ ይገብር ካብ ባቢሎን ዝመንጨወ እዩ። ንኣብነት፡ ባቢሎናውያን ስላሴ ወይ ሰለስተ ብሓደ ዝዀኑ ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ስላሴ ቐንዲ ሰረተ እምነት ሓያሎ ሃይማኖታት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና የሆዋ ዚብሃል ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎን የሱስ ክርስቶስ ወዱ ምዃኑን ብንጹር እዩ ዚምህር። (ዮሃንስ 17:3) ሰብ ድሕሪ ሞት ካብ ስጋ ተፈልያ እትወጽእ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶን ኣብ መሳቐዪ ቦታ ኽትሳቐ ኸም እትኽእልን ባቢሎናውያን ይኣምኑ ነበሩ። ሎሚ እውን ሓያሎ ሃይማኖታት ኣብ ሲኦል ክትሳቐ እትኽእል ዘይትመውት ነፍሲ ወይ መንፈስ ኣላ ኢለን ይምህራ እየን።

18 ጥንታውያን ባቢሎናውያን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ እዛ ሕጂ ዘላ ዓባይ ባቢሎን ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተባሂላ ኽትፍለጥ ግቡእ እዩ። ኣምላኽ ድማ እዛ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዚኣ ብሃንደበት ከም እትጠፍእ ተነብዩ ኣሎ። እምበኣር፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ስለምንታይ ምሉእ ብምሉእ ክትፍለ ኸም ዘሎካ ተረዲኡካዶ፧ የሆዋ ኣምላኽ፡ ግዜ ኸሎካ ቐልጢፍካ ‘ኻብኣ ኽትወጽእ’ እዩ ዚደልየካ።—ራእይ 18:4, 8 ኣንብብ።

ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዄንካ ብምግልጋል፡ ካብቲ ዚጐድለካ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ረብሓ ኽትረክብ ኢኻ

19. ንየሆዋ ብምግልጋል እንታይ ረብሓ ኢኻ እትረክብ፧

19 ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትወጽእ ውሳነ ምስ ገበርካ፡ ገሊኦም ሰባት ምሳኻ ዝነበሮም ርክብ ኪበትኩ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ምስ ህዝቡ ዄንካ ብምግልጋል፡ ካብቲ ዚጐድለካ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ረብሓ ኽትረክብ ኢኻ። ከምቶም ንየሱስ ኪስዕቡ ኢሎም ዝነበሮም ነገራት ዝጠንጠኑ ቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ፡ ብዙሓት መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኪህልዉኻ እዮም። ክፍሊ እታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘለዋን ብናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝቘመትን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዝኣባላታ ዓባይ ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ክትከውን ኢኻ። “ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት” ከኣ ዜደንቕ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኺህልወካ እዩ። (ማርቆስ 10:28-30 ኣንብብ።) ምናልባት ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቶም ብሰንኪ እምነትካ ዝረሓቑኻ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ መርሚሮም ኣምለኽቲ የሆዋ ኪዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ።

20. እቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ኣብ መጻኢ እንታይ እዮም ኪረኽቡ፧

20 ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኸም ዜጥፍኦን በታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትግዛእ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ከም ዚትክኦን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9, 13) እታ ዓለም እቲኣስ ክሳዕ ክንደይ እተደንቕ ኰን እያ ኽትከውን! ኣብቲ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ስርዓት ከኣ ሓንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እትስዕብ ሃይማኖት ጥራይ እያ ኽትህሉ። እሞ ደኣ ውዓል ሕደር ከይበልካ ሕጂ ምስቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንምሕባር ዜድሊ ስጕምትታት ምውሳድሲ ጥበባዊዶ ኸይኰነ፧

^ ሕ.ጽ. 17 ዓባይ ባቢሎን ስለምንታይ ኣብ ዓለም ንዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ከም እተመልክት ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ነታ ‘ዓባይ ባቢሎን’ ምልላያ” ዘርእስታ መመላእታ ጽሑፍ ተወከስ።