ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም

ኣጠቓቕማን ትርጉምን መለኮታዊ ስም

ኣብቲ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ መዝሙር 83:18 ብኸመይ ተተርጒማ ኣላ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ” ትብል። ሓያሎ ኻልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዚትርጉማ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ትርጉማት ነቲ የሆዋ ዚብል ስም፡ “ጐይታ” ወይ “ዘለኣለማዊ” ብዚብል መዓርግ ተኪእዎ ኣሎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብኸመይ እያ ኽትትርጐም ዘለዋ፧ መዓርግ ድዩ ኺጥቀስ ዘለዎ ወይስ እቲ የሆዋ ዚብል ስም፧

ስም ኣምላኽ ብፊደላት እብራይስጢ

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ስም እያ እትዛረብ ዘላ። ኣብቲ መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ፡ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ፍሉይ ናይ ብሕቲ ስም እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ብናይ እብራይስጢ ፊደላት ከኣ፡ יהוה (የሀወሀ) ተባሂሉ ይጸሓፍ። ብትግርኛ ድማ፡ “የሆዋ” ተባሂሉ እዩ ዚትርጐም። እዚ ስም እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ ድዩ ዚርከብ፧ ኣይፋልን። ኣብቲ በዅሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ሳዕ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

ስም ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ ነታ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት እሞ ዘክራ። “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢላ እያ እትጅምር። (ማቴዎስ 6:9) ጸኒሑ የሱስ ናብ ኣምላኽ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸለየ። ኣምላኽ ድማ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 12:28) እምበኣር፡ ስም ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ገሊኦም ተርጐምቲ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም ኣብቲ ንሳቶም ዝተርጐምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ብመዓርጋት ዝተክእዎ፧

ክልተ ቐንዲ ምኽንያታት ዘለዎም እዩ ዚመስል። እቲ ቐዳማይ፡ ፈለማ ብኸመይ ይድመጽ ምንባሩ ሕጂ ስለ ዘይፍለጥ፡ ሓያሎ ሰባት ክንጥቀመሉ ኸም ዘይብልና ይማጐቱ። ጥንታዊ ፊደላት እብራይስጢ ብዘይ ኣድማጺ እዩ ዚጽሓፍ ነይሩ። ስለዚ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ነተን የሀወሀ ዚብላ ቓላት ብኸመይ የድምጽወን ምንባሮም ብልክዕ ዚፈልጥ የልቦን። እዚ ግና ንስም ኣምላኽ ካብ ምጥቃም ኪዓግተና ኣለዎ ድዩ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ የሱስ ዚብል ስም የሹዋ ወይ የሆሽዋ ተባሂሉ ይድመጽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣየናይ ምንባሩ ዋላ ሓደ ብልክዕ ዚፈልጦ የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብእተፈላለየ ኣደማምጻ፡ ማለት በቲ ኣብ ቋንቋኦም ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ ንስም የሱስ ይጥቀሙሉ እዮም። ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣደማምጻኡ ስለ ዘይፈለጡ ጥራይ ነቲ ስም እቲ ኻብ ምጥቃም ድሕር ኣይብሉን እዮም። ብተመሳሳሊ እውን ንስኻ ናብ ወጻኢ ሃገር እንተ ትኸይድ፡ ስምካ ብኻልእ ቋንቋ ኺጽዋዕ ከሎ ፍልይ ዝበለ ኣደማምጻ ኸም ዚጥቀሙ ተዓዚብካ ትኸውን። ስለዚ፡ ብዛዕባ ጥንታዊ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ዘሎ ምጥርጣር፡ ከይንጥቀመሉ ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ።

ስም ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚወጽእ እተገብረሉ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ልምዲ ኣይሁድ ዚተሓሓዝ እዩ። መብዛሕትኦም ስም ኣምላኽ ኪጽዋዕ ከም ዘይብሉ ይኣምኑ። እዚ እምነት እዚ ነቲ “የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕጊ ብጌጋ ኻብ ምርዳእ ዝመጸ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘጸኣት 20:7

