ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸውዓተ

ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ

ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
  • ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

  • ኣምላኽ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ዚምልሶ፧

እቲ “ገባር ሰማይን ምድርን” ጸሎትና ኺሰምዕ ፍቓደኛ እዩ

1, 2. ጸሎት ከም ሓደ ዓብዪ መሰል ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚምህር ክንፈልጥ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ምድሪ ምስቲ ሰፊሕ ዩኒቨርስ ክትወዳደር ከላ፡ ኣዝያ ደቃቕ እያ። ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ እቲ “ገባር ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋ” ኸም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል እዮም። (መዝሙር 115:15፣ ኢሳይያስ 40:15) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ። ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ” ይብል። (መዝሙር 145:18, 19) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብለሉ! እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ቐረባና እዩ፣ ‘ብሓቂ እንተ ጸዊዕናዮ’ ኸኣ ይሰምዓና እዩ። ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

2 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ እንተ ደሊና፡ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኽንጽሊ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር እንተ ዘይፈሊጥና ግና ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ እምበኣር፡ ጸሎት ንየሆዋ ኽንቀርቦ ስለ ዚሕግዘና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ናብ የሆዋ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

3. ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዜድልየሉ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

3 ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዜድልየሉ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት፡ የሆዋ ባዕሉ ኸምኡ ኽንገብር ዚዕድመና ምዃኑ እዩ። ቃሉ ኸምዚ ብምባል የተባብዓና፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ገዛኢ ዩኒቨርስ፡ ብሕያውነት ተደሪኹ ዝገበሮ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምድላው ዕሽሽ ክንብሎ ኸም ዘይንደሊ እተረጋገጸ እዩ።

4. ኣዘውቲርና ናብ የሆዋ ምጽላይ ከመይ ገይሩ እዩ ምስኡ ንዘሎና ርክብ ዜደልድሎ፧

4 ካልእ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዜድልየሉ ምኽንያት፡ ኣዘውቲርና ምጽላይ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ዜደልድሎ ምዃኑ እዩ። ናይ ሓቂ ፈተውቲ ሓደ ነገር ኬድልዮም ከሎ ጥራይ ኣይኰነን ዚዛራረቡ። የግዳስ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ስለ ዚግደሰሉ፡ ሓሳባቶምን ጭንቀቶምን ስምዒቶምን ምሉእ ብምሉእ ኪነጋገሩ ኸለዉ ዕርክነቶም ይድልድል። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እውን ብገሊኡ መዳይ ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። በዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቢልካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን ባህርያቱን ዕላማታቱን እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር ብዙሕ ፈሊጥካ ኢኻ። ፈቐዶኡ እተበተነ ሓይሊ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ፈሊጥካ ኢኻ። እምበኣር፡ ጸሎት ነዚ ሰማያዊ ኣቦኻ ሓሳባትካን ውሽጣዊ ስምዒትካን ክትገልጸሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንየሆዋ ኽትቀርቦ ኢኻ።—ያእቆብ 4:8

እንታይ ብቕዓታት ከነማልእ ኣሎና፧

5. የሆዋ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ንዅሉ ጸሎትዶ ይሰምዖ እዩ፧ ብግዜ ነብዪ ኢሳይያስ ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን፡ “ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡ ኣይሰምዓኩምን እየ፣ ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን” በሎም። (ኢሳይያስ 1:15) ስለዚ፡ ገሊኡ እንፍጽሞ ተግባራት፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዘይሰምዖ ኺገብር ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ፡ እተወሰነ መሰረታዊ ብቕዓታት ከነማልእ ኣሎና።

6. ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ፡ ብቐዳምነት ከነማልኦ ዘሎና ብቕዓት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ነዚ ኸነማልኦ እንኽእል፧

6 ብቐዳምነት ከነማልኦ ዘሎና ብቕዓት፡ እምነት ምግባር እዩ። (ማርቆስ 11:24 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:6) እምነት ምህላው ኪብሃል ከሎ ኣምላኽ ከም ዘሎን ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖን ከም ዚምልሰልናን ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን። እምነት ብግብሪ እያ እትርአ። በቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራና እንገብሮ ነገራት፡ እምነት ከም ዘሎና ብንጹር ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 2:26

7. (ሀ) ንየሆዋ ብጸሎት ክንዛረቦ ኸለና፡ ኣኽብሮት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ናብ ኣምላኽ ብትሕትናን ካብ ልብን ክንጽሊ እንኽእል፧

7 የሆዋ እቶም ብጸሎት ናብኡ ዚቐርቡ ብትሕትናን ካብ ልብን ኪቐርብዎ እዩ ዚደሊ። ንየሆዋ ኽንዛረቦ ኸለና ትሑታት ክንከውን እኹል ምኽንያታት ኣሎና። ሰባት ምስ ንጉስ ወይ ፕረዚደንት ኪዛራረቡ ኣጋጣሚ ምስ ዚረኽቡ፡ ነቲ ዘለዎ ልዑል ስልጣን ኣብ ግምት ብምእታው ብኣኽብሮት እዮም ዜዛራርብዎ። ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸለና ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኣኽብሮት ከነርእዮ ዘይግባእ! (መዝሙር 138:6) ከመይሲ፡ ንሱ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” እዩ። (ዘፍጥረት 17:1) ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፡ እቲ ናብኡ እንቐርበሉ መገዲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ቦታ ትሑት ምዃኑ ኸም እተገንዘብና ዜርኢ ኪኸውን ይግባእ። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ትሕትና ድማ ጸሎትና ድግምጋም ኣብ ክንዲ ዚኸውን ካብ ልቢ ንኪኸውን ትድርኸና።—ማቴዎስ 6:7, 8

8. ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰምዓና ኸነማልኦ ዜድሊ ኻልእ ብቕዓት፡ ምስቲ ጸሎትና ተሰማሚዕና ምዕያይ እዩ። የሆዋ ነቲ እንጽልዮ ነገር ንምፍጻም ዓቕምና ዚፈቕደልና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር እዩ ዚደልየና። ንኣብነት፡ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ኢልና እንተ ጸሊና፡ ዝዀነ ይኹን ክንዓይዮ እንኽእል ዕዮ ተጊህና ኽንዓዪ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:11፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10) ስጋዊ ድኽመትና ንምስናፍ ኪሕግዘና እንተ ጸሊና፡ ናብ ፈተና ኺመርሓና ኻብ ዚኽእል ኵነታት ክንርሕቕ ኣሎና። (ቈሎሴ 3:5) ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኺማላእ ዘለዎ መሰረታዊ ብቕዓታት፡ ብዛዕባ ጸሎት መልሲ ዜድልዮ ኻልእ ሕቶታት እውን ኣሎ።

መልሲ እቲ ብዛዕባ ጸሎት ዚልዓል ሕቶታት

9. ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ብመን ኣቢልናኸ፧

9 ናብ መን ክንጽሊ ኣሎና፧ የሱስ ንሰዓብቱ ናብቲ ‘ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣቦና’ ኺጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9) እምበኣር፡ ጸሎትና ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኪቐርብ ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ቦታ ኽንግንዘቦ እውን ይደልየና እዩ። ኣብ ምዕራፍ 5 ኸም እተመሃርናዮ፡ የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነና በጃ ኪኸውን ናብ ምድሪ ተላእከ። (ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:12) ሊቀ ኻህናትን ፈራድን ኪኸውን እውን ተሸይሙ እዩ። (ዮሃንስ 5:22፣ እብራውያን 6:20) ስለዚ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት ብየሱስ ኣቢልና ኽንጽሊ ይነግረና። ንሱ ባዕሉ እኳ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ፡ ብወዱ ኣቢልና ናብ የሆዋ ጥራይ ክንጽሊ ኣሎና።

10. ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣድላዪ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ብኣእዳውና ዀነ ብኻልእ ክፍሊ ኣካላትና ጌርና ፍሉይ ኣቃውማ ኸነርኢ ኣይሓትተናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ኣቃውማ፡ ማለት ተቐሚጥካ፡ ፍግም ኢልካ፡ ተምበርኪኽካ፡ ደው ኢልካ፡ ወይ ከኣ ብኻልእ መገዲ ጸሎት ኪግበር ከም ዚከኣል ይምህር እዩ። (1 ዜና መዋእል 17:16፣ ነህምያ 8:6፣ ዳንኤል 6:10፣ ማርቆስ 11:25) እቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ነገር ካልኦት ዚርእይዎ ኣካላዊ ኣቃውማና ዘይኰነስ፡ ቅኑዕ ልቢ ምህላው እዩ። አረ መዓልታዊ ንጥፈታትና እናፈጸምና ኸለና ወይ ህጹጽ ነገር ምስ ዜጋጥመና እኳ፡ ኣብ ዘለናሉ ዄንና ብልብና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ፈጺሞም ዘየስተውዕሉሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና ይሰምዖ እዩ።—ነህምያ 2:1-6

11. ገሊኡ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ግቡእ ዝዀነ ብሕታዊ ጕዳያት እንታይ እዩ፧