እዚ ሕጊ እዚ ንስም ኣምላኽ ብዘይግቡእ ምጽዋዕ ይኽልክል እዩ። ንስም ኣምላኽ ብኣኽብሮት ምጽዋዕ ግና ይኽልክል ድዩ፧ ኣይፋልን። ኵላቶም ጸሓፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (“ብሉይ ኪዳን”) በቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዚመላለሱ እሙናት ሰባት እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ንስም ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ተጠቒሞምሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብብዙሓት ኣምለኽቲ ዓው ኢልካ ዚዝመር ዝነበረ ሓያሎ መዝሙራት ኣእትዮምዎ እዮም። የሆዋ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ስሙ ኺጽውዑ እውን ኣዚዝዎም እዩ፣ እሙናት ዘበሉ ድማ ነዚ ትእዛዝ እዚ ተቐቢሎም እዮም። (ዮኤል 2:32፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:21) ስለዚ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንስም ኣምላኽ ብኣኽብሮት ካብ ምጽዋዕ ድሕር ኣይብሉን እዮም።—ዮሃንስ 17:26

ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ብመዓርጋት ብምትካኦም ዓብዪ ጌጋ እዮም ገይሮም። ንኣምላኽ ካባና ዝረሓቐን ግኡዝን ከም ዚመስል እዮም ገይሮምዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንሰባት፡ ምስ የሆዋ “ናይ ቀረባ ዕርክነት” ኪምስርቱ እዩ ዚምሕጸኖም። (መዝሙር 25:14) ብዛዕባ ናይ ማሕርሮ ፈታዊኻ እሞ ሕሰብ። ስሙ ፈጺምካ ዘይትፈልጦ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኽትቀርቦ እትኽእል፧ ብተመሳሳሊ እውን ሰባት ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ዘይፈልጥዎ እንተ ዀይኖም፡ ብኸመይ እዮም ንኣምላኽ ብሓቂ ኪቐርብዎ ዚኽእሉ፧ ብዘይካዚ እውን ሰባት ንስም ኣምላኽ ዘይጥቀሙሉ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ዜደንቕ ትርጉሙ ኣይፈልጥዎን እዮም። እቲ መለኮታዊ ስም እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

ኣምላኽ ባዕሉ ትርጉም ስሙ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ሙሴ ገሊጹሉ እዩ። ሙሴ ንየሆዋ ብዛዕባ ስሙ ምስ ሓተቶ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” ኢሉ መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:14) ትርጉም ሮተርሃም ነዘን ቃላት እዚአን፡ “ከምቲ ባህ ዝብለኒ ክኸውን እየ” ኢሉ ተርጒምወን ኣሎ። እምበኣር፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንስኻ ኽትኰኖ ዝደለኻዮ ዘበለ ኽትከውን ከም እትኽእል ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንፈተውትኻ እንታይ ምገበርካሎም፧ ሓደ ኻባታቶም ከቢድ ሕማም እንተ ዚሓምም፡ ክኢላ ሓኪም ኴንካ ኸተሕውዮ ምኸኣልካ። ካልእ ፈታዊኻ ቝጠባዊ ጸገማት እንተ ኣጋጢምዎ ኸኣ፡ ሃብታም ረዳኢ ብምዃን ጸገማቱ ምፈታሕካሉ። ከም ሓቂ ግና ክትኰኖ እትኽእል ዘበለ ድሩት እዩ። ኵላትና ኸምኡ ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብዘጽናዕካ መጠን፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምፍላጥካ ኼደንቐካ እዩ። ሓይሉ ነቶም ዜፍቅርዎ ንምድጋፍ ኪጥቀመሉ ኸሎ ድማ የሐጕሶ እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) እቶም ንስም የሆዋ ዘይፈልጥዎ፡ ነዚ ባህ ዜብል ባህርያቱ እውን ኣይፈልጥዎን እዮም።

እቲ የሆዋ ዚብል ስም እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪኣቱ ኸም ዘለዎ ንጹር እዩ። ትርጉሙ ምፍላጥናን ኣብ ኣምልኾና ኣዘውቲርና ምጥቃምናን ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ንምቕራብ ዜኽእለና ሓያል ደገፍ እዩ። *

^ ሕ.ጽ. 3 ብዛዕባ ስም ኣምላኽ፡ ትርጉሙ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣብ ኣምልኾና ኽንጥቀመሉ ግቡእ ዝዀነሉ ምኽንያታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ዘርእስታ ብሮሹር ተወከስ። ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4 እውን ርአ።