11 ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ንየሆዋ] ኸም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 5:14) ስለዚ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ኽንጽሊኸ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ናብ የሆዋ እንጽልዮ ጸሎት፡ ከም ንቐረባ ፈታዊና እንዛረቦ ዘረባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ልብና ኣብ ቅድሚኡ ብምፍሳስ፡’ ዘሎና ዅሉ ኽንዛረቦ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 62:8) መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ስለ ዚሕግዘና፡ ነዚ ኺውሃበና ኽንልምን ኣሎና። (ሉቃስ 11:13) ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር መምርሒ ምእንቲ ኽንረክብን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንዋጽኣሉ ዜኽእል ብርታዐ ምእንቲ ኺህልወናን ክንልምን ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:5) ክንሓጥእ ከለና፡ ብመሰረት መስዋእቲ ክርስቶስ ሓጢኣትና ኺሕደገልና ኽንልምን ኣሎና። (ኤፌሶን 1:3, 7) ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ጥራይ ክንጽሊ የብልናን። ኣብ ጸሎትና ንኻልኦት ሰባት፡ ማለት ንኣባላት ስድራ ቤትናን ንክርስትያናት ብጾትናን እውን ክንጠቅስ ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 12:5፣ ቈሎሴ 4:12

12. ንሰማያዊ ኣቦና ዚምልከት ጕዳያት ኣብ ጸሎትና ቐዳማይ ቦታ እንህቦ ብኸመይ ኢና፧

12 ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኣብ ጸሎትና ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦ ኣለዎ። ስለቲ ዝገበረልና ዅሉ ሰናዩ ኻብ ልቢ ዝመንጨወ ውዳሰን ምስጋናን ክንህቦ እኹል ምኽንያት ኣሎና። (1 ዜና መዋእል 29:10-13) የሱስ ነታ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 እተጠቕሰት ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኪህብ ከሎ፡ ስም ኣምላኽ ኪቕደስ ኢልና ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ። (ኣንብብ።) ድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓዱ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ክንጽሊ ኸም ዘሎና ጠቐሰ። የሱስ ነዚ ምስ የሆዋ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ጕዳያት ድሕሪ ምጥቃሱ ኸኣ እዩ ንብሕታዊ ጕዳያት ዝጠቐሰ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ኣብ ጸሎትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ቦታ ምስ እንህቦ፡ ብብሕታዊ ጕዳያትና ጥራይ ከም ዘይንጭነቕ ኢና እነርኢ።

13. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ንውሓት ጸሎት እንታይ እዩ ዚሕብር፧

13 ንውሓት ጸሎትና ኽንደይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትና ወይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንጽሊ ኸለና ንውሓቱ ኽንደይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣይገልጽን እዩ። ካብቲ ኣብ መኣዲ ዚቐርብ ሓጺር ጸሎት ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ብብሕቲ ንየሆዋ ልብና እነፍስሰሉ ነዊሕ ጸሎት ኪፈላለ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 1:12, 15) ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም ኪመጻደቑ ኢሎም ኣብ ቅድሚ ሰባት ንርኣዩለይ ጸሎት ዜንውሑ ሰባት ኰኒንዎም እዩ። (ሉቃስ 20:46, 47) የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣይፈትዎን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ካብ ልቢ ምጽላይና እዩ። ስለዚ፡ ንውሓት እቲ እንጽልዮ ጸሎት ከከም ኣድላይነትን ኵነታትን ኪፈላለ ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ እተቕርቦ ጸሎት ኪስማዕ ይኽእል እዩ

14. መጽሓፍ ቅዱስ “ብቐጻሊ ጸልዩ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ እዚኸ ዜተባብዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ክንደይ ሳዕ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብቐጻሊ ጸልዩ፡” “ብጸሎት ጽንዑ፡” “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ብምባል የተባብዓና እዩ። (ማቴዎስ 26:41፣ ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ምሉእ መዓልቲ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኣሎና ማለት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ስለቲ ዝገበረልና ሰናይ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንና፡ መምርሕን ምጽንናዕን ብርታዐን ንምርካብ ኣዘውቲርና ኽንጽሊ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሕጸነና ዘሎ። የሆዋ ንንውሓት ጸሎትናን ክንደይ ሳዕ ክንጽሊ ኸም እንኽእልን ደረት ዘይገበረሉ ምዃኑስ ዜተባብዕዶ ኸይኰነ፧ ነቲ ንምጽላይ እተዋህበና ፍሉይ መሰል ብሓቂ እንተ ደኣ ኣማሲናሉ፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦና ንምጽላይ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ኢና።

15. ኣብ መወዳእታ ናይ ብሕቲ ዀነ ምስ ሰባት ዚቐርብ ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ክንብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እታ “ኣሜን” እትብል ቃል “እማን፡” “ብርግጽ፡” ወይ “ይኹን” ማለት እያ። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ብሕቲ ዀነ ምስ ሰባት ኴንካ ዚቐርብ ጸሎት “ኣሜን” ምባል ግቡእ ምዃኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (1 ዜና መዋእል 16:36፣ መዝሙር 41:13) ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ብሕቲ ጸሎትና “ኣሜን” ብምባል፡ እቲ ዝበልናዮ ኻብ ልቢ ምዃኑ ነርኢ ኢና። ካልእ ሰብ ንዓና ወኪሉ ጸሎት ምስ ዜቕርበልና እሞ ኣብ መወዳእታ ብልብና ወይ ዓው ኢልና “ኣሜን” ክንብል ከለና ኸኣ፡ ምስቲ እቲ ሰብ እተዛረቦ ቓላት ከም እንሰማማዕ እዩ ዜመልክት።—1 ቈረንቶስ 14:16

ኣምላኽ ንጸሎትና ዚምልሰሉ መገዲ

16. ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል፧

16 ኣምላኽ ንጸሎትና ብሓቂ ይምልሶ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ ይምልሶ እዩ! እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ነቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ልቦም ዜቕርብዎ ጸሎት ከም ዚምልሶ ኽንተኣማመን ድልዱል መሰረት ኣሎና። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ንጸሎትና ብእተፈላለየ መገዲ ኺምልሶ ይኽእል እዩ።

17. ኣምላኽ ንጸሎትና ንምምላስ መላእኽቱን ምድራውያን ኣገልገልቱን ይጥቀም እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

17 የሆዋ ንጸሎትና ንምምላስ መላእኽቱን ምድራውያን ኣገልገልቱን ይጥቀም እዩ። (እብራውያን 1:13, 14) ውልቀ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኦም ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለዩ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝኸዶም ዚሕብር ብዙሕ ተመክሮታት ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ መላእኽቲ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚመርሕዎ መርትዖ ይኸውን እዩ። (ራእይ 14:6) የሆዋ ነቲ ኽንሽገር ከለና እነቕርበሉ ጸሎት መልሲ ንምሃብ፡ ብኻልእ ክርስትያን ገይሩ ኺረድኣና ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 12:25፣ ያእቆብ 2:16

የሆዋ ንጸሎትና መልሲ ንምሃብ፡ ንሓደ ክርስትያን ብምድራኽ ኪረድኣና ይኽእል እዩ

18. የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ንምምላስ መንፈስ ቅዱሱን ቃሉን ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

18 የሆዋ ኣምላኽ ንጸሎት ኣገልገልቱ ንምምላስ መንፈስ ቅዱሱን እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እውን ይጥቀም እዩ። ፈተናታት ንምስጋር ሓገዝ ደሊና ምስ እንጽሊ፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ መምርሕን ሓይልን ብምሃብ ኪምልሰልና ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) መብዛሕትኡ ግዜ ንጸሎትና ዚኸውን መልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና፣ ኣብኡ ኸኣ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር የሆዋ ሓገዝ ይህበና። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብርን ከምዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ከነንብብን ከለና፡ ሓጋዚ ጥቕስታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወይ ብግዱሳት ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ብዚውሃብ ሓሳባት ኣቢሉ እውን ክንሓስበሉ ዚግብኣና ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ይግለጸልና እዩ።—ገላትያ 6:1

19. ንጸሎትና መልሲ ዘይረኸብና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

19 የሆዋ ንጸሎትና ምምላስ ዝደንጐየ እንተ መሲሉና፡ ኪምልሶ ስለ ዘይከኣለ ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። የግዳስ፡ ንጸሎትና ዚምልሶ ኸም ፍቓዱ ምስ ዚኸውንን ኣብቲ ግቡእ ግዜኡን ምዃኑ ኣይንረስዕ። እቲ ዜድልየና ነገር ኰነ ብኸመይ ከም ዜማልኣልና ኻባና ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኸይተሓለልና ‘ብቐጻሊ ኽንልምንን ክንደልን ኳሕኳሕ ከነብልን’ ይደሊ እዩ። (ሉቃስ 11:5-10) ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምሕላል ነቲ ነገር ብሓቂ ኸም እንደልዮን እምነትና ናይ ሓቂ ምዃናን የርኢ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሆዋ ንጸሎትና ብዘይንርድኦ መገዲ ይምልሰልና ይኸውን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓደ ፈተና ዝጸለናዮ ጸሎት፡ ነቲ ጸገም ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ክንጻወሮ ሓይሊ ብምሃብ ኪምልሶ ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።

20. ነቲ ንምጽላይ እተኸፍተልና ኽቡር ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ፈጣሪ እዚ ዅሉ ፍጥረታት ንዅሎም እቶም ብግቡእ መገዲ ብጸሎት ዚጽውዕዎ ቐረባኦም ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዚግባእ! (መዝሙር 145:18 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ነቲ ንምጽላይ እተኸፍተልና ኽቡር ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ ናብቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና።